6ይ’ቲ ሰንበት ገብርኄር

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ።

መኑ ውእቱ ገብርኄር ።

ምስባክ

ከመ እግበር ፈቃድከ መከርኩ አምላኪየ

ወሕግከኒ በማእከለ ከርስየ

ዜኖኩ ጽድቅከ በማኅበር ዐቢይ።

ኣምላኸይ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ፣

ሕግኻ'ውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ በልኩ፣

ጽድቅኻ ኣብታ ዓባይ ማኅበር ኣበሰርኩ።

  መዝ.39፣8 (40-8)

ወንጌል ማቴ.25፣14-31      ግ.ሓዋ.1፣6-9           2ጢሞ.2፣1-16       1ጴጥ.5፣1-12

ቅዳሴ. ባስልዮስ

 ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ሻዱሸይቲ ሰንበትን ምስኣ ዘላ ሰሞንን ገብርኄር ተባሂላ ትፍለጥ። ጐይታ ሠራዊት እግዚአብሔር ነዛ ክብርቲ ዕለት ከምቲ ቃሉ እሙናት ኮይና ከነኽብራን ክንነብራን ቅዱስ ፈቓዱ ይኹነልና። 

እዛ ሰንበት እዚኣ በዚ ስም ክትስመ ዝኸኣለት ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ ዝዝመር መዝሙር ብዛዕባ ቅኑዓት ኣገልገልትን፡ ጐይታ ነቶም ቅኑዓት ኣገልገልቲ ድማ “ገብርኄር” እናበለ ዓስቦም ከም ዝህብ ተዘኻኽር ስለዝኾነት እያ። እቲ ዝዝመር መዝሙር’ውን “መን ውእቱ ገብርኄር?” (መን እዩ እቲ እሙን ኣገልጋሊ?) እናበለ ዝቕጽል እዩ። እቲ መበገሲ ታሪኽ ድማ ጐይታ ንኵሉ ብምስላ ይምህር ከምዝነበረን ካብቶም ትምህርቱ ሓደ ድማ ኣብ ወንጌለ ማቴዎስ ፳፭፥፲፬-፴(25፥14-30) ዘሎ ታሪኽ እዩ። ብተመሳሳሊ’ውን ኣብ ወንጌለ ሉቃስ ምዕራፍ ፲፱፥፲፪-፳፯(19፥12-27) ብካልእ ኣገላልጻ ግና ብስሙር መልእኽቲ ነዚ ምስላ ይደግመልና። 

ጐይታ በዚ ምሳሌያዊ ትምህርቱ ሕድሪ ወንጌል ንኣገልገልቱን ምእመናንን ከምዝሃበን ኣብ ዳግማይ ምጽኣቱ ድማ ብዛዕባ ዝሃቦ መኽሊት ወንጌል ድማ ንኵሉ ከምዝጸባጸብን ከም እቲ ቃሉ ሓልዮም ዘጽንሑሉ እሙናት ኣገልገልቱ ዓስቢ ከምዝህብን ነቶም ዘይሓለዉ ድማ ፍዳ ከምዝጸበዮም ዘመልክት እዩ። እዚ ትምህርቲ ድማ ኵሉ ሰብ ከምቲ ጐይታ ዝደልዮ ኮይኑን ተዳልዩን ግብኡ ፈጺሙ ክጸንሕ ዘተሓሳስብ እዩ። ብዛዕባ መጻእያት ዝተባህለ ይበሃል ወትሩ ግና ሓደ ሓቂ ኣሎ። ንሱ ከኣ ጐይታ ዳግም ክመጽእ እዩ፥ ንኵልና ክጸባጸበና’ውን እዩ። ንኵልና ድማ ከከም ግብርና ክፈድየና ዓስቡ ምስኡ ኣሎ። 

ጐይታ በዚ ትምህርቱ ንርእሱ ከም ሓደ ብዓል ጸጋ መሲሉ እቲ ብዓል ጸጋ ንካልእ ርሑቕ ዓዲ ክብገስ ኣብ ዝሓሰበሉ ነቶም ኣገልግልቱ ጸዊዑ ክሳብ ዝምለስ ምእንቲ ክዓይዩሉ መኽሊት ከምዝሃቦምን ሕድሪ ከምዝገደፈሎምን ይነግር። በዚ መሠረት ነቲ ሓደ ሓሙሽተ ነቲ ካልእ ድማ ክልተ ነቲ ሣልሳይ ድማ ሓደ መኽሊት ሃቦም። ድኅሪ ነዊሕ ዘመን ድማ እቲ ብዓል ጸጋ ምስተመልሰ ነቶም መኽሊት ዝሃቦም ኣገልገልቱ ጸዊዑ ክጸባጸብ ጀመረ። በዚ መሠረት ድማ እቲ ሓሙሽተ መኽሊት ዝተቐበለ ወሪዱን ደይቡን ደኺሙን ነተን ሓሙሽተ መኽሊቱ ሓሙሽተ ረቢሑለን ነቲ ጐይታ ፲(10) መኽሊት ኣቕረበ። እቲ ብዓል ክልተ’ውን ከምኡ ክልተ ረቢሑ ፬(4)ኣቕረበ። እቲ ብዓል ሓደ ግና ኣብ ክንዲ ወሪዱን ደይቡን ምርባሕ መኽሊቱ ዝገብር ኣብ ፍርሕን ጥርጥርን ክፉእ ሓሳባትን ኣትዩ ነበረ እሞ ጐይትኡ ክጸባጸቦ ከሎ ዘይተባህሎ ጭካነ ጐይትኡ ገሊጹ ነታ ዝተዋህበቶ ከይረበሐ ሓቢኡ ከምዘቐመጣ ገለጸ። እቲ ብዓል ጸጋ’ውን ነቶም መኽሊቶም ረቢሖም ዝጸንሕዎ “ሕራይ፥ ኣታ ሕያዋይ፥ እሙን ባርያ፥ ብሒደት ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፥ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ” እናበለ ብምውዳስ “ናብ ሓጐስ ጐይትኦም” ክኣትዉ ፈቐደሎም። ነቲ መኽሊቱ ዝቐበረ ብዓል ሓደ ግና “ኣታ ኽፉእ ሃካይ ባርያ” ተባሂሉን ነታ ሓንቲ መኽሊቱ ድማ ከም ዘግድፍዎ ኮነ። ስለ እቲ ዘይጠቅም ግብሩ ድማ ኣብቲ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ዘለዎ ናይ ወጻኢ ጸልማት ተደርበየ። 

ትርጉም’ዚ ምሳሌ ድማ እቲ ብዓል ጸጋ ጐይታናን አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክኸውን ከሎ እቶም ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎ መኽሊት ዝተዋህቡ ድማ መምህራነ ወንጌል (መምህራነ ንስሓ) ዝኾኑ ስዩማት ኣገልግልቲ ቤተ ክርስቲያን እዮም። እዚ ድማ ከከም ማዕርጎምን ዝተዋህቦም ጸጋን ከምቲ ዝግብኦም ከገልግሉ ዝግብኦም ካብ ዲያቆናት ክሳብ ሊቃነ ጳጳሳት ንዘለዉ ኣገልገልቲ ይምልከት። ብካልእ ወገን ድማ ከከም ዓቕሞም ከገልግሉን ብመገዲ ቅድስናን ክመርሑን ኣብነታውያን ክኾኑን ኣብ ፵/40ን ፹/80ን መዓልቲ ካብ አብራከ መንፈስ ቅዱስ ካብ ማኅፀነ ዮርዳኖስ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ንዝተቐበሉ ኵሎም ምእመናን ይምልከት። 

እቶም ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያን ተጊሆምን ነቒሖምን እሙናት ድማ ኮይኖም ንምእመናን ኣባጊዑ ከውፍሩን ክሕልዉን ከብዝኁን፥ ስብከተ ወንጌል ከስፍሑ፥ ወዘተ እዮም ነቲ መኽሊት (ሥልጣነ ክህነት) ተቐቢሎም። ስለዚ ድማ ከምቲ ዝግባእ ዝዓየዩሉን ወሪዶም ደይቦም ኮታ ደኺሞም ግቡኦም ፈጺሞም ኣብቲ ጊዜ ጸብጻብ ኣበርኺቶም ንጐይትኦም ዘረክቡ “አግብርት ኄራን ወፍቁራን” ተባሂሎም ናብቲ ሓጐስ ጐይትኦም “ንዑ ኀቤየ ብሩካነ አቡየ” ተባሂሎም ዘለኣለማዊ መንግሥቱ ክኣቱ ዝፍቐደሎምን እዮም። እቶም ንስሙ ጥራይ መኽሊት ተቐቢሎም ምእመናን ዘይጓስዩሉን ኣብ ካልእ ጕዳያቶም ጥራይ ከድህቡን ዝነብሩ ድማ ሃካያት ግና ብቝዕ መልሲ ስለዘይብሎምን ምኽንያት’ውን ከድኅኖም ስለዘይክእል ናብቲ “ጸልማት” ክድርበዩ እዮም። 

ዋና መኽሊት ክርስቶስ ኣምላኽና እዩ። ዋና መኽሊት ድማ ከም ፍቓዱ ንዝተፈላለዩ ሰባት ዝተፈላለየ ጸጋ ይህብ እዩ። እቶም ቀዳሞት ክልተ ድማ ንዝተዋህቦም ሕድሪ እሙናት ኮይኖም ክፍጽምዎን ጽዒሮም ከርብሕዎን ተረኺቦም። ስለዚ ድማ ኣብ ጊዜኡ ዕጽፊ ዓስቢ ረኸቡሉ። ኣገልገልቲ ድማ በቲ ዝተዋህቦም ጸጋ ንእግዚአብሔር ብትግሃት ከገልግሉ ጽቡቕ ኣብነት ኮይኖም ይርከቡ። እቲ ሓደ ናይቲ ካልእ ክጥምት፥ ናቱ ገዲፉ ኣብ ዘይናቱ ክኣቱ ዘይኮነስ፥ ንዝተዋህቦ መኽሊት ኣለልዩ ኣብኣ ተጊሁ ክርከብ ኣለዎ። ቤተ ክርስቲያንና ዓውዲ ኣገልግሎታ ኣዝዩ ሰፊሕ ስለዝኾነ ኵሎም ደቃ ከከም መኽሊቶም ተጊሆም ኣርቢሖም ዝርከቡ እንተደኣ ኮይኖም ዕብየታን ህንጸታን ክንርእይ ጊዜ ዝወስድ ኣይኮነን። ግና መኽሊትና ንፈልጦ ዶ? ነርብሖ ዶ ኣሎና? ወይስ ቀቢርናዮ ኢና? መን እዩ ገብርኄር (እሙን ባርያ ክርስቶስ)? ኵልና ኣካል ክርስቶስ ካብ ኮንናን ኣብዛ መንፈሳዊት ቤት ክንህነጽውን እንተደኣ ኮይንና ከክእለትና ነበርክተላ። 

እዚ መኽሊት ንስዩማት ኣገልግልቲ ጥራይ ዝተነግረ ዘይኮነስ ንኵሉ ኣካል ቤተ ክርስቲያን እዩ። ምእመና’ውን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘበርክትዎ ዘለዉን ከበርክትዎ ዝግባእን ኣዝዩ ብዙኅ እዩ። ልዕሊ ኵሉ ድማ መንፈሳዊ ፍረ ኣፍርዮም መኽሊቶም ከርብሑን ብሰናይ ግብሪ ንካልኦት ኣብነት ክኾኑ ይግብኦም። ኣብ ፍርሕን ጥርጥርን ዝምርኮስ ምኽንያት ዝመልኦ ሕይወት ኣሊና ኵልና ደቂ ቤተ ክርስቲያን ስለ ኣባጊዕ ክርስቶስ ተንሢዕና ንስራሕ። ኣይመልከተናን እዩ ኣይንበል። ስለ ቤት እግዚአብሔር ዝኾነት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እሙናት ኣገልገልቲ ንኹን። 

ካብዚ ምስላ ካብ እንመሃሮ ሓደ ድማ ኵሉ ከከም ጸጋኡ ከገልግል እዩ። ሓደ ሰብ ብምሉእ ኃይሉን ጕልበቱን ክሰርሕን ከፍርን እንተደኣ ኮይንና ኵሎም ኣካላቱ ነናቶም ስራሕ ከምቲ ዝግብኦም ክዓዩ ይግባእ። ዓይኒ ናይ ዓይኒ፥ ኢድ ናይ ኢድ፥ እግሪ ድማ ናይ እግሪ ወዘተ፥ እቲ ሓደ ኣብቲ ካልእ ዝኣቱ እንተደኣ ኮይኑ እንታይ ዓይነት ስራሕ እዩ ክስራሕ? እቲ ሓደ ድማ ስራሕን ኣበርክቶን እቲ ካልእ ዘቖናጽብን ዝዕንቅፍን ኮይኑ ከመይ ገይሩ እዩ ጥዕና ክርከብ? ንኵሉ ዝኣልይ ርእሲ (እእምሮ/ ልቦና) ልዕሊ ኵሉ ንኵሎም ኣካላት ከወሃህድን ከስምርን ይግብኦ። እቲ ርእሲ እንተዘይጠዓየኸ? ኣደ ኵልና ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ግና ሎሚ ከምኡ እዩ ኮይንና ዘላ። ኣካላት ቤተ ክርስቲያን ዝኾንና ደቃ ግና ተስፋ ኣይንቑረጽ፥ ሰብ ማዕርግ ዝኾንና ከከም ማዕርግና፥ ምእመናንን ምእመናትን ድማ ከምቲ ዝተጻሕፈልና ተጊህና ጥራይ መኽሊትና ነርብሕ። ኣብ መዓልቱ ኵሉ ክገሃድ እዩ። ሰባት ብዝደለይዎ መገዲ ነቲ ሓቂ ክኽውልዎ ይፈትኑን፡ ስለ ሓሶት ድማ ይጽዓቱን ምኽንያት ይፍጠሩን እታ ፍርዲ ግና ኣብ ኢድ እቲ ርቱዕ ዝፈርድ ኣምላኽ እያ። ንሕና ግቡእና ንዕየይ። ኣምላኽ ድማ ከምቲ ድኹም ግብርና ዘይኮነስ ከምቲ ምሕረቱ ክርእየና ኣብዚኅና ንለምኖ። 

“በከመ ምኀረትከ አምላክነ ወአኮ በከመ አበሳነ” ከም ግብርና ዘይኮነስ ከም ምሕረቱ ድልዋትን ንቑሓትን ኮይንና ክንርከብ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና። 

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

ወለወላዲቱ ድንግል።

ወለመስቀሉ ክቡር።

ምንጪ ጦማረ ማዕዶት

Comments are closed.