ብርሃነ ልደቱ ለእግዚእነ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

“ ሕዝብ ዘይነብር ውስተ ጽልመት ርእየ ዓቢየ ወለእለሂ ይነብሩ ውስተ ጽልመት ወጽላሎተ ሞት ብርሃን ሠረቀ ሎሙ። ”

ብናይ ኢየሱስስ ክርስቶስ ልደት ፣ ብቀቢጸ ተስፋ፣ ብድንቁርና ዝነብር ዝነበረ ሰብ ፍጹም ፍልጠት ተዋሂብዎ፣ ብሞተ ሥጋ ብሞተ ነፍሲ ንነብር ዝነበረ ውልድነት ተዋሂብዎ። ብኃጢያት ዝነበሩ ሥርየተ ኃጢያት ፣ ብክሕደት ዝነብሩ ሃይማኖት ተዋሂብዎም። “ ኣብ ጸልማት ዝመላለስ ሕዝቢ ዓብይ ብርሃን ረኣየ፣ ነቶም ኣብ ምድሪ ድነ ሞት ዚነበሩውን ብርሃን ኣብርሃሎም።  ” ኢሳ.9፣2። እግዚአብሔር ኣምላኽ ንኣቦ ኹላትና ዝኾነ ኣዳም ብኣርኣያኡን ብመልክዑን ድሕሪ ምፍጣሩ ባሪኽዎ። ንኹሉ ክገዝእን ኣብ ልዕሊ ኩሉ ፍጥረት ሥልጣን ክህልዎ ጌርዎ። በረከቱን ሥልጣኑን ድኅሪ ምሃቡ ንፈጣሪኡ ዝዝክረሉ ትእዛዝ ሂቡ ኣዚዝዎ። ትእዛዙ ከኣ ናይ ፈጣሪን ፍጡርን መፍለይ፣ ናይ ኣዛዝን ተኣዛዝን ገደብ፣ ሰብ ንሕጊ ምግዛእ ከምዝግብኦ ንምርዳእ ዝተገብረ ትእዛዝ እዩ ዝነበረ። እግዚአብሔር ካብ ውህበቱ በቒቅሉ ወይ ከይህቦ ደልዩ ዘይኮነ ንኣዳም ዝሓይሽ  ስለዝኾነ እዩ። ነዚ ከኣ ብነጻ ፍቓድ ምእንቲ ክጥቐም ሓጹር ከይከለለ ዶብ ከየስመረ ብዘይ ምግዳድ ብልቦኑኡ ሓሲቡ ክውስን፣ ብትእዛዝ ካብዚ ኣይትብላዕ ኢሉ ዝሃቦ።    

ኣዳምን ሄዋንን እዚ ኩሉ ይፈልጥዎ እዮም፣ ከይጠምዩ እግዚአብሔር ካብ ኩሉ ክበልዑን ማይ’ውን ክሰትዩ ፈቒድሎም። ሰብ ግና ነቲ ኣኽቢሩ ዝፈጠሮ ፣ ኣምላኹ እግዚአብሔር ኣቀይምዎ። ብጉጉይ ምኽሪ ዲያብሎስ ተመሪሑ ካብታ ኣይትብላዕ ዝተባህለ ዕጸበለስ በሊዑ። ካብ ትእዛዝ ፈጣሪ ስለዝወጸ ከኣ በዚ ሞት ተፈሪድዎ።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ምሕረቱ ሙሉእ ፍርዱ ርቱዕ ስለዝኾነ። ከምቲ ኣቐዲሙ ዝነግሮም ካብታ ትእዛዙ እንተወጺኦም፣ መገዲ እግዚአብሔር ገዲፎም፣ ብመንገዶም እንተኸይዶም፣ ካብታ ኣይትብልዑ ዝተባህሉ ዕጸበለስ እንተበሊዖም ሞት ከምዝሞቱ። በዚ መሠረት ከኣ ኣዳምን ሄዋንን ካብ ገነት ተባሪሪም ወጹ። ኣዳም ምስ እግዚአብሔር ተባኢሱ፣ ሓድነቱ ተበቲኹ። “ አንተ መሬት ወትገብእ ውስተ መሬት ።መሬት ኢኻ እሞ ናብታ እተፈጠርካላ ምድሪ ክሳብ እትምለስ እንጌራ ብረሃጽ ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ። መሬት ኢኻ እሞ ናብ መሬት ድማ ትምለስ።” ተባሂሉ ። ዘፍ.3፣19። በዚ ከኣ ኣዳም ኣብ መከራ ጻዕርን ኣትዩ።

ኣዳም መላእኽቲ እንዳመስገነ ፣ ምስ እግዚአብሔር እንዳተዛረበ፣ ብቅድስና ፈታዊ እግዚአብሔር ኮይኑ ፣ወደይ ፈታውየይ እንዳተባህለ፣ ሃብተ ጸጋ ተዋሂብዎ ብመዓልትን ለይትን እንዳመስገነ፣ ጸጋን ረዲኤትን እግዚአብሔር መዓልትን ለይትን እንዳብዝሓሉ ብፍጹም ደስታን ሓጎስን ይነብር ኔሩ። ኮይኑ ግና ነቲ ሓጎሱ ብስንፍናኡ ክዕቅቡ ኣይከኣለን። ዘረባ ዲያብሎስ ሰሚዑ። ትእዛዝ እግዚ አብሔር ጢሒሱ።

በዚ ናይ ኣዳም ዘይምእዛዝ ከኣ ን5500 ዓመታት ዝኣክል ኩሉ ደቂ ኣዳም ዓመት ከኣ ትሕቲ ዲያብሎስ እንዳተረግጸ ይነብሩ ኔሩ።

እዚ ዘመን ስጋብ ዚፍጸም፣ ሰብን እግዚአብሔር ስለ ዘይተዓረቑ ኣዳምን ደቁን ዋላ እንተጽዓሩ እንተ ደኸሙ ፍረ ኣይነብሮን። ሕያዊት ነፍሲ ዘላቶ ወዲ ሰብ ርደተ መቓብር ርደተ ሲኦል ተፈሪድዎ፣ ኣጋንንቲ ሥጋኡ ኣብ መቓብር ነፍሱ ከኣ ኣብ ሲኦል ዘሳቅዩዋ ዘሕዝን ፍጡር ኮይኑ እዩ ተሪፉ። እዚ መቅጻዕቲ ከኣ ኣብኡ ጥራሕ ዝተረፍ ኣይነበረን ናብ ደቁን ደቁን ናብ ኩሉ ደቂ ኣዳም እንዳተወራርሰ ይኸይድ ኔሩ።።

“ እጓለ እመሕያውሰ እንዘ ክቡር ውእቱ ኢያእመረ ወኮነ ከመ እንስሳ ዘአልቦ ልብ ወተመሰሎሙ።  ምስትውዓል ዘይብሉ ሰብ ብኽብሩ እኳ ነተን ዚጠፍኣ እንስሳ እዩ ዚመስል።” መዝ.48 (49)፣20።  

ኣብ ዘመነ ኦሪት ፣ ኖህ ፣ኣብርሃም ኣበ ብዙኃን ፣ ይስሓቕ፣ ያዕቆብ፣ ኣብ ዘመነ መሳፍንቲ ፣ ሊቐ ነብያት ሙሴ፣ ኣሮን ፣ እያሱ ፣ ኣብ ዘመነ ነገሥት፣ ቅዱስ ዳዊት፣ ሰለሞን፣ ሳሙኤል ፣ ኣብ ዘመነ ነብያት፣ ኢሳይያስ ፣ኤርምያስ ፣ ሕዝቅኤል ፣ ዳኒኤል ፣ ዝኣመሰሉ ብዙሓት ዓበይቲ ሰባት ኣብዚ ምድሪ ተወሊዶም እዮም። ኮይኑ ግና እዚኦም አበው እንኳን ንኻልኦት ከድኅኑ ንነብሶም ከማን ኣይኮኑን።

“ ናይቶም ጻድቃን ኣቦታት ነፍሲ ግና ኣብ ኢድ እግዚ አብሔር እያ እሞ መከራ ኣይረኽባን። ” መጽ.ጥበብ፣  3፣1።

“ ሞት ግና ካብ ኣዳም ጀሚሩ ኽሳዕ ሙሴ ኣብቶም ማዕረ እዚ ኣበሳ ኣዳም ኃጢኣት ዘይገብሩውን ሰልጠነ። ” ሮሜ. 5፣14።

“ ኩላትና ኸም ሓደ ርኹስ ኰንና ብዘሎ ጽድቅና ከም ጽዩቕ ክዳን እዩ፣ ኩላትና ከም ቆጽሊ ቐምሰልና፣ ኣበሳና ድማ ከም ከም ንፋስ ይብቁጸና ኣሎ። ” ኢሳ.64፣6 ይብለና።

ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ዘሐጎሱ ኣቦታት ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሓቀኛ ብርሃን ናብዚ ዓለም ክመጽእ ብተስፋ ይጽበዩ ኔሮም። “ ብርሃን ዘበአማን ዘያበርህ ውስተ ዓለም ለእለ ይነብሩ ውስተ ዓለም። ” ርእሲ ዲያብሎስ ክቅጥቅጠሎም ንኽርእዩ ብተስፋ እንዳተጸብዩ። ከምዚ ይብሉ ኔሮም። መዝ. 143፣7። “ ኣእዳውካ ካብ ላዕሊ ዘርግሕ ” እንዳበሎ ይዳሃዩ ኔሮም። ምኽንያቱ ጽድቆም ፣ ካብቲ ናይ ዲያብሎስ ማእሰርቲ ከድኅኖም ኣይተኻእለን። በዚ ምኽንያቱ ኩሉ ወዲ ሰብ ኣብ ትሕቲ ኣጋንንቲ እንዳተረግጸ ን5500 ዓመት ብባርነት መግዛእቲ ይነብር ኔሩ። ናጽነቱ ቢሂጉ ናብ ኣምላኹ ይልምን ነበረ፣ ኣርዑት ከቢድዎ እግዚኦ እንዳበሉ ወትር ይጽሊ ነበር ፣ ነዚ ናይ ብርሃን መዓልቲ ንምርኣይ።

ምልኣት ዘመን ምስ መጸ እግዚአብሔር ነቲ ሓደ ወዱ ናብዛ ዓለም ለኣኾ።

ምልኣት ዘመን ምስ ኣኸል እግዚአብሔር አብ ብመልክዕ ዝመስሎ ብባሕርይ ማዕረ ዝኾነ ተቀዳምን ተኸታልን ዘይብሉ እንኮ ወዱ ናብዛ ዓለም ለኣኾ። ጸሓየ ጽድቂ ፣ ብርሃን ዘበአማን ዝኾነ ወልድ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተወልደ ኣብ ጸልማትን ክሕደትን፣ ጥርጥርን ፣ ብ ኣምልኾ ጣኦት፣ ብገቢረ ኃጢኣት ፣ ብቀቢጸ ተስፋ፣ ዝነብር ዝነብረ ሰብ፣ ብርሃን ኢየሱስ ክርስቶስ ወጺእሎም።

ኣምልኾተ ጣኦት ዘጥፍእ ፣ ክሕደትን ጥርጥርን ዘርሕቅ፣ ንድያብሎስ ዝስዕር ፣ ንሞትን መቓብርን ዝድምስስ፣ ናይ ሕዝብን ኣሕዛብን ተስፋ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ናብዚ ዓለም መጸ። ጸልማት ዝነብረት ዓለም በሪሃ። መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ክውለድ ከሎ፣ ሰላም ደስታን ድኅነትን ተሰቢኹ። “ ስብሐት ለእግዚአብሔር በሰማያት፣ ወሰላም በምድር ሥምረቱ ለሰብእ ” ተባሂሉ፣ መልእኽትን ጓሶትን ብሓንሳብ ዘሚሮም።

ቅዱስ ሉቃስ ብዛዕባ ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጸሓፎ ምስ እንርኢ  ከምዚ ይብለና። ወንጌላዊ ቅዱስ ሉቃስ ኣጸሓሕፍኡ ሥዕላዊ እዩ። ምኽንያቱ ሠዓሊ ስለ ዝነበረ። “ ሰላም ለሥዕልኪ እንተ ሠዓላ በእዱ ሉቃስ ጠቢብ እም ወንጌላውያን አሐዱ ።” መልክዓ ስእል። ከምዝተገልጸ። “ መልኣኽ እግዚአብሔር ከኣ ኣብ ጥቓኦም ደው በለ። ክብሪ እግዚአብሔር ኣብ ዙያያኦም ኣብርሄ ብዙሕ ፍርሓት ድማ ፈርሑ። እዚ መልኣኽ ድማ እንሆ ሎሚ መድኃኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ስለ ዘሎ፣ ንሱ ከኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ። ንኹሉ ሕዝቢ ዚኸውን ዓብዩ ሓጎስ ኤበስረኩም ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሑ። ምልክት ድማ እዚ ይኹንኩም ኣብ መብልዕ ማል ብዓለባ እተተቕለለ ሕጻን ደቂሱ ኽትረኽቡ ኢኹም በሎም።” ሉቃ.2፣9-13።

ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክብሪ ምስጋና ንዕኡ ይኹኖ ንዓለም ጠቕሊሉ ዝገዝእ ፣ ፈጠሩ ዘሕልፍ ኩሉ ዝከኣሎ ክንሱ ኣብ መብልዒ ማል ምስ ተወልደ ኣዲኡ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብዓለባ ጠቕለሎቶ ይብለና። መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ንሕና ዕሩቃት ኮይና ናይ ጸጋ ልብስና ተገፊፉ ፣ውልድነት ሲእንና ዝነበርና፣ እሱ ጸጋኡ ከልብሰና ምእንቲ ጥራሑ ተወሊዱ፣ ብኣዲኡ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ጸጋ ከምንለብስ’ውን ነጊሩና። እሱ ምስጋናን ጸጋን ዝመልኦ ኣምላኽ ከሎ ከም ድኻ ጥርሑ ተወሊዱ።

2ይቆረ.8፣-9። “ጸጋ ኢየሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም እሞ ንስኻትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ክትህብትሙ ሃብታም ክነሱ ምእንታኹም ደኸየ ። ” 

ንዓና ሰብ ጸጋ ክገብረና ምእንቲ ወላዲተ ኣምላክ ቅድስተ ድንግል ማርያም መዕረፊ ቦታ ምስ ሰኣነት ኣብ መብልዒ ማል ኣደቀሰቶ። ሎሚ’ውን ወላዲተ ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንገል ማርያም ንወዳ ሓቂፋ ኣብ ቤተልሔም ትርከብ እያ፣ ቤተልሔም ናይ ቤተ ክርስትያን ምሳሌ እያ። ኣደን ወዳን ከኣ ኩሉ ጊዜ ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ሕጂ’ውን ኣለዉ።

ሎሚ ቤተ ክርስትያን ዋና ዘይብላ ጥርሓ መሲልዎም ፣ ብኸምኡ ርእዮም ዝንዕቅዋ ኣይተሳእኑን፣ እሱም ግና ሰኣን ምፍላጦም እምበር ፣ ኣብኣ ዘሎ ሃብቲ ጻጋ ፣ እንተዝፈልጥዎ ኔሮም ከምኡ ኣይምገብሩን። ብቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ዝላገጽ መጻወቲ ጸላኢ ሠናያት ኮይኑ እዩ ዝተርፉ፣ ብቤተ ክርስትያን ዝላገጹን፣ ክብራ ዝንዕቁን፣ ገና ብርሃን ክርስቶስ ዘርኣዩ ፣ ብሥጋዊ ዓለም ረብሓ ዝዓውሩ ጥራሕ እዮም። ስለዚ ክብሪ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ክብርና ስለዝኾነ ንፈጣሪና ዘሐጎስ ተግባር ንግበር።

ሎሚ ብስማዊ ጥራሕ ኣማኒ ተባሂሉ ግና ኣብ መስቀለኛ መገዲ ጠጠው ዝበለ፣ ኣሰረ ዴማስ ዝኽተል፣ ምርኣይ ልሙድ እንዳኾነ ይመጽእ ኣሎ። ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ሥጋዊ መንፈሳዊነት ዘይብሉ ከም ጽድቂን ሓልዮትን መሲልዎ ከይሓነኸ ዝገብሮ ይረአ ኣሎ’ሞ ። ነብስና ንመርምር ፣ ብቃለ እግዚአብሔር ምስ ገዛእ ርእስና ንምዘና።  ስለዚ ጊዜና ንጠቀመሉ፣ ንንስሓ ዝኸውን ግዜ ገዚእካ፣ ተምጽኦ፣ ብሞቁነን ተዓዲልካ ከፋፊልካ ንጥቀመሉ ናተይ ንብሎ ኣይኮነን። ደቂስና ከም እንትስእ ርገጸናኛታት ኮይና እንዛረበሉ እዋን ኣይኮናን ዘለና። ምሕረቱ እግዚአብሔር ተሓዊስዎ እምበር፣ ኣለኹ ኢልና እንዛረበሉ ኣይኮነን። ስለዚ ከም ለባማት ቀንዴል ዘይቲና ሕጂ ንምላእ። ብኸብድና ዘይኮነ፣ ብልብና ንሕሰብ። ለይትን መዓልት ዚሕሉውና መላእክቲ ስለ ዘለዉ። ነዚ ዓመት ድኺዒ ክዱኩዓ ማይ ከስትያ ክኹስኩሳ እንንዳበሉ ምእንታና ዚልምኑ። ስለዚ ንምነ ንምስለ ንዓለም ዶ ᎒ ንዓዲ ቅዱሳን ᎒ መልሲ ኣብ ኢድና እዩ ዘሎ ቅኑዕ ንምረጽ።

ኣዴን ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንወዳ መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መብልዒ ማል ከምዘደቀሰቶ ፣ ሎሚውን ኣብ ርሑቅ ኮነ ኣብ ቀረባ ኣብ ጸገምን ሽግርን ዘለዉ፣ ክንሕግዞም ይግባኣና። ፍቅርና ብተግባር እንገልጸሉ ሓደ ካብቲ መንፈሳዊ ፍረ ስለዝኾነ። 

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወልደሉ ዕለት ለይቲ ኮይኑ ወቅቱ እዋን ቁሪ እዩ ኔሩ። እቶም ጓሶት ብፍጹም ትግሃት ማሎም ካብ ኣራዊት ይሕልዉ ኔሮም። ኣብ ከምዚ ኩነታት ከለዉ መልኣኽ እግዚአብሔር ናብኣታቶም ምስ መጸ ፣ክብሪ እግዚአብሔር ኣብ ቅድሚኦምን ከበባቢኦም ኣብሪሁ። ጸልማት ዝነብረ እዋኑ ብርሃን ተቀይሩ፣ ኣዝዩ ነጺሩ ኩሉ ተራኣዮም ፣ ጥሪቶም ዝያዳ ኣለለይዎን። እዚ ብርሃን ምድራዊ  ሰብ ዝሠርሖ ዘይኮነ፣ መለኮታዊ ብርሃን ብምዃኑ ኣዝዮም ፈርሑ። ኣምላከ ቅዱሳን ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ እዚ ክብሪ ነቶም ንዑቃት ኖሎት (ጓሶት) ቅድሚ ኩሉ ገሊጽሎም።

ድሕሪኡ ቅዱስ መልኣኽ ኣይትፍርሑ ኢልዎም። ቅዱሳን መላእኽቲ ካብቲ ሓደ ኣገልግሎቶም ንደቂ ሰባት ከረጋግኡን ከጸናንዑን እዩ።

 መላእኽቲ ንዓና ናብ እግዚአብሔር ምቅራብ ሥልጣን ስለዘለዎም ግርማኦም ዘፍርሕ ስለዝኾነ እቶም ጓሶት ምፍርሖም ርእዩ ኣይትፍርሑ ኢልዎም። በረከተ ሥጋን በረከተ ነፍስን ዝህብ መድኃኒ ዓለም ዝኾነ ናይ ባሕርይ ኣምላኽ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዘርኢ ዳዊት ኣብ ዓዲ ዳዊት  ተወሊድልኩም ኣሎ። ንኹሉ ዓለም ዝኸወን ብሥራት የብሥረኩም ኣለኹ እሞ ኣይትፍርሑ ኢሉ ኣረጋጊእዎም።

ከምቲ ቅዱስ ገብርኤል ንነብዩ ዳኒኤል “ ዳኒኤል ኣይትፍራሕ  ” ዳኒ, 10፣12። ዝበሎ ። ቅዱሳን መላእኽቲ ካብ እግዚአብሔር ተላኢኾም ኩሉ ግዜ ጸገምና መጺኦም ፍርሓትና የርሑቅልና የጸናንዑና።

ነቶም ኖሎት ከኣ ኣቅዱስ መልኣኽ ኣይትፍርሑ ዝበለሉ ተወሳኺ፣ ብቀቢጸ ተስፋ ኣብ ትሕቲ ግብርናተ ዲያብሎስ ብፍርሕን ብባርነትን ተቖሪኑ፣ ሞት ኣብ ልዕሊኡ ነጊሳ ዝነብር ዝነበረ ወዲ ሰብ፣ ብልደተ ኢየሱስ ክርስቶስ ነጻ ወጺኡ ብርሃን በሪሁሉ ብምባል ዓቢ ብሥራት ምዃኑ ኣይትፍርሑ ፣ ካብ ሕጂ ንንየው ትፈርሕሉ እዋን የለን ሓሊፉ እዩ ክብል ኢሉ እዩ።

እዚ ዓቢ ብሥራት ምድራዊ ጥራሕ ዘይኮነ ሰማያዊ እዩ’ውን ኔሩ። ሰብ ምስ እግዚአብሔር ስለ ዝተዓረቐ ፣ መልእኽቲ ተሓጊሶም ምስ ሰባት ብሓንሳብ ኮይኖም ዘሚሮም። “ ስብሐት ለእግዚአብሔር በሰማያት፣ ወሰላም በምድር ሥምረቱ ለሰብእ ” ብምባል። 

“ ካብ ሕሊና ኩሉ ኣዝዩ ዝረቀቀ ድንቂ ዝኾነ ምሥጢር ኣንክሮ ይግባእ ፣ቅድስት ድንግል ማርያም ንእግዚአብሔር ቃል ወሊዳ። ድንግል ንፈጣሪኣ ወሊዳ። እሱ ከኣ ንኣዲኡ ፈጢሩ፣ እሱ ዝፈጠሮ ሥጋ’ውን ተዋሕዶ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ እግዚአብሔር ቃል ምዃኑ ከረድእ ምእንቲ ካብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ሰብ ኮይኑ ተወሊዱ። ኣምላኽ ብሥጋ ተገሊጹ። ካብ ፍጹም ኣምላኽ ዝተረኽበ ኣምላኽ ሰብ ኮይኑ ካብ ሰብ ተወሊዱ፣ እሱ ኣብ ሥጋ ዝሓደረ ሥጋ ኣይኮነን፣ ንሥጋ ዝተዋሕደ ኣምላኽ እዩ እምበር። ” ሃይማኖተ አበው ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ .ም፣47 ክፍሊ 1።

ምምጻእ ሰብኣ ሰገል

ነዚ ዓቢ ብሥራት ንምርኣይ ሰብኣ ሰገል ብኮኽብ ተመሪሖም ኣምሃ ገጸ በረከት ሒዞም ናብ ቤተልሄም መጹ። ወላዲት ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም  ምስ ወዳ ህጻን፣ መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ  ኣብ መብልዒ ማል ረኺቦምም፣ ፍግም ኢሎም ብምስጋድ ገጸ በረከቶም ኣቅሪቦም። ዝተዓደለት ቤተልሄም ጸሓየ ጽድቅ ዝወጻላ ናይ ሰብን መላእኽትም መዘመሪ መቅደስ፣ ብሥራት ዝተበሠረላ ዓውደ ምሕረት ኮይና። ናይ ሰማያዊ ኢዮርሳሌም ዘልዓለማዊ ብርሃና ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ውሽጣ ተወሊዱ። ብኣካለ ነፍስን ሥጋን ኣብ ጸልማት ተዋሒጥና ዝነበርና ንደቂ ኣዳም ኩልና ብርሃና ሂባ። መላእኽቲ ካብ ሰማያት፣ ነገሥታት ካብ ርሑቅ ምስራቅ፣ ንጓሶት ካብ በረኻ ብብርሃና ጸዊዓቶም። ድንቂ ተኣምር።

ሰብኣ ሰገል ንኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ኣምልኾ ስግደት፣ ንቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ናይ ጸጋ ስግደት ብምስጋድ ኣምሃ ገጸ በረከቶም  ወርቒ፣ ዕጣን ፣ ከርበ ኣቕረቡ።

 ወርቒ፣

ወርቒ፣ ወርቒ ጽሩይ እዩ። ጽሩየ ባሕርይ ኢኻ ክብሉ። ከምኡ ከኣ ብኣኻ ዝኣመኑ ምእመናን ጽሩያነ ምግባር ወሃይማኖት እዮም ክብሉ ወርቒ ኣምጺኦምሉ።

ወርቒ ናይ ሃይማኖት ምሳሌ እዩ። ናይ ሃይማኖት ጽሩዩነት ዝፍለጥ መከራ ክትቕበለሉ ከለኻ እዩ። 

ብተወሳኺ ናይ ቀደም ወርቒ  ነቅርበሎም፣ እንህቦም ዝንበረና ነገሥታት ንሶም ፍጡራትን ኃላፍያን ዝሓልፉ እዮም። ንስኻ ግና ዘልዓለማዊ ዘይትሓልፍ ንጉሥ ቀዳማዊ  ኮነ ዳሕራዊ ዘይበሃለካ ኢኻ።

ዕጣን፣

ዕጣን።  እዚ ዕጣን ንዓጥነሎም ጣኦታት ፍጡራት ሓላፍትን እዩም። ንስኻ ግና ቅድም ዘይተፈጠርካ ዳሕራይ’ውን ዘይትሓልፍ ኣልፋ ወኦሜጋ ኢኻ።

ዕጣን ምዑዝ እዩ። ንስኻ ከኣ ብባሕርይኻ ምዑዝ ኢኻ። ከሙኡ ከኣ ብኣኻ ዝኣምኑ ምእመናን ምዑዛነ ምግባር ወሃይማኖት ኢዮም።

ዕጣን ናይ ተስፋ ምሳሌ እዩ። ዕጣን  ካብ ርሑቅ ከምዝሽትት ተስፋ ዘይሓዝካዮ ከምዝሓዝካዮ ፣ ዘይረኣኻዮ ከምዝረኣኻዮ ትገብር።

ከርቤ፥

ከርቤ ምሃቦም፣ ዋላ ቀደም ዘይተፈጠርካ ፣ዳኅራይውን ዘይትሓልፍ እንተኾንካ፣ ብሰውነትካ ግና መሪር ሞት ክትቅበል ኢኻ ክብሉ እዮም።

ከርቤ ዝተሰበረ ይጽግን እዩ፣ ዝተፈለየ ሓደ ይገብር፣ ንስኻውን ካብ ማኅበረ መላእኽቲ ተፈልዩ ዝነበረ ኣዳም ሓደ ትገብሮ ። ጽንዓ ነፍሲ ሂብካ ተጽንዖ። ክብሉ።

ከሙኡ ከኣ ኣብ ዕለተ ዓርቢ ከርቤ ከስትይዎ ኢሎም ከርበ ኣምጺኦምሉ። ከርቤ ናይ ምእመናን ምሳሌ እዩ። ብፍቕሪ ሓደ ስለዝኾኑ። ከርቤ ናይ ፍቕሪ ምሳሌ እዩ። ከርቤ ሓደ ከምዝገብር ፍቕሪ ከኣ ሓደ ትገብር።

ብሓፈሻኡ ሰብኣ ሰገል ወርቒ፣ ዕጣን ፣ ከርቤ አምሃ ዘቕረብሉ።  ሃይማኖት ፣ፍቕሪ፣ ተስፋ፣ ናትካ’ዩ ክብሉ እዩም። ብተወሳኺ ከኣ

ወርቒ ንመንግሥቱ፣ ዕጣን ንክህነቱ፣ ከርቤ ንሞቱ ምሳሌ እዩ።

ኣብ ናይ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ልደት ግዑዛን እንስሳ ከየተረፋ ብትንፋሰን ኣምሃ ኣቕሪበን እየን። ኣብ መብሊዒ ማል ስለዝተወልደ ፣እዋኑ ከኣ ቁሪ እዩ ፣ኔሩ እተን ግዑዛን እንስሳ ኣምላኽና ከይቆሮ ትንፋሰን ለጊሰናሉ።

ሎሚውን ንሕና ሕዝበ ክርስትያን ብትንፋስ ዝተመሰለ ጸሎትናን ምስጋናን ዘለና ኩሉ ንእግዚአብሔር ከነቕርብ ይገብኣና። ግዑዛን እንስሳ ትንፋሰን ዝተቀበለ ኣምላኽና ንዓናውን ጸሎትና ክቅበለልና እዩ። 

ስለዚ ኣብዚ በዓለ ልደት ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እንታይ ገጸ በረከት ኢና እንቅርበሉ᎒ ንስሓ፣  ፍቕሪ፣ ሕውነት፣ ስኒት፣ ሰላም፣ ምትሕግጋዝ፣ ኣብ ልብና ክውለዱ ይግባእ። ኣምላከ ቅዱሳን ናይ ተግባር ሠናይ ሰባት ይግበረና ።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚሔአብር በረከቱን ምሕረቱን የብዝሓልና ፣ወላዲት ኣምላክ ቅዱስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታት ፣ ቅዱሳን መላእኽቲ ብረዴአቶም ኣይፈለዩና። ኣሜን።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

ወለወላዲቱ ድንግል።

ወለመስቀሉ ክቡር። 

ዘሚካኤል 

Comments are closed.