ጾመ ሓዋርያት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!

ብሩኽ ምጅማር ጾም ይግበረልና።

ካብ ግንቦት 28 2009 ዓ.ም  (June 5, 2017)

ክሳብ ሓምለ 5 2009 ዓ.ም ( July 12, 2017)

ቅድስቲ ቤተክርስቲያና ብኣዋጅ ንኽንጸሞም ዝኣዘዘትና ኣጽማዋት ሸውዓተ እዮም። ካብዚኦም ሓደ ዝኾነ ጾመ ሓዋርያት ኣብ ዓዓመቱ ጽባሕ በዓለ ኃምሳ ሰኑይ መዓልቲ ይኣቱ። መዓልታት ጾመ ሓዋርያት ከም ዓቢይ ጾም መእተዊ  ከም ኩነታቱ ዝለዋወጡ እንተዀኑ ብሓፈሽኡ ካብ 15-49 መዓልታት ልዕል ክብልን ክወርድን ይኽእል እዩ። ጾመ ሓዋርያት ኣብ በዓለ ዕረፍቲ  ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝኽበረሉ ዕለት ሓምለ ሓሙሽተ ዝፈጸም ጾም እዩ።

 ጾመ ሓዋርያት ጥንተ ነገሩ ከመይ እዩ እንተኢልና ናይ መጥምቀ መሎኮት ቅዱስ ዮሓንስ ደቂ መዝሙርቲ ብዝሕ ግዜ ይጾሙ ኔሮም እሞ ናብ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቀሪቦም << ንሕናን ፈሪሳውያንን ብዙሕ ንጸውም ደቂ መዛሙርትኻ ግና ኣይጸሙን ኢሎም ናብኡ መጹ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በሎም ነዕሩኽ መርዓዊኸ መርዓዊ ምሳታቶም ክሳብ ዘሎ ከመይ ኢሎም ኪጉህዩ ይኾነሎም፣ መርዓዊ ካባታቶም ዝውሰደላ መዓልቲ ግና ክትመጽእ እያ ሽዑ ከኣ ይጾሙ። >>  ማቴ.9፣14። ብምባል ብዝመለሰሎም መሰረት ሓዋርያት ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ  ድሕሪ ምዕራጉ ኣብ መበል ዓሰርተ መዓልቲ ጸጋ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ምስተቐበሉ ንጽባሕታ ዝጸምዎ ዓቢ ጾም እዩ።         

ሊቅ ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቂ << ናይ ቤተክርስቲያን ናይ ልደት መዓልቲ>> ኢሉ ብዝሰየማ ዕለት በዓለ ጰራቅሊጦስ (ጴንጠቆስጤ) ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ተቀበሉ። ግ.ሓዋ.2። ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌል ከም ዝኣዘዞም ናብ ኩሉ ዓለም ተበቲኖም ንዓለም ብወንጌል ከመቕርዋ ቅድሚ ምብጋሶም ናይ መጀመርያ ሥርሖም ዝገበርዎ ምጻም ኔሩ። ማቴ.28።

ጾም ጼምና በረከተ ቅዱሳን ሓዋርያት ምእንቲ ክሓድረና ናይ እግዚአብሔር ምሕረትን ሳህልን ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣማላድነት ናይ ቅዱሳን ጻድቃን ሰማእታት ረደኤትን በረከትን ኣይፈለየና።

                                                                                  ወስብሓት ለእግዚአብሔር።

                                                                                  ወለወላዲቱ ድንግል።

                                                                                 ወለወስቀሉ ክቡር።   

 

Comments are closed.