2. ቅድስት÷ ካልአይቲ ሰሙን ዓቢይ ጾም እያ።

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ አሜን።

         መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ

      ግነዩ ለእግዚአብሔር ወጸውኡ ስሙ

  ምስባክ

እግዚአብሔርሰ ሰማያተ ገብረ

አሚን ወሰናይት ቅድሜሁ

ቅድሳት ወዕበየ ስብሐት ውስተ መቅደሱ።

             እግዚአብሔር ግና ሰማያት ገብረ

             ግርማን ክብረትን ኣብ ቅድሚኡ

             ኃይልን ጽባቐን ኣብ መቕደሱ እዩ።    መዝ.96-5።

ወንጌል ማቴ.6-1-25። ግ.ሓዋ.10፣7-30።   1ተሰሎ.4፣1-13።     1ጴጥ.1፣13-ፍጻሜ

ቅዳሴ .ዘኢጲፋንዮስ

ቅድስት 
2/  ቅድስት÷ ካልአይቲ ሰሙን ዓቢይ ጾም  እያ።
   ቅድስት፥ፍልይቲ፡ክብርቲ ማለት እዩ። ፍልይትን ክብርትን ዝገብራ ከኣ፥  ብባህሪኡ ቅዱስን ዋና ኩሉ ክብሪ  ዝኾነ ፈጣሪ ንዓለም ንምቕዳስ ንዓና’ውን ፍጹም ኣርኣያ ንምዃን ኣብ ዝጾሞ እትርከብ ሰሙን ኮይና፡ ብዛዕባ ቅድስና እንዝክረላ ሰሙን እያ።

  *ቅድስት÷ንጽህቲ ማለት’ውን እዩ። ንጽህናን  ቅድስናን ስለ እተስተምር።

[1]ካልእ÷ጐይታ ንዓና ንምድኅን ሰብ ኮይኑ ናብዛ ዓለም ምስ መጽአ በዚ ዕለት እዚ ስለ ቅድስና ሰንበትን ኣከባብርኣን ብግልጺ ዝመሃረሉ እዩ። ከምቲ እዚ ዕለት ዝሕብሮ ከኣ ኣብዛ ሰንበት እዚኣ ብፍላይ ብዛዕባ ቅድsና እግዚአብሔርን፡ እቲ ትኽክለኛ ዝኾነ ትርጉም ኣከባብራ ወይ’ን ቅድስና ናይ ዕለተ  ሰንበትን ስለዝዝረብ ቅድስት ዝብል ስያሜ ሒዛ ኣላ።  
      ሕጽር ብዝበለ ፈላሊና ንምፍላጥን፡ ብዝበለጸ ድማ፥ንምርድኡ ምእንቲ ክጥዕምን  ፣ ቅድስት ነገር ብኸምዚ ዚስዕቡ ትኽበርን 

      ትዝከርን÷

ሀ/  ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እቲ ትኽክለኛ ኣከባብራን   ቅድስናን ናይ ዕለተ ሰንበት ንዝመሃሮ   እንዳዘከርና
ለ/  "እስመ እግዚአ ውእቱ ለሰንበት ወልደ እጓለእመሕያው" ከም ዝበሎ(ማቴ12፥8)፥ ንዕለተ ሰንበት ዝፈጠረ ፈጢሩውን ንዘኽበራን
        ዝቐደሳን ቅዱስ እግዚአብሔር፡ንባህርየ  ቅድስናኡን ልዕልና ክብሩን  ንዝክረላ።      
ሐ/   ብባህርየ ቅድስናኡ ቅዱሳን  ክንከውን ዝጸውዓና ቅዱስ እግዚአብሔር  ጻውዒትናን ዕድመናን ኣኽቢርና ብቕድስና ክነብርን ንዕኡ ክንመስልን ከም ዝግብኣና ፈሊጥና ብንጽህና ናብኡ ምቕራብ ከም ዘድሊ ንመሃረላ።

ናይዛ ሰሙን ምንባባት ክንርእዮ  ከሎና’ውን ብሰፈሑ ነዚ ዝገልጽ  ኮይኑ ኢና እንረኽቦ።
         
                     ሀ/ ኣከባብራ ዕለተ ሰንበት÷
 
ሰንበት ቦኽሪ በዓላት ዝኾነት ቅድስትን ክብርትን ዕለት እያ። መጀመርታ ጀማሪኣን ኣኽባሪኣን ከኣ ባዕሉ ቅዱስ እግዚአብሔር ኣምላኽ እዩ።እግዚአብሔር ፍጥረቱ ክፈጥር ምስ ፈቐደ ሰባት ብእንርድኦ መንገዲ ሥርዓት ኣትሒዙ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ መዓልታት 22 ዓይነት ፍጥረታት በብወገኖም ጌሩ ፈጠረ። በታ ሻብዓይቲ መዓልቲ ግን ኣዕረፈ።ነቲ ክፈጥሮ ዝመደበ ፈጢሩ ፈጸመ ማለት እዩ እምበር እግዚአብሔር ዝደክም ኮይኑ ዕረፍቲ ኣድልይዎ ኣይኮነን ኣዕረፈ ዝበሎ። ስለዚ ዕለተ ሰንበት፥እግዚአብሔር ህያውነቱ ምእንቲ ክገልጸሎም ንዝፈጠሮም ፍጥረታት ፈጺሙ ዘዕረፈላ መዓልቲ ስለዝኾነት ካብቶም ካልኦት ዕለታት ፈልዩ ኣኽበራን ቀደሳን። (ዘፍ2፥3)። እዚ ንዕለተ ሰንበት ንፍሉይ ኣገልግሎት ከም ዝመደባውን ዘመልክት እዩ። ድሓር ኣብ ግዜ ሊቀ ነብያት ሙሴ ከም ሕጊ ጌሩ ብምሃቡ’ውን ዝያዳ ኣጽንዓ። (ዘጸ20፥8)። እንተኾነ ከምዚ ኮይና ንእስራእያላ’ውያን ደኣ ትወሃብ እምበር ንሳቶምስ ብኸመይ ከኽብርዋ ከምዘለዎም ብዝግባእ ይፈልጡ ስለዘይነበሩ ካብዚ ዝተላዕለ በዛ ዕለት ይንኣስ ይዕበ ዝኾነ ዓይነት ሥራሕ ከይሠርሑ ብናይ ኣጽንዖ ቃል ተነጊሮም እዮም።መንፈሳዊ ዕዮ’ውን ኣይሰርሑላን ነበሩ። በዛ ዕለት እግሮም ምስ ዓጸፉ ከይዘርግሑ ምስ ዘርግሑ ድማ ከይዓጸፈ ከም እሱር ኮይኖም ይውዕሉ ነበሩ። ነዚ ከኣ፥ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ኣብ መዋእለ ስብከቱ ንሓንቲ ዝጎበጠት ክትቀንዕውን ዘይትኽእል ንዕስራን ሸሙንተን ዓመታት ዝኣክል ድማ መንፈስ ድኻም ሓዲርዋ ክትሳቐ ዝጸንሐት ሰበይቲ ብዕለተ ሰንበት ምስ ኣሕወያን ፈወሳን፥ እቲ መራሒ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ዝነበረ በዚ ነገር ተቖጢዑ ነቶም ህዝቢ " ኪዕየየን ዚግባእ ሽዱሽተ መዓልቲ ኣለዋኹም። እምበኣር ብኣኣተን መጺእኩም ተፈወሱ እምበር ብመዓልቲ ሰንበት ኣይኮነን። " ክብል ዝተዛረቦም እኹል መረዳእታ እዩ።  ጐይታ ሰንበት ዝኾነ   መድኃነ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ግን፥ " ኣቱም ግቡዛት፥ነፍስ ወከፍ ካባኻትኩም ንብዕራዩ ወይ ንኣድጉ ብሰንበት ካብ ማእሰርቲ ፈቲሑ ማይ ከስትዮዶ ኣየውርዶን እዩ? እንሆ እዛ ንዕስራን ሸሞንተን ዓመታት ሰይጣን ዝኣሰራ ጓል ኣብርሃም፥ ካብዚ ማእሰርቲ እዚ ብመዓልቲ ሰንበት ክትፍታሕዶ ኣይግባኣን እዩ? ብምባል ክግስጾም እንከሎ ኢና ንርኢ። (ሉቃ13፥10-17)ተመልከት። እዚ ብዕለተ ሰንበት ሠናይ ዘበለ እንተ ደኣ ጌርጋ ብፍላይ ድማ ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ኣተኩሮ ዝገበረ ዝያዳ በረከት ከም እንረክብ ዘነጽር እዩ።

 ሰንበት፥ዕረፍቲ፡ደስታ ማለት ከም ዝኾነውን፥እዛ ንዘመናት ብስቓይ እትነብር ዝነበረት ዘርኢ ኣብርሃም ዝኾነት ሰበይቲ በዚ ናይ ዕረፍትን ደስታን መዓልቲ ካብ ማእሰትቲ ሰይጣን ተፈቲሓ ዕረፍቲ ክትረክብ፡ ነጻ ክትወጽእ ኣይግባኣን ድዩ? ማለቱ እዩ። ሰንበት ኣይትኽበር ዘይምባሉ ግን ኩሉ ከስተውዕሎ ዘለዎ ነገር እዩ። ምኽንያቱ ብኸመይ መገዲ ትኸብር እምበር ባዕሉ ዘኽበራ ቅድስቲ ዕለት ስለዝኾነት።ኣይሁድ ካብዚ ሓሊፎም ብመዓልቲ ሰንበት ሸዊት ቀንጢብካ ምብላዕ  ኣይግባእን ብማለት ንሓዋርያቱ ከም ዝተቓወምዎምን ከም ዝኸሰስዎምን እውን መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ማቴ12፥1-8) ተመልከት። ኣብዚ እንተኾነውን  ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ብዛዕባ ንኣከባብራ ሰንበት ዝምልከት ኣብ ኣይሁድ ዝነበረ ግጉይ ዝኾነ ኣመለኻኽታ ብምንቃፍ እቲ ግቡእ ዝኾነ ሥርዓት ኣከባብራ ዕለተ ሰንበት ብግልጺ ምሂሩ እዩ።
       ስለዚ ብመሠረት'ዚ  ቅኑዕ ትርጉም ኣከባብራ  ዕለተ ሰንበት ኩሉ ብዝግባእ ክርድኦ ይግባእ። ሰንበት ብኣይሁድ ብሓጺሩ ከምዚ ዝርኣናዮ እዩ። ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ድማ ብመዓልቲ ሰንበት ናብ ዝተፈላለዩ መዘናግዕታትን መናፈሻታትን ምዃድን ምስታይን እዩ። እዚ እንተተሪፉ ከኣ ደቂስካ ምውዓል እዩ። ዳርጋ መብዛሕቲኡ ካብዚ ዝሓለፈ ትርጉም ኣይህቦን እንተተባህለ ምግናን ኣይከውንን። ብመሠረት ቅዱስ መጽሓፍን ብናይ እታ ቅድስቲ ሓዋርያት ጉባኤ ዝተባህለት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ትርጉም ግና ካብ ናይ ኣይሁድ ሥርዓት ኮነ ካብ ካብዚ ኣብ ዘመና ዝርአ  ሕማቕ ልምድታትን ዝተፈልየ እዩ።
    
* እሞ ብኸመይ መንገዲ ደኣ ክኽበር ይግባእ? ናብ ዝብል ብምኻድ ብዝሓጸረ መልክዑ ንርኤ።

    መጀመርታ ቀዳመቲ ሰንበትን ሰንበተ ክርስትያን ቅድስትን  ክልቲኤን ሰናብቲ ናይ ዓውደ ዕለት ዓበይቲ በዓላት ምዃነን ብግቡእ ምፍላጥን ምእማንን እዩ።
እታ ቀዳመይቲ ሰንበት እግዚአብሔር ፍጥረታቱ ፈጢሩ ብምፍጻም ካብ ኩሉ ግብሩ ዘዕረፈላ ክብርትን ቅድስትን ዕለት ሰለዝኾነ ነዚ እናሓሰብና ከነኽብራን ከነብዕላን እንከሎና፥ ነታ ካልኣይቲ ሰንበት (እሑድ ሰንበት) ድማ  ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንታና መከራ መስቀል ተቐቢሉ ኩሉ ናይ ምድኃን ተግባሩ ፈጺሙ ዘዕረፈላ፥ ትንሣኤና ዝተኣወጀላ ክብርትን ቅድስትን ዕለት ስለዝኾነ ነዚ እናሓሰብካ ትኸብር።

       ዕለተ ሰንበት እምበኣር ከምቲ ኣብ ዘመነ ኦሪት ብእስራኤላውያን ኣብዚ ኣብ ዘመነ ሓዱስ ኪዳን ብኸምኡ ዓይነት ኣገባብ ኣይትኽበርን እያ። ከመይሲ  ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ክነቕፎም ኣብ ላዕሊ ርኢና ኢና። እቶም 318 ርቱዐነ ሃይማኖት ኣቦታትና’ውን፥"ወኢትደመር ምስለ አሕዛብ በባዓላቲሆሙ፥ ወኢትትዐቀብ ዕለተ ሰንበት ከመ አይሁድ። "ኢሎም እዮም። (ሃይ.ኣበው20፥13) ምስ ኣሕዛብ ኣብ ባዓላቶም ኣይትሕበር፡ ንዕለተ ሰንበት’ውን ከም ናይ ኣይሁድ ሥርዓት ጌረ ከብዕላ እየ ኣይትበል ማለት እዩ። ብዛዕባ ሥርዓተ ኣከባብራ ናይ ዕለተ ሰንበት ኣመልኪቱ ካብ 341-381ዘሎ ዓ.ም ከም ዝተኻየደ ዝእመነሉ ጉባኤ ከም ዝሕብሮ ብፍላይ ድማ፥ ኣብ ኣንቀጽ 29 ዝተሰነደ ውሳኔ " ኢይደልዎሙ ለክርስትያን ከመ ኢያጽርዑ ተገብሮ በዕለተ ሰንበት ከመ አይሁድ። "ዝብል እዩ። (ናይ ሎዶቅያ ጉባኤ ኣንቀጽ 29)። እዚ’ውን ንክርስትያን ብዕለተ ሰንበት ከም ኣይሁድ ካብ ሥራሕ በኹርካ ምውዓል ኣይግብኦን። " ዝብል እዩ ዘሎ። ካብ ሥራሕ ኣይብኮር ማለትከ ይሥራሕ ዘስምዕዶ ኣይኮነን እንተተባህለ። " ከመ ኣይሁድ" እዩ ዝበለ። ኣይሁድ ኣብ ኣከባብራ ዕለተ ሰንበት ዝነበሮም ኣመለኻኽታ ካብ ልክዕ ዝሓለፈን ግጉይን ከምዝነበረ ድማ ኣብ ላዕሊ ተመልኪትና ኢና።

ብዕለተ ሰንበት እምበኣር  ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ከም ዝመሃረና ከም ክርስትያን ኣብ ክርስቶስ ኮይና ኣብ መንፈሳዊ ሥራሕ ኣተኩሮ ብምሃብ ሠናይ ምግባር ይግባእ።
ንሱ ከኣ÷ንዝጠመየ ምብላዕ፥ ዝጸምኤ ምስታይ፥ ንተሸገሩ ድኻታት ምርዳእ፥ ንዝዓረቑ ምኽዳን፥ ንሕዙናት ምጽንናዕ፥ ንዝተኣስሩ ምብጻሕ፡ ንዝሓመሙ እግዚአብሔር ይምሓርካ ምባል፥ ንዝሞተ ምቕባር፥ ኣጋይሽ ምቕባልን ኣብ ቤትካ ምዕራፍን……ወዘተረፈ ኣብ ሠናይ ሥራሕ ምጽማድ እዩ።
ካልእ በዚ ዕለት ኣብ ቤተ ክርስትያን ተረኺብካ ጸሎት ምብጻሕ፥ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ተኣምራትን ገድላትን ብምስማዕ ሥጋኡን ደሙን ምቕባልን የድሊ። እዚ እንተድ ጌርና ማለት ቅዱስ ሥጋን ክቡር ደምን ናይ ክርስቶስ ተቐቢልና በዚ ዕለት ተግባረ ሥጋ ከም ዘይሥራሕ ድማ ዝተፈልጠ እዩ። እዚ ኹሉ ናይ ሓዋርያት ትምህርቲ’ውን እዩ። (1ይቆሮ11፥17-26, 1ይቆሮ16፥1-2)።

   ብሓፈሻ ክርኤ እንከሎ ግን በዚ ዕለት ከም ዕለታዊ ምግብኻ ሠሪሕኻ ምብላዕ ዝመሰለ ተግባር ዝኽልክል ኣይኮነን። ከመይሲ  ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝበሎ"ሰንበት እያ ምእንቲ ሰብ ዝተሰርዐት እምበር፥ሰብ ምእንቲ ሰንበት ኣይተፈጥረን። " (ማር2፥27)።እዚ ቃል ነቲ ሕእዋርያቱ ብዕለተ ሰንበት ኣብ ማእከል ዝሩእ ግራውቲ ኣትዮም ዕለታዊ ምግቢ ዝኾኖም ሸዊት እናቖጸኡ ብምብልዖም  ብፈሪሳውያን ዝቐረበሎም ክሲ ንምንቃፍ ዝተዋህበ መልሲ እዩ። ካብዚ ቃል " ብዕለተ ሰንበት " ምግቢ ዕለት ዝኾነና ኣብሲልና ከይንበልዕ ዝኽልክል ከምዘይኮነ ምርዳእ ይክኣል።

ሊቀ መዘምራን ሞገስ ዑቕባጊዮርጊስ ነዚ ኣመልኪቶም ካብዚ ጥቕሲ ብምብጋስ ከምዚ ኢሎም ኣለው÷"ሓደ ምእመን ኣብ ቤቱ ዝቑሎ እኽሊ ስኢኑ ዝጠሓን እንተ ደኣ ሃልይዎ ጥሒኑ ክበልዕ ፥ ቅጫ ሰንኪቱ ንምብላዕ ዝኣክል ሕሩጭ ሃልይዎ ንዕኡ ዘብስለሉ ዕጸይቲ እንተ ደኣ ስኣነሥውን ንግዜኡ ማለት ንዕለቱ ዝኣክል ጥራይ ዕንጨይቲ ቀርሲሙ ኣምጺኡ ኣብሲሉ(ሰንኪቱ)እን ተበልዐ ንዕለተ ሰንበት ምስዓር ኣይኮኖን። (መርሐ ጽድቅ ባህለ ሃይማኖት ኣብ1989 ብቤት ማሕተም ማሕበረ ሐዋርያት ዝተሓትመ መጽሓፍ)።
  ካልእ÷በዚ ዕለት ብደስታ ምዃን እምበር ምሕዛን ኮነ ምስጋድ ኣይፍቀድን፥ ብጀካ እታ ክርስቶስ ኣብ ከርሲ መቓብር ንዝጸንሖ መዓልቲ እናሓሰብና እንጾማ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ጥራይ እትመጽእ ቀዳመይቲ ሰንበት፥ ብዕለተ ሰንበት ምጻም ፈጺሙ ኣይፍቀድን እዩ። እቲ ካልእ ዕለታት ብምጻም ክኸብር እንከሎ ሰንበት ግን ብዘይምጻም እያ እትኸብር። በዚ ዕለት ካብ ዋዛ ፈዛዛ ዘበለ ኹሉ ምርሓቕ፥ ክሲ ክርክር እውን ግቡእ ኣይኮነን። ቅዱስ ዳዊት "ተፈሣሕኩ እስመ ይበሉኒ ቤተ እግዚአብሔር ነሐውር " ከም ዝበሎ፥ በዚ ዕለት ከምቲ ኣብ ላዕሊ’ውን ዝተገልጸ ልብና ብደስታ ኣእጋርና ናብ ናይ ዕረፍቲ ቦታኡ ከምርሕ ፥ ኣብ ጽርሐ መቕደሱ ተረኺብካ ኣእዳውና ከነልዕል ሥርዓተ ኣምልኾና ክንፍጽም ይግባእ። ናይ ዕለተ ሰንበት ኣከባብራ ብመጠኑ ነዚ ይመስል። ብኸምዚ ንምኽባር የብቅዓና ኣሜን።

    ለ/    እስመ እግዚኣ ውእቱ ለሰንበት ወልደ እጓለ እመሕያው" ከም ዝበሎ ። (ማቴ12፥8)፥ ንዕለተ ሰንበት ዝፈጠረ ፈጢሩ’ውን 

             ንዘኽበራ ዝቐደሳን ቅዱስ እግዚአብሔር፡  ባህርየ  ቅድስናኡን ልዕልና ክብሩን እናሓሰብና፥
  
በዚ ዕለት፥ብፍሉይ፡ናይቲ መጀመርታ ንዕለተ ሰንበት ዝቐደሰን ዘኽበረን  ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ፥ናይ ኩሉ ክብሪ ወናኒ ዝኾነ ልዑለ ባሕርይ ቅዱስ እግዚአብሔር ባህሪየ ቅድስናኡን ምሕረቱን  ይንገር። እግዚአብሔር ብባህሪኡ ቅዱስ እዩ። ቅድስንኡ ካብ ማንም ኣይተቐበሎን። ናይ ኩሉ ምንጪ ቅዱስና ባዕሉ እዩ።
ቅድስና ዝተፈልየ ባህሪየ ገንዘቡ ምዃኑ ዝገልጹ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መረዳእታታት ኣለው።

ንኣብነት ቅድስት ሃና÷" ከም እግዚአብሔር ዝበለ ቅዱስ የልቦን ። "ኢላ ንኣምላኻ ኣመስጊና እያ። (1ይሳሙ2፥2)። እዛ ቅድስት ኣደ ብጀካ እግዚአብሔር ቅዱስ ዝበሃል የልቦን ዘይምባላ ከነስተውዕሎ ዝግባእ ነጥቢ እዩ። ንሳ ከም ናይ እግዚአብሔር ቅድስና ዝበለ ቅድስና ዘለዎ ካልእ የልቦን እያ እትብል ዘላ። እዚ ከኣ እግዚአብሔር ቅድስናኡ ናይ ባህሪኡ ምዃኑ ዘጉልሕ ቃል እዩ። ሰባትን መላእኽትን ቅዱሳን ተባሂሎም ከም ዝጽውዑ ዝተፈልጠ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እግዚአብሔር ክብሩ ዝገለጸሎም እምባታትን ናይ ቤተ መቕደስ ኣቕሑን ስእላትን ቅዱስ ብዝብል ቅጽል ተጸዊዖም እዮም። እንተኾነ ናይዚኣቶም ቅድስና ካብ እግዚአብሔር እምበር ካብ ርእሶም ዝኾነ ኣይኮነን።ንእግዚአብሔር ግን ባህሪየ ገንዘቡ እዩ። ስለዝኾነ ቅድስት ሃና "ከም እግዚአብሔር ዝበለ ቕዱስ የልቦን። " ዝበለቶ ምእንትዚ እዩ። ከም እግዚአብሔር ብባህሪኡ ቅዱስ ዝኾነ ማንም የለን። ባህሪየ ቅድስናኡ ክንነግርን ከነመስግን ድማ ባዕሉ  ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ምሂሩና እዩ። ንስኻትኩምሲ ከምዚ ኢልኩም ደኣ ጸልዩ÷ " ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፥ስምካ ይቀደስ መንግሥትኻ ትምጻእ፥ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፥ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን "……………ኣሜን ይብል። (ማቴ6፥9-10)። እዚ÷ከምቲ መላእኽቲ ኣብ ሰማያት ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እናበሉ ንቕዱስ ስምካ ኣመስጊኖም ናይ ቅድስናኻ ተሳተፍቲ ኮይኖም ክነብሩ ፍቓድካ ዝኾነ (ኢሳ6፥3 , ራኢ4፥8)፥ ከምኡ ንሕና’ውን ኣብዚ ምድሪ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ ኢልና ንቕዱስ ስምካ ብምምስጋን ካብ ቅድስናኻ ተሳተፍቲ ክንከውን ፍቕድካ ይኹን"እታ መንግሥትኻውን ትወሃበና ኢልኩም ጸልዩ ዝብል እዩ። ብቕድሙ ዕላማ ናይ ምፍጣርና ዝነበረውን ንቕዱስ ስሙ ወዲስና መንግሥቱ ክንወርስ እዩ።
ቕዱስ ስሙ ንምምስጋን ንኽብሩ እውን ንምቓም የብቅዓና።

ሐ/   ብባህርየ ቅድስናኡ ቅዱሳን ክንከውን ዝጸውዓና ቅዱስ እግዚአብሔር ጻውዒትናን ዕድመናን ኣኽቢርና ብቕድስና ክነብርን

        ንዕኡ ክንመስልን ከም ዝግብኣና ፈሊጥና  ብንጽህና ናብኡ ምቕራብ ከም ዘድሊ እናሓሰብና፥
       
         ናይዚ ዕለት መልእኽቲ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ከም ዘለዎ ኮይኑ፥ እቲ ናባና ዝቐንዐ መልእኽቱ ድማ ሰባት ብዛዕባ ክኾንዎን ክነብሩሉን ዝግባእ ናብራ ቅድስና ዘመልክት እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ብባህርይኡ ቅዱስ ከም ዝኾነ ንሕናውን ቅዱሳን ክንከውንን ቅዱስ ተግባር ክንሠርሕን ይደሊ።ስለዝኾነ እዩ  ከኣ ኣቐዲሙ " ኣነ እግዚአብሔር ኣምላኽኩም ቅዱስ እየ እሞ፥ንስኻትኩም ከኣ ቕዱሳን ኩኑ”። (ዘሌ19፥2)። ብምባል ቅዱሳን ክንከውንን ብንጽህና ክንግዝኦን ዝዓደመና። ድሒሩ’ውን ብቕዱስ ጴጥሮስ ኣቢሉ" ከምቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝኾነ ንስኻትኩም’ውን ብኹሉ ንብረትኩም ቅዱሳን ኩኑ። "ኢሉና እዩ። (1ይጴጥ1፥16)።
“ኣምላኽ ብርኽሰት ዘይኮነ፥ ብቕድስና ኽንነብር እዩ ጸዊዑና። ”ዝብል እውን ጽሑፍ እዩ። (1ይተሰ4፥7)። ቅድስና ሕይወት ክንውንን ዝተቐደሰ ናብራ ድማ ምእንቲ ክህልወናን ግን፥ ከም ቃሉ መጸዋዕታኻ ኣኽቢርካ ኣብ ዝተዓደምካዮ ምርካብ ናይ ነፍስ ወከፍና ግደ እዩ።

ስለዚ  በዛ “  ቅድስት ” ዕለት ብባህርይኡ ቅዱስ ንዝኾነ እግዚአብሔር ንባህሪየ ቅድስንኡን ልዕልና ክብሩን እናሓሰብና ስብሐታትን ውዳሴን ከነቕርብ፡ ንሕና’ውን " እምበኣር ኣሕዋተየ፥ ሰብነትኩም ሕያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዘብል መሥዋእቲ ጌርኩም ከተቕርቡ ብምሕረት ኣምላኽ እልምነኩም ኣለኹ፥ እዚ ማለት እቲ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሠናይን ባህ ዘብልን ፍጹምን ዝኾነ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ መርሚርኩም ክትፈልጡ፥ ኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ እምበር፥ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ። " ከም እተባህለ (ሮሜ12፥1-2)። እቲ መጀመርታ ከነቕርቦ ዘለና ህያው መሥዋእቲ ሰብነትና ካብዚ ቀጺሉ ድማ እቲ ብንጽህና ዝፍጸም ኣገልግሎትና ስለዝኾነ፥ከምቲ ንሱ ዝፈቕዶን ዝፈትዎን ቅዱስ ሕይወት ክህልወናን ብቕዱስ ኣገልግሎት ምስኡ ክንነብርን ብኹሉ ክንነቅሕ የድሊ፥ኣብ ሠናይ ዕዮ ዘበለ ኩሉ እውን ክንጽመድ ይግባእ።ኣብ ልዕሊ'ዚ ከኣ ንናይ ዕለተ ሰንበት ክብርን ቅድስና ብዝግባእ ፈሊጥናን ተረዲእናን ከምቲ ዝግባእ ከነኽብራ ኣሎና።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚኣብሔር  ከም ቃሉ ነዚ ንምፍጻም የብቅዓና ኣሜን። ጾምና ይባርኸልና። 

እግዚአብሔር ኣምላክ በረከቱን ረዴአቱን ምሕረቱን የብዝሓልና። ኣማልስነት ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለየና።

ይትባረክ አምላከ አበዊነ።

                                                                       ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

                                                                       ወለወላዲቱ ድንግል።

                                                                       ወለመስቀሉ ክቡር።

                                          ዲን.ዓምደማርያም

 

 

Comments are closed.