ማኅሌተ ጽጌ ካበይ መጸ(3ይ ክፋል)

ምሥጢር

ኣብዚ ኣርእስቲ ንርእዮ ኣብ ብሉይን ሓዲሽ ኪዳንን ዝተነግረ እናማሳሣጠረ፣ ብብዙኃ ምሳሌን ትንቢትን ዝንገር ዝነበረ ናይ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምውላድ ትንቢት ምስ ፍጻሜኡ እናዛመደ ዝነግር እዩ።
1. ዘብኪ ተባረኩ ወተቀደሱ አሕዛብ
ትእምርተ ግዝረቱ ወዘርዑ ለአብርሃም አብ
ጽጌ ድንግልናኪ በግዕ ለቤዛ ይስሐቅ ውሁብ
ማርያም ዕፀሳቤቅ ወምሥራቅ ዘያዕቆብ
ወላዲቱ ለሥርግው (ለሥግው) ኮከብ።
“ኣህዛብ ብኣኺ ዝዝተባረኹ ናይ ኣብርሃም ናይ ግዝረቱን ዘርኡን ምልክት ንስኺ ኢኺ። ናይ ድንግልናኺ ጽጌ በግዕ (በጊዕ) ንቤዛ ይስሓቅ ተዋህበ። ኦ ማርያም ዕጼ ሳቤቅ ወላዲቱ ለሥርግው( ኮኾብ ዝወልድኪ) ናይ ምብራቅ  ዘያዕቆብ ንስኺ ኢኺ።”
እግዚአብሔር ንኣቦና ንኣብርሃም ካብ ሃገሩን ቤተ ሰቡን  ተፈልዩ ንሱ ናብ ዘርእዮ ሃገር ክኸይድ ምስ ኣዘዞ። “በዘርዕከ ይትባረኩ ኩሎም አሕዛበ ምድር። ዓሌታት ኩላ ምድሪ ድማ ብኣኻ ኪባረኹ እዮም “ ዘፍ.12-3 ኢሉ ቃልኪዳን  ኣትዩሉ። ካብ ኣህዛብ ዝፍለየሉ ንእግዚአብሔር ዘምልኽ ምዃኑ ዝፍለጠሉ ምልክት ግዝረት ከኣ ሂብዎ። ከምዚ ክብል” ኣምላኽ ድማ ንኣብርሃም በሎ ንስኻ ከኣ ኪዳነይ ክትሕሉ ኢኻ ፣ ንስኻን ብድሕሪኻንውን ዘርእኻ ካብ ወለዶኦም  ትሕልው። ኣብ መንጎይን መንጎኻን ብድሕሪኻ ድማ ኣብ ዘርእኻ ዘሎ እሞ ንስኻትኩም እትሕልውዎ ኪዳን እዚ እዩ፣ ኣባኻትኩም ተባዕታይ ዘበለ ኩሉ ይገዘር “ ዘፍ.17፣-9-11።  ኣህዛብ ኩሎም ብኣኻ ክባረኹ እዮም። ዝብል ተስፋ ብይስሓቅ ኣይተፈጸመን። ምኽንያቱ ኣብ ልዕሊ ደቂሰባት ዝነበረ ርግማን (መርገም) ብይስሓቅ ክውገድን ክድምሰስን ስለዘይክእል፣ ብይስሓቅ መሥዋእቲ ዓለም ክትድኅን ስለዘይከኣል እዩ። ነዚ እዩ ከኣ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብዛ ዓለም መጺኡ በጃ ኮይኑ ኣብ መልዕልተ መስቀል ኣብ ቀራንዮ ዝሞተልና ። ስለዚ እቲ ብዘርእኻ ኩሎም ኣህዛብ ክባረኹ እዮም ተባሂሉ ንኣብርሃም ዝተነግሮ ናይ ተስፋ ቃል ዝተፈጸመ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብድንግልና ተወሊዱ ሰብ ምስ ኮነ እዩ። ንኣምላኽ ብተዋህዶ መልክዕ  ንጹህ ሥጋን ነፍስን ሒዛ ዝተረኽበት ንኣብርሃም ዝተነግሮ ተስፋ፣  ፍጻሜ ዝተረኸበ ብኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም እዩ። 
ንኣብርሃም ዝተዋህበ ግዝረት ናይ ጥምቀት ምሳሌ እዩ። ኣብቲ እዋን ዝኣመነን ዘይኣመነን ዝፍለይ ብግዝረት ከምዝነበረ ኩሉ ሎሚ ድማ ኣብ መንጎ ህዝበ እግዚአብሔርን ኣህዛብን መፍለይ ምልክት ጥምቀት እዩ። ካብ ኣህዛብ ዝፈልየናን ደቂ እግዚአሔርን ወረስቱ መንግሥቱ ዝገብረና፣ ጥምቀት ተጠመቑ ዝበለና ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝረኸብናዮ ካብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ስለ ዝተወልደ  እዩ። 
ነዚ እዩ እምበርአር  “ ዘብኪ ተባረኩ ወተቀደሱ አህዛብ  ትእምርተ ግዝረቱ ወዘርዓ ለአብርሃም አብ  “ዝበሎ  ደራሲ አባ ጽጌ ድንግል ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ዝኾነ ካብ ዘርኢ ኣብርሃም እዩ ”(ዕብ.2-1)። ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝወለደት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም'ውን ካብ ዘርኢ ኣብርሃም ምዃና ወንጌላዊ ማቴዎስ ኣብ ምዕራፍ ሓደ ብዝግባእ ኣረዲኡና እዩ። ንኣብርሃም ዝተዋህቦ ተስፋ  ብሞት ብጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ኣማናዊ ምኻኑ  የረድኣና። 
ጽጌ ድንግልናኪ በግዕ ለቤዛ ይስሐቅ ወሁብ ማርያም ፅፀሳቤቅ ወምስራቅ ዘያዕቆብ  ወላዲቱ ለሥርግው ኮከብ
ይስሓቅ ንመሥዋዕቲ ኣብ ዝቀረበሉ እዋን ካብ ሞት ዘድኃነቶ በጊዕ ካብዚ መጺኡ ከይተባህለ ኣብ ድኅሪት ቀርኑ ብዕፀ ሳቤቅ (ሓረግ) ተታሒዙ ተረኺቡ እዩ( ዘፍ.22-13)። ኣብርሃም ነቲ በጊዕ ሠዊዑ፡ ንዝተኣስረ ይስሓቅ ፈቲሕዎ። ይስሓቅ ናይ ዓለም ምሳሌ ክኸውን ከሎ፡ እቲ በጊዕ ከኣ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳሌ እዩ። እቲ በጊዕ ዝተኣስረሉ ዕፀ ሳቤቅ (ሓረግ) ድማ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምሳሌ እዩ። እቲ በጊዕ ኣብ ዕፀ ሳቤቅ (ሓረግ) ተታሒዙ ከምዝተረኽበ፣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ዝኾነ ካብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም እዩ። እቲ በጊዕ ቤዛ ኮይኑ ንይስሓቅ ካብ ሞት ከምዘድኃኖ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ስለ ናይዛ ዓለም ሓጥያት ሞይቱ ነዛ ዓለም በጃ ኮይንዋ እዩ( ዮሐ.3፡16-17)።  
ደራሲ ናይ ምሳሌ ምፍጻሙ ድሕሪ ምርዳእ ” ወምሥራቅ ዘያዕቆብ “ ይብል። በለዓም “ ኮኮብ ይሠርቅ እም ያዕቆብ ወየአትት ኃጢአተ እም እስራኤል። ካብ ያዕቆብ ኮኾብ ይወጽእ ንሓጥያትውን ካብ እስራኤል ከጥፍእ እዩ።” ኢሉ ትንቢት ከም ዝተዛረበሉ ኮኾብ ዝወለደት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምዃኑ ዘረድእ እዩ። (ዘሁ.24-17፡ ኢሳ.27፣9፡ ኢሳ59፣20 ሮሜ.11፣26።
2. ሰመዩኪ ነቢያት እለ ርእዩ ኅቡአተ፣
ገነተ ጽጌ ዕፁተ ወልኅተ ምሥራቅ ኅትምተ፣ 
እግዚአብሔር ወሀበ እንዘ ይብል ለቤተ ዳዊት ትእምርተ 
ከመ ትፀንሲ ድንግል ወትወልዲ ሕይወተ 
ኢሳይያስኒ ነገረ ክሡተ፡፡

ትርጉም 
“ንምሥጢርኪ ዝረኣዩ ነብያት ዝተዓጸወት ናይ ምብራቕ  ደገ (ማዕጾ) ዝተኃትመት ገነት  እናበሉ ጸዊዖሙኺ።እግዚአብሔር ንቤተ ዳዊት ድንግል ብድንግልና ጸኒሳ ብድንግልና ከም ትወልድ ብነብዩ ኢሳይያስ ኣቢሉ ብግልጺ ነጊርዎ።”

ነቲ ርሑቅ ኣቅሪቦም ፡ ኣብ መጻኢ ዝፈጸመን ክውን ከም  ዝኸዉን ፡ ብትንቢት መነጽር ኣቅሪቦም ዝረኣዩ፡ ሥውር ምሥጢር ዝግለጸሎም ነብያት “ገነተ ጽጌ ዕፁተ ወልኅተ ምሥራቅ ኅትምተ። ዝተሓትመት ምንጪ ዝተዓጽወት ናይ ምብራቕ  ደገ (ማዕጾ)  ” እናበሉ ጸዊዖሙኺ።
ሰሎሞን ኣብ መኃልየ << ኣቲ ሓፍተይ መርዓተየ እተሸጐረ ገነት፣ ዕጽው ዔላ ሕቱም ዓይኒ ማይ ኢኺ”(መኃ.4፣12) ይብላ። በዚ ከኣ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም፡-

ሀ. ዝተዓጽወ (ዝተሸጐረ) ገነት
ለ. ዕጽው ዔላ ሕቱም ዓይኒ ማይ ።  ተመሲላ፣ ንምንታይ?
ሀ. ዝተዓጽወ (ዝተሸጐረ) ገነት 
 ገነት ኣብ ውሽጣ ኣታኽልቲ ክህሉ ከሎ ግና ናብታ ቦታ ክበጽሕ ዝኽእል ግና የለን ተዓጽያ እያ። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብንጽህናን ብድንግናን ዘልዓለማዊ ንጽህትን ድንግልን ስለዝኾነት፣ ካብኣ ዝተወልደ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራሕ እዩ።
ናይ ኣታኽልቲ ቦታ ዘርኢ ከይተዘርኦ ወይ ከኣ ከይተተኽለን ምክንኻን ከይተገብሮን ክፈሪ ኣይክእልን እዩ። እዚኣ ገነት ዋላ ሓደ ዘይኣተዋ ዝተዓጽወት ክትክውን ከላ ኣታኽልቲ ግና ኣለዋ። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብድንግልናን ብንጽህናን ዝጸንዐት ስለዝኾነት እንበለ ዘርእ ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ወሊዳቶ እያ። 

ለ. ዕጽው ዔላ ሕቱም ዓይኒ ማይ 
ሕቱም ዓይኒ ማይ ዒላ ዝተሓትመ ከሎ ማይ ግና ኣለዎ። እዚ ከኣ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብድንግልና ዝጸንዐት ክትከወን ከላ፣ ኣደ ኰይና ከኣ ንጐይታን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ወሊዳ እያ። ሕዝቅኤል << ወርኢኩ ኅኃተ በምስራቅ፣ ኅቱም በዐቢይ መንክር ማኅተም አልቦ ዘቦአ ዘእንበለ እግዚእ ኃያላን ቦአ ውስቴታ ወወጽአ…..፣  ናብ ምብራቕ እትርኢ ወጻኢት ደገ መቕደስ መለሰኒ፣ ዕጽውቲ ከኣ እያ። እግዚአብሔር ድማ በለኒ ፣ እዛ ደገ እዚኣ ዕጽውቲ ትኹን ኣይተከፈት ሰብውን ኣይእተዋ። እግዚአብሔር ኣምላኽ እስራኤል ኣትዩላ እዩ እሞ ስለዚ ብዕጽውታ ትንበር  ሕዝ.44፣-1-3።

እግዚአብሔር ኣምላኽ እስራኤል ኣትዩላ እዩ እሞ፣ምባሉ። ካብ ሰለስተ ኣካላት ሓደ ኣካል እግዚአብሔር ወልድ ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ካብኣ ተጸኒሱ ተወሊዱ እዩ።ነብየ እግዚአብሔር ሕዝቅኤል ዝረኣዮ ትንቢት ብንባብ ትርጉሙ ተወሲዱ ቤተመቅደስ እዩ ከይብኃል፡ ቤተ መቅደስ ዝስራሕ ምእመናን ሕዝበ እግዚአብሔር ኣምልኾት ክፍጽመሉ ስለዝኾነ ድኅሪ ምስርሑ ንምንታይ ይዕጾ። “ ኣብ ማእከሎም ምእንቲ ኽነብር ድማ ቤተመቅድስ ይግበሩለይ “ ከምዝብለ” ዘጻ.25-8።

ባዕሉ ነብየ ሕዝቅኤል’ን ብዛዕባ ቤተ-መቅደስ ኣብ ዝተዛረበሉ ቦታ “መሥዋእቲ ምሕራር ወይስ መሥዋእቲ ምስጋና ከም ፍቓድ እግዚአብሔር ከቕርብ ከሎ እታ ንምብራቕ እትርኢ ደገ ይኽፈተሉ “ሕዝ.46፡12።  ሰሎሞንን ሕዝቅኤልን ፡፡ብትንቢትን ተምሳሌት ዝተዛረቡላ ወላዲተ ኣምላኽ ድንግል ማርያም ምዃኑ ድሕሪ ምዝካሮም፣ ነብያት ጥራሕ ዘይኮኑ እግዚአብሔር'ውን ምልክት ምኃቡ ከምዚ ክብል ይገልጾ። “እግዚአብሔር ወሀበ እንዘ ይብል ለቤተ ዳዊት ትእምርተ ከመ ትፀንሲ ድንግል ወትወልዲ ሕይወተ ኢሳይያስኒ ነገረ ክሡተ” ነብዩ ኢሳይያስ “ ስለዚ እግዚአብሔር ባዕሉ ትእምርቲ ኺህበኩም እዩ፣ እንሆ ድንግል ክትጠንስ ወዲ ከኣ ክትወልድ እያ፣  ስሙ'ውን ኣማኑኤል ክትሰምዮ እያ”(ኢሳ.7፡13-14) እዚ ዘረድኣና  እግዚአብሔር ንሰብ ይቅረ ኢሉ፣ ንዝሃቦ ተስፋ ናይ ምፍጻሙ ምልክት ብድንግልና ምውላድ ምዃኑ ተዛሪቡ። መልአከ እግዚአብሔር ንጓሶት ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ልደት ብሥራት ድኅሪ ምንጋር፡ እቶም ጓሶት ንሕፃን ክርስቶስ ክረኽብዎ  ምስ ለኣኾም “ምልክት ድማ እዚ ይኹንኩም፣….. “ኔሩ ዝበሎም (ሉቃ.2፣12)። ሰብአ ሰገልውን “ ነቲ ሕፃን ምስ ኣዲኡ ማርያም ረእዮሞ”ማቴ.2፣11። ናይ ድኅነትና ምልክት፣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብድንግልና ምውላዱን ንዓለም ምግላጹን እዩ።

ንሕና'ውን ከም ሰብአ ሰገል ንክርስቶስ ንረኽቦ ምስ ኣዲኡ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም እዩ፡ ሰላምንታይ ኦርቶክስ ናይ  ሓቐኛ ሃይማኖት ምልክት ሰለ ዝኾነት  ። ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብድንግልና ወሊዳ ፣ ኣብ ስደቱ፣ ኣብ መዋዕለ ትምህርቱ ፣ ኣብ ሥቅለቱ ፣ ፀጋ መንፈስ ቅዱስ ንሓዋርያት ክዕድል ከሎ ኣብ ኩሉ ምስኡ ኔራ፣ ፈጺማ'ውን ኣይተፈለየቶን። ስለዚ ንሕና'ውን ረቂቅ ምሥጢር ርእዮም ነብያት ብዝተፈላለየ ስያሜ ከምዘመስገንዋ ከነመስግና ይግበኣና። በዚ ከኣ ንሕና ኢና ንጥቀም ። እሳ እሞ ኩሉ ግዜ ዝተመስገነት እያ።
3. አርምሞትኪ ማርያም ኃለፈ እም አንክሮ  
እስከንሬኢ ሕዝብኪ ለተአምርኪ ግብሮ 
ገነትኪ ትፅጊ ሰላመ ወተፋቅሮ 
ዕለያ ማስኑ ለዓፀደ ወይንነ ወፍሮ
 ቈናጽለ ንዑሳነ አፍጥኒ አሥግሮ።

ትርጉም
“ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም  ኣርሞሞኺ  ካብ ኣድንቆት (ምድናቅ) ንላዕሊ እዩ፣ ብምድናቅ ዘይፍጸም ኮነ። ነታኽልቲ ወይኒ ዘበላሽዋ  ወኻሩ ነተን ኰራኵር ወኻሩ ንምሓዝ ፍጠኒ።”

ወንጌላዊ ቅዱስ ሉቃስ  “ ወትወዲዩ ለኩሉ ውስተ ልባ፣ ነዚ ኩሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት። “ሉቃ2፡51። ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣርምሞ ብጣዕሚ ዘድንቅ ምኻኑ ገሊጹ'ዩ። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ማንም ፍጡር ዘይሰምዖ ብሥራተ መልኣኽ ዝሰምዔት፣ ብዝኾነ ሰብ ዘይተፈጸመ ብድንግልና ፀኒሳ ውላድ  ዝተዓደለት፣ ንማህጸና ዓለም ጌሩ ትሽዓተ ወርሕን ሓሙሽተ መዓልቲ ክምስገነላ፣ ናይ መላእኽቲ ቅዳሴ እናሰመዐት፣ ንፈጣሪኣ ዝወለደት ካብ ኩሉ ፍጥረት ሰብን ካብ ሱራፌኤልን ኩሩቤልን ዝበልጽ ክብርን ጸጋን ዝተዓደለት ኮይና ከላ፣ እሳ ግና ኣብዚ ዓለም ክትነበር ከላ ኩሉ ነገር ኣብ ልባ ካብ ምግባር እንተዘይኮይኑ እዚ ረኣኹ እዚ ሰማዕኩ ኣይበለትን። ሔዋን ዕጸ በለስ ምብላዕን ፀጋኣ ክትስእን ዝገበራ ንዓዓን ንኣዳምን ዝተነግረ ምሥጢር ኣውጺኣ ንዲያብሎስ ብምንጋራ እያ። ኣዴን ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ግን ኩሉ ነገር ኣብ ልባ መዝገብ ጌራ ብምሓዛ ዝተመስገነት ኮይና። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም መዝገበ ምሥጢር ናይ ኣምላኽና ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስን  እያ።

ካብ ወዳ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኮነ ካብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዝተመኃርናዮ ኣርምሞ እዩ። ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ጲላጦስን ሊቃነ ካህናትን ካበይ ኢኻ መጺእካ፧  መን'ኻ፧ ትምህርትኻ’ስ እንታይ እዩ፧ኢሎም ክሓትዎ ከለዉ። ትም እዩ ዝበለ እምበር ዋላ ሓንቲ ኣይመለሰሎም። ክንሠቅለካ ሥልጣን ኣለና ምስ በልዎ እዩ ጥራይ መለሰሎም። ንሕና'ውን ካብ ኣቦና ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ካብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዝረኣናዮ ኣብነት ክንዝክርን ክንርእን ኣብ ልብና ቀሪጽና ኩሉ ግዜ ክንመሃረሎም ይግበኣና።( ዮሐ.19፣9, ማቴ.27፣14)።
ደራሲ ኣባ ጽጌ ድንግል ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣርምሞ ድሕሪ ምድናቁ ጠቢበ ሰሎሞን << አሥግሩ ለነ ቈናጽለ ንዑሳን እለ ያማሰኑ ዓጸደ ወይንነ ፣ ነታኽልቲ ወይኒ ዘበላሽዋ ወኻሩ ነተን ኰራኵር ወኻሩ ኣጻዊድኩም ሓዙልና። መኃ.2፣15።>>.  ከምዝበለ ናይ ወይኒ ቦታ ዝተባህለ ናይ ሕጊ መሓለዊ ልብና ከበላሹዎ ናብዝን ናብትን ዝብሉ ብወኻሩ ዝተመሰሉ መናፍቃንን ኣጓንንትን ከተዐግሰልናን ከተጥፈኣልናን ናብኣ ክንጽልይ ከም ዝግበኣና ድኅሪ ምግላጽ። “እምኪ ማርያም ዕለተ ሣልስተ ወራብዕተ ዘወለደት ጽጌ ወፀሐየ ዓለም ብርህተ ካዕበ ትመስል ሳብእተ ዕለተ እስመ ፈረየት ኪያኪ ተአምረ ግዕዛን ሰንበተ ላዕለ በሰማይ ወምድር ዘኮንኪ ዕረፍተ፡፡” 
“ኦ ማርያም ኣዴኺ (ሃና) ጽጌያት ዝተፈጥሩሉ ሳልሳይ መዓልቲ፣ ጸሓይ ዝተፈጥረትሉ ራብዓይ መዓልቲ (ረቡዕ)፣ ከሙኡ ከኣ እግዚ አብሔር ስርሑ ዝፈጸመላን ዘዕረፈላን ሻብዓይቲ መዓልቲ ትምሰል። ምኽንያቱ ኣብ ሰማይን ምድርን ዘለዉ ኩሎም ዕረፍቲ ዝኾንኪዮም ንዓኺ ወሊዶም።”

እግዚአብሔር ኣብ ዕለት ሠሉስ ( ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ) ንዕጽዋት ፈጢሩ (ዘፍ.1-1-13)። እዚኦም ዕጽዋት ጽጌያት ናይ ፍረ ዕንበባ የፍርዩ። ቅድስት ሃና፣ ጽጌያት ብዝተፈጠርሉ ዕለት ሰሉስ፣ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ድማ፣ ብጽጌ፣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ፣ ካብ ጽጌ ዝተረኽበ ፍረ መሲልዎም። ኣብ ራብዓይቲ መዓልቲ ( ብዕለት ረቡዕ) ፀሓይን ወርሕን ከዋክብትን ፈጠረ። ንቅድስት ሃና፣ ብዕለት ረቡዕ ክምስላ፣ ከሎ ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብጸሓይ መሲልዋ። ብሻብዓይቲ መዓልቲ (ሰንበት) ንኩሉ ሰብ ኩሉ ዕረፍቲ ክኸውንን እግዚአብሔር ኣምላኽና ኩሉ ፍጥረት ምስ ፈጠረ ካብ ኩሉ ሥርሑ ኣዕሪፉ ። ኣብዚ ዕለት ሰብ ኩሉ ካብ ሥጋዊ ድኻምን ላዕልን ታሕትን ዓሪፉ ንፈጣሪኡ እናመስገነ ይውዕል። ብኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኩሉ ሰብ ካብ መከራ ሥጋን ነፍስን ዓሪፉ ተግባረ ነፍሲ እናሰርሐ ንፈጣሪኡ <<ወሠርዓ ሰንበተ ለሰብእ ዕረፍተ።፣ ሰንበት ንደቂ ሰባት ዕረፍቲ ሰሪዕዋ።>> እናበለ ከመስግን ይውዕል።
4. «በላዕሌኪ ወበዮርዳኖስ ወበታቦር ሥልሰ ጊዜያተ
ዘአልቦ ተውሳከ ወአልቦ ሕፀተ
ለውሉደ ሰብ እያርኢ ዘሥላሴ ሁገጻተ
ጽጌኪ ድንግል ተአምሪሁ ከሠተ
ወበጸዳሉ አብርሀ ጽልመተ»

ትርጉም
“ኣባኺን ኣብ ኣብ ባሕረ ዮርዳኖስን ደብረታቦርን  ናይ ሰለስተነት (ምሥጢረ ሥላሴ) ሰለስተ ኣካል  ምኻኖም ንሰባት ገሊጹ ኣረዲኡ። ኦ ድንግል ጽጌኺ ተኣምራቱ ገሊጹ፣ ብብርሃኑ ንጸልማት ኣርሓቆ።”እግዚአብሔር ሓደነቱን ሠለስትነቱን ብግልጺ ዘርኣየና ኣብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያምን ኣብ ባሕረ ዮርዳኖስን ደብረታቦርን እዩ።

ሀ. መልኣከ እግዚአብሔር ቅዱስ ገብርኤል ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ከበስራ ከሎ ከምዚ ኢልዋ “መንፈሰ እግዚአብሔር ቅዱስ ይመጽእ ላዕሌኪ ወኃይለ ልዑል ይጼልለኪ ትርጉሙ  መንፈስ ቅዱስ ናባኺ ኪወርደኪ  እዩ ሓይሊ ልዑል’ን ከጽልለኪ እዩ” ሉቃ.1-35።መንፈስ እግዚአብሔር ኢሉ ንእግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ። ናይ ልዑል ኅይሊ ኢሉ ንእግዚአብሔር ወልድ ፣ ልዑል ኢሉ ንእግዚአብሔር አብ ብምጥቃስ ሠለስትነት ኣረዲኡ። 

ለ. ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ “ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ተጠምቀ ብኡብኡ ካብ ማይ ወጸ እንሆ ከኣ ሰማያት ተኸፍተ መንፈስ ኣምላኽ ድማ ከም ርግቢ ወሪዱ ኣብ ርእሱ ኪቕመጥ ረኣየ፣ እንሆ ድማ ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ ዝብል ድምጺ ካብ ሰማይ መጸ። “ ማቴ.3፡16-17። ወልድ ክጥመቅ ከሎ፣ አብ ኣብ ደመና ኮይኑ ወደይ እናበለ ክምስክር መንፈስ ቅዱስ ድማ ብኣምሳል ርግቢ ክወርድ ብሓደ ግዜ ብሓንሳብ ተራእዮም እዮም። ሓደ እሱ እዩ ብዝተፈላለየ ስም ተጸዊዑ ከይብሉ ብሓደ ግዜ ሰለስቲኦም ብናይ ገዛእ ርእሶም መግለጺ ወልድ ብተዋህዶ ሥጋ ፣አብ ብደመና፣ መንፈስ ቅዱስ ብርግቢ ተገሊጾም።
ሐ. ኣብ ደብረ ታቦር እግዚአብሔር አብ ብደመና ኮይኑ “እንሆ ድማ ካብቲ ደመና ዝፈትዎ ወደይ ብእኡ ዝሰመርኩ እዚ እዩ ንዑኡ ስሞዖዎ። ዝብል ድምጺ መጸ “ ብምባል ተዛሪቡ እዩ ማቴ.17፡1-9።
5. «ዕፀ ደንጐላ ዘቆላ ወአኮ ዘደደክ
ዘጸገይኪ ጽጌ በማዕከለ አይሁድ አስዋክ
ተአምረ ድኂን ማርያም ዘልማድኪ ምሒክ
መሐክኒ ለምእመንኪ እም ፃዕረኩ ነኔድሩክ
ተአምኖትየ ብኪ ኢይኩ ንበበክ፡፡»

“ ኣብ ማእከል  እሾኽ  ዝኾኑ ኣይሁድ  ዘለኺ ናይ ደጋ ዘይኮንኪ ናይ ቆላ ዕንባባ ሹሻን ማርያም ብኣኺ ምእማናነይ ከንቱ ከይኮነኒ  ኣነ ምእመንኪ (ብኣኺ ዝተኣመንኩ) ካብ ክፉእ ኣድኅንኒ ንስኺ ምሕረት ልማድኪ ስለዝኾነ “።ኣብ መኃልየ መጽሓፈ ሰሎሞን << ወከመ ጽጌ ደንጎላት በማዕከለ አሥዋክ ከማሁ አንቲኒ  እንተ ኅቤየ በማዕከለ አዋልድ ። ከም  ኣብ ማእከል እሾኽ ዝበቘለት ዕንባባ ሹሻን እያ “ ይብል (መኃ.2፡ 2)።

ናይ ቆላ ሹሻን ዋላ እሾኽ እንተኸበብዋ ካብ ምፍራይን ምዕንባብን ንድሕሪት ኣይትብልን እያ። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም'ውን ብዙሕ ተኣምራት እናረኣዩ ዘይኣምኑ ኩሉ ግዜ ምልክት ዝደልዩ ምግባር ክፋእ ዝኾኑ ኣይሁድ ኣብ መንጎም ኮይና ብሃይማኖት ምዕንባብን ፍረ ትሩፋት ካብ ምሥራሕ ኣይከልከላን። ደራሲ አባ ጽጌ ድንግል'ውን  ናይ ሰሎሞን ናይ ትንቢት ቃል ምፍጻሙ ከረድእ ከሎ ፣ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣብ መንጎ ኣይሁድ ንፍረ ንክርስቶስ ወሊዳ ብምባለ ይገልጾ። ናይ’ዚ ትንቢት ፍጻሜ ድሕሪ ምርድኡ “መሐክኒ ለምዕመንኪ እምፃዕረ ኩነኔ ድሩክተ አምኖትየ ብኪ ኢይኩን በበክ” ይብል። እዚ ማለት  ብኣኺ ኣደነትን ቃልኪዳንን ንኣምን ኩልና ካብ ክፉእ ፍርዲ ኣድኅንና፣ ብኣኺ ምእማነይ ንዓኺ ተስፋ ምግባረይ ንኸንቱ ኣይኮነን እኳ!!>>ብምባል ጸሎቱ የቅርብ።    

ክሳብ ሕጂ  ካብ ብዙኃ ብውሑዱ ዝረኣናዮ እዩ። ናይ ማኅሌተ ጽጌ ድርሰት ብጣዕሚ ብምሥጢርን ብኃይለ ቃል ዝተዓጀበ ፍሉይን ጣዕሙ ከኣ ዘይጽገብ ስለ ዝኾነ ኩሉ ግዜ ከንብቦን ክንጽልዮን ይግበኣና።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር እዚ ናቱ ዝኾነ ጸጋ ኩላትና ናብኡ ቀሪብና ክንፈልጦን ማኅሌተ ጽጌ ብምጽላይን ማኅሌት ብምቋም  ምሕረቱ በዚሑልና ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም በረከትን ረዴአትን ንኽንረክብ የብቐዓና። ነዚ ከኣ ወላዲተ ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብበረከታን ረዲአታን ኣይትፈለየና።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር!
ዘተወልደብርሃን

Comments are closed.