ርደተ መንፈስ ቅዱስ - ብቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቒ 1ይ ክፋል

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላክ አሜን።

ምስባክ

ዐርገ ውስተ ዓርያም ፄዊወከ ፄዋ

ወወሀብከ ጸጋከ ለእ¶ለ እምሕያው

እስመ ይክህዱ ከመ ይኅድሩ ።

መዝ.67፣18 (68፣18)

ወንጌል ዮሓ.14፣1-22 ግ.ሓ.2፣1-14 ኤፌ.4፣1-17 1ይዮሓ.2፣1-18

ቅዳሴ ዘዲዮስቆሮስ

መንፈሳዊ ጸጋኡ ኣብዚ ዕለት ብምልኣት ኣባና ወሪዱ እዩ’ሞ ንመንፈስ ቅዱስ ጣዕመ ዝማሬ ልዕል ልዕል ነብሎ። ዋላ እካ ዝረኸብናዮ ጸጋ ልዕልንኡንምግላጽ ናትና ቃላት ድኹም እንተኾነ ከም ዓቅምና ንከኣልነቱን ሥርሑን ኃያልነቱን ካብ ምምስጋን ኣይንኽልከልን።

ነዚ እነኽብሮ ዘለና በዓል ናይ ጴንጤቆስጤ በዓል እዩ። መዓልቲ ርደት መንፈስቅዱስ ፣ ተስፋ ፍጻሜ ዝረኸበሉ ዕለት፣ ጸሎተ ሓዋርያት መልሲዝረኸበሉ ዕለት፣ ዐስበ ትዕግሥቲ ዝረኣናሉ ዕለት፣ ኣብዚ ሎሚ ዕለት ኣብ ዘመነ ዔቦር ንቋንቋ ዝደባለቀ መንፈስቅዱስ ኣብ ልዕሊ ሓዋርያት ናይ እሳትላንቃ ከርእይ ዝተመልከትናሉ ግዜ እዩ። ዘፍ.10፣25። ኣብ ዘመነ ዔቦር ዘወቅስን ዘሐፍርን ዝገብረ ወዲ ሰብ ፈቓዱ ንምግታእ ቋንቋኦም ዝደባለቀመንፈስ ቅዱስ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ቅዱሳን ሓዋርያት ኩሎም ኣብ ሓደ ቤት ተኣኪቦም ከለዉ ሃንደበት ከም ኣውሎ ንፋስ መጺኡ ንኹሉ ቤት መልኦ፣ከም እሳት እንዳተኸፋፈለ ልሳን ከርእዮም፣ ብፈቓዱ’ውን ናይ ሰባኺነት ልሳን ክኅቦም ሪኢና።

እዚ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሥነ ፍጥረት መጀመርታ ኣብ ልዕሊ ማያት ክፈስስ ሪኢናዮ፣ ብዳኅራዋይ ዘመን’ውን ኣብ ዘመነ ሓዲሽ ኣብ ልዕሊ ጐይታናመድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክዓልብ ከሎ ሪእናዮ።

እዚ በኣምሳል ርግቢ ኣብ ዘመነ ኖህ ማይ ኣይኂ ኣብ ልዕሊ ማያት ነፊሩ ምጉዳል ማይ ንኖህ ዘበሰረ መንፈስ ቅዱስ በምሳል ርግቢ ኣብ ባሕሪዮርዳኖስ ምርኣዩ ዝጥመቅ ዝነብረ እግዚአብሔር ወልድ ንኹሉ ዓለም ናይ እግዚአብሔር አብ ናይ ባሕርይ ወዱ ምዃኑ ክገልጽን ክምስክርን ሪኢናዮ።

ቅዱስ ዳዊት ነዚ መንፈስ ቅዱስ ደልዩ ናብ ኣምላኹ ክጽልይ ከሎ ። “ ኢትግድፈኒ እምቅድመ ገጽከ መንፈስ ቅዱስ ኢታውፅእ እምላዕለየ። ” “ ካብቅድሚ ገጽካ ኣይትደርብይኒ፣ ቅዱስ መንፈሳካውም ኣይተግድፈኒ። ” መዝ.50 (51)፣11። ኢሉ እዩ።

ብሓቒ እዚ መንፈስ ቅዱስ ዘይብሉ ኩሉ ናይ ክፍኣት እዩ ዝወሮ። መንፈስ ቅዱስ ካብ ሳ ኦል ክፍለይ ከሎ፣ ርኹስ መንፈስ እዩ ናብኡ ኣትዩ። ስለዚ’ዩቅዱስ ዳዊት ፣ “ ቅዱስ መንፈስካ ኣይተግድፈኒ ” ኢሉ ዝጽልይ ዝነበረ።

ንነብያት ዝመረጸ፣ ንሓዋርያት ዝመርሐ፣ ንሰማእታት ዘበርትዐ እዚ መንፈስ ቅዱስ እዩ። እዚ መንፈስ ቅሱ ንኢሳይያስ ኣጽኒዕዎ እዩ። ንሕዝቅኤል’ውንኣምሂርዎ፣ ትንሣኤ ሙታን’ውን ገሊጽሉ እዩ። “ ኢደ እግዚአብሔር ኣብ ልዕለይ ነበረት፣ እግዚአብሔር ከኣ ብመንፈሱ ኣውጸኣኒ። ” ሕዝ.37፣1።ከምዝበለ።

እዚ መንፈስ ቅዱስ ኤርሚያስ ኣብ ማኅጸን ከሎ መሪጽዎ፣ ንዳኒኤል ንሶስና ከድኅና ኣበጊስዎ። “ ክቀትልዋ ኢሎም ክወስድቕእ ከለዉ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ዳኒኤል ዝበሃል መንእሰይ ኣተሢኡ። ” ዳኒ.13፣44-45።

እዚ መንፈስ ቅዱስ ቅዱስ ዳዊት ምስኡ ኮይኑ ከድኅኖ ስለዝደለየ ናብ እግዚ አብሔር ከምዞ ኢሉ ጸለየ። “ ቅዱስ መንፈስካ ብጽድቂ መገዲ ይምርሕኒ” መዝ. 142(143)10።

እዚ ቅዱስ መንፈስ ናብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንክሓድራ መጺኡ። ኃይለ ልዑል ወልድ፣ውን ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲወሲዱ ንኽውልድ ብምግባር ወላዲተ ኣምላክ ጌርዋ። በዚ ቅዱስ መንፈስ ዝተመልአት ቅድስቲ ኤልሳቤጥ ብቅድስቲ ድንግል ማርያም ጌሩ ጐይታናመድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብኣ ከምዝመጸ ተወዲኣ። ስለዚ’ውን “ ኣደ ጐይታን ናባይ ክትመጺ ከመይ ኮነለይ። ” ኢላታ። ሉቃ.1፣43።
ኣብ ዮሓንስ መጥምቕ ካህኑ ዘካርያስ በዚ መንፈስ ቅዱስ ምስ ተመልአ ካብኡ ዝውለድ ህጻን ናይ ልዑል ነብይ ከምዝኸውን ፣ ጸራጊ መገዲ’ውንከምዝኸውን ብዓውታ ተዛሪቡ። ሉቃ.1፣76።

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቂ መዛሙርቱ ከምህሮም ከሎ ብዝበጽሖ ጸዋትወ መከራ ከይሓዝኑ የጸናንዖም ነበረ። “ ኣነ እንተዘይከድኩስመጸናንዒ ናባኻትኩም ኣይመጽእን እዩ። ” ዮሓ.16፣7። ከምዝብል።

ቅዱሳን ሓዋርያት ናይዚ ቅዱስ መንፈስ ኃይሊ ካብ ላዕሊ ክሳብ ዝረኽቡ ተጸበዩ። እዚ ኃይሊ ካብ ኣርያም ክሳብ ዝረኽቡ ተዓገሱ ፣ ጐይታናመድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ ክብል ኣዚዝዎም ኔሩ እዩ። “ እነሆ ኣነ ትስፋ ኣቦይ ክሰድልኩም እየ። ንስካትኩም ግና ካብ ላዕሊ ኃይሊ ክሳዕእትለብሱ ኣብ ከተማ ኢዮርሳሌም ጽንሑ። በሎም ”። ሉቃ.24፣49።

ከምዝተባህለ’ውን ኣብ በዓል ሓምሳ ኩሎም ብሓደ ልቢ ተኣኪዎም ከለዉ መንፈስ ቅዱስ ወሪድዎም። “ ኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ ድማ ኩላቶምሓቢሮም ብሓንሳብ ነበሩ። ብድንገት ከኣ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ደሃይ መጸ፣ ነታ ኣብኣ ተቀሚጦም ዘለውዋ ቤተ’ውን ንብዘላ መልኣ።እተመቓቐለ ልሳን ሓዊ ዚመስል ድማ ተራእዮም።” ግ.ሓዋ. 2፣1-3።

ብአብን መንፈስ ቅዱስን ዝተዋህቦም ተስፋ ድሕሪ ምቅባሎም ኃይሊ ረኸቡ። ተቀቢሎም’ውን ናይ እግዚአብሔር ወልድ ጸጋኡን ሥልጣኑን ንኹሉዓለም ገሊጾሞ። ቅዱሳን ሓዋርያት ኢዶም ምስ ኣንበርሉ፣ ቅዱስ መንፈስ ዝመልአን ዝተቀበለን ሰማዕቱ ሊቀ ዲያቆናት እስቲፋኖስ ኣብ መንጎብዙሓትን ሰባት ዓበይቲ ምልክታትን ተኣምራትን ገበረ። በዚ ቅዱስ መንፈስ ምስ ተመልአ ደገ ሰማያት ተኸፊቶም ሥግው ቃል ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብየማነ አብ ሪኢዎ።

ብትግኃ መንፈሳዊ ፣ ብጽቡቅ ሥነ ምግባር ፣ ናብ ንስሓ በጺሕና ፣ ንእግዚአብሔር ከነስምሮ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኣይፈለየና።

ናይ ወላዲተ ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣማላድነታ ኣይፈለየና ።

2ይ ክፋል .ይቅጽል

ወስብሓት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለወስቀሉ ክቡር።

ዘሚካኤል

Comments are closed.