ጾመ ፍልሰታ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን ።

ጾም

ሓደ ኣቦ አበምኔት ገዳም ኣብ ሓደ እዋን ንአባ ባይሞን ዝበሃሉ ኣቦ “ ፍርኃት እግዚአብሔር ከመይ ጌረ ኣብ ሕይወተይ ከመይ ጌሩ ኩሉ ግዜ ክኅልወኒ ይኽእል።” ኢሎም ሓቲቶሞም። እሶም ክምልሱ ከለዉ “ ሰብ ከመይ ጸጽቡቕ ጥዕሙን ብልዕን መስተን ከርሱ እንዳመልአ ፈሪኃ እግዚአብሔር ክህልዎ ይኽእል᎒ ስለዚ ጾም ንእግዚአብሔር ክንፈርሖ ፣ኣብ ውሽጥና ፈርኃ እግዚአብሔር ክሓድረና ምእንቲ መገዲ ይኸፍተልና። ጾም ዕላማ ፍጻሜኡ ንሰብ ናብ ፈሪኃ እግዚ አብሔር ምምጻእ እዩ።” ኢሎም መለስሉ።

ሓደ እዋን ከኣ ሓደ ጻማዊ ብንግሁ ጥሜት ይስምዖ እሞ ክበልዕ ይደሊ። ቅድሚ ሰዓት 9 ንኸይበልዕ ምስ ኅልናኡ ይማጎት እሞ ይሓልፋ።  ፍርቒ መዓልቲ ምሰ በጽሐ ከኣ ክበልዕ ይብል እሞ መኣዲ ቀሪቡ ስጋብ ሰዓት 3 ዘይጸንሕ ብምባል ካብ ምብላዕ መግቢ ይሕረም። ድሕሪ ናይ ሰዓት 3 ጸሎት ኣብጺሑ ነፍሱ ክፈቅድ ኢሉ ምስ መጸ ሰይጣን ከም ትኪ ካብ ሰውነቱ ወጺኡ ክወጽእ ተራእይዎ ፣ ድሕሪኡ እቲ ጥሜት ጠፊኢሉ። 

እንዳጾምካ ዲኻ ፧ ነቲ ዝጠመየ ኣብልዓዮ፣ ነቲ ዝጸም ኣስትዮ ፣ ንዝሓመመኡ ብጽሓዮም፣ ንዝተኣሰሩ’ውን ብዝሓዮም ኣጸናንዖም ፣ ኣብ ውሽጢ መከራ ዘለዎ ራህርሃሎም፣ ኣብ ጭንቀት ዘልዎ ከድካ ኣጸናንዓዮም፣ ለዋህ ፣ርህሩህ፣ ሰላማዊ፣ ይቅረ በሃሊ፣ እሙን ፣  ሓላዩ ኩን። ከምዚ እንተኾንካ እግዚአብሔር ጾምካ ክቅበለልካ እዩ። ፈረ ንስሓ ከኣ ብንስሓ ክትረኽቦ ኢኻ። ጾም ንነፍሲ መግቢ እዩ።

ኣብ እዋን ጾምና ካብ ቁጥዐ ኣዚና ክንርሕቅን ከይቀርበና ክንጥንቀቅ ይግበኣና። ቁጥዓ መላእ ሰብነትካ ናብ ነድሪ አእትወና እሞ ነብስና ከይንገትእ ይገብረና ስለዚ ካብ ቁጥዓ ምርሓቅ ይግበኣና። ትሕትናን የዋህነትን ገንዘብካ ጌርካ፣ ንኽፋእ ሓሳባትን ፍቃዳትን ተቃወሞም፣ ኣብ ዕለታዊ ኮነ ሳምንታዊ እንታይ ጽቡቅን ሕማቅን ምግባራት ከምዝገብረርካ ኣእምሮኻ ፈራዲ ጌርካ ውሽጥኻ ፈትሽ ንገዛእ ርእስና  ክምመርምር  ይግበኣና ። ምስኡ ከኣ እንታይ ዓይነት ጌጋጋት ፈጺምና ከም ዝነበርካ ናብቲ ጌጋታትና ደጊምና ከይንምለስ እንታይ ዓይነት መንፈሳዊ ፍታሕ ክንትወስድ ከም ዘለካና ክንሓስብን ክንዳሎም ይግባእ ። ጾምና ብኸምዚ ነፍሰ ምርመራ ዝተሰንየ ክኸውን ኣለዎ።

መግቢ ንሰብነትካ ከም ዘህጥሮ ኩሉ ጾም ከኣ ንነፍሲ ካብ ሥጋዊ ኣተሓሳስባ ኣርሒቓ ናብ ላዕሊ ብምውሳድ ሰማያት ነገራት ክትሓስብን ክትመራመርን ፣ ካብ ምድራዊ ሓጎስ ንላዕሊ ነቲ ኣዝዩ ግሩም ድንቂ ዝኾነ ሰማያዊ ደስታ ንኽትረክብ ትግሃት ትህባ።

ኣርብዓ ሓምሳን ሓሙሽተን መዓልቲ ኣጽዋት ብምቁጻር ንኽንድዚ ዝኣክል ግዜ እካ  ሙሉእ መዓልቲ ካብ መግቢ ከይቀመስና ጾምና ኢና ኢልና ናይ ኣምላኽና እግዚአብሔር እንተኣመልከትና።  ካብ መግቢ ተኸሊኪልና ንኽንድዚ እዋን ዋላ እንተጾምካ። ንክንድዚ ዝኣክል ግዜ ናብ ኣፈይ መግቢ ኣየእተኹን ዋላ እንተበልካ። ምጻምካ ጽቡቅ እንተኾነ ኣልቦ ምግባር ኮይኑ ፈረ ዘይረኣየሉ እዩ።  ጾምካ ፍረ ዝረኣየሉ ካብ ቁጥዓ ሪሒቅካ ዕጉስ ምዃንካ ኣርእየኒ። ጨካን ዘይኻንካን ርህሩህን ለዋህን  ምኻንካ ኣርእየኒ። ቁጡዕ ኮንካ እንተጾምካ ንሥጋኻ ከንቱ ጾም ትምግባ ኣለኻ ። ንሰባት እንዳጸላእካ ፣ ብስስዐ ዝሰኸርካ ካብ መግቢ ተኸልኪልካ ማይ ጥራሕ ዋላ እንዳሰተኻ ምጻምካ እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ። ይብለና ኣምላከ ቅዱሳን ፣ ጾምና ምስ ምግባሩ ክኸውን ኣለዉ። 

“ ጾም ግሩም ዝኾነ ነግር እዩ፣ ንኃጥያትና ከም ጻሕያይ መንቂሱ ካብ ውሽጥና የውጽኦ። ሓቐኛ ናይ ጽድቂ ተኽሊ ኣብ ውሽጥና ከም ዕንባባ ክፈሪ ይገብሮ። “ ቅዱስ ባስልዮስ።

ጾም ፣ ጸሎት ፣ትግኃ ለይቲ ካልኦት ክርስትያን ዝትግብሮም መንፈሳዊ ምግባራት ክንገብሮም ዝግበኣና ኮይኖም ናይ መጨረሻ ሸቶና ናብቲ ቅኑዕ ዝኾነ ክርስትያናዊ ሕይወት  ክንበጽሖ ዝግበኣና ዘሳልዩና ዝሕግዙና ንምብጻሕ ዝሕግዙና መንፈሳዊ ዕጥቂ እዮም። ቅኑዕ ናይ መንፈሳዊ ዕቤት ዝሓዘ ክርስትያን መንፈስ ቅዱስ ኣብ ውሽጢ ሕይወቱ  ክሰርሕ ምፍቓድ እዩ። ኩሉ ሕይወቱ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቃነየ ከም ቅዱሳን ክኸውን ከሎ እዩ።  ፍረ መንፈስ ቅዱስ  ኣብ ውሽጢ ሕይወት ክፈርይ ከኣ ይረአ እዩ። ፍረ መንፈስ ቅዱስ እንተዘይብልና ግና ንመንግሥተ እግዚአብሔር ንምውራስ ባሕረ እሳት ክንሳገር  ኣይንኽእልን ኢና።  ቅዱስ ሱራፊ::

ጾመ ፍልሰታ

ፍልሰታ ዝብል ቃል ‘ፈለሰ’ ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሲ ዝወጸ ኮይኑ፤ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ምግዓዝ፡ ሃገርካ ሰፈርካ ገዲፍካ ምኻድ ምስዳድ ምፍላስ ማለት እዩ። ፍልሰታ ለማርያም ክንብል ከሎና’ውን ሥጋ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ጌቴሰማኒ ናብ ገነት ምፍላሱ፡ ዳኅራይ’ውን ካብ ትሕቲ ዕፀ ሕይወት ናይ ገነት ምፍላሱ ዘመልክት እዩ። ብሓጺሩ ካብ ምድሪ ናብ ሰማይ ምድያብ ወይ ምዕራጉ፡ ካብዚ ሥጋዊ ዓለም ናብቲ መንፈሳዊ ዓለም ምስግጋሩ፡ ካብዚ ሓላፋይ ዓለም ናብቲ ዘይሓልፍ ዓለም ምሕላፉ ዘመልክት እዩ። 

ጾመ ፍልሰታ ክንብል ከሎና’ውን ሓዋርያት ናይ ኣዴና ሥጋ ናበይ ከምዝፈለሰን ከምዝተቐብረን ስለዘይፈለጡ እግዚአብሔር ክገልጸሎም ምእንቲ ብዛዕባ ሥጋ ኣዴናን ትንሣኤኡን ዕርገቱን ዝጾምዎ ጾም እዩ።

ከመይ ንቀበሎ

እዚ ንኣትዎ ዘሎና ጾም ኸኣ ኣቦታትና ብዙኅ በረኸትን ጸጋን ዝረኸቡሉ ከም ምዃኑ ንሕናውን ከምኣቶም ክንረብሓሉ ኮይንና ከምቲ ክንጾሞ ዝግበኣናን ዝተኣዘዝናዮን ኮይንና ክንጾሞ ኣሎና። ንድኅሪት ዝጐተናን ዘትረፈናን ከምኡውን ዘሰናኽለና ሥጋዊ ሓሳባትና ንድኅሪት ገዲፍና ምሉእ ሓሳባትና ናብቲ ወሃቢ ኵሉ ጸጋ ዝኾነ እግዚአብሔር ኣእምሮና ክንእክብ፡ ብጸሎትን ሰናይ ተግባራትን ትሩፋትን ክንጽመድ ኣሎና።

ብንስሓ ነፍስና ሓጺብና፡ ካብ ክፉእ ዘበለ ማለት ካብ ቂምታ ባእስን ክርክርን ክፋእ ወዘይመስሎ ኵሉ ርሒቕና፡ እግዚአብሔር ዝሠመሮ ሰናይ ምግባረ ትሩፋት እናፈጸምና ብምሉእ ልብና ናብ እግዚአብሔር እንተደኣ ተመሊስናን ለሚንናዮን ኵሉ እቲ ዘድልየና ከምዝህበና እሙን ነገር እዩ። እዚ ጊዜ እዚ ፈቓድ ኣምላኽ ንምሥማር፡ ሥጋዊ ሓሳባትና ነውንዝፈሉ፡ ሰማያዊ ስንቂ እንእክበሉ፡ ንዝዓበየ መንፈሳዊ ጸጋ እንጽዕተሉ እዩ።

ኣብዚ እዋን መዘከርታ ትንሣኤን ዕርገትን ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም  (ጾመ ፍልሰታ) ብዙሓት ካብ ቤቶም ተፈሊዮም ብሱባኤ ተወሲኖም፣ ዓራቶም መንጸፎም ገዲፎም ኣብ መሬት ብምድቃስ፣ ጥረምረ ማይን ጥራሕ እንዳጠዓሙ ብጾምን ብጸሎት ብምትጋህ ብዓቢ ተጋድሎ ብምጻም በረኸት ይረኽቡ።

  ብኣጠቓላሊ ኣብ ሰሙነ ፍልሰታ ኣብ ቅድስቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያና ዘሎ ኩነታት ኩሉ ምእመናን ዓቢ ኮነ ንኡስ፣ ህጻን ኮነ ኣረጋዊ፣  ዘርእዮ ሃይማኖታዊን መንፈሳዊን ተግባራት ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዘሎዎ ጽኑዕን ዓሙቅን ፍቕሪ ዘረጋግጽ እዩ።

ናይ ኣቦታትና ተስፋ ዝተፈጸመላ ናይ ድኅነትና ምኽንያት ዝዀነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብረድኤታ ኣይትፈለየና። ብቓል ኪዳና ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ይሓልወና። እግዚአብሔር ናይ ኣዲኡ ፍቕሪ ኣብ ልብና ውዳሴኣ ድማ ኣብ ልሳንና የሕድረልና። አሜን ። 

ናይ ትንሣኤና ቦኽሪ ዝኾነ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ምሕረቱን በረኸቱ ይሃበና፣ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣማላድነት ኣይፈለየና። አሜን ።

   ወስብሓት ለእግዚአብሔር።

ወለወላዲቱ  ድንግል።

                                                          ወለመስቀሉ ክቡር።                                                             

Comments are closed.