ምሥጢረ ሥጋዌ ማለት ዘልዓለማዊ ኣካላዊ ቃል እግዚአብሔር ወልድ ሰብ ዝዀነሉ ማለት ናይ ሰብ ሥጋ ዝለበሰሉ ምሥጢር እዩ።

እግዚአብሒር ንኣዳም ንሔዋንን ካብ ኣርባዕተ ባሕርያት ፈጢሩ ብመንፈስ ቅዱስ ቀዲሱ ኣኽቢሩ ብዘይካ ሓንቲ ኦም በለሰ ኵሉ ወንኑ ብልዑ ስተዩ ኢሉ ኣብ ገነት ኣቐመጦም፡ ነታ ኦም እቲኣ’ውን ነፊግሎም ኣይኰነን እንታይ ደኣ ናቱ ገዛእነትን ናታቶም ተገዛኢነትን ንኽፈልጡ ንመጻኢ’ውን ሥርዕት ጾም ንኽምህሮም እዩ።(ዘፍ.2፡6-7)

ሸውዓተ ዓመት ትእዛዙ ሓሊዎም ብውሉድነት ጸኒዖም ክነብሩ ኸለዉ ብድሕሪኡ ግን ናይ ከይሲ ምኽሪ ሰሚዖም ፤ ኣምላኽነት ተመንዮም ትእዛዙ ኣፍረሱ፤ ካብ’ታ ኣይትብልዑ ዝበሎም ኦም በሊዖም፤ ኣብ ልዕሊ ሞተ ሥጋ ሞተ ነፍስ ተፈርዶም፤ “ሞት ግን ካብ ኣዳም ክሳብ ሙሴ ኣብኣቶም ከም’ቲ ናይ ኣዳም ትእዛዝ ብምጥሓስ ኃጢኣት ኣብ ዝገብሩን ዘይገብሩን ነጊሡ ነበረ’’። (ሮሜ .5፡14)

ብድኅሪ’ዚ ጽቡቕን፤ ክፉእን ፤ ነዊሕን ፤ ሐጺርን ፤ ቀይሕን ፤ ጸሊምን፤ ምግቡ እንተ በላዕካዮ ደዌ ሥጋ ፍልጸት ፤ቅርጸት ፤ መንፋሕቲ ፤ ቅርጥማት፡ ደዌ ነፍሲ ኸኣ ዝሙት፤ ኃጢኣት ኣብ ዝነግሠሉ ናብ’ዚ ዓለም’ዚ ሰደዶም “ወተሰዱ ውስተ ምድረ ሕማም ወኣራያ ሕሱም ወኃሣር ወሲሳየ ኃዘን” ከም ዘበለ። (መቅ.ወንጌል)

ነገር ግን ኣብ ጐድኒ ቁጥዓኡ ምሕረቱ ከም ዘሎ ፈሊጦም ተጣዒሶም ሚእቲ ዓመት ንስሓ ኣትዮም በኸዩ፤ “ወኮኑ ውስተ ኃዘን ምእተ ዓመት”፡ ብፍጥረቱ ጨኪኑ ዘይጭክን ጐይታ ንስሓኦም ርእዩ ተቐቢሉ ብኽያትቶም ሰሚዑ። በሐሙስ ዕለት ወበመንፈቃ ለዕለት እትወለድ እምወለተ ወለትከ፤ ወእከውን ሕፃን በእንቲኣከ፤ ወእድህከ ውስተ ምርህብከ፤ ወእትቤዘወከ በመስቀልየ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልትን ፈረቓ መዓልትን ካብ  ጓል ጓልካ ተወሊደ ምእንታኻ ሕፃን ኰይነ ኣብ ጐላጒልካ ፍሑኽ  ፍሑኽ ኢለ ብመስቀለይ ክብጀወካ እየ ክምዝበለ።(ቀሌምንጦስ)

እቲ ተስፋ ንደቁ ነጊርዎም ነበረ፣ ደቁ ኸኣ ትንቢት እናተነበዩ ሱባዔ እናቘጸሩ ከም’ቲ ዳዊት ዝበሎ። “አንሥእ ኃይለከ ፈኑ እዴከ” ኃይልኻ ዝተባህለ ወልድ ብሥጋ ሰዲድካ ኣድሕነና። (መዝ.144፡7)እናበሉ እቲ ተስፋ እቲ እናተጸበዩ በብተራ ሓለፉ፡ ሓሙሽተ መዓልቲ ፈረቓን ዝበሎ ግን ብእግዚአብሔር ኣቋጻጽራ ሰዓት 5500(ሐሙሽተ ሽሐን ሓሙሽተ ምእቲን ዓመት) እዩ ዝነበረ። (መዝ.90፡4  ፡ 2ጴጥ.3፡8) እቲ ዝተባህለ ዓመት ምስ ኣኸለ። ዝተዛረቦ ዘይርስዕ ዝህቦ ተስፋ ዘይከልእ እግዚአብሔር ሓደ ሰዓት ወይ ደቒቕ ከየሕለፈ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም፤ ካብ ሥጋኣ ሥጋ፤ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ፤ ብዘመነ ዮሐንስ ብዕሥራን ትሽዓተን መጋቢት፤ ብሣልሳይ ሰዓት ፤ ብዕለተ እሁድ ተፀንሰ፡ ድሕሪ ትሽዓተ ወርሕን ሓሙሽተ መዓልትን ብዘመን ማቴዎስ ዕሥራን ትሽዕተን ታሕሣስ ሠሉስ መዓልቲ፤ ፍርቂ ለይቲ ተወልደ።

ብዳሕራይ ዘመን ካብ ሠለስተ ኣካላት ሓደ መጀመርታ ዘይብሉ ናይ እግዚአብሔር ቃል ማንም ከየገደዶ ብናቱን ብናይ ኣብኡን ብመንፈስ ቅዱስን ፍቓድ ሰብ ኮነ፤ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለው መላእኽቲ ሰብ ከም ዝኾነ ምንም ኣይፈለጡን፤ ካብ ኣቦን ካብ ኣደን ዝተወልደት ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ሐደረ፤ ሥጋ ዘይብሉ ንሱ ሥጋ ተዋሒዱ ከም ሰብ ትሽዓተ ወርኂን ሓሙሽተ መዓልትን ብጐይትነቱ ኰሎ  ኣብ ማኅፀና ተወሰነ፤ ትሽዓተ ወርኂን ሓሙሽተ መዓልትን ምስ ተፈጸመ፣ ዝውለደሉ መዓልቲ ምስኣኸለ ክምርመር ብዘይከኣል ተግባር ብሕቱም ድንግልና ተወልደ፤ ማኅተመ ድንግልናኣ’ውን ኣይተለወጠን ማኅተመ ድንግልናኣ ከይተለወጠ ደኣ ተወልደ። (ጎርጎርዮስ ዘእንዚናዙ ሃይማኖተ ኣበው 212 ገጽ)

ክሳብ እዛ መዓልቲ እዚኣ ጽቡቕ ተግባር ዝገበሩ ቅዱሳን ሓዋርያት ሰማዕታት ኵሎም ከም ዘኣመንዎም እምነት ከምኡ ኢና ንኣምን፤ “ቃል ሥጋ ኮነ” መናፍቃን ከም ዝብልዎ ኣብ (ዕሩቅ ብእሲ) ተራ ሰብ ኣይሓደረን። ብናቱ ፍቓድ፤ ብናይ ኣብኡን፤ ብናይ መንፈስ ቅዱስን ድልየት ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ ወሲዱ ተዋሃሃደ፤ ከም’ቲ ዝተጻሕፈ ኵሉ ዝፈጠረ ኣምላኽ ናይ ኣብ ኣካልዊ ቓል ፍጹም ሰብ ኰይነ ተወልደ።(ገላ.4፡4) ዝተባህለ ነስተውዕል እግዚኣብሔር ካባና ባሕርይ ዝተዋሃሃዶ ተዋሕዶ ንእሽቶ ክብሪ ኣይምሰለና፤ እዚ ንመላእኽቲ እኳ ኣይተገብረን፤ ናይ መላእኽቲ ባሕርይ ኣይተወሓሃደቶን ዝተዋሃሃደቶስ ናትና ባሕርይ እያ ንሱ’ውን ንባሕርይና ደኣ ተውሃዳ ንምንታየይ ኣይበለን። (ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቂ ሃይማኖተ ኣበው ገጽ 219፡21)

ካብ ሠለስተ ኣካላት መን እዩ ዝተወልደልና እንተ ተባህለ እግዚአብሔር ወልድ እዩ፤ ስለምንታይ አብን ፤ መንፈስ ቅዱስን ተወሊዶም እንተ ዝብሃልከ ናይ ባሕርይ ስሞምን ተግባሮምን ምተፋለሰ ነይሩ። ከም’ዚ ከይከውን ግና እግዚኣብሔር ወልድ ብናይ ባሕርይ ስሙን ብናይ ባሕርይ ግብሩን ንምጽዋዕ ብሥምረቱን ድልየቱን ብጀካ ኃጢኣት ፍጹም ሰብ ኰይኑ ተወልደ። “ወአኮ አብ ዘኃደረ ውስተ ከርሠ ድንግል ለተሰብአ፤ ከመ ኢይበል መኑሂ ይትፋለሰ ስመ አብ ወመንፈስ ቅዱስ ለከዊነ ስመ ወልድ፤ ኣላ ውእቱ ወልድ በፈቃደ አቡሁ ወበሥምረተ መንፈስ ቅዱስ ተሠገወ እስመ አሐቲ ፈቃደ ዘሥሉስ ቅዱስ” ።  ማንም ሰብ ስም አብን መንፈስ ቅዱስን፤ ናብ ስም ወልድ ንምዃን ተቐያሪ እዩ ንኸይበሃል፤ ኣቦ፥ ሰብ ንምዃን ኣብ ማኅፀን ድንግል ኣይሐደረን፤ እንታይ ደኣ ፍቓድ ቅድስት ሥላሴ ሓደ ስለ ዝኾነ ወልድ ብፍቓድ አብን፤ ብሥምረት መንፈስ ቅዱስን እዩ ሥጋ ዝተወሃሃደ። ይብል። (ቅዱስ ሳዊሮስ ዘአንጾኪያ)

ከም’ዚ ሰለ ዝተባህለ ግን አብ ንምጽናዕ፤ ወልድ ሥጋ ንምውህሃድ፣ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ንምንጻሕ ፤ ኣብ ከርሢ እግዝእትነ ማርያም ኃደሩ ንብል ነኣምን’ውን። መንፈስ ቅዱስ ንእግዝእትነ ማርያም  ኣንጺሕዋ ይብል ካብ ምንታይ ኣንጺሕዋ ማለት እዩ እንተ ተባህለ ካብ ናይ ኣንስቲ ልማድ፤ ካብ ዘርእን፤ ርኳቤን “ውእቱ ንጹሕ እምሠለስቱ ግብራት ዘውእቶሙ ዘርእ፤ ውሩካቤ፤ ወሰስሎተ ድንግልና፤ እለ ሥሩዓን በእጓለ እመ ሕያው ወእሙራን ቦሙ”።  ንሱ ኻብ’ቶም ኣብ ደቂ ሰባት ዘለዉ ፍሉጣትን ሥሩዓት ዝኾኑ ሠለስተ ተግባራት ዘርእን ፤ ሩካቤን ንጹሕ እዩ ይብል ። (ስኑትዮ ዝእስክንድርያ)

ነገር ግን እዚ ዀሉ ኣብ እግዝእትነ ማርያም ኔሩ ኣይኮነን ንሳስ ናይ ኣዳም ኃጢኣት ዘይረኽባ ንጽሕቲ ባሕርይ እያ፡ “ወኢረኵሰት በምንትኒ እምዘፈጠራ ድንግል ብኅሊናሃ ወድንግል በሥጋሃ” ይብላ፡ (ሃይማኖት ኣበው)። እዚ ዝተብህለ ናይ ደቂ ኣዳም ሥርዓት ንኽይበጽሓ ካብ ትፍጠር ጀሚሩ ቀዲስዋ ኣካላዊ ቃል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንምውላድ ኣብቂዕዋ  ንማለት እዩ፡ “ መንፈስ ቅዱስ አንጽሐ ለማርያም ወረሰያ ድሉተ ለተወክፎ ቃል አብ” ከም ዝበለ፡ (ጎርጎርዮስ ዘኑሲስ)

ቅዱስ ገብርኤል መልኣኸ ክትፀንሲ ኢኺ፤ ወዲ’ውን ክትወልዲ ኢኺ ምስ በላ ንሳ’ውን ከም’ቲ ዝበልካኒ ይኵነለይ ምስ በለቶ፣ ክምርመር ብዘይከኣል ተግባር ብዘይውሱን ኣካል ቅድሚ ዓለም ዝነበረን ዘሎን ንዘልዓለም ዝነብርን ኣካላዊ ቃል ብምልኣትን ብጐይትነትን ካብ አብን መንፈስ ቅዱሱን ሓድነት ከይተፈለየ፤ ብድንግልና ጸኒዓ ካብ ዝነበረትን ዘላን ንዘለዓለም’ውን ትነብርን ካብ ኣዴና ቅድስት ደንግል እግዝእትነ ማርያም ብናይ መንፈስ ቅዱስ ግብሪ ናይ ዕለት ፅንሲ ኾነ፡

“ነሥአ ሥጋ እንዘ ምሉእ በኵለሄ እንዘ ኢየዐርቅ እመንበረ ስብሐቲሁ ፤ ውስተ ማኅፀነ ድንግል ኅደረ ሥጋ ኮነ ወተወልደ”

ኣብ ኵሉ ምሉእ ኰሎ ሥጋ ንምልባስ ኣብ ማኅፅን ተወሰነ፤ ካብ ናይ ሥልጣኑ መንበር ከይለቐቐ ኣብ ማኅፀን ድንግል ሓደረ፤ ሥጋ ለቢሱ ኸኣ ተወልደ ይብል፡ (ያሬዳዊ መዝሙር(ድጓ)) ናይ ዕለት ፅንሲ ኮይኑ ዝተቈጽረሉ ምሥጢር ግን ዝፈልጦን ዝምርምሮን የለን፤ ንሱ ብዝፈልጦ እዩ ኣካላዊ ቃል ሰብ ዝኾነ። “ወአሜሃ ሥጋሁ ለእግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ ተሥዕለ በጥንተ ኣካል እንዘ ይትወሐድ ምስለ ቃል”።

ሽዑ ሥጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣካላዊ ቃል ብምውሕሃድ ብጥንታዊ ኣካል ኣዳም ተፈጥረ ይብል ። (ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቒ)

በቲ ጊዜ እቲ ሥጋ ምስ ቃል ተወሃሃደ ሓደ ኣካል ሓደ ባሕርይ ኾነ “ወረሰዮ ምስሌሁ አሐደ ህላዌ ወአሕደ ሥምረተ ወአሐደ አካለ ዘእግዚአብሔር ቃል’’ (ቅዱስ ጎርርዮስ ዘኑሲሰ)።

ስለ’ዚ መለኮት ምስ ሥጋ ብምውህሃድ ሰብ ኣምላኽ ኮነ ፤ ሥጋ  ምስ መለኮት  ብምውህሃድ ከኣ ኣምላኽ ሰብ ኮነ፤ ረቂቕ ዝነበረ መለኮት ምስ ሥጋ ብምውህሃድ ግዙፍ ዝድህሰስ ኾነ፤ ግዙፍ ሥጋ ምስ መለኮት ብምውህሃድ ረቂቕ ኮነ ፤ ወሰን ዘይነብሮ መለኮት ብሥጋ ውሱን ኮነ፤ ውሱን ዝነበረ ሥጋ ብመለኮት ዘይውሱን ኣብ ኵሉ ምሉእ ኮነ ፡ ወልድ አብ ብመለኮቱ ወልደ ማርያም ብትስብእቱ፥፡ ክልተ ልደት ብምውህሃድ ኸበረ፤ ሥጋ ምስ መለኮት ብምውህሃድ ባሕርያዊ ወዲ እግዚአብሔር ኮነ።

“ወይደልወነ ንእመን ከም ቦቱ ለወልደ እግዚአብሔር ክልኤቱ ልደታት ቀዳሜ ልደት እምእግዚአብሔር አብ ፤ እምቅድመ ኵሉ መዋዕል ፤ ወዳግም ልደት እምእግዝእትነ ድንግል ማርያም በድኃሪ መዋዕል”፡

ንወዲ እግዚአብሔር ክልተ ልደት ከም ዘለዎ ክንኣምን ይግበኣና እዩ፤ ቀዳማይ ልደት ቅድሚ ዓለም ወዲ እግዚአብሔር አብ ምዃኑ፤ ካልኣይ ልደት ከኣ ዳሕራይ ጊዜ ካብ እግዚእትነ ማርያም ምውላዱ ከም ዝበለ። (ቅዱስ ባስልዮስ ዘቂሳርያ)

“ወለእመኒ ቃል ሥጋ ኮነ ፤ እመቦ ዘሰገደ ለቃል ናሁ ሰገደ ለሥጋ፤ ወዘሂ ሰገደ ለሥጋ ሰገደ ለእግዚአብሔር ቃል፤ ወከማሁ መላእክትኒ ይትለኣኩ ለአርአያ ሥጋ፤ ወየአምሩ ከመ እግዚኦሙ ውእቱ ወይሰግዱ ሎቱ፡”። ቃል ምስ ሥጋ ብምውህሃዱ ንቓል ዝሰገደ እነሆ ንሥጋ ሰገደ’ውን ንእግዚአብሔር ቃል ሰገደ፤ መላኣኽቲ’ውን ከምኡ ንብሥጋ ዝተገልጸ ይለኣኹ፤ ጐይትኦም ምዃኑ ፈሊጦም ከኣ ይሰግድሉ ይብል። (ሃይማኖተ ኣበው)

“ወሶቦሂ ሰቀሉ ኣይሁድ ሥጋሁ ፤ ሰቀሉ ኪያሁ፤ ወአልቦ እም ውስተ መጻሕፍት ፍልጠት ማእከለ ቃል ወሥጋሁ አላ አሐዱ ህላዌ ፤ ወአሐዱ ገጽ ፤ ወአሐዱ ግብር ውእቱ ፤ ኵለንታሁ አምላክ ወውእቱ ኵለንታሁ ብእሲ ወአሐዱ ግብር ዘመለኮት ወዘትስብእት ኅብሩ”። ኣይሁድ ንሥጋኡ ምስ ሰቐሉ ፤ ንቓል’ውን ሰቀሉ፤ ብመጻሕፍቲ ወገን ኣብ ማእከል ቃልን ሥጋኡን ፍልልይ የለን፤ እንታይ ደኣ ሓደ ባሕርይ ፤ ሓደ ግብርን፤ ብዅለንተናኡ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብን እዩ ይብል። (ሃይማኖተ ኣበው)

ቃል ሥጋ ኮነ ብኸመይ ነገር ወላዲተ ኣምላኽ ተባሂላ፤ ሥጋ ድማ ቃል ከይኮነ ብኸመይ ነገር ናብ ባሕርያዊ ወዱ ኾነ፤ ንመላእኽቲ’ውን ጎይትኦም ንምንታይ ተባህለ፡ ወላዲተ ኣምላኽ ኢልና እናምን እምበር ብኸም’ዚ ዝበለ ተዋህዶ እዩ። ኣምላኽ ሰብ ከይኮነ ወዲ ኣዳም ድኂኑ ክብሃል ኣይከኣልን፤ ሰብ’ውን ኣምላኽ ከይኮነ ምእንቲ ደቂ ኣዳም ሓሚሙ ፤ ተሰቒሉ ሞይቱ ክብሃል ኣይከኣልን፤ ዓርቢ መዓልቲ ተሰቒሉ መሥዋዕቲ ዝኾነ ናይ ጐይታና ሥጋን ደምን እዩ፤ ማለት ናይ ኣምላኽ ሥጋን ደምን እንተ ዘይኮይኑ ናይ መን ጻድቕ ፤ ወይ ሰማዕት ሥጋን ደምን እዩ መሥዋዕት ኮይኑ ንዘልዓለም ክሳብ ዕለተ ምጽኣት ወሀቢ ሕይወትን ድኅነትን ኮይኑ ዝነብር።

ብኸም’ዚ ዝበለ ናይ ተዋህዶ ምሥጢር ናይ እሳት ብሐይን ኣካልን ተለዊጡ ኃፂን ከይኮነ ፤ ከምኡ ኸኣ ናይ ብርሃን ባሕርይ ተለዊጡ ዕንቍ ከይኮነ፤ በተዕቅቦ ሓደ ኣካል ሓደ ባሕርይ ከም ዝኸውን ከምኡ ድማ መለኮት ምስ ትስብእት፤ ትስብእት ምስ መለኮት ብምውህሃድ ፤ ካብ ክልተ ኣካል ፤ ሓደ ኣካል ፤ ካብ ክልተ ባሕርይ ሓደ ባሕርይ ኮነ። “ወይትሜሰል ወልድ በዕንቈ ባሕርይ እንተ ይእቲ በአማን ኵለንታሃ ብርሃን ፣ ወይትሜሰል ሥጋሁ በሥጋሃ ፤ ወብርሃና በመለኮቱ። ባስልዮስ”፡ በአይ ኣምሳል ይትሜሰል መለኮት በትስብእት ፤ ይቤ ይመስል እሳተ በሕፂን ብንያሚ”

ወልድ በታ ብዅለትናኣ ብርሃን ዝዀነት ዕንቈ ባሕርይ ይምሰል ፤ ሥጋኡ ብሥጋኡ ብርሃና ብመለኮቱ ይምሰል ይብል፡ (ቅዱስ ባስልዩስ ዘኣንጾኪያ) ሓፂን ጸሊም ከሎ ምስ እሳት ብምውህሃዱ ይበርህ ደኣ እምበር ኣይጽልምን፤ እቲ ሓፂን ዝፍለ እንተ ኮነ ፤ መለኮት ግን ካብ ትስብእት ተፈልዩ ኣይብሃልን ይብል። “ናሁ ድንግል ትፅንስ ወትወልድ ወልደ” እንሆ ድንግል ክትፅንስ ወዲ’ውን ክትወልድ እያ።(ኢሳ።7፡14)

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ እግዚእትነ ማርያም ብኅቱም ድንግልና ምውላዱ ብኸመይ እዩ፧ ንዝብል ንምሳሌ ካብ ዐይኒ ብርሃን ካብ ግንባር ድማ ረሓጽ ብኅቱሙ ከም ዝርከብ፤ ከምኡ ኸኣ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ማኅተመ ድንግልናኣ ከይፈትሐ ብኅቱም ድንግልና ተወልደ።  “ተወልደ እም ድንግል እንዘ ኅቱም ድንግልናሃ፤ ከመ ልደተ ንጻሬ አዕይንት፤ ወከመ ልደተ ሐፍ እም ገጽ፤ ወከመ ልደተ መልክዕ እመጽሔት” ከም ዝበለ። (ቅዱስ ያዕቆብ ዘእልበረዲ)

ከምኡ ድማ ናይ ፀሐይ ነጸብራቕ ምስ ማይ ተዋሀሂዱ ዕንቈ ባሐርይ ከም ዝወልድ፤ ኣካላዊ ቃል ክርስቶስ ከኣ ምስ ደም ድንግልናኣ ተዋሃሂዱ ብዘይ ዘርኢ ተፀኒሱ ብኅቱም ድንግልናኣ ተወልደ፡ “ወዝኩ ዕንቈ ባሕርይ አኮ በተራክቦ ዘይፀነስ ወይትወልድ፤ ባሕቱ ይትወልድ በተዋሕዶተ መብረቅ ወማይ፡ ወከማሁ እግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ ተፅንሰ ዘእንበለ ትድምርተ ሥጋ፤ ወኮነ እመንፈስ ቅዱስ ተፅንሶቱ ለእግዚአብሔር ቃል ሥጋ ኮነ” ከም ዝበለ። (ቅዱስ ኤፍሬም.ኣፍ.በረከት)

ካብ አብን መንፈስ ቅዱስን ሓድነት ከይተፈለየ፤ ኣብ ኵሉ ምሉእ ከሎ ሥጋ ምዃኑ ከመይ እዩ፧ እንተ ተባሀለ ናይ ዐይኒ ብርሃን ካብ ክበብ ዓይኑ ከይተፈለየ ፤ ምስ ብርሃነ ፅሐይ ተዋሃሂዱ ምሉእ ኰይኑ ከም ዝርኢ፤ ከምኡ ድማ ጐይታና ብመለኮታዊ ባህርዩ ኣብ ኵሉ ምሉእ ከሎ ኽምርምር ብዘይከኣል ምሥጢር ከም ቅጽበት ዓይኒ ሰብ ኮነ ፤ ዘይፍለን ዘይምርመርን ዘይፍለጥን ተዋህዶ ኮነ።

“ወመጽአ እንዘ ኢይትፈልጥ እምሕፅነ አቡሁ፤ ሰማያትኒ ወምድር ምሉአን እምኔሁ”። ካብ ናይ ባሕርይ ኣቡኡ ካብ አብ፤ ካብ ናይ ባሕርይ ሕይወቱ ካብ መንፈስ ቅዱስ ሓድነት ከይተፈለ ፤ ሰብ ኮነ ፤ ሰብ ድኅሪ ምዃኑ ድማ ሰማይን ምድርን ብእኡ ምሉኣት እዮም ማለት ኣብኣቶም ብምልኣት ህልዊ እዩ። ( ቅዱስ ዮሓንስ. ዘኣንጾኪያ)

“አንተ ውእቱ አምላክ ዘበአማን ፤ ወአንተ ሰብእ ፍጹም ዝእንበለ ሕፅት፤ ወአንተ ውእቱ ዘትነብር ዲበ መንበረ ስብሐቲከ ፤ ወአንተ ዲበ ዕፀ መስቀል” ሓቀኛ ባሕርያዊ ኣምላኽ ንስኻ ኢኻ፤ (ሕፀፅ) ጉድለት ዘይብልካ’ውን ፍጹም ሰብ ኢኻ፡ ኣብ ልዕሊ መስቀል ምእንቲ ኃጢኣትና ዝተሰቐል ካ’ውን ንስኻ ኢኻ። ኣብ ናይ ጐይትነትካ መንበር እትነብር’ውን ንስኻ ኢኻ። (ቅዱስ ዮሓንስ  ኣፈወርቒ ብድርሳነ ቶማስ) ካብ ብዝኅ ብውኅዱ ምሥጢረ ሥጋዌ እዚ እዩ፡

ምንጪ
ሥነፍጥረት ምስ ሓሙሽተ ኣእማደ ምስጢር
ሸውዓተ ምስጢራተ ቤተክርስቲያን ምስ ሓጺር ሓተታ ንዛዕባ እምነትን ግብርን
ኣድላዊ፥ ኣባ ወልደገብርኤል ቀሺ ብርሃነ 2007