ድሕነት ብመንጽር እምነት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን

እግዚኣብሔር ንሰብ ብኣርኣያኡን ብምስሉን (ዝሓሰብን ዘስተውዕልን ጌይሩ) ድሕሪ ምፍጣሩ ካብ ኩሉ ኦም ገነት ከም ዝደሌኻ ብላዕ ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ ካብኣ ኣይትብላዕ ዝብል ትእዛዝ ሂቡ ኣብ ገነት ኣቐመጦ።

እዚ ትእዛዝ ካብተን ክልተ ሓዲኤን ክመርጽ ዘኽእሎ ናይ ፈቓድ ትእዛዝ እምበር ከምቲ መብዛሕትኡ እዋን ንፈልጦ ናይ ግበር ኣይትግበር ትእዛዝ ኣይኮነን። እግዚኣብሔር ኣብ ማእከል ገነት እሞ ህይወትን እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦምን ከብቁል ከሎ ንወዲ ሰብ ዘስተውዕልን ዝሓስብን ጌሩ ፈጢርዎ ነይሩ። ካብዚ ዝተለዓለ ከኣ ጽቡቕን ክፉእን ፈልዩ ዝፈልጠሉ ኣእምሮኡ ተጠቒሙ ናይ ህይወት ኦም (ዕፀ ህይወት) ወይ ሞት እተምጽእ ኦም (ዕፀ ሞት) መሪጹ ክበልዕ ነጻ ፈቓድ ኣለዎ።

ነጻ ፈቓድ ማለት ሓደ ሰብ ንሓደ ተግባር ክፍጽም ወይ ከይፍጽም ዘህልዎ ናይ ድልየት ነጻነት እዩ። በዚ ነጻነት ተጠቒሙ ከመስግን ወይ ከውቅስ፣ ዋጋ ከውህብ ወይ ከቅጽዕ ክጎድእ ወይ ክጠቅም ዝኽእል ስራሕ ክገብር ወይ ከይገብር ይኽእል። ነዚ ዝምልከት ኣብ ኦሪት “ርአ ሎሚ ህይወትን ጽቡቕን፣ ሞትን ክፉእን፣ ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኣሎኹ” ይብል። (ዘዳ.30፦15)

ኣብ ድኅነት ወድ ሰብ ግደ እግዚኣብሔር ከምዘሎ እቲ ዝድሕን ሰብ’ውን ንድሕነቱ ዘበርክቶ ግደ ኣሎ። እግዚኣብሔር ደሙ ኣፍሲሱ ዕዳና ከፍሉ ካብ ናይ ዘልኣለም ባርነት ሞት ነጻ ኣውጺኡና። ንክንድሕን ምሉእ ነጻነት ሂቡና እምበር ኣየገደደናን በዚ ነጻ ፈቓድ ከም ይሁዳን ዴማስን ዝበሉ ክጉድኡሉ ከለው ሐዋርያት፤ ሰማእታትን ቅዱሳን ከኣ ተጠቒሞምሉ እዩም ድሒኖምሉ እዩም። ኣብ ነገረ መለኮት ድኅነት ብናይ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ባህርይ ኣምላኽነት ኣሚንና ነቲ ንሱ ዝመሃሮ ትምህርቲ ብተግባር ብምትርጓም ዝርከብ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ጎይታ ኣብ መዋእለ ትምህርቱ “ኣምላኽ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ኩሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኪረክብ እምበር ከይጠፍእሲ ንወዱ በጃ ክሳዕ ዝህብ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ ኣምላኽ ንወዱ ዓለም ብእኡ ክትድሕን እምበር ንዓለም ክፈርድሲ ኣይለኣኾን ብእኡ ዝኣምን ኣይፍረዶን ነቲ ዘይኣምን ግና ብስም ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለዘይኣመነ ድሮ ተፈረድዎ እዩ” (ዮሓ.3፦16፦18) ኢሉ ከምዝማሃረ። ንምዃኑ ኣብ ነገረ ድኅነት ግደ ወዲ ሰብ እንታይ እዩ? ነዚ ሕቶ ምስቲ ናይ ወዲ ሰብ ናይ ምድሓን ነጻ ፈቓድ ኣዛሚድና ክንርእዮ ኢና።

ሃይማኖት

ሃይማኖት ዝብል ቃል ሰፊሕ ሓተታ ዘለዎ እዃ እንተኾነ ብሓጺር ቃል ምስ እንርእዮ ነዚ ዓለም ሰራዒ መጋቢ ኣለዎ፣ እዚ ኸኣ እቲ ብሓድነት ብስለስትነት ዝምለኽ እግዚኣብሔር እዩ። ኢልካ ምእማን እዩ፣ እግዚኣብሔር ብሓድነትን ብስለስትነትን ዘሎን ዝነብርን ብምዃኑ እቲ ክድሕን ዝደሊ ዘበለ ኩሉ ህልውና ሥላሴ ክኣምን ግዴታኡ እዩ ። ብኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ማለት ብናይ ስላሴ ሓድነትን ሰለስትነትን ዘይኣምን ዘበለ ካብቲ ሓቀኛ እምነት ወጻኢ እዩ። (ዮሓ14።11, ዮሓ17።1, ዮሓ14።15-17, 2ቆሮ3።14, ዮሓ15።26, ዮሓ.1።14)

ከምቲ ገዛ ብመሰረት ዝቐውም ንድኅነት መሰረት ዝኸውን ሃይማኖት (እምነት) እዩ። ሃይማኖት መሰረት ናይ ድኅነት እዩ ክንብል ከለና ብኣብ ብወልድ ብመንፈስ ቅዱስ ስም ምእማን ሥላሴ ብኣካል ሰለስተ ብመለኮት ሓደ ኢልካ ምእማን ኮይኑ ካብ ንጽህት ቅዱስት ድንግል ማርያም ብሥጋ ዝተወለደ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ባህርይ ኣምላኽ እዩ፣ ድንግል ማርያም ወላዲተ ኣምላኽ እያ፣ ኢልካ ምእማን እዩ። ነዞም ዝጠቀስናዮም ክልተ ትምህርቲ ኣብ ቤተክርስቲያን ምሥጢረ ስላሴን ምስጢረ ሥጋዌን ይበሃሉ። ሓደ ሰብ ንክድሕን በዘን ክልተ ክኣምን ኣለዎ።

ጥምቀት

ጥምቀት ከፉት ማዕጾ ናይ ድኅነት እዩ፣ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጥምቀት ናብ ድኅነት መእተዊ ምዃኑ እንክገልጽ “ሰብ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይተወልደ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ክኣቱ ዝኽእል የልቦን” ዮሓ.3።5 ኢሉ እዩ። ካብ ማይን መንፈስን ምውላድ ማለት ምሥጢረ ጥምቀት ምፍጻም ማለት ምዃኑ ርግጽ እዩ። ኣብ ካልእ ስፍራ ጎይታ ባዕሉ ዝኣመነ ዝተጠምቀ ይድኅን” ብማለት ኣብ ሃይማኖት ዝተሰረተ ሰብ ሃይማኖቱ ብጥምቀት ከጽንዖ ከምዝግባእ ምሂሩ እዩ። ማር.16፦16፣ ቅዱስ ጴጥሮስ ነቶም በዓል ሸዊት ከኽብሩ ኣብ ኢየሩሳሌም ተኣኪቦም ዝነበሩ ኣይሁድ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኽወርሱ ምስ መሃሮም ብትምህርቱ ልቦም ስለ ዝተወግአ እንታይ ንግበር ኢሎም ንዝሓተትዎ ሕቶ ንኽድሕኑ ክጥመቑ ከምዘድልዮም ከምዚ ክብል ኣረዲእዎም “ተነስሑ ነብሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቅ” (ግ.ሓ.2።37)

ስብከት ሓዋርያት ሰሚዖም ብናይ ጐይታ ኣምላኽነት ዝኣምኑ ልድያ፤ ቆርኔሌዎስን ሓላዊ ቤት ማአሰርቲን ኩሎም ተጠሚቆም ኢዮም (ግ.ሓ10፣47,ግ.ሓ16፣15-31)፣ ስለዚ ወዲ ሰብ ንክድኅን ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ክጥመቕ ይግባእ። ማቴ 28።19-2
ቅዱስ ቁርባን

መንግስቲ ኣምላኽ ብዘይ ሥጋኡን ደሙን ኣይትውረስን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ ሥጋኡ በሊዕና ክቡር ደሙ ሰቲና ንክንድኅን በቲ ዘይሓልፍ ቃሉ ምሂሩና እዩ። “ክበልዑ ከለው ኢየሱስ እንጌራ ኣልዐለ ባሪኹ ቈሪሱ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ሂብዎም እዚ ሥጋይ እዩ ውሰዱ ብልዑ በሎም፣ ጽዋዕ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ከምዚ እናበለ ሃቦም እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዝፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ ካብዚ ኩሉኹም ስተዩ።” (ማቴ. 26፦26፦29)

እዚ ህያብ`ዚ ካብ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ኩሉ ክድሕን ዝደሊ ሰብ ክቅበሎ ግዴታኡ እዩ። ነዚ ኸኣ ባዕሉ ጐይታ ነጊሩና እዩ። ሥጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም ደሙውን እንተ ዘይስቴኹም ህይወት ከም ዘይብልኩም ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፣ ሥጋይ ዝበልዕ ደመይውን ዝሰቲ ናይ ዘለዓለም ህይወት ኣላቶ። ኣነውን በታ ዳሕራወይቲ መዓልቲ ከተንስኦ እየ። ሥጋይ ብልዒ ሓቂ ኢዩ፣ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ ኢዩ። እቲ ሥጋይ ዝበልዕ ደመይዉን ዝሰቲ ኣባይ ይነብር ኣነዉን ኣብኡ። ዮሓ 6፣53-56 ጎይታ ”ሥጋይ ብልዒ ሓቂ ኢዩ እሞ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ ኢዩ” ብምባል ንቅዱስ ቁርባን ምቕባል፣ ንመዘከርታ ዘይኮነ ድኅነት ዝርከቦ ኣማናዊ ስጋኡን ደሙን ምዃኑ የረዳኣና፣

ሠናይ ግብሪ

ሃይማኖት ብዘይ ግብሪ። ግብሪውን ብዘይ ሃይማኖት በበይኑ ረብሓ ከም ዘይብሉ ሓዋርያ ቅዱስ ያዕቆብ ኣብ መልእኽቱ ገሊጽዎ እዩ።ያዕ2፣26 ስለዚ እቲ ህይወት ዝርከቦ ሃይማኖት ግብሪ ዘይብሉ ኣይኮነን። እኳ ደኣ ብግብሪ ዝተሰነየ እዩ። ሃይማኖትን ግብርን ከም ሥጋን ነፍስን ዝተዋሃዱ እዮም። ሓደ እንተተፈልዩ ነፍሲ ከም ዘይብሉ ሥጋ ማለት እዩ። ግብሪ ዝህልወና ብሕጊ ኣምላኽ ምስ እንምራሕ እዩ። ሕግታት ኣምላኽ ምሕላው ሓደ ካብቲ መንገዲ ድኅነት እዩ።1ዮሓ 2፣29 1ዮሕ3፣9-10 እምነት ኣለኒ እንዳበለ ሰናይ ግብሪ ዘይብሉ ዲያብሎስ ጥራይ እዩ። ከመይ ሰናይ ግብሪ መግለጺ ቅንዕቲ ሃይማኖት ስለ ዝኾነት።

መንፈሳዊ ተጋድሎ

መንፈሳዊ ተጋድሎ ማለት ንሥጋ ብነፍሲ ኣግዚእኻ ብፍቃድ ኣምላኽ ምንባር ማለት እዩ። ስለዚ ኣብ ህይወት ክርስትና ዝዓበየ ቦታ ሒዙ ይርከብ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “እቲ ቅልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለም ምስ መሳፍንቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር ምስ ሥጋን ደምን ኣይዀነን እሞ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ክትክእሉስ ኩሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ።” ከምዝበለ (ኤፌ.6፦11፦12) ኣቦታት መነኮስት፤ ኣዴታት መነኮሳያት፣ ኣጎዛ ተከዲኖም እምኒ ተተርኢሶም ምስ ገዛኢ ጽልመት ዲያብሎስ እንዳተቓለሱ ኣብ በዓቲን ጎዳጉድን ናይ ምንባሮም ምሥጢር ንድኅነት እዩ ነይሩ። ምናልባት ነዚ መንፈሳዊ ገድሊ ክፍጽሙ ዘይኸኣሉ በዚ ንሥጋ ዘድክም ህይወት ምሕላፍ ዘይደልዩ ወገናት ገዛእ ርእሶም ኣብ መጋረጃ ጥበራ ሸፊኖም ድኅነት ብጸጋ እዩ ዝርከብ እምበር ብተጋድሎ ኣይኮነን ብምባል ነቶም ኣብ መንፈሳዊ ተጋድሎ ዘለዉ ዝነቅፉ ኣለዉ። እቲ ሓቂ ግና ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገለጸ እዩ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።
ወለወላዲቱ ድንግል።
ወለመስቀሉ ክቡር ።
ኣሜን!

ምንጪ፥ ልሳን ተዋሕዶ