ጾም ከም ጸሎት

 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ጸሎት ምስ ጾም ምስ ምጽዋትን ስግደትን እንተኾይኑ እዩ ዝሰምር ። ብፍላይ ጾምን ስግደትን ኣብ ዘለዎ ጸሎት ናይ ግድን እዩ። ጾም ቁስለ ነፍሲ ትፍውስ ኃይለ ፍትወት ተድክም፣ ናይ ኩሉ ጽቡቅ ምግባራት መጀመሪት፣ ካብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ጸጋ ተውህብ፣ መጀመሪ ስራሕ ወንጌል፣ ናይ ጽሙዳን ክብሮም፣ ናይ ንጽህና መግለጺት ፣ ሰውነትና ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ትሕት ኣቢልና ብምውራድ ንትሕትና ገንዘብና ንኽንገብራ ትሕግዘና መድኃኒተ ነፍሲ ናይ ጽድቂ በሪ እያ።

 ኣብ እዋን ጾም ሰብ ንእግዚአብሔር ዘለዎ ፍቕሪ ዝገልጸሉ፣ መንፈሳዊ ተጋድሎ ዝበዝሓሉ ሰብ ምስ እግዚአብሔር ዘለዎ ቤተሰባዊ ምቅርራብ ዘዛይደሉ፣ ስለ ገዛእ ርእሱን ስለወገናቱን ሓጥያት ዝሓዝነሉን ናብ እግዚአብሔር ዝምልሰሉ ፍሉይ እዋን እዩ።

ሓደ ሓደ ሰባት ንሥጋኦም ብምፍታው ስለዘይጾሙን ዘይሰግዱን ዘይጽልዩን ነፍሶም ይጎድኡ። ኮይኑ ግን ነፍሲ እንዳደኸመት ሥጋ ብምቾት እንዳጠዓማ ክትከይድ የብላን። ንነፍስና ንምድሓን ፈቃደ ሥጋ መሥዋእቲ ብምግባር ንፈቃደ ነፍሲ ከነግዝአ ናይ ጾም ዓቢ ዕላማ እዩ። ጾም ንፈቃደ ሥጋ ገቲእካ ምሓዝን ምቁጽጽርን ዝተሠርዐ ሥርዓትን ትእዛዝን ጥራሕ ዘይኮነ ንጸሎት ኣማናዊት መሥዋእቲ እዩ። ጾም ንሥጋ ምጥማይ ዘይኮነ ንነፍሲ ምምጋብ እዩ። ወይ ድማ ሓደ ሓደ ሰባት ከምዝሓስብዎ ንሥጋ ንቀጽዓሉ ሰማእትነት ወይ መከራ ኣይኮነን። ኮይኑ ግን ጾም ሥጋ ምስ ነፍሲ ብሓባር ሓደ ኮይና ትሰርሓሉ መገዲ እዩ።

ምኽንያቱ ብጾመ ሥጋ እንተተቀጺዓ ነፍሲ ትሕትና ናታ ትገብር ንጽቡቅ ትሩፋታዊ ሥርሓትን ዘተባብዕ ሓጋዚ ከምዘድልያ ትርዳእ። እዚ ብምኻúኑ ከኣ ልመንኣ ትሕትና ብዝተመልአ << ኦ ኣምላኸይ ብሓይልኻ ነቲ ድኻመይ ደግፎ ሓግዘኒ ብናይ ገዛእ ርእሰይ ዓቅምን ክእለትን ዋላ ሓንቲ ነገር ክሰርሕ ኣይክእልን’የ ኣይትግደፈኒ። >> ብምባል ናብ እግዚአብሔር ትልምን። ሰብ ካብ ጾም ዝተላዕለ ጥሜት ተሰሚዕዎ ዝጽልዩ ጸሎት ሥሙር እዩ ዝኸውን። ስለዚ ጸሎት ምስ ጾም ከም ሥጋን ነፍስን ዝተዋህደ እዩ። ጾም ናይ ጸሎት ኣካል እዩ። ሰብ ጾም ኣብ ዝጀመረሉ እዋን በጾመ ሕልና ብጸሎት ምስ እግዚአብሔር ምዝርራብ ይጅምር። ሰብ ኣብዚሑ ብዝጾመ ቁጽሪ ኣንደበቱ ብጾም ካብ መግቢ ከምዝተኸልከለ መጠን ብትሕትና እንዳልቀሰ ይጽልይ። ብሓጥያቱ ይሓዝን። ክፋእ ሕልና ይርሕቀሉ። ሰባት ብትሕትና ኮይኖም ክጽልዩ እንተደልዮም ኣብዚሖም ይጾሙ። ኣብ ግዜ ጾምና ሥጋዊ ስሚዒትና ኩሎም ይደኽሙ። ብዛዕባ እዚ ቅዱስ ዳዊት ክዛረብ ከሎ መዝ.109-24። << ኣብራኸይ ብጾም ራዕራዕ በለ ፣ ሥጋይ ከኣ ካብ ስብሑ ዐበረ።>> ኣብ ኣዋን ጾምና ናይ ሥጋ ቀንዲ ተግባርን ዓላማን ነባቢት ነፍሲ ብትሩፋታዊ ግብሪ ለሚሊማን ዓንቢባን ክትሰርሕን ነቲ ጽቡቅ ተግባራት ክትዳሎን ናይ ሥጋ ድሌት ምግላጽ እዩ።

መድኃኒዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ስብከተ ወንጌል ቅድሚ ምጅማሩ ኣቀዲሙ ኣብ ከባቢ ኢያሪኮ ዝርከብ እምባ ከይዱ ጾይሙ እዩ። ኣብዚ'ውን ብሰለስተ መገዲ ንገዛእ ርእሱ ዝተወፈየ መሥዋእቲ ጌሩ ሂቡና እዩ።

ሀ. ብጾም መሥዋእትነት፣-

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ብእደ ዮሓንስ ድሕሪ ምጥማቁ ናይ ነቢያት ማለት ናይ በዓል ሙሴን ኤልያስን ጾም ኣብነት ፍጹም ንምግባር ወይ ንምፍጻም ናብ ገዳመ ቆሮንጦስ ብምኻድ 40 መዓልትን ለይትን ጾይሙ እዩ። ዘጻ.34-28። 1ይነገ.19-8። ማቴ.4-2። ሉቃ.4-2።  ንዝኣምንዎ ኩሉ ኣብነት ኮይኑ እዩ። ምእንታና ተፈቲኑ ንዲያብሎስ ሲዒርዎ እዩ። ስለዚ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምጻሙ ሰውነቱ ዝተወፈየ መሥዋእቲ ጌሩ ኣቅሪቡ እዩ።

ለ. ብሕይወት መሥዋእትነት፣-

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ጸሎት ሓሙስ ምስ ደቂ መዛሙርቱ ኣብ መኣዲ ተቀሚጡ ። ህብስትን ወይንን ጸልዩ፣ ባሪኹ፣ ቀዲሱ፣ ኣኽቢሩን ለዊጡን ጽባሕ ኣብ መልዕልተ መስቀል ዝስዋእ ሥጋይ እዚ እዩ። ንብዙሓት ሕድገት ሓጥያት ንድኃነት ዝፈስስ ደመይ እዩ። ኩሉኻትኩም ካብዚ ተቀበሉ ብምባል ኣብ ዕለት ዓርቢ ዝፍተት ቅዱስ ሥጋኡን ዝፈስስ ቅዱስ ደሙን ሂብዎም። እሶም'ውን መዝሙር ዳዊት 113።  ድሕሪ ምዝማሮም ኣቡነ ዘበስማያት ደጊሞም ሥጋወደሙ ተቀቢሎም። ማቴ.26፣26።  

ሐ. ብደም መሥዋእትነት፣-

 ናይ ባህርይ ኣምላኽ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብቅንዋት ተሽንኪሩ ኣብ መስቀል ተሰቂሉ ዘፍስሶ ደሙ ንነፍስና ንምድሓን እዩ። ነፍስና ንቤዛ ዓለም ዝተሰቀለ ኣምላኽና ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘፍሰሶ ደም ዝተገዝአት እያ።      

እዚ ኩሉ ንዑኡ ሓጐስ እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ እብ.12-2። << ሕፍረት ንዒቁ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዐገሰን ኣብ የማን እተቐመጠ  >> ኢሉ ከምዝተዛረቦ።

ብሓቒ ጾም ናይ ፍቕሪ መሥዋእትነት መዓልታዊ ዘየቋርጽ ናይ ዘወትር መሥዋእተ ጸሎት እዩ። ምኽንያቱ ኣብደበት ካብ ሓሜት ጽርፈት ፣ ዓይኒ ርእዩ ካብ ምምናይ ፣ ኢድ ካብ ምስራቅ ምቅታል፣ እግሪ ናብ ዝሙት ስኽራን ዕብዳን ደርፊ ዘለዎ ቦታታት ካብ ምኻድ፣ ሕሊና ካብ ቅንኣት ተንኮል ምቀኝነት ወዘተ… ዘወትር ስለዝጾሙ። ስለዚ ጾም ሓቀኛ ጸሎት እዩ ክበሃል ይከኣል። ህዋሳትና ብሙሉእ ካብ ኩሉ ኩፋእ ተግባራት ምቅጣብ  እንተዘይኪኢሎም ግና እቲ እንጽልዮ ጸሎት በረከት ዘለዎ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ካብ ማይን እኽልን ምኽልካል ንጾም ፍጹም ኣይገብርዎን እዮም።

ብሓፈሹኡ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ተቀባልነት ዘልዎ ኣምልኾ ንምቅራብ ሥጋ ምስ ነፍሲ ምትሕብባር ይግብኦ። ምኽንያቱ ናይ ሥጋ ጥዕናን ድሌትን ምስ ነፍሲ እንተዘይተመጣጢኑ ናብ  መንፈሳዊ ዝሕለትን ወድቀት ከበጽሓና ይኽእል እዩ። ኣእምሮና ብመንፈስ ክጽሊ ሥጋና ብጾም ቀጺዕና ንጸሎት ክንዳሎ ይግባኣና። ጾም ሥጋ ብነፍሲ ከምትግዛእ ምግባር እዩ። ቅዱስ ዳዊት መዝ.84-2። << ነፍሰይ ንአጸድ እግዚአብሔር ትናፍቖን ሃረር ትብሎን ኣላ፣ ነፍሰይን ሥጋይን ንህያው ኣምላኽ እልል ይብላሉ።.>> ናይ ነፍሲ ቁስሊ ሓጥያት ምስራሕ እዩ። ናይ ነፍሲ ጥዕና ንሥጋና ይተርፎ እዩ። ነፍሲ ሓያል ኮይና እንተበርቲዓ ንሰብ ብንጽህና ክትሕልዎ ትኽእል እያ። ነፍሲ ግና ሕምምቲ እንተ ዀይና ሥጋ'ውን ሕምምቲ ምዃና ኣይተርፍን እዩ። ነዚ’ዩ ከኣ አበው << ክርስቲያን ካብ ሥጋኡ ንላዕሊ ንነፍሱ ጥዕና ክጭነቅ መንፈሳዊ ሂወቱ ክሕሉ ይግባእ።>>  ዝበሉ።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር በረከቱን ረዲኤቱን የብዝሓልና። ኣማላድነት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም  ኣይፈለየና።

                                                               ወስብሓት ለእግዚአብሔር::

                                                                ወለወላዲቱ ድንግል::

                                                                ወለመስቀሉ ክቡር;:  

Comments are closed.