ኣብዚ ዘመና ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ አምነትን ክሕደትን ክዛረቡ ንሰምዕ ኢና ግና ብንጹር ብዛዕባ ምእማን ምክሓድን ይፈልጡ እዮም ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እንግንዘቦ ሰባት ኣብ ሓደ ቦታን ብሓደ እንዳ ተቀመጡ ግና እግዚኣቢሔር ብሃዕባ ናይ ውሽጦም እምነትን ፍልጠትን ዝተላዕለ ዝተፈላለየ ስራሕ ክሰርሕ ንርኢ ኢና። ንኣብነት ቅዱስ ጳውሎስ ዝተጸዋዓሉ ትእምርትን ድምጽን “ንምንታይ ተሳድደኒ ኣሎካ” ዝበሎ። ቅዱስ ጳውሎስ ብምርኣይ መብረቅ ካብ ሰማይ ክወድቅ ከሎ፡ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባት፣ ነቲ ንሱ ዝምልሶ ዝነበረ ድምጺ ንስኻ መን ኢካ ዝብል ጥራይ እዮም ዝሰምዑ ንይሮም። ግሓ9፡5-8 ነብየ እግዚኣቢሔር ዳኒኤል “ነቲ ራኣዩ ኣነ በይነይ እየ ዝረኣኽዎ እቶም ምሳይ ዝነበሩ ሰባት ኣይረኣይዋን ግናኸ ዓቢይ ስምባድ ወዲቁዎም ክሕቡኡ ሃደሙ።” ዳኒ10፡7, ኤልሳዕ ዝርእዮ ዝነበረ ጊልያኡ ግን ስለ ዘይረኣዮም በቶም ኣብቲ ከተማ ከቢቦም ዝነበሩ ሰራዊት ምስ ፈረሐ “ካብቶም ምስኣቶም ዘለዉስ ምሳና ዘሎዉ ይበዝሑ እዮም እሞ ኣይትፍራሕ” በሎ። 2ይ ነገ6፡14-18 ካብዚ እንዕዘቦ ነገር እንተደኣ ኮይኑ ናይ እግዚኣቢሔር ስራሕ ምግላጽ ወይውን ድምጺ ምስማዕ ቀሊል ነገር ከምዘይኮነ እዩ ኣብዚ እምነት እዚ እውን እንክተሎ ስርዓት ኣምልኾ ይኩን ነገረ ቅዱሳን ስቅ ኢልካ በተሓሳስባ ስጋ ወይውን ብቤላቤሎው ወይውን ብሓደ ስለ ዘለኻን ኣብ ሓደ ደው ስለ ዝበልካን ብሓደ እምነት ስለዝተጸዋዕካ ጥራይ ዝፍለጥን ዝስማዕን ዝርከብን ኣይኮነን። ብሙሉ እምነት ብምሉእ ፍልጠት ብዘይ ጥርጥር ምቓም የድሊ ካልኣይ ከኣ ናይ እግዚኣቢሔር ህያብን ሕሬትን ክኸውን ኣሎዎ።

1 ቅዱስ

ቅዱስ ዝብል ቃል “ብዕብራይስጥ ቅዳሺ ብሱርሲት ቃዲህ ብዐብራኛን ብግእዝን ቅዱስ” ይብሃል። ትርጉሙ ካኣ ክቡር፣ ንጹሕ፣ ፍሉይ ማለት እዩ። እዚ ቃል እዚ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ዘገልግሎ ንእግዚኣቢሔር አምላኽ እዩ ። ናይ ባሕርኡ ስም እዩ፡ ናይ ባሕርኡ መግለጺ እዩ፣ ዝመስሎን ዝመዓራርዮን የብሉን። “ነዚ ቅዱስ አምላኽ ደኣ ምስ መን ከተመዓራርይዎ ኢኹም፣ ምስ መንከ ከተመሳስሉዎ ኢኩም፣” ኢሳ40፡25። “እግዚኣቢሔር ጎይታ ሰራዊት ግና ጽድቂ ብምግባር ዕቤቱ የርኢ፡ ንሕዝቡ ብምፍራድ ካኣ ቅድስኑኡ ይገልጽ። ሽዑ ኣብቲ ዝፈረሰ ከተማታቱ ዕያውቱ ኺጏሰያ እየን። መሓስእ ድማ ሳዕሪ ክረክባ እየን” ኢሳ5፡16።  “ኣነ ንዘለኣለም ዝነብር ልዑል ዕዙዝን ቅዱስን ዝስሙን እግዚኣቢሔር እየ። ኣብቲ ልዑልን ቅዱስን ስፍራ እነብር፡ ግናኸ ንቱሑታት ሕያውያን ክገብሮም፡ ነቶም ዝተጣዕሰ ልቢ ዘሎዎም ድማ ሕያውያን ክገብሮም፣ ምስቶም ዝተጣዕሰ ልቢ ዘሎዎም ን ትሑታትን ሰባት እነብር” ኢሳ57፡15። “እግዚኣቢሔር ጎይታ ሰራዊት ቅዱስ፣ ቅዱስ፣ ቅዱስ እዩ። ኩላ ምድሪ ብክብሪ ምሊኣ ኣላ” እና በሉ ይቀባበሉ ነበሩ ኢሳ6፡1-3። “ኣብ ቅዱስ ስሙ ስለ ዝተኣመና ብኡኡ ንሕጎስ ኣሎና” መዝ32,33፡21። “ቃልካን ስምካን ዓቢ ከምዝኮነ ኣርኢኻ ኢኻሞ ናብ ቅዱስ መቅደስካ ኣቢለ ክሰግድ ንስምካ ውን ስለ ምሕረትካን ሓቅካን ኢለ ከመስግኖ እየ” መዝ137-8፡2። “ኣነ ንእግዚኣቢሔር ኩሉ ግዜ ከመስግኖ እየ፡ ኩሉ ፉጡር ካኣ ንቅዱስ ስሙ ንዘላለም ኣለም ይመስገን” መዝ144-5፡21።

2 ቅዱሳን

እቲ ብባሕርዩ ቅዱስ ዝኮነ እግዚኣቢሔር ብረድኤት ዝሓደሮም ብጸጋ ዝዓደሎም መላእኽቲ ናይ ሃይማኖት ሰባት፣ ናይ እምነት ቦታታት፣ ዝኮኑ ቅዱሳን ይባሃሉ።

ቅዱሳን መላእክት

ቅዱሳን መላእክቲ ቅዱሳን ዝተባህሉ ምስቲ ቅዱስ አምላክ ምስተጣበቁ እዩ። እቲ ዝተጣበቁሉ መንገዲ ካኣ ስሙ ኣብ ሊዕሊኦም ስለ ዘሎ እዩ። ከምቲ ንሙሴ  ዝበሎ ስመይ ኣብ ሊዕሊኡ ኣሎ ኢሉ መንነት ናይቲ መልኣክን ተሰኪሙዎ ዘሎ ስም አምላኹ ከም ዝሓበሮ ንርኢ።

መላእክት ተፈጥሮኦም ከመይ እዩ፧

መዝ94፡4 “ንንፋሳት ልኡካትካ፡ ንሃልሃልታ ሓዊ ኣገልግልትኻ ገበርካዮም’’ ካብ ክልተ ፍጥረት ዝተፈጥሩ ረቀቅትን ቅልጥፋትን ሓያላትን እሳታውያን ምካኖም የረዳና። ቅዱስ ኤጲፋኒዮስ ኦክሲማሮስ ኣብ ዝተባህለ መጽሓፎም እግዚኣቢሔር ንመላእክት ብዕለት እሑድ(ሰንበት) ፈጢሩ ኣብ ሰለስተ ሰማያት (ኢዮር፡ ራማ፡ ኤረር) 100 ነገድ ጌሩ ፈጠሮም ማቴ18፡12። “እንታይ ይመስሎኩም ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ ሰብኣይ ካብአን ሓንቲ እንተ ጠፈኣቶ ነተን ተስዓን ትሻዓተን ኣብ ጎቦታት ሕዲጉ ነታ ዝጠፈአት ኪደሊዶ ኣይከይድን።” (99 መላእክት መበል 100 ነገድ ኣዳም) ሉቃ15፡8 “ወይስ ኣየነይቲ ሰበይቲ እያ ዓሰርቲ ቕርሺ ብሩር ዘሎዋ፡ ሓንቲ ቕርሺ ብሩር እንተ ጠፈኣታ መብራህቲ ዘይተብርህ ቤታውን ዘይትኩስትር ክሳዕ እትረክባ ኻኣ ኣጸቢቃ ዘይትደሊ።” (10 ከተማታት ከምዘለዎም ክዛረብ)

1 ኢዮር እግዚኣቢሔር ኣብ ኢዮር 40 ነገድ መላእክት ኣቀመጠ። ናብ 4 ክፊሉ ንኢዮር እውን ከም ደርቢ (ፓላሶ) ናብ ኣርባዕተ ከተማ ከፊሉ ኣቀመጦም 1ይ ከተማ 10 ነገድ ኣጋዕዝት ተባሂሎም ሳጥናኤል ሊቀ መላኣክት ኮይኑ ተቀመጡ ኔይሩ። 2ይ ከተማ 10 ነገድ ኪሩበል ኪሩብ ሊቀ መላእክት ኮይኑ ተቀመጠ። 3ይ ምከተማ 10 ነገድ ሱራፊኤል ሱራፊ ሊቀ መላእክት ኮይኑ ተቀመጠ። (ሕዝ10፡1 ንመልከት) ኣብ 4ይ ከተማ 10 ነገድ ሓያላት፡ ቁዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ኮይኑ ተቀመጠ። “ንሱ ናብ ሰማያት ዓሪጉ ኣብ የማን አምላኽ ኣሎ፣ መልእክትን ስልጣናትን ሓይልታትን ይዝኡዎ ኣሎዉ 1ይ ጰጥ3፡22። “ኣይፋለይን ኣነስ ሓለቃ ሰራዊት እግዚኣቢሔር ኮይነ ደኣ ሕጂ መጺአ ኣሎኩ” በሎ እያሱ5፡14። “ምመጀመርታ ግና እቲ ኣብ መጽሓፍ ሓቂ ዝተጻሕፈ እነግረካ ኣሎኩ፡ ነዚኣቶም ንምቍዋም ብዘይካ ሚካኤል እቲ መስፍን እስራኤል ሓደ እኻ ዘሓገዘኒ የብለይን፡ ነዓይ ዝሕግዘንን ዝከላከለለይን ሚካኤል እዩ ነቲ ሓቂ ከፍልጠካ እየ” በለኒ ዳን10፡21። “በቲ ዘመን እቲ ሚካኤል እቲ ምእንቲ ህዝብካ እስራኤል ዝከላከል ዓቢ መስፍን ክትንስእ እዩ”ዳኒ12፡1። “ግናኸ ሚካኤል ሊቀመላእክት ውን ብዛዕባ ሬሳ ሙሴ ምስ ዲያብሎስ ክከራከር ከሎ” ዩሁዳ9።

2 ራማ እግዚኣቢሔር ኣብ ራማ 30 ነገድ መላእክት ኣቀመጠ። ን3 መቂሉ ኣብ 3 ከተማታት ኣቀሚጡ 3 ሊቃነ መላእክት ኣቀመጠሎም። 1ይ ከተማ ኣርባብ ዝተባህሉ10 ነገድ ገበረ፣ ቁዱስ ገብሪኤል ሊቀ መላእክት ኮይኑ ተቀመጠ። 2ይ ከተማ መናብርቲ ዝተባህሉ 10 ነገድ ገበረ ቅዱስ ሩፋኤል ሊቀ መላእክት ኮይኑ ተቀመጠ። 3ይ ከተማ ስልጣናት ዝተባህሉ 10 ነገድ ገበረ፣ ሱርኤል ሊቀ መላእክት ኮይኑ ተቀመጠ (1ይ ጰጥ3፡22 ተመልከት)

3 ኤረር እግዚኣብሔር ኣብ ኤረር 30 ነገድ መላእክት ኣቀመጠ፡ ኣብ 10 ከተማታት ብ3 ሊቃነ መላእክት ኣቀመጦም። 1 ከትማ መኻንንት ሰዳከኤል ሊቀ መላእክት 2 ከተማ ሊቃነ ሰልታኤል ሊቀ መላእክት 3 ከተማ ነገደ መላእክት ኣናኒኤል ሊቀ መላእክት ኮይኖም ትቀሚጦም 1ይ ጴጥ3፡22።

ናይ ቅዱሳን መላእክት ኣገልግሎት

ቅዱሳን መላእክት ከም ሽሞም ተላእክቲ ኮይኖም ናይ እግዚኣቢሔር ልኡካት መልእክትን ትእዛዝን ንምብጻሕን ንምትግባርን ዝንቀስቃሱ ፍጡራት እዮም። “ዳኒኤል ኣነ ትርጉም ናይቲ ራእዩ ክገልጸልካ እየ መጺአ ዘሎኩ፡ ...ንሱ ኣዚዩ ይፈትወካ እዩ፡ ስለዚ ኸኣ እየ መልሲ ክነግረካ መጺአ ዘሎኩ”ዳኒ9፡22-23። እቲ ዝዓበየ ኣገልግሎቶም ንእግዚአብሔር ምምስጋን እዩ “እግዚአብሔር ጎይታ ሰራዊት ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ። ኩላ ምድሪ ኸኣ ብኽብሩ መሊኣ ኣላ።” ኢሰ6፡3 ራኢ4፡6-8

1 የድሑኑና “መልኣክ እግዚአብሔር ኣብ ዙርያ እቶም ዝፈርሕዎ ይሰፍር የናግፎም ከኣ” መዝ33-34፡7። “እስራኤል ዘስጋ ካብ ናይ ፈርዖን ሰራዊት” ዘጽ14፡19 “ንኣናንያ ንኣዛርያ ንሚሳኤል ካብ እቶን ሓዊ” ዳኒ3፡25.። “ዳኒኤል ካብ ኣፍ ኣናብስቲ” ዳኒ6፡22.። ንቅዱሳን ሓዋርያት ካብ ቤት ማእሰርቲ” ግሓ5፡19። “እግዚኣቢሔር መልኣኹ ሊኢኩ ካብ ኢድ ሄሬዶስን ካብቲ ሕዝቢ ኣይሁድን ዝጽበይዎ ዝነበሩ ኩሉን ከም ዘድሓነኒ ሕጂ ፈለጥኩ” በለ ግሓ12፡11።

2 ይረድኡና፣ እግዚኣብሔር ናይ ሰብ ድኻም ስለ ዝፈልጥ ንከረድኡዎ ቅዱሳን መላእክት ንሓገዝ ይልእኮም። “እምበኣር ኩላቶም መላእክት ነቶም ክድሕኑ ዘሎዎም ኪሕግዙ ዝለኣኩ ኣብ ኣገልግሎት እግዚኣቢሔር ዘሎዉ መናፍስቲ እዮም”ዕብ1፡14። “ነዚኣቶም ንምቁዋም ብጀካ ሚካኤል እቲ መስፍን እስራኤል ሓደ እካ ዝሓገዘኒ የብለይን። ነዓይ ዝሕግዘንን ዝከላከለለይን ሚካኤል እዩ” ዳኒ10፡21። “ዘበራትዖ መልኣክ ካብ ሰማይ ተራእዮ።” ሉቃ22፡43.። ጎይታ ዘበርትዖ ወይ ውን ዝድግፎ ዝደሊ ኣይኮነን፡ ከምቲ ኣነ መገድን ሓቅን ሕይወትን ኣነ እየ ዝበሎ፡ ኣብ እንጭነቀሉን እንጽልየሉን እዋን ንረድኤት ናባና  ከምዝለኣኩን ከምዝረድኡናን ክምህረና ደልዩ እዩ።

3 የማልዱልና እስራኤል ዘስጋ ብባቢሎናውያን ንሰብዓ ዓመት ኣብ ምርኮ ኣብ ዝነበርሉ ግዜ እቲ መልኣክ እግዚኣቢሔር “ኦእግዚኣቢሔር ጎይታ ሰራዊት፡ ነዘን ሰብዓ ዓመት ዝተቆጣዕካየን እዮርሳሌም ከተማታት ይሁዳን ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትመሕረን፧ በሎ።እግዚኣቢሔር ድማ ነቲ ምሳይ ዝዛረብ ዝነበረ መልኣክ ጽቡቅን ዘጸናንዕን ቃላት መለሰሉ።” ዘካ1፡12-17

4 ጾሎትና የዕርጉ ቄርኔሎዎስ ብእምነት ዝጸለዮ ጾሎትን ምጽዋትን ናብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዘብጻሃሉ መላኽ እግዚአብሔር እዩ፡ “ብታሽዓይቲ ሰዓት ናይ መዓልቲ ኣቢሉ ድማ ብግሁድ ትርኢት መልኣኽ አምላክ ናብኡ ኣትዩ ተራእዮ። ጾሎትካ ናብ ቅድሚ አምላክ ንመዘከርታኻ ዓሪጉ እዩ...” ግሓ10፡1-8። “...ካልእ መልኣኽ ውን ጽንሃህ ወርቂ ሒዙ መጸ እሞ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ደው በለ። ምስቲ ጸሎት ኩሎም ቅዱሳን ወሲኹ ኣብ ልዕሊ እቲ እብ ቅድሚ ዝፋን ዘሎ መሰውዒ ወርቂ ምእንቲ ኸወፍዮ ከኣ ብዙሕ ዕጣን ተዋህቦ። እቲ ትኪ ዕጣን ከኣ ምስቲ ጸሎት ቅዱሳን ኮይኑ ካብ ኢድ መልኣኽ ናብ ቅድሚ አምላክ ዓረገ።” ራኢ8፡1-4 “ያዕቆብ ኣብ ፍኖተ ሎዛ ዝረኣዮ መሳልል ንይ መልኣክቲ መውረድን መደየብን” ዘፍ28፡12 ንካህን ዘካርያስ ቅዱስ ገብሪኤል መልኣኽ “ጸሎትካ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ተሰሚዑ እዩ” ዝበሎ ናብ እግዚአብሔር ምቅራቡን ዘይምቅራቡን ዝፈልጦኮ ስርሖም ስለ ዝኮነ እዩ። ሉቃ1፡13 ማኑሄ ምስት መልኣኽ እግዚአብሔር ክዛረብ ድሕሪ ምጽናሕ “እቲ ሃልሃልታ ኻብቲ መሰውዒ ናብ ሰማይ ክድይብ ከሎ እቲ መልኣኽ እግዚአብሔር በቲ ሃልሃልታ መሰውዒ ዓረገ። ሽዑ ማኑኔ ንሱ መልኣኽ እግዚአብሔር ከም ዝኮነ ፈለጠ። ማኑኔ እግዚአብሔር ርኢናዮ እና እሞ ክንመውት ኢና በለ ንሳ ግን እግዚአብሔር ክቀትለና እንተ ዝደሊ ዝሓርር መስዋዕትናን መስዋዕቲ ብልዕናን ካብ ኢድና ኣይምተቀበለን፡ ብድሕሪ እዚ ንሳምሶን ወለዱ።’’ መሳ12፡1-መፈጸምታ

5 ይዋግኡልና ናይ ክርስቶስ ውግእን ቅልስን ምስ ናይ ስጋን ደምን ኣይኮነን ምስ ጸላኢ ሰናያትን ስራዊቱን ደኣ እንበር። ኤፌ6፡12 ስለ ዝኮነ ነዚ ናይ ጥንቲ ጸላኢ ሰብ ተዋጊኡ ከሕምቆ እንተኮይኑ ሓገዝ መላእክቲ ከድልዮ እዩ፣ ከመይ ንሳቶም ቀደም ተዋጊኦም ካብ ዝነበሮ ክብሪ ዘውረድዎን ዝደብረይዎን ስለ ዝኾኑ። “ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኮነ፡ ሚካኤልን መላእኽቱን ነቲ ገበል ተዋግኡዎ፡ እቲ ገበልን መላእኽቱን ተሳዕሩ ነቲ ኣብ ሰማይ ዝነበረ ቦቶኦም ኣጥፍኡ”ራኢ12፡7። “መልኣኽ እግዚኣቢሔር ናብ ስፍራ ኣሶራውያን ከይዱ ሚእትን ሰማንያን ሓሙሽተን ሽሕ ሰብኡት ቀተለ።” ኢሳ37፡36, ይሁዳ 9።

6 ይሕልውና ቅዱሳን መላእኽት ኣብ መንገድና ኩሉ ይሕሉውና።“...እከይ ዘበለ ኣይክረኽበካን ስቃይካ ውን ኣብ ቤትካ ኣይክቅርበካን እዩ። ኣብ እትኸዶ ኹሉ ክሕሉወካ እግዚኣቢሔር ንመልኣኽቱ ክእዝዘልካ እዩ። ንሳቶም ከኣ እግርኻ ብእምኒ ኸትይትዕንቀፍ በኣእዳዎም ክጸሩኻ እዮም” መዝ90,91፡10-12። “ኣብ መንገዲ ኽሕልወካ ናብቲ ዘዳሎኹዎ ቦታ ድማ ኸእትወካ፡ እንሆ ኣነ መልኣኽ ቀቅድመኻ ይልእኽ ኣሎኹ። ኣብ ቅድሚኡ ተጠንቀቕ ድምጹ ኸኣ ስማዕ። እምቢ ኣይትበሎ ሰመይ ኣብኡ ተሰምዩ እዩ እሞ በደልካ ኣይክሓድገልካን እዩ” ዘፅ23፡20። ሰራዊት ሶርያ ናብ ኤልሳዕ ሓደጋ ኵአድቁዎም ብለይቲ ሰረገላታት ገይሮም ምስመጹ ዝነበረ ኩነት “ኣየ ጎይታይ! እንታይ ክንገብር ኢና፧” ጊሊኡ በሎ። ኤልሳዕ ከኣ “ካብቶም ምስኦም ዘሎዉስ ምሳና ዘሎዉ ይበዝሑ እዮም እሞ ኣይትፍራሕ” በሎ። ኤልሳዕ ድማ “ኦ እግዚኣብሔር እልምነካ ኣሎኹ! ክርኢስ ኣዕይንቱ ክፈት” ኢሉ ጸለየ ኣብ ዙርያ ኤልሳዕ ዘሎ ኮሮቢት ናይ ሓዊ ኦፍራስን ሰረገላን መሊኦም ከም ዘሎ ረኣየ።” 2ይ መ.ነገ6፡13-17.። ንጻድቅ ሎጥ ናይ ሶዶም ሰባት ኣብ ገዝኡ ከቢቦምሉ ኣብ ዝነበርሉ ግዝየ ዝሓገዝዎ ቅዱሳን መላእክት እዮም። ዘፍ19፡1-28.። ብዛዕባ ሓለዋ ቅዱሳን መላእክት ክዛረብ ኮሎ “ ኣብ መደቀስየይ ኮይነ ነዚ ራእያት እዚ ኽሓስብ ከሎኹ ሓደ ሓላዊ መልኣኽ ካብ ሰማይ ኵአርድ ኮሎ ረኣኹ።” ዳኒ4፡13

7 ጠበቃ ይኮኑልና እዮም፣ ከምዚ ኣብ ትምቢት ዘካርያስ ተጻሒፉ ንርኦ ዘሎና መላእክቲ ጠበቃ ኮይኖም ምእንታና ደው ከምዝብሉልና የረድኣና፡  “-----እቲ መልኣኽ እግዚአብሔር ድማ ንሰይጣን ‘ኣታ ሰይጣን፣ እግዚአብሔር ይግናሕካ እቲ ንኢየሩሳሌም ዝሓረያ እግዚአብሔር ይግናሕካ እዚ ሰብ እዚ ካብ ሓዊ ኽም ዝተመንጠለ እያድ ዶ ኣይኮነን፧’በሎ ኢያሱ ረሳሕ ኽዳውንቲ ኻብኡ ኣልግስሉ’”በሎም። ንኢያሱ ከኣ “ረአ ኣበሳኻ ኣልገስኩልካ ብሉጽ ክዳውንቲ እውን ከደንኩኻ” በሎ ዘካ3፡1-መፈጸምታ። “መላእኽቶም ኣብ ሰማያት ኩሉሳዕ ገጽ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይይርእዩ ኣሎው እሞ ካብዞም ናኣሽቱ ንሓደ እኻ ከይትንዕቁ ተጠንቀቑ”ማቴ18፡10።

8 የጽንዑና እዮም ሰብ ክድሕን እንተ ኮይኑ “እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዘዕግስ ግና ንሱ ክድሕን እዩ ማቴ24፡13 ካብ ኩሉ ብኩሉ ዝመጽእ ፈተና ክይንወድቅ ዝሕግዝን ዘጽንዕን የድልየና እዩ፣ ከም ዳኒኤል ኣብ ትንቢቱ ዝበሎ። “ነዚኣቶም ንምቍዋም ብጀካ ሚካኤል እቲ መስፍን እስራኤል ሓደ እኻ ዝሕግዘኒ የብለይን። ንዓይ ዝሕግዘኒን ዝከላኸለለይን ሚካኤል እዩ።” ዳኒ10፡21

9 ይቆሙልና ኣብ ቅድሚ መፍርሕን መደንገጽን ዝኮነ መንበር ጎይታ ይቅምልና እዮም። “ኣነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቆይመ ዘገልግል ገብሪኤል መልእኽ እየ። ናባኻ ዝተላእኩ ከበስረካን ነዚ ነገር ክዛረበካን እየ።” ሉቃ1፡19 ገብሪኤል መልኣኽ ምስ ካህን ዘካርያስ ክዛረብ ከሎ። “በቲ ዘመን እቲ ሚካኤል እቲ ምእንቲ ህዝብካ እስራኤል ዝከላከል ዓቢ መስፍን ክትንስእ እዩ”ዳኒ12፡1።

10 ብንስሓ ደስ ይብሎም  ንሕና ናብ ንስሓ ክንመጽእ ከለና ካብ ሓጥያት ናብ ጽድቂ፣ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፣ ካብ ሞት ናብ ሕይወት፡ ክንሳጋገር ከለና ደስ ይብሎም እዩ። ከመይ ናብ ንስሓ ክንመጽእ ኣብ ሂወትና ንሶም እውን ቡዙሕ ስራሕ ስለ ዝሳተፉ ናይ ኣገልግሎቶም ፍረ ስለ እንኸውን። ኣብ ናይ ጎይታ ምውላድ እቲ ጥቅሚ ድሕነት ደቃ ኣዳም እዩ፣ እቶም ዝተሓጎሱ ግን መላእክትን ሰብን እዮም። ሉቃ2፡14 “ከምኡ ድማ ብሓደ ዝንሳሕ ሓጥእ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ አምላኽ ሓጎስ ከም ዝኮነውን እብለኩም ኣሎኹ” ሉቃ15፡10። “ከምኡ ከኣ ንስሓ ካብ ዘይደልዩ ተስዓን ትሽዓተን ጻድቃን ብሓደ ዝናሳሕ ሓጥእ ኣብ ሰማይ ዓቢ ሓጎስ ክኸአውን እዩ” እብለኩም ኣሎኩ ሊቃ15፡7። እዚ ቃል ጎይታ ዓለም ክርስቶስ ባዕሉ ዝተዛረቦ እዩ፣ እዚ ከኣ ርክብ መላእክትን ሰብን ማዕረ ክንደይ ጥቡቅ ምኻኑ እዩ ዘርእየና። “ብሞት ሓጥእ ዝሕጎስ ድዩ መሲሉኩም፣ ኣይፋልን ፍታወይሲ ሓጥእ ካብ ክፉእ መገዲ ክምለስ እሞ ብሕይወት ኪነብር እዩ። ኣነ ሉዑል እግዚአብሔር ተዛሪበ ኣሎኩ” ሕዝ18፡23። ፍታው አምላኽ ፍታው መላእኽትን ሓደ ካብ ኾነ ምስኦም ምፍታው ይበልጽ።

11 ይምግቡ ናእዮም  ይምግቡና እቲ ንሶም ዝምግቡና ግን ከምቲ ንሕና ንነብስና ፈቲናያ ኢልና እንምገቦ መግቢ ኣይኮነን እቲ ንሶም ዝምጉቡና መግቢ ናብ ቅድሚ አምላኽ ዘብጽሕ ንነዊሕ መዓልታት ዝጸንሕ እዩ። ከምቲ ነቡዩ እግዚኣቢሔር ኤልያስ ምስ ኤልዛቤል ምስ ተጻለአ ካብ ገጻ ክሃድም ኣብ ዝከደሉ ግዜ ኣብቲ በረኻ ሞት ኣብ ዝተመነየሉ ግዜን ሰዓትን መልኣኽ እግዚኣቢሔር መጺኡ ነቕኒቁ “ተንስእ እሞ ብላዕ” በሎ። ተንሲኡ እንተ ረኣየ ኣብ ትርኣሱ ዝተሰንከተ ቅጫን ማይ ዝሓዘ ሳርማን ጸነሖ በሊዑ ሰትዩ ደቀሰ። “እቲ መልኣኽ እግዚኣቢሔር ካኣ መልሱ ካልኣይ ሳዕ ነቕነቁ “ነዊሕ መንገዲ ኣሎካ እሞ ተንሲእካ ብላዕ” በሎ። ተንሲኡ በለዐ ብሓይሊ እቲ ብልዒ ክሳብ እምባ ሲና፣ እቲ እምባ ኣምላክ፣ ኣርባዓ መዓልትን ኣርባዓ ለይትን ከደ። መላእኽቲ ንስኻ ዘይትፈጦ መንገዲ ክንደይ ከምዝተረፍካ ይፈልጡ መብጺሒ ዝከውን ስንቂ ኣቀዲሞም የብሉዑ። 1ይ ነገ19፡1-8.።

12 የጻናንዑና እዮም ኣጋር ካብ ቤት ኣብርሃም ምስትፋነወት ዝነበራ ኣብ ብኤር-ሻባዕ ኮብለል ክትብል ከላ ምስ ወዳእቶ ሞት ወዳ ከይትርኢ ኣብቲ ዘጻናንዕ ሰብ ዘየብሉ ቦታን ግዝየን ንወዳ ኣብ እግሪ ኦም ኣብ ዝገደፈትሉ ኣሞ ኣብ ማዕዶ ኮይና እንዳ በከየት ኣብ እትርኤሉ ኣብ ዝነበረት ግዜ እዩ “መልኣኽ እግዚኣቢሔር ድማ ንኣጋር ካብ ሰማይ ጸዊዑ “ኣጋር እንታይ ኮይንኪ ኢኺ፧ አምላኽ ድምጺ እቲ ቆልዓ ኣብታ ዘሎዎ ኹሉ ሰሚዑዎ እዩ እሞ ኣይትፍርሒ።” ብምባል ዘጸናንዓ እቲ እትደልዮ ሃቡ ናይ መጻኢ ዘይትፈልጦ ዝነበረት ሂወት ነጊሩ ዘፈነዋ። ዘፍ21፡14-21 ያዕቆብ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ናብ ቤት ኣቡኡ ኣብ ዝምለሰሉ ዝነበረ ግዝየ ኣብ መንገዱ መላእኽቲ እዮም ዝረከበ። ያዕቆብ ምስረኣዮም “እዚ ሰራዊት አምላኽ እዩ” በለ። ነታ ቦታ እዚኣ ኽኣ “ማሃናይም” ኢሉ ሰመያ ዘፍ32፡1-3። ቅዱሳን መልኣኽቲ ነተን ንጎይታ ደልየን ዝጭነቃ ዝነበራ ኣንስቲ ኣበይ ከም ዘሎ ምስጠፈአን ከም ዝተንሰአ ዘበሰሩወን ንማርያም ተምበርኪካ ኣብ ዝበከየትሉ ግዜ ዘጻናንዑዋ ዝሓበሩዋን ቅዱሳን መልኣኽቲ እዮም ዮሓ20፡11-13, ማቴ28፡5-6,። ነታ ጽድቂ ደልያ መንግስተ አምላኽ ክትኣቱ ገጽ ክርስቶስ ክትሪኢ እትጭነቅ ዘላ ሰብነትና ማዕረ ክንደይ ሎሚ ብሓቂ ንጎይታ እንደሊና ዘየጻናንዑና። ከምቲ ንሰብ ገሊላ ምዕራግ ጎይታ እሪኡ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ንላዕሊ እንዳቃዕረሩ ከለው እቶም ምምጻእ ጎይታ ከመይ ከሙኻኑ ነታ ዘይፈልጡዎ ኣፍሊጥዎም እዩ፣ ስለ ምካዱ ንዝደንገጸ ልቦም ክመጽእ ምኻኑ ሓቢሩ ኣጸናኒዑዋም ግሓ1፡9-11.።