1/ ዘወረደ ( ሕርቃል ወይ ጾመ ንጉሥ )

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ አሜን።

1/ ዘወረደ ( ሕርቃል ወይ ጾመ ንጉሥ )

እዚ  ሰሙን እዚ  ኣብ  መጀመርታ (መእተዊ) ናይ ዓቢይ ጾም ዘሎ እዩ። ዘወረደ ከኣ ይበኃል።

ናይ ዕለቱ ናይ ቅዱስ ያሬድ መዝሙር መዝሙር።

ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሃት።

ምስባክ

ተቀነዩ ለእግዚአብሔር በፍርሃት፣ 
ወተሐሰዩ ሎቱ በረዓድ፣ 
       አጽንዕዋ ለጥበብ ከመ ኢይትመዐዕ እግዚአብሔር።   መዝ 2-11።

ወንጌል ፣ ዮሓ. 3-1ዐ-25፡      ግ.ሓዋ፣ 25-13-27    ያዕ. 4-6-17     እብ.13-7-17

ቅዳሴ፣ዘእግዚእነ።

ዘወረደ ማለት፥ ካብ ላዕሊ ዝወረደ፡ ዝመጽአ ማለት እዩ።
እዚ ከኣ ምንም እኳ እግዚአብሔር ብህልውንኡ ወይ’ውን ብባህሪኡ ኣብ ኩሉ ዘሎን ምሉእን እንተኾነ፥ ልዕልናኡ ንኸረድእ፡ ንሱ ባዕሉ’ውን ከም ዝመኃረና "ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና እናተባኅለ ዝምለኽን ዝምስገንን ጐይታ፥ኣብቲ ዳሕራይ ግዜ  ምእንቲ ድኅነት ደቂ ሰባት ሰብ ኮይኑ ምውላዱን ናብዚ ዓለም ምምጽኡን የመልክት። ከምኡ’ውን ባዕሉ መድኃኒ ዓለም ክርስቶስ "ወዲ ሰብ…ኬገልግልን ሕይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኪኅብን ደኣ እምበር ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን። " ከም ዝበለ ማቴ.20፥28። ንትሕትናኡ ዘመልክት እዩ።
     ስለዚ ዘወረደ÷ ብምሥጢር ነገረ ድኅነትና ማለት ልዑለ ባህሪይ ቅዱስ እግዚአብሔር ንዓና ከድኅን ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ ሰብ ናይ ምዃኑ ነገር እናሓሰብና እንጾሞ ሰሙን እዩ። ኣብዚ ዕለት ወይ ሳምንት ተጸኒሱ ተወሊዱ ማለት ከም ዘይኮነ ግን ክንስሕቶ የብልናን። ከመይሲ ጽንሰቱ መጋቢት 29፥ ልደቱ ድማ 29 ታኅሳስ ምዃኑ ዝተፈልጠ ስለዝኾነ።

ኮይኑ፥እሞ ብምንታይ ደኣ ንፍለዮ ንዝብል ግን፥ ሕጽር ብዝበለ እዚ ዘወረደ ዝብል ስያሜ ሒዙ ዘሎ ሳምንት ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ካብታ ብድንጋሌ ሥጋን ነፍስን ዝጸንዐት እግዝእትነ  ቅድስት ድንግል ማርያም ምውላዱ ናብዚ ዓለም ምምጻኡ እናሓሰብና እንጾሞ ሳምንት እዩ፣ ክንብል ከሎናን መእተዊ ጾም ኣርባዓ ኮይኑ ክጽወም ዝተሠርዓሉ ምኽንያትን ከምዚ ሲዒብና ንርኣዮ።
  ዘወረደ ማለት ብምሥጢር ስለ ነገረ ድኅነትና፥ እግዚአብሔር ወልድ ብዝተፈልየ ኣካሉ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ምውላዱ፡ ሰብ ምዃኑ እናሓሰብና እንጾሞ ሳምንት ምዃኑ ኣብ ላዕሊ ገሊጽና። ጽቡቕ። ንነገረ ሥጋዌ ጥንቱ ተጸንሰ እዩ። ካብ ጥንሰት ድማ ወረደ ማለት ይቕድም። ጐይታ ንድኅነት ደቂ ሰባት ናብዚ ዓለም ምስ መጸ፥ ተፈጸመ ቅድሚ ምባሉ ብዙሕ ሥራሕ ሠሪሑ እዩ። ናይ ሥርሑ መጀመርታ ዝነበረ ከኣ "ጾም" እዩ። ኣምላኽ ንዓና ከድኅን ሰብ ኰይኑ ናብዛ ዓለም ምስ መጸ 40 መዓልትን 40 ለይትን ጾመ ንብል ኣሎና ማለት እዩ። ስለዚ፥ ቅድሚ"ጾመ" ፥"ወረደ" ማለት ስለ ዝቕድም፥ ሊቃውንት ቤተ ክርስትያን በዚ ኣመሣጢሮም፥ ወረደ ተወልደ ኢሎም "ጾመ" ንምባል ነዛ ሳምንት መጀመሪ ጾም 40 ገይሮም፥ ሰብ ናይ ምዃኑ ነገር(ምሥጢር) እናዘከርና ክትጽወምን ዘወረደ ዝብል ስያሜ ክህልዋን ሰሪዖም ኣቐመጡምልና። ነዚ ከኣ ብሊቅነቱ መወዳድርቲ ዘይተረኽቦ ኣቦ ቅዱስ ያሬድ ገና ጾመ ድጋ ክጅምር ኣብ መእተዊ "ዘወረደ እምላዕሉ አይሁድ ሰቀሉ ወሚመ ኢያእመሩ እግዚአ ኩሉ ዘየሐዩ በቃል"ብማለት ኣነጺርዎ ኣሎ። "ነቲ ንኣዳም ከድኅን ካብ ልዕልና ካብ ሰማያት ዝወረደ ኣይሁድ ሰቐልዎ፥ ንሳቶም ሰማያዊ ሥልጣን፡ ጐይትነት ናይ ባህሪ ገንዘቡ ዝኾነ ናይ ፍጥረት ኩሉ ጐይታ ከም ዝኾነ ኣይፈለጡን። " ማለት እዩ።

ካልእ’ውን  መጀመርታ መእተዊ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ ? እንተበልና፣  ብዙሕ ከምዚ ሕጂ  ዘለናዮ እዋን ኣቡሻህር ወይውን ባህረ ሐሳብ ኣይንበር እምበር ሓዋርያትውን ብኸምዚ ይጾምዎ ከምዝነበሩ ። (ፍት•መንፈሳዊ ኣንቀጽ 15) ይነግረና እዩ።

      ካልእ ከኣ ናይ መጀመርያ ሳምንት ኣብ ላዕሊ ኣብ ምልክት ሓጹር ተቐሚጡ ከም እንርእዮ፣ ጾመ ንጉሥ ተባኂሉ ይንገብር እዩ። ነዚ ከኣ ርእሱ ዝኸኣለ ቅዱስ ታሪኽ ዘለዎ እዩ። ስም እቲ ንጉሥ ሕርቃል ይበሃል። ሕርቃል ኣብ 7ይ/ሚ/ክ/ዘ ናይ ቢዛንታይን ንጉኅ ኮይኑ ተሸይሙ ዝነበረ ሰብ እዩ። ታሪኹ ከኣ ሕጽር ዝበለ ከምዚ ዚስዕብ ይመስል።
 
    ኣብ 614 ዓ.ም እዩ ኪርዮስ (ከስሮኤስ) ዝተባኅለ ናይ ፋርስ ንጉስ ንኢዮሩሳሌም ወረራ እሞ፥ ኣብ ልዕሊኣ ከኣ ብዙሕ ግፍዕን ዕንወትን ፈጸመ። ንካህናታ ቀተሎም፥ ንብዙሓት ካልኦት ኣቑሲሉ ነታ ከተማ’ውን ኣቃጸላ፥ እቶም ዝተረፉ ድማ ንገሊኦም ማሪኹ ናብ ፋርስ ባቢሎን ሒዝዎም ክወርድ እንከሎ ገሊኦም ግን ሃዲሞም ናብ ፍቐዶ ባዓትታትን ጎዳጉድን ከዱ። ነገረ መስቀል ከም ዝሕብሮ መስቀል ክርስቶስ በቶም ጸላእቲ መስቀል ንዘመናት ተሠዊሩ ድሕሪ ምጽናሕ ብመገዲ ንግሥቲ እሌኒ ከም ዝተርኽበ እሞ፡ ንሳ ኣብ ኢዮሩሳሌም (ጎልጎልታ) ንዕኡ ዝኸውን ስፍራ መቕደስ ኣዳልያ ብኽብሪ ከም ዘቐመጠቶ እዩ። እዚ ስለዝኾነ ከኣ፥ እዚ ናይ ፋርስ ንጉስ ንኢዮሩሳሌም ወሪሩ ምስ ሓዛ መስቀል ጐይታ’ውን ኣብኡ ኣብ ቅዱስ መኻነ ስፍርኡ ስለዝረኸቦ፥ ምስ ካልእ ንዋያተ ቅዱሳን ዘሪፉ ወሰዶ።
  ድሕሪዚ ኹሉ፥ 14 ዓመት ጸኒሑ ማለት እዩ። ኣብ 628 ዓ.ም ስደት በቲዕዎም መከራ ጸኒዕም ኣብ ዝተፈላለየ ባዓትታትን ጎዳጉድን ፋሕ ኢሎም ዝነብሩ ዝነበሩ ምእመናን ተኣኻኺቦም ስለቲ ዝበጽሖም ሽግር ክፈርደሎም ንፈጣሪኦም ለምኑ። በቲ እዋን ናይ ቢዛንታይን ንጉሥ ኮይኑ ተሾይሙ ንዝነበረ ሕርቃልው’ን ነገርዎ። ንጉሥ ሕርቃል በቲ ዝነገርዎ፥ ነገሩ ስለዘተሓሳሰቦ፥ ፍቓዶም ክመልእ ፍቓደኛ ከም ዝኾነ፥ቅድሚኡ ግን ናይ ሓደ ሳምንት ጾም ክሕዝሉ ነገሮም። በዚ መሠረት ንሳቶም’ውን ብዓመጽን ግፍዕን ኣብ ልዕሊኦም ንዝተለዓዓሉ ጸላእቶም ክሥዕረሎም፥ ንዕኦምን ንወገኖምን ከምኡ ድማ ነቲ ትምክሕቶም ዝኾነ ናይ ጐይታ መስቀል እውን ካብ ምርኮ  ክመልስ፥ እግዚአብሔር ኃይልን ዓወትን ምእንቲ ክኅቦ ንሓደ ሳምንት ዝኣክል ጾም ሓዙ። ብዝግባእ ጸይሞም ሓደ ሳምንት ምስ ወዱኡ ከኣ፥ እንሆ ንጉሥ ሕርቃል ዘድልዮ ኣጽዋር ኩናት ዓጢቑ ኣብ ልዕሊ ንጉሥ ፋርስ ተላዕለ፥ ተዋጊኦም ከኣ ንጉሥ ሕርቃል ሠዓረ። በዚ እዋን እቶም ኣብ ምርኮን ስደትን ዝነበሩ ነጻ ወጹ ናብ ሃገሮም’ውን ተመልሱ። መስቀል ጐይታ ግን ንግዜኡ ሰኣኖ። እዚ ከኣ እቲ መጀመርታ ንጉሥ ፋርስ ንኢዮሩሳሌም ክወራ እንከሎ፥ ናይ ክርስቶስ መስቀል ኣብ ቅዱስ መካነ ስፍርኡ ከም ጸሓይ ኮይኑ ክበርህ ረኸቦ እሞ፣ ከልዕሎ እንተ በለ ከም እሳት ኮይኑ ኣቃጸሎ። ሽዑ ንኽልተ ዲያቆናት ኣሸኪሙ ምስ ካልእ ንዋያተ ቅዱሳት ናብ ሃገሩ ኣውረዶ። ኣብቲ ንሱ ዝደለዮ ምስ ኣቐመጥዎ ከኣ፥ክርስትያን፥ ዝምክሕሉ መስቐል ኣብ ዘለዎ ምእንቲ ከይፈልጡ ከይነግርዎም ብማለት ነቶም ዲያቆናት ቀቲሉ ነቲ መስቀል ሰዊርዎ ስለዝነበረ እዩ። ዕርቂ ዝተፈጸመሉ ናይ ሰላምና ምልክት፥ ሰንደቕ ዕላማና ዝኾነ ቅዱስ መስቀል ብኸምኡ ተሰዊሩ ክተርፍ ፍቓድ እግዚአብሔር ስለዘይነበረ ግን፥ነዚ ኹሉ ክገብር እንከሎ ሓንቲ ብምርኮ ዝወረደት ጓል ኣንስተይቲ ስለዝርኣያቶ መስቀል ጐይታ ዘለዎ ቦታ ትፈልጥ ነበረት። ንሳ ኣብ ዘሎዎ ሓቢራቶ ከኣ ረኺቡ ብልብሰ መንግሥቱ ሸፊኑ ብኽብሪ መለሶ። እዚ ሳምንት ብክርስትያን ንክርስትያንን (ጉዳዮምን)ተባሂሉ ዝተጾመ እካ እንተዀነ ናይቲ ታሪኽ በዓል ቤት፥ ንጉሥ ሕርቃል ስለዝኾነ ግን " ጾመ ንጉሥ " ዝብል ስያሜ ክሕዝ ክኢሉ። ብሕጽር ዝበለ ታሪኹ ነዚ ይመስል። እዚ ቅድስት ቤተ ክርስትያና እትቕበሎ ክንጾሞ ዝግብኣና ሳምንት እዩ
(ፍት.ነገስትኣንቀጽ15)ንርአ።
    በዚ ታሪኽ ድማ÷ ከም እንርእዮ
እቶም ቀደምት ክርስትያን ነዚ "ጾም" ጾይሞም ነቲ ብዓይኒ ዝርአ ግዙፍ ጸላኢ ከም ዝሰዓሩ፥ብዓላውያን ነገሥታት ካብ ዝበጽሖም ግፍዒ ከኣ ንርእሶም ኮነ ቤተ ክርስትያን ነጻ ከም ዝወጹን፥ካብ ምርኮ’ውን ከም እተመልሱ፥ ከምኡ ንሕና ድማ ነዚ ጾም ጾይምና ኃይሊ ብምርካብ ነቶም ብዓይኒ ዘይርኣዩ  ረቀቕቲ ጸላእትና ስለእንስዕርን፥ ከምኡ ከኣ ኩሉ ምእመን "ኦ ኣምላኸይ ኣነ ብኃጢኣት ዝተማረኽኩ ብኃጢኣት ምኽንያት’ውን ዝተሰደድኩ ሰብ እየ፥ ንስኻ ግን መሓሪ ይቕረ በኃሊ ኢኻ እሞ፥ ነቶም ቀደምት ክርስትያን በዚ "ጾም" ምኽንያት ካብ ዝበጽሖም ናይ ሥጋ ምርኮን ስደትን ክምለሱ ከምዝገበርካ ከምኡ ንዓይ’ውን በዚ"ጾም"ረቀቕቲ መናፍስቲ ዝኾኑ ጸላእተይ ሲዒረ ካብ ምርኮ ኃጢኣተይን ስደተይን ክምለስ ኣብ ውሽጠይ ኃይሊ መንፈሳዊ ክሓድር ግበር ፥ መንፈሳዊ  ኣጽዋርካ ኣዕጥቐኒ እናበለ ምእንቲ ክንጾሞውም ቅድስቲ ቤተ ክርስትያና ጥቕሙ ብምርዳእ በዚ መንፈሳዊ ምሥጢሩ  ካብ ሰሙናት ዓቢይ ጾም ሓደ ክኽውን ጌራ።
 

           እዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ላዕሊ ከምዝረኣናዮ ቅዱስ መስቀል ናይ ጐይታ ተማሪኽዎ ካብ ዝነበረ  ምእንቲ ክምለስ ዝተጾመ ሰሙን'ዩ ንሕና'ውን ካብ ምርኮ ኃጢኣት ብእግረ ንስሓ ተመሊስና ናብኡ ክንቀርብ የብቅዓና።                           
     ብኻልእ ከኣ ነተን ኣብ ኩለን ሰሙናት ዘለዋ ቀዳመ ሰንበት እንተደኣ ቆጺርናየን 15 መዓልታት ይኾና ነዚኣን ኣውጺእና ከኣ 40 ንረክብ ። ንምንታይ እንተበልና ኣብ ግዜ ቀዳመ ሰንበት ካብ ጥልላት መግቢ ኢና ደኣ ንኽልከን እንበር ኣንጊህና ስለ ንቆርስ እዮም ኣቦታት ከሙኡ ዝበሉ።

ካልኣይሰሙን ቅድስት

……ይቕጽል

                                    ኣምላከ ቅዱሳን እግዚኣብሔር  ስለኹሉ ይኽበር ይመስገን። ጾምና ይባርኸልና። 

እግዚአብሔር ኣምላኽ በረከቱን ረዲኤቱን ምሕረቱን የብዝሓልን። ኣማላድነት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለየን።   

ይትባረክ አምላከ አበዊነ።

                                                                       ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

                                                                       ወለወላዲቱ ድንግል።

                                                                       ወለመስቀሉ ክቡር።

                                          ዲን.ዓምደማርያም

Comments are closed.