3.ምኩራብ ቦአ ኢየሱስ ምኵራብ አይሁድ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ 

ቦአ ኢየሱስ ምኵራብ አይሁድ 

ምስባክ

እስመ ቅንዓተ ቤትከ በልዓኒ

ትዕይርቶም ለእለ ይትኤየሩከ ወድቀ ላዕሌየ

ወቀጻእክዋ በጾም ለነፍስየ።

ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ

ጸርፊ እቶም ዚጸርፉኻውን ኣባይ ወዲቑ እዩ እሞ

ነሕዋተይ ጓና ንውሉድ ኣደይውን ጋሻ ዀይኩ

እምበኼኹ ንነፍሰይ ብጾም ምስ ኣሕሳእክዋ እዚ መጽረፊ ዀነኒ።

መዝ.ãÜÝ (69-8)

ወንጌል ዮሓ፣212      ..101-9           ቆላ.216       ያዕ.21-9

ቅዳሴ. ነአኩተከ


       
    
ሳልሳይ ሰንበት (ሰሙንናይ ዓቢይ ጾም ምኩራብ ተባኂሉ ይጽዋዕ። ምኩራብ ቤት ጸሎት ወይ’ውን ናይ ጸሎት ቤት ማለት እዩ። እዚ ከኣ ቅድምኢሉ ኣይሁድ ናይ ሕጊ መጻሕፍቲ እናተነበበሎም ዝመሃርሉ፥ ጸሎት ዘብጽሕሉ፥ ዳዊት ዝደግምሉ፥ ብሓፈሻ ሥርዓተ ኣምልኾኦም ዝፍጽምሉ ዝነበረእዩ። እዞም ምኩራባት እዚኣቶም ካብታ ኣብ ኢዮሩሳሌም እትርከብ ቀንዲ መቕደስ ወጻኢ ኣብ በብዞባኡ (ከከባቢኡ)
ተዶኪኖም ዝነበሩ እዮም። ኣይሁድ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሥርዓተ ጸሎት ክፍጽሙ፥ መጽሓፈ ኦሪት ክመሃሩ እንከለው ንኣሽቱ በዓላቶም’ውንኣብዚ እዮም ዘኽብርዎም። ኣብቲ ዓበይቲ በዓላት ግና ናብቲ ቀንዲ ዝኾነ ቤተ መቕደስ ናብ ኢዮሩሳሌም ብምኻድ እዮም ዘኽብርዎም ዝነበሩ። ንኣብነትበዓል ፋሲካ (ሉቃ241)። ምናልባት ኣብዚ፥ ኣብ ኣይሁድ ዝነበረ ኣመለኻኽታ ብጀካ ኣብታ ኣብ  ኢዮሩሳሌም ዘላ መቕደስ እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ካልእምስጋድ ግቡእ ከምዘይኮነን ከምዘይፍቀድን እዩ እሞ ፣ (ዮሓ.420)፥ ናይ ምኩራብ ነገር ደኣ ከመይን ብኸመይን እዩ ዝብል ሕቶ ከልዕል ይኽእል እዩ። ስለዚ ብዛዕባኡ ብጭልፋ ምጥቃስ ኣገዳሲ ይኸውን።
      
ርግጽ እዩ በቲ እዋን ቤተ መቕደስ ሓንቲ ንሳ’ውን እታ ኣብ ኢዮሩሳሌም ዝነበረት ጥራይ እያ። ምኩራባት ቅድሚ ምሥርሑ ከኣ ኩሎም ናብኣእናኸዱ ሥርዓተ ኣምልኾኦም ይፍጽሙ ነበሩ።
ድሓር ግን መላእ እስራኤላውያን ብንጉሥ ናቡከደነጾር ስለእተወሩ፥ እታ ሓንቲ መቕደሶም’ውን ከይተረፈት ተቓጸለትን ዓነወትን። ንሶም እውን ብዘይካውሑዳት መብዛሕቲኦም ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ወረዱ። ህዝቢ እቲ ዝኸድዎ ሃገር ንእግዚአብሔር ዘይፈልጡ ኣህዛብን መምለኽቲ ጣኦትንብምንባሮም ከኣ፥ ቤት ኣምልኾ ሠሪሖም ክሰግዱ ንእስራኤላውያን ምቹእ ኣይነበረን። ስደቶምውን ግዜ ወሰደ። እዚ ናይ እስራኤላውያን ናብ ምርኮምውራድ እሞ ድማ ግዜ ምውሳዱ ፥ ኣብ ናይ ኣይሁድ ሥርዓተ እምነት ምቅይያራት ኣምጺኡ እዩ። ንሱ ከኣ እቶም ኣብ እምነቶም ጽኑዓት ዝነበሩሃይማኖቶም ንምዕቃብ ኣብ ዘዝተራኸብዎ ኣጋጣሚ ተኣኻኺቦም ናይ ሕጊ መጻሕፍቲ ምንባብ፥ ጸሎት ምብጻሕ፥ ዳዊት ምድጋም፥ ምስጋድ ጀመሩ። ብውልቂ ኣብ በቤቶም ኾይኖም ሥርዓተ ኣምልኾ ዝፍጽሙ ከምዝነበሩ’ውን መጽሓፍ ቅዱስ ይነግር እዩ። ንምሳሌ፥ ነቢይ እግዚአብሔር ቅዱስ ዳኒኤል (ዳኒ.610)። እዚ ከኣ ምኩራብ ንኽስራሕ መንገዲ ኮነ። እዚ ኣብ በብዘለኻዮ ኮይንካ ተኣኻኺብካ ምምህሃር ብሓፈሻ ሥርዓተ ኣምልኾ ምፍጻም ዝህቦጥቕሚ ዝተረድኡ ኣይሁዳውያን ምስ ግዜ ምንዋሕ ከም ሕጊ ሓዝዎ። ስለዝኾነ ከኣ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ካብ ምርኮ ምምላስ ኮይኑ ናብ ሃገሮም ምስ ኣተውከም ሥርዓቶም ኣኣብ ከባቢኡ ልዕሊ ዓሰርተ ስድራቤት ዝተኣኻኸቡ ኣይሁዳውያን እንተደኣ ሃልዮም ምኩራባት ክስርሓሎም ፈቐዱ። ከምዚ ኢሉ ምስተዳለወሎም ከኣ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተነግረ ኣብ ዓበይቲ በዓላት ናብቲ ቀንዲ መቕደስ ናብ ኢዮሩሳሌም ክድይቡ እንከለው እቶም ንእስ ንኡሳን ዝኾኑንግና ኣብ'ዞም ምኩራባት ይፍጽምዎም ነበሩ። እዞም ምኩራባት እዚኣቶም ነታ ቀንዲ ዝኾነት መቕደስ ብዙሕ ኣበርክቶ ዝነበሮም ብምዃኑ ናይ ቤተመቕደስ መገብቲ እዮም። ምኩራብ ናይ ቤተ ክርስትያን ምሳሌ ከም ዝኾነ፥ ምኩራብ ኣብ በብከባቢኡ ክኸውን ምግባሩ’ውን ቤተ ክርስትያን ኣብ ኩሉንንኹሉን ንምኻና መርኣያ ነበረ።
ሕራይ ናይ ምኩራብ ነገርስ እዚ ይኹን ፥ እዚ ሰሙን ምኩራብ ዝብል ስያሜ ምሓዙኸ ብኸመይ ምኽንያት እዩ እንተበሉ፥ ብሊቅነቱ መወዳድርቲዘይብሉ ኣቦ ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ፥ ቦኣ ኢየሱስ ምኲራበ አይሁድ ወመሐረ ቃለ ሃይማኖት ወይቤሎሙ ምጽዋተ አበድር እመሥዋዕት አነ ውእቱእግዚአ ለሰንበት ወአቡሃ ለምሕረት ኢትግበሩ ቤተ አቡዬ ቤተ ምስያጥ ቤትየስ ቤተ ጸሎት ትሰመይ . . .
ትርጉም÷
      
ኢየሱስ ከኣ ናብ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ኣተወ። ናይ ሃይማኖት ቃል ድማ  መሃረ፡፡ ካብ መሥዋእቲ ምሕረት እየ ዝፈቱ፥ ጐይታ ሰንበት፥ኣቡኣንምሕረት ኣነ እየ፥ ንቤት ኣቦይ ቤት ሸቐጥ ኣይትግበርዎ፥ ቤተይሲ ቤት ጸሎት ኪስመ እዩ ዝብል ጽሑፍ ኣሎውን በሎም። ከምዝበሎ፥ ጐይታ ንዓናከድሕን ሰብ ኮይኑ ናብዛ ዓለም ምስ መጸ ኣብ ምኵራባትን ቤተ መቅደስን እናዞረ ምምሃሩ፥ምሕረት ምግባሩ ማለት ብዝተፈላለዩ ድውያንን ሕማማትንብርኹሳት መናፍስትን ይሳቐዩ ንዝነበሩ ራኅሪሁ ምፍዋሱን፣ ከምኡውን ነቶም ንቤቱ መሸጢ መለወጢ ብምግባር በዓቲ ጎሓሉት ገረምዎ ዝጸንሑ ፣ “ ኢትግበሩ ቤተ አቡዬ ቤተ ምስያጥ፥ ቤትየስ ቤተ ጸሎት ትሰመይ እዚ ካብዚ ኣልዕልዎ፥ ንቤት ኣቦይ ቤት ሸቐጥ ኣይትግበርዎ ። ” ቤተይ ንኹሎምኣህዛብ ቤት ጸሎት ኪስመ እዩ። ዝብል ጽሑፍ’ዶ የልቦን እዩ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጎሓሉት ገበርምዎ ። ኢሉ ንኹሉ' ዝሸጥዎን ዝሻየጥዎን ዝነበሩብምድርባይ ። ንዕኦም ድማ ብቓልን ብጭጉራፍን ምግሳጹ እንዝክረሉ እዋን እዩ እዚ ሰሙን።
 
ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ዝኾነሉ ቀንዲ ዕላማ ሰባት ንምድኃን ስለዝነበረ ፥ ብጥርኑፍን ብበዝሕን ሰባት ኣብ ዝእከብሉምኩራባት እናዞረን ኣብ ቤተ መቕደስ እናኣተወን ወንጌል መንግሥቱ (ጐይትነቱ ፈልያ እትነግር ወንጌሉ ኣበሢርዎም ብዙሕ ተኣምራት ጌርሎም እዩ። ምልስ ኢልና ናብ ቅዱስ ውንጌል ምስ እንኣቱ ከምዚ ብምባል የረድኣና።

ኢየሱስ ድማ ኣብ ኲላ ገሊላ፡ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ እናመሃረ፡ ብሥራት መንግሥቲ እግዚአብሔር (ብሥራት መንግሥቲ እግዚአብሔርነቱ እናሰበኸ፥ ኣብ ሕዝቢ ዘሎ ኲሉ ዓይነት ሕማም እናኣሕወየ ይዘውር ነበረ። ማቴ. 423,ማቴ.935። እዚ መድኃኔዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብምኩራባተ ኣይሁድ ከመይ ከምዝነበረ ዝገልጽ ንጹር ቃል እዩ።
 
ወንጌላዊ ቅዱስ ሉቃስ ብወገኑ፥  ኢየሱስ ክርስቶስ ኸኣ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ (ምኩራብኣትዩ ይመህር ነበረ። ኵሎምውን የመስግንዎ ነበሩ። ናብታዝዓበየላ፡ ናብ ናዝሬት ድማ መጸ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ከምቲ ልማዱ ናብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣተወ፡ ከንብብ’ውን ተንሥኤ ። መጽሓፍ ነብዪኢሳይያስ ከኣ ሃብዎ። ነቲ መጽሓፍ እንተ ቐልዖ (ገንጸሎኸኣ፡ ከምዚ ዚስዕብ ዝተጻሕፎ ኽፍሊ ረኸበ፥ ንድኻታት ከበሥሮም ስለ ዝቐብኣኒ፡ መንፈስእግዚአብሔር ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ክምልስ፡ ንዕዉራት ምርኣይ፡ ንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ኽሰብኽ፡ ሕርይቲ ዓመት እግዚአብሔር ክሰብኽለኣኸኒ። ነቲ መጽሓፍ ዓጺፉ ኸኣ፡ ነቲ ኣገልጋሊ ሂብዎ ተቐመጠ። ኣዕይንቲ ኹሎም እቶም ኣብታ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ዝነበሩ ከኣ ናብኡ ይጥምታነበራ። ሽዑ እዚ ጽሑፍ እዚ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ተፈጸመ፡ ኪብሎም ጀመረ። ክብል ከምዝጸሓፎ  ሉቃ.415-21። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣትዩ፥ ከምቲ ቅዱሳን ነብያቱ ኣቐዲሞም ዝተዛረብዎ ቃል ትንቢት እናልዓላ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ኾይኑ ኣብዛዓለም ናይ ምግላጹ ዕላማን ምሥጢሩን ድማ ገሊጽሎም እዩ። ስለዚ በዚ መሠረት እዛ ሰሙን፥ መድኃኒ ዓለም ክርስቶስ፥ ንሕና ምእንቲ ክንህብትም፥ ንሱ ሃብታም እንከሎ ምእንታና ድኻ ብምዃን ንዓና ንድኻታት ድኅነቱ ከበስረና፥ ንዝደኸምና ኃይሊ ፥ብስቓይ ንዝነበርና ዕረፍቲ፥ ሓኪም ሕይወትናንሕማምና መድኃኒት፥ ንለምጺ ኃጢኣትና መንጽሂ፥ ንዕውራት ምርኣይ፥ ካብ ንምሩኻት ምምላስ ብብርሃኑ ብርሃን ምእንቲ ክኾነና፥ ብግፍዒ ኣብባርነት ንዝነበርና ሓራ ክንወጽእ ክገብረና ሰብ ከም ዝኾነ እንዝክረሉ ሰሙን እያ።

  ካብዚ ቀጺሉ ከኣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ተኣምረ ኢየሱስ፣

     ወእምድኅረዝ ቦኣ እግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ ውስተ ቤተ መቅደስ፥ ወአኃዞሙ፥ ፍርሃት፥ ወረዓድ፥ ለኩሎሙ ሰብኣ ኢዮሩሳሌም ፥ ወተኃብኡእምእግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ ፥ ውስተ መቅደስ ፥ እስመ ኮኑ ይሠይጡ ወይሣየጡ ፥ ወይነሥኡ ዓሥራተ በህየ ። ወገብረ ጠብጣቤ ዘሐብልወቀሠፎሙ ወሰደዶሙ እም ቤተ መቅደስ ወገፍትዓ ማዕዳቲሆሙ ለመወልጣን ፥ ወአውጽኦሙ እም ቤተ መቅደስ ፥ ወይቤሎሙ ቤትየሰ ቤተ ጸሎትይሰመይ ፥ ወአንቱሙሰ ረሰይክምዎ በዓተ ፈያት። ” ከም ዝበሎ፥ ናብ ኢዮሩሳሌም ናብታ ቀንዲ መቕደስ ኢዩ ከይዱ ። ኣብኡ ከምቲ ወንጌል ኮነተኣምረ ኢየሱስ ኢልዎ ዘሎ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ እቲ ቤተ መቕደስ ኣብዑርን ኣባጊዕን ረጋቢትን ዚሸጡ፥ መሽረፍቲ ተቐሚጦም ረኸበ ። ንሳቶም ካብቲናይ እግዚአሔርን ንእግዚአብሔርን ዝኾነ ዕሽር ብምውሳድ እውን ይሰርቁን የደናግሩን ነበሩ ። ነቲ ቤተ ጸሎት ዝኾነ ቤተይ ፥ ንስኻትኩም ግና በዓቲጎሓሉት ጌርኩምዎ ዝበሎ ነዚ ሒዙ እዩ ። ካብ ገመድ ጭጉራፍ ተቲዑ ኸኣ ምስተን ኣባጊዕን ኣብዑርን ንኹሎም ካብ ቤተ መቕደስ ኣውጽኦም ፥ ንገንዘብ እቶም መሽረፍቲ’ውን ፋሕ ኣበሎ። ሰደቓኦም ከኣ ገልበጦ ። ኣስዒቡ ምስ እዚ ድማ እዚ ካብዚ ኣልዕልዎ ፥ ንቤት ኣቦይ ቤት ሸቐጥኣይትግበርዎ ። ቤተይ ንኹሎም ኣህዛብ ቤት ጸሎት ኪስመ እዩ። ዝብል ጽሑፍ’ዶ የልቦን እዩ ?  ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጎሓሉት ገበርኩምዎ። ኢሉንኹሎም ኣሰምዓሎም። ብኸምዚ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ቤቱ ዘለዎ ልዑል ኣኽብሮትን ኣምላኻዊ ቅንእን ብተግባር ኣርኣየ። ዮሓ.313-16,ማቴ.2112-13,ማር.1115-17,ሉቃ.1945-46። ተመልከት።
  
ሕጽር ዝበለ እዚ ሳምንት መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምኩራባት ኣይሁድን ቤተ መቕደስን ከመይ ከም ዝነበረ እንዝክረሉ እዋን ምዃኑ ኣብላዕሊ ገሊጽና። ይኹን እምበር ምዝካር ጥራይ ዘይኮነ ንሕይወትና ዝጠቅም ካብዚ ሳምንት እንመሃሮ ብዙሕን ዓበይትን መልእኽቲ ዘለዎ ምዃኑ ድማክንፈልጥ ይግባእ። ካብቲ ብዙሕ ሒደት ንምጥቃስ ዝኣክል።

1/ 
ክብርን ንጽህናን ቤተ መቕደስ ኣምላኽ÷

     ቤተ መቕደስ፥ ኣምላኽ ብመንፈሱ ዝሓድረላ ፥ ክብሩ ዝገልጸላ ፥ ንህዝቡ ህላውነቱ ዘረጋግጸላ ፥ ህያው ቃሉ ዝንገረላ ፥ መሥዋእቲ ምስጋናዝቐርበላ ፥ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ዝፍተተላ ፥ ጸሎት ህዝቡ ንምቕባል ዓይኑን ልቡን ብምንባር ዝቐደሳ መርገጺ እግሩ ዝኾነት ክብርቲ ፥ ንጽህቲሥፍራ እያ ። ነቢይ እግዚአብሔር ቅዱስ ኤርምያስ ቤተ መቕደስና ካብ ጥንቲ ልዕል ኣብ ዝበለ እምባ ዝተቐመጠ ግርማ ዝመልኦ ዝፋን እዩ። ከምዝበሎ እዩ። ኤር.1712። ክብራ ድማ ሰማያዊ እምበር ምድራዊ ኣይኮነን ። ስለዚ ኩሉ ኣብኣ ዝግበር ብፍሉይ ንእግዚአብሔርን ናይ እግዚኣብሔርዝኾነን ጥራይ ደኣ እምበር ምድራዊ ማለት እግዚአብሔር ዘይከብረሉ ነገር ኣይኣቱን እዩ። ነዚ ከኣ እዚ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ኣብቤተ መቕደስ ዝሸጡን ዝሻየጡን ዝጸንሕዎ ብዝተተትዐ ጭጉራፍ ገሲጹ ዘውጽኦም ዓቢይ መረዳእታ እዩ ። ቤተ መቕደስ ይትረፍ’ዶ ክትሸጠሉንክትልውጠሉንሲ ንናይ እግዚአብሔር ኣገልግሎት ተባሂሉ ዝተወፈየን ዝተዳለወን እካ ቅዱስ እግዚአብሔር ብባህሪኡ ንጹህ ስለዝፈቱን ከምኡ ቤተመቕደስውን ብኹሉ ብፍሉይ ኽብሪ እግዚአብሔር ንምግላጽ ዝተዳወ ቅዱስ ሥፍራ ስለዝኾነን ተረኽበ ኢልካ ከይተባረኸን ብቕዱስ ቅብኣከይተቐብአን ናብ ውሽጢ ዝኣቱ ኣይኮነን። ዘጸ.3022-29። እዞም ወንጌላውያን ኣብ ውሽጢ ቤተ መቕደስ ብዙሕ ንዋየ ቅዱሳት እናሃለው ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ  ክርስቶስ ግን ነቶም ኣብዑርን ኣባጊዕን ረጋቢትን ኣውጺኡ ፥ ንሰደቓኦም ድማ ገልቢጡ እምበር ፥ ንታቦት ፥ ጽላት ፥ ስእልን ምስልን ፥ መቖምያ ፥ ጸናጽል ወዘተረፈ ንንዋያተ ቅዱሳት ኣውጽአ ዘይምባሎም ከነስተባሃለሉ ዘለና ነጥቢ እዩ። ከመይሲ እዚኣቶም ብፍቓዱ ዝኣተው ቅዱሳትንዋያት እዮም ። ስለዚ በዛ መዓልቲ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ  ክርስቶስ ብግልጺ ናይ ቤተ መቕደሱ ክብርን ንጽህናን ዝገለጸላ ዕለት እያ ። ኣብዚብዛዕባ ንሓዋርያቱ ዝምልከት ድማ ቅንኣት ቤትካ በልዓኒ ዚብል ጽሑፍ ከም ዘሎ ዘከሩ ከም ዝበሎ። ዮሓ.217። ከምኡ ንሕና’ውን ከም ኣበውሓዋርያት ንዝተጻሕፈ ዘኪርና ሓቁ ምርዳእ ይግባእ ። ሓቁ ተረዲእካ’ውን ንምፍጻሙ ምንቃሕ።

2/ ኣገልግሎት ቤተ መቕደስ ኣብ ሓዲሽ ኪዳን’ውን ምቕጻሉ፥
ኣብ ብሉይ ኪዳን ቤተ መቕደስን ኣገልግሎቱን ከመይ ከም ዝነበረ ዝተፈልጠ ኮይኑ ፥ እዚ ኣድላይነት ናይ ቤተ መቕደስ ኣብ ሓዱሽ ኪዳን እውን ቀጺሉእዩ ። እኳ ድኣ ናይ ሓዲሽ ኪዳን ካብ ዝቐደመ ኣገልግሎት ብዝበለጸ ፥ ብመንፈስን ፍጹም ምንጻህን ዘልዓለማዊ ሕይወት ብዘለዎ ሥጋኡን ደሙን ዝኾነኣገልግሎት እዩ።

  መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ኣብ ውሽጢ መቕደስ ክሸጡን ክሻየጡን ዝጸንሑ ገሲጹ ድሕሪ ምውጻእ ፥ ኣስዒቡ ሓደ ዝተዛረቦ ቃል ኣሎ። ንሱ ከኣ ቤተይ ንኹሎም ኣሕዛብ ቤት ጸሎት ኪስመ እዩ"ዚብል ኣሎ። ኢሳ.567። ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጎሓሉት ገበርኩምዎ። ዝብል እዩ። ማር.1117
  
ኣቐዲሙ ዝነበረ ቤተ መቕደስ ሓንቲ ንሳ’ውን እቲ ኣብ ኢዮሩሳሌም ዝነበረት ምዃና ዝተፈልጠ እዩ ። ኣብዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ሥርዓት ኣምልኾምዝፍጽሙ ዝበሩውን እስራኤላውያን እምበር ኣሕዛብ ኣይነበሩን ። ጐይታን መድኃኒና ኢየሱስ  ግን እዚ መቕደስ ንኹሎም ኣሕዛብ’ውን ቤተ ጸሎትክኸውን ምዃኑ እዩ ኣረዲኡ ። ብርግጽ እዩ እዚ ነገር ድሒሩ ንዝፍጸም ዘመልክት ትንቢታዊ ቃል ብምዃኑ ፥ ስለ ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ዝኸውን ዝተነግረምዃኑ ንጹር እዩ ። ብዛዕባዚ ቤተ መቕደስ ኣብ ኢዮሩሳሌም እሞ ድማ ብእስራኤላውያን ተወሲኑ ዝተርፍ ዘይኮነስ ኣብ ኩሉን ንኹሉን ከም ዝኸውንብዝቐደሙ ነብያት እግዚአብሔር ዝተነግረ እዩ። ኢሳ,567,ሚክ111። ተመልከት። ነብያቱ ዘኽብር ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማንዓና ከድኅን ሰብ ኮይኑ ናብዛ ዓለም ምስ መጸ ነቲ ቃል ነብያት መሊሱ ባዕሉ ብምድጋም ኣጽንዖ ። ብኻልእ ወገን ኣብቲ ናይ ኣቦይ ቤት ክህሉ ኸምዚግብኣኒ’ዶ ኣይትፈጡን ኢኹም። ሉቃ.249። ዝበሎ’ውን ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ዘነጽር ቃል እዩ። ድሕሪ ዕርገት ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ  ቅዱሳን ዋርያት ኮኑ ሰዓብቶም ንቤተ መቕደስ ተገልጊሎምሉ እዮም። ሉቃ.2450-53,ግሓ.31። ንምዃኑ ከምቲ ገሊኣቶም ዝብልዎ ኣገልግሎት ናይቤተ መቕደስ ብብሉይ ኪዳን ተሓጺሩ ተሪፉ እንተዝኸውን ነቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ክሸጡን ክሻየጡን ዝጸንሕዎ ገሲጹ ከውጽኦም ንምንታይ ኣድለየ ስለዚ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ  ባዕሉ ከም ዝመሃረና ኣድላይነትን ክብርን ናይ ቤተ መቕደስ ብዝግባእ ክንፈልጦ ዘለና መሠረታዊ ነገር እዩ። ኣምላከቅዱሳን ልዑለ ባህርይ ቅዱስ እግዚአብሔር ጸግኡን ጥበቡን ይዓድለና ኣሜን።

3/ ካልእ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ኣብ በዓል ፋሲካ ፥ ናብ ኢዮሩሳሌም ናብታ ቀንዲ መቕደስ ምስ ከደ ። ኣብኡ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ኣብዑርንኣባጊዕን ረጋቢትን ዚሸጡ ረኸበ ዝበሎ፣ ብምሥጢር ክርስቶስ ንዓና ከድኅን ሰብ ኮይኑ ናብዛ ዓለም እንተመጸ፣ ሰባት ድኅነት ንምርካብ በጃ ጢኣቶምኣብ ቤተ መቕደስ ኣብዑር ፥ ኣባጊዕ ፥ ረጋቢት እንስሳ  መሥዋእቲ ከቕርቡ ፣ ወይከኣ ኣብዑር ፥ ኣባጊዕ ፥ ረጋቢት እንስሳ መሥዋእቲ ኮይኖም ክቐርቡጸንሕዎ ማለት ስለዝኾነ ፥ ካብ ገመድ ጭጉራፍ ተቲዑ ኸኣ ምስተን ኣባጊዕን ኣብዑርን ንኹሎም ካብ ቤተ መቕደስ ኣውጽኦም፥ ዝበሎ ድማ እንሆኃጢኣት ዓለም ዘርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ ከም ዝተባህለ ። ዮሓ.129 ንርእሰን ዘለኣለማዊ ሕይወት ዘይብለን እንስሳ ሕይወት ክህባኹም ዝከኣልኣይኮነን እሞ ፥ ኣውጽእ’ወን ካብዚ ይርሓቓ መሥዋእቲ ኣነ እየ። ድኅነት ዝወሃበኩም ኅድገት ኃጢኣትውን እትረኽቡ ብቁርሰተ ሥጋይ ብምፍሳስደመይ እዩ ንምባሉ ዘርኢ እዩ ። ምእንት’ዚ እዛ ሳምንት መዓልቲ ምንጻህ ቤተ መቕደስ ፥ መዓልቲ ምስግጋር ተባሂላ ትጽዋዕ እያ።

v መዓልቲ ምንጻህ ቤተ መቕደስ ምባሉ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ  ክርስቶስ ንኹሎም እቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ተቐሚጦም ዝሸጡን ዝሻየጡንዝረኸቦም ጎሓሉትን መሸረፍትን ምስ ንብረቶምን እንስስኦምን ጠቕሊሉ ብምውጻእ ዝጀመሮ ምንጻህ ቤተ መቕደስ ፥ ድሓር ብዝበለጸ ንቅዱስ ሥጋኡቆሪሱ ንክቡር ደሙ ኣፍሲሱ ከም ዘጽንዖ ዘመልክት እዩ። እዚ ከኣ፣
ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ቤተ ክርስትያን ቤተ መቕደስ ኣምላኽን ክትጋስዩ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስ ቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኩሉመጋሰ ሓልው ከም ዝተባህለ እዩ። ግሓ.2028

v ዕለተ ምስግጋር ዝተባህለትሉ ምኽንያት ከኣ፣
ብናይ ወልደ እግዚአብሔር ደምን ሥጋን ካብ ብሉይ ኪዳን ናብ ሓዱሽ ኪዳን ማቴ.2626-28፥ ካብ ኦሪት ናብ ወንጌል ማቴ.2751 ካብ መሥዋእቲኦሪት ብእንስሳ ናብ መሥዋእቲ ሓዲሽ ብሥጋ ደምን ናይ ክርስቶስ ማቴ.2626-28, 1ቆሮ57፣ እብ.91-15 ምስግጋሩ ንምሕባር እዩ።  ወዘተረፈ።

   ካልእ’ውን ቤተ መቕደስ ዝተባህለ ሰብነትና ፥ ሸቐጥ ዝተባህለ ከኣ ክፉእ ሥራሕን ተናኮላትናን እዩ። ምእንት’ዚ ነዚ ቤተ መቕደስ ዝኾነ ሰብነትናብንስሓ ሕይወት ሓጺብና ቅዱሳን ክንከውንን ብንቕሓት ቅድስናና ክንሕሉ ከምዘለናን ናይዛ ዕለት ምንቲ መልእኽቲ እዩ ። ስለዚ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ  ክርስቶስ ንቤተ መቕደስ ካብ ሸቐጣ ሸቐጥ ፥ ካብ ጎሓሉት ኩሉ ከም ዘንጽኃ ፥ ንሕና’ውን ከምኡ ክፉእ ግብርናን ሓሳባትናን ኣርሒቕና ፥ 0ንመቕደስ ሰብነትና ብንስሓ ሓጺብና ከነንጽሆ ይግባእ ። ነቲ እቲ ሰብነትኩም ኣካል ክርስቶስ ምኻኑ’ዶ ኣይትፈልጡን ዲኹም እሞ’ኸ ደኣ ንኣካልክርስቶስ ወሲደ ኣካል ኣመንዝራ ኽገብሮ’ዶ ይግባእ እዩ ያእ ኣይፋለይን ዝብል ቃል ንዘክሮ። 1ቆሮ.615። ካብዚ ቀጺሉ ድማ ፥ ሰብነትኩም ቤትመቕደስ ናይቲ ካብ ኣምላኽ ዝተቐበልኩምዎ ኣብ ውሽጡኹም ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝኾነዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም እምበኣር ናይ ገዛእ ርእስኹምኣይኮንኩምን ። ብዋጋ ኢኹም ዝተዓደግኩም ፥ ስለዚ ንኣምላኽ ብሰብነትኩም ኣኽብርዎ ኢሉ ኣሎ። 1ቆሮ.619-20። እዚ ትንታነ ዘየድልዮ ንጹርመልእኽቲ እዩ። ስለዚ ከም ቃሉ ንጽኅናና ሓሊና ብቕድስና ንምንባር የብቅዓና ኣሜን ። ኣብዚ ሓደ ከይተጠቕሰ ክሓልፍ ዘይንደልዮ ነገር ፥ ንስኻትኩምመቕደስ ኣምላኽ ኢኹም። ስለዝተባህለ፥ በዚ ገለ ብፍልጠት ኮነ ብእምነት ዘይበሰሉ ፥ ናይ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ነገርውን ብዝግባእ ዘይተረድኡ ወገናንንሕና ባዕልና መቕደስ ስለዝኾነ ህንጻ ቤተ መቕደስ ኣየድልየናን ዝብሉ ኣይተሳእኑን። እቲ ቃል ግን ንስኻትኩም መቕደስ ኣምላኽ ኢኹም እዩ ዝበለእምበር ህንጻ ቤተ መቕደስ ኣየድልየኩምን ኣይበለን ። መቕደስ ኢኹም ማለት ድማ ህንጻ ቤተ መቕደስ ኣየድልየኩምን ዘስምዕ ኣይኮነን ፥ ክኸውንእውን ኣይክእልን። ኣድላይነት ህንጻ ቤተ መቕደስ እሞ ባዕሉ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ  ክርስቶስ ዝመሃረና ኣብ ላዕሊ ተመልኪትና ኢና ። በኣቦታትናሓዋርያት’ውን ከምኡ።

ምስ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ  ክርስቶስ ሓዋርያቱን ዘይሰማማዕ ኣንጻር ዝኾነ ትምህርቲ ድማ ብዝኾነ ዓይነት መለክዒኡ ፈጺሙ ተቐባልነትዘይብሉ እዩ። ኣይህልዎን እውን። ንሕና እኮ ንስኻትኩም ቤተ መቕደስ ኢኹም ጥራይ ዘይኮና ተባሂልና፥  ንስኻትኩም ንዓለም ብርሃኑኢኹም"ንስኻትኩም ንምድሪ ጨዋ (ጨውኢኹም ኢና’ውን ተባሂልና። ማቴ.513-14። እሞ ብርሃን ኢኹም ስለዝተባህለ ፥ በዚ ንዓለም ኮነ ንዓናብርሃን ኣየድልን ንበልንሕና ብርሃን ስለዘለናኸ ብርሃን ጸሓይዶ ተሪፉ እዩከምኡ ጨው ስለዝኾናስ ጨው ኣየድልንዶ ክበሃል እዩ ያእ ኣይፋሉየድልየና እባደኣ። ኣይተረፈን ንጥቀመሉውን ኣሎና ። ከመይሲ እቲ ጽሑፍ፥   ንስኻትኩም ንምድሪ ጨው ፥ ንዓለም ድማ ብርሃኑ ኢኹም እዩ ዝብልእምበር ጨው ወይ ብርሃን ኣየድልየኩምን ኣይበለን። ከምኡ  ንስኻትኩም ቤተ መቕደስ ኢኹም እዩ ዝበለ እምበር ፥ ህንጻ ቤተ መቕደስ ኣየድልየኩምንእዩ ኣይበለን ። ምናልባት ኣብዚ ነቲ፥ ጨው ኢኹም ዝበሎ ፥ ብርሃን ኢኹም ዝበሎ በዚ ምኽንያት እዩ ክብሉ ካልእ ትንተና ወይ መግለጺ ክህቡእንተፈተኑ፥ ነቲ መቕደስ ኢኹም ዝብል ቃልከ ንምንታይ ከምኡ ትንታነ ወይ መግለጺ ክህብሉ ዘይክኣሉ መልሲ ንዕዖም ንገድፎ።  ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያና ንኹሉ መጽሓፍ ቅዱስ መሠረት ዝገብረ መልሲ ኣለዋ። ቅድስት ቤተ ክርስትያና ፥ ንሕና ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ኣይኮናን ዝብል ትምህርቲየብላን። ህንጻ ቤተ መቕደስ ኣየድልን ንዝብል ግን ፥ እዚ ኢመጽሓፍ ቅዱሳዊ ስለዝኾነ ኣይትቕበሎን እያ። ኣብ ቓሉ ንምጽናዕ የብቕዓና ኣሜን።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚኣብሔር  ከም ቃሉ ነዚ ንምፍጻም የብቅዓና ኣሜን። ጾምና ይባርኸልና። 

እግዚአብሔር ኣምላክ በረከቱን ረዴአቱን ምሕረቱን የብዝሓልና። ኣማልስነት ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለየና።

 

                                                                                                                              ይትባረክ አምላከ አበዊነ።

 

                                                                       ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

                                                                       ወለወላዲቱ ድንግል።

                                                                       ወለመስቀሉ ክቡር።

 

Comments are closed.