ብስም አብ አሚንና አብ ወላዲ ኢልና ፤ ብስም ወልድ አሚንና ወልድ ተወላዲ ኢልና ፤ ብስም መንፈስ ቅዱስ አሚንና መንፈስ ቅዱስ ሠራፂ ኢልና ፤ ብስም ፤ብግብሪ ፤ ብኣካል ፤ ሠለስተ እንተበልና ፤ ብልቢ ፤ ብቃል ፤ ብእስትንፋስ ፤ ብፍቃድ ፤ ብመለኮት ፤ ብሥልጣን ፤ ብኣገዛዝኣ ፤ ሓደ አምላኽ ኢልና ፤ ብኣማላድነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም( ድንግል ብኽልተ ወገን ፤ ወላዲተ አምላኽ ) ፤ ብተራዳእነት ቅዱሳን መላእኽቲ ፤ ከምኡ’ውን ብኣማላድነት ቅዱሳን ፤ ሰማዕታት ፤ ጻድቃን ፤ እናኣመንናን እናተማሕጸንናን ብረድኤት እግዚአብሔር ብዛዕባ ቅዱሳት አሣዕል ክንጽሕፍ ንጅምር ።

እግዚአብሔር ኣምላኽና ዘይርአን ዘይምርመርን ዘይድህሰስን ረቂቕ መንፈስ ከምዝኾነ ቅዱሳት መጽሓፍቲ የረድኡና።“ኣቦ ኸኣ ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰግድቲ እዩ ዚደሊ ፤ ከመይ ኣምላኽ መንፈስ እዩ ፤ እቶም ዚሰግዱሉ ኸኣ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግባእ” ክብል ባዕሉ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ይምህረና ።(ዮሐ. 4፤24) ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ኣሰር ጎይታ ብምስዓብ “ጎይታስ መንፈስ እዩ ፤ ኣብቲ መንፈስ ጎይታ ዘለዎ ድማ ኣብኡ ሓርነት ኣሎ” ይብል።(2ቆሮ.3፤17) ልበ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት ንኣገልገልቲ እግዚአብሔር ቅዱሳን መላእኽቲ ረቀቕቲ መናፍስቲ ከምዝኾኑ ከምዚ ክብል ይነግረና “ንንፋሳት ልኡኻትካ ፤ ንሃልሃልታ ሓዊ ኣገልገልትኻ ገበርካዮ።” (መዝ.104፤4)

እግዚአብሔር ንኣብርሃም(ዓርኪ እግዚአብሔር) ብሠለስትነቱ ብምሥጢር ሠለስተ ሰብኣይ መሲሉ ከም ዝተገልጸሉ መጽሓፍ ቅዱስ የረድኣና።(ዘፍ.18፤1-15) ነዚ ታሪኽ ብሥዕሊ ብምግላጽ ቤተ ክርስቲያን “ናይ ኣብርሃም ሥላሴ” ብዝብል ኣርእስቲ ብሥዕሊ እናገለጸት ትምህር።ቅዱሳን መላእኽቲ’ውን ብምስሊ ሰብ(በአምሳለ ሰብእ) ንኣደ እስማኤል(ኣጋር)- ዘፍ.16፤7 ፤ ንያዕቆብ- ዘፍ.32፤1 ፤ ንበለዓም-ዘሁ.22፤31 ፤ ንኢያሱ- ኢያ.5፤13 ፤ ሰብ መሲሎም ስለዝተገልጹሎም ፤ ረዲኤቶም ኣማላድነቶም ንምእመናን ብሥዕሊ ኣቕሪብካ ንታሪኾም ምግላጽ ግቡእ እዩ።እግዚአብሔር ከምኡ’ውን ቅዱሳን መላእኽቲ ንሰብ ካብ እተገልጹ ፤ ንሕና’ውን ሥዕሎም እንተሠኣልና ፤ ምስቲ ኣብ ዘፍ.20፤1-6 ዝተገልጸ ዝሳማማዕ እዩ። ናይ ኣምልኾ ስግደት ንእግዚአብሔር ጥራይ ዝግባእ እንተኾነ ናይ ጸጋ ስግደት’ውን ንቅዱሳን ይግባእ እዩ።(ኢያ.5፤13 ፤ ዘሁ.22፤31 ፤ ዳን.2፤46)እግዚአብሔር ዘይቅበሎ ስግደትን ኣምልኾን ኣብ ዳን.3፤1-18 ፤ ሕዝ.8፤7-13 ሰፊሩ ዘሎ እዩ’ሞ ፤ እግዚአብሔር ካብ ከምኡ ዝኣመሰለ ናይ ባዕዲ ኣምላኾ ይሰውረና። እግዚኣብሔር ንነቢይ ሙሴን ንንጉስ ሰሎሞንን ፤ አገልገልቲ እግዚአብሔር ዝኾኑ ኪሩቤል(ቺሩቤል- መላእኽቲ) ብወርቂ ኣዳልዮም ኣብ ላዕሊ ፤ ናይ ታቦት መኽደኒ ከቐምጡ እግዚአብሔር አዚዝዎም እዩ። እዚ ከኣ ሥዕሊ መላእኽቲ ማለት እዩ።(ዘጸ.25፤18 ፤ 1ነገ.8፤7)

ወርሒ ምስ ከዋኽብቲ ከም እትደምቕ ፤ ሓደ ጎቦ’ውን ብክረምቲ በዕንባባ መሮር ተሸፊኑ ከምዝጽብቕ ፤ ቤተ ክርስቲያን’ውን ናይ እግዚአብሔር ኣገልገልቲ ዝኾኑ ብናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ፤ ብናይ ቅዱሳን መላእኽቲ ፤ ብናይ ቅዱሳን ፤ ብናይ ሰማዕታት ፤ ብናይ ጻድቃን ኣሣዕል ማዕሪጋ ናይ እግዚአብሔር መንበር(ዙፋን) ዘለዋ ቤተ እግዚአብሔር ከምዝኮነት ክንርዳእ ንኽእል።

ካብ ሥዕሊ ዝርከብ ጥቕምታት

1) ትምህርቲ
ሥዕሊ ብሕጽር ዝበለ ቃልን ብንጹርን ብርዱእን እንመሃረሉ ዓይነት ትምህርቲ እዩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ገላትያ “ኣቱም ድንዙዛት ሰብ ገላትያ! መን እዩ እቲ ዘዓዘመኩም ፧ ኢየሱስ ክርስቶስ ስቑል ኣብ ቅድሚ ኣዕይንትኹም’ዶ ብግሁድ አይነበረን፧” እናበለ ዝገሰጾም ንኢየሱስን ታሪኹን ብግቡእ ፈሊጦሞ ብልቢ’ውን ተረዲኦሞ ስለዝነበሩ እዩ።(ገላ. 3፤1-2)ስለዚ አብ ቤተ ክርስቲያን ዝርከቡ አሣዕል ናይ ክርስትና ሃይማኖት መምህራን ከምዝኾኑ ከነስተውዕል ይግባእ።

2) ረድኤት
ብሕይወተ ሥጋ ዘሎ ሰብ ንናይ ብሕይወት ዘለዉ ይኹን ዝሞቱ ፤ ናይ ኣዝማዱ ሥዕሊ ኣብ ቤቱ ፤ መደቀሲኡ ከምኡ’ውን አብ ስርሑ አብ መንደቕ የንብሮ ፤ ናብቲ ናይ ኣዝማዱ ሥዕሊ ብምጥማት’ውን ኣብ ልዕሊኦም ዘለዉ ፍቕሪ ይገልጽ ፤ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ሰናይ ተግባሮም ይሓስብን ይዝክርን። ኣብ ናይ ሃይማኖት ሥርዓት’ውን ምእመናን ናይ ክርስቶስ ፤ ናይ አዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ፤ ናይ ቅዱሳን መላእኽቲ ፤ ናይ ቅዱሳን ፤ ናይ ሰማዕታት ፤ ናይ ጻድቃን አሣዕል ኣብ ቤቶም ፤ ኣብ ናይ ጸሎት ቤቶም ፤ ኣብ ናይ ጸሎት መጽሓፍቶም ዘንብሩሉ ምኽንያት ፍቕሮም ንምግላጽ ፤ ብዛዕብኦም ንምዝካርን ንሕሳብን ከምኡ’ውን ረዲኤት(ደገፍ) ፤ አማላድነት ፤ ጸጋን በረኸትን ንምክፋል እዩ። ብተወሳኺ ካብ ቅዱሳት ኣሣዕል ረዲኤትን በረኸትን ዝተቐበሉ ካህናትን ምእመናንን ምስክር ስለዝኾኑና ካብኣቶም ክንርዳእ ይግባእ እምበር ፤መጽሓፍ ቅዱስ መረዳእታ ከይሓዝካ ንቅዱሳት አሣእል ምንቃፍ ኣይግባእን እዩ። ሥዕሊ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንመጀመርታ ጊዜ ዝሰኣለ ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሓንስ ኢዩ።

ሥዕሊ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንመጀመርታ ጊዜ ዝሰኣለ ፤ ወንገላዊ ቅዱስ ሉቃስ እዩ። ቅዱስ ሉቃስ ካብ’ቶም 72 አርድእት(ሰዓብቲ ሃዋርያት) ሓደ እዩ።

ምእመናን ብናይ ቤተ ክርስቲያንና ትምህርቲ መሠረት ናይ ጎይታ ፤ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ፤ ናይ ቅዱሳን ኣሣዕል አብ መንደቕ ብምንባርን ናብኣቶም ብምስጋድን ብምጽላይን ጸጋን በረኸትን ይረኽቡ። ስለዚ ካብ ቅዱሳት ኣሣዕል ዝርከብ ረድኤትን ጸጋን በረኸትን ብዙሕ እዩ’ሞ ፤ ቅዱሳት ኣሣዕል ከም ካልኦት ኣሣዕል ዘይኮኑስ ፤ ቅዱሳት እዮም እሞ ፤ ኣብ ናይ ክብሪ ቦታ ከነቐምጦምን ብጥንቃቐ ክንሕዞም ይግባእ።

ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብመስቀሉን ብሥዕሉን ፤ ምሕረቱን ጸገኡን ይዓድለና። ቅድስተ ቅዱሳን ፤ አዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ፤ ቅዱሳን መላእኽቲ ፤ ቅዱሳን ፤ ሰማዕታት ፤ ጻድቃን ብሥዕሎም የማልዱና። እግዚአብሔር ኣብ ሃይማኖትና ጽንዓት ይሃበና።

ስብሐት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር