ኵሉ ብዝኃዘ ሰማይን ምድርን ዝረአን ዘይረኣን ብዝፈጠረ። ብሓደ ኣምላኽ ብእግዚኣብሔር ኣብ ነኣምን።

ብሓደ ጐይታ ብኢየሱስ ክርስቶስ፣ ዓለም ከይተፈጥረ ምስኡ ህልው ብዝኾነ ወልደ አብ ዋሕድውን ነአምን። ካብ ብርሃን ዝተረኽበ ብርሃን፣ ካብ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝተረኽበ ኣምላኽ፣ ዝተወልደ እምበር ዘይተፈጥረ። ብመለኮቱ ምስ ኣብ ማዕረ ዝኾነ። ኵሉ ብእኡ ዝተፈጥረ፣ ብዘይካኡ ግና ኣብዚ ምድሪ ዘሎ ይኹን ወይስ ኣብ ሰማይ ዘሎ፣ ምንም ዝተፈጥረ የልቦን። ምእንታና ምእንቲ ሰብ፣ ምእንቲ ምድኃንና ካብ ሰማያት ዝወረደ ። ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ ለበሰ። ሰብ ኮነ፣ ሰብ ኮይኑ ድማ ብዘመን ጴንጤናዊ ጲላጦስ ምእንታና ተሰቅለ፣ ሓመመ፣ መከራ መስቀል ተቐበለ፣ ሞተ፣ ተቐብረ። ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከም ዝተጻሕፈ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ካብ ምውታን ተፈልዩ ተንሥአ፣ ብኽብሪ ናብ ሰማያት ዓረገ፣ ኣብ የማን ኣቡኡ ተቐመጠ፣ ከም ብሓድሽ ንሕያዋንን ምውታንን ክፈርድ ብኽብሪ ክመጽእ እዩ። ንመንግሥቱ’ ውን መወዳእታ የብሉን።

ጐይታን መሕወይን ብዝኾነ ካብ አብ ብዝሠረፀ መንፈስ ቅዱስ ነኣምን፣ ምስ ኣብን ወልድን ንሰግደሉን ነመስግኖን። ንሱ አብ ነብያት ሓዲሩ ዝተናገረ እዩ።

ልዕሊ ዅሉ ብዝኾነት ናይ ሐዋርያት ጉባኤ ብሓንቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ነኣምን።

ኃጢኣት ንምስትሥራይ  ብሓንቲ ጥምቀት’ውን ነኣምን።

ትንሣኤ ሙታንን ነቲ ዝመጽእ ዘለአለማዊ ሕይወትን ብተስፋ ንጽበ።