በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን።  ነገረ ጥንተ ስቅለት ክርስቶስ መዓስ እዩ ፧  ꗺ  ጥንተ ስቅለት- መጋቢት 27፣ 34 ዓመተ ምሕረት፡ ብዘመን ጲላጦስ ጴንጤናዊ፡፡  ወላዲት ኣምላኽ ድንግል ማርያም ዕድመን ዓመተ ምሕረትን ዝዓረፈትሉ ክንደይን መዓስን ኔሩ ፧ ꗺ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብዚ ምድሪ..... Read More »

12 people found this faq useful.

ኦርቶዶክስ ዝብል ቃል መበቆሉ ካብ ግሪክ ኮይኑ፥ ካብ ውህደት ክልተ ቃላት ዝተርኽበ ቃል ኢዩ። ትርጉሙ ድማ፡ ኦርቶ (Ortho) ማለት ቅኑዕ፡ ትኽክል፡  ማለት ክኸውን ከሎ ዶክስ (Doxa) እምነት፡ ሃይማኖት ማለት ኢዩ። ስለዚ ኦርቶዶክስ ማለት ቅኑዕ እምነት፡ ሓቀኛ እምነት፡ ቅኑዕ ሃይማኖት ማለት ኢዩ።


468 people found this faq useful.

ጸሓይ ከይትኸይድ ኣዚዙ ጠጠው ዘበለ ኣቦ፥ ኣቦና ኢያሱ እዩ። እቲ ንጸሓይ ጠጠው ዘበለሉ ቦታ ከኣ <ጊብዖን>ይበሃል። ኢያ.10:12። ተመልከት።

ድኂሩ ኻልኦት ቅዱሳን፥ እኒ አቡነ ኣሮን፥ ቅዱስ ነኣኵቶ ለኣብ፡ አባ በርሶማ፡ አቡነ ዜና ማርቆስን ካልኦትን እውን ንጸሓይ ኣዚዞም እዮም ።


204 people found this faq useful.

ናይ ጾም ኣዋጅ ጀማሪኡ ባዕሉ ልዑለ ባህሪይ እግዚአብሔር ኣምላኽና እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ብምስሉን መልክዑን ገይሩ ሰብ ምስ ፈጠረ ንዕኡ ንወዲ ሰብ ዝሃባን ዝኣወጃን ናይ መጀመርታ ሕጊ እያ፡፡ እዚውን እግዚአብሔር ኣምላኽ በታ ሻድሻይቲ መዓልቲ ካብ ኣርባዕተ ባህሪየ ሥጋን ካብ ሓሙሻይ ባህሪየ ነፍስን ወሲዱ ብሸውዓተ ባህሪያት ህያው እስትንፋስ ዘለዎ ሰብ ምስ ፈጠረ፥ ውሉድነት ሂቡ ቀዲሱ ኣኽቢሩ ኣብ ገነት ኤደን ኣቀመጦ። ኣብዚ ብኸምኡ ስቅ ኢሉ ኣይሓደጎን እንታይ ደኣ፡ሕጊ ሠርዓሉ።እቲ ሕጊ÷ “ ካብ ፍረ እቲ ኣብ ገነት ዘሎ ኦም ኩሉ ብላዕ፥ ካብ ፍረ እታ ጽቡቅን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና፡ ካብኣ ዝበላዕካላ መዓልቲ ክትመውት ኢኻ እሞ ካብኣ ኣይትብላዕ። ” ትብል ነበረት። ዘፍ.2:16-17። እዛ ትእዛዝ ንግዜኡ ኣብ መንጎ ሰብን እግዚአብሔር ምልክት ነበረት። ንሱ ከኣ ናይ ፈጣርን ፍጡርን፥ ናይ ገዛእን ተገዛእን እተፍልጥ፥ንኣምላኹ ዝዝክረላ፥ ኣብ ልዕሊ’ዚ ድማ እታ ከይበልዓ ዝተነግረቶ ፍረ ኦም ካብቲ ካልእ ኣብ ገነት ዘሎ ኣእዋም ኩሉ ኣብ ብርኽ ዝበለ ልዑል ቦታ እያ ዝነበረት እሞ፥ በዚ’ውን ልዑል ንዝኾነ ባህረይን ክብረይን ኣይትመነ ክብሎ እዩ። ፍጻሜኡ ግና ካብ ኩሉ ፍረ እቲ ኣብ ገነት ዘሎ ብላዕ፥ ካብ ፍረ እታ ጽቡቅን ክፉእን እተፍልጥ ፍረ ኦም ግና ኣይትብላዕ ማለቱ፥ነፊግሉ ኣ ይኮነን፥ ንጾም ምእዋጁን ምስትምሃሩን ዘመልክት እዩ። ስለዚ ጾም ብባዕሉ ብናይ እግዚአብሔር ኣዋጅ ንደቂ ሰባት ዝተነግረትን ዝተሠርዐትን ናይ መጀመርታ ሕጊ እያ። ኣብቲ ዳሕራይ ዘመን ኣብ ሓድሽ ኪዳን፥ ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብፍቃዱን ብስምረት አብን መንፈስን ንዓና ንምድኃን ሰብ ኮይኑ ናብዛ ዓለም ምስ መጽአ’ውን መጀመርታ ዝሠርዓን ዝኣወጃን ሕጊ ንጾም እዩ ኔሩ። ከመይሲ ከምቲ መብልዕ ንኃጢኣት መገዲን መጀመርታን ዝኾነ ሓቀኛ ጾም ድማ ንጽድቂ ከሉ መጀመርታ መገዲ እዩ።


208 people found this faq useful.

  1. ኦ ኣቦይ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ሕደገሎም። ሉቃ.23:34።
  2. ኤሎሄ ኤሎሄ ላማ ሰበቅታኒ (ኣምላኸይ ኣምላኸይ ንምንታይ ሓደግካኒ?)። ማቴ,27:46።
  3. ሎሚ ኣብ ገነት ምሳይ ከም እትኸውን ብሓቂ እብለካ ኣለኹ። ሉቃ.23:43።
  4. ኣቲ ሰበይቲ እንሆ ወድኺ፥እንሃ ኣዴኻ። ዮሓ.19:26-27።
  5. ጸማእኩ። ዮሓ.19:28።
  6. ተፈጸመ ። ዮሓ.19:30።
  7. ኦ ኣቦይ! ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኣማዕቍባ ኣለኹ። ሉቃ.23:46።

እዞም ሸውዓተ ቃላተ መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዮም፥ ንዓና ነቶም እንድኅን ግና ኃይሊ ኣምላኽ እዮም። 1ቆሮ.1:18። ሓደ’ውን፥ “ ክርስቶስ ኣብ ዕጽ ሕይወት መስቀል ተሰቂሉ ኣድኂኑና እትብል እምነትናን ቃል ትምህርትናን ነቶም ዚጠፍኡ ዘይኣምኑ ዕሽነት እዩ፥ንዓና ነቶም ዝደሓና ግና ሓይልና ክብርና እዩ።” 1ይቆሮ.1:21-23።


180 people found this faq useful.

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፥ አሜን።

"ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም፡ ንሓደ ሓሙሽተ መክሊት፡ ንሓደ ኻልኣይ ክልተ፡ ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ ሂቡዎም ገሸ።" ማቴ. ፳፭፥፲፬-፵፮/ 25፥14-46

እዞም ኃሙሽተ፡ ክልተን ሓደን መክሊታት እንታይ እዮም ትርጓሜ ምልክቶም፧

መልሲ፡
ꗺ ነዚኦም ብሠለስተ ኣንድም ወይ ድማ ትርጓሜን ክንርእዮም ኢና፡፡

1. ቀዳማይ አንድም ፡ መዓርገ ክህነት የመልክት።

ꗺ ሀ. እቲ በዓል ኃሙሽተ መክሊት ሊቀ ጳጳስ እዩ ፥
1. አንብሮተ እድ ላዕለ ጳጳስ ፡ ኣብ ልዕሊ ጳጳስ ኢድ ምንባር
2. ሰይሜ ቀሲስ ፡ ካህን ምሻም
3. ሰይሜ ዲያቆን ፡ ዲያቆን ምሻም
4. ምሥጢረ ጥምቀት
5. ምሥጢረ ቍርባን ኸኣ ይፍጽም።

ꗺ ለ. እቲ በዓል ክልተ መክሊት ካህን እዩ።

1. ምሥጢረ ጥምቀት
2. ምሥጢረ ቍርባን ኸኣ ይፍጽም፡፡

ꗺ ሐ. እቲ በዓል ሠለስተ መክሊት ኸኣ ዲያቆን እዩ፥

1. ኣገልጋሊ፡ ተለኣኺ፡ ሓጋዚ ምሥጢራት ፈጻሚ ድማ እዩ፡፡

2. ካልኣይ አንድም፡

ꗺ ሀ. ኃሙሽተ መክሊት፡

1. አሚን ፡ ሃይማኖት ፡ እምነት
2. ፍሥሐ ፡ ሓጐስ ፡ ፍሥሓ
3. ምሕረት
4. ትዕግስት ፡ ትዕግስቲ
5. ተስፋ ዝኃዘ/ት፡፡

ꗺ ለ. ክልተ መክሊት፡

1. አሚን (ሃይማኖት፡ እምነት)
2. ፍሥሐ (ፍሥሓ) ዝኃዘ/ት፡፡

ꗺ ሐ. ሓደ መክሊት፡

1. እምነት ዝኃዘ/ት፡፡

3. ሣልሳይ አንድም፡

ꗺ ሀ. ኃሙሽተ መክሊት
1. ጥምቀት
2. ተአምኆ ኃጣውእ / ኃጢኣትካ ተኣሚኒካ/ኪ ምንሳሕን ምንባዕን/
3. ከዊነ ሰማዕት /ዅሉ ጊዜ እትገብሮ ብሰማእትነት ምሕላፍ /
4. ተባሕትዎ / ብሕትውና /
5. ምንኵስና ዝኃዘ/ት፡፡

ꗺ ለ. ክልተ መክሊት፡
1. ጥምቀት
2. ተአምኆ ኃጣውእ / ኃጢኣትካ ተኣሚኒካ/ኪ ምንሳሕን ምንባዕን/ ዝኃዘ/ት፡፡

ꗺ ሐ. ሓደ መክሊት
1. ጥምቀት ዝኃዘ/ት፡፡

"መኑ ውእቱ ገብርኄር?……… እቲ እሙንን ሕያዋይን ኣገልጋሊ መን እዩ?" ቅዱስ ያሬድ!

"ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝሰበክልኩም መራሕቲኹም ዘክርዎም፡፡ ከመይ ኢሎም ከም ዝነበሩን ከም ዝሞቱን ኣስተውዒልኩም ኣሰር ኣሰር እምነቶም ስዓቡ።" ዕብ ፲፫፥፯/13፥7

* ዲን. ማቴዎስ ክንፉ
matikinfu@gmail.com

፪ ሚያዝያ ፳፻፲ ዓመተ ምሕረት ( 10 ሚያዝያ 2018 ፈረንጂ)

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!


18 people found this faq useful.

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን::

መልሲ፡

ሀ.- ኣብ ሰሙነ ሕማማት፥ካህናት ኣቦታትና መስቀል ኣይሕዙን፡ ንሕና'ውን መስቀል ኣይንሳለምን፡፡ እዚ ድማ ኃይሊ ክብሪ መስቀል ዝተገልጸ መስቀል ትርጓሜ ሊቃውንት
መ= መከራ ፡
ስ=ስቅለት ፡
ቀ= ቀራንዮ ፡
ል= ልደት ፡ መስቀል መድኃኒት ነፍስና ዝኾነ ድኅሪ ሥቅለት ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ፥ እዞም ዅሎም ዚመፁ ድማ ድኅሪ ሥቅለት እዩ፡፡ ከምኡ ድማ እዛ ሰሙን ናይ ብሉይ ኪዳን ምሳሌ እየን፡ ኣብዚ ጊዜ'ዚ ኣገልግሎት መስቀል ኣይተጀመረን፡ ከም ናይ መወዳእታ ፍርዲ መቅጻዕቲ ደኣ ይጥቀምሉ ነበሩ።

ለ. -ኣብ ሰሙነ ሕማማት፥ ንስሓ ኣይወሃብን፡ ዝተወልደ ሕፃን ክርስትና ኣይለዓልን ማለት ጥምቀት ኣይጥመቅን፡ዝሞተ ሰብ ዋላ ጸሎተ ፍትሓት ኣይግበረሉን፡ ጸሎተ ፍትሓት ኣብ ሆሳእና ሰንበት ዝተገብረ ንሰሙን ምሉእ የገልግል፡ ስለዚ ኣብ ሕማማት ጊዜ ፍትሓት ኣይግበርን።

ሐ. -ኣብ ሰሙነ ሕማማት፥ ኣብዚ ግዜ'ዚ ንጽልዮም ጸሎታት ነብጽሖም ቅዱሳን መጻሕፍቲ ውዳሴ ማርያም፡መዝሙረ ዳዊት፡ሕማማተ መስቀል፡ድርሳነ ማኅየዊ፡ መልክዐ ሕማማት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ እምበር ካልኦት ድርሳናት ገድልታት መልክዐ መልክዕ ኣይድገምን፡፡ ጸሎተ ሃይማኖት ከማን ክንጽልይ ከለና ጸሎተ ሃይማኖት ኢልና ጀሚርና "በመዋዕለ ጲላጦስ ጴንጤናዌ ሐመ" ኢልና ነቋርጽ፡ ዓርቢ ምሸት ድማ "ወሞተ ወተቀብረ" ኢልና ነቋርጽ፡ ካብ ቀዳም ፍርቂ ለይቲ ንደሓር ክሳዕ ፍጻሜ ንደግሞ።

መ. -ኣብ ጊዜ ሕማማት ሙሉእ ሰሙን ብዘይካ ኃሙስ ጽግቦ ስጋብ ሕጽበተ እግሪ ይስገድ እዩ። ኣብ ቤተ ክርስትያና ኣብ ዝመጸት ወርኂ ዘይስገደለን በዓላት ኣለዋ ንሳተን ድማ፥
1.ቀዳመ
2.ሰንበት
3.ብ12 ዕለት ቅዱስ ሚካኤል፡
4.ብ21 በዓለ ማርያም
5፡ ብ 29 በዓለ እግዚአብሔር እየን፡ ኣጋጣሚ ኣብዘን በዓላት ሕማማት እንተበዓለ ኣብዚ ጊዜ'ዚ ይስገድ እዩ፡ ከመይ ምስ ንብል ሰሙነ ሕማማት ኣብ ዓመት ሓንሳእ እዩ ዝመጽእ ካብ ሰሙነ ሕማማት ዝዓቢ ነገር ድማ የለን፡፡ ከም መቐጻልታ እዚ’ውንውሳኔ ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ብዕለት 9 ጥቅምት 2008 (20 ጥቅምቲ 2015 ፈረንጂ) ዓ.ም. ደጊምውን ብ24-25 ግንቦት 2008 ዓ.ም. ( 1- 2 ሰነ 2016 ፈረንጂ) ዝተቓንዐ ምልኣተ ኣባላት ዝነበሮ ጉባኤ፡ ብጉባኤ ሊቃውንት ንዝቐረበሉ ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን ዝምልከቱ ሾብዓተ ኣርእስቲ መርሚሩን ኣመኃይሹን ብምጻድቕ ነቶም ኣንቀጻት ብዝግባእ ኣብ ኣብያተ ክርስቲያን ክትግበር ውሳኔኡ ሂቡ ኔሩ። እቶም ኣንቀጻት ድማ፥ 1. ሥርዓተ ቅዱስ ቍርባን ዝምልከት፡ 2. መንጦላዕት ቤተ መቅደስ ዝምልከት፡ 3. ኣልባሳትን ኣለባብሳን ውሉደ ክህነት ዝምልከት፡ 4. ኣቃውማ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ዝምልከት፡ 5. ኣፈጻጽማ ቃል ኪዳን መርዓውቲ ዝምልከት፡ 6. ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዘሎ ምንባባትን ግእዛዊ ኣገልግሎትን ዝምልከት፡ 7. በዓላት ኣብ ሰሙነ ሕማማት ዘተኮሩ ነበሩ፡፡ በዓላት ኣብ ሰሙነ ሕማማት ንዝብል ኣንቀጽ ዝሃቦ ውሳኔ ድማ፡ "በዓላት ኣብ ሰሙነ ሕማማት፦ኣብ ውሽጢ ሰሙነ ሕማማት ከም በዓለ መድኃኔ ዓለም፣ በዓለ እግዚአብሔር፣ በዓለ ማርያም፣ በዓለ ቅዱስ ሚካኤል . . . ዝኣመሰሉ ዓበይቲ በዓላት ኣብ ዝውዕሉሉ ኵሉ ሳዕ ኪስገድ ከምዘለዎ ቅዱስ ሲኖዶስ ውሳኔኡ ሂቡ ኣሎ።" መደምደምታ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ እዚ መምርሒ’ውን ኣብ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ብብዝኂ ሕዝቢ ኣብ ዝእከበሉ ዓበይቲ በዓላትን ክንበብን ብመምህራን ዝግባእ ኣስተምህሮ ክወሃብ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ግብሪ ክውዕልን ኵለን ኣብያተ ክርስቲያን ንትግባረኡ ብጽኑዕ ክቈጻጸራን ለበዋኡ ኣመኃላሊፉ።

ሠ. -ኣብ ሰሙነ ሕማማት፥ ምስዕዓም ኣይፍቐድን፡፡ እዚ ድማ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ንክርስቶስ ከትሕዞ ከሎ እንዳሰዓመ ስለዘትሓዞ ንሕና ድማ ኣብ ናይ ይሁዳ ኅብረት ኣይንኃብር ክንብል ኣይንሰዓዓምን ኢና። ከምኡ ድማ ብትእምርተ መስቀል ኣይነማዕትብን ኢና።

ረ. -ኣብ ሰሙነ ሕማማት ኣዕዚዝና ንጸውም ካብቲ ኣብ ጾመ ኣርብዓ ኣዕዚዝና ንጸውም ኣዕዚዝና ንጽሊ ስግደት ኣዕዚዝና ንሰግድ ንጽሊ።

ሰ. -ናይ ሰሙነ ሕማማት ሥርዓት ጾም ካብቶም ዝሓለፉ ናይ ጾም 40 ሰሙናት ቁሩብ ፍልይ ዝበለ እዩ፡ ክሳብ ከዋኽብቲ ሰማይ ዝመልኡ (7:00 ናይ ምሸት) ንጸውም። እቶም ዝኸኣሉ ግና ኣብ መበል 2ይ መዓልቲ መግቢ ይምገቡ። እዚ ማለት ድማ ሰኑይ እንተ ዘይጠዓሙ ሰሉስ ምሸት 7፡00 ሰዓት ይምገቡ። ሰሉስ ዝበልዑ ድማ ክሳብ ምሸት ሓሙስ ብምጻም ይምገቡ። ካብ ሓሙስ ድማ ክሳብ ቀዳም ለይቲ (ትንሣኤ) ኣኽፍሎት ብምግባር (ምጥላቅ) በዓል ትንሣኤ የኽብሩ ። ኣኽፍሎት/ምጥላቅ ማለት ድማ ካብ ኃሙስ ምሸት (ንዘይከኣሉ ድማ ካብ ዓርቢ ምሸት) ክሳብ ቀዳም ለይቲ (ትንሣኤ) ብጾም ምጽናሕ ማለት ይኸውን። ነዚ ዝጀመሩ ድማ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም፡ ቅዱስ ዮሓንስን፣ ቅዱስ ያዕቆብን "ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ክሳብ ዝትንሥእ እኽሊ ኣይንጥዕምን!" ኢሎም ስለ ዝጾሙ እዩ።

ካብቲ ብዙኅ ብውሑዱ እዚ ይመስል ዝጐደለ ዝነጠበ ብኢድ ትጉኃን መላእኽቲ ይኣርመልና ኣሜን፡ ሠናይ ናይ ሰሙነ ሕማማት ጊዜ ይግበረልና።

* ዲን. ዳንኤል ኣብርኃም
* ዲን. ማቴዎስ ክንፉ

matikinfu@gmail.com

ዘሰሙነ ኒቆዲሞስ!

፴ መጋቢት ፳፻፲ ዓመተ ምሕረት ( 8 ሚያዝያ 2018 ፈረንጂ)

" ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝሰበክልኩም መራሕቲኹም ዘክርዎም፡፡ ከመይ ኢሎም ከም ዝነበሩን ከም ዝሞቱን ኣስተውዒልኩም ኣሰር ኣሰር እምነቶም ስዓቡ። " ዕብ ፲፫፥፯/13፥7

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ።
ወለወላዲቱ ድንግል።
ወለመስቀሉ ክቡር።


43 people found this faq useful.

እወ፥ እግዚአብሔር ወልድ ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ካብ ኣቦ ብዘይ ኣዶ ካብ ናይ ባህሪይ ኣብኡ ካብ እግዚአብሔር ኣብ ዝተወልዶ ልደት፥ ዳሕራይ ንዓና ንምድኃን ናብዛ ዓለም መጺኡ ድማ ካብ ኣደ ብዘይ ኣቦ ዘርኢ ምኽንያት ከይኮኖ ብግብረ መንፈስ ቅዱስ ካብታ ኩሉ ግዜ ድንግል ዝኾነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንዝተወልዶ ልደት፥ ክልተ ልደት ንኣምን።

እቲ ቀዳማይ ልደት መጀመርታን መወዳእታን የብሉን። ምኽንያቱ ብባህሪኡ ወልድ ስለዝኾነ። ስለዚ ካበይ ጀሚርና

ቀዳማይ ልደቱ ከነብዕል᎒ ከመይሲ ቀዳማይ ልደቱ ዝፈለጥና ብካልኣይ ልደት በቲ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብዝተወልዶ ካልኣይ ልደት እዩ እምበር ቅድሚኡ ብሰብ ወገን ዝተፈልጠ ኣይነበረን።፥ <ልደት ቀዳማዊ ተዐውቀ በዳኅራዊ> ከምዝበሎ። እቲ ካልኣይ ልደቱ ግና መወዳእታ ደኣ ኣይሃልዎ እምበር በቲ ዘመን ዝቁጸረሉ ዝተወሃሃዶ ሥጋስ መጀመርታ ኔርዎ እዩ። ስለዝኾነ ብኻልኣይ ልደቱ ሓደ በዓል ነብዕል።

እግዚኣብሔር ወልድ ኣብቲ ዳሕራይ ዘመን ብዝተፈልየ ኣካሉ ናብዛ ዓለም መጺኡ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ወሲዱ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ኮነ። ኣቀዲሙ ክልተ ኣካል ክልተ ባህሪይ ዝነበረ፥እዚውን ቅድሚ ሰብ ምዃኑ ከሎ ኮይኑ ኣካለ መለኮት ኣካለ ሥጋ፥ ባህሪየ መለኮት ባህሪየ ሥጋ እዩ። እዚ ሰብ ድሕሪ ምዃኑ ብተዓቅቦ ሓደ ኣካል ሓደ ባህሪይ ኮነ፥ ክልተ ልደት እውን ኢልና ኔርና። እዚ’ውን እቲ ቀዳማውነቱ ከይለቀቀ፥ እቲውን ዳኅርነቱ ከይለቀቀ ብተዓቅቦ ሓደ ኮይኑ እዩ። ናይ ቅድስት ቤተ  ክርስትያና እምነትን ትምህርትን÷ ኣምላኽ ሰብ ኮነ፥ሰብ ኣምላኽ ኮነ፥ ሓደ ኣካል ሓደ ባህሪይ ኮነ፥ ወልደ ኣብ ወልደ ማርያም ክልተ ልደቱ ብተዋህዶ ከበረ፥ ብተዋህዶ ንአብ ናይ ባህሪይ ወዱ ኮነ ዝብል ቅዱስ ምስክርነት እዩ። ምእንቲ’ዚ ቀዳማዊን ዳኅራዊን ልደት ብተዋህዶ ዝኸበረ ሓደ እዩ እሞ ሓደ ጌርና ነብዕሎ።

ኣብዚ ብዝኾነ መለክዒ ምብልላጽ የልቦን ሓደ እዩ። ከምቲ እግዚአብሔር ወልድ ብሥጋ ወዲ ኣዳም፡ ብመለኮቱ ወዲ ኣምላኽ ብምዃኑ፥ ነቲ ሓደ እንሰግደሉ ነቲ ሓደ ዘይንሰግደሉ ዘይኮነስ፡ ሓደ ስግደት እንሰግደሉ፥ እዚ ናይ ልደት ነገር እውን ተመሳሳሊ ከምኡ (ሃይ•ኣቦው ምዕ23:3)። ሓደ በዓል ስለዝገበርና እዚ ናይቲ ቀዳማይ እዚ ናይቲ ካልኣይ ልደት እዩ ኢልካ ዝፍለ ኣይኮነን። ከመይሲ ኣብ ነገረ ተዋህዶ ተፋልሶ ስለዘምጽእ። ንዓና ንምድኃን ሰብ ዝኾነ ወልደ እግዚኣብሔር፥ ኣካሉ፡ ባህሪኡ፡ ልደቱ ብተዋህዶ ሓደ እዩ። እወ እቲ “ ብሥጋ ሰብ ተገልጸ፥ ብመንፈስ ጸደቀ፥ ብመላእኽቲ ተራእየ፥ ኣብ መንጎ ኣሕዛብ ተሰብከ፥ ኣብ ዓለም ተኣመነ፥ ብኽብሪ ዓረገ። ”ዚብል ናይ እምነትና ምሥጢር ብርግጽ ዓቢዪ እዩ። 1ጢሞ.3:16።


163 people found this faq useful.

ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ዓመት ዘለዋ ኩለን በዓላት ብድምር 33 ኢየን። ተኣምረ ማርያም ከምዝሕብሮ  ዕለት ፳፩(21) ወርሓዊ በዓል ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኢዩ። ኣብ ዓመት ዓሰርተ ክልተ ኣዋርሕ ኣለዋ። በብወርሑ ዕለት ፳፩(21) በዓለ ማርያም ይኽበር። ኣብዘን ፲፪(12) ወርሒ ፲፪(12) ወርሓዊ በዓላት ኣለዋ።

፯(7) ነሓሰ ዝተጸንሰትሉ

፲፮(16) ነሓሰ ፍልሰታ /ፍልሰተ ሥጋሃ። እዚ ካብ ፲፮-፳፩(16-21) ከም ትንሳኤ ወዳ የክብርዎ ኢሉ ይእዝዝ። (5 መዓልቲ)

፲(10) መስከረም በኣተ ሥዕላ

፮(6) ሕዳር ናብ ደብረ ቁስቋም ዝተወትሉ

፳፩(21) ሕዳር ዘካርያስ ዝተተኽለ ብርሃን ዝረኣየሉ (ኣብ ወርሓዊ ቁጹር ኢዩ)

፫(3) ታሕሣሥ ናብ ቤት መቕደስ ዝኣተወትሉ

፳፩(21)ን ፳፪(22) ታሕሣሥ ደቅስዮስ ኤጲስ ቆጶስ በዓል ዝገበረሉ ( 1 መዓልቲ)

፳፰(28) በዓለ ጌና

፳፱(29) ታሕሣሥ ንጎይታ ዝወለድትሉ

፳፩(21) ጥሪ ዕረፍታ (ኣብ ወርሓዊ ቁጹር ኢዩ)

፲፮(16) የካቲት ቃልኪዳን ዝተቐበለትሉ

፳፱(29) መጋቢት ንጎይታ ዝፀነሰትሉ

፩(1) ግንቦት ልደታ

፳፩(21) ግንቦት ደብረ ምጥማቅ (ካብ ፳፩-፳፭(21-25) ግንቦት) (4 መዓልቲ)

፰(8) ሰነ ወዳ ንድዉያት ፈውሲ ዝኸውን ካብ ከውሒ ማይ ዘፈልፈለሉ

፳(20) ሰነ ህንጸተ ቤታ

፳፩(21) ቅዳሴ ቤታ (ኣብ ወርሓዊ ቁጹር ኢዩ)


285 people found this faq useful.