ቅድስት ኣስጠራጦኒቃ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

 20 መጋቢት መጽሐፈ ስንክሳርና ዝዘከሮም ምስ ንርኢ፡

  • መበል 57 ሊቀ ጳጳሳት ናይ እስክንድርያ ኣባ ሚካኤል ዘዕረፉሉ ዕለት እዩ፡
  • ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ቢታንያ ንኣልኣዛር ካብ ሞት ከተንሥኦ ዝመጻሉ ዕለት እዩ፡
  • ቅድስትን ብርኽትን ቅድስት ኣስጠራጦኒቃ ዘዕረፈትሉ ዕለት እዩ።

-  ወርኃዊ ክብረ በዓሎም ድማ ኣባ ዮሓንስ ሓጺር፡ ነብይ ኤልሳዕ እዩ። ከምኡ ድማ ሕንፀተ ቤታ ናይ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም እዩ፣ ምሕረትን ይቅሬታን ናይ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣማላድነትን ጸሎትን ናይዞም ዅሎም ቅዱሳን ምሳና ጸኒዑ ይንበር፡ ኣሜን።

  ንቅድስት ኣስጠራጦኒቃ ኣቡኣ ንጣዖት ዘምልኽ እዩ ነይሩ፡ ንሳ ግና ብፈጣሪኣ ብኢየሱስ ክርስቶስ እትኣምን ኣኽባሪት ሃይማኖታ፡ ኵሉ ጊዜ ጾምን ጸሎትን ክሳዕ መልክዓ ዝልወጥ ተኅልፎ ነበረት፡፡ ጓል 15 ዓመት ምስ ኮነት፡ ወለዳ 'እንታይ ረኺብኪ እትዓብሪ፡ከፊኡኪ ዲዩ፧!' እንዳበሉ ሓተትዋ። ንሳ ድማ 'ኣነስ ኃጢኣተይ ይቕረ ክብለለይ፡ ክቡር ንዝኾነ ናብ ጐይታይ ኦየሱስ ክርስቶስ እጽሊ ኣለኹ' በለቶም። ኣቡኣ ነዚ ምስ ሰምዐ ናብ ንጉሥ ጢባርዮስ ከይዱ ናይ ጓሉ ኵሉ ግብሪ ነገሮ፡ ንጉሥ ድማ ወተሃደራቱ ሰዲዱ ናብኡ ከምጽእዋ ኣዘዘ። እቲ መኰንን ናብ ጣዖት ክትሰግድ ሓባበላ፡ እምቢ ብዝበለቶ ጊዜ ድማ ቤት ማእሰርቲ ዶርግሓ። ኣዲኣ ክርስቲያዊት ስለዝነበረት ድማ እናመጽአት በቲ ኽቡር ዝኾነ ብኢየሱስ ክርስቶስ ተጸናንዓ ነበረት (1 ተሰ 3፡7)።

ድኅሪዚ ናይ ሓጺን ሰሌዳ ብዝመስል ሠሪሖም ብሓዊ ብምርሳን የእዳዋ ምስ ሕቘኣ ሓደ ክሳብ ዝኸውን ከጣብቅዋ ንጉሥ ኣዘዘ፡ ኣየ ደቂ ሰባት እዚ ኢዩ ኣምላኽና ፈጣሪና፡ ናይ ነጻነት ኣምላኽ ክነሱ ኣብ ድላይና ከነምልኽ ነጻነት ሂቡና ከሎ ደቂ ሰባት ግና 'ከምዚ እየ' እናበለ የገድደና ኣየ ፍትሓዊ ኣምላኽ ምህላውና ኣስተውዒልና'ዶ ንኸውን፧! ንግባእኬ ሃበ ጥንተ ነገሩ ከምዝበሃል ፡ ብኃይሊ እግዚአብሔር ከም ሳምሶን ነቲ ሰሌዳ ሰይራ ወጸት፡ እቶም ህዝቢ ነዚ ምስ ረኣዩ ኣዝዮም ተገረሙ ንናይ ቅድስት ኣስጠራጦኒቃ ኣምላኽ እቲ ኽቡር ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ ኢና ንኣምን ኢሎም ክሳዕ 4,700 ብሰማዕትነት ኃለፉ።

  ንካልኣይ ጊዜ ናብ ማሕዩር ኣእተዋ፡ መኰንን ካብኡ ኣውፂኡ ብዓብይ ሓጺን ናይ ቀርኒ ብዕራይ እተሠርሐ ንከብዳ ወጊኡ ብክሳዳ ክትሕነቅ ኣብ ኣደባባይ ኣቈማ፡ ብሓጺን ዝተሠርሐ ቀርኒ ብኃይሊ ክርስቶስ ኣብ ክልተ ተመቅለ ነዚ ዝረኣዩ ክሳዕ 985 ሰባት ብክርስቶስ ኣሚኖምን ሰማዕትነት ጨበጡ።

  በዚ ዘይተሓለለ ንጉሥ ካልእ ትእዛዝ ኣመሓላለፈ፡ ናብ መርዚ ዝመልኦ ኣትማን ጕድጓድ ደርበይዋ፡ ጐይታ ኣብ ቅዱስ ወንጌሉ 'ነቶም ዝኣምኑ'ውን ነዚ ተኣምራት ክስዕቦም እዩ፡ ብስመይ ኣጋንንቲ ከውጽኡ, ብሓድሽ ልሳን ክዛረቡ፡ ኣትማን ክኅዙ እዮም፣ ዝቀትል እንተሰተዩ ከቶ ኣይክጐድኦምን እዩ' (ማር 16፡17) ዝበሎ ቃል, ሎሚ ዓለምና ብሕማም ኮሮና ተጨኒቃ ዓቕላ ጸቢብዋ ኣሎ፡ ንሕና እቶም ንኣምን ግና እዚ ከጨንቀና ኣይግብኦን እዩ፡ ንምንታይ ብክርስቶስ ክርስትያን፡ ብወልድ ውሉድ ብመንፈስ ቅዱስ መንፈሳውያን ስለዝኾንና። እዚ ሕማም ዝመጸ ንዓና ንክርስትያን መበርትዒ መደልደሊ መዘካከሪ እዩ፡ ነቶም ዘይኣምኑ ግና ፍርሃቶም እዩ (2ቆሮ 1፡6)፣ ስለዚ ደቂ ኣስራት ደቃ ንድግል ማርያም ደቂ ዓዶም ንቅዱሳን ስለዝኾንና፡ ተጋጊና ኣብ ኃጢኣት እንተለና ኣዘኻኪሩና ኣሎ እሞ ንነሳሕ ንቅረብ ናብ ፊቱ ብዘረባ ብህውከት ብዜና ፍርኃት ኣብ ውሽጢ ልብና ኣይነእቱ። ሎሚ እኮ ካብቲ ብሕማን ኮሮና ዝተቀዝፈ እቲ ብማስ ሚድያ (Mass Media) ዝተቀዝፈ ይበዝኅ ኣሎ፡ ስለዚ ንመለስ ከምቲ ዘማራይ ቅዱስ ዳዊት ዝበሎ 'ለከ ለባሕቲትከ አበስኩ ወእኩየኒ በቅድሜከ ገበርኩ፡ ኣነ ንኣኻ ጥራይ በደልኩ፣ ኣብ ቅድሜኻ እከይ ገበርኩ።' (መዝ 51፡4) ኢልና ንመለስ ነዚ ክገልጽ እቲ ሊቅ ኣብ ቅኒኡ 'ዓለም ተመዝበረት በዜና፡ እስመ ግብተ መጽአት ምጽአተ እግዚእ ኮሮና' ዝበሎ ስለዚ ብዘረባ ብዜና ኣይንተሃወኽ፡  ንነሳሕ ንፋቀር፡  ይቅረ ንመድኃኔ ዓለም ንበሃሃል፣ ክምሕረና እዩ።

 ከም ቃሉ ንግባእኬ ሃበ ጥንተ ነገሩ ናብ ዝቀደመ ነገርና ንመለስ ቅድስት ኣስጠራጦኒቃ ኣብ ጕድጓድ ኮይና ምስ ጸለየት እቶም ኣትማን ናብ ሓመድ ተቀየሩ፡ ብድኅሪዚ ካብቲ ጕድጓድ ኣውፂኦም ኣርባዕተ ሰባት ክስከምዎ ዝኽእሉ እምኒ ኣሰኪሞም ብጎቦ ከጽድፍዋ ምስ በሉ ንሰማይ ኣንቃዕሪራ ጸለየት፡ ትሕት ምስ በለት እቲ እምኒ  ኣብ ሠለስተ ተመቃቐለ።

  ድኅሪ ብዙኅ ተጋድሎ ካብ ፍቕሪ እግዚአብሔር  ዝፈልየኒ የለን ኢላ ከምቲ ቅዱስ ቃሉ ዝብሎ 'ኪዳን ተካየድኩ ምስለ ኅሩያንየ' ዝበሎ እስመ ተጽሕፈ ስምኪ ውስተ መጽሐፈ ሕይወት፡ ስምኪ ኣብ መጽሓፍ ሕይወት ተጻሒፉ እዩ እሞ ስምኪ ዝጸውዐ፡ ብስምኪ ንጥሙይ ንጽሙእ ዘዐንገለ፡ ገድልኪ ዝጸሓፈ ዘጽሓፈ ዝሰምዐ ዘስምዐ ኣነ ክምሕረልኪ ኢየ ብምባል ቃል ኪዳን ሃባ እሞ፣ ብ20 መጋቢት ብሰይፍ ተቀንጺላ ብሰማዕትነት ኃለፈት። ብጸሎታ ዝርከብ በረኸት ምስ ኵልና ንዘልዓለም ይንበር፡ ኣሜን!

ዓርኬ

ሰላም ለሥንኪ ዘአዋከየ መብረቃ፡

በብሔረ ጽልመት ወጣቃ፡

ሕሊናየ ትቤ ሶበ ፍቅርኪ አጽሐቃ፡

አስጠራጦኒቃ ለንዴትየ ወርቃ፡

አስጠራጦኒቃ ለነፍስየ ጽድቃ።

ናይ እግዚኣብሔር ምሕረትን ይቕሬታን፡  ናይ እመ ኣምላኽ ኣማላድነት፡ ናይ ቅድስት ኣስጠራጦኒቃ ጸሎትን በረኸትን ኣይፈለየና።

 ካብዚ ንዓለም ሃዊኽዋ ዘሎ ሕማም ኮሮና ኣምላኽና ይሰውረና፡ ንዝሓመሙ ምሉእ ምሕረት የውርደሎም፡ ንዝሞቱ መንግሥተ ሰማይ የዋርሶም ንሥድራቤት ምጽንናዑ ይሃቦም። ንዝተኣስሩ መዋጽኦ ይፍጠረሎም፡ ኣብ ስደት ዘለና ሃገርና ሃገረ ሰላም ቀይሩ፡ ናብ ሃገርናን ርስትናን ብሰላም ክንበጽሕ የብቅዓና፡ ገጽ ኃያላን ነገሥታት ምድሪ የህድኣልና። ካብ ሃይማኖት ክሕደት ካብ ሰይጣናዊ ስሕተት ብቃል ኪዳን ቅዱሳኑን ብድንግል ኣዲኡን ይተዓረቀና ሰላሙ የውርድረልና።

 'ሰላመይ እኃድገልኩም፡ ሰላመይ እህበኩም ኣለኹ!' ዝበሎ ብቃሉ ሰላሙ ምሕረቱ ይሃበና ንክንሳሕ መንፈስ ቅዱሱ ይደግፈና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል፡ ወለወላዲቱ ማርያም ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር ወኃያል፡ አሜን።

  • መወከሲ መጽሐፈ ስንክሳር
  • የኔታ ዘርኡ ነበር ዘደብረ ኤፍራታን ሊቀ ሊቃውንት ጐይታና ይስሓቅ ዘደብረ መርቆሬዎስ ኣበው ዘሃገረ ኤርትራ
  • ቅኔ ዘዲያ ዳንኤል አብርሃም

15 07 (ጥሪ) 2012 ዓ.ም. ግእዝ

ኣዳላዊ ዲያ. ዳንኤል ኣብርሃም

Comments are closed.