ድሕሪ ጥምቀት ኣብ እምነትና ንምጽናዕ ዝሕግዘና ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቐደሰ ቅብዓት ዝተቐበልናዮ ሥርዓት፤ ምሥጢረ ሜሮን ይበሃል። ናይ’ዚ ምሥጢር’ዚ ሥርዓት ዝፍጸመሉ ድሕሪ ምሥጢረ ጥምቀት ምዃኑ እዩ፡ ናይ’ዚ ምሥጢር እዚ ክውንነት ዝተፈላለዩ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መረድኢ ይርከቡ። ንምሳሌ ብበዓል ሓምሳ ጊዜ ሓዋርያት ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኦም ብዝተፈላለየ ቋንቋ ምዝራብ ምስ ጀመሩ፡ እቶም ዝሰምዕዎም ዝነብሩ ሰባት ገሪምዎም እንታይ ክንገብር ኢሎም ሕቶ ምስ ኣቕረቡ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝሀቦም መልሲ “ኃጢኣትኩም ክሥረየልኩም ነንብሕትኹም ንስሐ ተቐበሉ እሞ ብስም ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ተጠመቑ ናይ መንፈስ ቅዱስ ጸጋ ውህበት ከኣ ክትቅበሉ ኢኹም።” (ግ.ሓዋ.2፡38) እዚ ድማ ቅድም ተጠምቑ እሞ፤ ድሕሪኡ ናይ መንፈስ ቅዱስ ውህበት ጸጋ ክወሃበኩም ማለት ኢዩ። ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነበሩ ሓዋርያት ሕዝቢ ሰማርያ ቃል እግዚአብሔር ብምቕባል ከም ዝኣመኑ ሰሚዖም ንቅዱስ ጴጥሮስን ዮሐንስን ሰደዱሎም እሞ ኣብኡ ምስ በጽሑ መታን መንፈስ ቅዱስ ክቕበሉ “ጸለዩሎም ብስም ጐይታና ኢየሱስ ጥራሕ እዮም ተጠሚቖም ዝነበሩ እንበር ገና ኣብኣቶም ኣብ ሓደ እኳ መንፈስ ቅዱስ ኣይወረደን እዩ ዝነበረ፡ በቲ ጊዜ እቲ አእዳዎም ኣንበሩሎም እሞ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ (ግ.ሐ. 8፡14-17)። እዚ ምስ ሰምዑ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተጠመቑ እሞ ጳውሎስ ኢዱ ምስ ኣንበረሎም መንፈስ ቅዱስ ወረደሎም።” ( ግ.ሓዋ.19.5-6።)

ብግዜ ሓዋርያት ዝበዝሐ ጊዜ ሓዲሽ ኣማኒ ድሕሪ ምጥማቑ መንፈስ ቅዱስ ዝቕበለሉ ምኽንያት ኢድ ብምንባር እኳ እንተነበረ ብምቕባዕ ሜሮን’ ውን መንፈስ ቅዱስ ምቕባል ከም ዝነበረ መረድኢታት ይርከቡ እዮም፡ ንስኻትኩም ብቕዱስ ቅብዓት ተቐቢዕኩም ኢኹም።” (1ይ.ዮሐ.2፡20) “ብክርስቶስ ምሳኻትኩም ዘጸናንዓናን ዝቐብዓናን እግዚአብሔር እዩ፤ ካልኣይ ከኣ ዝሓተመና ናይ መንፈሱ ዕርቡን ኣብ ልብና ዝሃበናን ንሱ እዩ (2ይ.ቆሮ.1፡21) ። ኣብ ክንዲ ምንባር ኢድ ሜሮን ምቕባዕ ዝተደልየሉ ምኽንያት ናብ እምነት ክርስትና ዝምለሱ ሕዝቢ እናበዝሑ ስለ ዝኸዱ እሞ፤ ብምንባር ኢድ ዝካየድ ናይ ጥምቀት ሥነ ሥርዓት ዝያዳ ጊዜ ዝወስድ ብምዃኑ እዩ።

ቤተ-ክርስቲያና ንሜሮን መሕደር መንፈስ ቅዱስ ንኽኸውን ዝመረጸቶ ብዘይ ሓደ ምኽንያት ኣይኰነን፡ ንሜሮን ሓደ ነቢይ ኮነ ወይ ሓዋርያ ወይ ዝኾነ ናይ እግዚአብሔር ሰብ ዝሠርዖ ዘይኰነስ፤ ልዑል እግዚአብሔር ባዕሉ ኣሰራርሕኡን ኣጠቓቕምኡን ንነቢይ ሙሴ ዝገለጸሉ ምዃኑ ኣብ (ዘፀ.30፡22-38) ክንምልከት ንኽእል። በዚ ቅዱስ ቅብዓ ሜሮን ዝተቐብዑ ካህናት ኮነ፤ ወይ ናይ ቤተ መቕደስ ንዋየ ቅዱሳት ናይ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ሓዲርዎም ቅዱሳት ኰይኖም ይነብሩ ከምዝነበሩ ተገሊጹ ኣሎ፡ ብምንባር ኢድ ኮነ፤ ወይ ብቕዱስ ቅብዒ ምኽንያት መንፈስ ቅዱስ ምውራዱ ድሕሪ ጥምቀት ክኸውን ከም ዘለዎ ቤተ-ክርስቲያን ትምህረሉን ትሰብከሉ እዩ።

ይኹን ደኣ’ምበር ኣብ (ግ.ሓዋ.10፡44) ከም ዝተገልጸ ኣብ ቆርኖሌዎስን ምስኡ ዝነበሩ ኵሎም’ውን ቅድሚ ምጥማቖም መንፈስ ቅዱስ ከም ዝወረደሎም ንርኢ፡ እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ናይ ጥምቀትን ሜሮንን ሥነ-ሥርዓት ቅደም ተኸታልን ንኽላዋወጥ ይኽእል እዩ ምባል ዘይኰነስ ናይ ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ እምነት ወይ ባህሊ ናይ ክርስትና ዕድል ንኣይሁዳውያን ጥራይ እዩ ኣብ ምባል ዝዝንብል ስለዝነበረ እሞ፡ እግዚአብሔር ከኣ ኣበሃህልኡ ኣተሓሳስብኡ ንኽልውጥ ድልየቱ ስለዝኾነ ኣብዚ ነገርዚ እግዚአብሔር ንቕዱስ ጴጥሮስ ክገልጸሉ ዝደለየ ኣይሁድ ጥራይ ንመንግሥቲ እግዚአብሔር ብቑዓት ዘይኮኑስ፡ ካልኦት ኣህዛብ’ውን እንተኾኑ እኳ ቅድሚ ምጥማቖም መንፈስ ቅዱስ ብምቕባሎም ዝያዳ ንመንግሥቲ እግዚአብሔር ብቑዓት ምዃኖም ንኸረድኦ ኢዩ።

እዚ ብምዃኑ ንሓዋርያ ቅዱስ ጰጥሮስ ዝነበሮ ኣተሓሳስባ ለዊጡ፡ “እዞም ሰባት እዚኣቶም ከማና መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሎም ኢዮም፥ ብማይ ንኸይጥመቑ ዝኽልክሎም ነገር ደኣ እንታይ ኣሎ?” ኢሉ ንኽጥመቑ ዚኣዘዘ። ግ.ሓዋ.10፣47-48።

ቅድም ኢሉ ከምዝተጠቕሰ ብጥምቀት ሓዲሽ ልደት ማለት ካብ መንፈስ ቅዱስ እንውለደሉ ከም ዝኾነ ተገሊጹ ኣሎ። ወዲ ሰብ ብሥጋዊ ልደት ተወሊዱ ኣብ’ዚ ዓለም ብሕይወት ንምንባር፥ ንምዕባይን ሰውነቱ  ንምጥንካርን ምግብን፥ ኣየርን፡ ከምዘድልዮ ከምኡ ድማ ድሕሪ ምጥማቑ ንመንፈሳዊ ልደቱ ጽንዓትን ዕቤትን ንምርካብ ኣብ እምነቱ  ንምጽናዕን ንጽቡቕ ተግባርን ሓጋዚ ዚኸውን ናይ መንፈስ ቅዱስ  ጸጋ ዘውህብ ቅብዓ ሜሮን ኢዩ።  “ንስኻትኩምሲ መንፈስ ቅዱስ ስለዝተቐበልኩምን ብናቱ ቅብዓት ስለዝተቐባዕኩምን ካልእ መዓዲ ኣየድልየኩምን  መንፈስ ቅዱስ ሓቂ ደኣምበር ሓሶት ስለዘይዛረብ ንሱ ባዕሉ ኩሉ ክምህረኩም ኢዩ። ስለዚ መንፈስ ቅዱስ ብዝገለጸልኩም ነገር ብእኡ ንበሩ።” 1ይዮሓ.2-27።

ምንጪ
ሥነፍጥረት ምስ ሓሙሽተ ኣእማደ ምስጢር
ሸውዓተ ምስጢራተ ቤተክርስቲያን ምስ ሓጺር ሓተታ ንዛዕባ እምነትን ግብርን
ኣድላዊ፥ ኣባ ወልደገብርኤል ቀሺ ብርሃነ 2007