7ይ ሰንበት ኒቆዲሞስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ

ሆረ ኃቤሁ ዘስሙ ኒቆዲሞስ።

ምስባክ

ሐወጽከኒ ሌሊተ ወፈተንኰ ለልብየ፣

አመከርከኒ ወኢተረክበ ዓመጻ በላዕሌየ፣

ከመ ኢይንብብ አፋየ ግብረ ዕጓለእመሕያው።

ንልበይ ተዐዚብካዮ ብለይቲ በጺሕካዮ

መርሚርካንስ ገለ እኳ ኣይረኸብካን

ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸ እየ።

መዝ.16፣3   (17-3)

ወንጌል ዮሓ.3፣1-10      ግ.ሓ.5፣38-ፍጻሜ        ሮሜ.7፣1-19       1ይዮሓ.4፣18-ፍጻሜ

ቅዳሴ. ቅዳሴ ማርያም

 

ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ሻብዓይቲ ሰንበትን ምስኣ ዘላ ሰሞንን ኒቆዲሞስ ተባሂላ ትፍለጥ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነዛ ክብርቲ ዕለት ስለዘብጽሓና ስሙ ዝተመስገነ ይኹን። 

እዛ ሰንበት እዚኣ በዚ ስም ክትስመ ዝኸኣለት ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ፡ ኒቆዲሞስ ዝተባህለ ምሁረ ሕግ ለይቲ ለይቲ እናኸደ ብዛዕባ ምሥጢር ጥምቀትን ዳግም ምውላድን ካብ ጐይታ ከም ዝተማህረ እናጠቐሰ ነቲ ኣብ ዮሓንስ ወንጌል (ምዕራፍ ፫) ንዝተጻሕፈ ታሪኽ ስለዝዝመረሉ እዩ። ርእሲ ናይቲ መዝሙር’ውን “ሖረ ኀቤሁ ዘስሙ ኒቆዲሞስ” ዝብል ኮይኑ “ወሀሎ አሐዱ ብእሲ እምፈሪሳውያን ዘስሙ ኒቆዲሞስ መልአኮሙ ለአይሁድ ዘሖረ ኀቤሁ ቀዲሙ ሌሊተ ወይቤሎ ለኢየሱስ ዕጓለ አንበሳ ሰከብከ ወኖምከ አንሥአኒ በትንሣኤከ” እናበለ ይዝምር። 

ኒቆዲሞስ ምሁረ ሕገ መምህር ኣይሁድ ነበረ። ንሱ ድማ ካብ ፈሪሳውያን ወገን ኮይኑ ሓደ ካብቶም ኣሕሉቕ ፈሪሳውያን ነበረ። ፈሪሳውያን ድማ ካብቶም ቀንዲ ማኅበረ ኣይሁድ ኮይኖም ሕግን ሥርዓትን ኦሪት ልዕሊ ካልኦት ሓለውቲ ኢና ኢሎም ዝሓስቡ ዝነበሩ እዮም። ስለ ሕገ ኦሪት ድማ ኣዝዮም ቀናዕትን ምኩሓትን እንተነበሩ’ውን ነቲ ዝብልዎን ዝምህርዎን ዘይገብርዎ ግቡዛት ድማ እዮም ነይሮም። ጐይታ ድማ ስለዚ ግብሮም ድማ ወቒስዎም እዩ። (ማቴ ፳፫፥፩-፴፮) ጐይታ’ውን ነቲ ምስሉይ ግብሮም ይቀልዖን ብዙኅ ጊዜ’ውን ይወቕሶም ስለዝነበረን ብዙኃን’ውን ትምህርቲ ጐይታ እናሰምዑ ክስዕብዎን ተኣምራቱ እናረኣዩ ድማ ክሰሓቡን ምስረኣዩ ብቅንእን ካልእን ምኽንያት ንጐይታ ይጻብዕዎ ነበሩ። ካብ ቅንኢ ሓሊፎም’ውን ምኽንያት እናፈጠሩ ከእስርዎን ክቐትልዎን ይደልዩን ይመኽሩን ይፍትኑን ከምዝነበሩ ይፍለጥ። እቲ ክፋእ ናቶም ኣብኡ ጥራይ ዝተሓጽረ ዘይኮነሲ ብኡኡ ንዝኣምኑን ንሱ እቲ ነቢያት ዝተነበየሉ ክርስቶስ (መሲሕ) ምዃኑ ንዝምስክሩን ካብ ምኵራቦም ክፈልይዎም መምርሒ ክሳብ ምውጻእ በጺሖም እዮም። (ዮሓ ፱፥፳፪ ፲፪፥፵፪) 

ኣብቲ ኣይሁድ ንጐይታ ብብዙኅ ዝተፈላለየ ርድኢትን ጥርጣረን ይርእይዎን ተንኰላት ይመኽሩን ኣብ ዝነበረሉ ዘመን ድማ እዩ ኒቆዲሞስ ዝነበረ። ኒቆዲሞስ ብተኣምራትን ትምህርትን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እንተተመሰጠ’ውን ኣይሁድ ከይቃወምዎ ክብል ግና ብሕቡእ ለይቲ ለይቲ ንጸልማት ከውሊ ገይሩ ናብ ጐይታ እናመጸ ይመሃር ነበረ። (ዮሓ ፫፥፩-፳፩) ጐይታ ድማ ነቲ መምህረ ኣይሁድ ሰብ መንግሥተ ኣምላኽ ክወርስ እንተደኣ ኮይኑ ቅድሚ ኵሉ ዳግማይ ካብ ማይን መንፈስን ክውለድ ከምዘድልዮ እናነገረ ምሥጢረ ጥምቀት ይምህሮ ነበረ። ኒቆዲሞስ ነዚ ዓቢ ኣፍ ደገ ኵለን ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ምሥጢረ ጥምቀት ካብ ባዕሉ ሠራዒ ሕጊ ዝኾነ ጐይታ ምምሃሩ እግዚአብሔር ዝመረጾን ዝዓደሎን ኅሩይ ምዃኑ ዘርእይ እዩ። ኒቆዲሞስ ድማ ንትምህርቲ ጐይታ እናስተንከረ፤ ንዘይተረድኦ ድማ ይሓትት ነበረ። ጐይታ ድማ “መምህረ እስራኤል ኢኻ” እናበለ እናወደሰ በቲ ሓደ “ነዚ ዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ” እናበለ ዘይምፍላጡ እናወቐሱ በቲ ካልእ ንኵሉ ክፈልጦ ዝግባእ ምሂርዎ እዩ፤ ብዛዕባ ውልድነት ዘውህብ ጥምቀት ጥራይ ዘይኮነስ ብዛዕባ ፍቕሪ እግዚአብሔር፡ ካብ ሰማያት ምውራዱ፡ እምነት፡ ግብሪ፡ ፍርዲ ወዘተ ከምኡ’ውን ስለ ድኅነት ዓለም ዝኸውን ስቕለቱን ምሳሌኡን ገሊጹሉ እዩ። ንዝተማህሮ ምሥጢርን ንዝረኣዮ ፍቕሪን ድማ ኣብ ልቡ የጽንሖን ምንባሩ ድኂሩ ኣብ ዝሰዓበ መዋዕል ክንርዳእ ንኽእል ኢና። (ዮሓ ፯፥፶ ፤ ዮሓ ፲፱፥፴፰)። ኵሉ ፈሪሁ ኣብ ዝሃደመሉ፡ ብቀትሩ ካብ መልዕልተ መስቀል ንጐይታ ኣብ ምውራድን ኣብ ምግናዝን ድማ እሙንን ፍቑርን ኮይኑ ተረኽበ። ከምቲ ጐይታ “እቲ ፍርዲ እዚ እዩ፡ ብርሃን ናይ ዓለም መጸ፡ ሰብ ግና፡ ግብሮም ክፉእ እዩ እሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ። ክፉእ ዚገብር ዘበለ ብርሃን ይጸልእ እዩ እሞ፡ እቲ ግብሩ ምእንቲ ኸይዝለፍ፡ ናብ ብርሃን ኣይመጽእን። እቲ ሓቂ ዝገብር ግና፡ ብኣምላኽ እተገብረ እዩ እሞ፡ ግብሩ ምእንቲ ኪግለጽ፡ ናብ ብርሃን እዩ ዚመጽእ።” ኢሉ ዝመሃሮ ድማ ብርሃን መረጸ። ናብ ብርሃን ድማ መጸ። ነቲ ብርሃን ድማ ረኸቦ። 

ሎሚ’ውን ዘለዎም ዓለማዊ መዝነትን ሥጋዊ ክብርን ከምኡ’ውን ሃብቲ ዓለምን ልዑል ምህሮን ፍልጠትን ካብ ዘለዉዎ ጸልማት ወጺኦም ናብ ናይ ክርስቶስ ብርሃን ከይመጹን ኣብ መንገዲ ሓቂ ከይመላለሱን ዕንቅፋት ዝኾኖም ኣዝዮም ብዙኃን እዮም። ኒቆዲሞስ ነዚኦም ዝኣመሰሉ ልዕልንኦም መዐንቀፊ ዝኾኖም ሰባት ዓቢይ ኣብነት እዩ። 

ገለ ሰባት ብዝተማሃርዎን ብዘለዎም መንፈሳዊ ፍልጠት ንዝምክሑ’ውን መምህር ኮይንዎም እዩ። ኒቆዲሞስ ከምቶም መዛንኡ ብሥጋ ከቢሩ ክነብር እናኸኣለ ናብ ምንጪ ፍልጠትን መገዲ ሓቅን ዝኾነ ክርስቶስ መጺኡ ብትሕትና ይመሃር ነበረ። ኣምላኽ ድማ ንዓለም ከግህዶ ብዛዕባ ካብ ዝመደቦ ምሥጢር ነቲ ሓደ መሊኡ ከሢትሉ እዩ። ገና ካብ ኣምላኽ ክንመሃሮን ከነስተብህሎን ዝግባእና ምሥጢራት ስለዘሎ ቤተ ክርስቲያን’ውን ዓውዲ መዝገብ ምሥጢራቱ እያ እሞ ኵልሳዕ ብትሕትና ንመላለስ፤ ኣምላከ ቅዱሳን ዘይንፈልጦ ምሥጢሩ ክገልጸልና እዩ። ኒቆዲሞስ’ውን ዘይፈልጦን ዝጐድሎን ከኣ ጽን ኢሉ ይሰምዕ ነበረ። ኣሰረ ፍኖት ኒቆዲሞስ ክንስዕብ መልእኽቲ እዛ ሰንበት እያ። 

ኒቆዲሞስ ተጊሁ ለይቲ ለይቲ ነቲ ቃል እግዚአብሔር ብምስምዑን ፍቕሪ እግዚአብሔር ኣብ ልቡ ስለዘሕድረን ኣብቶም ምኩሓትን ልዑላትን ኣብ ዝጋብኡሉ መጋብእያ ነቲ ሓቂ ክምስክር በቕዐ። ክፉእ ምኽሮም ድማ በቲ ናይ ሓቂ ትምህርቱ ገይሩ ቀልዖን፤ ነቶም ምኩሓት ድማ ኣብ ጉባኤያቶም ኣሕፈሮም። ብሓቂ ስለ ሓቂ ኣብ ኵሉ መድረኽን ዓውድን እሙን ምዃን ዓቢይ ጸጋ እዩ። ኒቆዲሞስ’ውን ስለዚ ጕዳይ መምህር ሓቂ እዩ። ነታ ናይ ልቡ እምነት’ውን ኣብታ ሓቀኛ ሰዓት ኣግሂድዋ እዩ። 

ኒቆዲሞስ ካብ ኣይሁድ ግብዝና ርሒቑ ብዘርኣዮ ኣትኅቶ ርእስ (ትሕትና)፡ ጐደሎኻ ምእማን፡ ምሥጢራት ንምቕባል ዝተዳለወ ኣልዕሎ ልቦና ምውናን፡ ስምዐ ጽድቅ (መስካሪ ሓቂ) ምዃን፡ ንቃለ እግዚአብሔር ዝነበሮ ትግሃት ለይቲ፡ ክሳብ መወዳእታ ምጽናዕን ካልእን ካብኡ ክንመሃር ንኽእል። አማን ብአማን ኒቆዲሞስ ዓቢ መምህርና እዩ፤ ካብ ደምበ ምስሉውይነት “ሕይወት ኣይሁድ" ወጺኦም ናብቲ ኣቦታትና ቅዱሳን ዝተጋደሉሉ ደምበ ሓቀኛ ሕይወትን ብርሃንን ክጽምበሩ ዝግብኦም ኣለዉ እሞ ቤተ ክርስቲያንና ንኸምዚኦም ትብህጎም እያ። ናይ ዘመንና ኒቆዲሞሳውያን’ከ ነቲ ብርሃን መዓስ ይርእይዎን የስተውዕልዎን ይኾኑ? ቅድስት ቤተ ክርስቲያና’ውን ኣብዚ ዕለት ንእኡ ምዝካራ ኣዝዩ ባህ ዘብል እዩ እሞ ኣብነቱ ስዒብና በረኸቱ ክንረክብ ቅዱስ ኣምላኽና ፍቓዱ ይኹነልና። 

ከምኡውን በዚ ዕለት ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ብዲያቆናት ዝተነበ ወንጌል ሓደ ዓቢ መልእክቲ ይመሓላለፈልና፣ (1ይ ዮሓ 4፣20) ‘’ ነቲ ዝረኣዮ ሓው ዘይፍቀረስ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ከፍቕር ኣይከአሎን እዩ’ሞ ንሓው እናጸልአስ ንኣምላኽ ኣፍቕሮ እየ ዝብል እንተሎ ንሱ ሓሳዊ እዩ። ነቲ ብከምኡ ዝተቐበልናዮ ትእዛዝ ‘’ እቲ ንኣምላኽ ዘፍቕሮ ንሓዉ ድማ የፍቕሮ ’’ እናበለ ፍቕሪ ብጽይ ይምህረና። ከምኡውን ኣብ ቀዳማይ ጴጥ.5፣3 ንኣምላኽ ምፍቓር ማለት ትእዛዛቱ ምሕላው ከም ዝነበረ ይነግረና ‘’እቲ ትእዛዛተይ ተቐቢሉ ዝሕሉ ንሱ እዩ ዘፍቕረኒ‘’ ይብለና እቲ ፍቕርና ዝጸምአ ኣምላኽ ፍቕሪ ደቂ ሰባት ገዲድዎ ሒወቱ በጃ ሂቡ ብፍቕሪ ከም ዝዐደገና ሕጂውን ምስኡ ንክንነብር ፍቕሩ ከም ዘለና ክንገልጸሉን ናይ ፍቕሪ ትእዛዝ ብምሃብ ‘’ተፍቕረኒ እንተኮይንካስ ትእዛዛተይ ሓሉ’’ ኢሉ እዩ ሕጉ ብፍቕሪ ዘንበረልና (ማር.8፣14) ሥግኡ ቆሪሱ ደሙ ኣፍሲሱ ብሞቱ ፍቅሪ ዝመሃረና ንሕናውን ነዚ ፍጹም ፍቕሪ እናዘከርና መግለጺ ፍትወትና ብፍቕሪ ብትሕትና ክንእዘዞ ይግባእ።

ከምኡውን በዚ መዓልቲ’ዚ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ንዓና ንደቂ ሰባት ንምድሓን ኣብ ቀራንዮ ተሰቂሉ ዓቢ ፍቅሪ ዝገልጸልና ዕለት’ዩ ከምቲ ኣብ ዮሃ. 3፣16 “በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዘበለ ኩሉ ናይ ዘልዓለም ሕይወት ምእንቲ ክረክብ እምበር ከይጠፍእሲ ፣ ኣምላኽ ንወዱ በጃ ክሳዕ ዝህብ ንዓለም ክሳብ ክንድ’ዚ ኣፍቀራ እምበአር ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክሳዕ ሞት ዘብጽሖ ፍቅሩ ንዓና ዝገበረልና ውዕለታት እናዘከርና ንሕጉ ብፍቅሪ ተገዚእና ንሓድሕድና እናተፋቀርና ነታ ሰማያዊት መንግስቱ ክንቅበል ናይ ኣምላኽ ቅዱስ ፍቓድ ናይ ኣዴና ቅዱስት ድንግል ማርያም ኣማላድነት ናይ ቅዱሳን ተራዳእነት ኣይፈለየና። 

ከም ግብርና ዘይኮነስ ከም ምሕረቱ ድልዋትን ንቑሓትን ኮይንና ክንርከብ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና። 

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ።

ወለወላዲቱ ድንግል።

ወለመስቀሉ ክቡር።

 

ምንጪ ፣ ጦማረ ማዕዶት

 

 

Comments are closed.