ሥላሴ ቅድሚ ዓለም ምፍጣሩ ከምዚ ሎሚ ዝምስገንዎ ዘለዉ ብሓድነትን ብሠለስትነትን ይምስገኑ ነይሮም እዮም። መን የመስገኖም ነይሩ፧ እንተ ተባህለ ብባሕርዮም ይምስገኑ ነበሩ፡ “ወአኮ ዘነኃሥሥ ስብሐተ እምዘ ፈጠርነ ስብሐቲነሰ እምኅቤነ ውእቱ”፡ ካብ ዝፈጠርናዮ ፍጥረት ምስጋና እንደሊ ኣይኮናን ምስጋናናስ ካብ ባሕርይና እዮ። (ቀሌምንጦስ) “ስብሐቲሁ ዘእምኅቤሁ ወውዳሴሁ እምዚኣሁ”: ምስጋናኡ ካብኡ ናይ ባሕርዩ እዩ ይብል። (ቅዱስ ዮሓንስ.ኣፈወርቒ . ኣብ ቅዳሴ )
መን ፈጠረና፧ ሥላሴ። ብመንከ ንኣምን፧ ብሥላሴ። ሥላሴ ክንደይ እዮም፧ ሓደ እዮም ሠለስተ ድማ እዮም። “እንዘ ኣሓዱ ሠለስቱ፤ ወእንዘ ሰለስቱ  ኣሐዱ፡ ”ይሤለሱ በአካላት ወይትወሐዱ በመለኮት” ሓደ ከለዉ ሠለስተ፤ ሠለስተ ከለዉ ሓደ፤ ብኣካላት ሠለስተ ይኾኑ ብመለኮት ከኣ ሓደ ይኾኑ ከም ዝበለ። (ቅዱስ ባስልዮስ ዘቂሳርያ)

ምሥጢረ ሥላሴ ዝኽፈልን፤ ዘይክፈልን እዩ፡ “ይትከፈሉ በአካላት ወኢይትከፈሉ በመለኮት። (ቅዱስ ባስልዮስ)፤ ሊሉያን እንበለ ትድምርት ወኅቡራን እንበለ ተሌልዮ” ብኣካላት ይፍለዩ ብመለኮት ግን ኣይፍለዩን፤ ብዘይ ምሕዋስ ፍሉያት ብዘይ ምፍልላይ’ውን ሓደ ይብሉ።(ሠለስቱ ምእት)

ሠለስትነቶም ብምንታይ እዩ፧ እንተ ተባህለ፡ ብስም፤ ብግብሪ፤ ብኣካል። ሓድነቶም’ከ፧ ብባሕርይ፤ ብመለኮት፤ ብህልውና፤ ብፍቓድ፤ ብሥልጣን እዩ። ናይ ሠለስትነቶም ስም እንታይ እዩ፧ ኣብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ። ናይ ሓድነቶም ስም’ከ፧ እግዚአብሔር፤ ኣምላኸ፤ ኣዶናይ፤ ጸባዖት፤ ፈጣሪ እዩ።     “ሠለስቱ ስም አሐዱ እግዚኣብሔር” ሠለስተ ኣስማት ሓደ እግዚአብሔር፡ (ቅዱስ ቄርሎስ ዘእስክንድርያ)።
አብ ኣቦ ደኣ ይበሃል እምበር፤ ወልድን፤ መንፈስ ቅዱስን ኣይበሃልን።  ወልድ፤ ወልድ ይብሃል እምበር አብን መንፈስ ቅዱስን ኣይበሃልን። መንፈስ ቅዱስ’ውን መንፈስ ቅዱስ ይብሃል እምበር  አብን ወልድን ኣይበሃልን።

“አብሂ አብ ውእቱ ወኢኮነ ወልደ ወኢ መንፈስ ቅዱስ። ወልድሂ ወልድ ውእቱ ወኢኮነ አበ ወኢ መንፈስ ቅዱሰ። ወመንፈስ ቅዱስሂ መንፈስ ቅዱስ ውእቱ ወኢኮነ አበ፤ ወኢ ወልደ። ኢይፈልስ ስመ ኣብ ለከዊነ ስመ ወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ወኢይፈልስ ስመ ወልድ ለከዊነ አብ ወመንፈስ ቅዱስ ወኢይፈልስ ስመ መንፈስ ቅዱስ ለከዊነ ስመ ኣብ ወወልድ”።

አብ ኣቦ ደኣ ይብሃል እምበር ወልድን መንፈስ ቅዱስ ኣይኰነን። ወልድ’ውን ወልድ ደኣ እዩ እምበር ፤ አብን መንፈስ ቅዱስን ኣይኮነን።  መንፈስ  ቅዱስ’ውን መንፈስ ቅዱስ ደኣ እዩ እምበር አብን ወልድን ኣይኰነን። ስም አብ፤ ናብ ስም ወልድን መንፈስ ቅዱስን ኣይቅየርን። ስም ወልድ ናብ ስም አብን መንፈስ ቅዱስን ኣይቅይርን። ስም መንፈስ ቅዱስ ከኣ፤ ናብ ስም አብን ወልድን ኣይቅየርን ይብል። (ቅዱስ ኣግናጥዮስ ዘአንጾኪያ)።

ናይ ሠለስተነቶም ተግባር ከመይ እዩ እንተ ተባህለ፧
አብ ወላዲን ኣስራፂን ምዃኑ እዩ።
ናይ ወልድ ድማ ተወላዲ ምዃኑ እዩ።
ናይ መንፈስ ቅዱስ ከአ ሠራፂ ምዃኑ እዩ።

አብ ንወልድ እንተ ወለዶ ንመንፈስ ቅዱስ ከኣ እንተ ኣሥረፆ፤ ከም ወልድ ኣይውለድን ከም መንፈስ ቅዱስ ድማ ኣይሠርፅን፥ ወልድ ደማ ተወላዲ ደኣሉ እምበር ከም አብ ኣይወልድን ከም መንፈስ ቅዱስ’ውን ኣይሠርፅን፡ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ሠራፂ እንተ ዀነ ከም አብ ኣይወልድን ከም ወልድ’ውን ኣይውለድን እዩ።

“አብሰ ኢተወልደ ኣላ ወላዴ ወልድ ውእቱ እምቅድመ ኵሉ ዓለም ወልድሂ ተወልደ እምእግዚአብሔር አብ እም ቅድመ ኵሉ ዓለም፣ መንፈስ ቅዱስሂ ሠረፀ እም እግዚአብሔር አብ ቅድመ ኵሉ ዓለም።”

አብ ዝተወልደ ኣይኰነን እንታይ ደኣ ቅድሚ ዓለም ወላዲ ወልድ እዩ፤ ወልድ’ውን፤ ቅድሚ ዓለም ካብ እግዚአብሔር አብ ዝተወልደ እዩ፤ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ቅድሚ ዓለም ካብ እግዚአብሔር አብ ዝሠረፀ እዩ፤ ከም ዝበለ፡ (ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዘእስክንድርያ) ሠለስትነቶም እዚ እዩ።
ብኣካል ሠለስትነቶም ከመይ እዩ፧ እንተ ተባህለ ንአብ ፍጹም ኣካል ፍጹም መልክዕ  ፍጹም ገጽ ኣለዎ፤ ንወልድን ንመንፈስ ቅዱስን ከኣ ፍጹም ኣካል ፍጹም መልክዕ ፍጹም ገጽ ኣለዎም።
“ነአምን ከም ቦሙ ለሥላሴ ምልክዐተ ጽዱቃተ ዘውእቶን አዕይንት ወአእዛን፤ አእዳው ፤ ወአእጋር ወኵሎንኬ እለ ተርፋ” መልክዕ ማለት ዓይኒ እዝኒ ኣፍንጫ ኢድ እግሪ ዝተረፈ’ውን ኵሉ ኣካላት እዩ እዚ ኵሉ ንሥላሴ ብሓቂ ከም ዘለዎም ንኣምን ከም ዝበሉ። (ሠለስቱ ምእት)

“አብኒ በአካሉ ወበገጹ ወበመልክዑ ፍጹም ውእቱ፤ ወልድኒ በአካሉ ወበገጹ ወበመልክዑ ፍጹም ውእቱ፤ መንፈስ ቅዱስኒ በአካሉ ወበገጹ ወበመልክዑ ፍጹም ውእቱ” አብ ብኣካልን፡ ብመልክዕን፡ ብገጽን ጐደሎ ዘይብሉ ፍጹም እዩ፤ ወልድ’ውን ብኣካልን፡ ብገጽን፡ ብመልክዕን  ፍጹም እዩ፤ መንፈስ ቅዱስ’ውን ብኣካልን፡ብገጽን፡ ብመልክዕን፡ ፍጹም እዩ ይብል።(ኣብሎዲስ ዘሮሜ)
ዳዊት ድማ ገጹ ለእግዚአብሔር ኅበ እለ ይገብሩ እኩየ። እስመ አዕይንቲሁ ለእግዚአብሔር ኅበ ጻድቃኑ፤ ወእግዝኑሂ ኅበ ስእለቶሙ”፡ ገጽ እግዚአብሔር ናብ ክፉእ ዝገብሩ የብል፡ ኣዕይንቲ እግዚአብሔር ናብ ጻድቃን ይጥምታ፤ ኣእዛኑ ከኣ ንልመናኦም ጽን ይብላ። (መዝ.34፡15)
ናይ ሥላሴ ኣካል ከም ናይ ወዲ ሰብ ኣካል ገዚፍ ፤ ጸቢብ፤ ውስን ኣይኰነን፤ እንታይ ደኣ ረቂቕቲ ከነሶም፤ ኣብ ኵሉ ምሉኣት እዮም።  ምልኣቶምከ ከመይ እዩ፧ እንተ ተባህለ ካብ ጽርሐ ኣርያም ንላዕሊ ቁመቱ (ካብ ሰማይት ዝለዓለ ማለት እዩ)፡ ካብ በርባሮስ ንታሕቲ ድማ መሠረቱ (ትሕቲ ምድሪ ማለት እዩ)፡ ካብ ኣድማስ ናብ ኣድማስ ስፍሐቱ ካብ ጫፍ (ጽንፈ) ዓለም ናብ ጫፍ (ጽንፈ) ዓለም ኢልካ ኣይንገርን(ኣይምርመርን)።
ሥላሴ ንዓለም ይውስንዎ እምበር ዓለም ንሥላሴ ኣይውስኖምን እዩ፡ “ንሕነ ናገምሮ ለኵሉ ወአልቦ ዘያገምረነ አልቦ ወኢምንትኒ እምታሕቴነ፤ እስመ ለኵሉ የዓውዶ ዕብየ ኃይልነ ፤ አልብነ ውሣጤ ወኣፍአ ፤ እስመ ንሕነ ውሳጤ ወአፍአ፡ወአልቦ ሰማይ ዘያገምረነ፤ ወኢምድር ዘይፀውረነ”።
ንሕና  ደኣ ንዅሉ ንሽከሞ እምበር ንዓና ዝሽከም ዋላ ሓደ እኳ የለን፡ ካባና ንላዕሊ ፤ ወይ ካባና ንላዕሊ፤ ወይ ካባና ንታሕቲ ቦታ የለን፤ ናይ ባሕርይና ምልኣት ንኵሉ ይውስን እምበር ንናይ ባሕርይና ምልኣት ዝውስንስ ምንም የለን፡ ንዓና ዝሓብእ ውሽጢ ወይ’ውን ንዓና ዝገልጽ ኣፍ ደገ የለን፤ ውሽጢ ኮነ ወጻኢ ንሕና  ኢና።
ንዓና ዝውስን ሰማይ ወይ ነዓና ዝሽከም ምድሪ የለን ከም ዝበለ፡ (ቀሌምንጦስ) “አልብነ ጠፈር ወአልብነ መሠረት ንሕነ ጠፈር ወንሕነ መሠረት” ካባና ንላዕሊ ሰማይ የለን ካባና ንታሕቲ ዝተመሥረተ ምድሪ’ውን የለን እዚ ብሐፂሩ ሰማይን ምድርን ኣብ ኢድ ሥላሴ ውሱን ማለት እዩ።
ርቀቶም ከመይ እዩ እንተ ተባህለ ካብ ኵሉ ነፋስ ይረቅቕ፤ ካብ ነፋስ ድማ ነፍሳትን መላእክትን ይረቁ።ካብ ነፍሳትን መላእክትን ከኣ ናይ መላእኽትን ሰብን ሓሳባት ይረቅቕ። እዚ ናይ ሓሳባቶም ርቀት ግን ብሥላሴ ወገን ከም ዓቢይ ገቦ እዩ ዝረአ ይብል።

“ቅጥነት ሕሊናሆሙሰ ለመንፈሳውያን በኅበ ቅጥነቱ ከመ እንተ ሥጋ ገዚፍ” ርቀት ሓሳባት መንፈሳውያን ብወገን ርቀት እግዚአብሔር ከም ግዝፊ ሥጋ እዩ ዝረአ ይብል። (ኣረጋዊ መንፈሳዊ)
በዚ ከም’ዚ ዝበለ ርቀቶም ኣብ ኵሎም ፈጡራን ህልዋትን ሕዱራትን እዩም፡ “ውስተ ዓለም ሀሎ ወዓለምኒ ቦቱ ኮነ” ኣብ ዓለም ኣሎ፤ ዓለም ከኣ ብእኡ ተፈጥረት። (ዮሓ. 1፡10)
“ንሕነ ንሬእዮ ለኵሉ ወኣልቦ ዘይሬእየነ እስመ ውስተ ኵሉ ንሕነ፣ ውስተ ኵሉ በሐውርት መለኮቱ” ንሕና ኣብ ኵሉ ህልዋት ስለ ዝኾና ንኹሉ ንርእዮ፤ ነዓና ዝርኢ ግን የልቦን ይብል። (ቀሌምንጦስ) (መዝ. 103)

ባሕርዮምከ ከመይ እዩ፧ እንተ ተባህለ ዘይጠሚ፤ ዘይጸምእ፤ ዘይደክም፤ ዘይሓምም፤ ዘይመውት፤ ሕያው እዩ፡ “ስምከ ሕያው ዘኢይመውት ትጉህ ዘኢይዴቅስ ፈጣሪ ዘኢይደክም”፡(ሊጦን) ብኸም’ዚ ዝበለ ስምን፤ ብኸም’ዚ ዝበለ ተግባርን ኣካልን፤ ልቢ ከይቀደመ ብሓድነት ቃልን እስትንፋስን ከም ዝተረኽቡ፤ ስሞም ንኣካሎም ፡ ኣካሎም ንስሞም ከይቀደሞ፤ ወልድን መንፈስ ቅዱስን ካብ ኣብ ተረኽቡ።

“ወአካሎሙሂ ለሥሉስ ቅዱስ ወአስማቲሆሙ አልቦ ዘይቀድም ወአልቦ ዘይዴኅር አላ እሙንቱ ብለያነ መዋዕል እምቀዲሙ ዘእንበለ ጥንተ ወዘመን”።
ካብ ናይ ሥላሴ ኣካላትን ኣስማትን ዝቕድምን ዝድሕርን የለን፤ እንታይ ደኣ ንሳቶምሲ ቅድሚ መጀመርታ ዘመን ዝነበሩ እዮም ከም ዝበለ።(ቅዱስ ጎርጎርዮስ ገባሬ መንከራት)
ቀዳምነቶም ንዅሉ ዘመን ይውስኖ እምበር ዘመናት ንቐዳምንቶም ኣይውስኖን፡ “አልብነ ጥንት ወኢተፍጻሜት ወኢይትዓወቅ መዋዕሊነ እስመ እምቅድመ መዋዕል ንሕነ”።
ቅድሚ ኣዝማናት ዝነበርና፤ መጀመርታን መወዳእታን ዘይብልና ስለዝኾና፡ መዋዕልና ዝፍለጥ ኣይኰነን ይብል።(ቀሌምንጦስ)

ንምሥጢረ ሥላሴ ዝቐርቡ ምሳሌያት፡
መጀመርታ ዝቐርብ ምሳሌ፤ እግዚአብሔር ብመልክዑን ብኣርኣያኡን ንዝፈጠሮ ሰብ ናይ ምሕሳብን ምዝራብን ምትንፋስን ክእለት ዘለዎ እዩ፡ ስለ’ዚ ምሕሳብ ብአብ፤ ምዝራብ ብወልድ፤ ምትንፋስ ከኣ ብመንፈስ ቅዱስ ይምሰሉ። ዘረባ ካብ ሓሳብ ዝውለድ ካብ ሓሳባት ከይተፈልየን ከይተቛረጸን እዩ፡ ምኽንያቱ ሰብ ስቕ ኢሉ ዀነ ወይ እናተዛረበ ኵሉ ጊዜ ቃላት ምስኡ እዮም እምበር ካብ ሓሳቡ ኣይፍለዩን ወይ ኣይቛረጹን እዩም።

ሰለ’ዚ ዘለዓለማዊ ወልድ ካብ አብ ምውላዱ ከይተፈልየ ደኣሉ እምበር ምስ ተወልደ ተፈልዩ  ክብሃል ኣይከኣልን እዩ። ልቢ ወይ ድማ ሓሳብ ከምኡ’ውን ናይ ዘረባ ቃላት ነፍሲ ምህላዎምን እዚ ነፍሲ እዚ ከኣ ሕይወቶም ምዃኑን ዘተፈልጠ እዩ።
ከምኡ ድማ ንአብን ፤ ንወልድን ፤ መንፈስ ሕይወት ማለት እስትንፋስ ኣለዎም። ንሱ ከኣ መንፈስ ቅዱስ እዩ ፤ ቃል ወይ ዘረባ ዝርከብ ሓሳብን ሕይወትን ከህሉ ኰሎ እዩ፤ ሓሳብ ወይ ልቢ ምስ ኣብ ውሽጢ ልቦና ዘለዉ ቃላትን እስትንፋስን ሓደ እዩ፤ ከምኡ’ውን ሕይወት ወይ እስትንፋስ ኣብ ዘሎ ሓሳባትን ናይ ዝርርብ ቃላትን ሓቢሮም ከም ዝህልዉ ፍሉጥ እዩ፡

ከምኡ ድማ እዞም ሠለስተ ኵነታት ማለት ሓሳብ ናይ ዝርርብ ቃላትን እስትንፋስን ወይ ሕይወት ሓቢሮም ከም ዝነበሩ ማለት ሓደ ካብ እዚኣቶም እንድሕሪ ኣልዩ ካልኦት ክህልዉ ግድን እዩ እሞ መረድኢ ሰለ ዝኸውን ሠለስቲኦም ብሓደነት ደኣ እዩም ዝነብሩ እምበር እቲ ሓደ ካብ ሓደ ክቕድም ኣይክእልን እዩ፡ ወይ ድማ ሓደ ብድሕሪት ስዒቡ ክበሃል ኣይከኣልን።

በዚ ኣብነት እዚ አብን ወልድን፤ መንፈስ ቅዱስን ከም ቋሕ ሰም ንዝኣክል ጊዜ እኳ ኣይቀዳደሙን እዩም። ሓደ ሰብ ዘረባኡ ንኻልእ ሰብ ከስምዕ ዝደሊ ብመልሐሱ ዘረባኡ ይገልጽ እሞ ናብ ሰማዕቱ ዘብጽሐሉ ምክንያት ካብ ሓሳቡ ከይተቛረጸን ከይተፈልየን እዩ።

ከምኡ ደማ ዘልዓለማዊ ዝዀነ ኣካላዊ ቃል እግዚአብሔር ንሱ ደማ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ንደቂ ሰብ ክግለጽ ብዝደለየ ጊዜ ካብ እግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም መለኮቱን ትስብእቱን ኣዋሃሂዱ ዝተወልደሉ ምኽንያት ካብ ዘልዓለማዊ ኣብኡ ከይተፈላለየን ርክቡ በዘይ ምቊራጽን እዩ።

ናይ ሥላሴ ሓደነትን ሠለስትነትን፤ በነፍስን ብእሳትን፤ ብፀሐይን ፤ ብባሕርን ይምሰል። ነዚኦም ኵሎም ሠለስተ ባሕርያን ኣለዎም።

ናይ ነፍስና ሠለስተነት ልብን፤ ቃልን፤ እስትንፋስን እዮም። እዚ ሰብ’ዚ ኣእምሮኛ እዩ ክብሃል ኰሎ- ልቡ ተዛራቢ ክብሃል ከሎ፦ ቃሉ ሕይወታዊ እዩ ክብሃል ከሎ- እስትንፋሱ ምግላጽ እዩ።
ናይ እሳት ሠለስትነት ኣካሉ፤ ብርሃኑ፤ ሙቐቱ እዩ፡
-      ኣካሉ ማለት፤  እንሆ እሳት ኣምጽእ
-      ብርሃኑ ድማ፤ ኣብርህ፤
-       ሙቐቱ ድማ፣ ንሙቕ ኢሉ ክዝረብ ከሎ እዩ፡
እዚ ድማ ብኣካሉ አብ ፤ ብብርሃኑ ወልድ ፤ ብሙቐቱ መንፈስ ቅዱስ ይምሰሉ።

“አቡየ እሳት ወአነ ብርሃኑ ወመንፈስ ቅዱስ ዋዕዩ”። (ቀሌምንጦስ) አብ እሳት፤ ወልድ እሳት፤ ወመንፈስ ቅዱስ እሳት አሐዱ ውእቱ እሳተ ሕይወት ዘእም አርያም”፡  አብ እሳት እዩ፤ ወልድ እሳት እዩ፤ መንፈስ ቅዱስ’ውን እሳት እዩ፤ ኣብ ኣርያም ዝነብር ሓደ ናይ ሕይወት እሳት እዩ። (ቅዳሴ ማርያም)

ናይ ፀሐይ ሠለስትነት ከኣ ክበቡ፤ ብርሃኑ ፤ ሙቐቱ እዩ።
-      ብኽበቡ           አብ
-      ብብርሃኑ          ወልድ
-      ብሙቐቱ          መንፈስ ቅዱስ ይምሰሉ፡
“አቡየ ፀሓይ ወአነ ብርሃኑ ወመንፈስ ቅዱስ ዋዕዩ። ወውስተ ፀሐይ ሤመ ጸላሎቶ”፡ ምሳሌኡ ብፀሐይ ገበረ ይብል።(መዝ።9፡4)
“አብ ፀሐይ ፤ ወልድ ፀሐይ ፤ ወመንፈስ ቅዱስ ፀሐይ አሐዱ ውእቱ ፀሐየ ጽድቅ ዘላዕለ ኵሉ”።
አብ ፀሐይ እዩ፤ ወልድ ፀሐይ እዩ፤ መንፈስ ቅዱስ’ውን ፀሐይ እዩ ልዕሊ ኵሉ ዝኾነ ሓደ ሓቀኛ ፀሐይ እዩ ይብል። (ቅዳሴ. ኣባ ሕርያቆስ)

ናይ ማይ ሠለስትነት ድማ ኣካሉ፤ ጣዕሙ፤ ዛሕሉ (ጠሉ)
-      ብኣካሉ            አብ
-      ብጣዕሙ          ወልድ
-      ብዛሕሉ           መንፈስ ቅዱስ ይምሰሉ፡
“አብየ ማይ ፤ ወአነ ጣዕሙ፤ ወመንፈስ ቅዱስ ሕይወቱ”። (ቀሌምንጦስ)
ናይ ባሕሪ ሠለስትነት ከኣ ስፍሓቱ ፤ ጠሉ፤ተንቀሳቓስነቱ።
-      ብስፍሐቱ                  አብ
-      ብጠሉ                       ወልድ
-      ብተንቓሳቅስነቱ         መንፈስ ቅዱስ ይምሰሉ፡

ነገር ግን እዚኣቶም ሓደ ነፍሲ፤ ሓደ እሳት፤ ሓደ ፀሐይ፤ ሓደ ማይ፤ሓደ ባሕሪ እዮም ዝበሃሉ እምበር ሠለስተ ኣይበሃሉን።
ሥላሴ ግን ብኣካል፤ ብስም፤ ብግብሪ ሠለስተ እንተ ተባህሉ ብባሕርይን፤ ብሕልዉናን፤ ብፍቃድን ብመለኮትን ሓደ ደኣሎም እምበር ሠለስተ ኣይብሃሉን እዮም። “እንዘ አሐዱ ሠለስቱ፤ ወእንዘ ሠለስቱ አሐዱ፤ ይሤለሱ በአካላት ወይትወሐዱ በመለኮት” ሓደ ከለዉ ሠለስተ ሠለስተ ከለዉ ሓደ ብኣካላት ሠለስተ ብመለኮት ግን ሓደ እዮም፡ ከም ዝበሉ።(ሠለስቱ ምእት)
ከምኡ’ውን አብ ብልቢ፤ ወልድ ብቓል፤ መንፈስ ቅዱስ ብእስትንፋስ ይምሰሉ፡ “ሣህሉ ለእግዚአብሔር መልኣምድረ፤ ወበቃለ እግዚአብሔር ጸንዐ ሰማያት፤ ወእምስትንፋሰ አፉሁ ኵሉ ኃይሎሙ”።
ብናይ እግዚአብሔር ይቕሬታ ምድሪ መሊኣ ማለት ምድሪ ፈጠረ። ይኹን ብዝበሎ ቃል ከኣ ሸውዓተ ሰማያት ተፈጢሮም ጸንዑ ኣብ ሰማይን ምድርን ዘለዉ ፈጥረታት ብረቂቕ ሥልጣኑ ተፈጢሮም ጸኒዖም ይነብሩ። (መዝ.33፡6)
እዚ ሰለ ዝዀነ ንወዲ ሰብ ብዝከኣል መጠን ምግላጽን ምርዳእን እዩ እምበር ካብ ፍጡራት ወገን ንሥላሴ ዝኣክል ምሳሌ የለን፡ ዝተመሰለ እንተ ተመሰለ ከኣ (ሕጸጽ) ጉድለት ዘለዎ ምሳሌ እዩ፡”ወአልቦ ዘይከዉን ከማን ወአልቦ ዘይትማሰልነ እስመ ምልዕልተ ኵሉ ንሕነ”።
ልዕሊ ኵሉ ስለ ዝዀና፤ ከማና ዝኸውን ወይ ነዓና ዝመስል የለን ይብል። (ቀሌምጦስ)
ካልኣይ ከኣ፣- አብ ብልቢ፤ ወልድ ብቓል፤ መንፈስ ቅዱስ ብእስትንፋስ ሰለ ዝተመሰሉ፤ ንአብ ዝተፈልየ ቃልን እስትንፋስን፤ ንወልድ ዝተፈልየ ልብን እስትንፋስን ንመንፈስ ቅዱስ ዝተፈልየ ልብን ቃልን ኣለዎም ማለት ኣይኰነን።
እንታይ ደኣ እቲ ሓደ ኣብ’ት ሓደ ህልዋት እዮም፡ አብ ብልብነት፤ ኣብ ወልድን  መንፈስ ቅዱስን ህልዊ እዩ፤ ወልድ ብቓልነት፤ ኣብ አብን መንፈስ ቅዱስን ህልዊ  እዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ብእስትንፋስነት ኣብ አብን ወልደን ህልዊ እዩ፡ “አብኒ ህልው ውእቱ በወልድ ወበመንፈስ ቅዱስ ህልው ውእቱ ብአብ ወበወልድ” ይብል። (ቅዱስ ፊላታዎስ ሊቀ ጳጳሳት ዘእስከንድርያ)
“እመኑ ከመ አነ በአብ፤ ወአብ ብየ፡” ኣነ ኣብ ኣቦ ምህላወይ፤ ኣቦ ኸኣ ኣባይ ምህላዉ እመኑ ይብል። (ዮሐ.14፡11)
አብ ፤ ንወልድን ንመንፈስ ቅዱስን ልቦም እዩ፤ ወልድ ኸኣ ንኣብን ንመንፈስ ቅዱስን  ቃሎም እዩ፤ መንፈስ ቅዱስ ድማ ንኣብን ንወልድን እስትንፋሶም እዩ። ስለ’ዚ  ብአብ ለባውያን፤ ብወልድ ነባቢያን፤ በመንፈስ ቅዱስ ሕያውያን ይብሃሉ፡ “አብኒ ልብናሆሙ ውእቱ ለወልድ ወለመንፈስ ቅዱስ ወልድኒ ቃሎሙ ወቱ ለአብ ወለመንፈስ ቅዱስ፤ ወመንፈስ ቅዱስኒ ሕይወቶሙ ውእቱ ለአብ ወለወልድ፡”። (ቅዱስ ኣብሎዲስ ዘሮሜ)

ሰለ’ዚ ሥላሴ ከም ሓደ ልቢ ኰይኖም የሓስቡ ፤ ከም ሓደ ቃል ኰይኖም’ውን ይዛረቡ፡ ከም ሓደ እስትንፋስ ሕያዋን ኰይኖም’ውን ዝደለይዎ ይፍጽሙ ዳ እምበር ፍልልይ የብሎምን።

“ወአኮ ኣብ ባሕቲቱ በርእሱ ዘይገብር፤ ወልድኒ አኮ ባሕቲቱ በርእሱ ዘይገብር ፤ ወመንፈስ ቅዱስኒ አኮ ባሕቲቱ በርእሱ ዘይገብር ፤ አላ ዘፈቀደ አብ ይፌጽምዎ ወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ወምግባሮም አሓዱ ውእቱ” ።

አብ ብርእሱ ንበይኑ ዝገብሮ የብሉን፤ ወልድ’ውን በይኑ ብርእሱ ዝገብሮ የብሉን፤ መንፈስ ቅዱስ’ውን በይኑ ብርእሱ ዝገብሮ የብሉን ። እንታይ ድኣ ተግባሮም ሓደ ሰለ ዝኾነ ፤ ኣብ ዝፈቀዶ ወልድን መንፈስ ቅዱስን ይሠምርዎ ይብል። (ቅዱስ ኪራኮስ ዘኣንጾኪያ)

ሓደ ነገር ከኣ ብሓድነት ኮነ ብሠለስትነት ክረኣዩ ከለዉ እዚ አብ እዩ ፤ እዚ ደማ ወልድ እዩ ፤ እዚ ኸኣ መንፈስ ቅዱስ እዩ ኢልካ ፈልኻ ንምልላይ ኣይከኣልን፡ እንታይ ደኣ ንሓደ ርኢኻ ምእማን እዩ ዘሎ፡ “ዘርእየ ኪያየ ርእዮ ለአብ፡ አነ ወአብ አሐዱ ንሕነ” ንዓይ ዝረኣየ ንአብ ረኣየ፤ ኣነን አብን ሓደ ኢና፤ ኣነ ኣብ ኣቦ ህልው ከም ዝዀነኩ ፤ ኣቦ ኸኣ ኣባይ ህልዊ ከም ዝኾነ እመኑ ከም ዝበለ። (ዮሐ.14፡9-11) “እመኑ ከመ አነ በአብ ወአብ ብየ”
እዚ ናይ ብኣካላት ሠለስተ ምዃኖም ዘረድእ ክኸውን ዀሎ።
ናይ ሓድነቶም ነገርከ ብምንታይ እዩ እንተ ተባህለ ብባሕርይ ፤ብመለኮት ብብርሃነ መንግሥት፡ ብእግዚአብሔርነት፤ ብኣምላኽነት ይብል፡ “አሐዱ መለኮት እስከ ለዓለም፤ አሐዱ እግዚአብሔር አሐቲ መንግሥት” መንግሥቱ ሓንቲ ዝዀነት ዘልዓለማዊ ሓደ እግዚአብሔር ከም ዝበሎ። (ሠለስቱ ምእት)

በዚ ነገር እዚ ደማ ሓደን ሠለስተን ይዀኑ እዮም፡ “ሠለስቱ ህላዌ በአካላት፤ ወአሐዱ ህላዌ በመለኰት፤ ዝውእቱ ሃይማኖትነ” ብኣካላት ሠለስተ ብመለኮት ሓደ ፤ እዚ እዩ እምነትና ይብል። (ቅዱስ ባስልዮስ ዘቂሳርያ)

“ወአልቦ በውስተ ቅድስት ሥላሴ ግብርናት ወኢተግንዮ፤ ወኢይትሌዕል አሐዱ እምካልኡ በመለኮት ወኢያኤዝዞ አሐዱ ለካልኡ በሥልጣን ዘከመ ተላአኪ አላ ዕሩያን እሙንቱ በአሐዱ ክብር ወመለኮት”።

ኣብ ቅድስት ሥላሴ ገዛኢን ተገዛኢን የለን። ብመለኮት ሓደ ካብቲ ሓደ ዝፍለ ኣይኰነን፤ ብሥልጣን’ውን ከም ለኣኺን፤ ተለኣኺን ሓደ ነቲ ሓደ ዝእዝዞ ኣይኰነን፤ እንታይ ደኣ ብኽብርን፤ በመለኰትን ማዕረ እዮም ከም ዝበለ። (ቅዱስ ሳዊሮስ ብሃይማኖተ ኣበው)

ምሥጢረ ሥላሴ ሓደ ጊዜ ተነጊሩ ጥራይ ኣይተረፈን እንታይ ደኣ ካብ ዘመነ ኦሪት ጀሚሩ በብጊዜኡ ክንገርን ኪመሀርን ዝጸንሐ እዩ።
መጀመርታ ሥላሴ ንኣዳም ክፈጥርዎ ከለዉ “ንግበር ሰብኣ በአርአያነ ወበአምሳሊነ” በሉ፡ ንግበር ማለቶም ሠለስተ ምዃኖም፡ ብመልክዕናን ብምስልናን ኢሎም ከኣ ሓደ ምዃኖም ተዛረቡ። ( ዘፍ 1፡26 ) ።
ከምኡ ደማ ንዑ ንረድ ወንክዕው ነገሮም ለከለዳውያን፡ ንዑ ንውረድ ኢሎም ሠለስትነቶም ተዛረቡ፡(ንዑ ንግበር ፤ ንዑ ንረድ እዚ እኳ ሓደ ነርባዕተ ነሓሙሽተ’ውን ክብሎም ስለ ዝከእል ናይ ሓድነቶምን ሠለስትነቶምን አይረድእን እዩ እንተ ተባህለ ካብዚ ግልጺ ዝዀነ ቓል፡) ኣነ ውእቱ እግዚአብሔር አምላኽ፤ ኢሉ ከኣ ሠለስትነቱ ገለጸ።(ዘፀ.3፡6)

ከሙ’ውን ነቢይ ዳዊት “ዐቢይ እግዚአብሔር ፤ ወዐቢይ ኃይሉ፤ ወአልቦ ኊልቊ ለጥበቢሁ”፡ (መዝ።147) ዐቢይ እግዚአብሔር ዝበሎ አብ፤ ወዐቢይ ኃይሉ ዝበሎ ወልድ፤ ወአልቦ ኊልቊ ለጢበቢሁ ዝበሎ ድማ መንፈስ ቅዱስ እዩ።

ኣብ ካልእ ዓንቀጽ’ውን ከም’ዚ ይብል፡ “ሣህሉ ለእግዚአብሔር መልአ ምድረ፤ ወብቃለ እግዚአብሔር ጸንዐ ሰማያት፤ ወእምእስትንፋሰ አፍሁ ኲሉ ኃይሎሙ” ምድሪ ብይቕሬታ ብሕያውነት እግዚአብሔር አብ መልአት፤ ብኣካላዊ ቃል እግዚአብሔር ወልድ ሰማያት ተፈጢሮም ጸንዑ፤ ብረቂቕ ሥልጣን ኣካላዊ ሕይወት መንፈስ ቅዱስ ከኣ መላእኽትን ደቂ ኣዳምን ጸንዖም ይነብሩ ኣለዉ ይብል። (መዝ.33)

ነቢይ ኢሳይያስ’ውን “ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እግዚአብሔር ጸባዖት ፍጹም ምሉእ ሰማያተ ወመድረ ቅድሳተ ሰብሐቲከ፡” ቅዱስ፤ ቅዱስ፤ ቅዱስ ኢሉ ሠለስተነቶም እግዚአብሔር ኢሉ’ውን ሓደነቶም ተዛረበ። (ኢሳ.6፡3)
ከሙ’ውን ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ “መንፈስ ቅዱስ ይመጽእ ላዕሌኪ ፤ ወኃይለ ልዑል ይጼልለኪ” “መንፈስ ቅዱስ ኣባኺ ክወርድ እዩ፤ ኃይሊ ልዑል’ውን ኬጽልለኪ እዩ፡

መንፈስ ቅዱስ፤ መንፈስ ቅዱስ እዩ፤ ኃይሊ ማለት ወልድ እዩ፤ ልዑል ማለት አብ እዩ፤ (ሉቃ.1፡35) ዮሐንስ’ውን ብራእዩ “እለ ጽሑፍ ወስተ ፍጽሞሙ ስሙ፤ ወስመ አቡሁ ፤ወስመ ቅዱስ መንፈሱ” ይብል። (ራእ.14፡1)
ልዕሊ ኹሉ ድማ፣  ሽሕ ፈልጺ ፤ መእሰሪኡ ልሕጺ ከም ዝብሃል፤ ባዕሉ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ “ወእንዘ ታጠምቅውሙ በሉ በስመ አብ ፤ ወወልድ ፤ ወመንፈስ ቅዱስ” ከተጠምቕዎም ከለኹም ብስም አብን ፤ ወልድን ፤ መንፈስ ቅዱስን ኣጥምቕዎም ኢሉ ሠለስትነቶም ኣረዲኡ ኣሎ።(ማቴ 28፡19)

“እመቦ ዘዕቀበ ቃልየ አነ ወአቡየ ንመጽእ ኅቤሁ ወንገብር ምዕራፈ ውስቴቱ፡ ወባሕቱ ጰራቅሊጦስ መንፈስ ጽድቅ ዘይፌኑ አብ ብስምየ ውእቱ ይሜህረክሙ ኲሉ”።
ትእዛዛተይ ዝሕሉ እንተልዩ ኣቦይ ከፍቅሮ እዩ ፤ ናቡኡ መጺእና መሕደር ክንገብር ኢና ምስ በለ፤ እቲ ኣቦይ ብስመይ ዝሰዶ መጽናንዒ መንፈስ ቅዱስ ንሱ ኹሉ ክምህረክም እዩ ኢል ገሊጹ ኣሎ።(ዮሓ. 14፡23-26)
ይኹን ደኣ እምበር ናይ ሥላሴ ሓድነትን ሠለስትነትን ምሥጢር ናይ ፍጡር ልቢ መርሚሩ ሰለ ዘይረኽቦ “ንእመን ዘንበለ ተኃሥሦ”፡ ካብ ዝተጻሕፈልና ከይሓልፍና ብዘይምምርማር ንእመን ኢሎም ኣለዉ፡ (ሠለስቱ ምእት) “ኢንኅሥሥ ዕበያቲሁ ወኢንጠናቀቅ ምዕምቅቲሁ”፡ ቅዱስ ኣባ ሕርያቆስ’ውን ጐይትነቱን ዕቤቱን ኣይንመራመር ይብል።

እዚኣቶም ዝበልዎ መሠረት ብምግባር ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ምምርምር ገዲፍና ዝተጽሕፈልና ጥራይ መርሚርና ተረዲእና ንስኻ ትፍልጥ ኢልና ሃይማኖትና ምስ ናይ ተግባሩ ኣጽኒዕና ኽንሕዝ ይግብኣና።
ምሥጢር ሥላሴ ካብ ብዙሕ ብውሕዱ እዚ እዩ፡ ካብ’ዚ ቀጺሎ ምሥጢረ ሥጋዌ

ይስዕብ።

ምንጪ
ሥነፍጥረት ምስ ሓሙሽተ ኣእማደ ምስጢር
ሸውዓተ ምስጢራተ ቤተክርስቲያን ምስ ሓጺር ሓተታ ንዛዕባ እምነትን ግብርን
ኣድላዊ፥ ኣባ ወልደገብርኤል ቀሺ ብርሃነ 2007