ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ዓለም ብልቢ ዝመኸሮን ብነብያት ዝተዛረቦን ትንቢት ንምንፋጻም፤ ዓለም ንምድኃን፤ ካብ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ተወልደ፤ ተወሊዱ ኸኣ ሕጊ ጠባይዓዊን፤ ሕጊ መጽሐፋዊን፤ እናፈጸመ ዓበየ። “ልሕቀ በበሕቅ እንዘ ይትኤዘዝ ለአዝማዲሁ ወለይእቲ እሙ” ነዲኡን ነዝማዱን እናተኣዘዘ በብንእሽቶ ዓበየ፡ (መቅ . ወንጌል) ባህርያዊ ሕጊ በብንእሽቶ ምዕባይ እዩ፤ ሕጊ መጽሐፋዊ ከኣ ሕገ ኦሪት ምፍጻም እዩ። “እግዚኦ ለኦሪት ገብረ ብሕገ ኦሪት ከመ ይሣየጦሙ ለእለ ውስተ ኦሪት” ጐይታ ሕጊ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ንዝነብሩ ንምብጃው ሕጊ ፈጸመ ከም ዝበለ።(ገላ።4፡4) ናይ ኦሪት ሕጊ ምፍጻም ከኣ እዚ እዩ ፤ ኣብ ሻሙናይ መዓልቲ’ውን፤ እጕለ ርግብን ዘውገ ማዕነቅን ኂዝካ ናብ ቤተ መቕደስ  ንምብራኽ ምእታዉ፤ ኣብ ዓመት ሠለስተ ጊዜ በዓል ንምኽባር ኢየሩሳሌም ምዃድ እዩ፡ (ሉቃ 2፡21-24) “ሠለስተ ጊዜያተ ለለዓመት ለያስተሪ ተብዕትከ” ከም’ዚ ኢሉ እናዓበየ ወዲ ሠላሳ ዓመት ምስ መልኣ ብዘመነ ሉቃስ ዓሠርተ ሓደ ጥሪ ሠሉስ መዓልቲ ብኢድ ቅዱስ ዮሐንስ ንምጥማቕ ናብ ሩባ ዮርዳኖስ ከይዱ፤ ንቅዱስ ዮሐንስ ኣጠምቐኒ በሎ፡ ቅዱስ ዮሐንስ ግን ኣነ ባርያኻ ብኢድካ እየ ኽጥመቕ ዘለኒ እምበር ንስኻ ጐትይስ ብኢደይ ክተጥመቕ እዚ ግቡእ ኣይኰነን፤ ግቡእስ  ኣነ ናባኻ ክመጽእ እየ ዘሎኒ እምበር፤ ንስኻ ናብ ባርያኻ ናባይ ክትመጽእ ኣይግባእን፤ ብማለት ኣይከውንን እዩ ኢሉ ኣበዮ። ጐይታ ግን “ኅድግ ምዕረሰ እስመ ከምዝ ተደላ ለነ” ንዓና ንሥላሴ ሓደነትናን ሠለስተነትናን ዝግለጸሉ ደስታና እዩ’ም ሓደ ጊዜስ ግደፍ ደኣ በሎ፤ ሓደ ጊዜ ምስ ተጠምቐ ካልኣይ ስለ ዘይጥመቕ፤ ንመጻኢ’ውን ጥምቀት ሓደ ጊዜ ምዃኑ ንምርዳእ፡ “ወነአምን በአሐቲ ጥምቀት” ከም ዝበለ፣ (ዕብ .1-2።)

ብሓደ ወገን ከኣ ንርእሱ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ምእመናን ቈጺሩ፤ ንዓና ንምእመናን ካብ ሥላሴ ንውለደሉ ሓጎስና እዩ’ም ሓደ ጊዜስ ይኹን ደኣ በሎ፡ ድኅሪ’ዚ ተታሐሒዞም ናብ ሩባ ዮርዳኖስ ወረዱ ሽዑ  ግዜ ብስም አብ ከየጠምቐካ መንፈስ ቅዱስ ኣብኻ ህልዊ እዩ፤ ብስም ወልድ ከይጥምቐካ  ወልድ ንስኻ ኢኻ፤ ብናይ መን ስም ደኣ’ሞ ከጠምቐካ እየ  “አንተ ካህኑ ለዓለም በከመ ሢመቱ ለመልከ ጸዴቅ ፤ ወልዱ ለብሩክ ከሣቴ ብርሃን ተሥሃለነ” ከም ሽመት መልከ ጼዴቅ ንስኻ ንዘልዓለም ካህን፤ ወዲ ቡሩኽ ገላጺ ብርሃን ይቕረ በለልና ኢልካ ኣጠምቐኒ በሎ፡ ኢዱ ኣየቐመጠሉን ዘርጊሑ ኢዱ ጠጠው ብዝበለ “ወፈልሑ ማያት ከም ዘሞቁ” ማያት ከም ዝፈልሑ ሞቑ፡ ማይ እናተማላለሰ ሠለስተ ጊዜ ሐፂብዎ ወረደ።

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ስለምንታይ ተጠምቐ፧ እንተ ተባህለ ንስኻትኩም ከኣ ከማይ እንተ ተጠመቕኩም ውሉድነት ትረኽቡ ማለት ብርደተ መንፈስ ቅዱስ ብጸጋ ደቂ ሥላሴ ትዀኑ ንምባል እዩ፡ “አኮ ፈቆዶ ለተጠምቆ አላ ከመ የሀበነ ሱታፌ ንጽሕ” ነዓና ካብ ኃጢኣት ዘንጽሕ ውሉድነት ንኽህበና እምበር ንጐይታስ ጥምቀት ዘድልዮ ኣይነበረን ከም ዝበለ። ሕራይ እዚስ ይኹን ብዙሓት ሩባታትት ከለዉ’ከ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ዝተጠምቐ ሰለምንታይ  እዩ ፧ እንተ ተባህለ ትንቢቱን ምሳሌኡን ንምፍጻም እዩ፡ ትንቢት ማለት “ባሕርኒ ርእየት ወጐየት ወዮርዳኖስኒ ገብአ ድኅሪሁ” ባሕሪ ርእያ ሃደመት፤ ፈለግ ዮርዳኖስ ከኣ ንድሕሪት ተመልሰ። (መዝ.114፡3-4) ምሳሌኡ ድማ ኣብርሃም ዮርዳኖስ ተሳጊሩ ምስ መልከጼዴቅ ምስ ተራኸበ መልከ ጼዴቅ ኅብስተ አኰቴትን ጽዋዓ በረከትን ሀቦ ይብል፡ ኣብርሃም ናይ ምእመናን ምሳሌ፤ መልከ ጼዴቅ ናይ ካህናት ምሳሌ፡ኅብስተ ኣኰቴት ጽዋዓ በረከት ናይ ሥጋኡን ደሙን ምሳሌ፤ ዮርዳኖስ ድማ ናይ ጥምቀት ምሳሌ እዩ። (ዕብ.7፡1-8)። ምሳሌኡ ብዙሕ እዩ። ንመረድኢ እዚ ይኣክል።

ትንቢቱስ ንሱ ብዘፈለጦ ኣናጊርዎ፤ ምሳሌኡ ውን ንሱ ብዝፈልጦ መሲልዎ ኣሎ፡ ምሥጢሩ እንታይ እዩ እንተ ተባህለ። ንኣዳምን ሔዋንን ካብ ገነት ድኅሪ ምውፃኦም ኣብ ሥነ ፍጥረት ከምዝተመልከትናዩ ዲያብሎስ መግዛእቲ ኣጽኒዕሎም ነብረ እሞ እዚ መግዛእቲ ከቕልለልኩምሲ ናይ ተገዛኢነትኩም ስም ጽሒፍኩም ኅቡኒ በሎም እሞ። ንሳቶም ከኣ ኣዳም ባርያ (ግዙእ) ዲያብሎስ፤ ሔዋን ባርያ (ግዚእቲ) ዲያብሎስ ኢሎም ጽሒፎም ሀብዎ። ጽሒፎምስ ኣይሀብዎን ይኵነና ሕራይ ማለቶም ደኣ እዩ፡ ንሱ ግን ኣብ ክልተ እብነ በረድ ጽሒፉ ሓደ ኣብ ሲኦል፤ እቲ ሓደ ከኣ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ደቢቑዎ ነበረ እሞ፤ ነቲ ኣብ ዮርዳኖስ ዝነበረ ብሰውነቱ ረጊጹ ብኣምላኽነቱ ኣምኪኹ ኣጥፈኣሎም፡ “ወደምሰሰ ለነ መጽሐፈ ዕዳነ በሥርዓቱ እምዕድውነ፤ ወአእተቶ እማእከሌነ ፤ ወቀነዎ በመስቀሉ፡” ነቲ ብሕገጋት ዝቃወመናን ዝበኣሰናን ዘነበረ ብኢድ ጸላኢና ዝተጻሕፈ መጽሐፍ ዕዳና ደምሰሶ ፤ ኣብ መስቀል ሸንኺሩ’ውን ካብ ማእከልና ኣርሓቖ ይብል። (ቈላ።2፡14)። “ወሰጠጠ መጽሐፈ ዕዳሆሙ ለአዳም ወለሔዋን ወረሰዮም አግዓዝያነ” መጽሐፍ ዕዳኦም ቀዲዱ ንኣዳምን ሔዋንን ነፃ ኣውፀኦም ከም ዝበለ። (ወዳ.ማርያም ዘሰኑ) እቲ ኣብ ሲኦል ዝነበረ ከኣ ብመዓልቲ ዓርቢ በኣካለ ነፍስ ሲኦል ወሪዱ ደምሰሰሎም።(1ጴጥ.3፡19)
ሰለምንታይ እዩ ጥምቀቱ ብማይ ዝገበረ ብመዓር ፤ ብጸባ ዘይገበሮ እንተ ተባህለ መዓርን ጸባን ኵሉ ኣይረኽቦን እዩ። ማይ ግን ኵሉ ስለ ዝረኽቦ ብማይ ተጠምቐ።

ካልኣይ ነገር’ውን መዓርን ጸባን ናይ ሥጋ መልክዕ ኣየርእን እዩ ማይ ግን መልክዕ ሥጋ ከም መስትያት ስለ ዘርኢ ከምኡ ደማ ጥምቀት መልክዕ ነፍሲ የርኢ። መዓርን ጸባን ተኽሊ የድርቑ እምበር ኣየለምልሙን እዩም፤ ማይ ግን ተኽሊ ስለ ዘለምልም ብጥምቀት ከኣ ልምላሜ ነፍስ ንምርካብ ንምርዳእ እዩ። መዓርን ጸባን ንልብሲ የርስሕዎ እምበር ኣይንጽሕዎን ማይ ግን ስለ ዘንጽሕ ብጥምቀት ከኣ ንጽኅና ነፍሲ ምርካቡ ንምርዳእ እዩ፡ ብማይ ዝተጠምቐ ንምንታይ ዝብል ሕቶስ ብዙሕ እዩ ንመረድኢ ግን እዚ የኣክል።

ተጠሚቑ ብኡብኡ ካብ ማይ ምስ ወፀ እግዚአብሔር አብ፤ ኣብ ደመና ኰይኑ “ዝንቱ ውእቱ ወልድየ ዘኣፍቀር ዘቦቱ ሠመርኩ” ብእኡ ዝተሓጐስስኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ ኢሉ ናይ ባሕርይ ወዱ ምዃኑ መስከረ፤ መንፈስ ቅዱስ ውን ብኣምሳል ርግቢ ወሪዱ ኣብ ልዕሊኡ ዓለበ ፤ ኣካላዊ ቃል ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ኣብ ወሰን ባሕሪ ዮርዳኖስ ቆይሙ ተራእየ ፡ ኣብ ደመና ኰይኑ ዝመስከረ ክርስቶስ ብቃልነት፤ መንፈስ ቅዱስ ብእስትንፋስነት ህልዋን ዝዀንዎ እግዚአብሔር አብ እዩ።

ብኣምሳል ርግቢ ወሪዱ ንወልድ ኣብ ርእሱ ዝተቕመጠ ኸኣ አብ ብልብነት ወልድ ብቓልነት ዘለውዎ መንፈስ ቅዱስ እዩ፡ ኣብ ወሰን ዮርዳኖስ ቆይሙ ዝተራእየ አብ ብልብነት፡ መንፈስ ቅዱስ ብእስትንፋስነት፡ ዘለውዎ ኣካላዊ ቃል ክርስቶስ እዩ። በቲ ጊዜ እቲ ናይ ብባሕርይ ሓደነቶምን ናይ ብኣካል ሠለስተነቶምን ንምርግጋጽ፤ እግዚአብሔር አብ፡ ኣብ ደመና ኰይኑ መስከረ፤ እግዚአብሔር ወልድ ኣብ ወሰን ዮርዳኖስ ቆይሙ ተራእየ፤ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ከኣ ብርግቢ ኣምሳል ወሪዱ ተራእየ ። ስለ’ዚ ንዓና ንሥላሴ ደስታና እዩ እሞ ሓደ ጊዜስ ይኹን ደኣ ግደፍ በሎ። (ማቴ 3፡15) ተጠሚቑ ከይወዓለ ከይሓደረ ንጊዚኡ በረኻ ቆሮንቶስ ከይዱ ኣርብዓ መዓልትን ለይትን ጾመ፤ ስለ’ዚ ጾም ናይ ሕጊ መጀመርታ ገበረ።  መዓልታት ጾሙ ምስ ፈጸመ ዲያብሎስ ብሠለስተ ኣርእስተ  ኃጣውእ ተፈታተኖ ንሳተን ከኣ ትዕቢት፤ ስስዕቲ ፤ ኣፍቅሮ ንዋይ እየን፡ ብትዕቢት እንተ መጾ ብትሕትና፤ ብስስዕቲ እንተ መጾ ብትዕግስቲ ፤ በፍቅሮ ንዋይ እንተ መጾ ብመንኖ ንዋይ በዚ ኣሸነፎ፡ ሠለስተ ኣርእስቲ ኃጣውእ እተብህሉ እዚኣቶም እዮም፤ ሎሚ’ውን ምእመናን በዚኣቶም እንተ ዘይተሸኒፎም ብኻልኦት ኃጢኣት ኣይሽነፉን እዩም።(ማቴ.4፡1-10) ካብ ገዳም ቆሮንቶስ ወፂኡ ከኣ ወንጌል ክምህር ጀመረ፤ ሠለስተ ዓመትን ሠለስተ ወርኂን ኣብ ምድሪ እስራኤል እናዞረ በብዓይነቱ ዝዀነ ተኣምራት እናገበረ መሃረ።

ካብኡ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መበል ሓሙሽተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእቲን ሠላሳን ዓመተ ዓለም ብዘመነ ሉቃስ ተጠምቐ ፡ ንጊዚኡ ጥሪ ብዓሠርተ ሓደ መዓልቲ ንክጸውም ኣብ በረኻ ቆሮንቶስ ኣተወ፤ ናይ ጥሪ ዕሥራ ካብ የካቲት ዕሥራ ወሲኹ ኣርብዓ መዓልቲ ቀዳም ጾም ይፍጽም። ናይ ጥሪ ባሕቲ ቀዳም፤ ናይ የካቲት ድማ ሰኑይ ነበረ እሞ፤ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ የካቲት ዕሥራ ሰንበት መዓልቲ ካብ በረኻ ቆሮንቶስ መጺኡ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ሠሉስ ናብ መርዓ ተዓዲሙ።  ናብ ቃና እትብሃል ኣብ ኣውራጃ ገሊላ እትርክብ ዓዲ ከደ፤ ኣብኡ ናይ ወንጌል መጀመርታ ዝዀነ ናይ ቃና ዓዲ ማይ ወይኒ ገበረ፤ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ኸኣ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ መርዓ ኾነ ቀዳማይ ምዃኑ “ወዝንቱ ውእቱ ቀዳሚ ተአምር ዘገበረ” ዝበሎ ስለዚ እዩ። (ዮሐ።2፡1-11) መበል ዓሰርተ ሓደ ዝተሾመ ናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳት ድሜጥሮስ  ዝብሃል በአበቅቴን መጥቅዕን ኣዳልዩ ክሳብ ዝውስኖ ዓብይ ጾም ከም ኵሉ በዓላት መዓልቲ ቈጺርካ ጥራሕ ብማንም መዓልቲ ይጅምር ነይሩ፡ ከምኡ’ውን ካብ ደብረ ዘይቲ ጀሚሮም ክሳብ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ዝርከቡ ዓበይቲ በዓላት ኣብ ማንም መዓልቲ ይውዕሉ ነይሮም።

ብዛዕባ ናይ ወዲ ሰብ ጥምቀት

ጐይታመድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ክብል ዓርቢ መዓልቲ ምስ ተሰቕለ ካብ የማናይ ጐድኑ ብዝፈሰሰ ማየ ገቦ ተጠሚቕና ብጸጋ ውሉደነት ረኺብና ደቂ ሥላሴ ንኸውን፡ ክንጥመቕ ከሎና ኸኣ ኣወዳት ኣዳም ተፈጢሩ ገነት ብዝኣትወሉ ብኣርብዓ መዓልቲ፤ ኣዋልድ እንተ ኾይነን ከኣ ሔዋን ተፈጢራ ናብ ገነት ብዝተወትሉ ብሰማንያ መዓልቲ ናብ ቤተ ክርስትያን ተወሲደና ናይ ጥምቀት ሥነ ሥርዓት ይፍጸመልና። (ዘሌ። 12፡1-8፡ ኩፋ።4፡8-13) ንመልከት። ወእንዘ  ታጠምቅዎሙ በሉ በስመ  አብ  ወልድ  ወመንፈስ  ቅዱስ “ ብዝበሎ መሠረት ፤ ካህን ሥርዓተ ጥምቀት ኣብጺሑ “ አሐዱ አብ ቅዱስ ፤ አሓዱ ወልድ ቅዱስ፤ አሐዱ ውእቱ መንፈስ ቅዱስ” ኢሉ ብዝባረኾ ማይ ብርደተ መንፈስ ቅዱስ ተለዊጡ እቲ ብመዓልቲ ዓርቢ ካብ ናይ ጐይታና ጐድኒ ዝፈሰሰ ጽሩይ ማይ ይዀነልና ፤ ብኡኡ ተጠሚቅና ብጸጋ ካብ ሥላሴ ንውለድ። “ዘኢተወልደ እማይ ወእመንፈስ ቅዱስ  ኢይክል በዊኣ ውስተ መንግሥተ እግዚአብሔር” ብሓቂ ብሓቂ እብለካ  ኣለኹ ሰብ ካብ ማይን፤ ካብ  መንፈስ ቅዱስን እንተ ዘይተወልደ ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ክኣቱ ዝኽእል የልቦን ከም ዝበለ (ዮሐ.3፡5፡ኤፌ።5፡25)። ሕፃናት ወዲ በኣርብዓ መዓልቲ፤ ጓል ብሰማንያ መዓልቲ ይጠመቑ ክብል ከሎ ዘይኣመንቲ ምስ ዓበዩ ኣሚኖም ዝጥመቑ ግን ኣቐዲሞም ሠለስተ ዓመት ይመሀሩ ይብል ካህን፡ “አጠምቀከ በስመ አብ ፤ በስመ ወልድ፤ በስመ መንፈስ ቅዱስ፤” ኢሉ ሠለስተ ጊዜ ምስ ኣጥመቖ እንድኅር ደኣ ኣሚኑ ተጠሚቑ፤ ብሰንኪ ኃጢኣት ረሲሑ ዝነበረ ይጸሪ ርሒቑ ዝነበረ ናብ እግዚኣብሔር ይቐርብ ሐሲሩ ዘነበረ ይኸብር።

ምንጪ
ሥነፍጥረት ምስ ሓሙሽተ ኣእማደ ምስጢር
ሸውዓተ ምስጢራተ ቤተክርስቲያን ምስ ሓጺር ሓተታ ንዛዕባ እምነትን ግብርን
ኣድላዊ፥ ኣባ ወልደገብርኤል ቀሺ ብርሃነ 2007