ያዕቆብ

ስነ-ጽሑፍ ያዕቆብ ወዲ ማይ-ተመናይ  ብጽሑፍን ብድምጽን

ያዕቆብ ንመኖም ይስጎግ ንክርስቶስ'ዶ ወስይ ንኣጋንንቲ፧

መበግሲ ኣዛ ዛንታ ዓቅሚ ኣዳማ በጺሐ ፡ ወረ ዓቅሚ ኣዳም ሓሊፈዩ ዝብል ዘሎ ያዕቆብ ወዲ ማይ-ተመና’ዩ፡

ዓለምና ዝጎደለ መስንገልኦም ክናድዮ ኮለል ዝብሉ ኣወዳት ተዘሪኦማ ኣለዉ። ኣነዉን ከምኦም ኣብ ምህንዳስ መሰንገለይ ተጸሚደ ኣለኹ። ገሊኦም ዓቀኖም መሰንገል ረኺቦም እፎይ ክብሉ ከለዉ: ገሊኦም ድማ ምስኦም ዘይሰማማዕ መሰንገል ብታህዋኽ ሰለ ዝእትዉ ኣደዳ ቁስልን ቃንዛን ልቢ ኮይኖም ነታ መሰንገለ ኣዉጺኦም ካልእ መስገለ ከናድዮ ኮለል ይብሉ ኣለዉ። ዓቃላት ሰባት ዓቀኖም መሰገንለ፡ኣብ ኢዶም ክሳብ ዝበጽሕ ብዓቅሊ ይጽበዩ ኣለዉ።ኣነ ኣይኮንኩን ከምኡ ኢለ ዘውርይ ዘለኹ ኩነታተይ ዝተዓዘቡ ደቂ ገዛዉትና’ዮም። ንዓይ ክርእዩ ከለዎ ኣብ ገጸይ ብዓቢ ፊደል መሰንገለ ይደሊ ኣሎ ዝብል ጽሑፍ ግዲ የንብቡ ኮይኖም ኣጆኻ ደሓን ንዓኻ ዝበላ ተቀሚጣ ኣላ እዮም ዝብሉኒ።መን እስኪ ጠዊቅውም ኣብ ዝረኣዩኒ እዋን ኣንታ ክሳብ ሎሚ ከምኣ ኢልካ ኣለኻ ገለ እባ ግበር እናበሉ ወትሩ ቁስለይ ዝተናኽፉኒ። ነዛ ወረ ሻዓ ኢሎም ዘይሰምዑ ኣቦይ ቐሺ ጥራዮም እዮም፡። ኣቦይ ቐሺ ኣንታ ብሩኽ ወደይ እንታይ’የ ዝሰምዕ ዘለኹⵗ ክንዲዚ ዝኣክል ዓመታት ኣበይ ኔይርካ ፧ ሓጉዙኒ ዘይትብል ። ምስ ቐሺ ምኸር ምስ ሓያል ዉፈር ክበሃል ኣይሰማዕካን ዲኻ ፧ ጉዳይካ ምስ ሰማዕኩ ሸዓ ኢለ መሰንገለኻ ረኺበያ ኣለኹ ፡ ይብሉኒ ኣለዉ ሓቂ እንተ ኾይኑስ !! ሓሳብ ልበይ ሰሚሩለይ።

እንሆ እምብኣር ተሰዊራ ዝነበረት ምቃል ጎነይ ተራኺባ ኣላ። ኣሕሕሕ! ክንደይ ኢኸ ኔይሩ ደቀይ እቲ በይነይ እስካቡሊ ኮይነ ዝሕለፍክዎ ዓመታት ፧መሰንገልይ መላልያት ምልክት ‘ከ ኔርዋ ‘ዶ ይኸዉን ክትጠፍእ ከላ ፧ ተስፋ ይገብር እቲ ሓቀኛ  ዓጽመይ ክትከዉን። ኣብ ስእሊ ከም ዝረኣኽዋ እኳ እቲ መልክዓን ግብኣት ደማን ናዓይ’ያ ትመስል ። ቁሩቦ’ዶ ሓቀይ ጸቢቃ ። እዚ ኣፍንጭኣስ ቅምጥ ኢላ ነደይ ትመስል። ጨጉሪ ርእሲ ደኣ ናይ መን ወሲዳ ኣብ ዓሌትና ክሳብ እንግደዓ ሕቆ ዝበጽሕ ጓል ኣንስተይቲ የብልናን።ሰይቲ ሓቦቦይ ከ ረሲዓልኩም፧ ጨጉሪ ርእሳ መሬት እንደዩ ዝበጽሐልኩም ፧ ፍሉጥ ናይ ሰይቲ ሓዊ ኣቦይ ወሲዳ’ላ።

ተፈጥሮይ ግዲ ኮይኑ ከምዚታት ዝበለ ሓበሬታ ኣብ ርእሰይ ብምስጢር ምሓዝ ኣይኮነለይን እዩ።ግና ቀያሕ እያ። ጸጉራ ፡ ጸጉሪ ፈረስ ነዊሕ’ዩ። ክልተ ኣእጋር ኣለዋ። ዓይንን ኣፍንጫን እውን ኣለዋ። ብድሕሪኣ ክትጥምታ ከለኻ ብዋሕሉል ኣገባብ ተጸሪባ ዝተሰርሐት ስእል እያ። ሞናሊዛ! እዮም ዝብልዋ ደቂ ገዛዉትና።  ጠበያ ከ ፧ እኽሊ ። እኽሊ እኳ በሊዕካዮ ይጋዳእ ፡ ብምባልዮም ዝገልጽዋ። እታ ሞናሊዛ ትብል ቃል እንታይ ማለት ምዃና እንድዕላ!!  እንተ እቲ ኣይትጓዳእን’ያ ዘበልዋ ሓቂ መስለኒ ክሳብ ሎሚ ደሓን ኣለኹ ኣይተነኸስኩን ዘለኹ። እቲ ኢደይ ኣብ ኣፋ ተናኺፈዮ ዋላ ኣይትናኸስን’ያ። ኣብቲ ምሳይ ዘሎ ስእሊ እየ ዝተናኽፎ ዘለኹ ከም ትናኸስ ከረጋግጽ... ኪድ ኪድ ሓሳዊ ኣበይ መስረኸብካያ ‘ዶ በልኩም ። ሓቅኹም እዚ ናይ ቁሽጠይ ባህግስ ጸጽብቁ’ዩ ዝፈቱ። እቲ ልበይ ከኣ ጸጽቡቁ’ዩ ዝሓልም።

ሕማም ደኣ ይብሃል! እንታይ ኮይነ ኢለየ ከ ክላለያ  ደቀይ ፧ ሰብ ተወሊዱ ዓቅሚ ኣዳም ምስ በጽሐ ዝጎደለት መሰንገልኡ መሊኡ ቀሲኑ ክነብር ከም ዘለዎ ዝእመኑኒ ኣቦይ ቀሺ ደላያ ጽቡቀዮም። ሰብ ሰብ ክሽትት ዝጎድለ መስንገለይ መሊአ ሰብ ክመስል’ዩ ድሌቶም።ጠጥዑም ግዳ ከዋግዓኩም ። እታ ክሳታየይ  ክትብገስን ደው ክትብልን እንከላ ተስምዖ ድምጺ ፡ ኣርሓ ድያኖሰር ዝግዕር ዘሎ ይመስለኒ ። ድምጻ ክሰምዕ ከለኹ ሰንቢደ ክሃድም  ይደሊ። ቦጎግ ሓሶት ኣበይ ድምጻ ምስ ሰማዕካያ ‘ዶ በልኩም ሓሲየ እየ ሓቅኹም ፡ ቴክርሳታ(መልእኽቲ ጽሑፍ ብተሌፍን) ኣብ ተሌፎነይ ክዓለብ ከሎ ዝብል መልሓስ’ዩ እምበር  ኣብ ከናፍራ ዝፍጠር ድምጺ  እኳ ሰሚዓ ኣይፈልጥን ። ኣብዛ ሰዓት እዚኣ፡ ድምጻ ንኽሰምዕ ድልዉ ኣይኮንኩን። ቃላታ ምስማዕ ማለት ቦምባ ናብ ኣካላትካ ምውርዋር’ዩ።

ኣብዚ እንሃለካ ተረካቢ ዘረባ ይብል ኣለኹ ባዕለይ ኣብ ኣእምሮይ ዝሰንከትክዎ ሓሳባት እናነኣድኩ።ቴክርስታ(መልእኽታ) ክቅበል ከለኹ ኣይሓጎስ ፡ኣይጋሂ ድጉል ታሕጓስ ኣብ ልበይ ይኽሰት ።ምስ ነብሰይ ጥራይ መኺረ ኵሉ ምስጢረይ ኣብ ትሕቲ ምድሪ’የ ዝስፍሮ ዘለኹ። ክሳታይ ኢሎሞስ  ደቀይ ! መታለሊ ! ግናኸ ጠቢብ ሰብ ከምዝበሎ "እንተዘይ ሞትክን ጥዕና ኣለክን'ዩ” ነገሩ ። ክሳታይ ተፈንጂሩ ኣብ ልበይ ኮይኑ "መጺአ ኣለኹ" ኢሉ ጥሩምባ ምንፋሕ ኣየድልዮን እዩ ። ቶግ..ቶርግሮግ..፡ቡም፡...ቡም፡....ቶግ፡...ቶግ፡ብልጭ...፡ውልዕ፡ጥፍእ  - ብምባል ፍርሒ ምሉእ ኣካላተይ እዩ ዘላህዮ።

መስንገለይ ቀያሕ ፡ ቁመታ ድማ 1፡70 ሰንቲ ሜትር ኣቢሉ ይኸዉን። ኣንታ እቲ መልክዓ እባ ከይተረደኣኒ ነጊረኩም ፡ ከይትዕዩኑለይ ብምስጢር ክዕቅቦ ሓሲበ ነይረ። እንታይ ክገብር ኢልኩምኒ ፡ ኣይ ልበይ እንደዩ ጠፊኡኒ። ቦግ ኣቢልኩም ትወስድዋ ኮይኑ እናተሰመዓኒ። እዋይ ክስታየይ እኳ ፍልይቲ እያ፡ ፍሩይ ዓይና ፡ ዝያዳ ኩለን ሓለፋ፡ ከመይ ዝበለ ዕጫ ኮን’ዩ ገጢሙኒ፡ ብሓቂ ዕድለኛ’የ ። ክስታየይ እዚ ካናሪ ዝኾነ ድምጽኽስ ኣበይ ኮን ተሸሪቡ ፡ ንዓመታት ዝኣክል ንዓኺ ክደሊ ዘይ ኣተኽዎ ቦታ የለን። ክሓተኪ እባ ክሳብ ሎምስ ስለምታይ ከ ዘይሰረቁኺ ፧  መሰንገለይ ተቀባሊት ገሻ ፡ ርህርህቲ ፡ ልቦንኣ ብጥበብ ዝተኻሕለ’ዩ። ንሳ ተሰርሖ ጸብሐ እሞ ኢዳካ የቆርጥም ፡ኢደ ሰሎሞን ኣእዳዋ። ተቀባሊ ገሻ ከኣ። ቤተ-ክርስቲያን ኣንጊሃ’ያ ትሳለም ። ዳዊት መን ደጊምዎ’ዩ ። ተሰጥኦ ክትቅበል ከላ ኣንስቲ ቤተ-ክርስቲያን ናብኣ ገጽን ቁልሕ ብምባል ብምጥማት ከየወድቅኣ እየ ዝፈርሕ። ቤተ-ክርስቲያን ተሳሊማ ቢኣምዳብሊው(BMW) 4x4 እናዛወረት ሰተት እናበለት ስራሕ ትወፍር። መሰንገልይ ንዓኽስ ክሳብ ሎምስ ኣበይ ሸሪቦሙኺ ፧ እዞ ኵሉ ዓመታት ኣበይ ተሰዊርኪ ኔርኪ ፧ ዓቅሊ ጌርካ እንተ ተጸቢኻስ ፈረ-ጻማኻ ኣይትስእን ኢኻ ዝብልዎስ ከምዚ ነተይ ትዕድልቲ’ዩ።

ሃተፍ ተፍ ዶ ኣብዚሐ ሓቀይ ፡ ቱፍ ቱፍ ቱፍ ገዛ እንዳ ማርያም ትብሉ መቸመ ኣይትሰኣኑን ኢኹም። ሕልም’ዩ ብዙሕ ኣይትገረሙ። ከምዚ’ለ ክህተፍትፍ ዝሰመዓትኒ ኣደይ ካብ ዓራት ኣተሲኣ ኣንታ ያዕቆብ ወደይ በስመ አብ በለ በለትኒ። እዚ ኵሉ ክትብሎን ከተህተፍትፎን ዝጸናሕካ ሰሚዓዮ ። እዋይ ኣደይ! ብምባል ብሕፍረት ኣብ ጽፍረይ ክኣቱ ደለኹ። ኣንታ ያዕቆብ ወደይ  ክንደይ ኣዋልድ ዲኻ ክትምርዖ ፧ እዚ ኵሉ ክትጠቅሶ ዝጸናሕካ ባህርያት ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ብዘሓት እምበር ኣብ ሓንቲ ጓል ፈጺምካ ኣይትረኽቦን ኢኻ እናበልት ርእሰይ እናሕሰይ ንዓና ዝወደይ ዉዳሴ ማርያም ጸሎትካ ኣብጽሕ በለትኒ። ጸሎት ከይገብርኩ እንተ ደቂሰ ከምኡ ዝገብረኒ፡ ይህትፍትፈኒ ..ይቅሬታ.. ይቅሬታ ጾም መድሪ ‘ዶ ናይ ስዕረት ዘረባ ከብዝሕ ጸኒሐ። እዚ ኵሉ ናብ ጌርጌሴኖን ንምጻሕ’ዩ።

ደቂ ሰባት እግዚአብሔር ኣምላኽ ክፈጥረና ከሎ ብምስሉን ብመልክዑን ፈጠረና። ክቡራት ፍጥረት ኢና። ብጌጋ ወይ ብኣጋጣሚ ዝተፈጠርና ኣይኮናን። ኣምላኽ ንኵሉ ብመደብ ፈጠሮ። ደቂ ሰባት ኣብዛ ግዜያዊት ዓለም ኣምላኻዊ ዕላምን መደብን  ተሰኪምና ክንጓዓዝ ከም ዘለና ርድኡ ነገር’ዩ። መጽሐፍ ቅዱስ ከምዚ ይብለና “ከምቲ ብፍቕሪ ኣብ ቅድሚኡ ቅዱሳንን መንቕብ ዜብሎምን ምእንቲ ኽንከውን፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም ብእኡ ዝሐረየና፡ በቲ ፍቁር ብእኡ ዝጸገወና፡ ንውዳሴ ኽብሪ ጸጋኡ ብፍታው ፍቓዱ ብየሱስ ክርስቶስ ንርእሱ ውሉድ ክንኰኖ ቐደም መደበና”ኤፈ1፡4-5።

ደቂ ሰባት ኣብ ኣእምሮና ዝኸስቱ ሕሳባት መንፈስ እግዚአብሔር ዝዓሰሎም ደዮም ወይስ ኣይኮኑን እናበለ ክንፈላሊ ዝኽእል ጸጋ ተዓዲልና ኢና። ኣብ እእምሮና ዝኽሰቱ ሓሳባት ብሃሳሰ ለባም ተቀቢልና ከይመርመርና ክንእግዶም ኣይተኣዘዝናን። ሓይሊ  ኣጋንንቲ  ኣብ ጌርጌሴኖን እንተ ተመልኪትና “ነቲ ርኹስ መንፈስ ካብቲ ሰብኣይ ኪወጽእ ኣዘዞ። ብዙሕ ዘመናት ሐዲርዎ ነበረ እሞ፡ ብሰንሰለትን ብመቝሕን ተኣሲሩ ይሕሎ ነበረ። ማእሰሪኡ ይሰብር፡ እቲ ጋኔን ድማ ናብ በረኻ ሃለው የብሎ ነበረ”ሉቃ8፡28። እዚ ሰብኣይ መሕደሪ ጸላሊ ሰናይ ከም ዝነበረ ታሪኹ ብሰፊሑ ይሕበርና። ናይ’ዚ ስብኣይ ታሪኽ ከም ሓደ መነጽር ወስዲና ሕይወትና እንተፈቲሽና ክንደይ ሰባት ኮን ኣእምሮና ምሕደሪ ጻላኢ ሰናይ ኮይና መሰራሒ ሰይጣውንቲ  ንኸዉን ዘለና ። ንኣብነት ለቱ ሰብሐት በዓል ሂትለት፡ስታሊ፡ ...ወዘተ  እንተ ወሲድና ንሰባት ዝቀዝፍን ንሰባት ዝቀትልን ሓሳብ ኣብ ኣእምርኦም ተመሊኡ መሳርሒ ጸላኢ ሰናያት ዝኾኑ ብዙሓት’ዩ። ብፍቅሪ ደቂ ኣንስትዮ ተገዚእና ብፍትወት ስጋ ተቃጺልና ኣዳዳ ጭንቀትን መርዘን ርእስን ንኸዉንውን ኣይተሰኣናን።

“ንሱ ኸኣ ነዊሕ ዘመን ክዳን ከይተኸድነ ኣብ መቓብር እምበር፡ ኣብ ቤት ዘይቕመጥ እዩ ዝነበረ “ ሉቃ8፡27።  ክዳኑ ዘይተኽደነ ኣብ ቤት ዘይቅመጥን ዝብላ ቃል እስከ ንመርምረን ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣብ ልቡ ዘይሓዘ ሰብ ዑርቅ ፡ ቤት ዘይብሉ ምሕደሪ ኣጋንቲ ኮይኑ ይተርፍ ዝብል መልእኺቲ ዝሓዘላ’የን።ደቂ ሰባት ድሌታትናን ባህግናን  ከነርዊ ለይትን መዓልትን ብድኻም ስጋን ነፍሳን ተጠቂዕና ንርከብ። ዓለምና ሰለጠንኩ እናበለት ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሰይጣን ብገዛእ ፍቃዳ ክትሽመም በዓይንና ንርኢ ኣለና።  ሒዘናዩ  ዘለና ወቅቲ ጾም ሰለ ዝኾነ ነቲ ኣብ ኣእምሮና ዝበቁል መድራዊ ሕሳባት ብመንፈሳዊ ሞዶሻ ቐጥቒጥና ከነርሕቆ ዝጸርግ ናይ ኣዋጅ ነጋሪ ድወል'ዩ። ዑርቅ ዘይተኽደ ኣእምሮና ፡ ብጐይታ ዓለም ክርስቶስ ነመልኣሉ እዋን ሎሚ’ዩ። ናብቲ ታሪኽ ናይ’ቲ ሰብኣይ እንተ ተመሊስና “እቲ ኣጋንንቲ ዝወጹሉ ሰብኣይ፡ ክዳኑ ተኸዲኑ ናብ ልቡ ተመሊሱ፡ ኣብ እግሪ የሱስ ተቐሚጡ ረኸብዎ እሞ ፈርሁ”ሉቃ8፡35። ክርስቶስ መድኃኔ ዓለም ኣብ ልቡ ምስ ተወልደ፡ እቶም ኣጋንንቲ ካብኡ ምስ ወጹ እቲ ሰብኣይ ክዳኑ ተኽደነ ናብ ልቡ ተመልሰ ይብል እቲ ጽሑፍ።

ነስተዉዕል’ዶ  ኣለና ፡ ኣብ ዓለማ መቸም እንተይ ዘይግበር “ ክርስቶስ ተቀቢለዮ “ እናበላ  ጸጋአን ገፊፈን ጥራሕ ዕርቃን ወጽየን ልቢ መንእሰያት ዝገርሃ ክንደይ ኣብ በዓል ፈይስቡክ ፡ ኢንስተግርም ይኽብሉላ ከም ዘለዋ ንስሕቶ ኣይኮነን። እቲ ክርስቶስ ኣብ ልቡ ዝሓደሮ ሰብኣይ “ክዳኑ ተኸዲኑ ናብ ልቡ ተመሊሱ” ይብል ወንጌላዊ ሉቃስ ። ብኣጋንንቲ ተመሊኡ ከሎ ግና ጥራሑ ነበረ። መንእሰያትና ፋሽን ኣምጽኦ ቀዳድ ሰረ ተኸዲኖም ኣብ ከተማ ምስ ቀዳድ መዳድ ዘተኸድና ኣዋልድ ዝዛወሩ ኣዲኦም ትቁጸሮም። ክርስቶስ ዝለበሰ ሰብ ብዉሽጡን ብደጊኡን ወትሩ ዝተኽደነ’ዩ። እቲ ጽሑፍ ክዳኑ ተኽደነ ይብለና እምበር ኣምላኽ ናይ ልቡ’ዩ ዝርኢ ሰለዚ ደሓን ፡ ብዑሩቅካ ኪድ ዘብል ጽሑፍ ኣይነንብብን ኢና። ኣጋንንቲ ዝሓደርዎ ጥራይ’ዩ ምስ ዕርቃኑ ክርአ ዝመርጽ። ሰባት ነናቶም ባህሊ ኣለዎ ከመይ ጌርና ከምኡ ንብል ንዝብል ሕቶ እቲ ባህሊ መበገሲኡ ከበይ ምዃኑ መርመሩ ፍለጡን’ዩ መርምሩ ኢልና ክንምለስ ንኽእል።

ቃል ኣምላኽ ዑሩቅና ከንከዉን ኣይፈቅድን'ዩ ኢልና ንሰባት ምስ ንነግሮም ገሊኦም ከይቅበልዎ ይኽእሉ እዮም ። ብዙሓ ኣይንገረመና ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ዝነበሩ ሰባት ካብ ንክርስቶስ ንሓሸማ ሓሪዮም’ዩም። ኣብ ዘመና ቀንዲ ዘሰክፈካ  ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ሓደ ሓደ ድያቆናት ፡ ከምኡዉን መዝመራን ኣከዳድናና ካብ ስርዓት ወጻኢ ይኸዉን ኣሎ ምስ ትብሎም ።ንሰባት ኣይትፍረዱ እናበሉ ክቁጥዑ ተዓዚብና ኣለና። ሰባት ከይንዕንቀፉና እናበለና እቲ ሓቂ ክኸውን ዘለዎ ኣገባብ በቲ ዝርድኦም ቋንቋን ደረጃን ኣብ ክንዲ መዝረብ ነቲ ሓቂ ጓሲናዮ ንኸይድ ኣይተሰኣናን። ናብቲ ታሪኽ ናይቲ ኣጋንንቲ ዝሓደሮ ሰብኣይ እንተ ተመሊስና “እቶም ኣብ ከባቢ ጌርጌሴኖን ዝነበሩ ደቂ ሃገር ብዙሕ ፍርሃት ስለ ዝፈርሁ፡ ካባታቶም ኪኸይድ ለመንዎ። ኣብ ጃልባ ኣትዩ ኸኣ ተመልሰ” ሉቃ8፡37። በጣዕሚ ዘገርም’ዩ ኣብ ክንዲ እቲ ሰብኣይ ተፈዊሱ ብምባል  ዝሕጎሱ ፡  ንሳቶምውን ዝፍወሱን ንክርስቶስ መድኃኔ-ዓለም ኪደልና ብምባል ፡ ነተን እንስሳ ሓሸማ ጥሪቶም መሪጾም። ንኣጋንንቲ ኪዱ ዉጹ ኣብ ክንዲ ምባል ነቲ ወሃቢ ሰላም ክርስቶስ ዉጻእ ኢሎሞ ።ክርስቶስ ኣምላኽና ናይ ፍቃድ ኣምላኽ ሰለ ዝኾነ ኪደልና ምስ በልዎ ኣብ ጃልባ ኣትዩ ተመልሰ። ንሕናዉን ንክርስቶስ ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥን ካባና ረሓቅ ብምባል ኣጋንንቲ ዘመለአን ሓሸማ ንመርጽ ከንይንህሉ ንጠንቀቅ። ኣእምሮና ብቃል ኣምላኽ ተማሪኹ፡ፍቅሪ ኣምላኽ ዘሳሲ እምበር ፍቃድ ዓለም እናኣማልአ፡ ንጐይታ ዓለም ክርስቶስ ዉጻልና ይብሉ ክይህሉ ነስተዉዕል። ክርስቶስ መድኃኔ-ዓለም ኣብ ልብና ይንገስ ኣጋንንቲ ጽልመት ካባና ይርሓቁ።

ሰብሐት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ቤዛዊትን ሶስናን፡ 2018-03-16

 

 

 

Comments are closed.