ቅዱሳን ዝብል ቃል ንጹሃን ፉሉያት ዝብል ትርጉም ይህበና። እዚ ቃል እዚ ናይ እግዚኣብሔር ናይ ባህሪ መግለጺኡ አዩ። እግዚኣብሔር ብባህሪኡ ቅዱስ ስለዝኾነ ቅዱሳን ዝብል ቃል ነቶም ብባህሪኡ ቅዱስ ዝኾነ ኣምላኽ ዘገልግሉ መላእክትን ሕያዎት ወይ ከኣ ለውሃት ሰባትን ዝወሃብ እዩ። ንመላእኽቲ ቅዱሳን ንብሎም፥ ምኽንያቱ ብቕድስናን ብንጽህናን ነቲ ቅዱስ ኣምላኽ ሰለዘገልግሉ፡ ኣብዚ መዓርግ ናይ መላእክቲ ዝበጽሑ ለዋሃትን ሕያወትን ሰባት’ውን በዚ ናይ ቅድስና ሽም ይጽውዑ እዮም። ባዕሉ እግዚኣብሔር’ውን “ኣነ ቅዱስ እየ እሞ ቅዱሳን ኩኑ ይብል” ዘሌ 19፡2 1ይ ጴጥ 1፡15-16። ነብያት፣ ሓዋርያት፣ ጻድቃን ፣ ሰማዕታት ኩሎም ነቲ ቅዱስ ኣምላኽ ክብሉ ሂወቶም መስዋእቲ ጌሮም ስለዝሃቡን ንሽሙ ስለዝመስከሩን፡ ብተጋድሎኦሙን ብትሩፋቶሙን ናይ ቅድስናን ናይ ብጽዕናን መዓርግ ተዋሂቦም እዮም። ጎይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ባዕሉ “በቲ ሓቂ ቐደሶም፥ ቃልካ ሓቂ እዩ” ይብል (ዮሓ 17፡17)። መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ቅዱሳን ብብዝሒ ኣብርእሲ ምዝራቡ፤ ነዞም ቅዱሳን እዚኣቶም ምኽባርን ምቕባልን፥ ነቲ ብባህሪኡ ቅዱስ ዝኾነ ኣምላኽ ምኽባርን ምቕባልን ምኻኑ ይገልጸልና። (ማቴ 10፡40 ሉቃ 10፡16 ንመልከት) ንቑዱሳን ዘኽበረ ባዕሉ እግዚኣብሔር እዩ። ንሱ ዝኽበሮ ከኣ ማንም ክንዕቆ ኣይክእልን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንቕዱሳን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዘለዎም ተሰማዕነት ብዝተፈላለየ መልክዕ ይገልጽ። እዚ ሓድሽ እዩ፥ እዚ ከኣ ቡሉይ ኪዳን አዩ ንብሎ ዘይኮነስ፥ ኣብዝኾነ ኪዳን ጎይታ ዘኽበሮም ብዘይ ዕጸፍ ቃሉ ክርኢ ይግበኣና። ኣነ ቅዱስ አየ እሞ ቅዱሳን ኵኑ ዝበለ ኣምላኽ ንንበሲ ወከፍና ናብቲ ናይ ቅድስና ክብሪ ጸዊዕና አዩ። እዚ ክንብል ከለና ግና ከምቲ ገለግለ ሰባት ዝብልዎን ከምዝሓስብዎን ካልኦት እንታይ ክገብሩልና፡ ንሕናውን ቅዱሳን ኢና ብምባል ዘይኮነስ ነብሲ ወከፍና ዝተጸዋዕናሉ ንጽቡቕ ሰራሕ ስለዝኾነ ኣብቲ ዝተጸዋዕናሉ ቦታ ኣለናዶ ዝብለ ሕቶ ክንምልስ ክንክእል ይግበኣና። ብዝኾነ ግን ስለ ቅዱሳን እዚ ካብ በልና እስከ መጽሓፍ ቅዱስ መወከሲ ብምግባር ስለነብሲወከፍ ስረሖምን ኣማላድነቶምስ ንርኤ። ኣምላከ ቅዱሳን ምስጢሩን ጥበቡን ይግለጸልና።

ኣማላድነቶም

ምምላድ ማለት ሓደ ስለካልእ ዝገብሮ ልመናን ጸሎትን እዩ። ዝማለድ (ዝልመን) እግዚኣብሔር ክኸውን ከሎ ዘማልዱ ከኣ ቅዱሳን እዩም። ልመና ወይ ምምላድ ዘድለየሉ ምኽንያት እግዚኣብሔር ካብ ናይ ሓጥኣን ጸሎት ናይ ጻድቃን ጸሎት ብዝበለጸ ኣብ ቅድሚኡ ቅቡሉን ተፈጻምን ብዃኑ እዩ። ንኣብነት ኣብ መዝ. 34፡15 “ኣእዛን እግዚኣብሔር ናብ ጻድቃን ኣእዛኑ ከኣ ናብ ኣውያቶም እየን።”
“ናይ ሓጥእ መስዋዕቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣጸያፊ እዩ፡ ናይ ጻድቅ ጸሎት ግን ኣብ ቅድሚኡ ቅቡል እዩ” ምሳለ 15፡8 “እግዚኣብሔር ካብ ሓጥኣን ይርሕቕ፥ ናይ ጻድቃን ጸሎት ግና ይሰምዕ” ምሳሌ 15፡29 ከምኡ’ውን ቅዱስ ዮሓንስ ንእግዚኣብሔር ብግቡእ ኮይኖም ንዝልምንዎ ከምዝሰምዖም ክገልጽ ከሎ “ከምቲ ፍቓድ ጌርና ሓደ ነገር እንተለመናዮ ይሰምዓና እዩ” ይብል።  ስለዚ ቅዱሳን ከምናቱ ፍቓድን ድሌትን ሰልዝገብሩ ልመንኦም ይሰምዖም እዩ። ብዝበለጸውን ጻድቃን ንሓጥያተኛታት ወገኖም ዝልምንዎ ልመና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ብዝበለጸ ተቐባልነት ኣለዎ፥ ምኽንያቱ አግዚኣብሔር ምንም እኳ ንሓጥኣን ብኩፉእ ስረሖም እንተሓዘነ ብሳህሉ ብምሕረቱ (ብቸርነቱ) ዝምሕረሎም ምኽኒያት ስለ ዝደሊ ናይ ቅዱሳን ልመና መገዲ ይገብሮ። ኮይኑ ግን ኣብዘመና ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ናይ ቅዱሳን ኣማላድነት ክንገር ከሎ ዘይቕበሉን ዘይሰምዑን ኣለዉ። ንምኻኑ ቅዱሳን ከማሉድና ንሕና ባዕልና ዲና መሪጽናዮም፧ ኣይኮነን! ቅዱሳን ኣብ ክንዲ ዝበደሉ ሰባት ክልምኑ፡ ከማልዱ ዝኣዘዘን ዝሓገገን ባዕሉ እግዚኣብሔር እዩ። እስኪ ብመጽሓፍ መሰረ ኣማላድነቶም ንርኣዮ።

ኣብ ኦሪት ዘፍ. 20፡1-7 ኣቦ ብዙሓን ኣብርሃም ናብ ጌራራ ተሰዲዲሉ ኣብ ዝነብረሉ ግዜ ናይቲ ሃገር ንጉስ ንሰብይቱ ንሳራ ኣሕዲግዎ ኔይሩ። ኮይኑ ግን እግዚኣብሔር ለይቲ ብሕልሚ ሰበይቱ ክመልሰሉ ድሕሪ ምእዛዙ “ነብይ አዩ’ሞ ምእንቲ ክትድሕን ከኣ ንሱ ይጸልየልካ” ብምባል ባዕሉ እግዚኣብሔር ንኣበሜሌክ ንስኻ ብቀጥታ ናባይ ለምን ሰብይቱ ግን ምለሰሉ ክብሎ እንዳኸኣለ ከሎ፥ ነብይ እዩ’ሞ ምእንታኻ ይጸሊ ዝበሎ ንምንታይ እዩ፧ ከምኡ’ውን ንእዮብ ክርእይዎ ዝመፁ ሰለስተ ኣዕሩኽቱ “ብዛዕባይ ከምቲ እዮብ ባርያይ ዝገበሮ ጌርኮም ቅኑዕ ስለዘይተዛርብኩም ኣባኻን ኣብ ክልቲኦም መሓዙትካን ኩራይ (ተቓጺሉ ?) እዩ። . . . . . . . እዮብ ባርያይ ንዓኹም ክጽልየልኩም እዩ ንዕኡ ከኣ ክቐበሎ እየ። ከም እዮብ ባርያይ ጌርኩም ብዛዕባይ ስለዘይተዛርብኩም ምእንትኡ ኢለ ከምቲ ንዕሽነትኩም ዝግባእ ኣይገብርን እየ” በሎም። ኣብዚ እግዚእብሔር ነዞም ሰባት ባዕሉ ተገሊጹ እንዳኣዘራረቦም ከሎ ብቐጥታ ናባይ ጸልዩ ይቕረ ክብለኩም እየ ኣይበሎምን፡ እንታይ ድኣ ነቲ ተፈቲኑ ዝወጸ ከም ወርቂ ዝተፈተነ ፈታዊኡ እዮብ ክብሩ ንኽግለጽ ምእንትኦም ክጽልን ናብኡ ክኸዱን ከኣ ኣዘዞም። በዚ መሰረት ከኣ እዮብ ስለ ሰለስቲኦም ኣዕርኽቱ ዝለመኖ ዝጸሎዮ ጸሎት እግዚኣብሔር ተቀብሎ። እዮብ 42፡ 7-9
ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ኣማላድነት ናይ ቅዱሳን ስራሕ ምዃኑ ብግልጺ ክዛረብ ከሎ “ኣባና ከኣ ናይ ምትዕራቕ ቃል ገብረ። ስለዚ እግዚኣብሔር ብኣና ከምዝልመን ስለክርስቶስ መልእክተኛታት ኢና” ይብል። 2ይ ቆሮ. 5፡19-20 እግዚኣብሔር ንቕዱሳን ፈተውቱ፥ ስለዚዩ ክልሙኑ ኣብኦም ናይ ምምላድ ጸጋን ቃልን ገብረ።

ስለዚ ምምላድ ባዕሉ እግዚኣብሔር ዝገበሮ መንገዲ እዩ። ኣማላድነት ናይ እግዚኣብሔር ናይ ጸጋ ህያው እዩ ፤ ምኽንያቱ ብስነ ምግባሮም ዝደኸሙን ጸሎቶም ከምናቱ ፈቓድ ዘይኮነ ተነሳሕቲ ሓጥኣን ናቱ ፍቓድ ብዝፈልጡን ብዝፍጹሙን ብምግባርን ብትሩፋትን ብዛዓበዩ ጻድቃን ንክርድኡ ምግባር ናይ ለውሃቱ መግለጺ እዩ። ስለዚ ምምላድ ናይ እግዚኣብሔር ፈታሕነትን፡ ፈራድነትን ዝጻረር ዝቃወም ዘይኮነስ ለዋህነቱ ዘገልጽ እዩ። ካብቲ ናይ ኣብነት ርህራሄኡ ዝለዓለ ኩሎም ከምቶም ጻድቃን ፈተውቱ ዘይኮኑ ከይበለ ብናይ ጻድቃን ጸሎት ሓጥኣን ክጥቀሙ ገበረ። ነዚ መሰረት ከም ምግባር እያ ሃዋርያዊት ቤተክርስቲያን ንጻድቃን ከማልድዋ ኣእዳዋ ትዝርግሕ።

ናይ ቅዱሳን ኣማላድነት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እዞም ዝጠቀስናዮም ጥራይ ዘይኮኑስ ከምኡ’ውን እዚ ስልጣን እዚ ከም ዝተዋህቦም ስለዝፈለጡ፥ ስለህዝቦም ከምዝጸለዩን እግዚኣብሔር ከምዝሰምዕምን ይነግረና። ኣብ ኦርት ዘፍ. 18፡22 እግዚኣብሔር ንኣብርሃም ስለ ሰዶምን ጎሞራን ጥፍኣት ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ንኽምሕሮም ደጋጊሙ ለመነ። “ኣብርሃም ግን ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሔር ደው ኢሉ ነበረ” ይብል። እዚ ዘረድኣና ንእግዚኣብሔር ቅድሚትን ድሕሪትን ሃሊይዎ ዘይኮነስ ኣብርሃም ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ይልምን ከምዝነበር እዩ። ኣብርሃም ንእግዚኣብሔር ክልምን ከሎ እንታይ ኣእተውካ ኣብ ናተይ ፍርዲ ተኣቱ ኣይበሎም፤ እኳድኣ ልመንኡ ተቀቢሉ ስለሰዶም ጥፍኣት ኣብ ውሽጣ ሓምሳ ጻድቃን እንተሃለዉ ኣይትምሕርን’ዶ ኢሉ ኣብ ዝለመነሉ ግዜ እግዚኣብሔር፥ እንድሕር ሃልዮምስ ምእንተኦም ክምሕራ እየ በሎ። ነገር ግን ኣብ ስዶም እንኳን ሓምሳ ዓሰረተ’ውን ስለዘይተረኽቡ ጠፍአት።

ንሰዶምን ንጎሞራን ጥፍኣት ምኽያት ሓጥያቶም እኳ እንተኾነ፥ ኣብታ ከተማ ዓሰርተ ጻድቃን እንተዝህልዉ ነይሮም እግዚኣብሔር ስለ እዞም ዓሰርተ ጻድቃን ክምሕራ ከምስሓሰበ ባዕሉ ብዘይዕጸፍ ቃሉ “ስለቶም ዓሰርተ ኣየትፍኣን እየ” ከምዝበሎ ንርኢ።ኮይኑ ግን እዞም ዓሰርተ ጻድቃን ስለዘይተረክቡ እታ ከተማ ጠፍአት። ብናይ ኣብርሃም ጸሎትን ብናይ ዓሰርተ ጻድቃን ምህልላ’ውን ኣብ ሰዶም ዝነበሩ ሓጥኣን ክመሓሩ ካብ ገበረ (ሓሰበ) እግዚኣብሔር ስለጻድቃን ክብል ሓጥኣን ከምዝምሕር ብግልጺ ኣቐሚጥዎ ንርኢ።

ካልእ’ውን ሙሴ ካብ ደብረሲና ዓሰርተ ቃላት ዝተጻሕፈሉ ጽላት ሒዙ ናብ ህዝቡ ኣብዝተመልሰሉ አዋን፥ እስራኤላውያን ኣምልኮ ጣኦት ስለዝጀመሩ እግዚኣብሔር ተቝጢዑ “ሕጂ ኩራይ ኣብ ኦም ኪነድድ አሞ ክውደኦም ሕደገኒ ነዓኻ ድማ ዓቢ ህዝቢ ክገብረካ እየ በሎ”። ሙሴ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ጽለየ . . . . . ካብቲ ነዳዲ ኩራኻ ደኣ ተመለስ። ካብቲ ንህዝብኻ ክትገብሮ ዝሓሰብካዮ ኽፍእ ድማ ተጠዓስ በሎ። ኣብዚ ጊዜ እዚ ኩርኡ ነዲድ ከጥፈኦም ዝሓሰበ ናይ ሙሴ ኣማላድነት ተቀቢሉ “እግዚኣብሔር ድማ ካብቲ ንህዝቡ ክገብሮ ኢሉ ተዛሪብዎ ዝነበረ ክፉእ ተጠዓሰ” ይብል ዘጸ. 32፡ 10-14። ነዚ ሙሴ ኣብ ዘዳግም 19፡18 - 19 እግዚኣብሔር ብኣኻትኩም ነዲሩ ኮርዩ ዝነብረ ኹራ ከየጥፈኣኩም ፈራሕኩ እሞ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሔር ኩፉእ ዝኾነ ምእንቲ ከይተኮርይዎ ዝገበርኩምዎ ኩሉ ሓጥያት ከምቲ ቀዳማይ እንጀራ ከይበላዕኩ ማይ ከይሰተኹ ኣርብዓ መዓልትን ለይትን ኣብ ቕድሚ እግዚኣብሔር ተዳፋእኩም። በታ ግዜ እቲኣ’ውን እግዚኣብሔር ስምዓኒ። ዘዳ 9፡ 18-19.
ኣበሜሌክ ናይ ጌራራ ንጉስ፥ ሰበይቲ ኣብርሃም ሳራ ኣብ ዝወሰደሉ እዋን እግዚኣብሔር ብሕልሚ ተገሊጹ ሰበይቱ ክመልሰሉን ሰለሓጥያቱን ንክጽልየሉን ንኣብርሃም ነጊርዎ። “ ነቢይ እዩ’ም ምእንታኻ ክጽሊ አዩ ከምኡ’ውን ክትድሕን ኢኻ።” ዘፍ 20፡7 ብናይ ኣብርሃም ጸሎት ኣቤሜለክ ድሓነ።

 

ኢዮርባኦም ዝተባህለ ናይ አስራኤል ንጉስ ጣኦት የምልኽ ስለዝነበረ ሓደ ነብይ ይመኽሮን ይግስጾን ኔሩ። ኮይኑ ግን እቲ ነብይ ሰልዝገሰጾ ብትዕቢት ንክሕዞ ኣእዳው ዘርግሐ ብኡብኡ ከኣ ኢዱ ደረቐት። ሽዑ ነቲ ነብይ “. . . እዛ ኢደይ ክትምለሰለይ በጃኻ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣምላኽካ ተማህሊልካ ምእንታይ ለምኖ ኢሉ መለሰሉ እቲ ናይ ኣምላኽ ነብይ ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሐር ተማህለለ እታ ኢድ ንጉስ ከኣ ናብኡ ተመልሰት ከም ቀደማ ኮነት” በቲ ናይ ነብይ እግዚኣብሔር ጸሎት ደሪቁ ዝነበረ ናይ ንጉስ ኢድ ሓወየ። 1ይ ነገስት 13፡ 1-6። እስራኤላውያን ብሓጥያቶም መሰረት መከራ ኣብ ዝኸበቦም ግዜ እቶም ህዝቢ ኩሎም ብሓደ ቀሪቦም ንነብይ ኤርምያስ ከምዚ በሉዎ፡ “ኣዒንትና ይርእያና ከምዘለዋ ካብ ብዙሓት ሒደት ተሪፍና ኢናሞ ልማኖና ኮታ ኣብ ቕድሜኻ ይብጻሕ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ለምነልና በልዎ” ኤር 42 ፡ 2-3 ይብል። ስለዚ ቅዱስቲ ቤተክርስቲያን ናይ ቅዱሳን ክብርን ኣማላድነትን ብመጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ነዚይን ካልእን መረጋገጺ ትህብ።

በዚ መሰረት ቅዱሳን ብሂወት ከለዉ እዚ ዝኣክል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ጸጋን ክብርን ኣማላድነትን ካብ ረኸቡ ብኣጸደ ነብሲ ወይ ድሕሪ ዕረፍቶም እዚ ነገር እዚ ኣሎዶ ውይስ ኣብ ምድሪ ከለዉ ኣብቂዑ እዩ ንዝብል ሕጂውን ካባና ኣልዒልና ንዛረቦን ነቀምጦን ስለዘየለ መጽሓፈ ቅዱስ ዝብለና ንመልከት።

ናይ ቅዱሳን ኣማላድነት ብኣጸደ ነፍስ

ብቡሉይ ኪዳን ዘመን ሞት ብጣዕሚ ይፍራሕ ኔሩ ጳውሎስ “ነቶም ብፍርሃት ሞት ብዘሎ ዘመኖም ብባርነት ተታሒዞም ዝነበሩ ኩላቶም ሓራ ምእንቲ ከውጽኦም ኢሉ ንሱ’ውን ብኡኡ ሓቢሮም (መሰሎም) “ ኢሉ ከምዝገለጸ ካብ ክርስቶስ ሞትን ትንሳኤን ግን ናይ ሞት ኣፍራሕነት ተሪፉ (ዕብ. 2፡14-16)። እኳ ድኣ በዓል ቅዱስ ጳውሎስ “ግን ሞት ኣብይ ኣሎ ብልሕኻ ኣንታ ሲኦልከ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ” እንዳበሉ ክንዕቕውን ከቃልልዎን ንርኢ።

በዚ መሰረ ቅዱሳን ጻድቃን ድሕሪ ሞት ኣብይ ከምዘለዉን ኣማላድነት ህልው ምኻኑን ንዘይኣምኑን ንዝጠራጠሩን ትምህርቲ ክኾኖም ከምዚዝስዕብ ነቕርብ። “ነቲ ሓምሻይ ማሕተም ምስፈትሖ ከኣ ነፍሳት እቶም ስለ ቃል ኣምላኽን ስለቲ ዝነበሮም ምስክርን እተሓርዱ ኣብ ትሕቲ መሰውዒ ረኣኹ ዓው ብዝበለ ድምጺ ከኣ ዎ ቅድስን ሓቀኛን ጎይታ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትፈርድ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉኸ ክሳብ መኣስ ኢኻ ሕነ ድምና ዘይትፈድዮም አናበለ ጠርዑ። ንነብሲ ወከፎም ከኣ ጻዕዳ ክዳን ተዋህቦም እቶም ከማታቶም ክቕተሉ ዘለዎም ብጸቶም ባሮትን ኣሕዋቶም ክሳዕ ዝመልኡ ኸኣ ገና ቕሩብ ዘመን ከዕርፉ ተነግሮም” ብምባል ቅዱሳን ጻድቃን ብኣጸደ ነብሲ ከምዘለዉ መጽሓፍ ቅዱስ የረድኣና (ራእ 6፡9-11)። ጻድቃን በኣጸደ ነብሲ ከምዘማልዱን ኣዕጽምቶም ከይተረፈ ከምዘድሕንን ኣብ 2ይ ነገስት ንመልከት፡
“ኤልሳዕ ድማ ሞተ ቀበርዎ’ውን ብመጀመርታ ዓመት ከእ ሓደጋ ዚወድቁ ካብ ሞኣብ ናብታ ሃገር መጹ። ኰነ ድማ ሰባት ንሓደ ሰብኣይ ክቀብሩ ከለዉ እንሆ ነቶም ወደቕቲ ሓደጋ ርእዮም ነቲ ሰብኣይ ናብ መቃብር ኤልሳእ ደርበይዎ እቲ ሰብኣይ ከኣ ኣዕጽምቲ ኤልሳዕ ምስተንከፈ ሓወየ ብኣእጋሩ ከኣ ደው በለ” 2ይ ነገስት 13፡20-21 ይብል።

 

እሞ ናይ ኤልሳዕ ኣዕጽምቲ ሙዉት ካብ ኣልዓለ ብኣማላድነቱ ተኣማሚና ካብ ሞት ሓጥያት ኣድሕነና ኢልና ጸልየልና ኣማልድና እንተበልናዮ ናብ እግዚኣብሔር ኣቕሪቡ ኣየውህበናናን’ዶ ይኸውን፧ ከምኡ’ውን ባዕሉ ጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ ብወንጌል ቅዱሳን ብኣጸደ ነብሲ ምዝርራብን ምጽላይን ከምዝኽእሉ ብግልጺ ዘቐመጦ ነገር ኣሎ። እቲ ሃብታም ሰብኣይ ነዌ ንኣብርሃም መሓረኒ ማለቱ እንታይ የመልክተና፡ ኣብርሃም ናይ ኣማላድነት ስልጣን ምቕባሉ’ዶ ኣይኮነን ከምኡ’ውን ኣብርሃም ነቲ ሰብኣይ ኣዘራሪብዎ ከምኡ’ውን ብኣብርሃም ኣማላድነት ዝኣምኑ ሰባት መላእክቲ ኣብ ሕቕፈ ኣብርሃም ከምዘቕምጥም ዘይኮነን ዝገልጽ። (ሉቃስ 16 19-31) ከምኡ’ውን ሓዋርያ ቅዱስ ይሁዳ ኣብ መልእኽቱ ዝጠቐሶ (ይሁዳ 1፡14-16) መጽሓፈ ሄኖክ “ካብቲ በታ ኣዕይንተይ ናብ ምስ መላእኽቲ ዝነበሩ መሕደሪኦም ምስ ቅዱሳን ዝንበሩ ቤቶም ረኣኹ ስለ ደቂ ሰብ ከኣ ፈጺሚም ይልምኑ ይጽልዩ” ብምባል ቅዱሳን ኣብዚ ዓለም ስለዝነብሩ ሰባት ከምዝልምኑ ይገልጽ (ሄኖክ 9፡21-23)። ከምኡ’ውን ኣብ ምዕራፍ 12 ቁ 34 “ኣብ ሰማይ ዝነብሩ ቅዱሳን ጻድቃንን ብሓደ ቃል ኮይኖም ብሕብረት የመስግኑ ንሰባት’ውን ፈጺሞም ይልምኑ” ክብል ብኣጽደ ነብሲ ዘለው ጽድቃን ኣብዛ ዓለም ስለዝነብሩ ሰባት ከምዝጽልዩ ይዛራብ። ንመጽሓፍ ሄኖክ ኣይንቕበልን ዝብል ሰብ እተሃለወ ከኣ ሃዋርያት ዝተቀበልዎ ኣይቕበልን ዝብል ካብ ሓዋርያት ከምዝተፈለያ ክፈልጥ ኣለዎ።
በተወሳኺ ቅዱሳን ካብ ምልማን ሓሊፎም ኣብዛ ምድሪ ከምዝፈርዱ ባዕሉ ጎይታ ከምዝክብል ተዛሪቡ እዩ። እቶም ዝሰዓብኩሙኒ ወዲ ሰብ በታ ሓዳስ ዘመን ኣብ ዝፋን ክብሩ ዝቕመጥላ እዋን ንስኻትኩም ድማ ኣብ ዓሰርተው ክልተ ዝፋናት ተቕሚጥኩም ንዓስርተ ክልተ ነገደ እስራኤል ከም እትፈርዱ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። (ማቴ 19፡ 28-29)። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ነዚ ናይ ጎይታ ቃል መሰረት ብምግባር “ወይስ እቶም ቅዱሳን ንዓለም ከምዝፈርድዋ ኣይትፈልጡን ኢኹም” ይብለና (1ይ ቆሮ. 6፡2)። እሞ ጎይታ ፍርዲ ዝኣክል ሂብዎም እቲ ዝቀለለ ምምላድ ይከልኦም’ዶ ይኸውን፧ ስለዚ እነሆ ቅዱሳን ኣብ ምድሪ ከም ወርቂ ብሓዊ ተፈቲኖም ስለዝሓለፉ ምእንታና ናብ ኣምላኮም ለይትን መዓልትን ይልምኑ። ናይ ጽድቂ ስረሖም ከኣ ከም ስግኦም በስቢሱ ዝተርፍ ከምዘይኮነ ስለኦም ኣርድኡና ኣማልዱና ኣብ ጎንና ኩኑ ንብል።

ንጻድቃን ቅዱሳን ዝግበር ክብርን ስግደትን

ስግደት ማለት ሰብ ንኣምላኩ ናይ ኣምልኮ ስግደት ማለት ፈጢርካና ኢኻ’ሞ ትገዝኣና ንሕናውን ንግዘኣካ ብምባል እንሰግድ። ብካልኣይ ደረጃ ከኣ ካባና ልዕል ንዝበሉ ኣክብሮትና ንምግላጽ ብምግባር ብዕድመ ንዝበልጹና ቅዱሳን ጻድቃን፡ ነብያት ቅዱሳን፡ መላእክትን፡ ድንግል ማርያምን እነቕርቦ ናይ ኣክብሮት ስግደት እዩ። ቅዱሳን ኣቦታት ብስጋ ኣብዛ ዓለም ይመላለሱ ኣብዝ ነብርሉ ግዜ ብጾምን ብስግደትን ለይትን መዓልትን ብዋሻ ብገድልን ከምኡ’ውን ኣብ ኣሰር ቤት ፈጣሪኦም ከገልግሉን ንትውልዲ ምሕረት ክልምኑን ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ናይ ኣክብሮት ስግደት ይቀርበሎም ከምዝነበረ መጽሓፍ ቅዱሳ ይነግረና። ብኡ መሰረት’ውን ኢና ሎሚ ንሕና ንናይ እግዚኣብሔር ኣገልገልቲ ንዝኮኑ ቅዱሳን ጻድቃን፣ ሰማዕታት፣ ዓጽሞም ኣብ ዝዓረፈሉ ብሽሞም ኣብ ዝተሃንጸሎም ኣብያተክርስቲያናት ኩሉ ናይ ጸጋ ወይ ናይ ኣክብሮት
ስግደት እነቐርብ በዚ ከኣ በረከቶምን ጸገኦምን ተካፈልቲ ንኸውን።

እስኪ ብመጽሓፍ ቅዱስ መስረት ዝግበኦምን ዘይግበኦምን ምኻኑ ንመልከት።
1ይ) ያዕቆብ ምስ ሓዉ ኤሳው ኣብዝተራከበሉ ግዜ ብርሕቕ ክመጽእ ከሎ ስለዝረኣዮ ናብ ሓዉ ክሳብ ዝበጽሕ ሸውዓተ ሳዕ ናብ ምድሪ ሰገደ። (ዘፍ. 33፡ 1-4)
2ይ) ሽዑ ሳኦል ንሱ ሳሙኤል ምኻኑ ፈሊጡ ብገጹ ተደፊኡ ሰገደ (1ይ ሳሙ. 28 ፡ 14)
3ይ) እነሆ ካብ ሰፈር ሳኦል ሓደ ሰብኣይ ክዳኑ ቀደደ ሓመድ’ውን ኣብ ርእሱ ነስኒሱ መጸ። ኰነ ድማ ዳዊት ምስመጸ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ፍግም በለ። (1ይ ሳሙ. 1፡2)
4ይ) እቶም ኣብ እያሪኮ ኣብ መንጽር ዝነበሩ ደቂ ነብያት ምስረኣይዎ መንፈስ ኤልያስ ኣብ ልዕሊ ኤልሳዕ ሓዲሩ ኣሎ በሉ ክቀባበልዎ መጺኦም ከኣ ኣብ ምድሪ ወዲቖም ኢድ ነስኡሉ። (2ይ ነገ. 2፡15)
5ይ) “ጸውዓ ከኣ ናብኡ ምስ ኣተወት ድማ ወኺ ውሰዲ በላ ኣትያ ከኣ ኣብ እግሩ ወዲቃ ናብ ምድሪ ፍግም ኢላ ሰገደት፡ ወዳ ሒዛ ድማ ወጸት።” (2ይ ነገ. 4፡ 4 – 37)
6ይ) ሽዑ ናቡከደነጾር ብግምባሩ ተደፊኡ ንዳኒኤል ሰገደሉ መስዋዕቲ ብልዕን ዕጣንን ክቕርበሉ ድማ ኣዘዘ። (ት. ዳኒኤል 2፡46-67)
7ይ) ጴጥሮስ ምስኣተወ ቀርኔሌዎስ ወዲቁ ሰገደሉ ጴጥሮስ ከኣ ተንስእ ኣነ ሰብ እየ በሎ። (ግብ. ሓዋ. 10፡ 25-26) ቆርኔሌዎስ ንጴሮስ ኣኽቢሩ ኣብ ዝሰገደሉ ግዜ ጵጥሮስ ብትሕትና ግደፍ ኢሉ ከምዘልዓሎ ንምልከት። እዚ ማለት ከኣ ምስጋድካ ስሕተት እዩ ማለት ዘይኮነስ ኣይግበኣንን ኢሉ ርእሱ ትሕት ናይ ምባል ምልክት እዩ።
8ይ) እቲ ሳልሳይ ሓለቓ ሓምሳ ከኣ ደየበ መጺኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ኤልያስ ብብርኩ ተንበርኪኹ ከምዚ ኢሉ ለመኖ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ በጃኻ ነፍሰይን ነፍሳት እዞም ሓምሳ ገላውካን ኣብ ቕድሜኻ ክቡራት ይኹና። (2ይ ነገ. 1፡13)

 

ስለዚ እዞም ዝረኣናዮም ጥቕስታት ንቅዱሳን ናይ ኣክብሮት ስግደት ከምዝተሰግደሎም እዩ። እዞም ቅዱሳን እዚኦም ምስጋድ ጌጋ እንተ ዝኸውን ኔሩ ስቕ ኢሎም ኣይምሓለፉን ኔሮም ተጋጊኹም ኣለኹም ምበልዎም ኔሮም፤ ኮይኑ ግን ኣይበልዎምን። ከምኡ’ውን ኣብ ግብሪ ሓዋርያት 14፡ 8-17 ከምዝተጠቕሰ ቅዱስ ጳውሎስን ብርናባስን ኣብ ልስጥሮን ደርቤን ዝተባሃለ ናይ ሊቃኣንያ ከተማታት ከባቢአን ናብ ዘለዋ ዓድታት ወንጌል ክምሕሩ ኣብዝኣተውሉ ግዜ ኣብቲ ኣከባቢ ሓደ እግሩ ዝለመሰን ካብ ማህጸን ኣዲኡ ጀሚሩ ሓንካስ ዝኾነ ሕሙም ቅዱስ ጳውሎስ ምስፈወሶ እቶም ህዝቢ ነዚ ጵውሎስ ዝገበሮ ምስረኣዩ ከም ኣማልኽቲ ጌሮም ስለዝቆጸርዎ ከምኡ’ውን ካብቶም ካህናት ከይተረፉ ኣራሑ ኣምጺኦም መስዋዕቲ ከቕርበሎም ከምዝተዳለዉ ምስ ሰምዑ ቅዱስ ጳውሎስን በርናባስን ክዳኖም ቀዲዶም እንዳ ኣእወዩ ናብቶም ማእከል ህዝቢ ከምዝጎየዩ ይነግረና። ስለዚ ኣብዚ ከምዝረኣናዮ ጻድቃን ሰማዕታት እቲ ንእግዚኣብሔር ጥራይ ዝግበር ናይ ኣምልኾ ክብሪ እቲ ህዝቢ ከቕርበሎም ምስ ሓሰበ ከምዝተቓወምዎን ከምዘይተቐብለዎን ንርኢ። ኮይኑ ግን ኣብቲ ናይ ጸጋ ስግደትን ናይ ኣኽብሮት ስግደትን ኣብ ዝግበረሎም ግዜ ተቓውሞ ኣየርኣዩን፤ ካብዚ ንርደኦ እንተሃለወ ምክብባር ግቡእ ከምዝኾነ እዩ። ስለዚ እንኳን’ዶ ንዝበቑዑ ቅዱሳን’ሲ ንኣብ ምድሪ ዝነብሩ ሺመኛታት እኳ ሰላምታ ክቀርበሎም ከሎ ቅንዕ (ግትር) ኢልካ ዘይኮነስ ብመጠኑ’ውን እንተኹነ ድንን ብምባል እዩ።
እግዚኣብሔር ንኩላትና ኣስተውዓሊ ልቢ ይሃበና !!!ኣሜን
ወስብሓት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክብር
ብቤት/ት/ ሰንበት ጽርሓ ኣርያም ቅድስቲ ስላሴ ዋሽንግቶን ድሲ ክፍሊ ትምህርቲ ዝተዳለወ።