<<ኪዳን ተካየድኩ ምስለ ኅሩያንየ።  ምስ ሕሩየይ ኪዳን ኣተኹ።>>።መዝ..(89፣3-4)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

 እንቛዕ ዓመታዊ ክብረ በዓል ኪዳነምሕረት ኣብጽሓና።

ምስባክ

እስመ ትቤ ለዓለም አሐንጽ ምሕረተ

በሰማይ ጸንዐ ጽድቅከ

ኪዳነ ተካየድኩ ምስለ ኅሩያንየ መዝ. 88-2

ገላ.4፣ 1-12። 2ይዮሓ.1፣4-8። ግ.ሓዋ.1፣13-15። ሉቃ.1-39-57።

ቅዳሴ ዘእግዝእትነ (ጎሥዓ)

ድኅነት በላዒ ሰብ ብመንጽር መጽሓፍ ቅዱስ

 ታሪኽ በላዒ ሰብ ኣብ ተኣምረ ማርያም ካብ ዝተመዝገቡ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣማላድነት ካብ ዘረድኡ (ዝነግሩ) መንፈሳዊ ጽሑፋት ሓደ እዩ። ኣብ ዓመት  ወርሒ  የካቲት 16 ወትሩ ዝንበብን ዝንገርን ዝትርጎምን እዩ። ሓደ ሓደ ሊቓውንቲ ዋላ እኳ ንበላዒ ሰብ ስምኦን ኢሎም እንተጸውዕዎ ርግጸኛ ስሙ ግና ግሁድ ኣይኮነን። እዚ ልሙድ ኣጸሓሕፋ መጽሓፍቲ እዩ። ንኣብነት ኣብ ወንጌለ ማቴዎስ 26፣17-18። ሓዋርያት ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ “ገንሸል ፋሲካ ክትበልዕ ኣበይ ከነዳልወልካ ትደልይ በልዎ። ንሱ ድማ በለ ናብ ከተማ እከለ ኪዱ እሞ ጊዜይ ቀረበት፣  ምስ ደቂ መዛሙርተይ ምሳሕ ፋሲካ ኣባኻ ኸፋስግ ይብል ኣሎ መምህር በልዎ።።” ፋሲካ ዝተዳለወሉ ቤት ዋና ቤት መጸዊዑ ስሙ ኣይተሓበረን። “እከለ” ብምባል ጥራሕ ተጠቒሱ ንረኽቦ።

    እዚ ዝኣመሰለ ኣብሃህላ ልማደ መጽሓፍቲ ካብ ብዙሕ ምኽንያታት ከም ዝመጸ ይንገር።

 ቀዳማይ ልዕሊ እቲ ፋጻሚ ሰብ ነቲ ገባሪ ተኣምራት ዝኾነ እግዚአብሔር ነቲ ዝሠርሖ ሥራሕ ክብሪ ንምሃብ እዩ::

ቀዲሙ ንዝተዘርገሐ ትምህርታዊ ጽሑፍ ነዞም ስዒቡ ዘሎ ጥብቆ (ሊንክ) ብምጥዋቕ ሙሉእ ትሕዝቶ ከተንብቡ ከምእትኽእሉ ክንሕብረኩም ንፈቱ።

https://eritreantewahdo.org/?sermons=%E1%8B%B5%E1%8A%85%E1%8A%90%E1%89%B5-%E1%89%A0%E1%88%8B%E1%8B%92-%E1%88%B0%E1%89%A5-%E1%89%A5%E1%88%98%E1%8A%95%E1%8C%BD%E1%88%AD-%E1%88%98%E1%8C%BD%E1%88%93%E1%8D%8D-%E1%89%85%E1%8B%B1%E1%88%B5-2

Comments are closed.