ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያት ምሥጢረ ቍርባን ምስ ኣርኣዮም ሥርዕተ ጸሎት ንምምሃር ሒዝዎም ናብ ጌተሰማኒ ከደ ኣብኡ በጺሑ። ኣብኡ ጸሎት ክሳብ ዝጽሊ ኣብዚ ጽንሑ ኢሉ ዝተረፉ ኣብኡ ገዲፉ ንጴጥሮስን ንዮሓንስን ንያዕቆብን ሒዙ፣ ተፈልዩ ነፍሰይ ክሳብ ሞት ንምብጻሕ ኅዚና ኢሉ ክሓዝንን ክትክዝን ጀመረ።

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ናትና ፍቕሪ ኢሉ ክሳብ ሞት ከምዝበጽሐ ንሕና’ውን ምእንቲ ፍቕሩ ክሳብ ሞት ንምብጻሕ የብቅዐና። ይ.ሕ። ኣሜን። ሽዑ ምሳይ ከማይ ብትግሃት ጸልዩ ኢሉ ካብ ሠለስቲኦም ምደርባይ እምኒ ዝኣክል ተፈልዩ ሰጊዱ ብምብርካኽ ኢዱ ዘርጊሑ ብምቛም ረሃጹ ብብዝሒ ክሳብ ዘንጠብጥብ ደጋጊሙ ጸለየ። ስለ ናትና ፍቕሪ ከምዚ ኢሉ ዝደኸመልና፤ ንሕና’ውን ስለ ናቱ ፍቕሪ ኢልና ንምድካም የብቅዕና። ይ.ሕ. ኣሜን። ብድሕሪ’ዚ ናብ ሓዋርያት ተመሊሱ ደቂሶም ረኺቦም እሞ ንጴጥሮስ ከምዚ በሎ፦ ምሳይ ሓደ ሰዓት ንምትጋህ ስኢንኩም ሕጂ  ድማ ኣብ ፈተነ ንኸይተኣትዉ ተጊህኩም ጸልዩ ኢሉ ብትግሃት ደጋጊምካ ምጽላይ ከም ዝግባእ መሃሮም። ምእንቲ ናትና ፍቕሪ ኢሉ ክሳብ ጊዜ ሞቱ ክንዲ’ዚ ዝኣክል ከም ዝተግሃልናን ዝተዐገሠልናን ንሕና’ውን ስለ ናቱ ፍቕሪ ኢልና ክሳብ ጊዜ ሞትና ንምትጋህን ንምዕጋሥን የብቅዓና።  ይ.ሕ. ኣሜን።

ከም’ዚ ገይሩ እናተማላለሰ ሠለስተ ጊዜ ጸለየ እዚ ኵሉ ንጊዚኡ ንሓዋርያት እኳ እንተ ኰነ ንመጻኢ ግና ክሳዕ መወዳእታ ዓለም በብጊዚኡ እንውለድ ደቂ ሰብ ንዓና ኣብነት ምዃኑ እዩ። (ማቴ.26፡37-46) ካብ’ዚ ንደሓር ተመሊሱ ሕጂስ ደቅሱ ዕረፉ ብኢድ ኃጥኣን ዝተሐዘሉ ጊዜ በጺሑ እዩ እናበሎም ይሁዳ ምስ ሊቀ ካህናት ተሰማሚዑ ኣርባዕተ ክፍሊ (ጉጅለ) ኰይኖም ኵናትን ሴፍን ዝሓዙ ወተሃደራት ሒዙ መጸ’ሞ ፤ ኦ መምህር ገባር ክፉእካን ጸላኢኻን ኣየውዕሎ ኣየሕድሮ እናበለ ብተንኰል ሲዒሙ ኢድ ነሥኣሉ።

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ዓርከየ ብምስዓም’ዶ ክተትሕዘኒ መጺእካ በሎ ነዚ ምልክት ገይሩሎም ስለ ዝነበረ ተቓላጢፎም ሒዞም ኣሰርዎ እናኣዳፍኡ ናብ ቦታ ሊቀ ካህናት ወሰድዎ። ካብኡ’ውን ብእሱሩ ወሲዶም ንጲላጦስ ሀብዎ። ሣልሳይ ሰዓት ናይ መዓልቲ ምስ ኮነ ዓዕፅምቱ ክሳብ ዝርኣ ገረፍዎ። በቲ ጊዜ  እቲ ንምልጋጽ ቀይሕ ባርኖስ ኣልበስዎ። ናይ እሾኽ ኣኽሊል ተቲዖም ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ፤ ኣብ የማናይ ኢዱ ዘንጊ ኣትሒዞም ኦ ናይ ኣይሁድ ንጉሥ ገባር ክፉእካን ጸላኢኻን ኣየውዕሎ ኣየሕድሮ እናበሉ ብናይ ላግጺ ኣዘራርባ ሰገድሉ። ገጹ ጸፍዕዎ፤ጭሕሙ ነጸይዎ፤ ተዛረብ መን’ዩ ዝወቕዓካ እናበሉ ርእሱ ብዘንጊ ወቕዕዎ። ከም’ዚ ገይሮም ምስ ኣላገጽሉ ዘልበስዎ ክዳን ቀንጢጦም ዝስቀለሉ ዕፀ መስቀል ኣሸኺሞም እንዳኣፉኡ ናብ ዝሰቀለሉ ቦታ ቀራንዩ ዝበሃል ወሰድዎ። ኣብኡ ንእሽቶይ ጨርቂ እኳ ከየዕጠቑ ዕራቑ ዓዕፅምቲ መሰንገልኡ  ክሳብ ዝረአ ሓደ ክልተ ኢልካ ዝፍቀድ፤ ኣብ ልዕሊ ሸብዓተ  እመት ዝቑመቱ ዕንፀይቲ ስሒቦም ብሓሙሽተ ሽንካር ሸንከርዎ።(ማቴ.27፡26)

ምእንቲ ናትና ፍቕሪ ኢሉ እዚ ኵሉ መከራ ከም ዝተቐበለ ንሕና’ውን ምእንቲ ናቱ ፍቕሪ ንምዕጋስ የብቅዓና፤ ሓሙሽተ ናይ ልብና ሓሳባት (ተንቃሳቃሲነት) ንምሽንካር የብቅዓና።  ይ.ሕ. ኣሜን።

ቀትሪ ምስ  ኮነ “ዘኢፆረ መስቀለ ሞቱ ኢይክል ይጸመደኒ” መስቀል ሞተይ ተሸኪሙ ዘይሰዓበኒ ወዲ መዝሙረይ ክኸውን ኣይክእልን እዩ ኢሉ ዝመሃሮ ብግብሪ ንምፍጻም ተሰቕለ፤ ጸሚአ እንተ በለ ሓሞት ዝተሐወሶ መጺጽ ነገር ኣስተይዎ፤ ኣብ መበል ታሽዓይቲ ሰዓት መዓልቲ “ አባ ሥረይ ሎሙ፤ ውስተ እዴከ አመኅፅን ነፍስየ” ኢሉ ቅድስት ነፍሱ ካብ ክቡር ሥጋኡ ፈለየ።

ብኡብኡ መለኮት ብኣካለ ነፍስ ሲኦል ወሪዱ ካብ ኣዳም ጀሚሮም ክሳብ ሽዑ ዝወረዱ ነፍሳት ኣውፂኡ ገነት ኣእተዎም። (ማቴ።27፡52  1ጴጥ.3፡19-20) “ወበርበረ ነፍሳቲሆሙ ለጻድቃን እለ ነበሩ ውስተ ደይን ወአውፆኦሙ ወአብኦሙ ውስተ ገነት ትፍሥሕት ፍና ሠርክ፤ በከመ ወፅአ ቀዳሚ አዳም እምገነት ፍና ሠርክ በዕለት ዓርብ ብሳብዕ  ዓም፡ ወከማሁ ቦኣ ውስተ ገነት ፍና ሠርክ በዕለተ ዓርብ” ነቶም ኣብ ሲኦል ዝነበሩ ነፍሳት ጻድቃን ዘሚቱ ኣውፂኡ ናብ ገነት ቦታ ፍሥሓ ኣጋ ምሸት ዓርቢ ኣእተዎም ከምቲ ቅድም ኣዳም ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ብዕለት ዓርቢ ኣጋ ምሸት ካብ ገነት ዝወጸ፡ ከምኡ ከኣ ብዕለት ዓርቢ ኣጋ ምሸት ናብ ገነት ኣእተዎም ከም ዝበለ።(መጽሐፈ ምሥጢር ዘለፋ ኣርሲስ)

ድሕሪ ሞቱ ሓደ ወተሃደር ኣሎ’ዶ ሞይቱ ኢሉ ብዝተሳሕለ ኵናት የማናይ ጕድኑ ወጕኦ እሞ ውዑይ ደም ዝስተ ንመድኃኒት፤ ጽሩይ ማይ ንጥምቀት ዝኸውን ከም ለ ፊደል ፈሰሰ። ምሸት ምስ ኮነ ዮሴፍን ኒቆዲሞስን መጺኦም ከም ሥርዓቶም ሓፂቦም ገኒዞም ናብ መቓብር ኣውረድዎ፡ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ኣብ ውሽጢ መቓብር ውዒሉ ሓዲሩ፡ ብኅቱም ድንግልና ከም ዝተወልደ፤ መቃብር ብኅቱሙ ድማ ብሰንበት ፍርቂ ለይቲ ተንሥኣ (ማቴ.12፡40፡ ማር.16፡1፡ ሉቃ.24፡1 ፡ ዮሐ.20፡1) ምስ ተንሥኣ ጉባኤ ገይሩ ንዓሠርተው ክልተ ሓዋርያት ተራእዮም። ኣብ ዝተፈላለየ መዓልቲ ከኣ ኣርብዓ መዓልቲ ክሳብ ዘኣክል ንኽልተ ንሠለስተ እናተገልጸ መጽሐፈ ኪዳን መሃሮም።

“ወዘንቱ ሣልሱ እንዘ ያስተርእዮሙ እግዚእ ኢየሱስ ለአርዳኢሁ ተንሢኦ እምነ ሙታን” ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ካብ ምውታን ምትንሥኡ ንደቂ መዛሙርቱ ዝተገልጽሎም እዚ ሣልሳይ ጊዜ እዩ።(ዮሐ.21፡14) ኣብ መበል ኣርብዓ መዓልቲ ትእዛዝ ኣዚዝዎም ተስፋ ሂብዎም። ብናይ መላእኽቲ ዕልልታ ብብርሃን ብጐይትነትን ኵላቶም እናረኣይዎ ናብ ሰማይ ዓረገ፡ ኣብ ዘባነ ኪሩቤል ኣብ የማን ኣብኡ ተቐመጠ ይብል። (ግ.ሓዋ.1፡2-3, 1ጴጥ.3፡22) ኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ መንፈስ ቅዱስ ሰደደሎም ንሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ ምስ ወረደሎም ሰብዓን ሓደን ቋንቋ ተገልጸሎም። (ግብ.2፡1-40)

ሓዋርያት “ሑሩ ወመሀሩ” ብዝበሎም ትእዛዝ መሠረት ንዕኡ መሲሎም ንዓለም ብምልኡ እናዞሩ ምሃሩ ኣእመኑ ኣጠመቑ፡ ብድሕሬኦም ጳጳሳትን ኤጲስ ቆጶሳትን፤ ካህናትን፤ዲያቆናትን ተኪኦም ድማ ሓለፉ፡ እዚ መተካእታ እዚ ድማ ክሳዕ መወዳእታ ዓለም ምሳኻትኩም ህልዊ እየ ዝበሎ እዚ ምዃኑ ይፍለጥ። (ማቴ።28፡29) ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ትንሣኤ ካብ ብዙሕ ብውሕዱ እዚ እዩ።

ብዛዕባ ናይ ወዲ ሰብ ትንሣኤ
ትንሣኤ ሙታን’ከ ከመይ እዩ፧ ንዝብል ሎሚ ወዲ ሰብ ብዝሞተ እግዚአብሔር ብዝፈልጦ ነገር (ኣርባዕተ ናይ ሥጋ (ተፈጥሮ) ኣርባዕተ ባሕርያተ ሥጋ ማለት እሳት ምስ እሳት፤ ነፋስ ምስ ነፋስ፤ ማይ ምስ ማይ መሬት ምስ መሬት ሓቢሩ ይነብር። ጊዜ ምስ በጽሓ ኣቐዲሞም መላእኽቲ ነርባዕተ መዓዝን ዓለም ጎቦ ኣፍሪሶም ዓሚቕ መሊኦም ንዓለም ከም መደብ የተኻኽልዋ፡ ድሕሪ እዚ ሠለስተ ኣዋጅ ይንገር እሞ ብመጀመርታ ኣዋጅ እሳት፡እሳት ካብ ኰንኩ ፤ ነፋስ ነፋስ ካብ ኰንኩ፤ ማይ፡ ማይ ካብ ኰንኩ፤ መሬት፡ መሬት ካብ ኰንኩ ከይበለ ካልእ ዘይኮነ እቶም ብሕይወተ ሥጋኡ ዘገልግልዎ ዝነበሩ ኣርባዕተ ባሕርያት ተዋሃሂዶምዎ ኣራዊት ዝበልዖ ቀላይ ዝወሐጦ፤ ውሕጅ ዝወሰዶ፤ መሬት ኰይኑ ተበታቲኑ ዝነበረ ኣካል ዝተላጸየ ጸጉሪ ዝተቘርጸ ጽፍሪ ሓደ ነገር ከይተረፈ ርእሲ ኣብ ዘለዎ ቦታ ይእከብ።

ብኻልኣይ ኣዋጅ ኣዕፅምትን ሥጋን ብዘይ ምንቕስቓስ ፍጹም በድኒ (ሬሳ) ይኸውን (ሐዳፌ ነፍስ ቅዳሴ ያዕቆብ) ከም ዝበለ። ብሣልሳይ ኣዋጅ ኣብ ሓደ ግራት ሥርናይን ክርዳድን ምስ ዚዝራእ፤ ሥርናይ ሥርናይ ኰይኑ፤ ክርዳድ ክርዳድ ኰይኑ ከም ዝበቍል፤ ወዲ ተባዕታይ መጠን ኣዳም  30 ዓመት፣ ጓል ኣንስተይቲ መጠን ሔዋን ጓል ዓሠርተ ሐሙሽተ ዓመት ኰይኖም ነዊኅ፤ ሓጺር፤ ቀይሕ፤ ጸሊም፤ ጽቡቕ፤ ክፉእ ዘይኮነ ሓደ ቁመቱ ሓደ መልክዕ ኰይኖም ተተኻኪሎም ይትንሥኡ (1 ቆሮ 15፡52) ተጸኒሶም መዓልቶም ከይ እኸለ ዝሞቱ ሕፃናት ጐቢዞም ኣረግቶት ከም ንስሪ ተሐዲሾም ይትንሥኡ ይብል። (ያዕቆብ . ሐዳፌ)

ጻድቃን ኣብ ብርጭቆ ዘሎ ሜስ፡ ኣብ ፋኑስ ዘሎ መብራህቲ ከምዘይክወል ብባሕርየ ሥጋን ነፍሰን ብጸጋ መንፈስ ቅዱስ ሕያዋን ኰይኖም ብርሃን ለቢሶም ብርሃን ተጐናጺፎም፤ ብሕይወተ ሥጋ ዘገልግልዎ ንዝነብሩ ንክርስቶስ ጐይትኦም መሲሎም ከም ቋሕ ሰም ቕጽበት ዓይኒ ይትንሥኡ ። ምስኦም  ይደምረና ኣሜን።

ኃጥኣን ከኣ ዝተደጐለ ሓዊ፤ ኣብ ቍራዕ ዘሎ ሜስ ከም ዘይርኣ፤ በኣርባዕተ ባሕርያተ ሥጋ ብሓምሻይ ባሕርየ ነፍስ ህያዋን ኰይኖም ጸልማት ለቢሶም፡ ጸልማት ተጓናጺፎም ብሕይወተ ሥጋ ኸለዉ ፍቓዱ ንዝገበሩ ዲያብሎስ መሲሎም ከም ቅጽበት ዓይኒ ይትንሥኡ። (ዮሓ.5፡29) “ወአመ ተርኅዉ አብያተ መቃብራት ይትነሥኡ ሥጋት ወይገብኡ ነፍሳት እምኅበ ውፅኡ ቀዲሙ፤ ወይቀውሙ ቅድመ እግዚአብሔር ዕራቃኒሆሙ በከመ ተወልዱ፡ ወይትከሠት ምግባራቲሆሙ ወይፀዉሩ ምግባሮሙ ዲበ መታክፍቲሆሙ ወይትፈደዩ በከመ ምግባራቲሆሙ ዘገብሩ”

መቓብራት ምስ ተኸፍቱ ሰባት ክትንሥኡ እዮም፡ ነፍሳት ናብ’ቲ ቅድም ወጺኦምሉ ዝነበሩ ሥጋ ይምለሱ እሞ ኣብ ቅድም ወጺኦምሉ ዝነብሩ ሥጋ ይምለሱ እሞ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ከምቲ ዝተወልድዎ ብዕሩቓቶም ይቖሙ ሽዑ ካብ ንእስነቶም ክሳዕ ጊዜ ሞቶም ዝገበርዎ ተግባሮም ክግለጽ እዩ፡ ኃጢኣቶም ኣብ መንኵቦም ፀይሮም ከኣ ከከም ግብሮም ክፍደዩ እዮም። (መጽ.መቃባውያን ያዕቆብ ቅዳሴ ሐዳፌ ነፍስ)

ሎሚ ጻድቃንን ኃጥኣንን ብሓደ ይቕበሩ ኣለዉ ኃጥኣን ጻድቃን መሲሎም፡ ጻድቃን ኃጥኣን መሲሎም ዶ ክትንሥኡ ኢዮም፧ እንተ ተባህለ ኣይከውንን። ሥርናይን ንሂጕን ሓቢሮም ምስ ዚዝርኡ ሥርናይ ኰይኑ ንሂጕ ንሂጕ ኰይኑ ከም ዝበቍል ጻድቃን ከም ፀሐይ በሪሆም፤ ፈጣሪኦም ክርስቶስ መሲሎም ይትንሥኡ፤ ኃጥኣን ድማ ካብ ዝኸምኦም የድሕነና፡ ከም ኳኽ ጸሊሞም ሓለቓኦም ዲያብሎስ መሲሎም ይትንሥኡ (ማቴ.13፡43)

ከምኡ ድማ ኣራዊት ዝበልዖ ሰብ እቲ ናይ ኣራዊት ሥጋ ምስኡ’ዶ ክትንሥእ ይኽእል፧ እንተ ተባህለ ኣይክእልን። እኽልን ሓመድን ብሓደ ይዝራእ እቲ እኽሊ ይበቍል ሓመድ ድማ ይተርፍ። ከምኡ ኸኣ ሥጋ ይተርፍ ። (1ቆሮ.15፡42) (ያዕቆብ. ሐዳፌ ነፍስ)

ብድሕሪ’ዚ ጐይታ መቃብር ክፈቱለይ መግነዝ ፍትሑለይ  ከይበለ ብዝሞተሉ ሥጋ ከም ዝተንሥኣ ኵሎም ሙታን ከምኡ መቓብር ክፈቱልና መግነዝ ፍትሑልና ከይበሉ ብዝሞትዎ ሥጋ ይትንሥኡ ከም ንስሪ ተሓዲሶም፤ ከም ስየ ተመልሚሎም ከም ቅጽበት ዐይኒ ተንሢኦም ከም ጽፍቀተ ሮማን ኰይኖም ኣብ ቅድሚ ጐይታ ይቖሙ።

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  በቲ ዝተወሃሃዶ ሥጋ ብግርማ መንግሥቱ ናብ ሰማይ ከምዝደየበ በቲ ዝተወሃሃዶ ሥጋ ብግርማ መለኮቱ መጺኡ ኣብ ናይ ጐይትነቱ ዙፋን ተቐሚጡ፡ ከም ፀሐይ ካብ ምብራቕ ክሳብ ምዕራብ ኣብ ኵሉ ዘለዉዎ ቦታ ክረኣዮም እዩ። (ማቴ.24፡27)

ንጻድቃን ፍቕሪ፤ ንኃጥኣን ድማ በቐል መዘኻኸሪ ንክኸውን ዝተሰቐለሉ መስቀል ዝተሸንከረሉ ሽንካር ኣብ ቅድሚኡ ክርኣ እዩ። (ራእ.1፡7) መላእኽቲ ከኣ ኣጽዋሮም ከም ዝዓጠቑ ወተሃደራት ኰይኖም ተሰሊፎም ክቖሙ እዮም፣ ዲያብሎስ ድማ “ ወያመጽእዎ ሰመንቱ ኃይላን መላእክት ለብርያል” ይብል ናይ ኃሣር ዘውዲ ደፈኡ ዐይኑ ብደም ተዘጊሑ፡ ብናይ እሳት ሰንሰለት ሓፂን ተኣሲሩ፡ እናረዓደን እና ኣንቀጥቀጠን የምጽእዎ’ሞ ኣብኡ ምስ በጽሐ ዘውዱ ገፊፎም ምስ ሠራዊቱ ኣብ ዝግብኦ ቦታ የቑምዎ። በቲ ጊዜ እቲ ኣብ ወንጌል ከም እተጻሕፈ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንጻድቃን ኣመስጊኑ።

“ንዑ ኅቤየ ብሩካኑ ለአቡየ ትረሱ መንግሥተ ሰማያት ዘድልዉ ለክሙ እምቅድመ ዓለም” ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት እቲ ዓለም ክፍጠር ኰሎ ዝተዳለወልኩም መንግሥቲ ክትወርሱ ንዑ ናባይ ይብሎም፡ (ማቴ.25፡34) ንክርስቶስ ጐይትኦም ተኸቲሎም ናብ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ናብ መንግሥተ ሰማያት የኣትዉ ምስ ኦም ይደምረና።  ይ.ሕ. ኣሜን። ንኃጥኣን ከኣ ወቒሱ።

“ሑሩ እምኔየ ርጉማን ውስተ እሳት ዘለዓለም ዘድልው ለሰይጣን ወለመላእክቲሁ” ኣቱም ርጉማት ካባይ ርሓቘ ናብቲ ንሰይጣንን ነጋንንቱን ዝተዳለወ ናይ ዘልዓለም ሓዊ ኪዱ ይብሎም ካብኦም የድሕነና። (ማቴ. 25፡41) ሽዑ ብናይ እሳት ገመድ ተሳሒቦም ሓለቓኦም ዲያብሎስ ተኸቲሎም ናብ ናይ ዘለዓለም ሞት ናብ ገሃነም ይኸዱ።

ካብ’ዚ ንደኃር ዘውሰቡ ከም ዘየውሰቡ፤ ዝሐዘኑ ዝበኸዩ፤ ከም ዘይሐዘኑ፤ ከም ዘይበኸዩ፤ ዝተሐጐሱ ከም ዘይ ተሓጐሱ ዝተደሰቱ ከም ዘይተደሰቱ፤ ዝገዝኡ ከም ዘይገዝኡ፤ ዝበልዑ ዝጸገቡ ከም ዘይጸገቡ ከም ዘይሰተዩ ይዀኑ ይብል። (1ቆሮ 7፡29-30)

ኣብ’ዚ ዓለም’ዚ ዝነበረ ደስታን፤ ሓጐስን፤ ሓዘንን፤ ብኽያትን ከም ሕልሚ ኰይኑ ይተርፍ። ናይ ዓለም መጨረሻን ናይ ወዲ ሰብ ፍጻሜን በዚ ዀነታት እዚ የብቅዕ፡ ዕድልና ምስ እቶም ፍቓድ ጐይታ ገይሮም ብሩኻት ናይ ኣቦይ ንዑ ናባይ ተባሂሎም ዝተጽውዑን ዝተመረጹን ጻድቃን ኽገብረልና።

“በከመ ምሕረትከ አምላክነ ወአኮ በከም አበሳነ ትምጻእ መንግሥትከ ወይኩን ፈቃድከ” ኦ ኣምላኽና ከም ምሕረትካ እንበር ከም በደልና ኣይኹን፤ መንግስትኻ ትምጻእ፤ ፍቓድካ’ውን ይኹን እናበልና ጸሎት ምግባር የድልየና።

ሕቶን መልስን ብዛዕባ ትንሣኤ ሙታን

ሕቶ፦ ቀዳማይ ዳሕራይን ትንሣኤ ዝበሃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ኣሎ። ክልተ ትንሣኤ ኣሎ ማለት ድዩ፧

መልሲ፦ ኣይፋሉን። ትንሣኤ ሓደ ጊዜ እዩ፡ ቀዳማይ ትንሣኤ ተባሂሉ ዘሎ ትንሣኤ ልቡና እዩ። ትንሣኤ ልቦና ማለት ወዲ ሰብ፤ ብምኽሪ ካህን ካብ ዝነበሮ ጌጋ መገዲ ተመሊሱ፤ ተኣሪሙ ናብ ሥጋኡን ደሙን ዝብጽሓሉ እዚ ቀዳማይ ትንሣኤ ወይ ትንሣኤ ልቡና ይብሃል።

ብሓቒ ብሓቒ እብለኩም ኣለኹ፤ እቲ ንቓለይ ዝሰምዕ በቲ ዝለኣኸኒ’ውን ዚኣምን፤ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ኣላቶ፤ ንሱ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ይሣገር እምበር ናብ ፍርዲ ኣይኪበጽሕን እዩ፡ እቶም ምውታት ድምጺ ወዲ ኣምላኽ ዝሰምዑላ ሰዓት ትመጽእ ኣላ፤ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ፡እቶም ዝሰምዕዎ ዘበሉ ድማ ብሕይወት ከም ዝነብሩ ብሓቒ ብሓቒ እብለኩም ኣለኹ፡በዚ መሰረት እዚ (ዮሓ.5፡24-25፡ ኤፌ.22፡ ማቴ8፡21፡ ራእ.20፡5-6) ንትንሣኤ ልቡና ዘመልክት እዩ፡ ትንሣኤ ዘጉባኤ ግና ሓደ ጊዜ እዩ።

ሕቶ፦ ኣብ መወዳእታ ዓለም ንፍርዲ ዝመጽኡ ሥላሴ ድዮም፧

መልሲ፦ ኣይኰኑን።

ሕቶ፦ መን ደኣ’ሉ፧

መልሲ፦ እቲ ብሐፂር ቁመት ብጸቢብ ደረት ውሱን ሥጋ ለቢሱ ዝተወሃደ ኣካላዊ ቃል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ ንፍርዲ ዝመጽእ። እዚ ክበሃል ኰሎ ግን ነዓይ ዝረኣየ ንኣቦ ረኣየ፤ ኣነን ኣቦን ሐደ ኢና፤ ቀጺሉ’ውን እቲ ኣቦይ ብስመይ ዝሰዶ መጽናንዒ መንፈስ ቅዱስ ምስ መጸ ንሱ ኹሉ ክምህረኩም እዩ፡ (ዮሓ.14፡9/26) ብዝበሎ መሠረት እቲ ፍርዲ ዀነ ካልእ ማንም ኵሉ መለኮታዊ ተግባር ናይ ሠለስቲኦም ፍቓድ ምዃኑ ክንኣምን ይግብኣና።

ሕቶ፦ ሰብ ምስ ሞተ ፈሪሱ በስቢሱ ዶ ይተርፍ፧ ወይ ይትንሥእ፧

መልሲ፦ ዝሞተካ ተንሥእ ዝብል ሠለስተ ረቀቐቲ ኣዋጅ ዝንገር ኣሎ። በቲ ቐዳማይ ኣዋጅ “ንቃሕ መዋቲ ዘትነውም” ሜትካ ዘሎኻ ተንሥእ ዝብል ኣዋጅ ምስ ተነግረ ኣራዊት ዝበልዖ ውሕጅ ዝወሰዶ ነፋስ ዝበተኖ ኵሉ ኣብቲ ርእሲ ዘለዎ ሥጋ ይእከብ ይብል፡ ብኻልኣይ ኣዋጅ ከኣ ዓዕፅምትን ሥጋን ተወሃሂዶም ብዘይ ምንቅስቃስ ሓዲሽ (በድኒ) ሬሳ ይኸውን፡ ብሣልሳይ ረቂቕ ኣዋጅ ካብ ጸጉሪ ርእሶም ክሳብ ርእሶም ክሳብ ጽፍሪ እግሮም ካብ ሰውነቶም ገለ ከይጎደሎም ሰብኣይ መጠን ኣዳም ወዲ ሠላሳ ዓመት፤ ሰበይቲ መጠን ሔዋን ጓል ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት ኮይኖም ጽቡቕ ዝሠርሐ እቲ ጽቡቕ ሥርሑ፡ ክፋእ ዝሠርሐ ኸኣ እቲ ክፋእ ሥርሑ ፀይሩ ይትንሥእ።(1ተሰሎ.4፡3-17,1ቆሮ.15፡35-53, ገላ.6፡4-10 ያዕቆብ ዘሥሩግ)

ሕቶ፦ ክትንሥኡ ከለዉ’ኸ ንመን መሪሕ ወይ ቦኽሪ ገይሮም ይትንሥኡ፧

መልሲ፦ ነቲ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ኣብ ውሽጢ መቓብር ገይሩ ኃይሊ መቓብር ሲዒሩ ዝተንሥአ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቦኽሪ ገይሮም ይትንሥኡ (ሮሜ.8፡29-34) “ካብ ሞት ተንሢኡ ናይ ዝሞተ ዅሉ’ውን ቦኽሪ ስለ ዝኾነ ናይ ትንሣኤኦም ጀማሪ እዩ ይብል”።

ኣተሓሳሲቡ ንምጅማር ፤ ኣጀሚሩ ንምፍጻም ንዘብቅዓና ብባሕርዩ ልዑል ንዝኾነ እግዚአብሔር ምስጋና ይብጻሐዮ ኣሜን።

ምንጪ
ሥነፍጥረት ምስ ሓሙሽተ ኣእማደ ምስጢር
ሸውዓተ ምስጢራተ ቤተክርስቲያን ምስ ሓጺር ሓተታ ንዛዕባ እምነትን ግብርን