"ጽድቅናውን ከም መርገም ጨርቂ ኮነ።" ኢሳ. 64፡6

                                                         በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ምኽንያት ስቕለትስ እንታይ ኮን ይኸውን፧

ነዚ ቃል ዝተዛረበ ካብቶም ዓበይቲ ነብያት ዝበሃሉ ነብይ ኢሳይያስ እዩ። ኢሳይያስ ማለት ‘መድኃኒት’ ማለት እዩ። “ኵላትና ብኃጢኣትና ረኸስና፤ ጽድቂውን ከም መርገም ጨርቂ ኮነ፤ብሰሪ ኃጢኣትና ኸኣ ኸምቲ ንፋስ ንየው ነጀው ዚብቍጾ ብቑእ ቈጽሊ ኾንና።“ [ኢሳ. 64፡6] ናብ ታሪኽ ምልስ ኢልና ምስ ንርኢ፤ እግዚአብሔር ኣምላኽ ኵሉ ኣዳልዩ፡ ሓደ ሰብ ጋሻ ክጽውዕ ከሎ ገዝኡ ኣጽርዩ፡ መግቢ ዝብላዕ ዝስተ ኩሉ ኣዳልዩ ከም ዝጽውዖ እግዚአብሔር ድማ ንኣዳም ክፈጥሮ ከሎ ዅሉ ኣዳልዩ ብዕለተ ዓርብ ፈጠሮ፡ በይኑ ምስ ኮነ ደጋፊት ክገብረሉ ብምባል ንሄዋን ፈጠረሉ፡ [ዘፍ. 2፡16-17] ‘ወአዘዞ እግዚአብሔር ለአዳም ወይቤሎ እምኵሉ ዕፅ ዘሃሎ ውስተ ገነት ብላዕ፡ ወእምዕፅሰ ዘያለቡ ሠናየ ወእኩየ ኢትብላዕ እምኔሁ እስመ በዕለት እንተ ትበልዑ እምኔሁ ሞተ ትመውቱ፡ ካብዛ ኦም ገነት ምስ ትበልዕ ናይ ሞት ሞት ክትመውት ኢኻ” ብምባል ኣዘዞ።
ንሸውዓተ ዓመትን ዓርብኣ መዓልትን ትእዛዛቱ ሓልዩ ብምንባር ብድኅሪኡ ዲያብሎስ ብሥጋ ከይሢ ተሰዊሩ ካብታ ዕፀ ሕይወት በልዐ፡ እታ ናይ ሞት ሞት ፍርዲ ዝተዋህበቶ ንሞት ተፈርደ ናብ ምድሪ ፋይድ ተሰደ፡ እንተኾነ ግና ሚእቲ ዓመት ንስሓ ኣትዩ ፈጣሪ ድማ ንስሓኡ ተቐቢሉ “ብኃሙሽተ መዓልትን ፈረቃን ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ ከድኅነካ እየ” በሎ መጽሓፈ ቀለመንጦስ ምዕራፍ 13 ተመልከት።

ብድኅሪኡ ብዙኃት ቅዱሳን ተላዒሎም ንኣብነት ሄኖክ፡ ኖህ፡ ኣብርሃም፡ ይስሓቅ፡ ያዕቆብ፡ ዮሴፍ፡ ሙሴ፡ እያሱ፡ እዮብ፡ ዳዊት፡ ሰሎሞን፡ አልያስ፡ ኢሳይያስ፡ ዳኒኤል፡ ኤርምያስ፡ ሚክያስ፡ ዮናስ፡ ዘካርያስ ወቦዘተርፈ ብዙኃት ቅዱሳን ተላዒሎም ብዙኅ መሥዋዕቲ ኣቕሪቦም ናይ ርግቢት፡ ናይ በጊዕ፡ ሽበን፡ ባሬቶ ብዙኅ መስዋዕቲ ኣቕረቡ እዚ ከይኣክል እኒ በዓል ነብይ ኢሳይያስ ብመጋዝ ተተርቲሮም፡ እኒ ነብይ ኤርምያስ ብዳርባ እምኒ ተጨፍጪፎም፡ እኒ ነብይ ዳኒኤል ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ተደርብዮም እንተኾነ ግና ንኣዳም ካሕሳ ክኾኖ ኣይከኣለን፤ ከመይ እንተተባህለ ዝበደለ ንዝበደለ ካሕሳ ክኸውን ኣይክእልን እዩ፡ ሰራቒ ንሰራቒ ዋሕስ ክኽኖ ስለዘይክእል ብከምዚ ምኽንያት ነብይ ኢሳይያስ ጽድቅና ከም መርገም ጨርቂ ኮነ በለ። ነዚ ክገልጽ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ሞት ግና ካብ ኣዳም ጀሚሩ ክሳዕ ሙሴ፤ ኣብቶም ከምቲ እቲ ኣዳም ትእዛዝ ብምጥሓስ ኃጢኣት ዘይገበሩውን [ጥንታውያን ብራናታት ‘ዚገበሩን ዘይገበሩን’ ይብል]፡ ነጊሡ ነበረ።” [ሮሜ5፡14] መሥዋዕቲ ሠውኡ ደም ኣፍሲሶም እንተኮነ ግና ዝመጸ ፍታሕ ኣይነበረን፤ እንታይ ይገበር፧ መላእኽቲ መጽዮም መይቶም የድኅኑና ከይንብል መላእክት ኣይኮኑን ዕፀ በለስ በሊዖም ከምኡ ከኣ መላእኽቲ ክሞቱ ኣይክእሉን እዮም ዝመውት ባህሪ ዘይብሎም ረቂቃን ፍጥረት እዮም፡ ኣብ ክንዳና እግዚአብሔር ይሙት ከይንብል እዚ ድፍረት እዩ፤ ሞት ንባህሪኡ ኣይሰማምዖን እዩ፡ ኣብ ናይ ሰብ ባህሪ ኣትዩ መን የድኅን፧ ናይ ኣዳምን ደቁን ሕይወት ድኅሪ ውድቀቱ ተበላሽዩ እዩ፡ ናብ ሞት ዓለም ንኸይድ ኣለና። ኣብዚ ጊዜ እዩ ናይ እግዚአብሔር ድንቂ ዝኾነ ጥበበኛ መልእኽቲ ዝተመኃላላፈ "እግዚአብሔር ንዓለም ካብ ምፍጣር ዝተጠቐመሉ ጥበብ፤ ንኣና ንምድኃን ዝተጣበበለ ጥበብ ኣዝዩ ይበልጽ” ይብሉ ቅዱሳን ኣቦታትና። እዚ ጥበብ ንፍርድን ንምሕረትን ምስምማዕ እዩ ነይሩ።

እቲ ፍርዲ እግዚአብሔር ንኣቦና ኣዳም ካብዛ ዕፀ በለስ ምስ ትበልዕ ናይ ሞት ሞት ክትመውት ኢኻ ዝብልን እግዚአብሔር ኣምላኽና ንዝተነስሑ ድማ ሰማዒ ርኅሩኁ ኣምላኽ ስለዝኾነ ነዘን ክልተ ነገራት ከሰማምዐን ይግባእ። ከሰማምዐን ድማ “ኣብ ቀራንዮ ኣደባባይ ካብቶም ሠለስተ ቅዱስ ሓደ ወልድ ቅዱስ ወሪዱ ከተዓርቀን ከመይ ገይሩ ኣተዓሪቅወን፧” ናይ ሎሚ ሽሕ ዓመት ከባቢ ኣቢሉ ይኸውን ሳሙኤል ዝበሃል መስፍን ነበረ፡ ሠለስተ ሽሕ ዝኣኽሉ ወተሃደራት ኂዙ ነታ ወላዲት ሃገሩ ዝኾነት ጸላኢ ወሪርዋ ነበረ'ሞ ዘመታ፤ እዚ ሳሙኤል ነቶም ዝዘመቶም ወተሃደራት ኣብ ጫካ ዱር ከለው ሓደ ትእዛዝ ኣመኃላለፈ “ሰሚዕኩም'ዶ፧! ሎሚ ነታ ሃገርና ዝወረረት ሃገር ኣጥፊእናዮም ክንመጽእ ኢና”፤ ዝተወሰኑ ወተሃደራት ክዘምቱ ክብገሱ ከለው ካብ ማእከሎም ከይፈለጥዎ ናብቶም ጸላእቲ ዘበጻጽሕ መልእኽቲ ነይሩ “ንመጽእ ኣለና እሞ ኣይትደቅሱ!” ዝብል “ካብ ፈታዊካ ሽሕ ጊዜ፡ ካብ ጸላኢካ ሓደ ጊዜ ተጠንቀቅ” እዩ ዝበሃል፡ ክጽለ ከሎ'ውን “ካብ ጸላእተይ ባዕለይ ክጥንቀቅ እየ፤ ንስኻ ደኣ ካብ ፈታውየይ ሓልወኒ።" እዩ ዝበሃል ምኽንያቱ ናይ ፈታዊ ጸላኢ ብዙኅ እዩ፤ ብፈታዊኡ ዝተነኽሰ ብዙኅ ስለዝኾነ፡ ክዘምት ምስ ኸደ ሚእቲ ሽሕ ብሓደ መዓልቲ ጠፍእዎ ሳሙኤል ብጣዕሚ ሓዘነ'ሞ ‘በሉ ሎሚ ለይቲ ኸይድና ልቓሕና ክንመልስ ኢና’ በለ፡ ሕጂ'ውን ምስ ከዱ እቶም ዝሕስው ሰባት ነጊሮሞም ስለዝጸንሑ ኃምሳ ሽሕ ሠራዊት ተወድእዎ ብጣዕሚ ሓዘነ ጐሃየ ሚእትን ኃምሳን ሽሕ ዝኣኽሉ ጥራሕ ሰባት ተረፍዎ፡ ነቶም ዝተረፍዎ ኣኼባ ገይሩ ከምዚ በሎም ‘እዚ ፍሽለት ዘጋጥም ዘሎ ካብ ማእከልና ዝሕስው መልእኽቲ ንጸላኢ ዘበጻጽሕ ኣሎ'ሞ እንተተረኺቡ ኣይንቀትሎን ኢና፤ ኣብ ኣደባባይ ኣውጺእና ንሕቁኡ ብመርዛም ሓለንጊ 300 መግረፍቲ ክንገርፎ ኢና” ኢሉ ትእዛዝ ኣመሓላለፈ፡ ሰለይቲ በብዝግብኦም ቦታ ፋሕ ኢሎም ኣብቲ ዘመን ብጣዕሚ ንፉዓት ዝነበሩ ክከታተሉ ወፈሩ፡ መን ንመን ደብዳቤ ጽሒፉ ከም ዘብጽሐ በጽሕዎ እሞ ንመስፍን ሳሙኤል ነገርዎ።

መን እዩ ናይ ብሓቂ ተረኺቡ ንገሩኒ በሎም፡ እውይ ኢሎሞ ዘሕዝን እዩ እታ ዘበጻጽሐት ሰበይቲ ስንቂ ተቐብል መሲላ ትነግር ዝነበረት ናይ ገዛእ ርእሱ ወላዲቱ ኣዲኡ ኮይና ጸኒሓ፡ የሕዝን የጒሂ ሠለስተ መዓልትን ለይትን ከይበልዐ ከይሰተየ ጸኒሑ በኽዩ ሓዚኑ ንደገ ወጽዩ በሉ “ዝተዛረብክዎ ክፍጸም እዩ ነቲ ፍርዲ ሕጂ ተግባራዊ ክኽውን እዩ፤ ነደይ ኣምጽእዋ ሕጂ ግረፍዋ” በለ፡። እቶም ዝተኣዘዙ “ነዲኡ ከምዚ ዝፈረደ ንሕና እንተንኸውን በቃ ምሰባበረና፤ ዓጽምና እኳ ኣይምተረኽበን” ኢሎም ፈርሁ። ሽዑ ኣዲኡ ኣብ ኣደባባይ ወጺኣ ክዳና ወጽዩ ተኣሲራ እቲ ገራፊ ክንድገለ እዩ ነይሩ፡ ኣብቲ ሓለንጊ በላሕቲ መሳምር ኣለዎ፤ ኣብቲ መሳምር ድማ ብትክትክ ዝብል ንዓጽሚ መርዛም ኣለዎ።

እቲ ገራፊ ሓደ ኢሉ ሓፍ ምስ ኣበለ እቲ መስፍን “ኡይ!” ኢሉ ጨደረ፡ እንታይ ኮንካ ምስ በልዎ “ነደይ ክትገርፍዋ ዲኹም፧!” በለ፤ ‘ባዕልካ'ዶ ኣይኮንካን፤ ግረፍዋ! ኢልካ ዝፈረምካ’ ምስ በልዎ ‘እወ ባዕለይ እየ ግና እኳ ኣደይ እያ!’ በለ፡ ‘እሞ እቲ ዝፈረምካዮ ግድን እዩ ክኸውን ክትግረፍ ኣለዋ’ ምስ በልዎ ‘ንሱ ድኣ ይፈልጥ እንድየ’ በሎም። ‘እሞ ድኣ!’ ምስ በልዎ ‘እዋእ ክጭድር ኣይኽእልን እየ በሎም፧!’፤ ‘ክትጭድር ትኽእል ኢኻ፡ እንተኾነ ባዕልኻ ኢኻ ፈሪምካ’ በልዎ፡ ንሱ ኸኣ ‘እወ እንተኾነ ግና ደጊም ኣደይ እኳ እያ!’ በሎም። ‘እወ ግና ባዕልካ ኢኻ ፈሪምካ!’ ምስ በልዎ ንሱ ከኣ እቲ ፍርዲ ግድን ክፍጸም ኣለዎ እንተኾነ ግና ኣደይ እያ በሎም ንሶም ከኣ እሞ እንታይ ይኹን በልዎ፡ ኣደይ እኳ እያ ከይተመሃረት ኣምሂራትኒ፡ ከይተኸድነት ኸዲናትኒ፡ ትሕቲ ሰብ ኮይና ንኣይ ኣብዚ ዘለኽዎ ሥልጣን ዘብጽሓትኒ ኣደይ እኳ እያ፡ ናተይ ጀግንነት ብድኅረይ ዄይና ዝሠርሐት ንሳ እኳ እያ፤ በጃኩም ኣይትተንክፉለይ፡ ‘እሞ'ከ፧!’ ምስ በልዎ ‘ኣይትተንክፉለይ ክብል ከለኹ ግና እቲ ዝፈረድክዎ ፍርዲ ትገረፍ ዝብል ይትረፍ ማለተይ ኣይኮነን’ በሎም። ንሶም ከኣ ‘ኸመይ ኢሉ ይኸውን፧’ በልዎ፡ ንሱ ኸኣ ‘ኣነ ኣብ ክንድኣ ኮይነ ክግረፈላ ይሓይሽ በሎም፤ እወ ክዳውንቱ ኣውጺኡ ንስኺ ኽዳንኪ ተኸደኒ ኣብ መንበረይ ኮፍ በሊ በላ፡ ነቲ ገራፊ ኸምዚ በሎ ‘ንጉሥ እዩ ኢልካ ቀስ ጌርካ ከይትገርፈኒ፤ እንተዘይኮነ ናባኻ ክቕየር እዩ!’ በሎ፡ እቲ ገራፊ ድማ ‘ሐራይ! እንጀራይ ካብ ዝስእን ደኣ ክገርፈኩም እየ’ በሎ ነቲ ንጉሥ።

ነቲ ሓለንጊ ኣልዒሉ ሓደ ክልተ እናበለ 300 መግረፍቲ ገረፎ፡ ሽዑ ሥግኡ ተወዲኡ ደሙ ፈሲሱ ተወዱኡ፡ ኣዕጽምቱ ዅሉ ክሳዕ ዝቝጸር ከም በረድ ኮነ፡ ኣብዚ ኣደባባይ ፍርድን ምሕረትን ተግባራዊ ኮይነን፡ ኣስተውዕሉ እዛ ሰበይቲ ብኣይን ብኣኹምን ትምሰል፡ እቲ ንጉሥ ወዳ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽና ይምሰል፡ እዛ ሰበይቲ ዝተፈርዳ ፍርዲ ብወዳ ተግባራዊ ኮይኑ፡ ወዳ ክግረፍ ከሎ እዛ ሰበይቲ ምሕረት ረኺባን ርእያን፡ ኣቦና ኣዳም ሞት ተፈሪድዎ ነይሩ ዳግማይ ኣዳም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብፍሉይ ኣካሉ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ሰብ ኮይኑ ካብቶም ሠለስተ ቅዱስ ሓደ ቅዱስ እግዚአብሔር ወልድ መስቀሉ ተሰኪሙሉ ናብ ቀራንዮ ጐቦ ኸይዱሉ፤ ኣእዳው ብመስማር ተታሕዘ ጐድኑ ብዂናት ተወግአ፤ ናይ ዓለም ናይ መወዳእታ ኄር ለዋህ ሰብን፤ ናይ ዓለም ክፉኣት ሰብ ጥጦስ ፈያታዊ ዘየማን ፈያታዊን ዳክርስ ዘጸጋምን ምስኡ ተሰቒሎም፡ ንሱ ሕብስቲ ባሪኹ ንሰብ ዝመገበ ክርስቶስ ክስቀል ከሎ እቲ ሕብስቲ ዝሰረቀ በርባን ነጻ ወጺኡ፡ ሰብ ካብ ዘለዎ ሂቡ ክጣቕዓሉ ከሎ ንሱ ንርእሱ ሂቡ በደለኛ ተባሂሉ፡ ንኣና ናይ ጸጋ ክዳን ኸዲኑ ንርእሱ ዕርቃኑ ወጸ፡ ብዋጋ ብደም ዓዲጉና ከምቲ እቲ ሊቅ ‘በደሙ ክቡር ቤዘወነ አኮ በወርቅ ሃላፊ ዘተሳየጠነ ዝበለ፤ ሕይወቱ ሂቡ ንኣና ደቀይ ኢሉ ኣኪቡና’።

እዚ ፍቕሪ ኣኅዋተይ ብምንታይ ይግለጽ፧ እንዳወደቀ እናተንሥአ ኣብ ማእከል ኣደባባይ በዚ ዕለት ብ27መጋቢት ኣምላኽና ተሰቒሉ፡ ንሕና ክንጸምኦ ዝግብኣና ንሱ ጸሚኤ ኢሉ ነቲ ብዕፅ ዝመጸ ኃጢኣት ብዕፅ ካሕሳ ከፊሉ፤ ኣብ ጸግዒ ኮፍ ኢሉ ኣዳም ምሕረት ረኺቡ፡ ክብሪ ንኣምላኽና ይኹን። ካብዛ ዕፀ በለስ እንተበሊዕካ ክትመውት ኢኻ ዝተባህለ ኣዳም ወልደ ዕጓለ እመሕያው ክርስቶስ መድኃኒ ዓለም ኣምላኽና ሞይትሉ፡ ቀዳማዊ ኣዳም ኣብ ጸግዒ ቈይሙ ምስ ደቂ ደቁ ምሕረት ረኺቡ፡ እቲ ፍርዲ ብዳግማዊ ኣዳም በቲ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝወሰዶ ሥጋን ደምን ኣብ ክርስቶስ ተግባራዊ ኮይኑ። ኣብ ቀራንዮ ጐቦ ፍርድን ምሕረትን ተሰማሚዖም፡ ስለዚ ኣምላኽ ሰብ ዝኾነ ነቲ ፍርድን ምሕረትን ግቡእ መልሱ ክህብ እዩ፤ ኣዳም ምስ ደቂ ደቁ ምሕረት ረኸበ፡ መድኃኒ ዓለም ድማ ነቲ ፍርዲ ኣብ ገዛእ ርእሱ ተፈጺሙ። ንኣና ኣድኂኑና በዚ ዕለት ። ክብሪ ንእግዚአብሔር ኣምላኽና መድኃኒ ዓለም ይኹን ኣሜን።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል፡ ወለወላዲቱ ማርያም ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር ወኃያል።
ኣዳላዊ ድን. ዳኒኤል ኣብርሃም
27 መጋቢት 2009 ዓመተ ምሕረት (5 ሚያዝያ 2016 ፈረንጂ)
ዲን. ማቲያስ

Comments are closed.