ዘይርሳዕ ዘለዓለማዊ ስም ክህብካ ኢየ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ኵሉ ሰብ ሃብታም፡ ኵሉ ሰብ ድኻ፡ ኵሉ ሰብ ጥዑይ፡ ዅሉ ሰብ ሕሙም ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ኩሉ ጊዜ ሓጎስ፡ ዅሉ ጊዜ ሓዘን፡ ኩሉ ጊዜ ሰላም፡ ኵሉ ጊዜ ዂናት ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ንኹሉ ጊዜ ኣለዎ። ንኹሉ ሰብ ኣብ ሓደ ጊዜ ሓደ ዓይነት ዋኒን የብሉን። ንገለ ክህልዎ ከሎ ንገለ ግን ይስኣኖ። ኩሉ ሰብ ብሓደ ጊዜ ክትህልዎ እትኽእል ስሙ እያ። ሰብ ምስ ሞተ ስሙውን ትጠፍእ ዝዝክሮ የብሉን። ናይ ቅዱሳን ስም ግን ኣይጠፍእን ኢዩ። እኳ ደኣ ካብ ብሕይወቶም ከለዉ ንላዕሊ ድሕሪ ዕረፍቶም ይኹላዕ። ዘማራይ ዳዊት 'መዘከርታ ጻድቕ ንዘለኣለም ይነብር።' ከም ዝብል፡ በዚ ምኽንያት ስሞም ካብ ኩሉ ኣስማት ንላዕሊ ደሚቑ እናተዘከረ ይነብር።

ስም ቅዱሳን ዘይምጥፍኡ ምሥጢር እንታይ ኢዩ፧

  1. ኣብ ሰማይ መዝገብ ሕይወት ስለዝተጻሕፈ።

 ጐይታናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ሰብዓን ክልተን ኣርድእቲ በብኽልተ ለኣኾም እሞ 'ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ቶዃሉ እሰደኩም።' ንብዘለዉ ሕሙማት ፈውሱ፡ መንግሥቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ቀሪባ ኣላ ኢልኩም ስበኹ ኢሊ ምስ ለኣኾም፡ ኣጋንንቲ ውን ብስሙ ስለ ዝተኣዘዝዎም በዚ ሓዋርያት ተሓጎሱ። ጐይታ ግና "ግናኸ ስምኩም ኣብ ሰማይ ስለ ዝተጻሕፈ ደኣ ተሓጎሱ እምበር፡ መናፍስቲ ስለ ዝተመለኹልኩም ኣይትተሓጎሱ። ሉቃ10፥20

ከምኡውን ሊቀ ነቢያት ቅዱስ ሙሴ ንእግዚአብሔር፥ ነዚ ሕዝቢ ካብ ተጥፍኦ ንዓይ ካብ መዝገብ ሕይወት ሕኸኸኒ ኢልዎ ኢዩ። ስለዚ ስም ቅዱሳን ኣብ መዝገብ ሕይወት ስለዝተጻሕፈ ክርሳዕን ክጠፍእን ኣይክእልን ኢዩ፡ ንዘለዓለም እንዳ ተዘከረ ይነብር።

2ይ  ቤተ ክርስቲያን ቤት እግዚአብሔር እያ። ከምቲ ኣነ ኣብ ቤተይን ኣብ ውሽጢ ደምበይን ሥፍራ፡ ካብ ኣወዳትን ኣዋልድን ዝበልጽ ድማ ስም ክህበካ እየ። እወ ፥ ዘይርሳዕ ዘለዓለማዊ ስም ክህበካ እየ። ት.ኢሳ 56፥5-6 ቤተክርስቲያን ንቅዱሳን ኣብ ቤታ ሥፍራን ደምበን ብምሃብ እንዳ ማርያም፡ እንዳ ቅዱስ ጊዮርጊስ፡ እንዳ አቡነ ተክለሃይማኖት ,,,,, ብምባል ስሞም ጸዊዓ፡ ገድሎም ጽሒፋ፡ ታቦት ቀሪጻ፡ ቤት ሓኒፃ፡ ስሞም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንዘለዓለም ከምዝጽዋዕን ከም ዝዝከርን ትገብር። ስለዚ ስም ቅዱሳን ኣብ ቤት እግዚአብሔር ብድሙቕ ቀለም ተወሪቑ፡ ብስብሐትን ብማሕሌትን ብዝማሬን እናተዘከረ ይነብር። ቤተ ክርስቲያን ክሳብ ዘሎ ስሞምውን ኣሎ። ስሞም ንዘለዓለም ኣይጠፍእን ኢዩ።

3ይ ሃብቲ ቤተክርስቲያን ኣዝዩ ብዙኅ ኢዩ። ብመጻሕፍቲ፡ ብገድላትን ብታሪኽን ዝወዳደራ ዘይብላ ቤተክርስቲያን ሓደ ካብቲ ብዘይምቁራጽ ነቲ ዘይጠፍእ ስሞም እትዝክረሉ "ስንክሳር" ዝተባህለ መዝገብ ቅዱሳን ኣቦታትናን ቅዱሳት ኣዴታትናን ዘለዎ መጽሓፍ ኢዩ። ብዘይምቍራጽ ዓመት ምሉእ ብብመዓልቶም ስሞም ብምዝካር ገድሎም ብምንባብ፥ ትሕትና፡ ትዕግሥቲ፡ ፍቕሪ፡ ንጽሕና ቅዱሳን ኣብ ምእመናን ብዘይርሳዕ መዘከርታ እናሓነፀት ትነብር። ስለዚ በዚ ስም ቅዱሳን መዓልታዊ እናተዘከረ ይነብር። ገድላቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን እናተነበ ስለዝነብር ስሞም ኣይጠፍእን ኢዩ።

4ይ ስም ቅዱሳን ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያ ከይተሓጽረ ኣብ ቤት ነፍስ ወከፍውን እናተዘከረን እናተጸውዐን ይነብር።

 ዅሉ ኣማኒ ኦርቶዶክስ ኣብ ሰማይ ዑቝባ ዝኾንዎ፣ ዘማልድሉ፣ ካብ ቅዱሳን መሪጹ ዝክሪ ብስሞም ይገብር ኢዩ። ብፍሉይ ኣጋጣሚ ይኹን ካብ ስድርኦም ዝተረከብዎ ዝኽሪ ቅዱስ ሚካኤል፡ አቡነ አረጋዊ፡ አቡነ ብፁዕ አምላክ፡ አቡነ ተክለሃይማኖት,,,,,,, እዚ ኣብ ነፍስ ወከፍ ህዝበ ክርስቲያን ዘሎ ኢዩ። ከምቲ "ካብዞም ንእሽቱ ንሓደ እኳ ብስም ወዲ መዝሙር ዝሑል ብርጭቆ ማይ ጥራይ ዜስቲ ዓስቡ ከቶ ከምዘይስእን ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ” (ማቴ. 10፡41-42) ዝበሎ። ከምኡውን መዘከርታ ጻድቕ ንበረከት ኢዩ። ምሳ 10፥7 ዝብል ቃል ኣምልኽ ዘኪሮም ምእመናን ጸበል ዝክር ብምግባር ካብ ቅዱሳን በረኸት ምእንቲ ክቕበሉ፡ ንጥሙይ ብምዕንጋል፣ ንጽሙእ ብምርዋይ በረከቶም ይካፈሉ። እምበኣር በዚ ውን ስም ቅዱሳን ኣብ ገዛ ምእመናን ይዝከር ኢዩ። ስለዚ ስም ቅዱሳን ከም ስየ ይልምልም እምበር ኣይጠፍእን ኢዩ።

5ይ.  ንሕና ኣመንቲ መቕደስ ኣምላኽ ተባሂልና ተጸዊዕና ኢና።

  እምበኣር ሰብነትና መቕደስ ኣምላኽ ኢዩ። መቕደሱ እንተዄንና ከኣ ስም ቅዱሳን ኣብኡ ከምዝጽዋዕ ተነጊሩና ኢዩ፣ ( ኢሳ 56፡6)። ስለዚ ቤት መቕደስ ኣምላኽ ስለዝኾንናን ወልደ ጴጥሮስ፡ ምልእተ ጸጋ፡ ወልደ ጊዮርጊስ፡ ዑቚባ ጊዮርጊስ፡ ጽላተ ሙሴ፡ ወለተ ማርያም፡ ትርሲተ ማርያም፡ ወለተ ሚካኤል እናበለት ቤተ ክርስቲያን ምስ እትህበና። በዚ ምኽንያት ስም ቅዱሳ ኣባና ከምዝጽዋዕ ይኸውን። ኣስማትና መልእኽቲ ኃዘል ኢዩ። ስምና ልማኖ ኢዩ፡  ስምና ጸሎት፡ ምስጋና፡ ምህለላ፡ ትእዛዝን ስብከትን ኢዩ። ስም ይመርሕ ጥዋፍ የብርህ ከም ዝብሃል ግብርና ንስምና ምእንቲ ክመስል ቤተክርስቲያን ኣዝዩ ዘደንቕ ስም ሂባትና። ስለዚ ስምና ብስም ቅዱሳን ስለዝጽዋዕ ስሞም ኣይጠፍእን ኢዩ። ቤተ ክርስቲያንን ኣመንትን ክሳዕ ዘለዉ ስም ቅዱሳንውን እናተዘከረ ይነብር።

መዘከርታ ጻድቕ ንዘለኣለም ይነብር።

ሰላም ለዝክረ ስምከ ክብረ ነዳያን ነገድ፡ ወለሥእርተ  ርእስከ ሰላም ዘግልባቤሁ መረግድ፡ ሰይፈ ሚካኤል ሰሎምን ንጉሠ ምናኔ ውሉድ፡ መኑ እምግብር ዘከማከ እምግብረ መላእክት ልማደ፡ እንበለ ማርያም እግዝእትከ እምዓለም ፈቃደ።

ርሑስ በዓል አቡነ ሰይፈ-ሚካኤል ይግበረልና።

ዲያ. ይከኣሎ

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

Comments are closed.