ጾምናን ምጽዋትናን እንታይ ይምሰል᎒

  1. ብቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ

ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊን ካልኦት ናይ ሶርያውያን ቅዱሳን ኣበው ብዛዕባ ጾም ፣ጸሎት፣ ምጽዋት ንነፍሲ ብርሃን እዮም እንዳበሉ ይገልጹልና። ዓይኒ ብድጋፍ ብርሃን ከምዝርኢ ነፍሲውን ብዘይ እዚኣቶም ድጋፍ መንፈሳዊ ዓለም ምርዳእ ኣይትኽእልን እያ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ << ናይ ሥጋ መብራህቲ ዓይኒ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ዀነት ብዘሎ ሥጋኻ ብሩኅ ይኸውን። ዓይንኻ ሕምምቲ እንተ ዀነት ግና ብዘሎ ሥጋኻ ጸልማት ይኸውን። እምብኣርሲ እዚ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ካብ ጸልመተ ጸልማቱስ ክንደይ ዓብዪ ይኸውን።>> ማቴ.6፣22። ብርሃን ዝበሎም  ነዚኣቶም እዩ። ነዚኣቶም ካብ ከንቱ ውዳሴን ሪሕቕና ብግቡእ ተጠቒምና ኣብ ግብሪ እንተ ኣውዒልናዮም መንፈሳዊ ምስትውዓልና ኣዝዩ ዝዓሞቐ ይኸውን። ኮይኑ ግና ነዚኣቶም ካብ ሰብ ክብርን ሞገስን ደሊና እንፍጽሞም እንተዀይና፣ ካብ ጥቅሙ ንላዕሊ ጉድኣቱ ኣባና ይዛይድ እሞ  መጻወቲ ጸላኢ ሠናያት ይገብረና ። ብግቡእ እንተዘይተግበርናዮም ኣብ ልዕሊ ሓጥያትና ሓጥያት ክንውስኽ ይገቡሩና እሞ መንገዲና ንስሕት። ስለዚ ኣባና ዘሎ ብርሃን (ጾም ጸሎትን ምጽዋትን ) ብኸንቱ ውዳሴን ብኻልኦት ሓጥያት ጸልማት እንተዀይኑ፣ ቀዲሙ ምስ ዝፈጸምናዮም ሓጢኣት ተደሚሮም ናብ ዝገደደ ጸልማት የውዱቑና። ስለዚ እዪ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ << ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ካብ ጸልመተ ጸልማቱስ ክንደይ ዓብዪ ይኸውን።>> ዝበለና። ድንቂ ዝኾነ ኣስተምኅሮ ከነስተውዕሎ፣ ቅዱስ ኤፍሬም ካብ ዝተርጎሞ መጽሓፉ ወንጌል ትርጓሜ ብዛዕባ ጾም እስከ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ንርአ። አምላከ ቅዱሳን በረኸትን ረደኤቱን ናይ ቅዱስ ኤፍሬም የካፍለና።

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ጾምና እንታይ ክመስል ከምዘለዎ ከምህር ከሎ << ክትጸሙ ከለኹም እቶም ግቡዛት ጽዋምት ምዃኖም ብጸብ ምእንቲ ኪረኣዩ ገጾም የጸምልዉ እዮም እሞ ከማታቶም ጽምልዋት ኣይትኹኑ ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ ብሓቒ እብለኩም ኣለኹ። ንስኻስ ክትጸውም ከሎኻ ጽዋማይ ምዃንካ በቲ ኣብ ሕቡእ ዘሎ ኣቦ ደኣ እምበር ብሰብ ምእንቲ ኸይትርኤ ርእስኻ ተለኸ ገጽካውን ተሐጸብ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ።>> ማቴ.6፣18። ናይ መጀመርታን ካልኣይን ትርጉም ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብግልጺ ኣቐሚጥዎ እዩ።

v ናይ መጀመርያ ክትጾሙ ካብ ሰብ ክብርን ምስጋናን ክንረክብ ኢና ኢልኩም ትጾሙ እንተኾንኩም ካብ ኣምላክ ዋላ ሓንቲ ዋጋ ኣይትረኽቡን ኢኹም ክብለና ከሎ እዩ።

v ካልኣይ ትርጉሙ ድማ ኣብ ቅድሚ ዘይረኣይ እግዚአብሔር ዝጾውም ሰብ እቲ ብሕቡእ ዝርእዮ ኣምላኹ ብግልጺ ዋጋኡ ክኸፍሎ እዩ። ስለዚ << እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ።>> ኢሉና።

 ከምዚ ስለዝኾነ እግዚአብሔር ነዚ ደጊ ዝኾነ ውኅበቱ ክትቕበል ብቃሉ ይዕድመካ ኣሎ። ኣእምሮኻ ብፍልጠት እግዚአብሔር ዝተቀበአ፣ ነፍስኻ ብማይ ንስሓ ተሓጺባ ካብ ኩሉ ሓጥያትካ ሪሒቓ፣ ብኹለንታኣ እንተኣንጺህካያ፣ እግዚአብሔር ንቅዱሳኑ ካብ ዘዳለዎ ዓይኒ ዘይረኣዮ እዝኒ ዘይሰምዖ በረኸት ክህበካ እዩ። ስለዚ ኣብ ልዕሊ ናይ ሰውነትካ ህዋሳት እዚኦም መምርሒ ተጠቒምካ ነፍስኻ ካብ ሓጥያት ኣወግድ። ንገዛእ ርእስኻ ናይ ቅድስና ዘይቲ ቅብኣያ፣ ከምዚ ብምግባርካ ፈታዊ ጐይታ ኩሉ ፍጥረት ኢየሱስ ክርስቶስ ትብሃል።

ኣስዒቡውን ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ << ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ዀነት ብዘሎ ሥጋኻ ብሩኅ ይኸውን። ዓይንኻ ሕምምቲ እንተ ዀነት ግና ብዘሎ ሥጋኻ ጸልማት ይኸውን።ማቴ.6፣22። ኢሉና።

ከምዚ ክብል ከሎ ንዓኻ ከም ዓይንኻ ብርሃን ዝዀኑ ጾምን ምጽዋትናን ብግቡእ እንተዘይተጠቒምካሎም ኣስተናዒቅካ ሸለል እንተኢልካዮም ፣ ብምኽንያት ሓጥያትካ ዘጥረኻዮም ስንፍናን ትህኪትን ዘይምስትውዓል ኣብ ልዕሌኻ ዕጽፊ ይኸውን ንኽብል እዩ።

ካብ ሰብ ሞጎስን ምስጋናን ደሊኻ ትጾውም እንድኅር ዀንካ፣ ገጽ ሰብ ሪኢኻ ተዳሎ እንተዀንካ ፣ ንነፍስኻ ከም ብርሃን ዓይኒ ዝዀኑ ጾምን ጸሎትን ምጽዋትን ኣብ ልዕሊኦም ዝበደልካዮ በደል ምኽንያት ምስ ናይ መጀመርያ ሓጥያትካ ተደሚሩ ቅጽዓትካ ዕጽፊ ድርብ ይገብሮ። 

ንእግዚአብሔር ፈጣሪኻ ምርሳዖን፣ ስስዐን፣ ፍረ ኸንቱ ውዳሴ ደሊና ብእንጾሞ ጾምን ፣ ብኣድልዎ እንምጽውቶ ምጽዋት፣ ቀጺሎም ኣብ ልዕሌና ዝስልጥኑ ሓጥያት እዮም። 

ጾም ምጽዋትን ክልተ ዋጋ ኣለዎም።

ካብ ሰብ ክብሪን ምስጋናን ሞጎስን ደሊኻ ትጸውም እንተኾንካ ሓጥያት ኣብ ልዕሌኻ ክትስልጥ እሞ ድንቁርናን ስንፍናን ኣሲሩ ይሕዛ ። መንፈሳዊ ጥበብ ይውኅደካ ኣየናይ እዩ ናይ ጽድቂ መገዲ ንኽትፈልጦ ኣይትኽእልን ምኽንያቱ ነፍስኻ ብትዕቢት ስለትውጠር ።

ኮይኑ ግና ኣእዳውካ ንዝተጸገሙን ዝተሸገሩን ነዳያን ዝዝርግሓ እንተዀኑ፣ ኅሊናኻ ከኣ ብስቡር ልቢ ናይ ኣምላኽ ተልዕሎ እንተዀንካ፣ ጾምካ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣምላኽ ብንጽኅና ዝቐረበ እንተዀይኑ ካብ ፈጣሪኻ እግዚአብሔር ዓስቢ ቅዱሳን በረከትን ረዴኤትን ትረክብ።

እዚ ኃይለ ቃል << … ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ ነቐዝ ኣብ ዘይንቅዞ ሰረቕቲ ኹዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ መዝገብ ግበሩ እምበር፣ ብልዒ ኣብ ዚበልዖ ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ ሰረቕቲ ኹዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንዓኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ።.>> ማቴ.6፣21። ኢሉ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዘምኃሮ ትምህርቲ ሓደ ዓይነት ተመሳሳሊ መልእኽቲ ዘለዎ እዩ።

ጾምና ምጽዋትናን ንበረከትን ጽድቅን ንኅድገት ሓጥያት ክኾነልና፣ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ መንፈሳዊ ጥበብብ ምስትውዓል ክኅበና ምእንቲ ኣብዚ ወርሒ ጾምና ንለምኖ።

ኣብ ኩሉ ድኻምና ዝድግፈና ብኹቡር ደሙ ዝዓደገና ፍቅሩ ብተግባር ዝገለጸልና ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዘልዓለም ዓለም ምስጋና ይዅኖ። ኣሜን። ኣማላድነት ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለየና።

   ጾምና ይባርኸልና።    ይትባረክ አምላከ አበዊነ።

                                                                       ወስብሐት ለእግዚአብሔር

                                                                       ወለወላዲቱ ድንግል

                                                                       ወለመስቀሉ ክቡር።

Comments are closed.