መቅደሰይ ፍርሑ ዘሌ 26:2

ቤተ መቅደስ እግዚአብሔር ዝምስገነሉ ንዕኡ ዝኣምኑ ምእመናን ስርዓተ ኣምልኾኦም ዝፍጽሙሉ ናይ እግዚአብሔር ምሕረትን በረከትን ንደቁ ዝዕደለሉ ቤት እዩ። ደቂ ሰብ ቤተመቅደስ ሰሪሖም ሥርዓት ብዘለዎ መንገዲ ንፈጣሪኦም ንኸመስግኑ ዝኣዘዘ ዝመሃረ ልዑለ ባህሪ እግዚአብሔር እዩ። ሰማይ ዙፋኑ ምድሪ ከአ መርገጺ እግሩ ዝኾነት ኣብ ኩሉ ዝርከብ እግዚአብሔር  ነቶም ንዕኡ ዝግዝኡ ምእንቲ ክሕልዎምን ክባርኾምን ስለዝፈቀደ "ኣብ ሞንጎኹም ምእንቲ ክሓድር መቅደስ ስርሑለይ" ኢሉ ኣዚዙ። ዘጸ 25፡8
 
እግዚአብሔር ብዝደለዮን ብዝኣዘዞን መሰረት ኣብ ዘመናት ዝነበሩ ቅዱሳን ንእግዚአብሔር ንስሙ መሕደሪ ዝኸውን ደብተራ ኦሪት፡ መቅደስ ኦሪትን ቤተክርስቲያንን ሰሪሖም ሥርዓት ኣምልኾ ይፍጽሙ ኔሮም። እግዚአብሔር'ውን መሕደሪ ምእንቲ ክኾኖ ኣብ ዘስርሖ መቅደስ ክብሩ እንዳገለጸ ገዝኡ ምቅዳስ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ነቶም ብንጽህናን ብትሕትናን ኮይኖም ኣብ መሕደሪኡ የገልግሉን ይግልገሉን ዝነበሩ በረኸትን ቃልኪዳንን ሂብዎም እዩ። ንኣብነት ነቲ ናይ መራኸቢ ድንኳን እግዚአብሔር ከመይ ጌሩ ከምዝቀደሶ ሊቀ ነብያት ሙሴ" እቲ መሕደሪ ምስተተኽለ እቲ ደበና ነቲ ናይ ምስክር ድንኳን ሸፊንዎ ካብ ምሸት ጀሚሩ ከኣ ክሳዕ ንግሆ ኣብ ልዕሊ'ቲ መሕደሪ ከም ሓዊ ይመስል ነበረ። ኩሉ ግዜ ከኣ ከምኡ ነበረ፡ ብመዓልትን ብለይትን ብኣምሳለ ሓዊ ይሽፍኖ ነበረ።" ኢሉ ገሊጽዎ እዩ። ዘሁ 9፡15—17። እግዚአብሔር ብበረኸት፡ ብምሕረትን ርህራሄን ተገሊጹ በደል ናይቲ ህዝቢ ይቕረ ናብ ዝብለሉ ናብ ቤተመቕደስ እቶም ህዝቢ ክመጹ ከለዉ ብዛዕባ ክገብርዎ ዝግባእ ኣቀራርባ "መቕደሰይ ፍርሑ ኣነ እግዚአብሔር እየ።" ኢሉ ኣጠንቂቑ ኢዩ። ነቶም ኣብ ሓዲስ ኪዳን እንርከብ ምእመናን'ውን ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኣምላኽነቱ ንዝኣመንና ቃሉ እንመሃረሉ፡ ጸሎት እንጽልየሉ፡ ሃብተ ወልድ ስመ ክርስትና  እንቕበለሉን ሥጋኡ በሊዕና  ደሙ ሰቲና ምስኡ እንዋሃደሉ ቤተክርስቲያን ብክዕወተ ደሙ ቀዲሱ ሂቡና እዩ። ኣብ መዋእለ ስብከቱ'ውን ኣብ ዘመነ ኦሪት ንንጉሥ ሰሎሞን "........ ጸሎትካ ሰሚዐዮ ኣለኹ፡ ነዚ ስፍራ ንርእሰይ ንቤተ መስዋእቲ መሪጸ ኣለኹ..... ሕጂ ከኣ ኣብዚ ቦታ ንዝጽለይ ጸሎት ኣዕይንተይ ቋሕ ክብላ እየን፡ ኣእዛነይ'ውን ክሰምዓ እየን።
 

ሕጂ'ውን ስመይ ንዘልዓለም ኣብኡ ምእንቲ ክነብር ገዛ መሪጸ ኣለኹ። ኣዕይንተይን ልበይን ኣብኣ ክኾና እየን። ብምባል መሕደሪኡ ምእንቲ ክኸውን ንዝቀደሶ ገዝኡ ዘይግባእ ስራሕ ክሰርሕሉ ምስ ረኣየ ተቆጥዐ። " ኣብ መቅደስ ኣትዩ'ውን ነቶም ኣብ ቤተመቅደስ ዝሸጡን ዝሻየጡን ከውጽእ ጀመረ። ሰደቓ ሸረፍትን መንበር ሸየጥት ርግብን ደንከለ። ሓደ'ኳ ኣቕሓ ጸይሩ በታ ቤተመቅደስ ኪሓልፍ ኣይፈቐደን እሞ፡ ቤተይ ንኹሎም ኣህዛብ ቤት ጸሎት ትብሃል ጽሑፍ ዶይኮነን፤ ንሳኻትኩም ግና በዓቲ ጎሓሉትገበርኩምዋ፡ ኢሉ መሃሮም።" ማር 11፡15—18። ካብ ተግሳጽ ናይ ጎይታናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እንመሃሮ ነገር ኣቐዲሙ " መቕደሰይ ፍርሑ" ኢሉ ንዝኣዘዘና ዕሽሽ ኢልና ቤተ መቕደስ ናይ ወረ፡ ሓሜት ትዕቢትን ናይ ዕዳጋ ቦታን እንተድኣ ጌርናዮ መዓቱ ከውርድ እዩ፡ በረከቱ'ውን ክኸልኣና እዩ። ኣዒንቱ ንኸይሪኣና ኣእዛኑ'ውን ነኸይሰምዓ ካባና ከርሕቕ እዩ። ስለዚ እግዚአብሔር መሕደሪኡ ናብ ዝገበሮ መቕደስ ክንከይድ ከለና እግዚአብሔር ብፍቕሪ፡ ብምሕረት ምእንቲ ክቕበለና ናብ መቕደሱ (ቤተክርስቲያን) መምጽኢና ንምንታይ ምዃኑ ክንፈልጥ ይግባእ። ሓደ ኣማኒ ናብ ቤተክርስቲያን ዝመጽእ ነገረ ሃይማኖት ክመሃር፡ ናብ ፈጣሪኡ ክጽሊ፡ ሰለ ሓጢኣቱ ንስሓ ክኣቱ ቅዱስ ቁርባን ክቕበል ኣብ ክብረ በዓላት ማህሌት ንኽቀውም እዩ።

ብኸምዚ መንገዲ ብፍቓደ እግዚአብሔርን ካብ ናይ ሥጋ ፍቃድ ገላ 5፡19—22። ተኸልኪልና ኣብ ቤተክርስቲያን ምስ እንርከብ እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ዝሃቦ ቃልኪዳን ኩሉ ክፍጽመልና እዩ። ዘሌ 26፡11—13። ጎይታና " ክልተ ብስመይ ኣብ ዝተኣከቡሉ ኣብኡ ኣብ መንጎኦም ክርከብ እየ።" ኢሉ ዝመሃረ'ውን ስሙ ኣኽቢሮም ስለ እግዚአብሔር ኢሎም ሽሙ ኣብ ዝምስገነሉ ቤተክርስቲያን ብፍቕሪ ንሰናይ ግብሪ(ዕላማ) ንዝእከቡ ዝምልከት እዩ። ማቴ 18፡20ዋላ'ኳ ክብሪ ቤተመቅደስ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ እኳ እንተኾነ ፍርሑ ከምዘይተባህለ ዝዳፈሩ፡ ነቲ ኣኽብርዎ ዝተባህለ ከዋርዱ ዝደልዩ፡ ነቲ ብቅድስና ቅረቡ ዝተባህለ ዕሽሽ ኢሎም ብንስሓ ብዘይተሓደሰ ህይወት ከራኽሱ ዝደልዩ፡ ሓደ ሓደ ኣብ ውሽጢ ዝርከቡ ዘይፈላጣትን ናይ ደገ መናፍቃንን ኣለዉ። ስለዚ ከኣ ሰብን መላእኽትን ብሓደ ኣብ ዘመስግኑላ ኣብ ቤተክርስቲያን ውሽጢ ካብ መቅደስ ክሳዕ ቅኔ ማህሌት፡ ካብ ካህን ክሳዕ ምእመን ዕላል ዘዕልሉ፡ ንሓዎም ዝሓምዩ፡ በቲ ዘይፈልጥ ዘላግጹ፡ ፍሉጥ ሕማም ወይ ድኻም (እርጋን) ዘይብሎም ኣብ ጊዜ ጸሎትን ቅዳሴን ኮፍ ዝብሉ፡ ዝድቅሱ ኣለዉ። ካብ ቤተ መቅደስ ወጻኢ'ውን ኣብ ቀጽሪ ቤተክርስቲያን ዝግበሩ ሓደ ሓደ ጌጋታት ኣለው። ንኣብነት ሓደ ሓደ ሰባት ንክመሃሩ፡ ንክጽልዩ ዘይኮነስ ምስ መሓዙቶም ንክራኸቡ ዝመጹ ኣለው።

 

ኣብ ቤተክርስቲያን ንዝተባእሰ ምዕራቕ ግቡእ እዩ። እንተኾነ ግን ሰብ ሓዳር ዘፋትሑ፡ ኣብ ወገንነት ዝተመርኮሰ ንወዲ ዓደይ ንወዲ ሩባይ ብዝብል ፍርዲ ዝዕምጹ ምህላው ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ጊዜ ሽምግልና ካብ መጠን ንላዕሊ ብዝኾነ ድምጺ ዓውዓውታ ነቶም ኣብ ቀጽሪ ዝጽልዩ ዝርብሹ'ውን ኣይሰኣኑን እዩም። እግዚአብሔር ዝኣዘዘና ግን ነቲ ንሱ ዘኽበሮን ዝቐደሶን ንኽነኽብር " መቕደሰይ ፍርሑ ኣነ እግዚአብሔር እየ" ኢሉ እዮ።ብኻልእ ወገን ከኣ ክብሪ ቤተመቕደስ ንኸይፈልጡ ልቦናኦም ዝተሰወሮም ነቲ እግዚብሔር ስርሑ ኢሉ ንዘስርሖ፡ ንዘኽበሮ መቕደስ ዘቃልሉ መናፍቃን ኣለው። ክሕደቶም ንኸስፋሕፍሑ ክጥዕሞም ቤተመቕደስ ከምዘየድሊ ሰብነትና ናይ እግዚአብሔር ቤተመቕደስ ከምዝኾነ ኣስተምሂሮም ንህዝቢ የሰናኽሉ። ብርግጽ ብቅኑዕ ሃይማኖትን ብሠናይ ምግባርን ዝጸንዐ ምእመን ናይ እግዚአብሔር ቤተመቕደስ እኳ እንተኾነ ሥርዓተ ኣምልኾ እንፍጽመሉ ቤተመቕደስ ጎይታናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ባሪኹ ሂቡና እዩ። ብመጀመሪያ ጎይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ መምጽኢኡ ንኦሪት ክስዕር ዘይኮነስ ብሓዲስ ፍጹም ክገብሮ ከምዝኾነ " ኣነ ሕግን ነቢያትን ክስዕር ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም ክፍጽሞም ደኣ እምበር" ማቴ 5፡17። ኢሉ ኣምሂሩና እዩ። ብመሰረት ትምህርቱ ከኣ ነቲ ናይ ዕዳጋ ቦታ ኮይኑ ዝነበረ ቤተመቕደስ ኣጽርዩ ነቶም ኣብ ገዝኡ ክኾኑ ዘይግብኦም ሰጒጉ" ቤተይ ንኹሎም ኣህዛብ ቤት ጸሎት ትብሃል" ኢሉ ክብራ ገሊጹ እዩ።

እቲ ቀደም ብዓምደ ደበና ይግለጸሉ ዝነበረ ኣብ ሓዲስ ኪዳን ከኣ ክቡር ደሙን ቅዱስ ሥጋኡን እናተፈተተሉ ክነብር እዩ። ጎይታናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክሃርምዎ፡ ክጸርፍዎ ከለው ኣይተዛረበን፡ ባሪኹን ቀዲሱን መሕደሪኡ ዝገበራ ቤተመቕደስ ምስተደፍረት ግን ጭጉራፍ ተቲዑ ነቶም ዝደፈርዋ ካብ ቤት መቕደስ ኣውጺእዎም። ሎሚ'ውን ብድፍረት ብንዕቀት ንቤተመቅደስ ዝርእዩ ብንስሓ እንተዘይተመሊሶም ናይ እግዚአብሔር  ቁጠዓ ኣብኦም ክትወርድ እያ። ዮሓ 2፡13—18። እዞም መናፍቃን " ንእግዚአብሔር ንምጽራፍ ስሙን መሕደሪኡን (ቤተ መቅደስ  ድንግል ማርያም ቅዱሳን) ነቶም ኣብ ሰማይ ዝሓድሩ (መላእኽቲ) ክጻረፍ  ኣፉ ከፈተ" ተባሂሉ ናይ ዝተገልጸ ቃል ጸረግቲ መንገዲ እዩም። ራእ 13፡6 ከምዚ ሎሚ እንርእዮ ዘለና ኣብ ዘመነ ኦሪት ነቲ" መቕደሰይ ፍርሑ" ዝበሎ ቃል ስዒሮም ኣብ ቤተ መቅደስ ክገብርዎ ዘይግባእ ብምስርሖም ዝተቀዘፉ ኔሮም። ናዳብን ኣቢሁን ዝተባህሉ ደቂ ኣሮን ንዕጣን መዕጠኒ ዘገልግል ፍሕሚ ካብ ዘይግባእ ቦታ ኣምጺኦም ኣብ ጽንሃሆም ብምግባሮም ሓዊ ካብ እግዚአብሔር መጺኡ በልዖም። ዘሌ 10፡1-11

 

        ከምኡ'ውን ደቂ ቆራሕ እራኤላውያን ብምዃኖም ጥራይ ተመኪሖም ንሕና'ውን ክህነት ይግብኣና እዩ፡ ከም ኣሮን ጽንሃ ሒዝና ናይ ዕጣን መሳዋእቲ( ማዕጠንት) ከነቅርብ ይግባኣና እዩ ብምባል ንሙሴ ስለዝተሃላለኽዎ እታ ዝረገጽዋ መሬት ተኸፊታ ምስ ህይወቶም ውሒጣቶም። ዘሁ 16፡1—35። እዚ'ውን ትዕቢት ዘምጸኦ መዘዝ እዩ። ኣብዚ'ዚ ዘለናዮ ዘመን'ውን ንክህነት ብገንዘብ፡ ዉሩያት ሃብታማት ስለዝኾኑ፡ ደቂ ካህናት ስለዝኾኑ ጥራይ ከይተማህሩ ካህናት ክኾኑ ዝደልዩ ኣለው።" ክህነት ንደቂ ኣንስትዮ ይግባእ እዩ" ኢሎም ኣብ ሃገራት ምዕራብ ዝነብሑ ዘለዉ ኣብዚ ሕጂ ግዜ ብመገዲ  ደቂ ቆራሕ ዝጓዓዙ እዮም። ኣባና'ውን ኣብ ቤተክርስቲያን ብትዕቢትወይ ብዘይፍላጥ ብፍላይ ኣብ ግዜ ቅዳሴ ከምቲ ዝደልይዎ ክሓጽር ከም ዘለዎ ዝዛረቡ ውሑዳት ኣይኮኑን፡፡

እዚ ጥራይ ዘይኮነ ደቂ ካህን ኤሊ ኣቡኦም ምስ ኣረገ ናብቲ መራኸቢ ድንኳን እቲ ህዝቢ ዘምጽኦ መሥዋእቲ ከም ድላዮም ንውልቃዊ ረብሓኦም ምውዓል ጥራይ ዘይኮነ ምስተን ኣብ ኣፍደገ ድንኳን ዘገልግላ ደቂ ኣንስትዮ ብፍቃድ ስጋ ወዲቆም። በዚ እግዚአብሔር ተቆጢዑ ክልቲኦም ደቂ ኤሊ ከምዝሞቱ ታቦተ ጽዮን ከምእትማረኽ ኤሊ ከምዝመውት ጌሩ። 1ሳሙ 2፡12—34  ፡ 3፡12—14። ሎሚ'ኸ ብዝረኸብክዎ ዕድል ብዘለዎም ፍሉይ ቅርበት ንቤተመቅደስ ንናይ ቤተመቅደስ ንዋየ ቅዱሳት  ከም ውልቃዊ ንብረቶም ዝጥቀሙ፡ ኣብ ቀጽሪ ቤተክርስቲያን ክጽልዮ ካብ ሓጢኣቶም ክገላገሉ ንዝመጹ ምእመናን ዘሰናኽሉ፡ ካብ ጥዋፍ ክሳብ ጽላት ዝሰርቁ ፈሪሃ እግዚአብሔር ካብ ልቦም ዝረሓቀ ብዙሓት ኣለዉ። ንቤተ መቅደስ ምድፋር፡ ምቅላል ነቲ ዘኽበሮ እግዚአብሔር ምድፋር እዩ። እግዚአብሔር ከኣ ንትሑታት ልዕል ዘብል ንዕቡያት ዘዋርድ ንኩሉ ከከም ግብሩ ዝፈዲ(ኩሎም ትሑታትን ዕቡያትን) ኣብ ኢዱ ትሑዛት እዮም። ስለዚ ከምቲ እግዚአብሔር ዝእዝዘና መሰረት ብፍቕሪ ብትሕትና ኮይና

ንመቕደሱ ብውሽጥን ብደገን ነኽብር።
 
ቅዱስ ዳዊት " ኦ ጎይታይ ንቤትካ ንዘልኣለም ቅድስና ይግባእ" ኢሉ ከምዝተዛረበና ናብ ቤተ መቕደስ (ቤተክርስቲያን) ክንከይድ ከለና "ኣብ መቅደስካ ኃይልኻን ክብርኻን ክርኢ ሃረር እብል ኣሎኹ" ንበል። መዝ 63፡2። ንጉሥ ሰሎሞን " ናብ ቤት እግዚአብሔር ክትኣቱ ከለኻ እግርኻ ሓሉ" ከም ዝበሎ ኣብ ቤተክርስቲያን ካብ ምጉያይ ብልቦናና ፍቃደ ሥጋ ካብ ምሕሳብ ክንቁጠብ ይግባእ ። ከምኡ'ውን ቅዱሳን ኣበው" ሓደ'ኳ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስቲያን ፈጺሙ ኣይዛረብ ( ኣብ ቤተክርስቲያን ክዝረብ ዝየብሉ ዘይረብሕ ዘረባ) ቤተ እግዚአብሔር ናይ ነገር ቦታ ኣይኮነትን እሞ ምስ ፍርሃት ናይ ጸሎት ቦታ ደኣ እምበር፡ ኣብ ቤተክርስቲያን ዝዛረብ (ዋዛ ፈዛዛ ፡ ሓሜት፡ ጸርፊ) ይውጻእ(ይሰደድ)። ኣብቲ እዋን ሥጋወደሙ ኣይቀበል" ኢሎም ሥርዓት ዝሰርዑልና ብእምነት ደቆም ዝኾንና ንሕና ነቲ መቅደሰይ ፍርሑ ዝበሎ ትእዛዝ ሥዒርና ብነፍስን ብሥጋን ንኸይንጉዳእ እዩ። ፍት.ነገ 12፡476 ቅድስና ግርማን ናብ ዝተመልአት ቤተክርስቲያን ክንቅድስ ኮነ ከነቀደስ፡ ማህሌት ክንቀውም፡ ኪዳን ከነብጽሕ፡ ክንመሃር ኮነ ክንምህር ክንከይድ ከለና ኣፍደጊኡ ክፉት ስለዝኾነ ጥራይ ህሩግ ኢልና ምእታው፡ ኣብ ቅድሚ መንበረ ታቦት ብትዕቢት ኴንና ደው ክንብል ኣይግባእን።ናብ ልቦናና ተመሊስና" ናብ መቕደስካ ምእታወይ ድፍረት ኣይኹን ብብዝሒ ምሕረትካ እምበር። በቶም ንቤትካ ዝሕልው ምስጋናን ልመናን ብዘዕርጉ መላእኽቲ ብሓጥያተይ ካብ ምቅዛፍ ሰውረኒ።" ክንብል ይግባእ።
 
ብተወሳኺ'ውን ነቲ ኣብ ልዕሊ ካህን ኤሊ ዝተፈጸመ ከነስተወዕሎ ይግባእ። ኤሊ ነቲ ደቁ ኣብ ልዕሊ ቤተመቕደስን ኣብ ልዕሊ'ቲ ህዝብን ዝሰርሕዎ ግፍዒ ሰሚዑ እዩ። ሰሚዑ ግን ከምግቡእ ንደቁ ኣይገሰጸን ንደቁ ፈሪሕዎም ካብ ፍቕረ እግዚአብሔር ናይ ደቁ ፍቕሪ በሊጽዎ። በዚ ከኣ " ሓጥያት ናይ ቤት ኤሊ ብመሥዋእትን ቁርባንን ንዘልዓለም ንከይስረየሉ ምሒለ ኣለኹ።" 1ሳሙ 3፡14። ኣብ ዘመንና'ውን መናፍቃን ቆርበት በጊዕ ተኸዲኖም ናብ ቤተክርስቲያን ምስ ኣተዉ ኣብ ቤተክርስቲያን ብድፍረት ናይ ነቐፌታ ድምጺ ከስምዑ፡ ናይ ክሕደት ሕንዚ ክዘርኡ፡ ንምእመናን ካብ ቤተክርስቲያን ከውጽኡ እናረኣና፡ ሥጋዊ ጥቅምና ከይተርፈና፡ ዝምድና ከይፈርሰና መከራ ከይረኽበና ፈሪሕና ከም ዘይረኣና እንተዳኣኴንና፡ ኣብ ንኸነገልግሎ ሥልጣን ካብ ዝሃበና እግዚአብሔር ንላዕሊ  ንሰባት ብምፍራሕና ናይ ኤሊ ዕድል ክገጥመና እዩ።
 
ስለዚ ኣብታ እግዚአብሔር ኣምላኽ ዘዳለወልና ሰማያዊት መቕደሱ ምስ ቅዱሳን ንዘልዓለም እናመስገንናዮ ምእንቲ ክንነብር ሎሚ ነዛ ኣብ ምድሪ ዝተዋህበትና ቤተመቕደስ ምስ እነኽብር፡ ናብኣ ክንኣቱ ከለና" እመቦ ነኪር እምትእዛዙ ለኢየሱስ ይተከላዕ..... ነጽሩ ነፍስክሙ፡ ወአንጽሑ ነፍስተክሙ፡ ጎይታና ካብ ዝኣዘዞ ትእዛዝ ዝወጸ እንተሎ ይከልከል...... ርእስኹም መርምሩ፡ መርሚርኩም ካብ ሓጥያት ንጹህ ግበሩ።" ዝብል ቃል ነስተውዕል።(ቅዳሴ እግዚእ) ንዘኽብርዎ ዘኽብር እግዚአብሔር መቕደሱ ንክነኽብር የብቅዓና።
 
ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣማላድነት ናይ ጻድቃን ሰማእታት ተራዳእነት ኣይፈለየና።

Comments are closed.