3.ምኩራብ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ

ቦአ ኢየሱስ ምኵራብ አይሁድ

ምስባክ

እስመ ቅንዓተ ቤትከ በልዓኒ

ትዕይርቶም ለእለ ይትኤየሩከ ወድቀ ላዕሌየ

ወቀጻእክዋ በጾም ለነፍስየ።

ቅንኣት ቤትካ በሊዑኒ

ጸርፊ እቶም ዚጸርፉኻውን ኣባይ ወዲቑ እዩ እሞ

ነሕዋተይ ጓና ንውሉድ ኣደይውን ጋሻ ዀይኩ

እምበኼኹ ንነፍሰይ ብጾም ምስ ኣሕሳእክዋ እዚ መጽረፊ ዀነኒ።

መዝ.68 .(69-8::)

ወንጌል ዮሓ፣2፣12፣      ግ.ሓ.10፣1-9           ቆላ.2፣16       ያዕ.2፣1-9

ቅዳሴ. እግዚእነ (ነአኩተከ)

           ሳልሳይ ሰንበት (ሰሙን) ናይ ዓቢይ ጾም ምኩራብ ተባኂሉ ይጽዋዕ። ምኩራብ ቤት ጸሎት ወይ’ውን ናይ ጸሎት ቤት ማለት እዩ። እዚ ከኣ ቅድም ኢሉ ኣይሁድ ናይ ሕጊ መጻሕፍቲ እናተነበበሎም ዝመሃርሉ፥ ጸሎት ዘብጽሕሉ፥ ዳዊት ዝደግምሉ፥ ብሓፈሻ ሥርዓተ ኣምልኾኦም ዝፍጽምሉ ዝነበረ እዩ። እዞም ምኩራባት እዚኣቶም ካብታ ኣብ ኢዮሩሳሌም እትርከብ ቀንዲ መቕደስ ወጻኢ ኣብ በብዞባኡ (ከከባቢኡ)
ተዶኪኖም ዝነበሩ እዮም። ኣይሁድ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሥርዓተ ጸሎት ክፍጽሙ፥ መጽሓፈ ኦሪት ክመሃሩ እንከለው ንኣሽቱ በዓላቶም’ውን ኣብዚ እዮም ዘኽብርዎም። ኣብቲ ዓበይቲ በዓላት ግና ናብቲ ቀንዲ ዝኾነ ቤተ መቕደስ ናብ ኢዮሩሳሌም ብምኻድ እዮም ዘኽብርዎም ዝነበሩ። ንኣብነት በዓል ፋሲካ (ሉቃ2፥41)። ምናልባት ኣብዚ፥ ኣብ ኣይሁድ ዝነበረ ኣመለኻኽታ ብጀካ ኣብታ ኣብ  ኢዮሩሳሌም ዘላ መቕደስ እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ካልእ ምስጋድ ግቡእ ከምዘይኮነን ከምዘይፍቀድን እዩ እሞ ፣ (ዮሓ.4፥20)፥ ናይ ምኩራብ ነገር ደኣ ከመይን ብኸመይን እዩ ዝብል ሕቶ ከልዕል ይኽእል እዩ። ስለዚ ብዛዕባኡ ብጭልፋ ምጥቃስ ኣገዳሲ ይኸውን።
      ርግጽ እዩ በቲ እዋን ቤተ መቕደስ ሓንቲ ንሳ’ውን እታ ኣብ ኢዮሩሳሌም ዝነበረት ጥራይ እያ። ምኩራባት ቅድሚ ምሥርሑ ከኣ ኩሎም ናብኣ እናኸዱ ሥርዓተ ኣምልኾኦም ይፍጽሙ ነበሩ።
ድሓር ግን መላእ እስራኤላውያን ብንጉሥ ናቡከደነጾር ስለእተወሩ፥ እታ ሓንቲ መቕደሶም’ውን ከይተረፈት ተቓጸለትን ዓነወትን። ንሶም እውን ብዘይካ ውሑዳት መብዛሕቲኦም ተማሪኾም ናብ ባቢሎን ወረዱ። ህዝቢ እቲ ዝኸድዎ ሃገር ንእግዚአብሔር ዘይፈልጡ ኣህዛብን መምለኽቲ ጣኦትን ብምንባሮም ከኣ፥ ቤት ኣምልኾ ሠሪሖም ክሰግዱ ንእስራኤላውያን ምቹእ ኣይነበረን። ስደቶምውን ግዜ ወሰደ። እዚ ናይ እስራኤላውያን ናብ ምርኮ ምውራድ እሞ ድማ ግዜ ምውሳዱ ፥ ኣብ ናይ ኣይሁድ ሥርዓተ እምነት ምቅይያራት ኣምጺኡ እዩ። ንሱ ከኣ እቶም ኣብ እምነቶም ጽኑዓት ዝነበሩ ሃይማኖቶም ንምዕቃብ ኣብ ዘዝተራኸብዎ ኣጋጣሚ ተኣኻኺቦም ናይ ሕጊ መጻሕፍቲ ምንባብ፥ ጸሎት ምብጻሕ፥ ዳዊት ምድጋም፥ ምስጋድ ጀመሩ። ብውልቂ ኣብ በቤቶም ኾይኖም ሥርዓተ ኣምልኾ ዝፍጽሙ ከምዝነበሩ’ውን መጽሓፍ ቅዱስ ይነግር እዩ። ንምሳሌ፥ ነቢይ እግዚአብሔር ቅዱስ ዳኒኤል (ዳኒ.6፥10)። እዚ ከኣ ምኩራብ ንኽስራሕ መንገዲ ኮነ። እዚ ኣብ በብዘለኻዮ ኮይንካ ተኣኻኺብካ ምምህሃር ብሓፈሻ ሥርዓተ ኣምልኾ ምፍጻም ዝህቦ ጥቕሚ ዝተረድኡ ኣይሁዳውያን ምስ ግዜ ምንዋሕ ከም ሕጊ ሓዝዎ። ስለዝኾነ ከኣ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ካብ ምርኮ ምምላስ ኮይኑ ናብ ሃገሮም ምስ ኣተው ከም ሥርዓቶም ኣኣብ ከባቢኡ ልዕሊ ዓሰርተ ስድራቤት ዝተኣኻኸቡ ኣይሁዳውያን እንተደኣ ሃልዮም ምኩራባት ክስርሓሎም ፈቐዱ። ከምዚ ኢሉ ምስ ተዳለወሎም ከኣ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተነግረ ኣብ ዓበይቲ በዓላት ናብቲ ቀንዲ መቕደስ ናብ ኢዮሩሳሌም ክድይቡ እንከለው እቶም ንእስ ንኡሳን ዝኾኑን ግና ኣብ'ዞም ምኩራባት ይፍጽምዎም ነበሩ። እዞም ምኩራባት እዚኣቶም ነታ ቀንዲ ዝኾነት መቕደስ ብዙሕ ኣበርክቶ ዝነበሮም ብምዃኑ ናይ ቤተ መቕደስ መገብቲ እዮም። ምኩራብ ናይ ቤተ ክርስትያን ምሳሌ ከም ዝኾነ፥ ምኩራብ ኣብ በብከባቢኡ ክኸውን ምግባሩ’ውን ቤተ ክርስትያን ኣብ ኩሉን ንኹሉን ንምኻና መርኣያ ነበረ።
ሕራይ ናይ ምኩራብ ነገርስ እዚ ይኹን ፥ እዚ ሰሙን ምኩራብ ዝብል ስያሜ ምሓዙኸ ብኸመይ ምኽንያት እዩ እንተበሉ፥ ብሊቅነቱ መወዳድርቲ ዘይብሉ ኣቦ ማህሌታይ ቅዱስ ያሬድ፥ ቦኣ ኢየሱስ ምኲራበ አይሁድ ወመሐረ ቃለ ሃይማኖት ወይቤሎሙ ምጽዋተ አበድር እመሥዋዕት አነ ውእቱ እግዚአ ለሰንበት ወአቡሃ ለምሕረት ኢትግበሩ ቤተ አቡዬ ቤተ ምስያጥ ቤትየስ ቤተ ጸሎት ትሰመይ . . .”
ትርጉም÷
      ኢየሱስ ከኣ ናብ ቤተ ጸሎት ኣይሁድ ኣተወ። ናይ ሃይማኖት ቃል ድማ  መሃረ፡፡ ካብ መሥዋእቲ ምሕረት እየ ዝፈቱ፥ ጐይታ ሰንበት፥ኣቡኣ ንምሕረት ኣነ እየ፥ ንቤት ኣቦይ ቤት ሸቐጥ ኣይትግበርዎ፥ ቤተይሲ ቤት ጸሎት ኪስመ እዩ ዝብል ጽሑፍ ኣሎውን በሎም። ከምዝበሎ፥ ጐይታ ንዓና ከድሕን ሰብ ኮይኑ ናብዛ ዓለም ምስ መጸ ኣብ ምኵራባትን ቤተ መቅደስን እናዞረ ምምሃሩ፥ምሕረት ምግባሩ ማለት ብዝተፈላለዩ ድውያንን ሕማማትን ብርኹሳት መናፍስትን ይሳቐዩ ንዝነበሩ ራኅሪሁ ምፍዋሱን፣ ከምኡውን ነቶም ንቤቱ መሸጢ መለወጢ ብምግባር በዓቲ ጎሓሉት ገረምዎ ዝጸንሑ ፣ “ ኢትግበሩ ቤተ አቡዬ ቤተ ምስያጥ፥ ቤትየስ ቤተ ጸሎት ትሰመይ እዚ ካብዚ ኣልዕልዎ፥ ንቤት ኣቦይ ቤት ሸቐጥ ኣይትግበርዎ ። ” ቤተይ ንኹሎም ኣህዛብ ቤት ጸሎት ኪስመ እዩ። ዝብል ጽሑፍ’ዶ የልቦን እዩ ? ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጎሓሉት ገበርምዎ ። ኢሉ ንኹሉ'ቲ ዝሸጥዎን ዝሻየጥዎን ዝነበሩ ብምድርባይ ። ንዕኦም ድማ ብቓልን ብጭጉራፍን ምግሳጹ እንዝክረሉ እዋን እዩ እዚ ሰሙን።
 ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ዝኾነሉ ቀንዲ ዕላማ ሰባት ንምድኃን ስለዝነበረ ፥ ብጥርኑፍን ብበዝሕን ሰባት ኣብ ዝእከብሉ ምኩራባት እናዞረን ኣብ ቤተ መቕደስ እናኣተወን ወንጌል መንግሥቱ (ጐይትነቱ ፈልያ እትነግር ወንጌሉ ) ኣበሢርዎም ብዙሕ ተኣምራት ጌርሎም እዩ። ምልስ ኢልና ናብ ቅዱስ ውንጌል ምስ እንኣቱ ከምዚ ብምባል የረድኣና።

“ኢየሱስ ድማ ኣብ ኲላ ገሊላ፡ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ እናመሃረ፡ ብሥራት መንግሥቲ እግዚአብሔር (ብሥራት መንግሥቲ እግዚአብሔርነቱ ) እናሰበኸ፥ ኣብ ሕዝቢ ዘሎ ኲሉ ዓይነት ሕማም እናኣሕወየ ይዘውር ነበረ። ማቴ. 4፥23,ማቴ.9፥35። እዚ መድኃኔዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምኩራባተ ኣይሁድ ከመይ ከምዝነበረ ዝገልጽ ንጹር ቃል እዩ።
 ወንጌላዊ ቅዱስ ሉቃስ ብወገኑ፥  ኢየሱስ ክርስቶስ ኸኣ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ (ምኩራብ) ኣትዩ ይመህር ነበረ። ኵሎምውን የመስግንዎ ነበሩ። ናብታ ዝዓበየላ፡ ናብ ናዝሬት ድማ መጸ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ከምቲ ልማዱ ናብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣተወ፡ ከንብብ’ውን ተንሥኤ ። መጽሓፍ ነብዪ ኢሳይያስ ከኣ ሃብዎ። ነቲ መጽሓፍ እንተ ቐልዖ (ገንጸሎ) ኸኣ፡ ከምዚ ዚስዕብ ዝተጻሕፎ ኽፍሊ ረኸበ፥ ንድኻታት ከበሥሮም ስለ ዝቐብኣኒ፡ መንፈስ እግዚአብሔር ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ክምልስ፡ ንዕዉራት ምርኣይ፡ ንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ኽሰብኽ፡ ሕርይቲ ዓመት እግዚአብሔር ክሰብኽ ለኣኸኒ። ነቲ መጽሓፍ ዓጺፉ ኸኣ፡ ነቲ ኣገልጋሊ ሂብዎ ተቐመጠ። ኣዕይንቲ ኹሎም እቶም ኣብታ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ዝነበሩ ከኣ ናብኡ ይጥምታ ነበራ። ሽዑ እዚ ጽሑፍ እዚ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ተፈጸመ፡ ኪብሎም ጀመረ። ክብል ከምዝጸሓፎ  ሉቃ.4፥15-21። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣትዩ፥ ከምቲ ቅዱሳን ነብያቱ ኣቐዲሞም ዝተዛረብዎ ቃል ትንቢት እናልዓላ ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ኾይኑ ኣብዛ ዓለም ናይ ምግላጹ ዕላማን ምሥጢሩን ድማ ገሊጽሎም እዩ። ስለዚ በዚ መሠረት እዛ ሰሙን፥ መድኃኒ ዓለም ክርስቶስ፥ ንሕና ምእንቲ ክንህብትም፥ ንሱ ሃብታም እንከሎ ምእንታና ድኻ ብምዃን ንዓና ንድኻታት ድኅነቱ ከበስረና፥ ንዝደኸምና ኃይሊ ፥ብስቓይ ንዝነበርና ዕረፍቲ፥ ሓኪም ሕይወትና ንሕማምና መድኃኒት፥ ንለምጺ ኃጢኣትና መንጽሂ፥ ንዕውራት ምርኣይ፥ ካብ ንምሩኻት ምምላስ ብብርሃኑ ብርሃን ምእንቲ ክኾነና፥ ብግፍዒ ኣብ ባርነት ንዝነበርና ሓራ ክንወጽእ ክገብረና ሰብ ከም ዝኾነ እንዝክረሉ ሰሙን እያ።

  ካብዚ ቀጺሉ ከኣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ተኣምረ ኢየሱስ፣

    “ ወእምድኅረዝ ቦኣ እግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ ውስተ ቤተ መቅደስ፥ ወአኃዞሙ፥ ፍርሃት፥ ወረዓድ፥ ለኩሎሙ ሰብኣ ኢዮሩሳሌም ፥ ወተኃብኡ እምእግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ ፥ ውስተ መቅደስ ፥ እስመ ኮኑ ይሠይጡ ወይሣየጡ ፥ ወይነሥኡ ዓሥራተ በህየ ። ወገብረ ጠብጣቤ ዘሐብል ወቀሠፎሙ ወሰደዶሙ እም ቤተ መቅደስ ወገፍትዓ ማዕዳቲሆሙ ለመወልጣን ፥ ወአውጽኦሙ እም ቤተ መቅደስ ፥ ወይቤሎሙ ቤትየሰ ቤተ ጸሎት ይሰመይ ፥ ወአንቱሙሰ ረሰይክምዎ በዓተ ፈያት። ” ከም ዝበሎ፥ ናብ ኢዮሩሳሌም ናብታ ቀንዲ መቕደስ ኢዩ ከይዱ ። ኣብኡ ከምቲ ወንጌል ኮነ ተኣምረ ኢየሱስ ኢልዎ ዘሎ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ እቲ ቤተ መቕደስ ኣብዑርን ኣባጊዕን ረጋቢትን ዚሸጡ፥ መሽረፍቲ ተቐሚጦም ረኸበ ። ንሳቶም ካብቲ ናይ እግዚአሔርን ንእግዚአብሔርን ዝኾነ ዕሽር ብምውሳድ እውን ይሰርቁን የደናግሩን ነበሩ ። ነቲ ቤተ ጸሎት ዝኾነ ቤተይ ፥ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጎሓሉት ጌርኩምዎ ዝበሎ ነዚ ሒዙ እዩ ። ካብ ገመድ ጭጉራፍ ተቲዑ ኸኣ ምስተን ኣባጊዕን ኣብዑርን ንኹሎም ካብ ቤተ መቕደስ ኣውጽኦም ፥ ንገንዘብ እቶም መሽረፍቲ’ውን ፋሕ ኣበሎ። ሰደቓኦም ከኣ ገልበጦ ። ኣስዒቡ ምስ እዚ ድማ እዚ ካብዚ ኣልዕልዎ ፥ ንቤት ኣቦይ ቤት ሸቐጥ ኣይትግበርዎ ። ቤተይ ንኹሎም ኣህዛብ ቤት ጸሎት ኪስመ እዩ። ዝብል ጽሑፍ’ዶ የልቦን እዩ ?  ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጎሓሉት ገበርኩምዎ። ኢሉ ንኹሎም ኣሰምዓሎም። ብኸምዚ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ቤቱ ዘለዎ ልዑል ኣኽብሮትን ኣምላኻዊ ቅንእን ብተግባር ኣርኣየ። ዮሓ.3፥13፥-16,ማቴ.21፥12-13,ማር.11፥15-17,ሉቃ.19፥45-46። ተመልከት።
  ሕጽር ዝበለ እዚ ሳምንት መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምኩራባት ኣይሁድን ቤተ መቕደስን ከመይ ከም ዝነበረ እንዝክረሉ እዋን ምዃኑ ኣብ ላዕሊ ገሊጽና። ይኹን እምበር ምዝካር ጥራይ ዘይኮነ ንሕይወትና ዝጠቅም ካብዚ ሳምንት እንመሃሮ ብዙሕን ዓበይትን መልእኽቲ ዘለዎ ምዃኑ ድማ ክንፈልጥ ይግባእ። ካብቲ ብዙሕ ሒደት ንምጥቃስ ዝኣክል።

1/ ክብርን ንጽህናን ቤተ መቕደስ ኣምላኽ÷

     ቤተ መቕደስ፥ ኣምላኽ ብመንፈሱ ዝሓድረላ ፥ ክብሩ ዝገልጸላ ፥ ንህዝቡ ህላውነቱ ዘረጋግጸላ ፥ ህያው ቃሉ ዝንገረላ ፥ መሥዋእቲ ምስጋና ዝቐርበላ ፥ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ዝፍተተላ ፥ ጸሎት ህዝቡ ንምቕባል ዓይኑን ልቡን ብምንባር ዝቐደሳ መርገጺ እግሩ ዝኾነት ክብርቲ ፥ ንጽህቲ ሥፍራ እያ ። ነቢይ እግዚአብሔር ቅዱስ ኤርምያስ ቤተ መቕደስና ካብ ጥንቲ ልዕል ኣብ ዝበለ እምባ ዝተቐመጠ ግርማ ዝመልኦ ዝፋን እዩ። ከም ዝበሎ እዩ። ኤር.17፥12። ክብራ ድማ ሰማያዊ እምበር ምድራዊ ኣይኮነን ። ስለዚ ኩሉ ኣብኣ ዝግበር ብፍሉይ ንእግዚአብሔርን ናይ እግዚኣብሔር ዝኾነን ጥራይ ደኣ እምበር ምድራዊ ማለት እግዚአብሔር ዘይከብረሉ ነገር ኣይኣቱን እዩ። ነዚ ከኣ እዚ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ዝሸጡን ዝሻየጡን ዝጸንሕዎ ብዝተተትዐ ጭጉራፍ ገሲጹ ዘውጽኦም ዓቢይ መረዳእታ እዩ ። ቤተ መቕደስ ይትረፍ’ዶ ክትሸጠሉን ክትልውጠሉንሲ ንናይ እግዚአብሔር ኣገልግሎት ተባሂሉ ዝተወፈየን ዝተዳለወን እካ ቅዱስ እግዚአብሔር ብባህሪኡ ንጹህ ስለዝፈቱን ከምኡ ቤተ መቕደስውን ብኹሉ ብፍሉይ ኽብሪ እግዚአብሔር ንምግላጽ ዝተዳወ ቅዱስ ሥፍራ ስለዝኾነን ተረኽበ ኢልካ ከይተባረኸን ብቕዱስ ቅብኣ ከይተቐብአን ናብ ውሽጢ ዝኣቱ ኣይኮነን። ዘጸ.30፥22-29። እዞም ወንጌላውያን ኣብ ውሽጢ ቤተ መቕደስ ብዙሕ ንዋየ ቅዱሳት እናሃለው ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ  ክርስቶስ ግን ነቶም ኣብዑርን ኣባጊዕን ረጋቢትን ኣውጺኡ ፥ ንሰደቓኦም ድማ ገልቢጡ እምበር ፥ ንታቦት ፥ ጽላት ፥ ስእልን ምስልን ፥ መቖምያ ፥ ጸናጽል ወዘተረፈ ንንዋያተ ቅዱሳት ኣውጽአ ዘይምባሎም ከነስተባሃለሉ ዘለና ነጥቢ እዩ። ከመይሲ እዚኣቶም ብፍቓዱ ዝኣተው ቅዱሳት ንዋያት እዮም ። ስለዚ በዛ መዓልቲ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ  ክርስቶስ ብግልጺ ናይ ቤተ መቕደሱ ክብርን ንጽህናን ዝገለጸላ ዕለት እያ ። ኣብዚ ብዛዕባ ንሓዋርያቱ ዝምልከት ድማ ቅንኣት ቤትካ በልዓኒ ዚብል ጽሑፍ ከም ዘሎ ዘከሩ ከም ዝበሎ። ዮሓ.2፥17። ከምኡ ንሕና’ውን ከም ኣበው ሓዋርያት ንዝተጻሕፈ ዘኪርና ሓቁ ምርዳእ ይግባእ ። ሓቁ ተረዲእካ’ውን ንምፍጻሙ ምንቃሕ።

2/ ኣገልግሎት ቤተ መቕደስ ኣብ ሓዲሽ ኪዳን’ውን ምቕጻሉ፥
ኣብ ብሉይ ኪዳን ቤተ መቕደስን ኣገልግሎቱን ከመይ ከም ዝነበረ ዝተፈልጠ ኮይኑ ፥ እዚ ኣድላይነት ናይ ቤተ መቕደስ ኣብ ሓዱሽ ኪዳን እውን ቀጺሉ እዩ ። እኳ ድኣ ናይ ሓዲሽ ኪዳን ካብ ዝቐደመ ኣገልግሎት ብዝበለጸ ፥ ብመንፈስን ፍጹም ምንጻህን ዘልዓለማዊ ሕይወት ብዘለዎ ሥጋኡን ደሙን ዝኾነ ኣገልግሎት እዩ።

  መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ኣብ ውሽጢ መቕደስ ክሸጡን ክሻየጡን ዝጸንሑ ገሲጹ ድሕሪ ምውጻእ ፥ ኣስዒቡ ሓደ ዝተዛረቦ ቃል ኣሎ። ንሱ ከኣ ቤተይ ንኹሎም ኣሕዛብ ቤት ጸሎት ኪስመ እዩ"ዚብል ኣሎ። ኢሳ.56፥7። ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጎሓሉት ገበርኩምዎ። ዝብል እዩ። ማር.11፥17።
  ኣቐዲሙ ዝነበረ ቤተ መቕደስ ሓንቲ ንሳ’ውን እቲ ኣብ ኢዮሩሳሌም ዝነበረት ምዃና ዝተፈልጠ እዩ ። ኣብዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ሥርዓት ኣምልኾም ዝፍጽሙ ዝበሩውን እስራኤላውያን እምበር ኣሕዛብ ኣይነበሩን ። ጐይታን መድኃኒና ኢየሱስ  ግን እዚ መቕደስ ንኹሎም ኣሕዛብ’ውን ቤተ ጸሎት ክኸውን ምዃኑ እዩ ኣረዲኡ ። ብርግጽ እዩ እዚ ነገር ድሒሩ ንዝፍጸም ዘመልክት ትንቢታዊ ቃል ብምዃኑ ፥ ስለ ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ዝኸውን ዝተነግረ ምዃኑ ንጹር እዩ ። ብዛዕባዚ ቤተ መቕደስ ኣብ ኢዮሩሳሌም እሞ ድማ ብእስራኤላውያን ተወሲኑ ዝተርፍ ዘይኮነስ ኣብ ኩሉን ንኹሉን ከም ዝኸውን ብዝቐደሙ ነብያት እግዚአብሔር ዝተነግረ እዩ። ኢሳ,56፥7,ሚክ1፥11። ተመልከት። ነብያቱ ዘኽብር ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ንዓና ከድኅን ሰብ ኮይኑ ናብዛ ዓለም ምስ መጸ ነቲ ቃል ነብያት መሊሱ ባዕሉ ብምድጋም ኣጽንዖ ። ብኻልእ ወገን ኣብቲ ናይ ኣቦይ ቤት ክህሉ ኸም ዚግብኣኒ’ዶ ኣይትፈጡን ኢኹም። ሉቃ.2፥49። ዝበሎ’ውን ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ዘነጽር ቃል እዩ። ድሕሪ ዕርገት ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ  ቅዱሳን ሓዋርያት ኮኑ ሰዓብቶም ንቤተ መቕደስ ተገልጊሎምሉ እዮም። ሉቃ.24፥50-53,ግሓ.3፥1። ንምዃኑ ከምቲ ገሊኣቶም ዝብልዎ ኣገልግሎት ናይ ቤተ መቕደስ ብብሉይ ኪዳን ተሓጺሩ ተሪፉ እንተዝኸውን ነቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ክሸጡን ክሻየጡን ዝጸንሕዎ ገሲጹ ከውጽኦም ንምንታይ ኣድለየ ? ስለዚ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ  ባዕሉ ከም ዝመሃረና ኣድላይነትን ክብርን ናይ ቤተ መቕደስ ብዝግባእ ክንፈልጦ ዘለና መሠረታዊ ነገር እዩ። ኣምላከ ቅዱሳን ልዑለ ባህርይ ቅዱስ እግዚአብሔር ጸግኡን ጥበቡን ይዓድለና ኣሜን።

3/ ካልእ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ኣብ በዓል ፋሲካ ፥ ናብ ኢዮሩሳሌም ናብታ ቀንዲ መቕደስ ምስ ከደ ። ኣብኡ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ኣብዑርን ኣባጊዕን ረጋቢትን ዚሸጡ ረኸበ ዝበሎ፣ ብምሥጢር ክርስቶስ ንዓና ከድኅን ሰብ ኮይኑ ናብዛ ዓለም እንተመጸ፣ ሰባት ድኅነት ንምርካብ በጃ ኃጢኣቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብዑር ፥ ኣባጊዕ ፥ ረጋቢት እንስሳ  መሥዋእቲ ከቕርቡ ፣ ወይከኣ ኣብዑር ፥ ኣባጊዕ ፥ ረጋቢት እንስሳ ንመሥዋእቲ ኮይኖም ክቐርቡ ጸንሕዎ ማለት ስለዝኾነ ፥ ካብ ገመድ ጭጉራፍ ተቲዑ ኸኣ ምስተን ኣባጊዕን ኣብዑርን ንኹሎም ካብ ቤተ መቕደስ ኣውጽኦም፥ ዝበሎ ድማ እንሆ ኃጢኣት ዓለም ዘርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ ከም ዝተባህለ ። ዮሓ.1፥29። ንርእሰን ዘለኣለማዊ ሕይወት ዘይብለን እንስሳ ሕይወት ክህባኹም ዝከኣል ኣይኮነን እሞ ፥ ኣውጽእ’ወን ካብዚ ይርሓቓ መሥዋእቲ ኣነ እየ። ድኅነት ዝወሃበኩም ኅድገት ኃጢኣትውን እትረኽቡ ብቁርሰተ ሥጋይ ብምፍሳስ ደመይ እዩ ንምባሉ ዘርኢ እዩ ። ምእንት’ዚ እዛ ሳምንት መዓልቲ ምንጻህ ቤተ መቕደስ ፥ መዓልቲ ምስግጋር ተባሂላ ትጽዋዕ እያ።

 መዓልቲ ምንጻህ ቤተ መቕደስ ምባሉ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ  ክርስቶስ ንኹሎም እቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ተቐሚጦም ዝሸጡን ዝሻየጡን ዝረኸቦም ጎሓሉትን መሸረፍትን ምስ ንብረቶምን እንስስኦምን ጠቕሊሉ ብምውጻእ ዝጀመሮ ምንጻህ ቤተ መቕደስ ፥ ድሓር ብዝበለጸ ንቅዱስ ሥጋኡ ቆሪሱ ንክቡር ደሙ ኣፍሲሱ ከም ዘጽንዖ ዘመልክት እዩ። እዚ ከኣ፣ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ቤተ ክርስትያን ቤተ መቕደስ ኣምላኽን ክትጋስዩ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስ ቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኩሉ መጋሰ ሓልው ከም ዝተባህለ እዩ። ግሓ.20፥28።

    v ዕለተ ምስግጋር ዝተባህለትሉ ምኽንያት ከኣ፣
ብናይ ወልደ እግዚአብሔር ደምን ሥጋን ካብ ብሉይ ኪዳን ናብ ሓዱሽ ኪዳን ማቴ.26፥26-28፥ ካብ ኦሪት ናብ ወንጌል ማቴ.27፥51 ካብ መሥዋእቲ ኦሪት ብእንስሳ ናብ መሥዋእቲ ሓዲሽ ብሥጋ ደምን ናይ ክርስቶስ ማቴ.26፥26-28, 1ቆሮ5፥7፣ እብ.9፥1-15። ምስግጋሩ ንምሕባር እዩ።  ወዘተረፈ።

   ካልእ’ውን ቤተ መቕደስ ዝተባህለ ሰብነትና ፥ ሸቐጥ ዝተባህለ ከኣ ክፉእ ሥራሕን ተናኮላትናን እዩ። ምእንት’ዚ ነዚ ቤተ መቕደስ ዝኾነ ሰብነትና ብንስሓ ሕይወት ሓጺብና ቅዱሳን ክንከውንን ብንቕሓት ቅድስናና ክንሕሉ ከምዘለናን ናይዛ ዕለት ሳምንቲ መልእኽቲ እዩ ። ስለዚ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ  ክርስቶስ ንቤተ መቕደስ ካብ ሸቐጣ ሸቐጥ ፥ ካብ ጎሓሉት ኩሉ ከም ዘንጽኃ ፥ ንሕና’ውን ከምኡ ክፉእ ግብርናን ሓሳባትናን ኣርሒቕና ፥ 0ንመቕደስ ሰብነትና ብንስሓ ሓጺብና ከነንጽሆ ይግባእ ። ነቲ እቲ ሰብነትኩም ኣካል ክርስቶስ ምኻኑ’ዶ ኣይትፈልጡን ዲኹም ? እሞ’ኸ ደኣ ንኣካል ክርስቶስ ወሲደ ኣካል ኣመንዝራ ኽገብሮ’ዶ ይግባእ እዩ ? ያእ ኣይፋለይን ዝብል ቃል ንዘክሮ። 1ቆሮ.6፥15። ካብዚ ቀጺሉ ድማ ፥ ሰብነትኩም ቤት መቕደስ ናይቲ ካብ ኣምላኽ ዝተቐበልኩምዎ ኣብ ውሽጡኹም ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝኾነዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም ? እምበኣር ናይ ገዛእ ርእስኹም ኣይኮንኩምን ። ብዋጋ ኢኹም ዝተዓደግኩም ፥ ስለዚ ንኣምላኽ ብሰብነትኩም ኣኽብርዎ ኢሉ ኣሎ። 1ቆሮ.6፥19-20። እዚ ትንታነ ዘየድልዮ ንጹር መልእኽቲ እዩ። ስለዚ ከም ቃሉ ንጽኅናና ሓሊና ብቕድስና ንምንባር የብቅዓና ኣሜን ። ኣብዚ ሓደ ከይተጠቕሰ ክሓልፍ ዘይንደልዮ ነገር ፥ ንስኻትኩም መቕደስ ኣምላኽ ኢኹም። ስለዝተባህለ፥ በዚ ገለ ብፍልጠት ኮነ ብእምነት ዘይበሰሉ ፥ ናይ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ነገርውን ብዝግባእ ዘይተረድኡ ወገናን ንሕና ባዕልና መቕደስ ስለዝኾነ ህንጻ ቤተ መቕደስ ኣየድልየናን ዝብሉ ኣይተሳእኑን። እቲ ቃል ግን ንስኻትኩም መቕደስ ኣምላኽ ኢኹም እዩ ዝበለ እምበር ህንጻ ቤተ መቕደስ ኣየድልየኩምን ኣይበለን ። መቕደስ ኢኹም ማለት ድማ ህንጻ ቤተ መቕደስ ኣየድልየኩምን ዘስምዕ ኣይኮነን ፥ ክኸውን እውን ኣይክእልን። ኣድላይነት ህንጻ ቤተ መቕደስ እሞ ባዕሉ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ  ክርስቶስ ዝመሃረና ኣብ ላዕሊ ተመልኪትና ኢና ። በኣቦታትና ሓዋርያት’ውን ከምኡ።ምስ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ  ክርስቶስ ሓዋርያቱን ዘይሰማማዕ ኣንጻር ዝኾነ ትምህርቲ ድማ ብዝኾነ ዓይነት መለክዒኡ ፈጺሙ ተቐባልነት ዘይብሉ እዩ። ኣይህልዎን እውን። ንሕና እኮ ንስኻትኩም ቤተ መቕደስ ኢኹም ጥራይ ዘይኮና ተባሂልና፥  ንስኻትኩም ንዓለም ብርሃኑ ኢኹም"ንስኻትኩም ንምድሪ ጨዋ (ጨው) ኢኹም ኢና’ውን ተባሂልና። ማቴ.5፥13-14። እሞ ብርሃን ኢኹም ስለዝተባህለ ፥ በዚ ንዓለም ኮነ ንዓና ብርሃን ኣየድልን ንበል? ንሕና ብርሃን ስለዘለናኸ ብርሃን ጸሓይዶ ተሪፉ እዩ? ከምኡ ጨው ስለዝኾናስ ጨው ኣየድልንዶ ክበሃል እዩ ? ያእ ኣይፋሉ! የድልየና እባደኣ። ኣይተረፈን ንጥቀመሉውን ኣሎና ። ከመይሲ እቲ ጽሑፍ፥   ንስኻትኩም ንምድሪ ጨው ፥ ንዓለም ድማ ብርሃኑ ኢኹም እዩ ዝብል እምበር ጨው ወይ ብርሃን ኣየድልየኩምን ኣይበለን። ከምኡ  ንስኻትኩም ቤተ መቕደስ ኢኹም እዩ ዝበለ እምበር ፥ ህንጻ ቤተ መቕደስ ኣየድልየኩምን እዩ ኣይበለን ። ምናልባት ኣብዚ ነቲ፥ ጨው ኢኹም ዝበሎ ፥ ብርሃን ኢኹም ዝበሎ በዚ ምኽንያት እዩ ክብሉ ካልእ ትንተና ወይ መግለጺ ክህቡ እንተፈተኑ፥ ነቲ መቕደስ ኢኹም ዝብል ቃልከ ንምንታይ ከምኡ ትንታነ ወይ መግለጺ ክህብሉ ዘይክኣሉ መልሲ ንዕዖም ንገድፎ።  ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያና ንኹሉ መጽሓፍ ቅዱስ መሠረት ዝገብረ መልሲ ኣለዋ። ቅድስት ቤተ ክርስትያና ፥ ንሕና ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ኣይኮናን ዝብል ትምህርቲ የብላን። ህንጻ ቤተ መቕደስ ኣየድልን ንዝብል ግን ፥ እዚ ኢመጽሓፍ ቅዱሳዊ ስለዝኾነ ኣይትቕበሎን እያ። ኣብ ቓሉ ንምጽናዕ የብቕዓና ኣሜን።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚኣብሔር  ከም ቃሉ ነዚ ንምፍጻም የብቅዓና ኣሜን። ጾምና ይባርኸልና። 

እግዚአብሔር ኣምላክ በረከቱን ረዴአቱን ምሕረቱን የብዝሓልና። ኣማላድነት ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለየና።

ይትባረክ አምላከ አበዊነ።

                                                                                                               ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

                                                                                                   ወለወላዲቱ ድንግል።

                                                                                                 ወለመስቀሉ ክቡር።

                                          ዲን.ዓምደማርያም

 

 

Comments are closed.