በእንተ እመ ብርሃን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

mary1

ቅዱስ ሳዊሮስ ዘኣንጾክያ ገና ብዛዕባ ድንግል ማርያም ከስተንትን ክጅምር ኮለኹ እዛ ቆይምካላ ዘለኻ ስፍራ ቅድስቲ ኢያ እሞ ናብዚ ኣይትቕረብ ዝብል ድምጺ ብዓውታ ክድሂ ይስምዓኒ  ብምባል ከም ዝተዛረበ ብዛዕባ እመ ብርሃን ክንጽሕፍ ብርዕና ኣብ ዘልዓልናሉ ጊዜ ናይ ኃጢኣት ኣሳእንና ካየውጻእና ናብኣ ክንቀርብ ከም ዘይግብኣና ይምዕድና። ሰብን መላእክትን ነጊሮም ክውድእዎ ዘይከኣሎም  ምስጋናኣ ክንነግር ምስ እንብገስ ድኻምና ፈሊጥና ንቐቅ። <ብዛዕባኣ ክዛረብ ዝኽእል ከመይ ዝበለ ንደበት ኢዩ? ሓሲቡ ክበጽሖ ዝኽእልሲ ከመይ ዝበለ ኅልና ኢዩ? ነገር ግን ዓቕምና ብዘፍቀዶ ካብ ምስጋንኣ ብውሑድ ክንነግረኩም > ኢሎም ዝተዛረቡ ኣቦታት ክንርኢ ኮለና ኣብቲ ናይ ምስጋንኣ ሰልፊ ምሕዋስ ይጨንቀና። ኣቦኣ ዳዊት “ኣብ ክንዲ ኣቦታትኪ ውሉድ ተወልዱልኪ፡ ስምኪ ድማ ንውሉድ ወለዶ ክዝክሩ ኢዮም” ዝበላ ክንዝክር ለና ድማ ውሉድ ኣቦታት ከም ምንና መጠን ናይ እመ ኣምላክ ስም ምዝካር ንዓና እውን ዝተዋህበ ስለዝኾነ ንሕጎስ። ንሳውን “ኩሎም ወለዶ ብጽእቲ ክብሉኒ ኢዮም” ኢላ ኢያ እሞ ምስ ኵሉም ትውልዲ  ዝተነበየቶ ትንቢት ክፍጸም ኢዪ ኢልና ብዛዕባ ናይ ድንግል ማርያም ክብሪ ክንዛረብ ኢና። እቲ ነቢይ “ኣፍደጌታታ መዓልትን ለይትን ኣይዕጾን ኢዩ” ክብል ከምዝተዛረበላ መዓልትን ለይትን ምስጋና ክሰምዑ ዘይዕጸዉ ኣእዛና ተስፋ ብምግባር ኦ ቅድስት ለምንልና ካይበልናያ ኣይንሓድርን ኢና። ብሰንኪ እቲ ከም ናይ ሰማይ ከዋኽብቲ ከም ናይ ሑጻ ምድሪ  ዝበዝሐ ሓጢኣትና ብዛዕባ እመብርሃን ምዝራብና ኣግባብ እኳ እንተዘይኮነ ኣቦኣ ዳዊት ብዓቢይ ትሕትና “ጓለየ ስምዒ ርኣዩ ኣእዛንኪ እውን ጽለዊ” ኢሉ እተማሕጸነ ከም ዘመስገና ንሕና እውን “ኦ ኣዴና ስምዒ ርኣዪ ኣእዛንኪ እውን ጽለዊ” ኢልና ኣናተማሕጸንና ከነመስግና ኢና። ምስ ኣባ ጊዮርጊስ ኮይንና እውን “ኦ እመቤተይ ናተይ ሓጢኣት ንናትኪ ቅድስና ኣየርክሶን ኢዩ እሞ ናይ ሓጢኣተና ሰብ ምስጋና ንምንታየይ ኢዩ ኣይትበሊ” ንብላ። /ኣርጋኖን/

 ቅዱስ ዮንስ ኣብ ወንጌሉ ማርያም ተባሂለን ዝተጸውዓ ሓሙሽተ ኣንስቲ ሽም ጠቒሱ ክጽሕፍ ከሎ ነታ ንዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ቤቱ ዝተቐመጠት እመ ኣምላክ ግን ኣብ ክንዲ ብስማ ምጽዋዕ “ኣደ ኢየሱስ”  “ኣደ ይታ” “ኣዲኡ”ኢሉ ምጽዋዕ ከም ዝመረጸ ንሕና እውን ኣብዚ ጽሑፍ “እመ ብርሃን” ኢልና እናጸዋዕና ስለ ናታ ክብሪ ክንነግር ኢና። እዚ ጽሑፍ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣይኮነን። ናይ ጽድቂሓይ ዝወጸሉ ሰማይ መን ከጽንዖ ይኽእል  ብዛዕባ እታ ነቲ ዘይከኣል ዝኸኣለት፡ ነቲ ዘይውሰን ዝወሰነት እመ ብርን ብጀካ ምስጋና ካልእ ትንታኔ ክህብ ኣይክእልን ኢዩ። ስለዚ ብዛዕባ እመ ብርሃን ኣብ ወንጌል ሉቃስ ዝተጻሕፉ ሓደ ሓደ ነጥብታት ጥራይ ከነልዕል ኢና።

እመ ብርሃንን ቅዱስ ገብርኤልን

 ኣምላኽ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝፈረዶ ፍትሐ ሞት ኣብ ርእሲኡ ከውርዶ ሰብ ክኸውን እሞ ከድሕኖ ዝኣተዎ ቃል ክፍጽም ብኡኡ ሓሙሽተ መዓልትን ፈረቓን ብኣና ድማ ሓሙሽተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእቲን መዓልቲ ኣቑጸረ። “ናይቲ ዘመን ፍጻሜ” ምስ ኣኸለ ግን ኣምላኽ ካብ “ሰበይቲ” ክውለድ ፍቓዱ ኮነ። (እቲ ሊቅ ኤጲፋንዮስ ከምዘብርሆ ንሕና ካብ ሰበይቲን ካብ ሰብኣይን ከም ዝተወለድና፡ ንሱ ግን ኣብ ካልኣይ ልደቱ ካብ ሰበይቲ ጥራይ ከም ዝተወልደ ልቢ በል)/ገላ.4/  ኣምላኽ ነዚ ናይ ምድሓን ስራሕ ክትፍጽም ዘዳለዋ ንጽሕቲ እመቤትና ነበረት። ነገር ግን ናይ ሰባት ነጻ ፍቓድ /free will/ ዘኽብር ኣምላኽ ኢዩ እሞ ከምቲ ክውለድ ዝፈተወ ብናይ ባዕሉ ፍቓድ ጥራይ ክውለድ ኢየ ካይበለ ናብታ ዝመረጻ ቅድስቲ መልኣኹ ለኣከ። ነዚ መልእኽቲ ዝተመርጸ እቲ ንመላእኽቲ “በብዘለናዮ ንጽናዕ” ኢሉ ዘረጋግአ መልኣከ ሰላም ቅዱስ ገብርኤል ነበረ። እዚ መልኣኽ ንለስቱ ደቂቅ ካብ እሳት ነበልባል ከውጽእ ከም ዝተላእከ ሕጂውን ንደቂ ሰባት ካብ ሲኦል ምውጻእ ከብስር ተላእከ። ቅዱስ ገብርኤል ኣብ ቅድሚ እመብርሃን ንምብሳር ቆመ።

እቲ መልእኽቲ ካብቲ ሓያል በዓል ስልጣን ካብ እግዚብሔር እኳ እንተኾነ ኣዘራርብኡ ግን ካብ ላዕሊ ናይ ዝተላእከ ናይ በዓል ስልጣን ኣዘራርባ ዘይኮነስ ፍጹም ትሕትና ዝተመልአ ነበረ። “ኣምላኽ ካባኺ ክውለድ ወሲኑ ኣሎ!” ኢሉውን ኣይተሰወረን። መልእኽተኛ ከም ዝተላእኮ ገይሩ ኢዩ መልእኹቱ ዘብጽሕ እሞ ነዛ ካብ ኩሉ ዝኸበረት ንግስቲ ተዓጢቑ ብምምስጋን ኣኽቢሩ ኣብሰራ። “ጋ ዝመልኣኪ እግዚብሔር ምሳኺ ኢዩ እሞ ደስ ይበልኪ፡ ንስኺ ካብ ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ” በላ። ንሰብ ዝተፈላለየ ጋ ይወሃቦ። ዋርያ “ናይ ጋ ውህብቶታት ዝተፈላለየ ኢዩ፡ እቲ መንፈስ ግን ሓደ ኢዩ” ይብል። ናይ እመብርሃን ጋኣ እንታይ ኢዩ፧ ምስ እንብል ግን እዚ ኢዩ ኢልካ ምውሳን ኣይከኣለ። እግዚኣብሔር ንዓዓ ዘይሃባ ጋ የለን ኣብ ቅዳሴና “ወሃብተ ሰማያት ለማርያም ድንግል/ ናይ ሰማያት ሃብቲ ንድንግል ማርያም ተዋሂቡዋ” ከም ንብሎ እመቤትና ብጋ ሉ ዝተመልአት ኢያ። ስለዚ እቲ መልአኽ ብዓብዪ ክብሪ ኣመስገና።

mary2

በቲ ቃሉ ኣዝያ ሰንበደት

ንሳ ድማ ምስረኣየቶ “በቲ ቃሉ ኣዝያ ሰንበደት” ናይ ሳምሶን ቤተሰብ ማኑሄን  መልኣኽ እግዚብሔር ኣብ ዝረኣዩሉ ጊዜ ኣዝዮም ሰንቢዶም ነበሩ። እቲ ዓቢይ መስፍን ጌዴዎን እውን “ኦ እግዚብሔር ኣምላኽ ንመልኣኽካ ገጽ ንገጽ ርእየዮ” ብምባል ካይመውት ፈርሐ እግዚብሔር ግና ኣጆካ ኣይትመውትን ኢኻ ብምባል ኣረጋግኦ( መሳ 6፡22)። እቲ ዓቢይ ነቢይ ዳንኤል እውን መልኣኽ ምስ ረኣየ “ኃይሊ ኣይተረፈኒን ሕብሪ ገጸይ ክሳብ ዝበላሾ ተለወጠኒ…..እነሆ ከኣ ኢድ ሓዘትኒ በብራኸይን ብግናዕ ኢደይን ኣቖመትኒ” ብምባል ከመይ ከም ዝፈርሐ ይገልጽ። እመብርሃን ግን ዝሰንበደቶ ነቲ መልኣኽ ብምርኣያ ኣይነበረን “በቲ ቃሉ” ደኣ እንበር።ነቲ መልኣኽ ርእያ ተንቐጥቂጣ፡ምቛም ስኢና ኣብራኻ ረድረድ ኢሉዋ ዝብል ቃል የለን ንሳ ዝሰንበደቶስ ብዘረብኡ ነበረ። እዚስ ከመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል? ነብያት እኳ ካይተረፉ ዝሰንበዱሎም መላእኽት ከመይ ኣየሰንበዱዋን? እወ ከመይሲ ንሳ ኣብ ሑቕፊ መላእኽቲ ኢያ ዓብያ። መልኣኽ እግዚኣብሔር ብሓደ ክንፉ ሓቚፉ በቲ ሓደ ክንፉ ደጊፉ ሰማያዊ መግቢ እናመገበ ዘዕበያ ኣደ ከመይ ኢላ ክትስንብድ ትኽእል መላእኽቲ እኳ ክሪእዎ ዘይክእሉ ኣምላኽ ብማህጸና እትሕዝ ኣደ ከመይ ኢላ ክትስንብድ ትኽእል ንዓዓ ዘሰንበዳስ እቲ መልኣኽ ዘይኮነ ኣዘራርብኡ ነበረ።

“እዚ ከምዚ ዝበለ ሰላምታስ እንታይ ኮን ይኸውን፧ ኢላ ሓሰበት”

       ጸረ ማርያም ዝኾኑ እነፍቅሮም ኣሕዋትና  ብዛዕባ እመብርሃን ክንዛረብ ኮለና ንሳ ዝገበረቶ ነገራት ብዙሕ ኣይተጻሕፈን ብምባል ከባጭዉልና ይፍትኑ። ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ልብና ከፊትና ከነስተውዕላ ኮለና ግን ሓጎስ ይስምዓና። መጽሓፍ ቅዱስ እመኣምላክ ዝገበረቶ ጥራይ ዘይኮነስ እንኮላይ ዝሓሰበቶ ኢዩ ጽሒፉልና። ቅዱስ ሉቃስ መንፈስ ቅዱስ ገሊጹሉ ናይ እመብርሃን ሓሳብ እውን ካይተረፈ ጽሒፉልና።ሓዋርያት ሓሳባ እውን ካየትረፉ ካብ ጸሓፉልና ንሕና ተኣምራ እንተ ጸሓፍናዮ እንታይ ነውሪ ኣለዎ ሓሳብ ካብ ተጻሕፈኸ ንምንታይ ተግባር ዘይጸሓፍ

ኣብዚ እንመሃሮ ዓቢይ ትምህርቲ ወዳ “ኣነ የዋህ ልበይ ውን ትሑት” ከም ዝበሎ ናታ ትሕትና እውን ናይ ልቢ ምዃኑ ኢዩ። ሰብ ክምስገን ከሎ “ኣይ ግደፍ ግደፍ ኣይግባእን….” እንዳበለ ብኣፉ ይቃወም። ብልቡ ግን እቲ ምስጋና ሃሴት ይፈጥረሉ። እመብርሃን ግን ነዚ ምስጋና ክትሰምዕ ከላ “ኣይ ኣይግባእን” ዝብል ናይ ቀልዓለም ዘረባ ኣይተዛረበትን። ትሕትናኣ ካብ ልባ ዝነቐለ ስለዝነበረ “እዚ ከምዚ ዝበለ ሰላምታስ እንታይ ኮን ይኸውን” ኢላ ሓሰበት። መልኣኽ እግዚብሔር ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ እንዳዛረቦ ነቲ ሰላምታ ዝምርምርመልኣኽ ተገሊጹ ኣመስጊኑኒ ብምባል ካይተደነቐን ካይተሓጎሰን ብዛዕባ ናይቲ ሰላምታ እንታይነት “ከመይ ዝበለ ሰላምታ ኢዩ” ብምባል ዘገናዝብ ካብ ደቂ ሰባት ብጀካ እመብርሃን መን ክርከብ ይኽእል?

 እቲ መልኣኽ እውን “ንሱ ዓቢይ ክኸውን ወዲ እቲ ልዑል ክበሃል ኢዩ፡ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ ዙፋን ኣቡኡ ዳዊት ክህቦ ኢዩ። ንሱ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘልኣለም ክነግስ ኢዩ መንግስቱ እውን መወዳእታ የብሉን” በላ

እመብርሃን እቲ ንዋን ዘስሓተ ናይ ዲያብሎስ ናይ ሓሶት ሞጎስ ናብኣ ዝመጸ ስለዝመሰላ እቲ ናይቲ መልኣኽ ሰላምታ ኣሰንቢዱዋ ነበረ። ምስጋና ካብ ኮነስ ደሓን ኢላ ልባ ከፊታ ትሰምዕ ስለዘይነበረት “ጋ ዝተመላእኪ” “ካብ ለን ኣንስቲ ዝተባረኽኺ” ዝብሉ ቃላት ካብ ብዓይኒ ሓጎስ ብዓይኒ ፍርሒ ኢያ ተመልኪታቶም። እቲ ግእዝ “እፎኑ ከመዝኑ እንጋ ኣምኃ ይትኣምኁ” “ከምዚ ዝበለ ሰላምታስ ከመይ ኢልካ ትቕበሎ” ኢላ ሓሰበት ኢዩ ዝብል። ቅዱስ ገብርኤል “ኦ ማርያም ኣብ ቅድሚ እግዚብሔር ጋ ረኺብኪ ኢኺ እሞ ኣይትፍርሒ” ብምባል “ጋ ዝተመላእኪ” ዝበላ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝረኸበቶ ጋ ምዃኑ ነገራ። ብምቕጻል “እነሆ ክትጠንሲ ኢኺ ወዲ እውን ክትወልዲ ኢኺ፡ ስሙ ኸኣ ኢየሱስ ክትብሊዮ ኢኺ” ብምባል ኣብሰራ። ቅዱስ ገብርኤል “ኢየሱስ” ዝብል ሽም ንዓለም ኣወጀ። ክርስትና እውን ብኣንደበት ቅዱስ ገብርኤል ናባና መጸ።

“ኣነ ድንግል ኢየ እዚ ነገር እዚ ከመይ ኢሉ ይኸውን”

 ሓንቲ ብሓዳር ክትነብር ሓሳብ ዘለዋ ድንግል ጓል “ክትወልዲ ኢኺ” ተባሂሉ /እኳ ደኣ ብኣንደበት መልኣኽ/ እንተዝንገራ ንመን ከምትምርዖ፡ እቲ ጉዳይ መዓስ ከም ዝፍጸም ደኣ ትሓትት ትኸውን እንበር  እቲ ጉዳይ ከም ዝፍጸም ስለትፈልጥ “እዚ ነገር እዚ ከመይ ኢሉ ይኸውን” ኣይትብልን። ሳራ ክትወልዲ ኢኺ ዝብል ቃል ምስ ሰምዐት “ከመይ ኢሉ ይከውን” ብምባል ዝሓተተት ኣብ እርጋና ስለዝነበረ ኢዩ። እመ ኣምላክ ግን ገና ጓል ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ጎርዞ ኮላ እቲ ክቡር መልኣኽ ክትወልዲ ኢኺ ክብላ ከሎ ‘እዚ ከመይ ኢሉ ይኸውን፧’ ምባላስ ንምንታይ ኮን ይኸውን፧ ሊቃውንት “ዘንተ ትቤ ድንግል በእንተ ዘኢዓርገ ሕሊና እጓለ እመ ህያው ውስተ ልባ” ክብሉ ይገልጹዎ “ድንግል ናይ ደቂ ሰባት ሓሳብ (ትምኒት) ናብ ናታ ልቦና ስለዘይበጽሐ ከምዚ በለት” ማለት ኢዩ። እመ ኣምላክ “ንሱ ዓቢይ ክኸውን ወዲ እቲ ልዑል እውን ክበሃል ኢዩ፡ እግዚብሔር ኣምላኽ ድማ ዙፋን ኣቡኡ ዳዊት ክህቦ ኢዩ። ንሱ ኣብ ህዝቢ እስራኤል ንዘልኣለም ክነግስ ኢዩ መንግስቱ እውን መወዳእታ የብሉን” ብምባል ብዛዕባ እቲ ትወልዶ ውሉድ ዕቤት እንዳነገሩዋ እኳ “ወዲ ስለዘይፈልጥ ከመይ ኢሉ ይኸውን” ትብል ናይ ደናግል መመክሒት ኢያ። እግዚብሔር እውን ነጻ ፍቓዳ ካይተንከፈ ማተመ ድንግልናኣ ካይለወጠ ካብኣ ብሕቱም ድንግልና ተወልደ።

ኣብ እስራኤል ነቲ መሲሕ ክንወልዶ ኢና ብምባል ድንግልነን ዓቂበን ዝነብራ ብዙሓት ደናግል ነበራ። ናይ ቅዱስ ገብርኤል ብስራት ካብዘን ደናግል ንሓንቲ ተፈጺሙ ነይሩ እንተዝኸውን “ድሌተይ ተፈጺሙለይ” ብምባል ምተሓጎሰት ነይራ። እመብርሃን ግን ነብሳ መስዋቲ ገይራ ብንጽህና ንእግዚብሔር ከተቕርብ ላ ነዚ ክብሪ ንርእሳ ሓሲባቶ እኳ ኣይትፈልጥን ነበረት። “ናይ ባርያኡ ውርደት” ሪኡ ኣምላኽ ክመርጻ ከሎ ከመይ ኢሉ ይኸውን ዝበለት እውን ነዚ ነበረ።

ቅዱስ ገብርኤል ኣብ ቅድሚ ወላዲት ኣምላኽ ደው ኢሉ ብሕቶ ተዋጠረ። “እነሆ ከኣ ነቲ ብጊዚኡ ዝፍጸም ዘረባይ ስለዘይኣመንካ ክሳዕ እዚ ነገር ዝፍጸም መዓልቲ ዓባስ ክትከውን ምዝራብ እውን ክትስእን ኢኻ” ብምባል ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ናይ ዘካርያስ ኣንደበት ዝቖለፈ መልኣኽ ኣብ ቅድሚ ኣደ ይትኡ ናይ ተግሳጽ ቃል እኳ ኣይተዛረበን። “መንፈስቅዱስ ናባኺ ክመጽእ ኢዩ፡ ናይ ልዑል ሓይሊ ክሓድረኪ ኢዩ፡ እቲ ካባኺ ዝውለድ እውን ቅዱስ ወዲ እግዚብሔር ክበሃል ኢዩ” ብምባል ጽንሰቱ ኮነ ልደቱ ብረቂቅ ኣምላካዊ ጥበብ ብግብሪ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝፍጸም ነገራ፡ ብዘርኢ ብሩካቤ ስለዝተፈጸመ እኩል መረድኢ እኳ እንተዘይኮነ ናይ ኤልሳቤት ኣብ እርጋና ምጥናሳ እውን ነገራ። ኣብ መወዳእታ እውን “ንእግዚብሔር ዝሰኣኖ ነገር የለን” በላ። እመኣምላክ ዘይናወጽ እምነት ዘለዋ ኣደ ስለዝኾነት ንእግዚኣብሔር ዝሰኣኖ ነገር የልቦን ምስ በላ ኣብ ናቱ ክህሎት ኣትያ ሓንቲ ቃል እኳ ኣይወሰኸትን።

“እኔኹ ኣነ ባርያ እግዚብሔር ኢየ ከምቲ ዝበልካኒ ይኹነለይ”

“እኔኹ” ዝብል ቃል ርእስኻ ናይ ምቕራብ ኣዘራርባ ኢዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መብዛሕትኡ ቦታታት እዚ ቃል ባሮትይቶቶም ጸዊዖሞም ምስ ቀረቡ ዝህብዎ መልሲ ኢዩ። ከም እኒ ሳሙኤልን ካልኦት ነብያትን ቅዱሳንን እግዚብሔር ብቐጥታ ምስ ጸውዖም ዘቕረብዎ ናይ ትሕትና ኣዘራርባ ኢዩ። እመብርሃን እውን ንርእሳ ንኣምላኽ መሕደሪ “እኔኹ” ኢላ ኣቕረበት። እቲ ካልእ ኣደናቒ ነገር ከኣ “ባርያ እግዚብሔር” ኢላ ንርእሳ ምጽውዓ ኢዩ። “ኣደ ኣምላኽ” ክትኮኒ ተመሪጽኪ ኢኺ ተባሂላ ኮላ እኳ ብትሕትና እትዛረብ ኣደ ንርእሳ “ባርያ እግዚኣብሔር” ብምባል ኢያ ዝጸውዐት።

ከም ቃልካ ይኹነለይ ክትብል ላ ኣምላኽ ኣብ ማህጸና ሓደረ። ምስጢረ ተዋዶ ተኸናወነ። እቲ ዘይረአ ኣምላኽ ተራእየ፡ እቲ ዘይውሰን ተወሰነ። ናይ ኣምላኽ ናይ ድሕነት ተግባር ንናይ እመብርሃን ናይ ይኹነለይ ዘረባ ስዒቡ ተወጠነ። እመብርሃን ይኹነለይ ክሳዕ ትብል ዝተጀመረ ናይ ምድሓን ስራሕ ኣይነበረን።እቲ ኩሉ ዝከኣሎ ኣምላኽ እኳ ዝከበረ መልኣኹ ብምልኣኽ “ይኹነለይ”ክሳዕ ትብል ተጸቢዩ ኢዩ ናይ ምድሓን ተግባሩ ዝጀመረ።

 ምናልባት ሓደ ሰብ ኣብዚ ናይ እመብርሃን ግደ ኣይተራእየኒን ክብል ይኽእል ኢዩ። ካልእ ይትረፍ እመብርሃን ንዝተወሰነ ደቓይቕ ይኹነለይ ካይበለት እንተ ትጸንሕ ናይ ምድሓን ተግባር ብኡኡ መጠን ምተናውሐ ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ሙሉእ ሱቕ እንተ ትብል እውን ሓደ መዓልቲ ሙሉእ ምተናውሐ ነይሩ። ቅዱስ ገብርኤል እውን እንተኾነ ተልእኾኡ ካይፈጸመ ኣይምኸደን፡ ብሓይሉ ሐራይ ከብላ እውን ኣይክእልን ኢዩ። እግዚብሔር ነጻ ፍቓዳ ዓቂቡላ ኢዩ። ኣሽንኳይ’ዶ ካብኣ ክውለድ ንዝመረጻ ቅድስቲ ነቲ ካብ ሕማሙ ክፍውሶ ዝሓሰበ ድዉይ እውን ፈቓድ ዝሓትት ናይ ናጽነት ኣምላኽ ኢዩ። ስለዚ ናይ እመብርሃን “ይኹነለይ” ምባል ንድሕነትና ወሳኒ ተራ ነይሩዎ ኢዩ። ናይ እመብርሃን መልሲ ኣብ ሲኦል ዝነበሩ ነፍሳት እኳ ካይተረፉ “ሐራይ በሊ” እንዳበሉ ዝልምኑሉ ናይ ተስፍኦም መጀመርያ ነበረ። እመብርሃን ሙሉእ ብሙሉእ ፍቓደኛ ነበረት። “ይኹነለይ” እንበር “ይኹን እደሊኡ(ይሁንብኝ)”ኣይበለትን። ይኹነለይ ዝብል ቃል ብደስታ ምቅባል የመልክት። ኣዘራርባኣ ካብ በልካ ደኣ ደሓን ብዘስምዕ መገዲ ኣይነበረን።እኳ ደኣ ብፍጹም ሓጎስ “ይኹነለይ ኢላ ተቐበለቶ እንበር።

 እመኣምላክን ኤልሳቤጥን

“ቀልጢፋ ድማ ንዝባን ይሁዳ ናብ ሓንቲ ዓዲ ደየበት………ንኤልሳቤጥ ሰላም በለታ”

 እመ ብርሃን ብብሥራት መልኣኽ ብናይ ኣምላኽ ፍቓድ ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ምጽናሳ ብቐጥታ ብኣንደበት መልኣኽ ምጽናሳ ናብ ዝተነግራ ናብ ዘመዳ ናብ ኤልሳቤጥ ንመገሻ ተበገሰት። እዚ ጉዕዞ ብደጌኡ ክንዕዘቦ ኮለና ዋላ እኳ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ ዝተገብረ ተራ መገሻ እንተመሰለ ውሽጡ ግን ዓቢይ ትምህርቲ ዝሓዘ ጉዕዞ ኢዩ። ንኤልሳቤጥ ክትበጽሓ ምዃዳ፡ ቀልጢፋ ምብጋሳ ንእመ ኣምላክ ከመይ ዝበለ ትሕትና ስለዝነበራ ኢዩ ኢሉ ዘደንቕን፡ ነዚ ብትዕቢት ዝተመልአ ዓለም ግሩም ትሕትና ዝምህር ጉዕዞ ኢዩ።

ሰማያዊ መልኣኽ መጺኡ ኣመስጊኑ ንኣምላኽ ከም ትወልድ ነጊሩዋ ከብቅዕ፡ ካብ ኩለን ኣንስቲ ዝተባረኸት ከም ዝኾነትን ኣብ ቅድሚ ኣምላክ ጸጋ ከምዝረኸበትን ነጊሩዋ ከብቅዕ፡ ድሕሪ ምብሣራ እውን ንሰማይ ብዘይ ዓንዲ ንምድሪ ብዘይ መሠረት ዘቖመ ኣምላክ ኣብ ማህጸና ተሰኪማ ንዘመዳ ንኤልሳቤጥ ክትበጽሓ ከደት። እዚስ መን ይገብሮ፧ 

ሰብ ንሽግር ስእነት ጥሜት ወዘተ ክጻወር እንዳኸኣለ ክብሪ ምስኣን ግን ክጻወር ኣይክእልን ኢዩ። ብዙሕ ሰብ ልዕል ክብል ከሎ ኢዩ ብትዕቢት ዝፍተን። ሥልጣን ክወሃቦ ከሎ ናይ ብዙሕ ሰብ ሠናይ ነገር ይጠፍእ። መንፈሳዊ ጸጋ ክወሃቦ ከሎ ከኣ ዝያዳ ይፍተን። ብፍልጠት፡ ብሃብቲ፡ ብጸጋ ወዘተ ብዙሓት መንነቶም ኣጥፊኦም ኢዮም። እመብርሃን ልዕሊ ኩሎም ፍጡራን ኢያ። ሰባት ኣብ ዝለዓለ ናይ ቅድስና ደረጃ ክበጽሑ ይኽእሉ ኢዮም ኣብ ናይ እመብርሃን ክብሪ ግን ማንም ኣይበጽሕን ኢዩ። ሰማዕት ምዃን ጻድቕ ምዃን ይከኣል ኢዩ፡ ኣደ ኣምላኽ ምዃን ግን ኣይከኣልን ኢዩ።( ንግስቲ እሌኒ ንክርስቲያን እመቤቶም ንስኺ ዲኺ? ኢሎም ምስ ሓተቱዋ ገረዳ/ባርይኣ/ እኳ ኣይበቅዕን ከም ዝበለቶ እዩ።) እመብርሃን ብሥልጣን እውን እንተኾነ ልዕሊ ኩሉ ፍጥረታት እያ። ኣይኮነን’ዶ ንሳ ስማ’ውን “ስምኪ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ሥልጡን ኢዩ” ኢዮም ዝበሉ ሊቃውንት። ብፍልጠት እንተተባህለ እንተተዛረበቶ ሰማይን ምድሪን ክጾርዎ ዘይክእሉ ንሳ ግና ብልባ ዝዓቖረቶ ካብ ኣእምሮ ሰባት ንላዕሊ ናይ ዝኾነ ናይ ጥበብ መዝገብ ኢያ። ንሕና ተማሂርና ዘይንፍጽሞ ነገረ ሥጋዌ ኣብ ናታ ሰብነት ኢዩ ተፈጺሙ። ብጸጋ እውን እንተኾነ ንዓዓ ዘይተዋህባ ምንም ዓይነት ጸጋ የልቦን። ኮይኑ ግን ንዘመዳ ክትበጽሕ ከደት። ኣካይዳኣ ናይ ንግሥነትን ኩርዓትን ኣይነበረን። እኳ ደኣ “ቀልጢፋ ደየበት” ኢዩ ዝተባህለ። መቕደስ ኮይና ክንሳ ፍጥረታት ክሳለሙዋ ዝግብኣ ኮይና ክንሳ “ንኤልሳቤጥ ሰላም በለታ” ኣምላክ ኣብ ማህጸና ዝሓዘት ፍጥረት ክሳለማ ዝግብኣ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንኤልሳቤጥ ሰላም በለታ።

ሰባት ሓቅነቱ ዘይተረጋገጸ ራእይ ርኢና ኢና፡ ተገሊጹልና ኢዩ፡ ንፍውስ ኢና ወዘተ ብምባል ንርእሶም ኣተዓባብዮም ኣብ ዝነብሩሉ፡ ብሃብቶም ብዝንኦምን ብፍልጠቶምን ምኽንያት ጠባዮም ኣብ ዝረቀሉ እዋን፡ ፍትወቶምን ሕውነቶምን ኣብ ዝለዋወጠሉ ዓለም ኮይንና ንእመብርሃን ክንሓስባ ኮለናስ እንታይ ኮን ይስምዓና ይኸውን᎒

 ኣደ ጐይታይ ናባይ ክትመጺኸ እዚ ካበይ ኮነለይ᎒

ሕጊ ኦሪት ክስራዕ ከሎ ከም ዝነበረት ሰይቲ ካህን ኣሮን ኤልሳቤጥ፡ ሕጊ ወንጌል ክስራዕ ከሎ ንምምስካር ዝተዓደለት ካልአይቲ ኤልሳቤጥ ነታ ናብኣ ዝመጸት ጓል ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ጎርዞ፣ ኣዲኣ እትኣክል እኳ እንተኾነት ከም ንእሽቶ ጎርዞ ኣይተቐበለታን። እመብርሃን ብትሕትና እኳ እንተተሳለመታ ንሳ ግን ሱቕ ኢላ ኣይተዓዘበታን። ገና ናይ ኣደ ብርሃን ሰላምታ ምስ ሰምዐት መንፈስ ቅዱስ መልኣ። ናይ እመብርሃን ሰላምታ ጸጋ መንፈስቅዱስ ይመልእ ኢዩ እሞ ንኤልሳቤጥ መንፈስ ቅዱስ ኣዛረባ።

ብዓቢይ ድምጺ ዓው ኢላ ድማ ከምዚ በለት “ንስኺ ካብ ኣንስቲ ዝተባረኽኺ ኢኺ እቲ ካባኺ ዝውለድ ህጻን እውን ዝተባረኸ ኢዩ። ኣደ ጐይታይ ናባይ ክትመጺ እዚ ካበይ ኮነለይ፧ እነሆ ድምጺ ሰላምታኺ ምስ ሰማዕኹ እቲ ህጻን ኣብ ማህጸነይ ብሓጎስ ተሰራሰረ። እቲ ካብ እግዚአብሔር ዝተነግረኪ ቃል ከም ዝፍጸም ስለዝኣመንኪ ብጽእቲ ኢኺ” በለታ።

እታ ናይ ዕድመ በዓልቲ ጸጋ ዝኾነት ኤልሳቤጥ ኃይሊ ረኺባ ብዓቢይ ድምጺ ዓው ኢላ ኣመስገነት። ኤልሳቤጥ ውዳሴ ማርያም ኢያ ኣስሚዓ። መንፈስቅዱስ ዝመልአ ሰብ ዘረብኡ ንእመብርሃን ምስ ወዳ ምስጋና ምቕራብ ኢዩ። ኤልሳቤጥ “ንስኺ ብርኽቲ ኢኺ ፍረ ኸርስኺ እውን ብሩኽ ኢዩ ብምባል ንጐይታ ምስ ኣዲኡ ከም ዘመስገነት ንሕና እውን ሎሚ “አቡነ ዘበሰማያት ኢልና በሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ነስዕብ”። ቅዱስ ገብርኤል “ንስኺ ካብ ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ” ክብል ከሎ ኤልሳቤጥ ድማ “ፍረ ከርስኺ እውን ብሩኽ ኢዩ” ኢላ ከም ዝወሰኸት  ክሳዕ ምጽኣት እንዳተቐባበልና ከነመስግና ኢና።

ኤልሳቤጥ ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም “ኣደ ጐይታይ”ኢላታ። ወላዲተ ኣምላክ፡ እመ ኣምላክ፡ እመብርሃን ንብሎ እንበኣር ካብዚ ንደሓር ኢዩ። ሰይቲ ካህን ኢያ እሞ ንመቅደስ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ከመይ ኢልና ክንጽውዓ ከም ዝግብኣና መሃረትና።ኣስዒባ እውን ሓደ ዘደንቕ ምስክርነት ሃበት “እነሆ ድምጺ ሰላምታኺ ምስ ሰማዕኩ እነሆ እቲ ህጻን ብሓጎስ ኣብ ውሽጠይ ተሰራሰረ” በለት። 

ዋላ ሳይንቲስ እዛ ዓለም ከም ዝርድእዎ እሱ እውን እንተዘይኮነ ኣዴታትና ከም ዝፈልጦኦ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ጥንሲ ኣብ ማህጸን ከሎ ምስርሳሩ ልሙድ ተፈጥሮኣዊ ክስተት ኢዩ። ብርግጽ ሓደ ክስተት ክደጋገም ከሎ ኣደናቒነቱ ስለዝተርፍ ኢዩ እንበር ናይ ጽንሲ ምዝላል ኣይኮነን ናይ ጥንሲ ምፍጣር ብባዕሉ ኣዚዩ ዘድነቕ ተኣምር ኢዩ። ሓደ ሓደ ሰባት “ዝኾነት ነፍሰጾር ሰበይቲ ክትፈልጦ ንእትኽእል ተራ ነገር ንምንታይ ኢኹም ከም ዓቢይ ተኣምር ትርእዩዎ።” ክብለና ይኽእል ኢዩ። እወ ዝኾነ ጻድቅ ፣ ቅድስቲ ዘይኮነት ወይ ከም ኤልሳቤጥ መንፈስ ቅዱስ ዘይመልኣ ሰበይቲ ናይ ጥንሲ ኣብ ማህጸና ምዝላል ክትፈልጦን ክትርድኦን ትኽእል ኢያ። ማንም ሰበይቲ ግን እቲ ጥንሲ ኣብ ማህጸና ብሓጎስ ዲዩ ወይስ ብጓሂ ይዘልል ከም ዘሎ ክትርድኦ ኣይትክእልን ኢያ። ኣስተውዕሉ ኤልሳቤጥ ዝበለቶ “እቲ ህጻን ኣብ ማህጸነይ ተሰራሰረ” ዘይኮነስ “እቲ ህጻን ኣብ ማህጸነይ ብሓጎስ ተሰራሰረ።” እዩ።

 ንሕና ኦርቶዶክሳውያን ምእመናን  “ማርያም ማርያም” ተባሂሉልና ኢና ተወሊድና፥ “እንቋዕ ማርያም መሓረትኪ” ተባሂልና ኢና ዓቢና። ኣብ ዝተፈላለዩ ሆስፒታላት ኣብ ክፍሊ መወልዳን ናይ እመብርሃን ስእሊ ምስቃል ልሙድ ተርእዮታት ኢዩ። እንተኾነ ግን ሓደ ሓደ ሰባት “ንድንግል ማርያም ምስ ጽንሲ እንታይ ኣራኸባ፧” ኢሎም የዕገርግሩ ኢዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ዝፈልጥ ሰብ ከመይ ኢሉ ነዚ ዘገምቶ ሕቶ ይሓትት᎒ ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ባሕሪ እንዳሓንበሱ ንዝነበሩን ንባህልና ብመጽሓፍ ቅዱስ ቃንዮም ንዘረከቡና ኣበው ምስጋና ይኹኖም፡ ጽንስን እመ ኣምላክን እንታይ ኣራኸቦም ንዝብል ሕቶ እንበኣር “እነሆ ድምጺ ሰላምታኺ ምስ ሰማዕኹ እቲ ህጻን ኣብ ከርሰይ ብሓጎስ ተሰራሰረ” ንዝበለት ኤልሳቤጥ ምሕታት ይሓይሽ። ምንም እኳ ንሕና ናይ እመብርሃን ድምጺ ንነብሰጾራት ከነስምዐን እንተዘይከኣልና ስማ ካብ ምስማዕ መን ክኽልክለና ይኽእል᎒

ቅዱስ ዮሓንስ ገና ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ከሎ ናይ እመኣምላክ ድምጺ ሰሚዑ ተሰራሰረ። ሓዋርያት ኣብ ሲኖዶስ፡ ከምኡ እውን ቅዱስ ያሬድ ሰገደ ኢሎም ተርጒሞሞ ኣለዉ። ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ተፈጥሮ ዓጊትዎ እንበር ካብ ማህጸን ክወጽእ እንተዝኽእል ከም ኣዲኡ “ኣደ ጐይታይ ናባይ ክትመጺ ካበይ ኮነለይ ” ከም ዝብል ጥርጥር የብሉን። እዚ ብከመይ ትፈልጡዎ ንዝብል ናይ ቅዱስ ዮሐንስ ጠባይ መዓስ ጠፊኡና ጐይታ ክጥመቕ ናብኡ ምስ ከደ “ኣነ ደእ ብኣኻ ክጥመቕ የድልየኒ እንበር ንስኻ’ዶ ናባይ ትመጽእ᎒” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። ናይ ኣዲኡ’ዶ ወሲዱ ይኸውን᎒ ንሱ ከኣ ናይ ክልቲኦም ወለዱ እዩ ወሲዱ። ኣዲኡ “ንስኺ ካብ ኣንስቲ ተፈሊኺ ዝተባረኽኺ ኢኪ ፍረ ከርስኺ እውን ብሩኽ ኢዩ” ክትብል ኮላ ሰሚዕና፡ ኣቡኡ’ውን ተዓቢሱ ዝነበረ ኣንደበቱ ምስ ተኸፍተ “እግዚአብሔር ኣምላክ እስራኤል ይባረኽ።” በለ ። ሉቃ. 1፡68። ንወለዱ ዝመሰለ ዮሓንስ እውን ንጐይታ ከጠምቕ ከሎ “ብርሃን እትገልጽ ወዱ ንብሩኽ ይቕረ በለልና”  ብምባል ኣጥመቖ። ዝተባረኸ ቤተሰብ!  

 ካብዚ ብምቕጻል እመብርሃን “ነብሰይ ንእግዚአብሔር ተዕብዮ” ዝብል ምስጋና ኣመስገነት።  እዚ ናይ እመብርሃን ጸሎት ሰፊሕ ምሥጢር ዘለዎ ምስጋና ኢዩ። ክልተ ነገራት ጥራይ ግን ከነልዕል ኢና። እቲ ናይ መጀመርያ ኣደናቒ ነገር ንእኒ ቅዱስ ኤፍሬም ኣባ ህርያቆስ ምሥጢር ገሊጻ “አሃዝ መዋግደ ጸጋከ/ ናይ ጸጋ ማዕበልካ ግታእ።” ክሳብ ዝብሉ ሓዲሽ ድርሰታት ንኽደርሱ ዝገበረት ኣደ ንሳ ኣብ ዝጸለየቶ ጸሎት መብዛሕትኡ ናይ ኣቦታታ ናይ ነብያት ጸሎት ምዃኑ ናይ እመብርሃን ትሕትናኣ ከደንቐ ክነብር ኢዩ።

 እቲ ካልኣይ ድማ “ኩሎም ወለዶ ብጽእቲ ክብሉኒ ኢዮም፡ እቲ ኩሉ ዝኽእል ዓበይቲ ነገራት ገይሩለይ ኢዩ እሞ ስሙ ቅዱስ ኢዩ።” ዝበለቶ ኢዩ። እመ ኣምላክ ናይ ምምስጋን ድሌት ሃሊዩዋ “ብጽእቲ በሉኒ” ዝብል ትእዛዝ ኣይሃበትን። ትንቢት ደኣ ኢያ ዝተነበየት እንበር። ትንቢት ከኣ “ከመይ ትንቢት ሰባት ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ ዝተዛረቡዎ እንበር፥ ከቶ ብፍቓድ ሰብ መጺኡ ኣይፈልጥን።” 2ጴጥ. 1፡21 ይብል ቃል ኣምላኽ። ንእመብርሃን ምምስጋን ሰባት ከግድፉና ዘይክእሉ ካብ መላእክቲ ዝተቐበልናዮ፡ ካብ ኤልሳቤጥ ዝተመሃርናዮ ብትንቢት ዝጸንዐ ሕድሪ ምዃኑ ነዘክር።

 እመብርሃን ንምንታይ ዘይመጸት?

ኣብ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ናይ ወንጌል ሉቃስን ኣብ ካልኦት ወንጌላትን ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ከርሰ መቃብር ኣብ ዝሓደረሉ ጊዜ ዝነበረ ፍጻሜ ነንብብ ኢና። ብፍላይ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ኣብ ናይ ትንሣኤ ለይቲ እተን ቅዱሳት ኣንስቲ ቅዱው ጨና ሒዘን ንሥጋኡ ክቐብኣ መጽየን ነይረን። ኮይኑ ግን እቲ መቓብር ጥርሑ ኢዩ ጸኒሑወን፡ ብልሳን መላእክቲ ድማ ብዛዕባ ትንሣኤ ናይ ጐይታ ተበስራ። እዚ ኩሉ እንዳተፈጸመ እውን ከም ሕልሚ ኮይኑ ዝተራእዮም ብዙሓት ነበሩ።

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል መከራ ተቐቢሉ ብሥጋ ኣብ ዝሞተሉ ጊዜ ልባ ብሓዘን ዝተሰብረ እመብርሃን ነበረት። ዋላ እኳ ናይ መስቀል ዓላማ እንተተረድኣ እቲ ዝተቐበሎ መከራ ኣይኮነን ሓቚፋ ንዘዕበየቶ ኣደ ንዝሰምዖ ኩሉ ዘብኪን ዘሕዝንን ነበረ። እመብርሃን ክሳዕ እታ ናይ መወዳእታ ስቅያቱ ምስኡ ነበረት። ከም ቅዱስ ጴጥሮስ “ኣይ እዚስ ካባኻ የርሕቆ።” ብምባል ካብ ናይ ምድኃን ሥርሑ ዘየባኾረቶ ፍቕራ ስለዝጎደለ ኣይነበረን። እንታይ ደኣ ብዘይ ናቱ ሞት ናይ ዓለም ድኅነት ከም ዘይከውን ብምስትውዓል እንበር። 

ኣብ መከርኡ ካብ ጎኑ ዘይተፈልየት፡ ኣብ ትሕቲ መስቀሉ ካብ ዝነበራ ቅዱሳን ኣንስቲ እቲ ቀዳምነት ቦታ ሒዛ ዝነበረት ኣደ ግን ኣብ ሰንበት በጺሓ ምስተን ቅዱሳን ኣንስቲ ኣብቲ መቓብር ኣይነበረትን። ንምንታይ᎒ ልዕሊኣ ናይ ወዳ ሥጋ ቅዱው ጨና ክቐብእ ዝሓስብ መን ኮን ክኸውን ይኽእል᎒ ከመይ ኢሉ’ኸ እቲ ነብሳ ገይሩላ᎒ እቲ ምስጢር እዚ ኢዩ።  እመኣምላክ ወዳ ንሞት ስዒሩ ካብ መቓብር ከም ዝትንሥእ ትፈልጥን ትኣምንን ነይራ ኢያ። ስለዚ ነቲ ህያው ኣብ መንጎ ምዉታት ክትደልዮ ኣይተበገሰትን። ኣቦኣ ኣብርሃም ንይስሓቕ ክሥውኦ ከሎ እግዚአብሔር ንወዱ ካብ ምዉታን ከተንሥኣለይ ኢዩ ኢሉ ከም ዝኣመነ፡ እመ ብርሃን እውን ነቲ ፍቑር ወዳ እግዚአብሔርነቱ ካብ ምዉታን ከተንሥኦ ከም ዝከኣሎ ብምሕሳብ ነበረ። እብ 11፡19።

 
ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን፣ ወላዲተ ኣምላክ፣  እመብርሃን ፣ ድንግል ማርያም በረኸት ምስ ኩልና ይኹን። 

 

ጸሓፊ፦ዲያቆን ሄኖክ ኃይሌ(2005) 

ትርጉም፦ዲያቆን ዮሐንስ ዘደብረ ቁስቋም

Comments are closed.