5. ደብረ ዘይት

                                      በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ

እንዘ ይነብር እግዚእነ ውስተ ደብረ ዘይት።

ምስባክ

እግዚአብሔርሰ ገሀደ ይመጽእ

ወአምላክነሂ ኢያረምም

እሳት ይነድድ ቅድሜሁ ።

ኣምላኽና ይመጽእ ስቕ ድማ ኣይብልን

ኣብ ቅድሚኡ ዚባላዕ ሓዊ ኣሎ

ህቦብላ ንፋስውን ይኸቦ።

መዝ.49-3 (50፣3)

ወንጌል ማቴ.24፣1-36፣     ግ.ሓ.24፣1-22    1ይተሰ.4፣13     2ይጴጥ.3፣7-15።

ቅዳሴ አትናቴዎስ

ደብረ ዘይት 

ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ሓሙሸይትን ኣብ ፍርቂ እዚ ጾም እትርከብን ሰንበትን ሳምንቱን ደብረ ዘይት ተባሂላ ትፍለጥ። እዛ ክብርቲ ዕለተ ሰንበት እዚኣ በዚ ስም ክትስመ ዝኸኣለት ቅዱሳን ሓዋርያት ብዛዕባ ሕልፈተ ዓለምን ምጽኣቱን  ንዝሓተትዎ ሕቶ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምሥጥራዊ መልሱ ኣብሪኁ ገላሊጹ ዝነገሮም << ደብረ ዘይት >> ኣብ ዝተባኅለ ቦታ ኣእዋም ኣውሊዕ ዝመልኦ ጎቦ ስለዝኾነ እዩ።

ኣብዛ ዕለትን ሳምንቱን ውሽጢ ብዛዕባ ሕልፈተ ዓለምን፣ ምጽኣት ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ኣብ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ካብ ዝተጻሕፉ ቃላት እግዚአብሔር እንዳጠቅሰ ይንገርን፣ ይስበኽን፣ ይዝመርን።

ካብኡ ሓደ ኣብ መዝሙረ ዳዊት “ እግዚአብሔርሰ ገሃደ ይመጽእ፣ ወአምላክነሂ ኢያረምም፣ እሳት ይነድድ ቅድሜሁ።” (መዝ ፵፱፥፫)። ኣምላኽና ብጋህዲ ይመጽእ ስቕ ድማ ኣይብልን። ቅድሚኡ እሳት ይነድድ። (መዝ ፶፥፫)  ዝብል ይርከብዎ።

   ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ ካብቲ ዋዜማ ጀሚሩ ዝዝመር ከምዚ ይብል፦ “እንዘ ይነብር እግዚእነ ውስተ ደብረ ዘይት ወይቤሎሙ ለአርዳኢሁ ዑቁኬ ኢያስሕትክሙ … እምበለስ አእምሩ አምሳሊሁ ከመ በጽሐ ጊዜሁ ለማዕረር … ሰማይ ወምድረ የኃልፍ ወቃልየሰ ኢየኃልፍ” ጐይታናን መድኃኒን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ደብረ ዘይት ተቐሚጡ ከሎ ንደቀ መዛሙርቱ ከየስሕትኹም ተጠንቀቑ .. ምጽኣት ከምዝቀረበ ምሳሌኡ(ምልክቱ) ካብ በለስ ተምሃሩ … ሰማይን ምድርን ክሓልፍ እዩ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዳግማይ ክመጽእ ከሎ’ውን እምባ ምዃኑ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ይጠቕሱ እዮም። 

በዚ መሠረት ነዘን ስዒበን ዘለዋ ጥቕስታት ብምንባብ ኣብዛ ዕለት ንዝዝመር መዝሙርን መዘከርትኡን ክንርዳእ ንኽእል። ማቴ ፳፬፥፩- መፈጸምታ ማር ፲፫፥፩-መፈጸምታ ሉቃ ፲፬፥፭-መፈጸምታ ።

«ደብረ ዘይት» በሪኽ ናይ ኣውዒ ቦታ ማለት እዩ። እዚውን"ደብሪ"ኢሉ ኣቀማምጣ ናይቲ ቦታ ንብራኼኡ ከመልክት እንከሎ፥"ዘይቲ"ኢሉ ከኣ እዚ ጎቦ (እምባ) ብኣእዋም ኣውሊዕ ዝተሸፈነ ብምዃኑ፥ካብቲ ፍሬኡ ድማ ናይ ዘይቲ ምህርቲ እቶት ይረኽብሉ ስለዝነበሩ፥ነዚ ንምምልካት እዩ።

ደብረ -ዘይቲ ካብ ከተማ ኢዮሩሳሌም ንምብራቕ ሓደ ኪሎሜትር ርሒቑ ዝርከብ እምባ እዩ። ግ.ሓዋ.1፥12።እዚ ቦታ ክርስቶስ ንዓና ከድኅን ሰብ ኮይኑ ኣብዛ ዓለም ምስ ተገልጸ ብዙሕ ዓበይትን ኣደነቕትን ሥራሓት ዝሠርሓሉ ጎቦ እዩ። ንምሳሌ ብዕለተ ሆሳዕና ብኽብሪ ናብ ኢዮሩሳሌም ክኣቱ እንከሎ ካብ ዘብረ ዘይቲ ተላዒሉ እዩ። ማር.11፥1። መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ክምህር ውዒሉ ለይቲ ለይቲ ናብዚ ደብረዘይት ተባሂሉ ዝጽዋዕ እምባ ደይቡ ይሓድር ምንባሩ ድማ ኣብ ሉቃ.21፥37። ዘሎ ቃል የመልክት። ክርስቶስ ኣብ ደብረዘይት ደይቡ ምሕዳሩ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን «ክጽሊ» ይሓድር ኔሩ ማለቱ እዩ። "ሎቱ ስብሐት" ጸሎቱ ግን ንዓና ኣርኣያ ሥርዓተ ጸሎት ብተግባር ንኽምህረና እምበር ድኻም ሃልይዎ ስለርእሱ ወይ’ውን ከምቲ ገሊኣቶም ሓይሊ ኣምላኽ ኮነ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ከይፈለጡ ኣብ ክንዳና ይልምን እዩ ዝብልዎ ኣይነበረን። ኣቐዲሞም እቶም ደቀ መዛሙርቱ “ጐይታ ከምቲ ዮሓንስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝመሃሮም «ጸሎት» መሃረና ኢሎም ሓቲቶምዎ ነበሩ እሞ። ሉቃ11፥1- ብቃል ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና ……ዝብል ጸሎት ክምህሮም እንከሎ ብተግባር ድማ ከምዚ ብሕት ኣብ ዝበለ ስፍራ እናኸደ ብግልጺ የርእዮም ነበረ። ጸሎት ዝግባእ ብሕት ኢልካ ኣብ ፍሉይ ቦታ እዩ። ነዚ ብንጹር ዘጉልሕ ኣብ ጌቴሰማኒ ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ ናይ እምኒ ዳርባ ዝኸውን ርሒቑ ዘቕረቦ ጸሎት እዩ። ማቴ.26፥36-46። ንመልከት። ኣብዚ ጸሎት ድሕሪ ምብጽሑ ናብኣቶም ተመሊሱ ንምንታይ ምስኡ ዘይምንቃሖም ተዛሪቡ፥ ተንሥኡ ንቕሑ ናብ ፈተና ከይትኣትውስ "ጸልዩ" ምባሉ ጸሎቱ ንዓታቶም ኣርኣያ እምበር ንርእሱ ከምዘይነበረ ዘረጋግጽ ቃል እዩ። ከምቲ ዝብልዎ ጸሎቱ ስሌና ማለት ኣብ ክንዳና እንተዝነብር ግን ንሱ እናጸለየሎም ንጸሎት ክነቕሑ ምንጋር ኣይመድለየን። ካብኡ ንላዕሊ ብቕዓት ስለዘለዎምዶ ክብሉ እዮም᎒ እወ ከምቲ ዝብልዎ ምሕረት ዝወሃበና ብናቱ በቲ ኣብ ክንዳና ዘቕርቦ ጸሎት እንተ ደኣ ኾይኑ እሞ ድማ ሕጂውን ይልምን እዩ ዝብል እምነት እንተ ደኣ ኣለዎም ናትና ምንቃሕ ናትና ጸሎት ደኣ ንምንታይ ኣድለየ᎒ ዝድለ እኮ ምድኃን እዩ። ኮይኑ እዚ ግና ፈጺሙ ስሕተት እዩ። ብሓቂ ንከንቱ እምነቶም ንጽየፍ። ንሕና ግን ክርስቶስ ዝጸለየ ንዓና ኣርኣያ፥ ደቀ መዛሙርቱ " ጸሎት" ምሃረና ንዝበልዎ ሕቶኦም ተቐቢሉ ብቃልን ብተግባርን ብምምሃር ንሕቶኦም ዝመለሰሎም ምዃኑ፥ በዚ ንኣምንን ንእመንን። ብቃል ክምህሮም እንከሎ ሓደ ካብኡ " ካብ ክፉእ ኣድኅነና እምበር ናብ ፈተና ኣይተእትወና።" ኢልኩም ጸልዩ ዝብል እዩ ኔሩ። ሉቃ.11፥4።  ከምኡ ኣብቲ ብተግባር ዝመሃረሉውን " እምበኣር ናብ ፈተና ከይትኣትውስ ንቕሑን ጸልዩን" ዝብል እዩ። ማቴ.26፥41።እዚ ከኣ ነዚ ክበሃል ዝጸንሐ ዝያዳ ንጹር ይገብሮ። ብቃል ዝግበር ጸሎት ኣኻሊ ኣይኮነን፥ጉልበትካ ዝደኽመሉ ስግደትውን ክህልዎ ይግባእ።ጐይታ ብተግባር ዝመሃረና ድማ ነዚ እዩ። ስለዚ ኣሕዋት ካብዞም ከምዚኦም ዝበሉ ወገናት ንርሓቕ። ብናታቶም ናይ ክሕደት ገመድ ዝተጠለፍና ድማ ብንስሓ ተሓጺብና ናብታ ቅንዕቲ እምነት ንመለስ። በዚ መሠረት ደብረዘይት ሥርዓተ ጸሎት ብተግባር ዝመሃረሉ ሥፍራ እዩውን ንብል ኣሎና ማለት እዩ።

†ካልእ ደብረዘይት÷ *ስለ ድኅነት ዓለም ኣብ ቀራንዮ መስቀል   ከም ዝስቀልን ኣብ ክንዳና በጃ ብምዃን ከም ዝመውትን ኣቐዲሙ ዝተነገረ ቃል  ብምጥቃስ ገሊጹ ዝተዛረበሉ። ማቴ.26-31።

† ሓዋርያቱ ናብ ኩሉ ዓለም እናዘሩ ንብዘሎ  ፍጥረት ወንጌሉ ከበስሩ ቃል ፈነውኡ ዘስምዓሉ ማቴ.28፥16-20,ግ.ሓዋ1፥8-12፥

 † ብክበበ ትሥብእቱ ብኽብሪ ናብ ሰማይ ዝዓረገላ ግ.ሓዋ. 1፥8-12፥
  
ንህያዋንን ምውታንን ክፈርድ ብክበበ ትሥብእቱ ብግርማ መለኮቱ ምስ እልፍ ኣእላፋት ቅዱሳኑ ዳግም ብኽብሪ ዝመጽኣሉ ዘካ.14፥4…ወዘተረፈ ብዙሕ ነገር ዝተፈጸመሉን ዝፍጸመሉን ታሪኻዊ ቦታ‘ዩ።

   ጐይታ፥ ናይ ዳግም ምጽኣቱን ህልቀት ዓለምን ምልክታቱ እንታይን ከመይን ከምዝኾነ ብሰፊሑ ዘረዳኣሉውን ኣብዚ ደብረ-ዘይቲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ እምባ ኮይኑ እዩ። ማቴ.24፥1-24።
      ሕራይ እዝስ እዛ ሳምንት ደብረ-ዘይቲ ዝብል ስያሜ ክህልዋ ዝተገብረሉ ምኽንያትከ እንታይ እዩ እንተበሉ፥ኣብ ላዕሊ ከምዝተጠቕሰ ኣቐዲሙ ጐይታ ኣብ ደብረ-ዘይቲ ተቐሚጢ እንከሎ "ስለ ናይ ዳግም ምጽኣቱን ናይ ህልቀት ዓለምን ምልክታቱ ነጊሩ ነበረ እሞ፥ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ ድማ ነዚ ሒዙ ካብ ዋዜማ ናይዛ ዕለት ጀሚሩ “እንዘ ይነብር እግዚእነ ውስተ ደብረ ዘይት ወይቤሎሙ ለአርዳኢሁ ዑቁኬ ኢያስሕትክሙ … እምበለስ አእምሩ አምሳሊሁ ከመ በጽሐ ጊዜሁ ለማዕረር … ሰማይ ወምድረ የኃልፍ ወቃልየሰ ኢየኃልፍ” (ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ደብረ ዘይት ተቐሚጡ ከሎ ንደቀ መዛሙርቱ ከየስሕትኹም ተጠንቀቑ .. ምጽኣት ከምዝቀረበ ምሳሌኡ(ምልክቱ) ካብ በለስ ተምሃሩ … ሰማይን ምድርን ክሓልፍ እዩ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ……ወዘተረፈ፥……ዝብሉ መዘሙራት ብምስራዕ፥ ኣብዛ ሰንበት፥ስለ ዕለተ ምጽኣቱን፡ ሕልፈት ዓለምን ስለ ዝምህረናን ዘዘኻኽረና ስለዝኾነን፥በዚ ምኽንያት እዩ። ኩሉ ሰብ ስለ ዳግም ምጽኣት ናይ ክርስቶስን ህልቀት ዓለምን ክፈልጥ ይግባእ። ምልክታቱውን ክንገሮ ኣለዎ። ከመይሲ ስለ ምጽኣቱን ሕልፈት ዓለምን ከምኡ’ውን ምልክታቱ ኣብ ብዙሕ ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉን ተነጊሩን እዩ።ኣብ ቅዱስ ወንጌል ከኣ ናቱ ዝኾነ ፍሉይ ምዕራፍ ተዋሂብዎ ብሰፊሑ ተዘርዚሩ ኣሎ። ማቴ24፥1-24። እዚ ከኣ  ሰባት ስለ ዳግም ምጽኣት ናይ ክርስቶስን ኅልቀት ዓለምን ክፈልጡ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምኻኑ የመልክት። 

♦ ኣድላይነት ምንጋር ዕለተ ምጽኣቱን፡ ሕልፈት ዓለምን÷

  ሰባት ኣብ እምነቶም ጸኒዖም፥ንሕይወቶም ብማየ ንስሓ ሓጺቦም፥ብምግባር ደሚቖም ኩሉ ግዜ ድሉዋት ኮይኖም ምእንቲ ክርከቡ ስለ ዳግም ምጽኣት ናይ ክርስቶስን ኅልቀት ዓለምን ብዝግባእ ክፈልጡን ክንገሮምን ኣለዎ።ዕለተ ምጽኣት ከም ዘሎ ዝተፈልጠ ኮይኑ፥ሰዓቱ ግን ብጀካ ባዕሉ ሓደ እግዚኣብሔር ዝፈልጣ ኣካል የልቦን።ስለዚ ሰባት ገና እዩ ኢሎም ኣብ ድቃስ ከለው ምእንቲ ከይርከቡ ምዝኽኻር ኣድላዪ እዩ። ምእንትዚ ጐይታ ባዕሉ « እምበኣር ጐይታኹም በየነይቲ መዓልቲ ኸም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ ንቕሑ። »ክብል ኣቐዲሙ ነጊሩና እዩ። ማቴ24፥42።ናይ ኩሉ ምእመናን ወኪለን ብምሳሌ ዝቐረባ ዓሠርተ ደናግል ኣለዋ ማቴ,25፥1-13። እዘን ደናግል ንምምጻእ እቲ መርዓዊ ክርስቶስን፥ ኣብ ዝመጸሉ ሰዓት ድማ ንሕና እንታይ ዝዓይነቶም ሰባት ኮይና ክንቅበሎ ወይውን ክንጸንሖ ከም ዘሎናን፥ ከምኡውን ባዕሉ ጐይታ ንስኻትኩምሲ ክትጽልዩ ከለኹም "ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና ስምካ ይቀደስ፥ መንግሥትኻ ትምጻእ ማለት መንግሥትኻ ትወሃበና ……ኢልኩም ደኣ ጸልዩ። "ኢሉ ከም ዝመሃረና ማቴ.6፥9። እታ ሰማያዊት ቤትና ብኸመይ ከም እትወሃበናን ብኸመይ ከም እንኣትዋን ንምርዳእ ቀሪበን ዘሎዋ እየን። ካብዚአን እተን ኃሙሽተ ለባማት ማለት መስተውዓልትን ንቑሓትን እየን፥እተን ካልኦት ዝተረፋ ኃሙሽተ ግን ዓያሹ ማለት ዘየስተውዕላ ዝጉዓትን ደቀስትን እየን።ኩለን ከኣ ንመርዓዊ ክርስቶስ ይጸባበያ ነበራ። ይኹን እምበር እተን ኃሙሽተ ለባማት ቀንዴል ምስ ዘይቱ ማለት ብቀንዴል ዝምሰል እምነት ብዘይቲ ዝምሰል ግብሪ ከም ነፍስን ሥጋን ኣዋሃሂደን ብምሓዝ ተዳልየን ክጽበየኦ እንከለዋ፥ እተን ኃሙሽተ ዓያሹ ግን ቀንዴል  ማለት ብቀንዴል ዝምሰል እምነት ጥራይ ሒዘን ነበራ። እዘን ዓያሹ ኣብ ልዕልዚ’ውን መርዓዊ ደንጉዩ እዩ ኢለን ተታኺሰን ደቀሳ። ፍርቂ ለይቲ ኮይኑ ከኣ መርዓዊ ክርስቶስ መጺኡ፥እንሆ መርዓዊ ክትቅበሉ ውፁ ዚብል ድምጺ ዋዕዋዕታን ዕልልታን ኮነ።ፍርቂ ለይቲ ዝበሎ ጐይታ ዝመጸሉ ሰዓት ፍርቂ ለይቲ ንምዃኑ ዘርኢ እዩ። ሓደ’ውን ማእከለ ዘመን ማለቱ እዩ። ማእከልነቱ ከኣ ንቅድሚ ምፍጣር ዓለም ዝነበረ ዘመንን ድኅሪ ዕለተ ምጽኣት ንዘሎ ዘመንን እዩ። ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ዝነበረ ጥንቱ ከም ዘይፍለጥ ድኅሪ ምጽኣት ዘሎውን ከምኡ ዝፍለጥ ኣይኮነን።
ድኅሪዚ መርዓዊ ክርስቶስ ዝመጽኣሉ ትንሳኤ ተኣወጀ።
ሽዑ ዓሠርቲአን እተን ደናግል ተንሢአን ቀቀንዴለን ኣሰናደዋ። እተን ዓያሹ ነተን ለባማት መባርህትና ክጠፍኣና ደልየን እሞ፥ ካብ ዘይትኽን ግዳ ሃባና በልአን። እተን ለባማት ግና……ንዓኻትክን ዚኣክል የብልናን ኢለን መለሳለን። ማለት ኃጥኣንን ጻድቃንን ዝትንስእሉ ትንሣኤ ዘጉባኤ ኮይኑ ተንሢኦም መርዓዊ ክርስቶስ ንምቕባል ይዳለው፥ በዚ እዋን እተን ዓያሹ ነተን ለባማት ማለት እቶም ግብሪ ጽድቂ ዘይፈጸሙ ምእመናን ነቶም ጽድቂ ዝፈጸሙ ምእመናንን፥ ምስ ክርስቶስ ንምውሃድ  ዜብቅዕ ጽድቂ ኣይፈጸምናን እሞ፥ካብ ጽድቅኹም ግዳ ሃቡና በልዎም። እቶም ብእምነት ጸኒዖም ብምግባር ደሚቖም ዝተረኽቡ ምእመናን ድማ ናይ ሓደ ጽድቂ ካልእ ክጥቀመሉ ዝከኣል ብዘይምዃኑ ንዓናን ንዓኻትኩምን ዝኣክል ግብረ  ጽድቂ የብልናን፥ ናብቶም  ምሕረት ዝህቡ ናብ ሥላሴ፥ናብቶም ምሕረት ዘውህቡ ናብ ድኻታት ደኣ ኪዱ ምሕረት ከም ዝወሃበኩም ግበሩ  በልዎም።ይኹን እምበር እዞም ግብረ ጽድቂ ዘይብሎም ከምዚ ኢሎም ሎሚ ጽባሕ እናበሉ ከይተዳለው እንከለው መርዓዊ ክርስቶስ መጸ። እቶም ብእምነት ጸኒዖም ብምግባር ደሚቖም ዝተረኽቡ ምእመናን ንክርስቶስ ክቕበሉ ብቑዓት ኮይኖም ስለ ዝተረኽቡን ነቒሖም ስለዝጸንሕዎን ምስኡ ናብ መርዓ ማለት ናብ ሓጎስ መንግስተ ሰማያት ኣእተዎም። እቶም እምነት ብዘይምግባር ሒዞም ዝጸንሑ ምእመናን ግና ብደገ ማለት ናብ መንግሥተ ሰማይ ከይኣተው ተረፉ። "ጐይታ ጐይታ ኣርሕወልና እንተበሉ እኳ ኣይፈልጠኩምን ዝብል መልሲ ተዋህቦም። ካብ ከምዚ የድሕነና።ብኣግኡ ኣቐዲምካ ብእምነትን ተግባርን ተዳሊኻ እንተዘይጸኒሕካ በታ ሰዓት እቲኣ ዝግበር ኣውያት ኮነ ልማኖ  ዘይጠቅም ከንቱ እዩ።

    ስለ ዝኾነ እዩ ኸኣ ቅድስት ቤተ ክርስትያና ንምእመናታ ብዛዕባ ዕለተ ምጽኣትን ኅልፈት ዓለምን ኣፍልጦ ምእንቲ ክህልዎም ኩሉ ግዜ ነዚ ምዱብ ዝኾነ ዕለትን መዓልትን
ወሲና እትምህረና። እዚ ከኣ ሰባት ብኣግኡ ኣቐዲምና ኣብ እምነትና ጸኒዕና ብምግባረ ትሩፋት ደሚቕና ብንስሓ ሕይወት ተዳሊና ክንርከብ  ዝገብር ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ።ብዛዕባ ነዚ ናይዘን ዓሠርተ ደናግል እኹል መረዳእታ እዩ።ስለዚ መወዳእታና ከም'ተን ኃሙሽተ ዓያሹ ምእንቲ ከይከውን፥ ናይ'ተን ኃሙሽተ ለባማት ደናግል ነፍስ ኣብነት ወሲድና ብእምነትን ግብርን ጸኒዕና ክሳዕ ዕለተ ምጽኣቱ ብንቕሓት ድሉዋት ኮይና ክንርከብ የድሊ።
    ካልእ ንሕና ኣብዚ ዓለም እንነብር 70 ካብዚ እንተበዝሐ ከኣ 80 ዓመት እዩ።ይኹን እምበር ክንዮ’ዚ ሓጺር ዕድመ እንጽበዮን ተስፋ እንገብረሉን ዓለም ሠማያዊ ርስቲ ግን ኣሎና እዩ።እዚ ተስፋ’ዚ ዝፍጸመልና ወይ’ውን ከም እንርኽቦ ዝተነገረና ከኣ ኣብ ዳግም ምጽኣት ናይ ክርስቶስ ምዃኑ እዩ። ስለዚ ሰባት ድሕሪ ሞት ምስ እግዚኣብሔር ስለእንነብሮ ሰማያዊ ሕይወት ክፈልጡ ይግባእ።ክፈልጡ ከኣ ክንገሩ ኣለዎም።ዳግም ምጽኣት ናይ ክርስቶስን ኅልቀት ዓለምን ምንጋር ኣብዛ ዓለም እንነብሮ ዕድሜና ሓጺር ገደብ ዘለዎ ምዃኑ ተረዲእና ሎሚ ጽባሕ ከይበልና ክንዮዚ ንዝመጽእ ዘለኣለማዊ ሕይወት ክነቅሕንን ተስፋ ክንገብርን ይገብር።ምጽኣት ክርስቶስ፥ ናይ ክርስትያን ኩሉ ተስፋ ብምዃኑውን ንዓና ዓቢይ ረብሓ እዩ።እዚ ግን ኣብ ላዕሊ ከም ዝተነግረ ከምተን ኃሙሽተ ለባማት ነቒሕና ምስ እንጸንሕ ጥራይ እዩ።መርዓዊ ክርስቶስ ከይመጸ ኣቐዲምና ድልዋት ኮይና ክንርከብ የድሊ።ጐይታ ደጊሙ ሕጂውን "እምበኣርሲ ወዲ ሰብ ዚመጸላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጥዋን ኢኹም እሞ ንቕሑ።" ኢሉ እዩ ። ማቴ.25፥13። ስለዚ ክነቅሕ ይግባእ።

♦ ናይ ምጽኣቱን ኅልቀት ዓለምን ነገርከ ከመይ እዩ᎒ምልክታቱስ᎒

….ይቅጽል

2ይ ክፋል   ይቕጽል ………………………

                     አምላከ ቅዱሳን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በረከቱን ረዲኤቱን የብዝሓልና ፣ ኣማላድነት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ኣይፈለየና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፣

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር።

ዲን.ዓምደማርያም

 

Comments are closed.