ጾመ ፍልሰታ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!

እንቋዕ ናብ ጾመ ፍልሰታ  ብሰላም ኣብጸሓና።

ካብ ዕለት ሰሉስ  ነሓሰ 1-2010 ዓ.ም  (ነሓሰ 7-2018) ጀሚሩ ኣብ ክልተ ሱባኤ ኮይኑ ። ኣብ ነሓሰ 16  ዕለተ ረቡዕ 2010 ዓ.ም

( ነሓሰ 22 - 2018)ኪዳነ ምሕረት ብቅዳሴ ይዛዘም።

ብሩኽ ምጅማር ጾመ ፍልሰታ ይግበረልና።

ፍልሰታ ማለት “ፈለሰ” ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ግሲ ዝተረኽበ ኮይኑ ብናይ ሊቃውንት ትርጉም ሙማት፡ ምፍላይ፡ ምዕራግ፡ ካብ ምድሪ፡ ካብ መቓብር ምትንሣእ፡ ናብ ላዕሊ ምውጻእ ማለት እዩ። አበው ደጊሞም ነዚ ክገልጽዎን ከጉልሕዎን ከለዉ፥ ጉዳዩ ምስ ዝምልከታ ምስ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ትንሣኤን ዕርገትን ኣተሓሒዞም ብምምስጣር “ፍልሰታ” ማለት ንናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ ካብ ጌቴስማኒ ናብ ገነት ምትንሥኡ ወይውን ምልዓሉ ንምምልካት ዝንገር ቃል እዩ ይብሉ።

          ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብሕይወተ ሥጋ እንከላ ኩሉ ግዜ ብዘይ ምቁራጽ ናብ ጎልጎታ እናኸደት ኣብ መቓብር ወዳ ኮይና ጸሎት ትገብር ከም ዝነበረት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ናይ ቤተ ክርስቲያና የረድኡ። ክፍኣት ንምፍሓስ ዘይዓርፉ ኣይሁድ ሕማቕ ቅንኢ ኃዲርዎም ንዓኣ ንምቅዋም ኩሉ ግዜ ብዙሕ ይጽዕሩ ነበሩ። ረዲኤት ወዳ ስለ ዝሰወራ ግን ምንም ክሳኻዓሎም ኣይከኣለን። ከም ልማዳ ጸሎት ንምብጻሕ ክትመጽእ ከላ ርእዮም ንሓዛ ሎሚ ኢና ዝረኸብናያ ክብሉ፡ ምስ ቀረበቶም ዓይነ ሕልናኦም ይትሓዝ እሞ ምርኣይ ይስእንዋ። ከምዚ ኢላ ብጸሎት ትነብር ነበረት። ንዓለም ኩሉ ዝኸውን ናይ ምሕረት ቃል ኪዳን ካብ ፍቑር ወዳ ዝተቐበለት ኣብዚ እትጽልየሉ ዝነበረት ቦታ እንከላ እዩ።

ኣብዚ ጾመ ፍልሰታ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዕረፍታን ትንሣኤን ዕርገታን ዝሕሰበሉ እዋን እዩ። ኣብዚ እዋን ናይ ምእመናን ካብ ከባቢኦም ርሕቅ ኢሎም ኣብ ዝተፈላለየ ገዳማት ብምዃድ ወይ ድማ ኣብ ከባቢኦም ዝረከብ ቤተ ክርስቲያን ተኣኪቦም ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ንሓዋርያት ተገሊጻ ሞትን ትንሣኤን ዝገለጸትሉ ይዝክሩ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣዲኡ መንበር ጌሩ ቀዲሱ ምቁራቡን ይዝክሩ። ኣብዚ እዋን ብጾምን ጸሎትን ተወሲኖም ናይ ወዳ ለውሃት ናይ ድንግል ማርያም ኣማላድነት ይምኅጸኑ። ኩሉውን ከም ዝግበረሎም ይኣምኑ። ኣብ ናይ መወዳኣታ ሱባኤ ከኣ << ብሓቂ ተንሢኣ ።>> ኢሎም ብደስታን ሓጎስን ጾመ ፍልሰታ ይፍጽሙ።

  ታሪኹ ብጭልፋ ክንርኦ ከለና ቅዱሳን ሓዋርያት ንትንሣኤኺ ቅዱስ ቶማስ ርእዩ፣ ንሕና ንምንታይ ይተርፈና ኢሎም ባሕቲ ነሓሰ ሱባኤ ኣተዉ። ኣብ መበል 16 መዓልቲ ክልተ ሱባኤ ድሕሪ ምፍጻሞም ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዝለምንዎ ልመና ተቐቢሉ። ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም  መንበር ፣ ንቅዱስ ጴጥሮስ ንፍቀ ካህን፣ ንቅዱስ እስቲፋኖስ ገባሬ ሠናይ ዲያቆን ጌሩ ቀዲሱ ንኹሎም ድሕሪ ምቁራቡ፣ ንናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዕርገት ንምርኣይ ኣብቂዕዎም እዩ።  

ካብቲ እዋን እቲ ሓዋርያዊት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያና ሥርዓት ሰሪዓ፣ ካብተን ሸውዓተ ኣጽዋማት ከም ሓደ ጌራ፣ ዓቢ ናይ በረኸትን ምሥጢርን መግለጺ ዝኾነ ጾመ ፍልሰታ ትጸውም።

ብጽኑዕ ንዝደልይዎን ኣኺሉን ተሪፉን ዝወኃብ ጸጋን በረከትን እግዚአብሔር ንምርካብ፣ ሓዋርያት ንዝረኣይዎ ዘደንቅ ምሥጢር ትንሣኤን ዕርገትን ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንምርኣይ፣ ካብ ናይ ቅዱሳን ሓዋርያት በረከት ንምስታፍ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ << ደቂቅየ። ደቀየ። >> ይብሎም ዝነበሩ ሓዋርያት ኣብነት ብምግባር ህጻናት፣ መንእሰያት፣ ኣረጋውያን ኣቦታት ኣዴታት ምምጻእ ጾመ ፍልሰታ ብተስፋ እንንዳተጸበዩ በብዓመቱ ብጾምን ጸሎትን ምህለላን ስግደትን የሕልፍዎ።

  ኣብዚ እዋን መዘከርታ ትንሣኤን ዕርገትን ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም  (ጾመ ፍልሰታ) ብዙሓት ካብ ቤቶም ተፈሊዮም ብሱባኤ ተወሲኖም፣ ዓራቶም መንጸፎም ገዲፎም ኣብ መሬት ብምድቃስ፣ ጥረምረ ማይን ጥራሕ እንዳጠዓሙ ብጾምን ብጸሎት ብምትጋህ ብዓቢ ተጋድሎ ብምጻም በረኸት ይረኽቡ።

  ብኣጠቓላሊ ኣብ ሰሙነ ፍልሰታ ኣብ ቅድስቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያና ዘሎ ኩነታት ኩሉ ምእመናን ዓቢ ኮነ ንኡስ፣ ህጻን ኮነ ኣረጋዊ፣  ዘርእዮ ሃይማኖታዊን መንፈሳዊን ተግባራት ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዘሎዎ ጽኑዕን ዓሙቅን ፍቕሪ ዘረጋግጽ እዩ።

ናይ ኣቦታትና ተስፋ ዝተፈጸመላ ናይ ድኅነትና ምኽንያት ዝዀነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብረድኤታ ኣይትፈለየና። ብቓል ኪዳና ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ይሓልወና። እግዚአብሔር ናይ ኣዲኡ ፍቕሪ ኣብ ልብና ውዳሴኣ ድማ ኣብ ልሳንና የሕድረልና። አሜን ። 

ናይ ትንሣኤና ቦኽሪ ዝኾነ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ምሕረቱን በረኸቱ ይሃበና፣ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣማላድነት ኣይፈለየና። አሜን ።

                                                                                 ወስብሓት ለእግዚአብሔር፣

                                                                                   ወለወላዲቱ ድንግል፣

                                                                                   ወለመስቀሉ ክቡር።

 

Comments are closed.