ብሓድነት ንምውሃድን ናይ መውስቦ ሕጊ ንምግብርን ናብ ቤተ-ክርስቲያን ከይዶም ቃል ኪዳን ንዝኣትዉ መርዓ’ውን መርዓትን ብካህን ዝፍጸም ጸሎት ዝወሃብ ናይ ቡራኼ ሥነ-ሥርዓትን ምሥጢረ ተኽሊል ወይ ሥርዓት ተኽሊል ይበሃል።
መርዓ ምሥጢር ከም ዝኾነ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣረጋጊጾም ኣለዉ፡ ጐይታ ኢየሱስ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፡ “እግዚአብሔር ብመጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ከም ዝፈጠሮምዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም፧ ስለዚ ሰብኣይ ኣዲኡን ኣቡኡን ገዲፉ ምስ ሰበይቱ ብሕብረት ሓደ ይኸውን፡ ክልቲኦም ሓደ እዮም ዝኾኑ። ዝብል’ዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም፡ ስለዚ ንሳቶም ካብ ሕጂ ንሓዳር ሓደ ኢዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን እግዚአብሔር ኣጣሚሩ ሓደ ዝገበሮ ሰብ ኣይፈልዮን እዩ። (ማቴ. 19፡4-6)ሰብኡት ከምቲ ንርእሶም ዝፈትዉ ነንስቶም ክፈትዉ ይግባእ፡ ሰበይቱ ዝፈቱ ንርእሱ እዩ ዝፈቱ ማንም ንገዛእ ርእሱ ዝጸልእ የለን እሞ ስለዚ ሰብኣይ ኣቡኡን ኣዲኡን ገዲፉ ምስ ሰበይቱ ይሓብር ክልቲኦም ድማ ሓደ ይኾኑ፡ እዚ ምስጢር’ዚ ዓቢይ እዩ። (ኤፌ. 5፡28-32) ። እግዚአብሔር ናይ መውስቦ ምሥጢር ዝመስረተሉ ጊዜ ወዲ ሰብ ገና ኣብ ኤደን ገነት ከሎ እዩ።እግዚአብሔር ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም፡ እግዚአብሔር ከምዚ ብምባል ከኣ ባረኾም፡ ብዝሑን ተባዝሑን ንምድሪ’ውን ምልእዋ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ድማ ነታ ካብ ኣዳም ዝወሰዳ ዓጽሚ መሰንገለ ሰበይቲ ገይሩ ሰራሓ፡ ናብ ኣዳም ከኣ ኣምጽኣ፡ ኣዳም ድማ ከምዚ በላ እዛ ዓጽማ ካብ ዓጽመይ ሥጋኣ’ውን ካብ ሥጋይ እያ ንሳ ካብ ሰብኣይ ተረኺባ እያ እሞ ሰበይቱ ትበሃል፡ ስለዚ ሰብኣይ ኣቡኡን ኣዲኡን ይሓድግ ምስ ሰበይቱ’ውን ይጣበቕ፡ ክልቲኦም ድማ ሓደ ይኾኑ። (ዘፍ. 1፡27-28, 2፡18, 22፡24)። ነዚ ኣበኃህላ እዚ ሒዙ እዩ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እግዚኣብሔር ሓደ ዝገበሮ ሰብ ኣይፍለዮ ብምባል ዘጽደቖ።(ማቴ.19፡6)።

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ንናይ መውስቦ ሓድነት ዝመሃሮ ብቓል ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ናይ ቃና ዘገሊላ መርዓ ተረኺቡ’ውን ባሪኽዎን ቀዲስዎን እዩ። ስለዚ እዩ ኸኣ ሓዋ. ቅዱስ ጳውሎስ “መውስቦ ብኹሉ ወገን ክቡር እዩ እቲ መደቀሲኦም’ውን ርኽሰት የብሉን።” ዝበለ (ዕብ. 13፡4)። ብወገን ሃይማኖት ክርስትና ሓደ ሰብኣይ ንሓንቲ ሰበይቲ ከምኡ’ውን ሓንቲ ሰበይቲ ንሓደ ሰብኣይ ደኣ እምበር ካብዚ ሓሊፎም ምትእትታው ክልኩል እዩ፡ እግዚአብሔር ሰብ ክፈጥር ከሎ ሓደ ሰብኣይን ሓንቲ ሰበይቲን ጥራይ ምፍጣሩ ናይ መውስቦ ሥነ-ሥርዓት ሓደ ሰብኣይ ንሓንቲ ሰበይቲ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ንሓደ ሰብኣይ ጥራይ ምዃኑ ንኸመልክት እዩ።

ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብዛዕባ ሰብኣይን ሰበይትን ክዛረቡ ከለዉ ብዛዕባ ሓደ ሰብኣይን ሰበይትን እምበር ካብኡ ንላዕሊ ከም ዘይኾነ በዞም ዝስዕቡ ጥቕስታት ንመልከት። (ኦሪት ዘፍ. 2፡24) “ስለዚ ሰብኣይ ኣቡኡን ኣዲኡን ሓዲጉ ምስ ሰበይቱ ሓደ ይኸውን።” እዩ ዝብል እምበር ምስ ኣንስቱ ኣይብልን። ኣብ ወንጌል (ሉቃ. 14፡26) ማንም ሰብ ኣቡኡን ኣዲኡን ከምኡ’ውን ሰበይቱ ገዲፉ እንተ ዘይስዒቡኒ በለ እምበር ኣንስቱ ኣይበለን፡ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮ. ኣብ ዝለኣኾ ኣብ ቀዳማይ መልእኽቱ። (1ይቆሮ. 72) ብናይ ዝሙት ኃጢኣት ንኸይወድቕ ውልቐ ሰብኣይ ንብሕቱ ሓንቲ ሰበይቲ ትኃልዎ፡ ከምኡ’ውን ንማንም ሰበይቲ ሓደ ሰብኣይ ይኃልዋ ይብል እምበር ናቱ ኣንስቲ ይኃልውኦ፡ ወይ ናታ ሰብኡት የኃልዎውዋ ኣይበለን። ብናይ እግዚአብሔር ፍቃድ ሓደ ኣካል ዝኾኑ ሰብኣይን ሰበይትን ብምኽንያት ዝሙት እንተ ዘይኾይኑ ምፍታሕን ከም ዘይግባእ ቤተ ክርስቲያንና ትምህርን ትሰብኽን እያ። እዚ ሕጊ’ዚ ዝመስረተ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ ይብል “ኣነ ግን እብለኩም ኣለኹ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ንሰበይቱ ዝፈትሓ ዘበለ ኹሉ ዘማዊት ገበራ፡ እቲ ፍትሕቲ ዘእቱ ድማ ዘመወ እብለኩም ኣለኹ።” (ማቴ. 5፡32)።

ሓዋ. ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ዕብራውያን ኣብ ኣለኣኾ መልእኽቱ (ዕብ. 13፡4) ብሕጊ ናይ ዝኾነ መውስቦ ክብሪ ክገልጽ ከምዚ ይብል፡ መውስቦ ኣብ ኩሉ ክቡር እዩ እቲ ዓራት ኣሚን ከኣ ርኽሰት የብሉን ኢሉ ጥራይ ስቕ ኣይበለን፣ ምፍታሕ ዘይግባእ ምዃኑ ናብ ሰብ ሮሜ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ (ሮሜ 7፡1-3) “ኣሕዋት ሰብ ኣብ ኩሉ ምሉእ ዕድሜኡ ሕጊ ከም ዝቕይዲ‘ዶ ኣይትፈልጡን፡ ሰበይቱ ሰብኣያ ብሕይወት ክሳብ ዘሎ ብሕጊ ምስኡ እስርቲ እያ፡ ሰብኣይ እንተ ሞተ ግን ካብቲ እተኣስረቶ ሕጊ ፍትሕቲ እያ። ስለዚ ሰብኣያ ብሕይወት ከሎ ካልእ ሰብኣይ እንተ ኣእትያ ዘማዊት እያ እትበሃል፡ ሰብኣያ እንተ ሞይቱ ግን ምስኡ ካብ ዝተኣስረትሉ ሕጊ ነጻ ዝወጸት እያ።”ይብል።

ኣብ ላዕሊ ብዝተገልጹ መረድኢታት መሰረት ንናይ መውስቦ መፍረሲ ሕጋዊ ምኽንያታት ክኾኑ ዝኽእሉ ዝሙት ወይ ሞት፣ ሃይማኖት ጥራይ ምዃኖም ቤተ-ክርስቲያን ተኣምን ነዚ’ውን ተስተምህር።

ምንጪ
ሥነፍጥረት ምስ ሓሙሽተ ኣእማደ ምስጢር
ሸውዓተ ምስጢራተ ቤተክርስቲያን ምስ ሓጺር ሓተታ ንዛዕባ እምነትን ግብርን
ኣድላዊ፥ ኣባ ወልደገብርኤል ቀሺ ብርሃነ 2007