ደብረ ታቦር

ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ብድምቀትን ክብ ብዝበለ መንፈሳዊ ሥነ ሥርዓትን ካብ ዝኽበሩ ትሽዓተ ዓበይቲ በዓላት ጐይታ ሓደ እዩ። ዓመት መጸ ድማ ፲፫ ነሓሰ ይኽበር። እዚ ዕለት እዚ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ብርሃነ መለኮቱ ክብረ መንግሥቱ ኣብ ደብረ ታቦር ነቶም ኅሩያት ደቀ መዛሙርቱ ዝገለጸሉ እዩ። እግዚአብሔር ብዝፈቐደ ኣስዒብና ብሓጺሩ ምኽንያተ በዓልን ትንቢትን ምስኡ ዝተተሓዙ ፍጽሜታትን ክንርእይ ኢና። እግዚአብሔር አምላኽ ዘስተውዕል ልቦና ይሃበና። 

ስምን ሓጺር ታሪኽን ደብረ ታቦር

ታቦር ኣብ እስራኤል ካብ ባሕረ ገሊላ ብወገን ደቡባዊ ምዕራብ ፲ ኪ.ሜ ርሒቑ ዝርከብ እምባ እዩ። ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ኸኣ ፭፻፸፪ ሜትሮ ብራኸ ኣለዎ። ጫፍ ጎቦ ድማ ጽፍሕ ዝበለ ሓውሲ ጎልጎል ዝኾነ ቦታ ኣለዎ። እዚ ደብሪ ኸኣ ኣብ ዘመነ ብሉይ ይኹን ኣብ ዘመነ ሓዲስ እግዚአብሔር ቅድም ብነቢያቱ ኣቢሉ፡ ዳኅራይ ድማ ባዕሉ ሥጋ ለቢሱ ተኣምራት ዝፈጸመሉ ስለዝኾነ ቅዱስ ከረን ተባሂሉ ይፍለጥ። (ካልኣይ ጴጥ ፩፥፲፰)

እዚ ከረን እዚ ኣብ ገሊላ ካብ ዝርከቡ ኣኽራናት ሓደ ኮይኑ ኣብ ክፍሊ ዛብሎን ንዝርከቡ ወገናት ዝተዋህበ እዩ ነይሩ(ቀዳማይ ዜና ፮፥፸፯)። ከም ቦታ ግና ናይ ሠለስቱ ነገዳት እስራኤል ማለት ነገደ ዛብሎን፡ ነገደ ይሳኮር፡ ነገደ ንፍታሌም መራኸቢ ወሰን ዶብ ዝነበረ እዩ። ብሉይ ኪዳን እምበር ሓዲስ ኪዳን ብዝበዘኀ ክፋሉ ነዊሕ ከረን ካብ ምባል ሓሊፉ ብስሙ ኣይጽውዖን እዩ። ኮይኑ ግና ጐይታ ኣብዚ ከረን እዚ ክብሩ ከምዝገለጸን ስም እዚ ከረን’ውን ታቦር ምዃኑ ሓዋርያት ኣብ ሲኖዶሶምን (ዲድስቅልያን) ገሊጾሞ እዮም። ቅዱስ ያሬድ’ውን ኣብ ድጓዑ ነዚ ጠቒሱ ደብረ ታቦር ኢሉ ብሰፊሑ ደጋጊሙ ጸዊዕዎ ኣሎ።

ቅድስት እሌኒ (ኣደ ቈስጠንጢኖስ ንጉሥ) ኣብዚ ደብሪ እዚ ብ፫፻፳፮ ዓ.ም. ቤተ ክርስቲያን ኣስሪሓ ከምዝነበረት ይንገር። ቄርሎስ ዘኢየሩሳሌም’ውን ካብ ሓዋርያት እናተመሓላለፈ ንዝመጸ ትምህርቲ መሠረት ብምግባር ኣብ ፬፻ ዓ.ም. “ክርስቶስ ክብሩ ኣብ ደብረ ታቦር ገለጸ” ክብል ተዛሪቡ ነይሩ። ብ፩ ሺሕን ፩፻፯ ዓ.ም. ክሳዕ ዝፈርስ ኣብ ፯-፰ይ ክፍለ ዘመን ብስም ሙሴን ኤልያስን ዝተሃንጸ ቤተ ክርስቲያን ይርከቦ ኸኣ ነበረ።

ትንቢትን ምሳሌን

ታቦር ኣብ ብሉይ ኪዳን ትንቢት ዝተነግረሉ፡ ምሳሌ ዝተመሰለሉ ደብሪ እዩ። 

ብርሃነ መለኮቱ ክብሪ መንግሥቱ ዝገለጸሉ ቅዱስ ቦታ ስለዝኾነ ከም ልበይ ረኸብኩ ዝተባህለሉ ዘማራይ ቅዱስ ዳዊት ከምዚ ኢሉ ተንቢዩሉ ነይሩ። “ታቦር ወአርሞንኤም በስመ ዚአከ ይትፌሥሑ። ወይሴብሑ ለስምከ። መዝራዕትከ ምስለ ኃይል” (ታቦርን አርሞንኤምን ብስምካ ይሕጐሳ፤ ንስምካ ድማ የመስግኑ፤ ቅልጽምካ ምስ ኃይልኻ’ዩ) ብምባል ትንቢት ዝሓዘለ መዝሙር ዘሚሩ ነበረ። አርሞንኤም’ውን ኣስታት ፴ ኪሜ ካብ ታቦር ርሒቑ ዝርከብ እምባ እዩ። እዞም ጎቦታት እዚኦም ኣብ ዳኅራዋይ እዋን ንዝኸውን ብትንቢት ጠቒሱ ዓቢይ ክብሪ እግዚአብሔር ንምርኣይ ስለዘኽኣሎምን ስለዘብቕዖምን ተሓጒሶም ይብል። ኽብሪ እግዚአብሔር ንምርኣይ ዝኅረዩን ነዚ ኽብሪ ዝኣምኑን ኸኣ ክሕጉሱ ድማ ዝግባእ እዩ።

ምሳሌነቱ ኸኣ እዚ ደብሪ እዚ ናይ ዓወት ስፍራ ምዃኑ እዩ። እስራኤላውያን ንእግዚአብሔር ምስ በደሉ ነቶም ኣሕዛብ ኣኅሊፉ ዝሃበሉ ጊዜ እዩ ነይሩ። ንሳቶም ሲሳራ ብዝመርሖ ሽሾ ሠራዊት መከራ ምስ ጸገቡ፡ በደሎም ተፈሊጥዎም ናብ እግዚአብሔር ተማህለሉ። እግዚአብሔር ድማ ጸሎቶም ሰሚዑ ንዲቦራ ነብዪት ኣተንሢኡ ነቲ መስፍን እስራኤል ዝነበረ ባርቅ ክዋጋእን ንእስራኤል ካብቶም ዘጫነቕዎም ሓራ ክገብሮምን ኣዘዞ። ባርቅ ግና ንዲቦራ ንስኺ ምሳይ እንተዘይከድኺ ኣይከይድን ኢሉ ምስኡ ናብቲ ሰልፊ ክትከይድ ለመና። እቲ ቦታ ውግእ ኸኣ ከረን ታቦር ነበረ። እታ መዓልቲ ውግእ ኸኣ ሰልፊ እግዚአብሔር ዝተራእየላ ነበረት። ዓወት ኸኣ ንእግዚአብሔር ጸግኢ ናይ ዝገበረ ሠራዊት ኮነ። ኣብዚ ታሪኽ ውግእ ኃይልን ድንቂ ተኣምራትን እግዚአብሔር ዝተራእየሉ እዩ ነይሩ። ምስኡ ድማ ጸሎት ናይ እግዚአብሔር ዝኾኑ ሰባት ክንደየናይ ዓቢ ምዃኑ ዝተመስከረሉ እዩ። (መሳ ፬፥፮-፲፬) ስለዚ እዩ ደብረ ታቦር ደብሪ ዓወት እዩ ዝበሃል። ምሳሌኡ ኸኣ ኣብዚ ደብሪ ንእስራኤል ዘጫነቑን ዝፈተኑን ጸላእቲ እስራኤል ከምዝተሣዕሩ፤ ኣብ ዘመን ሓዲስ’ውን ልቢ ሓዋርያት ብጥርጥርን ፍቅረ ሲመትን ዝፍትን ዝነበረ ዲያብሎስ ኣብ ደብረ ታቦር ጐይታ ብዝገበሮ ተኣምር ከምዝተሣዕረን ከምዝረሓቐሎምን ዘመልክት እዩ።

ምስክርነት ኣብ ፊልጶስ ዘቂሣርያ

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ብርሃነ መለኮቱ ክብረ መንግሥቱ ንሓዋርያት ዝገለጸሉን፡ ምሥጢር ዘርኣየሉን  ቅዱስ ቦታ ደብረ ታቦር እዩ። ናብዚ ደብሪ ንምድያቡን ምሥጢር ንምርኣዩን መሠረት ዝኾኖ ኣብ ፊልጶስ ዘቂሣርያ ምስ ሓዋርያቱ ዝገበሮ ምዝርራብ እዩ ነይሩ። (ማቴ ፲፮) እዚ ኸኣ ጐይታ ብዛዕባ መንነቱ ኣግሂዱ ንሓዋርያቱ ዝሓተተሉ እዋን እዩ ነይሩ። “ሰባት ንወልደ እጓለ እምሕያው መን ይብልዎ?” ኢሉ ኣብ ዝሓተተሉ ኣብቲ ዘመን እቲ ዝነበሩ ሰባትን ዝተፈላለዩ ክፋላት ኅብረተሰብን በቲ ዝበሃልን ከምኡውን ብዝሰምዕዎ ናይ ቃሉ ትምህርትን ብዝርእይዎ ናይ ኢዱ ተኣምራትን ኣብ መንነት ጐይታ ዝተፈላለየ ኣረኣእያ ከምዘሎዎም ዝገልጽ መልሲ ብሓዋርያት ተዋህበ። “ገሊኦም ዮሐንስ መጥምቕ፡ ካልኦት ድማ ኤልያስ ፡ ገሊኦምውን ኤርምያስ ወይስ ሓደ ኻብ ነብያት ዚብሉ አለዉ፡” ኢሎም መለሱሉ። እቲ ሕቶ መሊሱ ኸኣ ነቶም ኵሉ ዘለዎም ገዲፎም ካብኡ ከይተፈለዩ ንዝስዕብዎ ሓዋርያት ኣቕንዐ። “ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ አሎኹም ?” ኢሉ ድማ ጐይታ ሓተቶም። በቲ ጊዜ እቲ ቅዱስ ጴጥሮስ “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ሕያው ኣምላኽ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። (ማቴ ፲፯፥፩-፲፫ ማር. ፱፥ ፪-፲፫ ሉቃ ፱፥፳፰-፴፮) እዚ ኸኣ ንሱ ክርስቶስ አምላኽ ወዲ አምላኽ ምዃኑ፤ ናይ እግዚአብሔር አብ ናይ ባህርይ ወዱ ንሱ ወልደ እግዚአብሔር ምዃኑ መስከረ። እዚ ምስክርነቱ ኸኣ ምሥጢረ ተዋሕዶ ብንጹር ዝገልጽ እዩ። እወ ቅዱስ ጴጥሮስ ነቲ ካብ ሰማያት ሰማያት ወሪዱ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ብሥጋ ንዝተወልደ ጐይታ ‘ንስኻ’ ኢሉ ክርስቶስ ሓደ ምዃኑን ንሱ ድማ ወልደ አብ ወልደ ማርያም ብተዋሕዶ ዝኸበረ ምዃኑን እዩ መስኪሩ።

በዚ ምስክርነቱ ድማ ተሞጒሱ እዩ። እኳ ደኣ እዚ ዓቢይ ምሥጢር እዚ ንሱ ዘፍለቖ ዘይኮነሲ ባዕሉ አምላኽ ከምዝገለጸሉ ክነግሮ ከሎ  “ስምኦን ወዲ ዮና፡ እዚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ እምበር፡ ሥጋን ደምን ኣይገለጸልካን እሞ፡ ብጹእ ኢኻ።” በሎ። ኣብዚ መሠረተ ሃይማኖት ክርስትና ዝኾነ ምሥጢረ ተዋሕዶ (ከውሒ) ኸኣ ፍጹም ቤተ ክርስቲያኑ ከምዝሓንጽን ደጌታት ሲኦል ድማ ከምዘይኅይልዋ ኪዳን ሃቦ። መርሖታት መንግሥተ ሰማያት ዝኾነ ሥልጣነ ክህነት ንሓዋርያት ከምዝወሃብ ቃል ተኣትወሉ። “መርሖታት መንግሥተ ሰማያት ክህበካ እየ፡ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርካዮ ዅሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕካዮ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ።” ኢሉ ጐይታ ተዛረበ።

ብሓቂ እታ መዓልቲ ዝተባረኸት መዓልቲ እያ። እግዚአብሔር ክሳብ ክንደይ ከምዝኃልየልናን ከምዝፈትወናን ንቤቱን ንደቂ ሰባትን ኸኣ ክሳብ ክንደይ ሥልጣንን ክብርን ከምዝሃበ ዘግሃደላ መዓልቲ እያ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ሓዋርያት ርቱዕ እምነቶም ፊት ንፊት ዝመስከሩላ መዓልቲ እኳ እንተነበረት፤ ነቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ እምነት ዝያዳ ዘጽንዕን፤ ነቲ ዝኣመነዎ ዘረግጽን ነገር፤ ኣብ ምድሪ ከለዉ ብውሱን መጠን ከርእዮም ጐይታ ፍቓዱ ስለዝኾነ ነቶም ናይ ምሥጢር ሓዋርያት ዝበሃሉ ሠለስተ ሓዋርያቱ  ሒዙ (ከምቲ ነገር ብሠለስተ ምስክር ጸኒዑ ዝርከብ) ናብቲ ነዊሕ ደብሪ ማለት ደብረ ታቦር ሒዝዎም ደየበ። ኣብኡ ኸኣ ድንቂ ነገር ተፈጸመ።

ብርሃነ መለኮቱ ክብረ መንግሥቱ ኣብ ደብረ ታቦር

“ኣብ ቅድሚኦም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ። ገጹ ኸም ፀሓይ ኣብርሀ፡ ክዳኑውን ከም ብርሃን ጻዕደወ። እንሆ ኸኣ ሙሴን ኤልያስን ምስኡ እናተዛርረቡ ተራእይዎም ። ጴጥሮስ መሊሱ ንኢየሱስ በሎ፤ ጐይታይ ፡ ንኣና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ። ትፈቱ እንተ ዄንካስ ፡ ኣብዚ ሠለስተ ዳስ ክንሰርሕ፡ ሓደ ንኣኻ ፡ ሓደ ንሙሴ ሓደውን ንኤልያስ። ገና ኺዛረብ ከሎ፡ እንሆ ብሩህ ደበና ኣጐልበቦም። እንሆ ኸኣ ካብቲ ደበና ዝፈትዎ ወደይ ብእኡ ዝሠመርኩ እዚ እዩ ንእኡ ስምዕዎ ዚብል ድምጺ መጸ።” ደቀ መዛሙርቱ እዚ ሰሚዖም ብግምባሮም ተደፍኡ፡ ብዙኅ ድማ ፈርሁ። ኢየሱስ ቅርብ ኢሉ ተንከዮም፡ ተንሥኡ ኣይትፍርሁውን፡ በሎም። ንላዕሊ ገጾም ቁሊሕ እንተ በሉ፡ ብዘይ ኢየሱስ በይኑ ሓደ እኳ ኣይረኣዩን።” (ማቴ ፲፯፥፪-፰) ይብል።

እዚ ኣብ ደብረ ታቦር ዝተራእየ ብርሃን ጐይታ፡ ምትሓት ወይውን ከምቲ እስራኤላውያን ክርእይዎ ዘይከኣሉ ገጽ ሙሴ ኣጐልቢቡ ዝነበረ ዓይነት ብርሃን ኣይነበረን፤ እንታይ ደኣ ነጸብራቕ መለኮታዊ ክብሩ ዝኾነ ፍሉይ ድንቂ ብርሃን እምበር። እዚ ኸኣ ከም ሙሴ ናይ ጸጋ ዘይኮነስ ናይ ባህርዪኡ እዩ። እቲ ደመና’ውን ከም ካልእ ደመና ኣይኮነን። ልዕልና መለኮታዊ ክብሩ ክገልጽ ዝመጸ ፍሉይ ደመና እምበር።

ሓቂ እዩ ካብ ብሉይ ኣትሒዙ ጐይታ ምሥጢሩ ክገልጸሉ ዝመርጾ ስፍራ ኣብ ነዋሕቲ ኣኽራናት እዩ ነይሩ። እዚ ኸኣ ርእሱ ዝኸኣለ ምሳሌን ትርጉምን ስለዘለዎ እዩ። ኣምላኽ ሥጋና ተዋሓሒዱ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ኣብ ሞንጎና ምስ ተረኽበ’ውን ነዚ ዓቢይ ምሥጢር ከግህደሎም ነቶም ኅሩያት ሓዋርያቱ ናብ ነዊሕ ከረን ወሰዶም። ኣብኡ ኸኣ ሙሴን ኤልያስን ምስኡ እናተዘራረቡ ሐዋርያት ረኣይዎም። ክብሪ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኸኣ ተራእየ። ብርሃነ መለኮቱ ክብረ መንግሥቱ ገለጸሎም። ከምቲ ኣብ ፈለገ ዮርዳኖስ ናይ ባህርይ አቡኡ አብ “ዝንቱ ውእቱ ወልድየ” ኢሉ ዝመስከሮ ኣብዚ’ውን ምስክርነቱ ደገመ። ኣብ ዮርዳኖስ ምሥጢረ ሥላሴን፡ ምሥጢረ ተዋሕዶን ከምዝተገልጸ ኣብ ደብረ ታቦር’ውን እዘን አእማድ ምሥጢራት ተገሊጾም እዮም።

ቅድም ዓለም ዘመን ዘይቝጸረሉ ካብ አብ ባህርይ ዘእም ባህርይ አካል ዘእም አካል ከምዝተወልደ፤ ድኅሪ ዓለም ከኣ ንድኅነት ደቂ ሰባት ዘመን ዝቝጸረሉ (ዓለም ድኅሪ ምፍጣሩ ድኅሪ ፭ሺሕ ፭፻ ዓመት) ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሥጋኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ተወሓሒዱ ፍጹም ሰብ ኮነ። ወልደ አብ ወልደ ማርያም ብክልተ ልደት ብተዋሕዶ ከበረ። አምላኽ ሰብ ኮነ፤ ሰብ አምላኽ ኮነ። ንሱ ሓደ አካል ሓደ ባህርይ ምዃኑ ብግልጺ ኣርኣየና። እግዚአብሔር አብ፡ ካብ ሰማይ ኮይኑ ነቲ ብሓጺር ቁመት ብጸቢብ ደረት ኣብ ሞንጎ ሓዋርያትን ነቢያትን ንዝነበረ ጐይታ ‘ወደይ’ ኢልዎ። ነቢያት’ውን መስከሩሉ። ሓዋርያት’ውን ምስክርነቶም ኣርጊጾም ፈለጡ። እወ ብተዋሕዶ ዝኸበረ ክርስቶስ ሓደ እምበር ክልተ ኣይኮነን። ንሱ ናይ ጸጋ ዘይኮነስ ናይ ባህርይ ኣምላኽ እዩ።   

ጐይታና ኣብ ደብረ ታቦር ብርሃነ መለኮቱን ክብሩን ምግላጹን ጥራይ ዘይኮነስ ካልእ ድንቂ ነገር ፈጺሙ እዩ። ቅድሚ ነዊሕ ዘመናት ኣብዚ ምድሪ ካብ ዝነበሩ ነቢያት ንሊቀ ነቢያት ሙሴን ነቢዪ ኤልያስን ኣብዚ ቅዱስ ደብሪ ጸዊዑ የዘራርቦም ነበረ። እዞም ናይ እግዚአብሔር ሰባት ኣብ ብሉይ ኪዳን ዓበይቲ ግብርታት ዝፈጸሙን ብዛዕባ መድኅን ክርስቶስ ትንቢት እተዛረቡን፡ ብዛዕባ መንግሥቲ እግዚአብሔር ዘስተምሃሩን ቅዱሳን እዮም ነይሮም። ናቶም ኣብዚ ምምጽኦም ምስቲ ጐይታ ኣብ ፊልጶስ ቂሣርያ ዝሓተቶ ሕቶን ብሓዋርያት ዝተዋህቦ መልሲን ዝዛመድ እዩ።

እቲ ምኽንያት ኸኣ መተርጒማነ መጻሕፍቲ ከምዝብልዎ ጐይታ ከምቲ ሰባት ዝብልዎ ኤልያስ ወይ ሙሴ ወይውን ካብቶም ነቢያት ሓደ ዘይኮነስ ጐይታ ነቢያት አምላከ ነቢያት ምዃኑ ኣርጊጾም ሓዋርያት ምእንቲ ክፈልጡ እዩ። በቲ ካልእ ድማ ሕግን ነቢያትን ብክርስቶስ ዝፍጸም ምዃኑ ካብቶም ንሕግን ነቢያትን ካብ ዝወከሉ ሊቀ ነቢያት ሙሴን ነቢዪ ኤልያስን ምስክርነቶም ክሰምዑ ምእንቲ እዩ። አእማድ ሓዋርያት ኸኣ ነዚ ብግብሪ ርእዮምን፡ ካብቶም ኣፍ ነቢያት ኸኣ በቲ ምስ ጐይታ ዝነበሮም ምዝርራብ ምስክርነቶም ሰሚዖምን። እቲ ኣብ ጐይታ ዘለዎም እምነት ጽኑዕን ርጉጽን ከምዝኸውን ገበሮ። ኵሉ ዝከኣሎ ጐይታ ስለዝኾነ ኸኣ ካብቲ ሥግኡ ነፍሱን ካብ ዝተፈለዩሉ ንሙሴ ካብ መቃብሩ ጸዊዑ፡ ካብቲ ብሰረገላ እሳት ካብ ዝዓረገሉ ብሔረ ሕያዋን ንኤልያስ ጸዊዑ ኣብቲ ቅዱስ ደብሪ ከምዝርከቡ ገበሮም፤ ነቲ ዕፁብ ዝኾነ ምስክርነቶምን ተኣምራት ጐይታን ሓዋርያት ከምዝሰምዕዎን ከምዝርእይዎን ገበረ። እወ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ አምላከ ነቢያት፡ አምላከ ሓዋርያት እዩ። በዚ ድንቂ ግብሩ ኸኣ ንሱ አምላኸ ሕያውን ምዃኑ ኣረኣየና። እቶም ነቢያት ካብዚ ምድሪ ካብ ዝፍለዩ ዘመናት ዘቝጸሩ እኳ እንተነበሩ ምስቶም ኣብዚ ምድሪ ዝነበሩ ሓዋርያት ምርኻቡ ጐይታ ዘመናት ምዃኑን ሰባት ብዘመን ዝውሰኑን ዝሓልፉን ክኾኑ ከለዉ ጐይታ ግና ትማልን ሎሚ ጽባሕን ንሱ ሓደ ዘይልወጥ አልፋ ወ ዖ ዘለዓለማዊ ጐይታ ምዃኑ ኣርኣየና።

ብሓቂ እዛ ቅድስት ደብሪ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እያ። ጐይታ ማእከላ ዝኾነ ሓዋርያትን ነቢያት ዝርከቡላ፤ ትንቢት ነቢያት ዝንገራን ስብከት ሓዋርያት ዝስበኸላን ክልቲኡ ተሰማሚዑ ዝርከባላ ቅድስት ደብሪ ቅድስት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን እያ። 

ነየናይ ኣልዒልና ነይናይ ክንገደፍ? ብሓጺሩ ኣብ ደብረ ታቦር ጐይታ ክንመሃሮ ዝሰርዓልና ኣዝዩ ብዙኅ ትምህርቲ ኣሎ፤ ንዝያዳ ምሥጢር ድማ ትርጓሜ መጻሕፍተ ወንጌል ንመልከት፤ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ንሕተት።

ክብረ በዓል ደብረ ታቦር

ቤተ ክርስቲያን ነዚ ክቡር በዓል ካብ ዋዜማ ኣትሒዙ ብዝተፈላለየ ነዚ በዓል ዝምልከት መዝሙር ብምዝማርን፡ ማኅሌት ብምቋምን ብክቡር ቅዳሴኣን ብዝደመቐ ኣገባብ ተኽብሮ እያ።

እዚ ክብረ በዓል ካብ ካልኦት በዓላት ፍልይ ብዝበለ ናይ ተምሃሮ በዓል ተባሂሉ ብልምዲ ይፍለጥ እዩ። እዝ ኸኣ ብፍላይ ካብ ስድርኦምን ቤተ ሰቦምን ተፈልዮም ቃለ እግዚአብሔር ክምዕርሩ መምህራንን ሊቃውንትን ናብ ዝርከቡሉ ደብሪ ወይውን ገዳም ኣርሒቖም ዝወፍሩ ተምሃሮ (ናይ ‘ቆሎ’ ተምሃሮ) ነዚ በዓል ብፍሉይ ስለዘኽብርዎ እዩ። ጐይታ አብ ደብረ ታቦር ነቶም ሓዋርያቱ ምሥጢሩ ከምዝገለጸሎም፡ ባህጊ ተምሃሮ’ውን አእምሮኦም በሪሁ ቀልጢፎም ቀለም ከጽንዑን ምሥጢሩ ክገልጸሎምን 
ስለዝኾነ ነታ መዓልቲ ብዝደመቐ መገዲ የኽብርዋ። ንሓዋርያት ዝገልጽካ ንዓና’ውን ግለጸልና ብምባል።

ቀደም መምህራን ኣብ ዝርከቡሉ ደብሪ ዝመሃሩ ተምሃሮ በብወገኖም ኮይኖም ነቲ በዓል ዝኸውን ጥረ ምረን ካልእን ካብተን ከባቢኦም ዝርከቡ ዓድታት ክእክቡ ይቕንዩ። ፍርቑ ንዝብላዕ ክኸውን ከሎ እቲ ፍርቁ ድማ ንስዋ ገይሮም ይቐራርብዎ። ኣብቲ መዓልቲ ክብረ በዓል ድማ ንካህናትን መምህራኖምን ካልኦትን ዓዲሞም የብዕልዎ። በቶም ዓበይቲ ካህናት ድማ ይምረቑን ብራኬን ምኽሪን ድማ ይቕበሉ። ኣብ ዞባ ደቡብ ማይ ላሕም ኣብ ዝኣመሰሉ ውሑዳት ናይ ቅኔ ቤት እዚ ጥንታዊ ሥርዓት ተዓቂቡ እኳ እንተሎ፤ ሎሚ ምስ ዘመናዊነትን ምክታም ደብርታትን እቶም ኣብ ከተማ ምስ ወለዶም ኮይኖም ብምቾት ዝመሃሩ ተምሃሩ፤ ምስቲ ከባቢኦምን ናብርኦምን ብዝዛመድ ኣገባብ ነቲ በዓል ዝዝክርዎ ኣለዉ። 

ኣብ ገዳም’ውን ብተመሳሳሊ እቶም ኣርድእትን ተምሃሮን ካብ ኵሎም መነኮሳት ዝዓቕሞም ይእክቡ እሞ ካብ መጋቤ ብዝወሃቦም ደገፍን ወሰኽ ናቶም ገይሮምን ንኵሎም መነኮሳት ድኅሪ ቅዳሴ ኣብ ቤት እግዚአብሔር (ቤት ምርፋቅ) ዓዲሞም ተዓጢቖም የገልግሉን ነቶም ዕዱማት የሰስዩን የስትዩን። ኣብ መወዳእታ ድማ በቶም ዓበይቲ መነኮሳት ስለቲ ርድእንኦምን መጻኢ ኣካይዶኦምን ዝምልከት ልቢ ብዘጥልሉ ቃላት ይምርቑን ቡራኬን ምኽሪን ይወሃቡን።

ደብረ ታቦርን ንሕናን ኸ?

ደብረ ታቦር ዓቢይን ድንቅን ሥራሕ ዝተፈጸመሉ እዩ። ብዙኅ ምሥጢር’ውን ዝሓዘለ እዩ። ቅድሚ ኵሉ ግና ርትዕቲ ዝኾነት ተዋሕዶ ሃይማኖትና ኣጽኒዕና ክንሕዝ፤ ምስክርነትና ምስክርነት ሓዋርያት ኮይኑ ክርከብ ዝምዕድ እዩ። የማነ ጸጋም ብዝነፍስ ጋሻ ትምህርቲ ከይተወሰድና ትምህርቲ ደብረ ታቦር ንዘክርን ነስተውዕልን።

ብምቕጻል ኸኣ ሎሚ’ኸ ንሕናን እዚ በዓል’ን ከመይ ኣሎና ኢልና ንርእስና ምሕታት ይግባእና እዩ። እቲ ኣብኡ ንዝተፈጸመ ድንቂ ሥራሕ ምፍላጥን ምስትንታንን ጥራይ ዘይኮነስ ንዓይ ኸ እንታይ መልእኽቲ ኣለዎ ኢልና ክንጥይቕ መንፈሳዊ ግዴታና እዩ።

ሓደ ካብቲ መልእኽቱ ኸኣ ንሕና’ውን ክንሳተፎ ንዝግባእና ምሥጢርን ጸጋን ክንርእይን ክንነብረሉን ነታ ብደብረ ታቦር ናብ እትምሰል ቤተ ክርስቲያን ኣንጊህና ክንግስግስ ዝግባእና ምዃኑ እዩ። መዝገብ ምሥጢር ርቱዕ ሃይማኖት ናብ ዝርከበላን፡ ግምጃ ጸግኡ ናብ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ምስ እንኸድ ድማ ምስክርነቶም ሓቂ ንዝኾነን ምግቢ ነፍስ ኮይኖም ንዘገልግሉና ነቢያትን ሓዋርያትን (ብሉያትን ሓዲሳትን) ምስ ትርጒሞም ክንረኽቦም ኢና። ብንጽሕናን ንስሓን ናብዚ ደብሪ ምስ እንድይብ ድማ ልዕሊ ኵሉ ዘለዓለማዊ ዝኾነ ሕይወት ዘውህብ ቅዱስ ሥግኡን ክቡር ደሙን ክንረክብ ኢና። ኵሎም ምሥጢራት ጸጋ’ውን ኣብዚኣ ኣማናዊት ደብረ ታቦር ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኢና እንረኽቦም። ምኽንያቱ መሥራቲኦምን ዋናኦምን ዝኾነ ልዑል እግዚአብሔር ማኅደሩ አሐቲ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ታቦር ስለዝኾነት።

እወ ኣብዚኣ ቤት ሓዋርያት ኣለዉ፤ ነቢያት ኣለዉ። ኵሎም ቅዱሳነ እግዚአብሔር ኣለዉ። ስብሐተ እግዚአብሔር ዝቐርበላ፤ ክብሪ እግዚአብሔር ዝንገረላ ቅድስት ቤት ድማ እያ። ናይ እግዚአብሔር ሓድነትን ሠለስትነትን፤ ናይ ክርስቶስ ኣምላኽና ፍጹም ተዋሕዶ ዝእመነላን ዝስበኸላን ደብሪ እያ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን። ነዚ ክብሪ ንምርኣይ ግና ናብቲ በሪኽ እምባ ንኵሉ ድኻምን መከራን ተጻዊርካ ምድያብ ናይ ግድን እዩ። ኣብ ላዕሊ ከይሓዀርኻ ነዚ ኵሉ ምርኣይ ዝከኣል ኣይኮነን። ግና ናብዚ ነዊሕ ከረን ንምድያብ ንሕና ክሳብ ክንደይ ተቐሪብና ኣሎና? ድሌት ጥራይ ዘይኮነስ ክሳብ ክንደይ ተበጊስና ኣሎና? ምኽንያቱ ከይተበገስካ ዝብጻሕ ስለዘየልቦ! ከይተቐረብካ’ውን ዝወሃብ ስለዘየልቦ። ብኸመይ ኢና ንቐርብ ከ?

ቅዱስ ዳዊት ነዚ ኣመልኪቱ ከምዚ ኢሉ ይሓትት “እግዚኦ መኑ የኃድር ውስተ ጽላሎትከ። ወመኑ ያጸልል ውስተ ደብረ መቅደስከ..” (ኦ  እግዚኣብሄር፡ ኣብ ድንኳንካ ዚሐድር መን እዩ? ኣብቲ ኸረን ቅድስናኻ ዚነብርከ መን እዩ?)። ነዚ ረዚን ሕቶ ድኅሪ ምሕታት ከኣ ከምዚ ኢሉ ምላሹ ይህብ። “እቲ ብቕንዕና ዚመላለስን ጽድቂ ዚገብርን ብልቡ ሓቂ ዚዛረብን፡ ብልሳኑ ዘይሐሚ፡ ንመሓዛኡ ገለ ኽፉእ ዘይገብሮ፡ ንብጻዩ ዘይጸርፎ፡ እቲ ጽዩፍ ንዑቕ ኰይኑ ዚረኣዮ፡ ንፈራህቲ እግዚአብሔር ግና ዜኽብሮም፡ ዚጐድኦ እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ዝመሓለሉ ዘይልውጦ፡ ገንዘቡ ብሓርጣ ዘይህብ፡ ንጒድኣት ንጹህ ከኣ መማለጃ ዘይቕበል፡ እቲ ኸምዚ ዚገብርሲ ንዘለኣለም ኣይናወጽን እዩ።” ይብል። ብሓፈሻ ቅዱስ ዳዊት ብኵሉ ኣካላቱ ንእግዚአብሔር ዘይብድል፤ ከም ፈቓድ እግዚአብሔር ዝመላለስ ንጹሕ ሰብ ኣብቲ ቅዱስ ከረኑ ጸኒዑ ክነብር ከምዝኽእል ይገልጸልና።

 ንእግዚአብሔር ክርእይ ዝደልይን ዝኽእል’ውን ንጹሕ ዝኾነ ምዃኑ ጐይታ ባዕሉ ኣብ መልዕልተ ደብር ስብከቱ ሓደ ካብ አንቀጸ ብጹዓን ገይሩ ነጊሩና እዩ። “ጽሩያት ልቢ፡ ንኣምላኽ ኪርእይዎ እዮም እሞ፡ ብጹዓን እዮም”። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ነዚ ዝገልጽ ተመሳሳሊ ነገር “ብዘይ ቅድስና ሓደ እኳ ንእግዚአብሔር ኣይኪርእዮን እዩ እሞ፡ ንቕድስናን ንሰላም ምስ ኲሉ ሰብን ስዐብወን።” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ (ዕብ ፲፪፥፬)። ስለዚ ናብዚ ሰማያዊ ክብሪ ዝርከበላ ቅድስቲ ከረን ክንድይብን ብሰናይ ግብርታቱን በረኸቱን ንእግዚአብሔር ክንርእዮ እንተደሊና ከምቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝብልዎ ብንጽሕና ንመላለስ። ንንጽሕና ኸኣ እንኮ መገዳ ንስሓ እያ።

ብሓቂ ድማ ናብዚኣ ከረን ዝደየበ ሰብ ከም ባራቅ ንኽዕወት ኣብቲ ኣሎኒ ዝብሎ ጠፋእን ኃላፍን ሥጋዊ ነገር ዘይኮነሲ እምነቱን ትውክልቱን ኣብ እግዚአብሔር ይገብር፤ ከምኡ ምስ ዝገብር ድማ ንኵሉ ተጻባኢን ፈታንን ይስዕር። ወራሲ መንግሥቱ ድማ ይኸውን።

ስለዚ ከምቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝበሎ ኣብዚኣ ቅድስት ደብሪ ምንባር ንዓና ጽቡቕ እዩ እሞ ነቲ ኅርያ ነፍስና ነመዓራሪ።

እግዚአብሔር ምሕረቱ የብዝኃልና። በረኸት በዓሉ የሳትፈና።

ምንጪ ጦማር ማዕዶት

 

Comments are closed.