ናይ ምሥጢረ ቤተ ክርስቲያን ሥርዓት ንምፍጻምን ንምምሃርን ብንስሓ ምንዛዝን ብግቡእ ንምእራምን ምምካርን፡ ከምኡ’ውን ኃጢኣት ይቕረ ንምባል ንምስትሥራይን ዘኽእል ጸጋ ሥልጣን ምቕባል ምሥጢረ ክህነት ይበሃል። እዚ ምሥጢር ሥልጣነ ክህነት  ዝተመስረቶ ባዕሉ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኰይኑ ንዓሰርተ ክልተ ሓዋርያት ብዝመረጸሉ እዋን እዩ፡ ድሕሪ’ዚ ሓዋርያት ምሂሮም ክሓልፉ ከለዉ ንሳቶም’ስን ንተተካእቶም ኣመሓላሊፎም እዮም። ከም’ዚ እናበሉ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክመሓላለፍ ዝነብር ናይ እግዚአብሔር ጸጋ እዩ ።

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓሰርተ ክልተ ሓዋርያት ቅድሚ ምምራጹ ናብ ከረን ደይቡ ክጽሊ ከም ዝሓደረ፡ (ሉቃ. 6፡12-13) ንምልከት፡ ነዞም ዓሰርተ ክልተ ሓዋርያት ርኹሳት መናፍስቲ ከውጽኡ ሕሙማት ክፍውሱ ምውታት ከተንሥኡ ኣጋንንቲ ከውጽኡ ሥልጣን ሃቦም (ማቴ. 10፡1-8)። ቀጺሉ’ውን ንሰብዓን ክልተን መሪጹ ክምህሩ ከም ዝለኣኾም (ሉቃ. 10፡1-4) ንምልከት ።

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያት ቅድሚ ምምራጹ ክጽሊ ምሕዳሩ ምሥጢረ ክህነት ኣዝዩ ክቡር ምዃኑ ክምህረና ስለ ዝደለየ እዩ።  መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያት ስልጣነ ክህነት ከመይ ገይሩ ከም ዝሃቦም እዚ ምሥጢረ ክህነት እዚ ኸኣ ኣብኣቶም ተወሲኑ ዘይተርፍ ክሳብ መጨረሻ ዓለም ቀጻሊ ከም ዝኾነ ዝገለጸሉ ጥቕስታት ንርኣ። ብድሕርዚ ጐይታ ኢየሱስ እንደገና ሰላም ንዓኹም ይኹን፡ ኣቦ ነዓይ ከም ዝለኣኸኒ ኣነ ድማ ንዓኻትኩም እልእኸኩም ኣለኹ፡ እዚ ኢሉ ኡፍ በለሎም እሞ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ፡ ንስኻትኩም ኃጢኣቶም ንዝሓደግኩምሎም ሰባት ኃጢኣቶም ክሕደገሎም እዩ፡ ንስኻትኩም ኃጢኣቶም ንዘይሓደግኩምሎም ሰባት ግን ኣይሕደገሎምን እዩ በሎም። (ዮሓ. 20፡ 21-23) እንሆ ኣነ ክሳብ መጨረሻ ዓለም ምሳኻትኩም እየ። (ማቴ 28፡20)

ካብ ሓዋርያት ክሳብ መወዳእታ ዓለም ከም ዝጸንሕ ወይ ክሳዕ ሎሚ ከም ዘሎ፡ ኣሎ ተባሂሉ ኣብ ውሽጢ ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያንና ዝተነግረሉ ሓደ እኳ የልቦን፡ ክሳብ መጨረሻ ዓለም ምሳኹም እየ ዝበሎ ግን ካብ ሓዋርያት ጀሚሩ ንዘመሓላለፍ እሞ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ንዝቕጽል ሥልጣነ ክህነት እዩ። ናይ ክህነት መዓርጋት ጵጵስና፥ ኤጲስ ቆጵስና፡ ቁምስና፡ ቅስና፡ ዲቁና እዩ። ሓዋርያ ጳውሎስ ናይ ኤጲስ ቆጶስ ተገዳስነት ንኽገል ኤጲስ ቆጶስ ናይ እግዚአብሔር ሥራሕ ብሓደራ ተቐባሊ ስለ ዝዀነ መንቅብ ዘይብሉ ክኸውን ኣለዎ ይብል። (ቲቶ 1፡7)

ካህናት ብኸመይ ከም ዝተሸሙ (ግ.ሓዋ. 14፡23) እንተ ረኣና ናይ ቤተ ክርስቲያን መራሕቲ ሸሙሎም ምስ ጾሙን ምስ ጸለዩን ከኣ ንዘኣመንዎ ጐይታ ኣማዕቈብዎም።  ይብል ። ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ቲቶ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቱ (ቲቶ. 1፡5-6) ከምቲ ኣነ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ ዝተረፈ ምእንቲ ኽትሰርዕ ኣብ ከከተማውን መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ክትሸይም በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣብ ቅሬጥስ ዝሓደግኩኻ። ይብል ።

ናይ ቤተ ክርስቲያን መራሒ መንቅብ ዘይብሉ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ ዝኾነ፡ ብርኽሰት ወይ ብዘይምእዛዝ ዘይሕመዩ፣ ኣመንቲ ውሉድ ዘለዎም፣ ተቐባል ጋሻ ሰናይ ዚፈቱ ሰብ ክኸውን ይግባእ ይብል።

ብዛዕባ ዲያቆናት ክጽሕፍ ከሎ ኸኣ ዲያቆናት ረዘንቲ ብቓሎም ዝተኣምኑ ብዙሕ መስተ ዘይሰትዩ፡ ንገንዘብ ዘይስስዑ ክኾኑ ይግባእ ይብል። (1ይጢሞ. 3፡8)

ኣብ (1ይ ጴጥ. 2፡5-9)። ብምኽንያት ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ደስ ዝብል መሥዋእቲ ንምቕራብ ቅዱሳን ካህናት ክትኮኑ ኢኹም፡ ናይ ንጉሥ ካህናት እግዚአብሔር ንርእሱ ዝገበረኩም ቅዱስ ሕዝቢ ኢኹም ስለ ዝብል ብብሉይ ኪዳን ጥራይ ደኣሉ ፍሉይ ዝነበረ እምበር፡ ብሓዲስ ኪዳን እንተኾይኑ ግን ኩሉ ኣማኒ ናይ ሥልጣነ ክህነት ሥራሕ ንምስራሕ ፍቓዱ ዘለዎ እዩ እምበር ንዝተወሰኑ ሰባት ጥራይ ዝተውህበ ሥልጣን ኣይኮነን ኢሎም ዝከራኸዉ ሰባት ኣለዉ፡ ናይ ክህነት ሥልጣን ንዝተዋህበ ምዃኑ ብዙሕ መረድኢ ክህሉ ከሎ ካብኡ እዚ ዝስዕብ ይጥቀስ።

ቀዳማይ፦ ተኻራኸርቲ ከም ዝብልዎ እንተ ዚኸውን ነይሩ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቕድም ሓዋርያት ደሓር ድማ ሰብዓን ክልተን ኣርድእቲ ኣይምሾምን ነይሩ፡ ምምራጽ ጥራይ ዘይኮነ ብፍሉይ ንዓሰርተ ክልተ ሓዋርያት ዝተፈላለየ ሥልጣን ዝተዋህቦም ምዃኑ ኣቕዲምና ተመልኪትና ኢና፡ ስለዚ ናይ ምርጫ ዕድል ዝዋሃቦም ንዝተፈልዩ ሰባት ደኣ እዩ እምበር ንኹሉ ኣመንቲ ኣይኮነን።
ካልኣይ፦ ጳውሎስን በርናባስስ ኣብ ኣንጾኪያ ወንጌል፡ ምሂሮም ብዙሓት ሰባት ብጐይታ መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ  ምስ ኣእመኑ፡ ካብ ኣንጾኪያ ቅድሚ ምኻዶም መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ማለት ካህናት ከም ዝሸሙሎም ኣብ (ግ. ሓዋ. 14፡23) ከነንብብ ንኽእል፥ ከምዚ ተኸራኸርቲ ዝብልዎ ኩሎም ኣመንቲ ሥልጣን ክህነት እንተ ዝህልዎም ኔይሩ ካህናት ንኽሽየሙ ኣይመድለየን ነይሩ።

ሳልሳይ፦ ሓዋርያ ቅዱስ. ጳውሎስ ኣብ ቀርጤስ ኤጲስ ቆጶስ ኮይኑ ተሸይሙ ንዝነበረ ቲቶ ኣብ ዓዓዱ ካህናት ንኽሸይም ኣዚዝዎ እዩ። (ቲቶ 1፡5)። ኩሎም ኣመንቲ ናይ ክህነት ሥልጣን እንተ ዝህልዎም ንምንታይ ካህናት ምሻም ኣድለየ፧

ራብዓይ፦ ሓዋርያ ቅዱስ  ጳውሎስ ናብ ቲቶ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ 1፡3። ኣብ ቀዳማይ ጢሞቴዏስ  ምዕራፍ 3 ኤጲስ ቆጶሳትን ካህናትን ዲያቆናትን እንታይ ዓይነት ጠባያት ክህልዎም ከም ዝግባእ ብዝርዝር ኣብ ዝረደኣሉ ጊዜ ነዓዓቶም ካብ እግዚአብሔር ዝተፈልየ ጸጋ ዝተዋህቦም ምዃኑ ንኽገልጽ ደኣሉ እምበር እንተ ዘይከውን ካብ ካልኦት ኣመንቲ ፈልዩ ኣይምጠቐሶምን ነይሩ።

ከምኡ’ውን ናይ ቲቶ ኣብ ዝተላእከ መልእኽቲ (ቲቶ 1፡7) ኤጲስ ቆጶስ ናይ እግዚአብሔር ሥራሕ ብሓደራ ዝተቐበለ ስለ ዝኾነ ብምባል ካብ ካልኦት ኣመንቲ ዝተፈልየ ሥልጣን ከም ዘለዎ ብግልጺ የረድእ፡ ሥልጣን ክህነት ንማንም ዘይወሃብን ዝተፈልየ ክብሪ ከም ዘለዎ ንኸረድእ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስ ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ 5፡22። ኢድካ ብምንባር ንማንም ብምሻም  ኣይትተሃወኽ ምስ ካልኦት ብኃጢኣት ኣይትተሓባበር ሰውነትካ ብንጽሕና ሓሉ ኢሉ ኣጠንቂቕዎ ኣሎ።

ሓሙሻይ፦ ሓዋርያ ቅዱስ ያዕቆብ ኣብ መልእኽቱ (5፡14)። ዝሓመመ ሰብ እንተሎ ካብ ሕማሙን ካብ ኃጢኣቱን ንኽድኅን ንመራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ማለት ንኻህናት ይጸውዕ። ኣብዚ ንካህናት ዝተፈልየ ጸጋ እግዚአብሔር ዝተዋህቦም ምዃኖም ንመልከት ደኣ እንበር እንተ ዘይከውን ማንም ሰብ ኣማኒ ይጸልየሉ ምበለ ነይሩ። ካህናት ወይ ናይ ንጉሥ ካህናት ክትኮኑ ኢኹም ዝበሎ ኣዘራርባ ግን ምሳሌያዊ ኣዘራርባ ደኣሉ እምበር ብኽውን ነገር ዝትርጎም ኣይኮነን ክትኮኑ ኢኹም ቅድሚ ምባሉ ኣእማን ክትኾኑ ኢኹም ኢሉ ኣሎ።

እዚ ድማ ምሳሌያዊ ኣዘራርባ ደኣሉ እምበር ቃል ብቓሉ እምኒ ክትኾኑ ኢኹም ምባሉ ኣይኮነን፡ ከምኡ ድማ ኩሉ ካህን ኩሉ ናይ ንጉሥ ካህን ክኸውን ማለት ኣይኮነን፡ ንኹሉ ክርስቲያን ብናይ እምነት መንገዲ ነንብሕቱ ናይ ሥራሕ ብጽሒት ዘለዎ እምበር ኩሉ ካህን ክኸውን ኣይክእልን፡ ነቲ ዘመልክት ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ (1ቆሮ. 12፡28-30)። ንኹሉ ምእመን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ነንብሕቱ ብጽሒት ኣለዎ እምበር ኩሉ ናይ ሓዋርያነት ሥራሕ፡ ኩሉ ናይ መምህርነት፡ ኩሉ ገባሪ ተኣምር፡ ኩሉ ናይ ምፍዋስ፡ ኩሉ ናይ ኣማሓዳሪነት ውህበት የብሉን ይብል፡ ቅዱስ ጳውሎስ በዚ ኣበሃህላ እዚ ኩሉ ኣማኒ ናይ ክህነት ሥራሕ ክሠርሕ ይኽእል እዩ ንዝብሉ ሰባት መልሲ ንምሃብ እዩ።

 

ምንጪ
ሥነፍጥረት ምስ ሓሙሽተ ኣእማደ ምስጢር
ሸውዓተ ምስጢራተ ቤተክርስቲያን ምስ ሓጺር ሓተታ ንዛዕባ እምነትን ግብርን
ኣድላዊ፥ ኣባ ወልደገብርኤል ቀሺ ብርሃነ 2007