ብጸሎት ቅዳሴ ካህን አሐዱ አብ ቅዱስ፡ አሐዱ ወልድ ቅዱስ፡ አሐዱ ወእቱ መንፈስ ቅዱስ ኢሉ ቀዲሱ ብምብራኽ፡ ሕብስትን ወይንን ናይ ክርስቶስ ሥጋን ደምን ኮይኑ ይልወጥ እሞ ተለዊጡ ሥጋኡ በሊዕና ደሙ ሰቲና ናይ ሓጥኣትና ሥርየት ረኺብና ደቂ እግዚአብሔር ንምዃን ዘብቅዕ ሥነ ሥርዓት ምሥጢረ ቁርባን፡ምሥጢረ ሥጋኡ ወደሙ ይብሃል፡፡ ዝተቀደሰ ሕብረት ኢሎም ዝሰመይዎ ወገናት'ውን ኣለዉ፡እዚ ኣብሃህላ እዚ ብምኽንያት ሥጋኡን ደሙን ምስ እግዚአብሔር ዘሎና ሕብረት ዘመልክት ማለት እዩ፡፡

ምሥጢረ ቁርባን ዝመስረቶ ባዕሉ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሮ ዝተሰቕለሉ ምሸት ሓሙስ እዩ። መግቢ ክበልዑ ምስ ተቐረቡ ጐይታ እንጌራ ኣልዒሉ እዚ ሥጋይ እዩ ኢሉ ሃቦም። ጽዋዕ'ዉን ኣልዒሉ ኣመስጊኑ፡ ከምዚ ኢሉ ሃቦም፡ ኩልኻትኩም ካብዚ ጽዋዕ እዚ ስተዩ፡እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሥርየት ሓጥያት ዝፈስስ ናይ ሓዲስ ኪዳን ደመይ እዩ። (ማቴ.26፡26' ማርቆስ.14፡22-27። ሉቃስ.22፡15-20)፡፡
ምሥጢረ ቁርባን ቅድሚ ምምስራቱ ስለ'ዚ ጉዳይ እዚ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቐዲሙ ንሓዋርያትን ንኻልኦትን ኣርድእትን ከም'ዚ ብምባል ብዝርዝር ኣረዲኡ ነይሩ እዩ። ካብ ሰማይ ዝወረደ ናይ ህይወት እንጌራ ኣነ እየ።ካብ'ዚ እንጌራ እዚ ዝበልዕ ንዘልኣለም ክነብር እዩ፡፡ንዓለም ህይወት ንኽከዉን እዚ ኣነ ዝህቦ እንጀራ ሥጋይ እዩ።

ሽዑ እዚ ክብል ከሎ ኣይሁድ እዚ ሰብ'ዚ ሥጋኡ ንኽንበልዕ ከመይ ገይሩ ኺህበና ይኽእል ብምባል ንሓድሕዶም ተኻትዑ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ በሎም። ናይ ወዲ ሰብ  ሥጋ እንተ ዘይበላዕኩም ደሙን እንተዘይሰተኹም ህይወት ከምዘይብልኩም ብሓቂ ብሓቂ ይብለኩም ኣለኹ። ኩሉ ሥጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ናይ ዘልዓለማዊ ህይወት ኣላቶ፡፡ኣነ ውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንሥኦ እየ።  ሥጋይ  ብልዒ ሓቂ እዩ። ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ እዩ። ሥጋይ ዝበልዕን ደመይ ዝሰቲን  ኣነ ኣብኡ ክነብር እየ ንሱ ድማ ምሳይ ህያዉ ዝኾነ አብ ከም ዝለኣኸኒ እሞ ኣነ ድማ ብእኡ ህያዉ ከም ዝኾንኩ።ከምኡ ድማ ሥጋይ ዝበልዔ ብኣይ ህያው ክኸውን እዩ ይብል። (ዮሓ.6፣51-57።)

በዚ ኣዘራርባኡ እዚ ብዙሓት ካብ ሰዓብቱ ደስ ስለ ዘይበሎም ማለት ክኣምሉልኑ ስለ ዘይክኣሉ ካብቲ ጊዜ እቲ ጀሚሮም ከም ዘድሓርሓሩን ንዕኡ ክስዕቡ ከም ዘይክኣሉን ኣብ'ዚ ምዕራፍ እዚ ኣብ ቁጽሪ 66 ብምምልካት ክንርዳእ ንኽእል፡ ሓደ ሓደ እኳ እንተ ኣጉረምረሙ ካልኦት'ዉን ካብ ምስዓቡ እንተ ተረፍ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ግና ስለ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ዝገብሮ ዝነበረ ገላጻ ወይ መረዳእታ ምንም ኣዘራርብኡን ከይለወጠ ምቅጻሉ ናይ ምሥጢረ ቁርባን  ትኽክልነት ከረጋግጸልና ስለ ዝደለየ እዩ።
ኅብስትን ወይንን ናብ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሥጋን ደምን ንምልዋጥ ዘይከዉን ጉዳይ እዩ ኢሎም ናይ ምጥርጣር ሓሳባት ዘቅርቡ ሰባት ኣለዉ፡፡ ናይ ኅብስትን ወይንን ብምሥጢራዊ ኩነታት ናብ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሥጋን ደምን ምልዋጥ ከገርመና ኣይግባእን እዩ። ካብ ናይ ተፈጥሮ ሃለዋቶም፡ ብናይ እግዚአብሔር ኃይሊ ዝተለወጡ ንምሳሌ ምጥቃስ ይክኣል። ሰበይቲ ሎጥ ናብ ሓወልቲ ጨዉ ኣይተለወጠትን ድያ፣(ዘፍ 19÷17-26)። ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ቅድሚ ምዉጽኦም ድማ ናይ ሙሴ በትሪ ናብ ተመን ተለዊጣ። ማይ ፈለግ'ዉን ናብ ደም ተለዊጡ፣(ዮሓ 2፥1-11)፡፡ እዚኦምን ካልኦት'ዉን ተማሳሰልቲ ኩነታት ካብ ናይ ተፈጥሮ ባህርዮም ናብ ካልእ ንጥረ ነገር ዝለወጦም ንክልዉጥ ክእለት ዘለዎ ኣምላኽ ክምርመር ብዘይክኣል ምስጢር ንሕብስቲ ወይንን ናብ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሥጋን ደምን ከም ዝለወጦ ብዘይ ጥርጥር ክንኣምን ኣሎና።

ኣብ ልዕሊ ምሥጢረ ቁርባን ዝቀርብ ተቃዉሞ እዞም ዝስዕቡ ዝርዝራት ኮይኖም፡ንዓኣቶም'ዉን መልሲ ተዋሂብዎም ኣሎ፡ናይ መጀመርታ ተቓዉሞ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሕብስቲ ሥጋይ እዩ ንወይኒ ድማ ደመይ እዪ ምባሉ ኣነ ናይ ኣባጊዕ ኣፍ ደገ እየ(ዮሓ 10፥9)። ኣነ መንገዲ ህይወት እየ (14፥6)። ከምኡ ድማ ንሄሮዶስ ወኻርያ ፡(ማቴ11፥14)። ንዮሓንስ ኤልያስ ኢሉ ከም ዘሎ ምሳሌያዊ ኣዘራርባ ደኣሉ እንበር ቓል ብቓሉ ተወሲዱ ክንገር ዘለዎ ኣይኰነን ይብሉ። እዚ ብምሳሌ ዝዝረብ ቃልን፡ቀንዲ ዝኾነ ቁም ነገርን ክልተ ዝተፈላለዩ ነገራት ደኣሎም እንበር እቲ ቀንዲ ነገር ከም ምሳሌ ጌርካ ምቅራብ ግብኡ ወይ ዝተለምደ ኣይኮነን፡፡ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምሳሌ ኣብ ዚዛረበሉ ጊዜ ሰማዕቲ እንተዘይተረዲእዎም እንደገና መሊሱ ብምንታይ ደኣ የረድኦም ነበረ? ከይተረድኦምውን ኣይሓድጎምን እዩ ነይሩ። ንምሳሌ ኣብ ወንጌል(ማቴ 16፡6) ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያት ካብ ማይ ብሑቅ ፈሪሳዊያንን ሰዱቃዉያንን ንኽጥንቀቑ ምስ ነገሮም፡ ካብ ዝነበርዎ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ክኸዱ ከለዉ መግቢ ስለ ዘይተማልኡ ዘጠንቀቆም መሲልዎም ሓሰቡ፡ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ሓሳብ ልቦም ፈሊጡ ካብ ስሕተት ፈሪሳዉያን ንኽእረሙ ከም ዝተዛረቦም ገለጸሎም፡፡ ከም ዝፍለጥ ናይ ማይ ብሑቅ ጥቅሙ ንሓዲሽ ብሑቕ ንምብካዕ እዩ። ናይ መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብሃህላ ድማ ብናይ ፈሪሳዉያንን ሰዱቃዉያንን ኣረጊት ባህሊ ተኣሲርኩም፡ናይ ወንጌል ትምህርቲ ንድሕሪት ኣይትጉተቱ ንማለቱ ምዃኑ ገለጸሎም። ከምኡ'ወን ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኒቆዲሞስ ብዛዕባ ካልኣይ ምዉላድ ዝገልጸሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ እቲ መረዳእታ  ብምሳሌ  ድሕሪ ምጅማሩ ኒቆዲሞስ ግን እቲ ምሳሌ ምርዳእ ሰለ ዝኣበዮ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ተመሊሱ ብግልጺ ከም ዘረድኦ ንርኢ (ዮሓ.3፥1-5)፡፡
ምንጪ
ሥነፍጥረት ምስ ሓሙሽተ ኣእማደ ምስጢር
ሸውዓተ ምስጢራተ ቤተክርስቲያን ምስ ሓጺር ሓተታ ንዛዕባ እምነትን ግብርን
ኣድላዊ፥ ኣባ ወልደገብርኤል ቀሺ ብርሃነ 2007