ደብረ ዘይት 5ይ ሳምንቲ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

መዝሙር ዘቅዱስ ያሬድ

             እንዘ ይነብር እግዚእነ ውስተ ደብረዘይት።     

ምስባክ

እግዚአብሔርሰ ገሀደ ይመጽእ

ወአምላክነሂ ኢያረምም

እሳት ይነድድ ቅድሜሁ ።

ኣምላኽና ይመጽእ ስቕ ድማ ኣይብልን

ኣብ ቅድሚኡ ዚባላዕ ሓዊ ኣሎ

ህቦብላ ንፋስውን ይኸቦ።     መዝ.49-3 (50፣3)

                       ወንጌል ማቴ.24፣1-36፣     ግ.ሓ.24፣1-22    1ተሰ.4፣13     2ጴጥ.3፣7-15።

ቅዳሴ አትናቴዎስ

ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዝርከቡ ሸሞንተ ሰናብቲ እታ ሓሙሸይትን ኣብ ፍርቂ ዓብይ ጾም እትርከብ ሰንበትን ምስኡ ዘሎ ሰሞንን ደብረ ዘይት ተባሂላ ትፍለጥ። ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ነዛ ክብርቲ ዕለት ብዝግባእ ከነኽብራን ካብ በረኸታ ሱታፌ ክህልወናን ቅዱስ ፈቓዱ ይኹነልና። 

እዛ ሰንበት እዚኣ በዚ ስም ክትስመ ዝኸኣለት ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ዝደረሶ ጾመ ድጓ ካብቲ ዋዜማ ጀሚሩ ዝዝመር መዝሙር ጐይታ ኣብ ደብረ ዘይት ምሥጢረ ምጽኣቱን፥ ነገረ ሕልፈተ ዓለም ከምዝመሃረን ንዝስዕብዎ ኵሎም ድማ ካብ ሓሰውቲ ነቢያት ክጥንቀቑ ዘዘኻኽርን ስለዝኾነ እዩ። እቲ መዛሙር’ውን ከምዚ ይብል፦ “እንዘ ይነብር እግዚእነ ውስተ ደብረ ዘይት ወይቤሎሙ ለአርዳኢሁ ዑቁኬ ኢያስሕትክሙ … እምበለስ አእምሩ አምሳሊሁ ከመ በጽሐ ጊዜሁ ለማዕረር … ሰማይ ወምድረ የኃልፍ ወቃልየሰ ኢየኃልፍ” (ጐይታናን አምላክናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ደብረ ዘይት ተቐሚጡ ከሎ ንደቀ መዛሙርቱ ከየስሕትኹም ተጠንቀቑ .. ምጽኣት ከምዝቀረበ ምሳሌኡ(ምልክቱ) ካብ በለስ ተምሃሩ … ሰማይን ምድርን ክሓልፍ እዩ ቃለይ ግና ኣይሓልፍን እዩ።) 

በዚ መሠረት ነዘን ስዒበን ዘለዋ ጥቕስታት ብምንባብ ኣብዛ ዕለት ንዝዝመር መዝሙርን መዘከርትኡን ክንርዳእ ንኽእል። ማቴ ፳፬፥፩- ፍ (24፥1-ፍ)፥ ማር ፲፫፥፩-ፍ (13፥1-ፍ) ፥ሉቃ ፲፬፥፭-ፍ (14፥5-ፍ) 

ደብረ ዘይት ብሸነኽ ምብራቕ ኢየሩሳሌም ዝርከብ ጎቦ እዩ። ብግእዛዊ ልሳን ትርጉም ስያሚኡ ድማ ኣእዋም ኣውሊዕ ዝመልኦ ጎቦ ማለት እዩ። ኣብ ብሉይ ኪዳን ይኹን ኣብ ሓዲስ ኪዳን ኣብዚ ደብርን ኣብ እግሩን እተፈጸሙ ዓበይቲ ታሪኻት ኣዝዮም ብዙኃት እዮም። ጐይታ’ውን ብቀጻሊ ኣብ ደብረ ዘይት ተረኺቡ ይምህር ድማ ነበረ። “መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ይምህር፥ ለይቲ ለይቲ ኸኣ ኣብ ደብረ ዘይቲ ዚብሀል ከረን ደዪቡ ይሐድር ነበረ።” ይብል (ሉቃ ፳፩፥፴፯/21፥37) ከምኡ’ውን ነገረ ምጽኣቱ ዝመሃረሉን ክዓርግ ከሎ’ውን ዕርገቱ ዝተፈጸመሉን ቦታ ምዃኑ ይፍለጥ። (ግብረ ሓዋ ፩፥፲፪/1-12) ጐይታ ዳግማይ ክመጽእ ከሎ’ውን ኣብኡ ምዃኑ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ይጠቕሱ እዮም። 

ጐይታ ክመጽእ ከሎ ከምቲ ቀዳማይ ምጽኣቱ ብትሕትና ኣብ መብልዕ ማል ከምዝተረኽበሉ ኵነት ዘይኮነስ፥ ብኽብሪ ብእልፍ ኣእላፍ ቅዱሳን መላእኽቱ ተዓጂቡ ብክበበ ትስብእት ብግርማ መለኮት ብምስጋና እዩ ዝመጽእ። ጐይታ ንዝጽበይዎ ኵሎም ዓስቦም ክህብ፥ ንዘይተቐበልዎን ብቃሉ ንዘይጸንዑን ድማ ፍድኦም ክቕበሉ፥ ምድራዊ ሥርዓት ክሥዕር፥ ምድርን ሰማይን’ውን ከም ብራና ጠቒሉሉ ከሕልፎም፥ ንፈተውቱ መንግሥቱ ከውርስ፥ ንሓጥኣን ሑሩ እምኔየ ኢሉ ክወቅስ፥ ንጻድቃን ድማ ንዑ ብሩካነ አቡየ ኢሉ ክውድስ፥ ብሕቡእን ብጋህድን ዝተገብረ ኵሉ ግብሪ ሰብ ክቃላዕ እዩ። ስርናይ ካብ ክርዳድ ዝፈልየሉን ዓውዱ ዘጽርየሉን እዋን እዩ። ነዛ ናይ መወዳእታን መፈጸምታን መዓልቲ ብዓቢ ናይ ንስሓን ተዳሊኹም ጽንሑ መልእኽቲ ቤተ ክርስቲያን ብኣንክሮ ተኽብራ። ኣብዚ ዕለት’ውን ብሰፊሑ ብዛዕባ ንስሓ ይስበኽ። ሎሚ ሎሚ ይተርፍ ኣሎ እምበር ምእመናን ኣብዚኣ ዕለት ብፍላይ ናብ ቤት መምህረ ንስሖኦም ብምብጻሕ ከከም ዓቕሞም ህያባት ዝውፍይሉን ዝሕግዙሉን እዩ ነይሩ። 

ኣብዚ ዕለት ንዝንበብ ወንጌል ርግእ ኢልና ብምስትውዓልን ብምስትንታንን እንተደኣ ኣንቢብናዮ፥ ብፍላይ ምስዘለናዮ ዘመንን ኵነታት ዓለምን ኣዛሚድናዮ ከኣ፥ ቃለ እግዚአብሔር ብግሁዶ ይዛረብ ከምዘሎ ብዘይ መስካሪ ክንርእዮን ሓቅነቱ ከነረጋግጽን ንኽእል ኢና። ንኵሉ ዘርዚርና ክንገልጾ ኣብዚ ዝከኣል እኳ ኣይኮነን እምበር ነፍስ ወከፍ ቃል ነናቱ ዓሚቕ ምሥጢርን መልእኽትን ዘለዎ እዩ። ገለ ብድፉኑ ንምግላጽ ግና ነዘን ዝስዕባ መጠንቀቕታ ዝሓዘላ ምልክትታት ነስተውዕለለን። 

“ሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ። ኣነ ክርስቶስ እየ እናበሉ ብዙኃት ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ ንቡዙኃትውን ኬስሕቱ እዮም።” 

“ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም። ርኣዩ ኣይትሰምብዱ እዚ ዅሉ ኪኸውን ብግዲ እዩ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ።” 

“ሕዝቢ ናብ ሕዝቢ፥ መንግሥቲ’ውን ናብ መንግሥቲ ኺለዐል እዩ።” 

“ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ። እዚ ዅሉ ግና መጀመርታ ቕልውላው እዩ።” 

“ሽዑ ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህቡኹም ኪቐትሉኹምን እዮም። ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኲሎም ኣሕዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም።” 

“ሽዑ ብዙኃት ኪዕንቀፉ፥ ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪዋሃሀቡ፥ ንሓድሕዶምውን ኪጻላልኡ እዮም።” 

“ብዙኃት ነብያት ሓሶት ኪትንሥኡ፥ ንብዙኃትውን ኬስሕቱ እዮም።” 

“ዓመጻ ስለ ዝበዝኄ ድማ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ።” 

    ጐይታናን አምላክናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እንታይ ክንገብር ከምዝግባእና’ውን ባዕሉ ክነግረና ከሎ፦ “እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድኅን እዩ።” ይብል። 

እዚ ወንጌል መንግሥቲ ኸኣ ንምስክር ኲሎም ኣሕዛብ ኣብ ኩሉ ዓለም ኪስበኽ እዩ፥ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ፥ ድኅሪ ምባሉ እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቘይሙ እንት ርኤኹም፥ እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡ 

“ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህድሙ።” 

“ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘሎ ኸኣ ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ ኣይውረድ።” 

“ኣብ ወፍሪ ዘሎ ድማ ክዳኑ ኺወስድ ንድኅሪት ኣይመለስ።” 

“በታ ቕነ እቲኣ ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይለኤን።” 

ሽዑ መከራ ኪኸውን እዩ፥ ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ፥ ከቶ ድማ ዳግማይ ዘይከውን እዩ እሞ፡ 

“እቲ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ወይ ብሰንበት ከይከውንሲ ለምኑ።” 

እተን መዓልትታት እቲኤን እንተ ዘይሐጽራስ፥ ሥጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደኃነን። ምእንቲ እቶም ኅሩያት ግና እተን መዓልትታት እቲኤን ኪሐጽራ እየን። ድኅሪ ምባሉ 

“ሽዑ ገለ እንሆ ክርስቶስ ኣብዚ ወይ ኣብቲ ኣሎ እንተ በለኩም ኣይትእመንዎ።” 

ምኽንያቱ ናይ ሓሶት መሲሃትን ናይ ሓሶት ነቢያትን ኪመጹ እዮም እሞ እንተ ተኻእሎምሲ ነቶም ሕሩያት እኳ ኼስሕቱ፥ ዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም። እንሆ ኣቐዲመ ነገርኩኹም፥ እንሆ ኣብ በረኻ ኣሎ እንተ በሉኹም ኣይትውጽኡ፥ እንሆ ኣብ ቤት ኣሎ እንተ በሉኹምውን፥ ኣይትእመኑ። 

ስለዚ ብሓፈሻ ኣብ ናይ መወዳእታ ዘመን ካብ ዝለዓሉ ሓሳውያን መምህራንን ትምህርቶምን ክንዕቀብ፥ ኣብ ጥንታዊትን ሓንሳብ ንቅዱሳን ብዝተዋህበት ቅድስት ሃይማኖት ጸኒዕናን ብሰናይ ግብሪ ኣጊጽናን ተዳሊና ክንጸንሕ፥ ብኵሉ ዝመጽእ መከራን ፈተናን ክሳብ መወዳእታ ክንዕገሥ፥ ኣብ እምባ መጸጊትና ዝኾነት ኣማናዊት ሓመር ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ነፍስና ከነማዕቍብ፥ ብጸሎት ድማ ተጊህናን ነቒሕናን ወትሩ ክንጽበዮ ከምዘሎና እዩ ዘጠንቅቐና ዘሎ። 

ጐይታ ክልተ ጊዜ ደጊሙ ንዘጠንቀቕና ነገራት ድማ ደጊምና ጽን ንበሎ። ንሱ ድማ እንተ ተኻእሎምሲ ነቶም ኅሩያት እኳ ኸስሕቱ ናይ ሓሶት መምህራን ኣብዚ ዘመን ከም ቃንጥሻ በዚሖም ከም ሮማዲ ኣስፋፊሖም ከምዝርከቡን ዝኾነ ዓበይቲ ነገራት እኳ እንተገበሩ ክንስዕቦምን ክንኣምኖምን ፈጺምና ከምዘይግባእና እዩ። መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ባዕሉ ብዘይሕሶ ቃሉ እንሆ ኣቐዲመ ነገርኩኹም ይብለና ኣሎ እሞ ተጠንቂቕና ንንበር። ናብራና፥ ናብራ ብርሃናውያን ቅዱሳን ክኸውን ኣሰሮም ንስዓብ። 

ከም ግብርና ዘይኮነስ ከም ምሕረቱ ድልዋትን ንቑሓትን ይግበረና። 

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

ወለወላዲቱ ድንግል።

ወለመስቀሉ ክቡር።

ምንጪ ጦማረ ማዕዶት

Comments are closed.