ብናይ ካህናት ጸሎት ምኽንያት ንሓደ ሕሙም ሰብ ኣብ ሰለስተ ወገን ኣካላቱ ክፍሊ ብዝተቐደሰ ዘይቱ ብምቕባዕ ዝፍጸም ሥነ-ሥርዓት ቀንዴል ይበሃል፡ እዚ ምሥጢር’ዚ ግን ካብ ካልኦት ምሥጢራት ብኽልተ ወገን (ኩነታት) ዝተፈልየ እዩ።

ቀዳማይ መፍለይኡ እዚ ምሥጢርዚ ዝፍጽሞ ኣገልግሎት ብፍላይ ንዝሓመሙ ሰባት ምዃኑ እዩ፡ ካልኣይ መፍለይኡ ድማ ናይ’ዚ ምሥጢር’ዚ ኣገልግሎት ውጺኢት ክልተ እዩ፡ እዚ ማለት ከኣ ንሕሙም ናይ ሥጋ ፈውስን፡ ናይ ኃጢኣት ሥርየትን ዝህብ ምዃኑ እዩ።

ሕሙም ቅብኣ ቅዱስ ዝቕበኣሉ ቦታ ቀዳማይ ኣብ ግንባሩ ንሱ ናይ ሓሙሽተ ሕዋሳት ማእከላይ ስለ ዝኾነ ናይ ምሕዋስ ኃይሊ’ውን ኣብኡ ስለ ዘሎ፡ ካልኣይ ኣፍ ልቡ። ኣብኡ ልቢ ብምህላው፡ ሳልሳይ ኣእዳዉ እዚ’ውን ዝኾነ ሥራሕ ንምሥራሕ ዝንቀሳቐሱ ብምዃኖም እዩ፡ ኣብ’ዞም ሰለስተ ክፍሊ ኣካላትና ቅብዓ ቅዱስ ምቕባዕ ዘድለየ ብሓደ ወገን ትእምርተ መስቀል ክኸውን ከሎ፣ ካልኣይ’ውን ዘርክስ ቁስሊ ካብኣቶም ስለ ዝወጽእ እሞ ንዕኡ ንምንጻኅ ተባኂሉ እዩ። ኣሰራርሕኡ ብግልጺ’ኳ እንተ ዘይተነግረ፣ ናይዚ ምሥጢር እዚ መስራቲ  ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። (ማር. 6፡7)። ዓሰርተ ክልተ ሓዋርያት ናብኡ ጸዊዑ በብኽልተ ገይሩ ለኣኾም፡ ኣብ ልዕሊ ርኹሳት መናፍስቲ’ውን ሥልጣን ሃቦም ምስ በለ ካብ ቁጽሪ 12-13 ከኣ ንሳቶም ካብኡ ከይዶም ንኹሉ ሰብ ንስሓ ንኽኣቱ ሰበኹ፡ ብዙሓት ኣጋንንቲ’ውን ኣውጽኡ፡ ንብዙሓት ሕሙማት ሰባት ድማ ዘይቲ እናቐብዑ ፈወሱ። ብምባሉ ናይ ምሥጢረ ቀንዴል ኣጀማምራ ኣንፊ እኳ እንተ ኅበ፡ ኣሰራርሓ ግን ብግልጺ ኣየርኣየን።

ኣብ ሓደ ቦታ ዘይተመልኣ ኮይኑ መሊሱ ዝርኣ ኣብ ካልእ ቦታ ግን ተመሊሱ ምርካቡ፡ ብናይ እግዚአብሔር መንፈስ እናተመርሑ ዝተጻሕፉ ናይ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣሰራርሓ ብምዃኑ ናይ ምሥጢረ ቀንዴል ኣሰራርሓ ብግልጺ ከረድእ ሓዋርያ ቅዱስ ያዕቆብ ከምዚ ይብል፡ “ካባኻትኩም ዝሓመመ ሰብ እንተሎ ናይ ቤተ ክርስቲያን መራሕቲ ማለት ካህናት ናብኡ ይጸውዕ እሞ ንሳቶም ብስም ጐይታ ነቲ ሕሙም ዘይቲ ቐቢኦም ይጸልዩሉ፡ እታ ብእምነት ዝተገብረት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተሕውዮ እያ፡ ጐይታ’ውን ከተንሥኦ እዩ፡ ዝሠርሖ ኃጢኣት እንተሎ’ውን ኪሕደገሉ እዩ።” ይብል (ያዕ. 5፡14-15)።

“ወበ ፲ ሰዓት መዓልት ይጼልል መንፈስ ቅዱስ ላዕለ ማያት ወይጎይዩ አጋንንት ወይሴስሉ እምነ ማያት፡ ወሶበ ጸለለ ላዕለ ማያት በዛቲ ሰዓት ኩሎ ዕለተ እምኢኩለ መኑሂ ሰትዮቶ ለማይ ወእማሰነ ሥጋሁ እምሃበ አጋንንት እኩያን፡ ወሶበ ኢጸለለ ላዕለ ማያት በዛቲ ሰዓት ኩሎ ዕለተ እሚክህለ መኑሂ ሰትዮቶ ለማይ ወእማሰነ ሥጋሁ እምሃበ ኣጋንንት እኩያን፥ ወሶበ ነስአ ካህን ማየ በዛቲ ሰዓት ወቶስሐ ምስሌሁ ዘይተ ቅዱሰ ወቀብአ ቦቱ ዱዉያነ ወእለ ቦሙ መናፍስት ርኩሳን ይትፌወሱ እምደዌሆሙ” ኣብ ዓስራይ ሰዓት ናይ መዓልቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝንቢ እሞ አጋንንቲ ካብ ማያት ሃዲሞም ይእለዩ በታ ሰዓት እቲኣ መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ እንተ ዘይዝንቢ ኔሩ ግና ኩሉ ፍጡር ሥጋዊ ንማይ ክሰትዮ ኣይምኸአለን፡ ብናይ እኩያን አጋንንቲ ምምራዝ ሥጋኡ ምተበላሸወ ኔሩ። ካህን በዛ ሰዓት እዚኣ ማይ ቀዲሑ ቅዱስ ቅብዒ ዘይቲ ሓዊሱ ንሕሙማት እንተ ቐብኤ፡ ርኹሳት መናፍስቲ ዝሓደርዎም ድውያን ካብ ደዌኦም ይፍወሱ።

“ወበ ፯ ሰዓት ሌሊት ትትቄድስ ምድር ወየሐውር ዲቤሃ እግዚኣ መናፍስት፡ ወበዛቲ ሰዓት ሶበ ነስአ ካህን ወቶስሐ ዘይተ ቅዱሰ ምስሌሁ ወቀብአ ቦቱ ድውያን እምተፈወሱ እምደዌሆሙ ወእምኖሙ እለኢይነውሙ፡” ኣብ ሻብዓይ ሰዓት ናይ ለይቲ ጐይታ መናፍስቲ ኣብ ልዕሊኣ ስለ ዝንቀሳቀስ ምድሪ ትቕደስ፡ በዛ ሰዓት እዚኣ ካህን ማይ ቀዲሑ ምስኡ ዘይቲ ሓዊሱ ንሕሙማት እንተ ዝቐብዕ ሕሙማት ካብ ሕማሞም ምተፈወሱ። እቶም ዘይድቅሱ ድማ ምደቀሱ ይብል። ነዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምሥጢር ዘይኣምኑን ዘይቅበሉን ሰባት ካብ ዘቕርብዎ ተቓውሞ እዚ ዝስዕብ ይርከብ። ሓዋርያ ቅዱስ ያዕቆብ ዘቕረቦ ናይ ዘይቲ ምቕባዕ ጉዳይ ብወንጌል ዝተነግረ ንሕሙም ዘይቲ ብምቕባዕ ዚግበር ናይ ምፍዋስ ተኣምር ከም ሓደ ቀሊል ነገር ደኣሉ እምበር ምሥጢር ኣይኮነን ይብሉ።

ንሳቶም ከም ዝብልዎ ሓዋርያ ቅዱስ ያዕቆብ ዝጠቐሶ ናይ ዘይቲ ምቕባዕ ጉዳይ ከም ማንም ቀሊል ነገር እንተ ዝኸውን ነይሩ ንምንታይ ደኣ ንኻህናት ምጽዋዕ ኣድለዮም፡ ኣብ ርእሲ እዚ’ውን ናይ ካህናት ቀንዲ ሥራሕ ዝኾነ ናይ ኃጢኣት ምስትሥራይ ጉዳይ ንምንታይ ኣብዚ ምጥቃስ ኣድልዩ።

ካልኣይ’ውን ናይ ዘይቲ ምቕባዕ ሥራሕ ከም ካልኦት ናይ ቤተ ክርስቲያን ምሥጢር ምቑጻር ካብ ኮነ ካልኦት ናይ ቤተ ክርስቲያን ምሥጢራት ውጽኢት ከም ዝርከቦ ዝእመን ከም ምዃኑ ንምንታይ ደኣ በዚ ምኽንያት እዚ ቅብዓ ቅዱስ ዝተቐብዓ ኩሉ ሕሙም ካብ ሕማሙ ዘይፍውስ ኢሎም የሓቱ።

ዝተቐብአ ዝኾነ ኩሉ ሕሙም ብዘይ ምፍዋሱ ምሥጢርነቱ ዝከሓድ ኣይኮነን፡ ምናልባሽ መታን ሥርየት ሓጢኣት ንምርካብ ካብ ሕማሙ ንምፍዋስ ዘየድሊ ክኸውን ይኽእል፡ ወይ ድማ ጐይታ ባዕሉ ዝፈልጦ ካልእ ምኽንያት ክህሉ ይኽእል። ንምሳሌ ምሥጢረ ቁርባን ሥርየት ኃጢኣትን ዘለዓለማዊ ሕይወትን ዘውህበና ምዃኑ ዚእመን ክኸውን ከሎ፣ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ ኣብ ዝለኣኾ መጀመርታ መልእኽቱ 11፡30። “ካባኻትኩም ብዙሓት ዝደኸሙን ዝሓመሙን ሓደ ሓደ’ውን ዝሞቱ ናይ  ጐይታ ሥጋን ደምን ብምቕባሎም እዩ ኢሉ ገለጸሎም፡ ይብል። እዚ ዘረድኣና ከም ኩነታት ኣመጻጽኣ ጠቓሚ ነገር’ውን ጎዳኢ ዝኾነሉ ወይ ከኣ ጥቕሚ ዘይህበሉ ግዜ ምህላዉ እዩ።

ምንጪ
ሥነፍጥረት ምስ ሓሙሽተ ኣእማደ ምስጢር
ሸውዓተ ምስጢራተ ቤተክርስቲያን ምስ ሓጺር ሓተታ ንዛዕባ እምነትን ግብርን
ኣድላዊ፥ ኣባ ወልደገብርኤል ቀሺ ብርሃነ 2007