በዓለ ሆሣዕና

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ምስባክ

ከመ ትንሥቶ ለጸላዒ ወለገፋዒ

እም አፈ ደቂቅ ወሕጻናት አስተዳሎከ ስብሓተ

በእንተ ጸላኢ። መዝ.8- 2።

ነቲ ጸላእን ገፋዒን ስቕ ከተብሎ

ካብ ኣፍ ቈልዑን ዚጠብውን ምስጋና ኣዳሎኻ።

መዝ.8-2።

ወንጌል ዮሓ511-31።      ግ.ሓ.28፣11-ፍጻሜ         እብ.9፣11-ፍጻሜ       1ጴጥ.4፣1-12

ቅዳሴ. ዘጎርጎርዮስ

                          

በዓለ ሆሣዕና ካብተን ሸሞንተ ሰሙናት ናይ ጾም ፵ መወዳእታ መዛዘሚት፥ ናብ ሰሙነ ሕማማት መሰጋገሪት፥ ካብተን ዓበይቲ ትሸዓተ በዓላት ናይ ጐይታ ሓደ ዝኾነት፥ ቅድሚ ፋሲካ ዘላ ዕለተ ሰንበት እያ። እዛ ዕለት እዚኣ ጐይታ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ “ንሓደ እኳ ኣይትንገር/ሪ” እናበለ ዝዛረቦም ዝነበረ ዘይኮነስ፥ ብገዛዕ ፍቓዱ ብጋህዲ ኲሉ ሰብ ካብ ሊቅ ክሳዕ ደቂቅ፥ ነበርቲ ኢየሩሳሌም ጥራይ ዘይኮኑ ካብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም በዓለ ፋሲካ ከብዕሉ ዝመጹ ኣይሁድ ኣብ ዘለውዎ ብዓቢይ ክብሪ ተዓጂቡ፥ ምእንታና ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ከድኅነና፥ ናይ ኢየሩሳሌም ዝኣተወላ ዕለት እያ። ጐይታ ብኸምዚ ዝበለ ዓቢይ ክብርን ምስጋናን ናብ ኢየሩሳሌም ኮነ ናብ ካልእ ቦታ ተዓጂቡ ከም ዝኸደ ብጀካ ኣብ ሆሣዕና ኣብ ካልእ ኣይተገልጸን። ብዛዕባ እዛ ዕለት እዚኣ ኣቐዲሞም ዝነበሩ ኣበውን ነቢያትን ፈሊጦምን ብመንፈስ ተገሊጽሎምን ብሓጎስን ፍስሓን ተነቢዮም እዮም። ነዚ ትንቢት ምስ ምሳሌኡ ብምትእስሳር ቅድስት ቤተክርስቲያን ብዝግባእ ተብዕሎ። ገለ ካብቲ ብዛዕባ ናይ ሆሣዕና ዝገልጽ ናይ ፬ ወንጌል ጽሑፋትን ካልእን ኣብ ዕለቱ ዝንበብ ክኸውን ከሎ፥ እቲ ኣቐዲሙ በብጊዜ ዝቐርብ ኣብ መዝሙረ ዳዊት ዘሎ ምስባክ ድማ ነዚ ዝስዕብ ይመስል፦

ናይ ዕለቱ ምስባክ

ዋዜማ “ንፍሑ ቀርነ በዕለተ ሠርቅ፥ በእምርት ዕለት በዓልነ፥ እስመ ሥርዓቱ ለእስራኤል ውእቱ።/ በዓል እዩ እሞ መለኸት ንፍሑ፥ ብሠርቂ ወርኅን ወርኂ ምስ መልአትን መለኸት ንፍሑ። እዚ ኣብ እስራኤል ሕጊ እዩ።” መዝ ፹፡፫/81፡3
በሌሊት ሆሣዕና “ብሩክ ዘይመጽእ በስመ እግዚአብሔር፥ ባረክናክሙ እም ቤተ እግዚአብሔር፥ እግዚአብሔር እዚእ ኣስተርኣየ ለነ።/ እቲ ብስም እግዚአብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ፥ ኣብ መቕደስ እግዚአብሔር ኴንና ንባርኸኩም ኣሎና።” መዝ ፻፲፯፡፳፮/118፡26

ዘነግህ በጊዜ ዑደት ውስተ ቤተ መቅደስ ዝበሃል

“ተፈሣሕኩ እስመ ይቤሉኒ ቤተ እግዚአብሔር ነሐውር፥ ወቆማ እገሪነ ውስተ ኣዕፃድኪ ኢየሩሳሌም፥ ኢየሩሳሌምሰ ሕንፅት ከመ ሀገር/ ናብ ቤት እግዚኣብሔር ንኺድ ምስ በሉኒ ተሓጐስኩ። ኦ ኢየሩሳሌም፥ እንሆ መጺእና ኣብ ደጌታትኪ ደው ኢልና ኣሎና።” መዝ ፻፳፩፡፩/122፡1
“ትሴብሖ ኢየሩሳሌም ለእግዚአብሔር፥ ወሰብሕዮ ለኣምላከኪ ጽዮን፥ እስከ አጽንዐ መናሥግተ ኆኃትኪ።” መዝ ፻፵፯፡፩
“ግበሩ በዓለ በትፍሥሕት በኀበ እለ ያስተሐምምዎ፥ እስከ አቅርንቲሁ ለምሥዋዕ፥ አምላኪየ አንተ እገኒ ለከ።/ ቈጻል ጨንፈር ኂዝኩም በዓል ግበሩ፥ ነቲ መሠውዒ ኸኣ ዝርዎ። ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ ኣመስግነካ ኣሎዂ።” መዝ መዝ ፻፲፯፡፳፯/118፡27
“ሀቡ አኰቴተ ለእግዚአብሔር፥ ላዕለ እስራኤል ዐቢይ ስብሓቲሁ፥ ወኃይለሂ እስከ ደመናት።/ እግዚአብሔር ኃያል ከም ዝኾነ ተአመኑ፥ ግርማኡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል፥ ኃይሉ ኣብ ሰማያት እዩ።” መዝ ፷፯፡፴፬/68፡34

ዘምዕዋድ መዝሙር

“ዘምሩ ለእግዚአብሔር ዘየኀድር ውስተ ጽዮን፥ ወንግርዎሙ ለኣሕዛብ ምግባሮ፥ እስመ ተዘከረ ዘይትኀሠሥ ደሞሙ።/ ነቲ ኣብ ጽዮን ዝነግሥ እግዚአብሔር ዘምሩሉ፥ ኣብ ማእከል አሕዛብ ግብርታቱ ንገሩ። እቲ ፈዳይ ሕነ ዝኾነ እግዚአብሔር ንጥቑዓት ይዝክሮን እዩ፥” መዝ ፱፡፲፩/9፡11
“እም ኣፈ ደቂቅ ወሕፃናት አስተዳሎከ ስብሓት፥ በእንተ ጸላኢ፥ ከመ ትንሥቶ ለጸላኢ ወለገፋዒ።/ ብኣፍ ቈልዑን ሕፃናትን ምስጋና ኣዳሎኻ፥ ንተቓወምትኻን ንጸላእትኻን ንፈዳይ ሕነን ዓገትካዮም።” መዝ ፰፡፪/8፡2
“እምሥራቀ ፀሐይ እስከነ ዐረብ፥ ወእምጽዮን ሥነ ስብሓቲሁ፥ እግዚአብሔርሰ ገሃደ ይመጽእ።/ ካብ ምብራቕ ፀሓይ ክሳዕ ምዕራብ ፀሓይ ይጽውዓ ኣሎ። ካብ ጽዮን፥ ካብታ ብጽባቔአ እተንጸባርቕ ከተማ፥ እግዚኣብሔር በሪሁ ይግለጽ ኣሎ።” መዝ ፵፱፡፩/50፡1

ከምዚ እንርእዮ በዓለ ሆሣዕና ካብቲ ናይ ጾም ፵ ሰሙናት ፍልይ ብዝበለ ሥርዓትን ኣገባብን ብብዝሕ ዝበለ ምስባካትን(መዝሙረ ዳዊት) ወንጌልን ብንባብ ይበዓለ። ካብ ቀዳም ምሸት ዋዜማ ለይቲ ማህሌት፥ ዑደት ቤተመቕደስ፥ ምዕዋድን፥ ብቅዳሴን ብኣስተምህሮን ዝበዓል እዩ። እዚ በዓል ብፍሉይን ድምቕ ብዝበለ ኣገባብን ንምንታይ እዩ ዝበዓል እንተበልና፥ ኣብ ቅድስት ቤተክርስቲያንና ብዘይ ምኽንያት ዝግበር ነገር ስለዘየሎ ሕጂ ስለዝሓተትና እትህቦ መልሲ ዘይኮነስ ቀደም ቅዱሳን ሊቃውን ከይተሓተቱ ዝመለስስዎ እዩ። ከም ኣብነት ብዛዕባ ሆሣዕና ኣብ ናይ ትርጓመ መጻሕፍቲ ካብ ዘሎ፦

ትርጉም ወንጌል

ኲሉ ሰብ ካብ ማእሰርቲ ኃጢኣት ዝፍተሓሉ ጊዜ ከም ዝቐረበ ንምርዳእ ጐይታ ኽልተ ካብ ደቀ መዛሙርቱ “ኣብ ቅድሜኹም ናብ ዘላ ዓዲ ኺዱ፥ ብኡብኡ እስርቲ ኣድጊ ምስ ዒሉኣ ኽትረኽቡ ኢዂም። ፈቲሕኲም ከኣ ኣምጽኡለይ። ዝኾነ ሰብ ሓደ ነገር እንተ በለኩም ‘ጐይታኦም ይደልዮም’ ኣሎ በሉ ብኡብኡ ድማ ኽሰዶም እዩ” ማቴ ፳፩፡፪-፫/21፡2-3 ኢሉ ብምልኣኽ ከም ዘምጽወን ገበረ። እዚ እቲ ብነቢይ “ንኢየሩሳሌም፥ እንሆ ንጉሥኪ፥ ለዋህ፥ ኣብ ኣድግን ኣብ ገልገል ኣድግን ተወጢሑ፥ ናባኺ ይመጽእ ኣሎ፥ በልዋ” ዘካ ፱፡፱-፲፩/9፡9-11 ትንቢት ምእንቲ ክፍጸም ዝኾነ እዩ። ጐይታ ድማ ዘይትኩርኩሕ ሕጊ ሰራዕኩልኩም ንምባል ኣብ ዝኹርኲህ ኮረሻ ዘይኮነ በቲ ሓዋርያት ክዳውንቶም ዝጐዝጐዝሉ ኣድጊ ተወጢሑ። ክዳን ኣብ ኣካል ንዘሎ ነውሪ ከም ዝሽፍን ንስኻ ከባቴ/ከዋሊ አበሳ ኢኻ ኢሎም ክዳኖም ጐዝጐዝሉ። ጐይታውን ኣበሳ ነውሪ ዝሽፍን ጐይታ እየ ንምባል ክዳን ኣብ ዝተጎዝጎዘ ኣድጊ ተወጥሐ። ካብ ኢየሩሳሌም ክሳዕ መቕደስ ፲፮/16 ምዕራፍ እዩ፥ ፲፬/14 ምዕራፍ ብእግሩ ከይዱ ነቲ ክልተ ምዕራፍ ድማ ብኣድጊ ተወጢሑ ተጓዒዙ፥ በታ ዒሉ ድማ ንቤተ መቕደስ ናይ ሥላሴ ሠለስትነት ከረድእ ሠለስተ ጊዜ ዘይርዋ እዩ። ፲፬ ምዕራፋት ናይ ፲/10 ትእዛዛትን ናይ ፬/4 ኪዳናት ማለት ኪዳነ ኖኅ፥ ክህነተ መልከጼዴቅ፥ ግዝረተ ኣብርሃምን፥ ጥምቀተ ዮሓንስን እዮም።

ሓሙሽተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ዓመት ኣብ ኣርባዕተ እንተ ተመቒሉ ዓሰርተው ዓርባዕተ ክኸውን ሚእቲ ይጎድሎ፥ እዚ ምስ ተፈጸመ ሰብ ከም ዝኸውን ንምራዳእ እዩ። ኣድጊ ምውጥሑ “አጠፍእ ሠረገላ እምኤፍሬም ወአፍራሰ እም ይሁዳ” ንዝተባህ ንምፍጻም፥ ብምሳሌ ድማ ቐደም ኣበው ነቢያት ናይ ጽልኢ ዘመን ዝመጽእ እንተ ኾይኑ ጸሊም ተኸዲኖም ፈረስ ተወጢሖም፥ ዘመነ ሰላም ዝመጽእ እንተ ኾይኑ ድማ ጻዕዳ ተኸዲኖም ኣብ ኣድጊ ተወጢሖም ይረኣዩ ነይሮም። በዚ ከኣ ዘመነ ሰላም በጺሑ እዩ ኢሉ ንሱ ብዝፈልጦ ትንቢትን ምሳሌን ኣዛሪቡ እዩ። ምሥጢሩ ድማ ኣብ ኣድጊ ዝተወጥሐ ጎዩ ከም ዘይሃድምን፥ ጎዩውን ከም ዘይሕዝ፥ እንተ ዘይደሊዂምኒ ኣይርከብን እንተ ድኣ ደሊዂምኒ ግና ኣይሰኣንን እየ ንምባል እዩ። ከምኡውን ነፍሶም ከም ኣድጊ ብምምሳል፥ ኣብ ንጹሓን ምእመናን ሓዲሩ ከም ዝነበር ንምርዳእ እዩ።

ኣድጊ ናይ እስራኤል ምሳሌ እያ፥ ኣድጊ ምስካም ከም ዝለመደት እስራኤል ሕጊ ምሕላው ዝለመዱ እዮም፥ ዒሉ ድማ ናይ ኣሕዛብ ምሳሌ እዮም፥ ዒሉ ምስካም ከም ዘይለመደት ኣሕዛብውን ሕጊ ምሕላው ኣይለመዱን። ኣድጊ ናይ ኦሪት፥ ዒሉ ድማ ናይ ወንጌል ምሳሌ እያ፥ ኣድጊ ምስካም ከም ዝለመደት ኦሪትውን ዝተለምደ ሕጊ እዩ፥ ዒሉ ምስካም ከም ዘይለመደ ወንጌልውን ዘይተለምደ ሕጊ እዩ።

“እቶም ሕዝቢ ብምልኦም ድማ ኽዳውንቶም ኣብ መንገዲ ኣንጸፉ፥ ካልኦትውን ካብ ኣእዋም ጨንፈር እናሰልዑ ኣብቲ መገዲ ይንስንሱ ነበሩ።” ከም ዝብል፥ እቶም ሕዝቢ ኣይኮነንዶ ንዓኻ እታ ዝተቐመጥካላ ኣድጊ እዃ መሬት ክትትንክፍ ኣይግባእና እዩ ኢሎም ኽዳውንቶም ኣንጸፉ። እዚ ከምቲ ኤልሳዕ ንኣገልጋሊኡ “ሽዑ ተቐላጢፎም ከክዳውንቶ ወሲዶም ኣብ ትሕቲኡ ኣብቲ መደያይቦ ኣንጸፉ፥ መለኸት እናነፍሑ ድማ ‘የሁ ነጊሡ’ እናበሉ ኣወጁ።” ፪/2 ነገ ፱፡፲፫/9፡13 ከም ዝብል፥ በዚ ልማድ እዩ። እቲ ኣእዋም ማለት ስየ እናሰልዑ ዝበሎ ድማ ናይ ንጉስ ናቡከደነፆር ምኽትልን ናይቲ ሠራዊት ኣውራ ኣዛዚ ዝነበረ ሆሌፌርኔስ ብዮዲት ተቐቲሉ እስራኤላውያን ዓወት ምስ ረኸቡ “ዮዲትን እተን ኺርእያኣ ዝመጻ ኣንስትን ኦም ስየ ሰሊዐን ሓጐሰን ይገልጻ ነበራ። ብቘጽሊ ኣውልዕ ዝተገብረ ኣኽሊል ድማ ኣብ ረርእሰን ገበራ።” ዮዲ ፲፭፡፲፪-፲፫/15፡12-13፥ ንዝበሎ ልማድ ገይሮም እዮም።

ስየ እሾኽ ኣለዎ፥ በዚ ድማ ትእምርቲ ኃይልን ዓወትን ኣሎካ ንምባል። ስየ ሓዊ ለብሊቡ ይገድፎ እምበር ኣይበዖን እዩ፥ በዚ ድማ ባሕርይኻ ኣይምርመርን እዩ። ተምሪ/ፍረ ናይ ስየ ገረብን ነዊሕን ከም ዝኾነ ልዑለ ባሕርይ ኢኻ። ፍሪኡ ሓደ ከም ዝኾነ ንስኻ ብባሕርይኻ ሓደ ኢኻ። ፍሪኡ ኣሿኽ እዩ፥ ባሕርይኻ እውን ኣይምርመርን እዩ ንምባል። ኣውሊዕ እውን ሰሊዖም እዮም እንተ ተባህለ፥ ካብ ኣውሊዕ ዘይቲ ይርከብ፥ ዘይቲ ጽኑዕ፥ ብሩህ፥ መሥዋዕቲ ከም ዝኾነ፥ ንስኻውን ጽኑዕ፥ ብሩህ ባሕርይን መሥዋዕትን ክትከውን ኢኻ ንምባል እዩ።

እቶም ብየማኑ ዝነበሩ ናይ ጻድቃን ብጸጋሙ ዝነበሩ ሕዝቢ ድማ ናይ ተነሳሓያን፥ እቶም ብቕድሚት ዝነበሩ ናይ ነቢያት እቶም ብድሕሪት ዝነበሩ ሕዝቢ ድማ ናይ ሓዋርያት ምሳሌ እዮም። ኲሎም “ሆሣዕና ንወዲ ዳዊት፥ እቲ ብስም እግዚኣብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ፥ ሆሣዕና ኣብ ኣርያም” እናበሉ እግዚአብሔር መስኪርሉ ዝመጸ መርገመ ሥጋ መርገመ ነፍሲ ዘይብሉ፥ በረከተ ሥጋ በረከተ ነፍስ ዝዕድል ምዃኑ እናጨርሁ ይምስክሩ ነበሩ። ደቂ ሽዱሽተ ወርሒ፥ ዓመት፥ ዓመትን ፈረቓን፥ ክልተ ዓመት ዝገበሩ ሕፃናትን ወለዶም ከምቲ ሕጊ ኦሪት ዝብሎ መሥዋዕቲ ክሥውዑሎም ዝመጹ ደቂ ፵/40ን ፹/80ን መዓልቲ ከይተረፉ ኣመስጊኖም እዮም። እዚ እቲ ብነቢይ “ካብ ኣፍ ቈሎዑን ሕፃናትን ምስጋና ኣዳሎኻ” መዝ ፰፡፪ ዝተባህለ ክፍጸም ዝተገብረ ከም ዝኾነ ጐይታ ነቶም ሕፃናት ሱቕ ከብልዎም ኢሎም ንዝሓተትዎ ኣይሁድ መሊስሎም እዩ። [ካብ ትርጓሜ ወንጌለ ማቴዎስ ተጸሚቑ ዝተወስደ እዩ]። ከምኡውን እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣቐዲሙ ኣቦና ሰሎሞን ነቲ ሕንፃ ቤት መቕደስ ሃኒጹ ምስ ወድኣ ኣብ ውሽጢ ቤት መቕደስ ስየ ክገብር ኣዚዝዎ ዝነበረ። “ነተን ክልተ መዓጹ ኸኣ ምስሊ ኪሩቤልን ስየን ክፉት ዕምባባን ቀረጸለን፥ ብወርቂውን ለበጠን፥ ነቲ ኪሩቤልን ነቲ ስየን ድማ ብዝተቐጥቀጠ ወርቂ ለበጦ።” ይብል ፩/1 ነገ ፮፡፴፪/6፡32። 

ቅዱስ ጅሮምን ቅዱስ ኣውግስጢኖስን ብዛዕባ ኣብ ሆሣዕና ዝተገበረ ምሳሌታት “ከምቲ ጐይታ ኣብ ኣድግን ዒሉን ክውጣሕ ንደቀ መዛሙርቱ ፈቲሖም ከምጽኡሉ ዝለኣኾም ናባናውን ካብዚ ናይዛ ዓለም ማእሰርቲ ሓሳባት ከውጻና፥ ናይ ግብጺ ጸባን ሓሰርን ገዲፍና ነቲ ኣማናዊ ሙሴ ብምስዓብ ብምድረ በዳ ኣቢሉ ናብታ ምድረ ርስቲ ከእትወና ንደቀ መዛሙርቱ ሰዲድዎም እዩ።” ቅዱስ ጅሮም።

“ቆጽሊ ስየ ናይ ዓወት ምስጋና ምሳሌ እዩ፥ ከመይሲ ንሱ ንሞት ብሞቱ ስዒሩ ዓወት ክበና ዝመጸ እዩ። ንሱ በቲ ናይ ዓወት መግለጺ መስቀሉ ገይሩ ነቲ ገዛኢ ናይ ሞት ዝኾነ ሰይጣን ስዒርዎ እዩ።” ኢሉ ቅዱስ ኣውግስጢኖስውን ይገልጽ።

እዚ ምስጋና ሕይወት ብዘለዎም ደቂ ሳባት ጥራይ ዘይኮነስ ብግኡዛን (ሕይወት ዘይብሎም) ኣእማን ከይተረፈ ዝቐረበ እዩ። ከም መረዳእታ ጐይታ “እዚኣቶም እኳ ስቕ እንተ በሉ፥ እዞም ኣእማን ክጭድሩ እዮም፥ እብለኩም ኣሎዂ፥” ሉቃ ፲፱፡፵/19፡40 ብዝበሎ መሠረት፥ እቲ ንኣድጊ በለዓም ዘዛረበ ኣምላኽ ንኣእማን ቢታንያ እናዘለሉ ከመ ዘመስግንዎ ገይሩ እዩ። ነዚ ናይ ኣእማን ምስጋና ኣብ ተኣምረ ኢየሱስ “ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ‘እዚኣቶም ሕፃናት እኳ ስቕ እንተበሉ፥ ንወዲ ሰብ ምእንቲ ከመስግኑ ንኣእማን ክእዝዞም እየ። ብዛዕባ እዛ ዕለት እዚኣ ነቢይ ዳዊት ዝተዛረቦ ኣይሰማዕኩም ዲዂም’ በለ። ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ምስ ተዛረበ ኣእማን ብናይ ሰብ ኣንደበት ‘ሆሣዕና ኣብ ሰማይ ንዘሎ ኣምላኽና፥ ሆሣዕና ብስም እግዚአብሔር ንዝመጸ ብሩክ መድኃኒና ምስጋና ይዂን’ እናበሉ ካብ እምባ ደብረ ዘይት ናብ በረኻ ዮሳፍጥ እናዘለሉ በጽሑ። ቃል ጭርሖ ናይቶም ኣእማን ምስ ናይ መላእኽትን ሕፃናትን ድምጺ ተደሚሩ፥ በዚ ድማ ኣይሁድ ብዓቢይ ፍርሓት፥ ራዕድን፥ ስንባደን ተታሕዙ።” ብምባል ይነግረና።

“እዚ ብዛዕባኡ እቶም ነቢያት በብሓደ ኣብ ዘዘመኖም ዝተነበይዎ ትንቢት ምእንቲ ክፍጸም ዝኾነ እዩ። ያዕቆብ ብክርስቶስ ብዝተመሰለ ወዱ ይሁዳ ‘ኣድጉ ኣብ ናይ ዘይቲ ዕንጨይቲ፥ ንዒሉኡ ድማ ብሓረግ ናይ ወይኒ ይኣስር’፥ [ዘፍ ፵፱፡፱-፲፩/49፡9-11]፥ ዘካርያስ ‘ጓል ጽዮን ኣይትፍርሂ እንሆ ንጉሥኪ ኣብ ገልገል ኣድጊ ተወጢሑ ክመጽእ እዩ’ [ዘካ ፱፡፱/9፡9]፥ ኢሳይያስ ‘እቲ ለዋህን ጻድቕን ዝኾነ ንጉሥኪ ክመጽእ እዩ። ዋጋኡ ምስኡ እዩ። ተግባሩ/ሥርሑ ኣብ ቅድሜኡ ዝተገልጸ እዩ። ኣብ ውላድ ኣድጊ ድማ ክውጣሕ እዩ።’፥ ኣብራሃም ቆጽሊ ተምሪ/ስየ ሒዙ ነቲ መሠውዒ ምስ ዞረ ‘እዛ ዕለት ፍስሓን ሓጎስን ዝግበረላ በዓለ እግዚአብሔር እያ’ ኢሉ ሰመያ፥ ዳዊት ‘ካብ ኣፍ ቆልዑን ሕፃናትን ምስጋና ኣዳሎኻ’ በለ [መዝ ፰፡፪/8፡2]፥ ሰሎሞንውን ‘ኣንደንበት ናይ ሕፃናት ርቱዕ/ቅኑዕ ኮነ’ ካልኣይውን ‘ኣብ ኢየሩሳሌም ኣረገውትን ሕፃናትን ይጻወቱ፥ ምርኩዞምውን ኣብ ኢዶም እዩ’፥ ‘ድንኳንኪ ዘርግሒ ኣፍ ደጌታትኪ ኣስፍሒ ዝብልውን ኣሎ። [ዘካ ፰፡፬-፭/8፡4-5]” ስንክሳር መጋቢት ፳፪/22 ከምኡውን ኣቦና ኣብርሃም ንወዱ ይስሓቅ ንመሥዋዕቲ ክወስዶ ኸሎ ዝተማልኣ ኣድጊ ናይ ኣድጊ ሆሣዕና ምሳሌ እያ።    

ነዚ ዂሉ ንጐይታ ዝተዋህበ ኽብሪ እንዝክረሉ ዕለት ዕለተ ሆሳእና እዩ። ሆሳእና ማለት ብቋንቋ ዕብራይስጥ ሕጂ ኣድኅነና ማለት እዩ። “ሕጂ ኣድኅነና” ዝብል ቃል ኣብ ዘመኑ ንዝነበሩ ኣይሁድን ኣብዚ ሕጂ ዘሎና ደቂ ተዋህዶ ክንብሎ ከሎና ዝተፈላለየ ሥነ ሓሳባት ዘለዎ እዩ። ከመይሲ ገሊኦቶም ንኣልኣዛር ካብ ሞት ስለዘተንሥኦ ነቲ ተኣምራቱ ክርእዩ፥ ዮሓ ፲፪፡፲፯/12፡17፥ ገሊኦቶም ድማ መግዛእቲ ናይ ሮም ከፊእዎም ስለዝነበረ ካብ መግዛዕቲ ዘውጽኦም መሲልዎም፥ ገሊኦም ድማ ናይ ብሓቂ መድኃኒ ምዃኑ ጐይታ ዝመሃሮምን መንፈስ ቅዱስ ዝገለጸሎም እዮም ዝነበሩ። ንሕና ካብቶም ብመንፈስ እነብዕሎ ስለዝኾንና ካብቶም እግዚአብሔር ምሥጢሩ ዝገለጸሎም ወገን ኢና። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከይተሰቕለ፥ ቅዱስ ሥጋኡ ከይቆረሰ ክቡር ደሙ ከኣ ከየፍሰሰ ዝመጽእ ፈውሲ ከም ዘየሎ ኣበው ነቢያት ዝተነበይዎ፥ ከምኡውን ጐይታ ባዕሉ ዝነገረና ስለ ዝኾነ፥ ካብ ባርነት ናይ ዲያብሎስ ኣውጺኡ ዘለዓለማዊ ድኅነት ክንረክብ፥ ነቲ ንኣዳም ዝኣቶኻዮ ቃል ኪዳን ተስፋ ናይ ድኅነት  ፈጺምካ ድኅነት ሃበና እናበልና ብዓቢይ ክብሪ እነብዕሎ እዩ። ከመይሲ በዓለ ፋሲካ ከምቲ ኣብ ዘፀ ፲፪/12 ዘሎ ንመሥዋዕቲ ብዝቐርብ ሕሩድ ናይ ድቤላታት ዝበዓል እዩ፥ ነዚ ድማ እቲ ሊቀ ካህናት ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ኣቲዩ ዝፍጽሞ ሥርዓተ ኦሪት እዩ። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ግና ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ “ክርስቶስ ግና ናይቲ ድሮ መጺኡ ዘሎ ሠናይ ነገር ሊቀ ካህናት ኮይኑ መጸ። ኣብቲ ብኢድ ሰብ ዘይተገብረ፥ ካብዚ ፍጥረት እዚ ዘይኮነ ብሉጽን ፍጹምን ድንኳን ከኣ ኣተወ። ደም ድቤላታትን ምራዂትን ዘይኮነስ፥ ናይ ገዛእ ርእሱ ደም ኂዙ፥ ዘለዓለማዊ ድኅነት ረኺቡልና ሓደ ጊዜ ንሓዋሩ ናብታ ቅድስተ ቅዱሳን ኣተወ።” ዕብ ፱፡፲፩-፲፪/9፡11-12፥ ኢሉ ኣብ ናይ ዕለቱ መልእኽቲ ዝገለጾ እዩ። ነዚ ናይ ቅዱሳን ሓዋርያት ምሳሌ ዝሓዘለ ምሥጢርዊ ኣስተምህሮ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓመት ሓንቲ ጊዜ ጥራይ ኣብ ዕለተ ሆሣዕና ኣብ ካልእ ዕለታት ካብ ዝግበር ሥርዓት ናይ ቅዳሴ ፍልይ ብዝበለ ዝግበር ብምሳሌነት ምስ እዚ ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ኣብዚ ቀጺሉ ዘሎ ንርኣ፦   

“አርኅው ኆኀተ መኳንንት”፥ ኢሉ ሠራይ ዲያቆን ቅድሚ ቅዳሴ ኣብ ቅድሚ መጋረጃ ናይ ቅድስተ ቅዱሳን የዝይም። ሠራይ ካህን ድማ ትቕብል ኣቢሉ “መኑ ውእቱ ዝንቱ ንጉሠ ስብሐት” ይብል፥ ቀጺሉ ዲያቆን “እግዚአብሔር አምላከ ኃያላን ውእቱ ዝንቱ ንጉሠ ስብሐት” ኢሉ መን ናብታ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ዘላ ቀራንዮ እትምሰል ቅድስተ ቅዱሳን ከም ዝኣቱ ይነግር፥ ብድሕርዚ እቲ ካህን ምስ መዘምራንን(መርጌታ) ምስ ኲሉ ምእመን “ይባእ ንጉሠ ስብሐት ይባእ ኣምላከ ምሕረተ” እናበሉ ብሸብሸቦ፥ ጸናጽል፥ ብዝማሜን፥ እናዘመሩ ብዓጀባ ናብ ቅድስተ ቅዱሳን የእትውዎ። እዚ ምስቲ ጐይታ ካብ ደብረ ዘይት ናብታ ዝሥቀለላ ከተማ ኢየሩሳሌም ክኣቱ ከሎ “ሆሣዕና በአርያም…” እናበሉ ንዝተቐበልዎ ታሪኽን ምሳሌነት ዘንጸባርቕ ሥርዓት ዘለዎ እዩ።

እቲ ናይ መንፈስ ናይ መንፈስ ይሓስብ እቲ ሥጋ ድማ ናይ ሥጋ ይሓስብ ከም ዝብል። ንሕና እቶም እስራኤል ዘነፍስ እንበሃል ሕዝበ ክርስቲያን ንነፍስን ሥጋን ድኅነት፥ እቶም እስራኤል ዘሥጋ ዝተባህሉ ኣይሁድ ድማ ብሥጋ ድኅነት ደልዮም ዝገበርዎ እዩ። እስራኤል ዘሥጋ ነቲ ዝደለይዎ ድኅነት ናይ ሥጋ ስለዘይረኸብዎ ሰቐልዎ። ከመይሲ ጽሑፍ “እንተ ዝፈልጥዎስ ነቲ ጐይታ ኽብሪ ኣይምሰቐልዎን ነይሮም” ፩/1 ቆሮ ፪፡፰/2፡8 ይብል። በዚ ድማ መከራኡን ሕማማቱን ስቕለቱን እናዘከርና፥ ስየ ሆሣዕና ኣብ ኢድና ኣብ ገምበርናን ጌርና ነቲ በዓል እኒ ዮዲት፥ ኣብርሃም፥ ያዕቆብ፥ ዳዊት፥ ሰሎሞን፥ ዘካርያስ ነቢይ ብምሳሌን ብትንቢትን ዝገበርዎ ብምዝካር፥ ኣሰር ሓዋርያት ድማ ብምስዓብ ብተግባር ብሥርዓትን ሕግን ዕለተ ሆሣዕና እናብዓልና፥ ነዚ ዝተቐደሰ ጾም ፵ ብምጿም በረኸት ካብ ኣምላኽ ንቕበል ኢና እሞ፥ ጸጋኡ የብዝሓልና፥ ኣሜን!   

ወስብሓት ለእግዚአብሔር፣
ወለወላዲቱ ድንግል፣
ወለመስቀሉ ክቡር ።       

ዲን.ዘሚካኤል

Comments are closed.