ደብረ ዘይት 3ይ ክፋል  ዝቐጸለ

«ብሰንኪ ብዝሒ ክፍኣት ከኣ ፍቕሪ ብዙሓት ክትዝሕትል እያ።» ማቴ.24፥12።

ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ሰባት ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ከም ዝወሃሃቡ፥ ሓደ ኃያል መንግሥቲ ኃይሉ ተጠቒሙ ኣብ ልዕሊ ሓደ ድኹም መንግሥቲ ብዓመጽ ከም ዝትንሥእ፥ ጥልመትን ክሕደት’ውን ከም ዝበዝሕ ድሕሪ ምግላጹ÷

«ብሰንኪ ብዝሒ ክፍኣት ከኣ ፍቕሪ ብዙሓት ክትዝሕትል እያ።»በለ። ማቴ.24፥12።

†ፍቕሪ ፍጽምቲ ሕጊ እያ።መንቅብ ዘይብላ ፍቕሪ ናይ ክርስትያንነት ምልክት እያ። ዮሓ.13፥34-35።
ናይ ኩሉ መጀመርታን መወዳእታን ከኣ ንሳ እያ። ካብተን ዓሠርተ ትእዛዛተ እግዚአብሔር ሓንቲ ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ገይርካ ኣፍቅሮ እትብል ዓባይ ሕጊ እያ። ኩሎም ሕጊ ከኣ ኣብ ፍቕሪ ተጠርኒፎም ይርከቡ። ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ጌርካ ኣፍቅሮ ማለት እቲ ንስኻ እትጸልኦን ዘይትደልዮን፥ ከምኡ ነቲ ብጻይካ ድማ ከምዘየድልዮ፥ እቲ ንዓኻ ዘድልየካን እትደልዮን ዘበለ ሠናይ ኩሉ ከኣ  ንዕኡውን ከም ዘድልዮን ከምዝደልዮን ምፍላጥ ምርዳእ እዩ። ካልእ ምስዚ ኹሉ፥ ጐይታ ብናይ ሕያዋይ ሳምራዊ ምሳሌ ገይሩ ናይ ሓቀኛ ኣፍቃሪ ብጻይ መንነት ከም ዝመሃረና፥ ፍቕሪ ብጻይነት ዝግለጽ ንዝወደቐ ብጻይካ ከተልዕሎ፥ ኣብ ሽግሩ ግዜ ክትረድኦ፥ ኣብ ሓዘኑ ሰዓት ከተጸናንዖ ብሓፈሻ ዝካኣለካ ሠናይ ዘበለ ኩሉ ክትገብረሉ ከሎኻ ማለት ብግብርን ብሓቅን ክኸውን ከሎ እዩ። 1ዮሓ. 3፥18። መንቅብ ዘይብላ ፍጽምቲ ፍቕሪ ካብዚ ብዝሓለፈ ንብጻይካ ርእስኻ ኣሕሊፍካ በጃ  ክሳዕ ምሃብ ምፍቃርን እሙን ኮይንካ ምርካብን እዩ። ብዛዕባ’ዚ «ከምቲ ኣነ ዘፍቀርክኹም ንስኻትኹምውን ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ ትእዛዘይ እዚ እዩ። ሰብ  ካብቲ ኣብ ክንዲ ኣዕርኹ ንሕይወቱ በጃ ኣኅሊፉ ዚህቦ ዚዓቢ ፍቕሪ የብሉን።»ተባሂሉ ተነጊሩ እዩ። ዮሓ.15፥12-13። በጃ ሕይወትካ ከፊልካ ሕይወት ብጻይካ ምትራፍ ማለት እዩ። ወንጌላዊ ቅዱስ ዮሓንስ እውን « ክርስቶስ ንሕይወቱ ኣብ ክንዳና ስለ ዝኅለፈ፥ ንፍቕሪ በዚ ኢና እንፈልጣ። ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣኅዋትና ሕይወትና ኸነኅልፍ ይግብኣና እዩ። »ኢሉና ኣሎ።1ይዮሓ.3፥16። ካልእ ኣብ ዓውደ ክርስትና (ኣብ ሕይወት ክርስትና) ንፍቕሪ ፍልይ ዘብላ፥ ንጸላኢኻ እኳ ምፍቃር ዝብል ብምዃኑ እዩ። እዚ ኹሉ ከኣ ጐይታ ባዕሉ ዝመሃረናን ብተግባር ዘርኣየናን እዩ። እቲ ጽሑፍ ከምዚ ይብል÷ «ግናኸ ንሕና ገና ኃጥኣን ከሎና ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ፥ ኣምላኽ እታ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ በዚ የርኢ ኣሎ።……………ጸላእቱ ከሎና፥ ምስ ኣምላኽ ብሞት ወዱ ተዓረቕና። » ሮሜ.5፥8-11። ናይ ፍቕሪ ነገር ንመረዳእታ ዝኣክል ደኣ ጠቐስና እምበር በዚ ጥራይ ዝውሰን ኣይኮነን። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ። እቲ ዘፍቅር ንኣምላኽ ይፈልጦ ምስኡ ከኣ ይነብር።"ንኣምላኽ ዝረኣዮ ሓደ እኳ የልቦን። ንሓድሕድና እንተ ተፋቐርና ኣምላኽ ኣባና ይነብር፥ ፍቕሩ’ውን ኣባና ትፍጸም። "ከም ዝበሎ። 1ዮሓ.2፥12። መሠረቱ ፍቕሪ ኣምላኽ ዘሎናን ዘይብልናን ዝምዘን በቲ ምሳና ዘሎ እንርዮ ሓውና እዩ። 1ዮሓ.4፥20-21። ፍቕሪ ክሳዕ ክንድ’ዚ ዓባይ እያ። ይኹን እምበር እዛ ፍቕሪ እዚኣ ግን ካብ ዓመጽ ደቂ ሰባት ፍልልያቶምን ዝተላዕለ ከም እትጠፍእን ከም እትዝሕትልን እዩ ዝዝረብ ዘሎ። ብዘይ ፍቕሪ ኩሉ ከንቱ  ምዃኑ ከኣ ዝተፈልጠ እዩ። 1ቆሮ.13፥1-13። ፍቕሪ እንተዘየሎ፥ ስምምዕ፥ሰላም፥ ሓቢርካ ምንባር፥ ህድኣት ብሓፈሻ ሰብኣውነት የልቦን። ጸልማትን ኣብ ጸልማት ምንባርን’ውን እዩ።1ዮሓ.2፥10-11። ኣብ ጸልማት ዘሎ ወይ’ውን ብጸልማት ዝመላለስ ናበይ ይኸይድ ከም ዘሎ ከምዘይፈልጥ ድማ ዝተፈልጠ እዩ። ምስክርነት ዘየድልዮ፥ ሎሚ ከምዚ እንርእዮን እንሰምዖን ዘሎና ዓለም ሰላም ስኢና ትህወኽ፥ ንሓድሕዳውን ትሕመስን ትናኸስን ዘላ ሰባት ፍቕሪ ቢፅን ፍቕሪ እግዚአብሔርን ፈጺሞም ካብኣቶም ስለ ዘርሓቑ እዩ። ሰላም ንምርካብን ብሰላም ንምንባርን ግና ኣማራጺ ዘይብሉ ምርጫ ሓደ ነታ "ፍቕሪ " እትብል ቋንቋ ብዝግባእ ትርጉማ ምፍላጥ እዩ። ፈሊጥካ ድማ ክሳዕ መወዳእታ ብእኣ ጸኒዕና  ምርካብን ምንባርን የድሊ። ጐይታ ነዚ ኣመልኪቱ " እቲ ክሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ንሱ ክድኅን እዩ። "ኢሉ እዩ። ማቴ.24፥13። እቲ ካብ ዓመጽ በደል ርሒቑ ብፍቕሪ ጸኒዑ ክሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ንሱ ክድኅን እዩ።" ማለቱ እዩ። ካልእ በዚ እዋን ክሕደትን ስደትን ስለ ዝበዝሕ፥"ትዕግስቲ" ጌርካ ደኣ ምጽናዕ እምበር ስደት ኮነ ክሕደት ናይ ጥፍኣት መገዲ ስለዝኾነ ከም ዘይግባ ዘርኢ ቃል እዩ። « ንነፍስኹም ከኣ ብትዕግስትኹም ከተጥርይዋ ኢኹም»ዝብል ቃል እውን ጽሑፍ እዩ። ሉቃ.21፥19። ስለዚ ኣብ ነንሓድሕድና መንቅብ ዘይብላ ፍቕሪ ኣንጊስና፥ ምክእኣልን ትዕግስትን ከነጥርየን ገንዘብና ክንገብረን ይግባእ።

"ናይ ጸሓይ ዕርበት ንኹሉ እዩ"ከም ዝበሃል ከኣ ዳግም ምጽኣቱውን ከምኡ ንኹሉ ስለዝኾነ፥ ጐይታ ኣስዒቡ፥ «ንኹሎም ኣሕዛብ ምስክርነት ምእንቲ ክኸውን (ዘመኽንይዎ ምእንቲ ክስእኑ) እዚ ወንጌል መንግሥቲ’ዚ ማለት ጐይትነቱ ገሊጻ እተረድእ ወንጌሉ (ኣቐዲሙ) ኣብ ምሉእ ዓለም (ንኹሉ) ክስበኽ እዩ፥ ኣስላም እኳ ከይተረፈ ክፈልጥዋ እዮም። ሽዑ መወዳእታ ክኸውን እዩ። »በለ ማቴ.24፥14። ምንም እኳ ሰባት ንኣምላኾም ክፈልጥሉ ዘኽእሎም ተፈጥራኣዊ ሕጊ (ሕልናኦም) እንተሃለዎም፡ ብዝበለጸ ዘመኽንይዎ ምእንቲ ክስእኑ ግን ቅዱስ ወንጌሉ ኣብ መላእ ዓለምን ንኹሉ ንዓለም ክስበኽ እዩ። ወንጌል መንግሥቱ ከይበጽሖ ዝተርፍ ሰብ የልቦን።

"እቲ ዘንብብ የስተውዕል" 

       ጐይታ ብዛዕባ ኅልቀት ዓለምን ምልክታቱን ማለት ብዋዜማ ኅልቀት ዓለም ስለ ዝኸውን ነገር ክዝርዝር ድሕሪ ምጽናሕ፥ቀጺሉ ከኣ ብዛዕባ ምምጻእ ናይቲ ሓሳዊ መሲሕ ኣመልኪቱ «እቲ ብነቢይ ዳኒኤል ዝተነግረ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት /ሓሳዊ መሲሕ/ ኣብታ ቕድስቲ ስፍራ ቖይሙ ምስ ርኣኹም፥ ማለት ንሱ እቲ ሓሳዊ መሲሕ መጺኡስ ብልቢ ሰባት ተኣሚንሉ ኣብ ቅዱስ መቕደስ ሰብነቶም ነጊሱ ክሳዕ ክምለኽ በጺሑ ምስ ርኣኹም « እቲ ዘንብብ የስተውዕል፥ እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለው ናብ እምባታት ይህደሙ። እቲ ኣብ ዝባን ናሕሲ ዝጸንሐ ኸኣ ኣብ ቤቱ ንዘሎ ኺወስድ ኢሉ ኣይውረድ።እቲ ኣብ ግራት ዝጸንሐ ድማ ኽዳኑ ክወስድ ኢሉ ንድሕሪት ኣይመለስ በለ። ማቴ.24፥15-18። እዚ ብዘመን እቲ ሓሳዊ መሲሕ ሰባት ክንገብሮን ክንኮኖን ዘሎና ዘረድእ ቃል እዩ። ምንባብ፥ ምስማዕ፥ ምርኣይ ካልእ እዩ። ምስትውዓል ከኣ ካልእ ነገር እዩ።   

    ምስትውዓ÷ምርዳእን ንነገራት ብዝግባእ ፈላሊኻ ክትፈልጥ ምኽኣልን ማለት እዩ።ብዓይንኻ እትርእዮ ዘይክትርድኦን ዘይከተስተውዕሎን ትኽእል ኢኻ። እዚ ከኣ ጐይታ ንሱ ኣምላኽ እናሃለወ፥ እግረ ደቀ መዛሙርቱ ሓጺቡ፥ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ግን መጀመርታ ንምንታይ እግሮም ይሓጽቦ ከም ዝነበረ የስተውዕልዎ ከም ዘይነበሩ ዓይነት ማለት እዩ።
ኣይተረድኦምን እምበር ብዓይኖም ግን ይርእይዎ ነይሮም እዮም። ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ኣእጋሮም ምስ ሓጸቦም ተቐመጠ እሞ፥ «እዚ ዝገበርኩልኩምሲ ኣስተውዒልኩምዎዶ ፥ (ተረዲእኩምዎዶ) ኣለኹም᎒ ኢሉ ድሕሪ ምሕታት "ንስኻትኩም መምህር! ጐይታ! ኢልኩም ትጽውዑኒ፥ ከምኡ ስለ ዝኾንኩ ኸኣ ጽቡቕ በልኩም። ኣነ ጐይታን መምህርን ከሎኹ ኣእጋርኩም ካብ ሓጸብኩ፥ ንስኻትኩም’ውን ከምኡ ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሓጽቡ ይግባኣኩም እዩ። ከምቲ ኣነ ንዓኻትኩም ዝገበርኩዎ ንስኻትኩም’ውን ከምኡ ኽትገብሩ ኣርኣያ ሂበኩም ኣለኹ። » ብምባል "ሎቱ ስብሐት" ንሱ ጐይትኦምን ኣምላኻምን ክሓጽቦም ይግብኦ ስለ ዝኾነ ዘይኮነ ትሕትና ክምህሮም፥ ንሠናይ ዘበለ ኩሉ ኣርኣያ ክኾኖም፥ ንዕኦም ኣብነት ክኸውን ኢሉ ዝገበሮ ምዃኑ። " ገለጸሎም። ዮሓ.13፥12-15። ምስትውዓል ምፍላጥ ምርዳእ ማለት ምዃኑ ሓዋርያቱ ኣቐዲሞም ንምንታይ ይገብሮ ከም ዝነበረ ዘይፈለጡ ምንባሮም ኣመልኪቱ ከኣ፣ ዝገርም ኣስዒቡ ምስ ነገሮም ማለት እዩ "እንሆ ነዚ ነገር እዚ ፈሊጥክምዎ ኣለኹም፥ እንተ ፈጸምክምዎ ብጹኣን ኢኹም።" በሎም።ምርኣይ ምርዳእ ወይውን ምፍላጥ ማለት ከምዘይኮነ ዘረድእ ነዚ ዝመስል ብዙሕ እዩ። እቲ እተንብቦውን ብዛዕባ እንታይን ንምንታይን ይዝረብ ከም ዘሎ ዘይክትፈልጦን ዘይክትርድኦን ትኽእል ኢኻ። ከምቲ መጽሓፍ ትንቢተ ኢሳይያስ ዘንብብ ዝነበረ " ስሉብ ሰመናዊ" ግን ከኣ ነቲ ዘንብቦ ዝርድኦ ዘይነበረ ዓይነት ማለት እዩ። ታሪኹ ግ.ሓዋ.8፥26-40። ዘሎ ተመልከት። ጐይታ ነቶም ብኣእዛኖም ሰሚዖም ነቲ ዝሰምዕዎ ዘየስተውዕልዎ፥ ሰሚዖም ከም ዘይሰምዑ ዝኾኑ፥
  ብዓይኖም ርእዮም ስለ ዘየስተውዓልዎ ግን ከም ዘይረኣዩ ዝኾኑ፥ ተስፋኡ፥ ትንቢቱ፥ ምሳሌኡ፥ ሱባኤኡ ኩሉ ምስኦም ዝነበረ ንዕኦም ዝተዋህበን ዝተነግረን እናሃለወ፥ እናኣበብዎ ከሎው ስለዘይተረድእዎን ዘየስተውዓልዎን ግን ከም ኣምላኽነቱ ንምቕባል ዝተሸገሩ "መማህራን ሕግን ፈሪሳውያንን "እናረኣዩ ኣይርእዩን፥ እናሰምዑ ኣየስተውዕሉን እዮም። "በእዛኖም ከይሰምዑ ኣእዛኖም ኣጽመሙ፥ በዕይንቶም ከይርእዩ ኣዕይንቶም ዓመቱ፥ ብልቦም ከየስተውዕሉ፥  ከይምለሱ፥ ኣነውን ከየሕውዮምሲ፥ ልቢ እዚ ሕዝቢ እዚ ተሪር እዩ እሞ፥ ምስማዕ ትሰምዑ ኢኹም፥ ኣይተስተውዕሉን፥ ምርኣይ ትርእዩ ኢኹም፥ ኣይተስተብህሉን ኢኹም። ዚብል ትንቢተ ኢሳይያስ ኣብኣቶም ይፍጸም ኣሎ። »ክብል ነቒፍዎም እዩ። ማቴ.13፥10-15። ስለዚ ምንባብ፥ ምርኣይ ፥ ምስማዕ፥ ምድህሳስ መንገዲ ዝህቡ ደኣ እምበር ንርእሶም ኣኸልቲ ኣይኮኑን። ቀንዲ ምስትውዓን ክትርድኦ ምኽኣልን እዩ። ስለዝኾነ እዩ እምበኣር ጐይታ ስለ ኅልቀት ዓለምን ምልክታቱን ከምኡውን ምምጻእ ናይቲ ሓሳዊ መሲሕ ነጊሩ። "እቲ ዘንብብ የስተውዕል" ዝበለና። ዝንበብ ብዙሕ እዩ። ብዕይንቲ ዝርአ ብኣእዛን ዝስማዕ፥ብቃላት ዝንበብ ኩሉ ዝንበብ እዩ። ምስትውዓል ግና ኣብ ላዕሊ ከም ዝተገልጸ ንነገራት ወይ ነቲ ዝንበብ ምርዳእን ክትፈልጦ ምኽኣልን ማለት ስለዝኾነ። ከም ቃሉ ነቲ ብኣእዛና ብምስማዕ ኮነ ብኣዕይንትና ብምርኣይ ወይ’ውን ብቃላት እነንብቦ ኩሉ ብልቢ ከነስተውዕሎ ክፈልጦን ይግባእ። ኣንቢብና ድሕሪ ምስትውዓል እንገብሮ እንታይ ምዃኑ ከኣ ምስኡ ኣተሓሒዙ፥ ኣብ ይሁዳ ዘለው (ዘለኹም) 
ናብ እምባታት ህደሙ፥ ካብ ናሕሲ ኣይትውረዱ፥ ንድኅሪት ኣይትመለሱ ዝበሎ እዩ። ማቴ.24፥16-18። ነስተውዕል ኣብዚ እምባታት ተባሂሉ ዘሎ፥ ምሳልያዊ ኣዘራርባ ደኣ እምበር ተራ እምባ ኣይኮነን። እምባ ዝተባህለ፥ ልበ ኣምላኽ ዝተሰምየ ቅዱስ ዳዊት « እግዚኣብሔር ንጥቑዓት ዑቕባ፥ ብጊዜ ጸበባ እምባ እዩ።»ከም ዝበሎ መዝ.9፥9። ረዲኤተ እግዚአብሔር እዩ። እምበኣር እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለው ናብ እምባታት ይህደሙ ማለት " እቶም ኣብ ሃይማኖት ጸኒዖም ብምግባር ደሚቖም ዘለው ሰባት በታ ናይ ጭንቂ ናይ መከራን ጸበባን ሰዓት እቲኣ ንረዲኤተ እግዚአብሔር እምባ ጸግዒ፥ ሓጹር መኸወሊ ይግበሩ ማለት እዩ። ክልእ’ውን እምባታት ዝበሎ ኣማላድነትን ረዲኤትን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፥ ብሓፈሻ ንቅዱሳን ከምኡ’ውን ንቅድስት ቤተ ክርስትያን እዩ።
   
ስለዚ "እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለው ናብ እምባታት ይህደሙ ማለት እታ እዋን እቲኣ ኣዝያ ጽንዕቲ መከራ ዝበዝሓ ጭንቂ ስለዝኾነት፥
  "እቶም ብሃይማኖት ጸኒዖም ብምግባር ደሚቖም ዘለው ሰባት ካብ ጥፍኣት ከምልጡ፥ ደብረ መቕደሱ (ናይ ቅድስንኡ እምባ) ደብረ ጽዮን (እምባ ጽዮን) ናብ ዝተባህለት፥ ንነፍስን ሥጋን፥ ንጻድቃንን ኃጥኣንን እምባ መጸግዒ ናብ ዝኾነት ድንግል ማርያም ይጸግዑ ብሓጽሩነት ኣማላድነታ ይመላለሱ ንዓኣ ከውሊ ይግበሩ።  መዝ.2፥6,መዝ.87፥5-7,ሮሜ.11፥26። ከምኡውን" ኣድባር ቅዱሳን ( ዝተቐደሱ እምባታት) ናብ ዝተባህሉ ቅዱሳን መዝ.87፥1 ይጸጋዕ፥ ንሓጽሩነት ጸሎቶምን ንዝተዋህቦም ኪዳንን ከውሊ ውሕስነት ይግበር ማለት እዩ። ምእንት’ዚ ጐይታ ውርድ ኢሉ ኣብዚ ምዕራፍ "እተን መዓልታት እቲኣተን ዘይሓጽራ እንተ ዚኾናስ ሥጋ ዝለበሰ ዘበለ ኹሉ ኣይምደኃነን ነይሩ። ግናኸ እተን መዓልታት እቲአን ምእንቲ እቶም ኅሩያት (ቅዱሳን) ኪሓጽራ እየን።» ክብል ኣነጺርዎ እዩ። ማቴ.24፥22። ኣብ እምነቱ ዝጸንዐ፥ ብምግባር ዝደመቐ ንእግዚአብሔር ኣምላኹ ረዲኤት ዝገበረ ጻድቕ ኣቦና ሎጥ ብኢደ መላእኽቲ ተሓብሒቡ፥ ናይ ረዲኤተ እግዚአብሔር፥ ናይ ቅዱሳንን ቅድስት ቤተ ክርስትያንን ምሳሌ ናብ ዝኾነ እምባ ሃዲሙ ካብ መዓት ናይ ሰዶን ጎሞራን ኣምሊጡ ነፍሱ ኣድኂኑ እዩ። ስለዚ ንሕናውን ብግዜ መከራን ሽግርን ንበይንና ስለዘይኮና፥ መልኣኹ ልኢኹ ንሎጥ ካብ መዓት ሰዶም፥ ነቦና ዳኒኤል ካብ ኣፍ ኣናብስት፥ ነቶም ሠለስተ ደቂቅ ከኣ ካብ እቶን ሓዊ ዘድኃነ ኣምላከ ቅዱሳን ምሳና ስለዝኾነ፥ ንሕና ኩሉ ግዜ ኣብ እምነት ጸኒዕና ብምግባር ደሚቕና፥ ካብቲ ዝመጸና መከራ ከነምልጥን ምእንቲ ክንድኅንን ናብ እምባታት ክንሃድም ማለት ከም ዝተባህለ ናብ ረዲኤተ እግዚአብሔር፥ ናብ ኣማላድነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፥ ናብ ናይ ቅዱሳን መላእኽት ተራዳእነት፥ ከምኡ ናብ ናይ ቅዱሳን ኪዳንን ጸሎትን ናብ ቅድስት ሥፍርኡ ናብ ቤተ ክርስትያን ክንጽጋዕ ክንሃድም ይግባእ።
ንምንታይስ ብእምባ መሰሎ እንተ በሉ ከኣ፥ እምባ ብተፈጥሮ ካብቲ ካልእ ምድሪ ልዕል ዝበለ እዩ። እግዚአብሔር ብባህሪኡ ልዑል ክቡር እዩ ቅዱሳን ከኣ ብዘለዎም ጸጋን ብዝተዋህቦም መዓርገ ቅድስናን ክቡራንን ልዑላትን እዮም። እምባ ጸግዒ ኮይኑ የዕርፈካ፥ ካብ ሥጋውያን ጸላእትኻ’ውን ይኽውለካ፥ ካብ ክፉእ ድማ ትድኅነሉ። ኣብ እግዚአብሔር ዝተወከለን ዝተማዕቆቦን ንቅዱሳን ከኣ ረዲኤቱ ዝገበረን ድማ ከምኡ እኳ ደኣ ብዝበለጸ ካብ ናይ ነፍሲ ጸላእቲ ናይ ነፍሲ ድኅነት ይረክብ። ካልእውን ናብ እምባ ህደሙ ዝበሎ፥ ንክርስትና ሕይወት፥ መንግሥተ ሰማያት ንምእታው ዝግበር ጉዕዞ እዩ። ንሱ ከኣ ናብ እምባ ክትድይብ ወይውን ክትወጾ ኣዝዩ ኣድካምን መስዋእትን ልምምድ ዝሓትትን ከም ዝኾነ፥ ከምኡ መንግሥተ ሰማያት ንምእታው ዝግበር ጉዕዞ ናይ ክርስትና ድማ ብርሃን ዓለም ጳውሎስ፥ « ናብ መንግስተ ኣምላኽ ክንኣቱ ዚግባኣና ብብዙኅ ጸበባ እዩ።»ከም ዝበሎ ግ.ሓዋ.14፥22። ፈተና ዝበዝሖ፥ ቅድመ ምድላዋትን ብዙኅ መስዋእቲ ዝሓትትን፥ መንፈሳዊ ልምምድ ከኣ ዘድልዮን እዩ። ኣቐዲምካ ልምምድ ከይገበርካ ሽዑ ቀጥታ ናብ እምባ ክወጽእ እንተ በልካ ኣሸጋሪ ከም ዝኾነ፥ ሎሚ ብጾም፥ ጸሎት፥ ስግደት ብካልእ ናይ ቅድስና ሥራሓት ንርእስና ዘየለማመድና በታ ዕለት እቲ ማለት ብዕለተ ምጽኣት ክገብሮ እየ ኢልና እንተ ፈተንና ፈጺሙ ዝከኣል ኣይኮነን። ስለዚ ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ንምእታው ካብ ሕጂ መንፈሳዊ ልምምድ ክህልወና ይግባእ። ከመይሲ እቲ ቃሉ፥ « ካብቲ መንፈስ እግዚአብሔር ዘይብሉ ዕላል ኣረገውቲ ኣንስቲ ዚመስል ተረት፥ ርሓቕ። ንርእስኻ ግና ብመንፈሳዊ ሕይወት ክትነብር ተላመድ። ምውስዋስ ኣካላት ንቑሩብ ነገር እዩ ዚጠቅም፥ መንፈሳዊ ልምምድ ግና ነዛ ሕጂ ዘላ ሕይወት እዚኣን (ንሕይወተ ሥጋ ንኣብዛ ዘለናያ ዓለምን) ነታ እትመጽእን (ንትመጽእ ሕይወት መንግሥተ ሰማያትን) ተስፋ ስለ ዘለዎ ንኹሉ እዩ ዝጠቅም። እዚ ኩሉ ሰብ ክቕበሎ ዚግባእ እሙን ቃል እዩ። በቲ ንኹሉ ሰብ ምናዳ ንኣመንቲ ዘድኅን ሕያው ኣምላኽ ተስፋ ስለ ዝገበርና ኸኣ ንጽዕርን ንጋደልን ኣሎና።» እዩ ዝብል።1ጢሞ4፥7-10።

  ጐይታ ምስዚ ኣተሓሒዙ « እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለው ናብ እምባታት ይህደሙ።እቲ ኣብ ዝባን ናሕሲ ዝጸንሐ ኸኣ ኣብ ቤቱ ንዘሎ ኺወስድ ኢሉ ኣይውረድ።እቲ ኣብ ግራት ዝጸንሐ ድማ ኽዳኑ ክወስድ ኢሉ ንድሕሪት ኣይመለስ።» ኢሉ መጠንቀቕታ ምሃቡ።ማቴ.24፥15-18።
ኣብ ዘለኻዮ እምነትን ቅድስናን ጸኒዕኻ ደው ምባል ደኣ እምበር ዝኾነ ምኽንያት ፈጢርካ ካብ ዝደየብካዮ እምባ ምውራድ ንድሕሪት ምምላስ ብሓፈሻ ናብዚን ናብትን ምባል ግቡእ ከም ዘይኮነ ዘርኢ እዩ።ምኽንያቱ በታ እዋን እቲኣ ካብ ዝነበርካዮ ወሪድካ ምጽናሕ ንድሕሪት ምምላስ ብእኡ ከትርፈካ ስለዝኽእል እዩ። ኣቐዲሙ"ዕርፊ ብኢዱ ኂዙ ንድሕሪ ዚርኢ፥ ንመንግሥቲ ኣምላኽ ኣይበቅዕን እዩ። » ዝበሎ ቃል ነዚ ዘጉልሕ እዩ። ሉቃ.9፥62። ስለዚ ናይዚ ቃል መንፈሳዊ ትርጉም እቲ ኣብ ልዕልና ነፍስ ዘሎ ሰብ፥ ፍቓደ ሥጋኡ ንፍቓደ ነፍሱ ኣግዚኡ ብመንፈሳዊ ሕይወት ደኣ ይጽናዕ እምበር ዝቐደመ መንፈሳዊ ተግባሩ ሓዲጉ ምድራዊ ሥራሕ ክሠርሕ ካብ ክብሩ ኣይውረድ፥ ሰብነቱ ብኃጢኣት ኣየዋርድ ማለት ስለ ዝኾነ ከም ቃሉ ንቕድስና ክንጋደል ብቕድስና ጸኒዕና ኸኣ ክንርከብ ይግባእ። ነዚ ናይ መጠንቀቕታ ቃል እዚ"በተን መዓልታት እቲአን ንጥኑሳትን ንመጥበውቲ ሕፃናትን ወይለአን! ህድማኹም ብኽረምቲ ወይ ከኣ ብዕለተ ሰንበት ምእንቲ ከይከውን ጸልዩ። ከመይ ሽዑ ኻብ መጀመርታ ዓለም ኂዙ ክሳዕ ሎሚ ዘይኮነ፥ ድኅሪ ሕጂውን ከቶ ዘይከውን ብርቱዕ መከራ ኺወርድ እዩ" ክብል ዝያዳ ኣጽኒዕዎ ኣሎ። ማቴ.24፥19-21። በተን መዓልታት እቲአን "ብሕልና ጠኒሶም፥ ብቓል ወሊዶም፥ ንኃጢኣት ብተግባር ንዘዕብዩ ሰባት፥ መከራ ነፍሲ ክረኽቦም እዩ እሞ ወይልኦም "ማለቱ እዩ። ያዕ.1፥15። ኣብ ግዜ መከራ ጠኒካ ምውላድ፥ ወሊድካ ምዕባይ ኣዝዩ ስለ ዝኸብድ፥ ኣብ ልዕሊዚ ሃዲምካ ንምምላጥውን  ከም ዘይጥዕም፥ ኣብ ዕለተ ምጽኣት ናይ ክርስቶስ’ውን ከምኡ ነቶም" ብሕልና ጠኒሶም፥ ብቓል ወሊዶም፥ ንኃጢኣት ብተግባር ዘዕብዩ ሰባት ከቢድ እዩ። ምግባረ ሠናይ ክንሠርሕ እንተ በሉ እኳ በታ እዋን ዝከኣል ኣይኮነን። ህድማኹም ብክረምቲ ወይ ብዕለተ ሰንበት ከይከውን ጸልዩ ዝበሎ ከአ " ክረምቲ ታሕታዩ ማይ ላዕላዩ ማይ ወርሓት ዝናብ ስለዝኾነ ንምህዳም ምቹእ ኣይኮነን፥ ኣብ ልዕሊ’ዚ ብግዜ ክረምቲ ቆጽሊ እምበር ፍረ የልቦን፥ ዕለተ ሰንበት ከኣ ክቡር በዓል ስለ ዝኾነ መንገዲ ዝሕብር ኣይርከብን ፥ከምኡ’ውን ዕለተ ሰንበት ዝሥርሓ ኣይኮነት ዕረፍቲ እያ። በዚ ኩሉ ከኣ ንስኻትኩም’ውን ፍረ ጽድቂ ከየፍረኹም ብቖጽሊ ዝምሰል እምነት ጥራይ ሒዝኩም ከለኹም ሞት ወይ’ውን ዕለተ ምጽኣት ከየርክበኩም ጸልዩ ክብለና እዩ። ክርስቶስ ከምዚ እታ ናይ መከራ ሰዓት ንሥጋ ለበስ ዘበለ ክሳዕ ምጽናት እትፈታተን እዋን ምዃና እኳ እንተነገረና፥ በዚ ቀቢጸ ተስፋ ኮይና ከይንተርፍ ፥ካብ እምነትና’ውን ዘበል ከይንብል፥ እኳ ደኣ፥ ልበ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት «ኣዝየ ተጨነቕኩ፥ ኣብ ዝበልኩሉ እዋን’ውን እንተ ኾነ እምነተይ ኣይጠለምኩን።» ከም ዝበሎ ብጽንዓት ምእንቲ ክንርከብ ድማ" እተን መዓልታት እቲአን ምእንቲ እቶም ኅሩያት (ቅዱሳን) ኪሓጽራ እየን።» ኢሉና እዩ። ብዙሓት ናይ ቅዱሳን ረዲኤትን ብእኦም መንገዲ ንእንረኽቦ ጸጋ በረኸትን ከነኣእሱን ክቃወሙን ንሰምዕ ኢና፥ ኮይኑ ግን ንዘስተውዕል፥ ብቕኑዕ መንፈስ’ውን ንዝሓስብ፥ ቅዱሳን ኣብ ምድኃን ደቂ ሰባት ዘለዎም ተራ (ግደ) ክሳዕ ክንደይ ዓብዪ ምዃኑ ልዕሊ፣ዚ ዝኾነ መረዳእታ የልቦን። ኣብዘን ሰዓታት እቲ ሓሳዊ መሲሕ ዝግለጸሉ እዋን ስለዝኾነ ንሱ ኣቐዲሙ ጐይታ ከም ዝበለና ብሓሶት" ኣነ ክርስቶስ እየ "ኢሉ ክዛረብ እንከሎ፥ እቶም ሰዓብቱ ድማ ናቱ ሓዋርያት ብምምሳል 2ቆሮ.11፥12-15። ኣብ ማእከት ንጹሃን ሕዝቢ ኣትዮም ብምትሃታዊ ምልክታትን ተኣምራትን ዝተሰነየ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ክሰብኩ እዮም። ንምትላል ከኣ" ክርስቶስ እንሆ ኣብዚ ኣሎ! ኣብቲ ኣሎ "ኢሎም ክሓባብሉ ክፍትኑ እዮም። ይኹን እምበር እዚኣቶም ጥፉኣትን ናይ ጥፍኣት መንፈስ ዘለዎም ሓሰውትን ብምዃኖም "ሎቱ ስብሐት"ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝበለና ካብኡ ከኣ ዝሰማዕናዮ÷
እንሆ ኣቐዲመ ነጊረኩም ኣለኹ። እምበኣር፥እንሆ ኣብ ምድረ-በዳ ኣሎ! እንተ በልኹም ናብኡ ኣይትኺዱ። እንሆ ኣብ ውሽጢ ቤት ኣሎ! እንተ በልኹም ኣይትእመኑ። ከመይሲ መብረቕ (ጸሓይ)ካ ብ ምብራቕ ወጺኡ ክሳዕ ምዕራብ ከም ዝርአ፥ ምጽኣት ወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ክኸውን እዩ» ዝብል እዩ። ማቴ.24፥25-27። እወ ምጽኣት ናይ ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝፍጸም ንኹሉ ግልጽን ርዱእን ብዝኾነ መገዲ፥ ኩሉ ብዝፈልጦ፥ ኣኣብ ዘለዎ ኮይኑ’ውን ብዝርእዮ እምበር ከምቲ ብሓሶት "ኣነ ክርስቶስ እየ" ዝብል ሓሳዊ መሲሕ ኣብዚ ኣሎ! ኣብቲ ኣሎ! ብምባል ኣይኮነን። ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ጐይታ ቃሎም ሰሚዕኹም ኣይትኺዱ ከምኡአን ኣይትስምዕዎም፥ነዚ ከኣ ገና ከይኮነ ኣቐዲመ ነጊረኩም ኣለኹ ዝበለና።

  ዳግም ምጽኣት ናይ ክርስቶስ፡

4ይ ክፋል ይቕጽል ………………………

አምላከ ቅዱሳን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በረከቱን ረዲኤቱን የብዝሓልና ፣ ኣማላድነት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ኣይፈለየና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፣

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር።

ዲን.ዓምደማርያም

Comments are closed.