ቤተ-ክርስቲያን ናይ ቅዱሳን መጻሕፍቲ ትምህርቲ መሰረት ብምግባር ኩሉ ሰብ ካብ ኣቦና ኣዳም ብዝተመሓላለፈን ብዝተወርሰን ኃጢኣት ተወሊዱ ኃጢኣት ናይ ምግባር ዝንባል ከም ዘለዎ ቤተ ክርስቲያን ትሰብኽን ትኣምንን። ስለ ናይ ተፈጥሮና ክፍኣት ሓዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቱ (ሮሜ 7፡14-29) ክግለጽ ከምዚ ይብል “ሕጊ መንፈሳዊ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና ኣነ ግን ንኃጢኣት ዝተሸጥኩ ሥጋዊ ሰብ እየ ክገብሮ ንዘይደሊ ክፉእ ነገር ዝገብር ካብ ኾንኩ እዚ ዝገብር እቲ ኣባይ ሓዲሩ ዘሎ ኃጢኣት ደኣሉ እምበር ኣነ ኣይኾንኩን፡ እምበኣር ነቲ ኣነ ዝደልዮ እንት ዘይገበርክዎ እቲ ሕጊ ግን ሰናይ ምዃኑ እፈልጥ ኣለኹ፡ ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ ካብዚ ናብ ሞት ዝወስደኒ ዘሎ ሰብነት መን ኮን ከድኅነኒ እዩ።

ብጥምቀት ካልኣይ ተወሊድና ናይ መንፈስ ቅዱስ ውህበት ጸጋ ምቕባልና፡ ብናይ ተፈጥሮ ባሕርይ ክፍኣት እንግብሮ በደልን ኃጢኣትን መድኃኒቱ ንስሓ እዩ፡ ሽግር ፈሊጦም ዘገላግሉና ኃጢኣቱ ይቕረ ንዝበልክምሉ ሰብ ኃጢኣቱ ይቕረ ክበሃለሉ እዩ፡ ተባሂሎም ኃጢኣት ናይ ምስትሥራይ ሥልጣን ዝተዋህቦም ካህናት እዮም። (ዮሓ. 20፡23)

ምኅጢርነቱ ንካህናት ዝተዋህቦምን ብዓይኒ ብዘይርኣ ሥልጣን ምኽንያት ብንስሓ ንዝምሰሉ ብዓይኒ ዘይርኣ ሥርየት ኃጢኣት ምጠዓስን ካልኣይ’ውን ተመሊስካ ንኸይትሰርሖ ምውሳንን ምዃኑ በዞም ዝስዕቡ መረዲኢ ጥቕስታት ንመልከት። ‘ንነፍስ ወከፍኩም ከከም ግብርኹም ክፈድየኩም እየ። ስለዚ ኣነ ልዑል እግዚአብሔር ተዛሪበ ኣለኹ ተነስሑ ኣበሳኹም ጥፍኣት ከየምጽኣልኩምሲ ካብ ኩሉ ክፉእ ተግባርኩም ተመለሱ”። (ሕዝ. 18፡30)። እኳ ደኣ ክንስሑን ናብ ኣምላኽ ክምለሱን ከም ዝተነስሑ ዘርኢ ግብሪ ኺገብሩን ቅድም ኣብ ደማስቆ ደሓር’ውን ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ብዘላ ሃገር ይሁዳን ከምኡ ኸኣ ነኣሕዛብ ወንጌል ሰበኹ ይብል። (ግ.ሓዋ. 26፡20)

ናይ ምሥጢረ ንስሓ ኣፈጻጽማ ከመይ እዩ፧ ንዝብል ቤተ-ክርስቲያንና እትኣምኖን እትምህሮን ንስሓ ማለት ሓደ ሰብ ስለ ዝገበሮ ኃጢኣት ምጥዓስ ንመጻዒ’ውን ነቲ ዝተጠዓሰሉ ኃጢኣት ንኸይትሰርሖ ምውሳን ጥራይ ዘይኮነ እዚ ነገር እዚ ንምስማዕ ሥልጣን ብዝተዋህቦም ካህናት ኣብ ቅድሚኦም ቀሪብካ ምንዛዝ እዩ። ስለዚ ኑዛዜ ዝግባእ ምዃኑ ናይ ቅዱሳን መጻሕፍቲ ምስክርነት ጥቕሲ ንመልከት፡ ካብዞም ነገራት እዚኣቶም ብሓንቲ እኳ በደለኛ ዝኾነ ብዝሰርሖ ኃጢኣት ይናዘዝ። (ዘሌ. 5፡5) ”ኃጢኣቱ ዝኽውል ሰብ ኣይድኅንን እዩ፡ እቲ ዚናዘዘሉ እሞ ዝሓደጎ ድማ ካብ እግዚአብሔር ምሕረት ይረክብ’። (ምሳ. 28፡13)

እምበኣርሲ ምእንቲ ክትሓውዩ ንሓድሕድኩም ኃጢኣትኩም ተናዘዙ ሓደ ነቲ ሓደ’ውን ይጸልየሉ ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ። (ያዕ. 5፡16)።  ካብ ኃጢኣትና እንተ ተናዘዝና ኣምላኽ እሙንን ጻድቕን ስለ ዝኾነ ንኃጢኣትና ይቕረ ክብለልና ካብ ኩሉ በደልና’ውን ከንጽሓና እዩ። (1ዮሓ. 1፡9) ።

ኃጢአተይ ነገርኩ በደለይውን ኣይሓባእኩን ይብል። መዝ,32፣5።
ሥነፍጥረት ምስ ሓሙሽተ ኣእማደ ምስጢር
ሸውዓተ ምስጢራተ ቤተክርስቲያን ምስ ሓጺር ሓተታ ንዛዕባ እምነትን ግብርን
ኣድላዊ፥ ኣባ ወልደገብርኤል ቀሺ ብርሃነ 2007