ጐይታ ቅድሚ ዓለም ብልቢ ዝመኸሮን ብነብያት ዝተዛረቦን ትንቢት ንምንፋጻም፤ ዓለም ንምድሓን፤ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወልደ፤ ተወሊዱ ኸኣ ሕጊ ጠባይዓዊን፤ ሕጊ መጽሐፋዊን፤ እናፈጸመ ዓበየ። “ልሕቀ በበሕቅ እንዘ ይትኤዘዝ ለአዝማዲሁ ወለይእቲ እሙ”፤ "ነዲኡን ነዝማዱን እናተኣዘዘ በብንእሽቶ ዓበየ" (መቅድመ ወንጌል)፤ ባህርያዊ ሕጊ በብንእሽቶ ምዕባይ እዩ፤ ሕጊ መጽሓፋዊ ከኣ ሕገ ኦሪት ምፍጻም እዩ። “እግዚኦ ለኦሪት ገብረ ብሕገ ኦሪት ከመ ይሣየጦሙ ለእለ ውስተ ኦሪት”፤ "ጐይታ ሕጊ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ንዝነብሩ ንምብጃው ሕጊ ፈጸመ" ከም ዝበለ።(ገላ።4፡4)
ናይ ኦሪት ሕጊ ምፍጻም ከኣ እዚ እዩ ፤ ኣብ ሻሙናይ መዓልቲ’ውን፤ እጕለ ርግብን ዘውገ ማዕነቅን ኂዝካ ናብ ቤተ መቕደስ  ንምብራኽ ምእታዉ፤ ኣብ ዓመት ሠለስተ ጊዜ በዓል ንምኽባር ኢየሩሳሌም ምኻድ እዩ፡ (ሉቃ 2፡21-24) “ሠለስተ ጊዜያተ ለለዓመት ለያስተሪ ተብዕትከ”:: ከም’ዚ ኢሉ እናዓበየ ወዲ ሠላሳ ዓመት ምስ መልአ ብዘመነ ሉቃስ ዓሠርተ ሓደ ጥሪ ሠሉስ መዓልቲ ብኢድ ዮሃንስ ንምጥማቕ ናብ ሩባ ዮርዳኖስ ከይዱ፤ ንዮሓንስ ኣጠምቐኒ በሎ፡ ዮሓንስ ግን ኣነ ባርያኻ ብኢድካ እየ ኽጥመቕ ዘለኒ እምበር ንስኻ ጐትይስ ብኢደይ ክተጥመቕ እዚ ግቡእ ኣይኰነን፤ ግቡእስ  ኣነ ናባኻ ክመጽእ እየ ዘሎኒ እምበር፤ ንስኻ ናብ ባርያኻ ናባይ ክትመጽእ ኣይግባእን፤ ብማለት ኣይከውንን እዩ ኢሉ ኣበዮ። ጐይታ ግን “ኅድግ ምዕረሰ እስመ ከምዝ ተደላ ለነ”፤ "ንዓና ንሥላሴ ሓድነትናን ሠለስተነትናን ዝግለጸሉ ደስታና እዩ’ም ሓደ ጊዜስ ግደፍ ደኣ በሎ"፤ ሓደ ጊዜ ምስ ተጠምቐ ካልኣይ ስለ ዘይጥመቕ፤ ንመጻኢ’ውን ጥምቀት ሓደ ጊዜ ምዃኑ ንምርዳእ፡ “ወነአምን በአሐቲ ጥምቀት” ከም ዝበለ። (ዕብ. 1-2)

ብሓደ ወገን ከኣ ንርእሱ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእመናን ቈጺሩ፤ ንዓና ንምእመናን ካብ ሥላሴ ንውለደሉ ሓጎስና እዩ’ም ሓደ ጊዜስ ይኹን ደኣ በሎ፡ ድኅሪ’ዚ ተታሓሒዞም ናብ ሩባ ወሪዱ ሽዑ  ግዜ ብስም አብ ከየጠምቐካ መንፈስ ቅዱስ ኣባኻ ህልዊ እዩ፤ ብስም ወልድ ከይጥምቐካ  ወልድ ንስኻ ኢኻ፤ ብናይ መን ስም ደኣ’ሞ ከጠምቐካ እየ፧ “አንተ ካህኑ ለዓለም በከመ ሢመቱ ለመልከ ጸዴቅ ፤ ወልዱ ለብሩክ ከሣቴ ብርሃን ተሥሃለነ”፤ ከም ሽመት መልከ ጼዴቅ ንስኻ ንዘልዓለም ካህን፤ ወዲ ቡሩኽ ገላጺ ብርሃን ይቕረ በለልና ኢልካ ኣጠምቐኒ በሎ፡ ኢዱ ኣየቐመጠሉን ዘርጊሑ ኢዱ ጠጠው ብዝበለ “ወፈልሑ ማያት ከም ዘሞቁ” ማያት ከም ዝፈልሑ ሞቑ፡ ማይ እናተማላለሰ ሠለስተ ጊዜ ሓፂብዎ ወረደ።

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ስለ ምንታይ ተጠምቐ፧ እንተ ተብህለ ንስኻትኩም’ከ ከማይ እንተ ተጠምቕኩም ውሉድነት ትረኽቡ ማለት ብርደተ መንፈስ ቅዱስ ብጸጋ ደቂ ሥላሴ ትዀኑ ንምባል እዩ። “አኮ ፈቆዶ ለተጠምቆ አላ ከመ የሀበነ ሱታፌ ንጽሕና” ነዓና ካብ ኃጢኣት ዘንጽሕ ውሉድነት ንኽህበና እምበር ንጐይታስ ጥምቀት ዘድልዮ ኣይነበረን ከም ዝበለ።

ሕራይ እዚስ ይኹን ብዙሓት ሩባታትት ከለዉ’ከ ኣብ ዮርዳኖስ ዝተጠምቐ ሰለምንታይ  እዩ እንተ ተባህለ፤ ትንቢቱን ምሳሌኡን ንምፍጻም እዩ። ትንቢት ማለት “ባሕርኒ ርእየት ወጐየት ወዮርዳኖስኒ ድኅሪሁ” ባሕሪ ርእያ ሃደመት፤ ፈለግ ዮርዳኖስ ከኣ ንድሕሪት ተመልሰ(መዝ.114፡3-4) ምሳሌኡ ድማ ኣብርሃም ዮርዳኖስ ተሳጊሩ ምስ መልከጼዴቅ ምስ ተራኸበ መልከ ጼዴቅ ኅብስተ ኣኰቴትን ጽዋዓ በረከትን ሀቦ ይብል፡ ኣብርሃም ናይ ምእመናን ምሳሌ፤ መልከ ጼዴቅ ናይ ካህናት ምሳሌ፡ኅብስተ አኰቴት ጽዋዓ በረከት ናይ ሥጋኡን ደሙን ምሳሌ፤ ዮርዳኖስ ድማ ናይ ጥምቀት ምሳሌ እዩ። (ዕብ.7፡1-8) ምሳሌኡ ብዙሕ እዩ፤ ንመረድኢ እዚ የኣክል።

ትንቢቱስ ንሱ ብዘፈለጦ ኣናጊርዎ፤ ምሳሌኡ ውን ንሱ ብዝፈልጦ መሲልዎ ኣሎ፡ ምሥጢሩ እንታይ እዩ እንተ ተብህለ፤ ንኣዳምን ሔዋንን ካብ ገነት ድኅሪ ምውፃኦም ኣብ ሥነ ፍጥረት ከምዝተመልከትናዩ ዲያብሎስ መግዛእቲ ኣጽኒዕሎም ነበረ። እሞ እዚ መግዛእቲ ከቕልለልኩምሲ ናይ ተገዛእነትኩም ስም ጽሒፍኩም ኃቡኒ በሎም እሞ ንሳቶም ከኣ ኣዳም ባርያ (ግዙእ) ዲያብሎስ፤ ሔዋን ባርያ (ግዚእቲ) ዲያብሎስ ኢሎም ጽሒፎም ሀብዎ።  ጽሒፎምስ ኣይሀብዎን ይኵነና ሕራይ ማለቶም ደኣ እዩ፡ ንሱ ግን ኣብ ክልተ እብነ በረድ ጽሒፉ ሓደ ኣብ ሲኦል፤ እቲ ሓደ ከኣ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ሓቢእዎ ነበረ እሞ፤ ነቲ ኣብ ዮርዳኖስ ዝነበረ  ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብሰውነቱ ረጊጹ ብኣምላኽነቱ ኣምኪኹ ኣጥፈኣሎም፡ “ወደምሰሰ ለነ መጽሐፈ ዕዳነ በሥርዓቱ እምዕድውነ፤ ወአእተቶ እማእከሌነ ፤ ወቀነዎ በመስቀሉ፡” ነቲ ብሕጋጋት ዝቓወመናን ዝበኣሰናን ዘነበረ ብኢድ ጸላኢና ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ዕዳና ደምሰሶ ፤ ኣብ መስቀል ሸንኺሩ’ውን ካብ ማእከልና ኣርሓቖ ይብል። (ቈላ።2፡14) “ወሰጠጠ መጽሐፈ ዕዳሆሙ ለአዳም ወለሔዋን ወረሰዮም አግዓዝያነ” መጽሓፍ ዕዳኦም ቀዲዱ ንኣዳምን ሔዋንን ነፃ ኣውፀኦም ከም ዝበለ። (ወዳሴ ማርያም .ዘሰኑይ) እቲ ኣብ ሲኦል ዝነበረ ከኣ ብመዓልቲ ዓርቢ በኣካለ ነፍስ ሲኦል ወሪዱ ደምሰሰሎም።(1ጴጥ.3፡19)

ስለምንታይ እዩ ጥምቀቱ ብማይ ዝገበረ ብመዓር፤ ብጸባ ዘይገበሮ እንተ ተባህለ፤ መዓርን ጸባን ኵሉ ኣይረኽቦን እዩ፣ ማይ ግን ኵሉ ስለ ዝረኽቦ ብማይ ተጠመቐ። ካልኣይ ነገር’ውን መዓርን ጸባን ናይ ሥጋ መልክዕ ኣየርእን እዩ ማይ ግን መልክዕ ሥጋ ከም መስትያት ስለ ዘርኢ ከምኡ ደማ ጥምቀት መልክዕ ነፍሲ የርኢ። መዓርን ጸባን ተኽሊ የድርቑ እምበር ኣየለምልሙን እዩም፤ ማይ ግን ተኽሊ ስለ ዘለምልም ብጥምቀት ከኣ ልምላሜ ነፍስ ምርካብና ንምርድእ እዩ። መዓርን ጸባን ንልብሲ የርስሕዎ እምበር ኣይንጽሕዎን፣ ማይ ግን ስለ ዘንጽሕ ብጥምቀት ከኣ ንጽሕና ነፍሲ ምርካቡ ንምርዳእ እዩ። ብማይ ዝተጠምቐ ንምንታይ ዝብል ሕቶስ ብዙሕ እዩ ንመረድኢ ግን እዚ የኣክል።

ተጠሚቑ ብኡብኡ ካብ ማይ ምስ ወፀ እግዚአብሔር ኣብ፤ አብ ደመና ኰይኑ “ዝንቱ ውእቱ ወልድየ ዘአፍቀር ዘቦቱ ሠመርኩ” ብእኡ ዝተሓጐስስኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ ኢሉ ናይ ባሕርይ ወዱ ምዃኑ መስከረ፤ መንፈስ ቅዱስ’ውን ብኣምሳል ርግቢ ወሪዱ ኣብ ልዕሊኡ ዓለበ ፤ ኣካላዊ ቃል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ኣብ ወሰን ባሕሪ ዮርዳኖስ ቆይሙ ተራእየ ፡ ኣብ ደመና ኰይኑ ዝመስከረ ክርስቶስ ብቃልነት፤ መንፈስ ቅዱስ ብእስትንፋስነት ህልዋን ዝዀንዎ አብ እዩ። ብኣምሳል ርግቢ ወሪዱ ንወልድ ኣብ ርእሱ ዝተቕመጠ ኸኣ አብ ብልብነት ወልድ ብቓልነት ዘለውዎ መንፈስ ቅዱስ እዩ፡ ኣብ ወሰን ዮርዳኖስ ቆይሙ ዝተራእየ አብ ብልብነት፡ መንፈስ ቅዱስ ብእስትንፋስነት፡ ዘለውዎ ኣካላዊ ቃል ክርስቶስ እዩ ። በቲ ጊዜ እቲ ናይ ብባሕርይ ሓደነቶምን ናይ ብኣካል ሠለስተነቶምን ንምርግጋጽ፤ ኣብ፡ ኣብ ደመና ኰይኑ መስከረ፤ ወልድ ኣብ ወሰን ዮርዳኖስ ቆይሙ ተራእየ፤ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ብርግቢ ኣምሳል ወሪዱ ተራእየ ፤ ስለ’ዚ ንዓና ንሥላሴ ደስታና እዩ እሞ ሓደ ጊዜስ ይኹን ደኣ ግደፍ በሎ። (ማቴ 3፡15) ።

ተጠሚቑ ከይወዓለ ከይሓደረ ንጊዚኡ በረኻ ቆሮንቶስ ከይዱ ኣርብዓ ለይትን ጾመ፤ ስለ’ዚ ጾም ናይ ሕጊ መጀመርታ ገበረ። መዓልታት ጾሙ ምስ ፈጸመ ዲያብሎስ ብሠለስተ አርእስተ ኃጣውእ ተፈታተኖ ንሳተን ከኣ ትዕቢት፤ ስስዕቲ ፤ ኣፍቅሮተ ንዋይ እየን፡ ብትዕቢት እንተ መጾ ብትሕትና፤ ብስስዕቲ እንተ መጾ ብትዕግስቲ ፤ በፍቅረ ንዋይ እንተ መጾ ብመንኖ ንዋይ በዚ ኣሸነፎ፡ ሠለስተ ኣርእስተ ኃጣውእ እተብሃኃሉ እዚኣቶም እዮም፤ ሎሚ’ውን ምእመናን በዚኣቶም እንተ ዘይተሸኒፎም ብኻልኦት ኃጢኣት ኣይሽነፉን እዩም።(ማቴ.4፡1-10) ካብ ገዳም ቆሮንጦስ ወፂኡ ከኣ ወንጌል ክምህር ጀመረ፤ ሠለስተ ዓመትን ሠለስተ ወርኂን ኣብ ምድሪ እስራኤል እናዞረ በብዕይነቱ ዝዀነ ተኣምራት እናገበረ መሃረ።

ካብኡ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መበል ሓሙሽተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእቲን ሠላሳን ዓመተ ዓለም ብዘመነ ሉቃስ ተጠምቐ። ጊዚኡ ጥሪ ዓሠርተ ሓደ መዓልቲ፣ ንኽጸውም ኣብ በረኻ ቆሮንጦስ ኣተወ፤ ናይ ጥሪ ዕሥራ ካብ የካቲት ዕሥራ ወሲኹ ኣርብዓ መዓልቲ ቀዳም ጾም ይፍጽም። ናይ ጥሪ ባሕቲ ቀዳም፤ ናይ የካቲት ድማ ሰኑይ ነበረ እሞ፤ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ የካቲት ዕሥራ ሰንበት መዓልቲ ካብ በረኻ ቆሮንጦስ መጺኡ፣ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ሠሉስ ናብ መርዓ ተዓዲሙ ናብ ቃና እትብሃል ኣብ ኣውራጃ ገሊላ እትርክብ ዓዲ ከደ። ኣብኡ ናይ ወንጌል መጀመርታ ዝዀነ ተኣምራቱ ኣብ ቃና  ንማይ ወይኒ ገበረ። ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ኸኣ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ መርዓ  ኾነ ቀዳማይ ምዃኑ “ወዝንቱ ውእቱ ቀዳሚ ተአምር ዘገበረ” ዝበሎ ስለዚ እዩ። (ዮሓ።2፡1-11) መበል ዓሰርተ ሓደ ዝተሾመ ናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳት ድሜጥሮስ  ዝብሃል በአብቅቴን መጥቅዕን ኣዳልዩ ክሳብ ዝውስኖ ዓብይ ጾም ከም ኵሉ በዓላት መዓልቲ ቈጺርካ ጥራሕ ብማንም መዓልቲ ይጅምር ነይሩ። ከምኡ’ውን ካብ ደብረ ዘይቲ ጀሚሮም ክሳብ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ዝርከቡ ዓበይቲ በዓላት ኣብ ማንም መዓልቲ ይውዕሉ ነይሮም።

ብዛዕባ ናይ ወዲ ሰብ ጥምቀት

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና ክብል ዓርቢ መዓልቲ ምስ ተሰቕለ ካብ የማናይ ጐድኑ ብዝፈሰሰ ማየ ገቦ ተጠሚቕና ብጸጋ ውሉደነት ረኺብና ደቂ ሥላሴ ንኸውን። ክንጥመቕ ከሎና ኸኣ ኣወዳት ኣዳም ተፈጢሩ ገነት ብዝኣትወሉ ብኣርብዓ መዓልቲ። ኣዋልድ እንተ ኾይነን ከኣ ሔዋን ተፈጢራ ናብ ገነት ብዝኣተወትሉ ብሰማንያ መዓልቲ ናብ ቤተ ክርስትያን ተወሲደና ናይ ጥምቀት ሥነ ሥርዓት ይፍጸመልና። (ዘሌ። 12፡1-8፡ ኩፋ።4፡8-13) ንመልከት።

"ወእንዘ ታጠምቅዎሙ በሉ በስመ  አብ  ወልድ  ወመንፈስ  ቅዱስ" ብዝበሎ መሠረት ፤ ካህን ሥርዓተ ጥምቀት ኣብጺሑ “አሐዱ አብ ቅዱስ ፤ አሓዱ ወልድ ቅዱስ፤ አሐዱ ውእቱ መንፈስ ቅዱስ” ኢሉ ብዝባረኾ ማይ ብርደተ መንፈስ ቅዱስ ተለዊጡ እቲ ብመዓልቲ ዓርቢ ካብ ናይ ጐይታና ጐድኒ ዝፈሰሰ ጽሩይ ማይ ይዀነልና ፤ ብኡኡ ተጠሚቅና ብጸጋ ካብ ሥላሴ ንውለድ።

“ዘኢተወልደ እማይ ወእመንፈስ ቅዱስ ኢይክል በዊኣ ውስተ መንግሥተ እግዚአብሔር” ብሓቂ ብሓቂ እብለካ  ኣለኹ ሰብ ካብ ማይን፤ ካብ  መንፈስ ቅዱስን እንተ ዘይተወልደ ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ክኣቱ ዝኽእል የልቦን ከም ዝበለ (ዮሓ.3፡5፡ኤፌ።5፡25) ሕፃናት ወዲ በኣርብዓ መዓልቲ፤ ጓል ብሰማንያ መዓልቲ ይጠመቑ ክብል ከሎ፣ ዘይኣመንቲ ምስ ዓበዩ ኣሚኖም ዝጥመቑ ግን ኣቐዲሞም ሠለስተ ዓመት ይመሀሩ ይብል ካህን፡ “አጠምቀከ በስመ አብ ፤ በስመ ወልድ፤ በስመ መንፈስ ቅዱስ፤” ኢሉ ሠለስተ ጊዜ ምስ ኣጥመቖ እንድኅሪ ደኣ ኣሚኑ ተጠሚቑ፤ ብሰንኪ ኃጢኣት ረሲሑ ዝነበረ ይጸሪ ርሒቑ ዝነበረ ናብ እግዚአብሔር ይቐርብ ሓሲሩ ዝነበረ ይኸብር።

ምንጪ
ሥነፍጥረት ምስ ሓሙሽተ ኣእማደ ምስጢር
ሸውዓተ ምስጢራተ ቤተክርስቲያን ምስ ሓጺር ሓተታ ንዛዕባ እምነትን ግብርን
ኣድላዊ፥ ኣባ ወልደገብርኤል ቀሺ ብርሃነ 2007