ሕይወት ኣቡነ እንድርያስ ዕፉን ዘገዳም ወግረ ስኂን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን።

  "ዝክረ ጻድቅ ለዓለም ይሄሉ ፣ መዘከርታ ጻድቅ ንዘልዓለም ይነብር (መዝ112፡7)

 እዞም ጻድቅ ኣቦ ምስ እኒ ቅዱስ ኣቡነ መርቆሬዎስ ዘደብረ ድማኅ ካብ ዝነበሩ ተመሃሮን ኣርድእትን ሓደ ኮይኖም፡ ብቅዓቶም ተመስኪሩሎም ብባርኾት ኣቡነ መርቆሬዎስ ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ንዑስ ዞባ ዓረዛ (ብወገን ሰሜን ሩባ ዑበል) ንዝርከብ ገዳም ወግረ ስኂን ዝመሥረቱ ቅዱስ ኣቦ እዮም። ስሞም ምስ ኣቡነ እንድርያስ ሰፍኣ ዝመሳሰል ድኣ ይኹን እምበር፡ ክልቲኦም በበይኖም ምዃኖም ምፍላጥ የድሊ። በረከትን ረድኤትን ናይ ቅዱስ ኣቦና ምስ ኵልና ደቆምን ኣመንቶምን ይኹነልና ኣሜን።

  ኣቡነ እንድርያስ ዕፉን ትውልዶም ኣብ ኤርትራ፡ ሃገረ ስብከት ደቡብ ኣኮሎጕዛይ ኮርባርያ (እገለ ኃመስ)፡ ስም ኣቡኦም ቀሲስ መንክር ስም ኣዲኦም ጸዳለ ብርሃን ይብርሃሉ። እዞም ቅዱሳን ወለዲ ሃብታማት ነበሩ ውላድ ግና ኣይነበሮምን፡ ድኅሪ ነዊሕ ጾምን ጸሎትን እግዚኣብሔር ብሩኽ ውላድ ከምዝወልዱን እንድርያስ ከምዝብልዎን ብሕልሚ ኣርኣዮም። በዚ መሠረት ከኣ ብ29 ሚያዝያ ተጸኒሶም ብ29 ጥሪ ብዘይ ጻዕሪ ተወልዱ፡ ምስ ተወልዱ ከኣ ንምብራቅ ገጾም ሰጊዶም ንኣምላኽ ኣመስገኑ። ኣብ ጥምቀቶም'ውን እቲ ማይ ከም ጸባ ጻዕድዩ ተራእየ። ናይዞም ቅዱስ ኣቦ መንፈሳዊ ሕይወት ገና ኣብ ንእስነቶም ከለው እዩ ዝጅምር፡ ኣብ ዝወፍርሉ ዘበለ ከኣ ዅሉ ሥራሕ ብጸጋ እግዚአብሔር ይፍጸመሎም ነበረ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ንኣቡነ መርቆሬዎስ መልአከ እግዚአብሔር ተገሊጹ፡ 'ናብ ኮርባርያ ዝተባህለ ዓዲ ኪድ፡ ንዓኻ ዝኸውን ውላድ ክትረክብ ኢኻ፣ ባርኮ ግና ኣይትማልኣዮ' በሎም፡ ከይዶምውን ባረኽዎም፡ እቶም ሥድርኦም ብጽቡቕ ተቐቢሎም ኣአንገድዎም እሞ፣ ብሰላም ተመልሱ። እንድርያስ ወዲ ኃሙሽተ ዓመት ምስ ኮኑ፡ ንኣቡነ መርቆሬዎስ ብሕልሚ ረኣይዎም'ሞ ፍቓድ እግዚአብሔር ኮይኑ ድማ ተላዒሎም ናብ ደብረ ድማኅ ከዱ። ኣብ ቅዱስ መርቆሬዎስ ትምህርተ ሃይማኖት እናተማህሩ ድኅሪ ምዕባይ፡ መወዳእታ ድማ ንዓለም ንድኅሪት ገዲፎም ንእግዚአብሔር ከገልግሉ ብዝወሰድዎ ምርጫን ውሳኔን፡ ማዕረ ምንኩስና ኣስኬማ መላእክት ካብ ቅዱስ መርቆሬዎስ ተቐበሉ። ኣብ ደብረ ድማኅ'ውን ብርድእናን ብብሕትውናን ጽሙድ ተጋዳሊ ኮይኖም ክሳብ ራእያት ክርእዩን ተኣምራት ክገብሩን ዘኽእል ብቅዓት ክረኽቡ ከኣሉ። ዋላ እኳ ብዕድመ ንኡስ እንተነበሩ፡ መንፈሳዊ ተግባሮም ግና ኣዝዩ ዘደንቅ ነበረ። ቅዱስ መርቆሬዎስ ድማ ተጋድልኦም ከይሰንፉ ኢሎም፡ ዘውትር ይምዕድዎምን ይመኽርዎምን ነበሩ። ነዚ ማዕዳን ምኽርን ብምኽታል፡ ኣቡነ እንድርያስ ካብ ቅዱስ ኣቡኦም ፍቓድ ብምሕታት ኣብ ከባቢ ዳምባ ምጭ ኣብ ዝርከብ፡ ኣብ ሓደ በዓቲ ተዓጽዮም ብጾም ጸሎትን ስግደትን ተወሲኖም ነዊሕ እዋን ድኅሪ ምቅማጥ፡ ናብ ገዳም ደብረ ድማኅ ናብ ኣቡኦም ተመሊሶም መጹ። ኣቦና ኣቡነ እንድርያስ ኣብቲ ገዳም መጋቤ ኮይኖም ኣብ ዘገልግሉሉ እዋን፡ ገበል ኣብ ገንኢ ናይ ስዋ ስለዝኣተዎም፡ በጃ ማኅበር ብገንበዞው ብምስታይ ንሓደ ተማሃራይ 'እንተሞትኩ፡ ማኅበር ከይሰትይዎ!' ብምባል ተላብዮሞ ሰተዩ፡ ቅድሚኡ ስዋ ሰትዮም ኣይፈልጡን ነበሩ። ሓደ ካብ ማኅበር ብማዕዶ ርእዩ ናብ ኣቡነ መርቆሬዎስ ብምኻድ ፡ 'እንድርያስ ስዋ ኣይሰትን እየ እናበለ ተሓቢኡ እባ ይሰትይ' እዩ ኢሉ ነገሮም። እዞም ቅዱስ ኣቦ ድማ 'ኣታ እንድርያስ ወደይ! ስለምንታይ ድኣ ከምዚ ትገብር ኢሎም ሓተትዎ፧ ቅዱስ እንድርያስ ድማ 'እዛ ምርኩሰይን እዛ ዝሰተኩላ ጎንበዞን ዘይምስክራ' ምስ በሉ እታ ምርኩስን ጎንበዞን ናብ ኣቡነ እንድርያስ ብምስጋድ ንሶም'ሲ ምእንቲ ማኅበር በጃ ብምዃን እምበር ስዋ ብሂጎም ኣይሰተዩን ብምባል ስለዝመስከራ ሽዑ ቅዱስ መርቆሬዎስ እንድርያስ 'ወደይ፡ ድኅሪ ደጊም ምሳይ ኣይክትነብርን ኢኻ፡ መንክር እግዚአብሔር በላዕለ ቅዱሳኑ ኣብዚ ዘብቅዓካ እግዚአብሔር ይመስገን። ክፍሊ ርስትካ ድማ ብወገን ደቡብ ኮይኑ፡ ክትከይድ ከለካ ኣብ ትኃድሮ ዓዲ ሓንቲ ወዳ ዝሞታ ሰበይቲ ኣብ ከቢድ ኃዘን ክትጸንሓካ እያ፣ ነቲ ዝሞተ ምስ ኣተንሣእካዮ ከኣ ጕዕዞካ ብምቅጻል ርሒቅካ ምስ ከድካ እታ ክፍልካ ዝኾነት ገዳም ብብርሃን ባና ተዓፊና (ተኸሊላ) ክትርእያ ኢኻ በልዎም። ይኹን ደኣ እምበር ኣቦና ካብ ኣቡነ መርቆሬዎስ ክፍለዩ ኣይደለዩን ነበሩ፡ ፍቓድ እግዚአብሔር ስለዝኾነ ግና ብብዙኅ ኃዘን ናብኣ ከዱ።

በዚ መሠረት ኣቡነ እንድርያስ ጕዕዝኦም ንደቡብ ኣቢሎም ጀመሩ። ኣብ ዓረዛ ምስ በጽሑ ቤተክርስትያን ተኣልዮም ጸሎት ኣብ ዘብጽሕሉ እዋን ደቂ እታ ዓዲ ሬሳ ተሰኪሞም መጹ። እታ ውላዳ ዝሞታ ሰበይቲ ዳርጋ ኣብ ጽላለ ኣድሂቡላ ኣምሪራ ትበኪ  ነበረት፡ ኣቡነ እንድርያስ ድማ እቲ ብኣቡኦም ዝተነግሮም ትንቢት ዘረባ ዘከርዎ እሞ ነቶም ሰባት ካብቲ ሬሳ ከምዝፍንተቱ ጌሮም ናብቲ ዓራት ብምቅራብ 'ኦ ጐይታይን ኣምላኸይን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ጸሎት ባሮትካ ሰሚዕካ ሕሙማት እትፍውስ፡ ምውታት እተተንሥእ፡ ኅዙናት እትናዝዝ ኣምላኽ ኢኻ እሞ፣ ንኣልኣዛር፡ ንጓል ኢያኢሮስን ወዲ እታ መበለትን ኣተንሢእኻ ንኃዘኖም ናብ ሓጐስን ፍስሓን ዝቀየርካ ለዋህ ፈቃር ርኅሩኅ ጓሳና፡ ሕጂ ድማ ነዛ ብኃዘን ሓደ ወዳ እትጒሂ ዘላ ሰበይቲ ውላዳ ካብ ሞት ኣተሢእኻ ኃዘና ክትናዝዝ በታ ብቅድስት ኣዴኻ ምእንታኻ ዝተሰደት፡ ፈቀዶ በረኻ ከርተት ዝበለት ቅድስት ድንግል ማርያም እልምነካ ኣለኹ' ኢሎም ጸሎቶም ምስ ፈጸሙ ጐይታ ድማ ንጸሎቶም ሰሚዑ ነቲ ወዲ ኣተንሥኦ፡ ነዚ ተኣምራት ዝረኣዩ ሕዝብን እቲ ዓድን ንኣምላኽ ኣመስገኑ።

  ድኅሪ'ዚ ኣቡነ እንድርያስ ጕዕዝኦም ክቅጽሉ ኣብ ዝተበገስሉ እዋን፡ እቶም ዓዲ 'ባርከነ አባ በከመ ባረኮ አብርሃም ለይስሐቅ ወልዱ ባርኩነ፡ ኦ ኣባ ባርኸባ፡ ከምቲ ኣብርሃም ንይስሓቅ ወዱ ዚባረኾ ባርኸና' እናበሉ ክውዕሉ ክኃድሩ ለመንዎም። ቃለ እግዚአብሔር እናመሃሩ ከኣ ኣብኡ ቀነዩ፡ ንመፍቅድ ኣርድእቶም ዝኸውን ካብቲ ሕዝቢ ዝረኽብዎ እኽሊ ብዙኅ ስለዝነበረ ዝውጣሕ በቕልን ዝጸዓን መጽዓኛን ሂቡ ኣፋነዎም። ክኸዱ ከለው ንዓረዛ ጸጋን በረከትን ሽመትን ክብረትን ኣይረሓቅኩም ብምባል መረቅዎም። ከምዚ ኢሎም ብዝባን ደብሪ ኃሊፎም ዓዲ ተስፋ ልዑል ቅልቅል ምስ በሉ ድማ፡ ገዳም ወግረ ስኂን ከምቲ ትንቢት ዝተነግሮም ብብርሃን ባና ተዓፊና ረኣይዋ እሞ ንኣምላኽ ኣመስገኑ። እቲ ቦታ ብብርሃን ተጎልቢቡ ስለዝጸንሖም ከኣ ዕፉን እዩ ተባህለ። ጉዕዝኦም ብምቅጻል ቝልቍል ወሪዶም ነቲ ዓቀበት ተተኃኃዝዎ፡ እዋኑ ቀትሪ ኮይኑ ፀሓይ ስለዝበርትዖምን ሽምግልና ስለዝኸበዶም ኣብ ሓደ እምኒ ተጸጊዖም ኣዕረፉ፡ እቲ ዓብይ እምኒ ግና ከጽልልሉ ብዝኽእል ዕጽፍ ኢሉ ጽላል ኮነሎም፡ መንክር እግዚኣብሔር በላዕለ ቅዱሳኑ' ዝተባህለ ከምዚ እዩ።  ክሳብ ሕጂ ከኣ 'ምዕራፈ ኣቡነ እንድርያስ' እናተባህለት ትጽዋዕ ኣላ፣ ንበረኸት ኢሉ ኣብኣ ከየዕረፈ ዝኃልፍ ጓሻ ዳርጋ የልቦን።

 ኣቡነ እንድርያስ ዓቀበት ወዲኦም ጥርዘ ጥርዚ ቀጺሎም ምስ ከዱ፡ እቲ ብርሃን ባና ከም ግመ ቕንጥጥ በለ'ሞ ዓቢ በዓቲ ረኺቦም ኣብኡ ኣትዮም ተቀመጡ፣ እቶም ኣርድእቶም ኣብ ከባቢኦም ክሰፍሩ ከለው ሰብ ዓረዛ ምረቃኦም ተቀቢሎም ንዓዶም ተመልሱ። ኣቡነ እንድርያስን ደቀ መዛሙርቶምን ኣብቲ ኣንበሳን ገበልን ነብርን ዝነብርዎ ብዱር ዝተሸፈነ ጽኑዕ በረኻ ድምፂ ኣራዊትን ግርማ ለይትን ጸብአ ኣጋንንትን ተዓጊሦም፡ ቃርፍ በረኻ እናተመገቡ፡ ከምኡ ድማ መንገዲ ክልተ ሰዓት ዝኸውን ርኅቀት ከይዶም ማይ እናሰተዩ ይነብሩ ነበሩ። ኣቦና ኣቡነ እንድርያስ ብብዙኅ ተጋድሎን ትሩፋትን ኣብ ገዳሞም ክነብሩ ምስ ጸንሑ 'ግብረ ዘወሀብከኒ ፈጸምኩ' (ዮሓ 17፡4)፣ ብምባል ካብ እግዚአብሔር ቃል ኪዳን ተቀቢሎም። ስምካ ዝጸውዐ፡ ብዙኅ ይኹን ውሑድ ከም ክእለቱ ተዝካርካ ዝገበረ፡ ኣልኣዛር ኣብ ሕቝፊ ኣብርሃም ከምዝረፈቀ ኣብ ሕቚፍኻ ክረፍቅ እዩ፡ ብዕለት በዓልካ ዝተሳለሙ ዝነገዱ ከም ፈያታዊ ዘየማን ባህረ እሳት ብዘይ ፍርሃት ክሰግሩ ትብዓት ክህቦም እየ፣ መጽሓፍ ገድልካ ዝሰምዑ ንመንግሥተ ሰማያት ዘብቅዕ ቃለ ሕይወት ከስምዖም እየ፡ ኣብ ምድሪ ማኅበር በዅር ዝኾኑ ምስ ማኅበር በዅር ክገብሮም እየ። ብጸሎትካ ዝዕቘቡ፡ ስምካ ዝጽውዑን ተዝካርካ ዝገብሩን ኣብ ቅድሚ መላእኽተይን ወላዲተይን ክእመኖም እየ። ንመጽሓፍ ዕድኦም ድማ ክድምስስ እየ፡ ኢልዎም ብ29 መጋቢት ብ1484 ኣብ መበል 96 ዓመት ዕድሚዖም ብሰላም ካብዛ ዓለም እዚኣ ዓረፉ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ብብሕትውና ዝነበሮ በዓቲ ኸኣ ተቐብረ። እዚ በዓቲ’ዚ ክሳዕ ሕጂ ከም ቤተ ክርስቲያን ኮይኑ የገልግል ኣሎ። 'ሞቶሙሰ ለጻድቃን ከብካቦሙ ውእቱ፡ ብሓቂ ናይ ቅዱሳን ዕረፍቶም መርዕኦም እዩ' ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንወዱ ጢሞቴዎስ ወዱ ዝተዛረቦ ድማ እዚ እዩ 'እሙን ቃል እዩ፡ ምስኡ እንተ ሞትናስ፡ ምስኡ ኸኣ ብሕይወት ክንነብር ኢና' (2 ጢሞ 2፡11)።

ገዳም ወግረ ስኂን

 ገዳም ወግረ ስኂን እዚ ገዳም'ዚ ከም ኵሎም ገዳማት ሃገርና ኤርትራ ብብዝኂ መነኮሳትን ተመሃሮን ዝመልአ ውዕውዕ ዝበለ ገዳም ከምዝነበረ ይንገር። ሕጂ ግና እዚ ኵሉ የለን፡ ሓደ መነኮስ እምበር ዝትክኡ ተመሃሮ ዝረኣይዎ ገዳም ኣይኮነን። ብወገን እቶት ድማ ዘለዎም የብሎምን፡ እቲ ክሳብ ሕጂ ቤተክርስትያን ኮይኑ ዘገልግል ድማ እዚ ቅዱስ ኣቦና ተቐቢሮሙሉ ዘለው በዓቲ እዩ፡ ማይ ልሒኹ ንከይኣትዎ ድማ ብዚንጎ ተጌሩ ኣሎ። ሕዝበ ክርስትያን ካብቲ በረኸት ተሳተፍቲ ክንኸውን ድማ ናይ ኵልና ሓገዝ ከምዘድልዮ እናዘካከርና፡ ዝከኣለኩም ሓገዝን ቈላሕታን ክትገብሩሉ በዚ መግዲ ነዘኻኽር።

ደጊምና ሓደራ ገዳማትና ኣድባራትና ብሰንኪ ስንፍናና ብሰንኪ ሸለልትነትና ከይጠፍኣና ነበረ ነበረ ከይኸውን ዓዓቅኽምኩም ዓቅምና ክንሕግዝ ይግበኣና ። ነዚ ክንገብር፡ ጌርና ድማ ክንጸድቅ ናይ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ቅዱስ ፍቓዱ፡ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ወላዲቱ ጸሎት፡ ናይ ኣቡነ እንድርያስ ዕፉን ጸሎትን በረኸትን ኣይፈለየና ኣሜን።

'ዓለም ንኣታቶም ዘይትበቅዕ ኰይናስ፡ ኣብ በረኻታትን ኣብ ኣኽራንን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጕድ ምድርን ኰለል በሉ።' ዕብ 11፡38

 'ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝሰብኩልኩም መራሕቲ ዘክርዎም፡ ከመይ ኢሎም ከምዝነበሩን ዝሞቱን ኣስተውዒልኩም ኣሰር ኣሰር እምነቶም ስዓቡ' (ዕብ 13፡7) ከምዝበለና ቅዱስ ጳውሎስ፡ ናይ ቅዱሳን ኣቦታትና ብእግሪ ስዒብና ብግብሪ መሲልና ተስፋ ሕይወት ክንረክብ ናይ ቅዱስ እንድርያስ ጸሎትን በረኸትን ኣይፈለየና ኣሜን።

 29 መጋቢት መጽሓፈ ስንክሳርና ካብ ዝዘከሮም ቅዱሳን እንርኢ፡

  • ዓመታዊ ክብረ በዓሎም በዛ ክብርቲ ዕለት ምልእተ መድኃኒት ኮነ፡ ክቡር ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ንቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብብሥራት ተላኢኹ ዘበሠረላ፣ ንጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ትፀንሶ ዘበሠረላ ዕለት እዩ ክብርን ምስጋናን ንወላዲቱ ምስ ፍቁር ወዳ ይኹን ኣሜን።
  • ጥንተ በዓሉ ናይ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዕለተ ትንሣኤ እዩ፡ ክብርን ምስጋናን ኣምልኾን ንወልደ እግዚኣብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ ይብጽሓዮ፣ ኣሜን።
  • ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሃገረ እልዋሪቆን ዝበጽሓሉ ዕለት
  • ኣቡነ እንድርያስ ዕፉን ዘዕረፉሉ ዕለት እዩ፡ ጸሎቶምን በረኸቶምን ኣይፈለየና።

ወርኃዊ ክብረ በዓሎም ድማ፡

  • ኣቡነ እንቆብርሃን ደቂ ሸሓይ፡ ዝክረ ሰማዕትነት ቅድስት ኣርሴማ እዩ፡ ጸሎቶምን በረኸቶምን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስትያን ጸኒዑ ይንበር ኣሜን።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ኪያነ ዘፈጠረ ከመ ናምልኮ፡ ስብሐት ለማርያም እመ አምላክ እግዝእትነ ወመድኃኒትነ፡ ስብሐት ለመስቀለ ክርስቶስ ዕፀ መድሃኒትነ ኃይልነ ወጸወንነ፡ አሜን።

መወከሲ፡

  • ገድሊ ኣቡነ እንድርያስ ዕፉን
  • ካብ ሊቃውንት ኣበው ሊቀ መዘምራን መልአከ ገነት የኔታ ተክለማርያም ዘደብረ ኤፍራታን
  • ካብ ጐይታና ይስሓቅ ኣበ ገዳም ደብረ ድማኅ ኣቡነ መርቆሬዎስ

 2 መጋቢት 2012 ዓ.ም.ግ.

11 መጋቢት 2020 ፈረንጂ

 ኣዳላዊ . ዲያቆን ዳንኤል ኣብርሃም

 ዘደብረ ኤፍራታ ልደታ ማርያም ቅዱስ ዑራኤል ኣቡነ እንድርያስ ሰፍአ፡ ኤርትራ ኣሥመራ ቀሓውታ።

Comments are closed.