ዘመነ ጽጌ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን።

እንቋዕ ናይ ጾመ ጽጌ ኣብጽሓና።

ጾመ ጽጌ ካብ መስከረም 26 ክሳብ ሕዳር 5 ሓደ ወርሕን ዓሰርተ መዓልቲ ዝሓዘ እዋን እዩ ። እዚ እዋን  ናይ ፍቃድ ጾም እንጸሞ እዩ። ሕጻኑ አምላከ ቅዱሳን መድኃኔ ዓለም ኣዲኡ ወላዲተ ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምስ ጻድቁ ዮሴፍን ሰሎሜን ኮይኖም ንሰለስተ ዓመትን መንፈቅን ዝተሰደድዎ እንዳዘከርና ዝበጽሖም መከራ እንዳሓሰብና እንጸሞ ጾም እዩ።

እዚ እዋን ካብ መስከረም 26 ክሳብ ሕዳር 5 ዘሎ ወርኃ ጽጌ ዘመነ ጽጌ ተባሂሉ ይጽዋዕ።  ኣብዚ እዋን ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስትያና ዝንበቡ ንባባት ፣ ዝዝመሩ መዝሙራት፣ዝስበኹ ስብከታት ፣ ዝቅወም ማኅሌት ብሓፈሻ ዝበጽሕ ስብሐተ እግዚአብሔር ሰማይ ብኸዋኽብቲ ፣ ምድሪ ብጽጌያት ማዕሪጋ ዝረኣዩ ምኻኖም ዝገልጽ እዩ።

ወርኃ ጽጌ ኩሉ ዝበጽሕ መንፈሳዊ ኣገልግሎት መበገሲኡ “ነዚ ሕጻንን ኣዲኡን ሒዝካ ናብ ግብጺ ህደም ክሳዕ ዝነግረካ ከኣ ኣቡኡ ጽናሕ” ኢሉ ብዝነገሮ መሠረት ክሳዕ “እቶም ነፍስ እዚ ሕጻን ዚደልዩ ሞይቶም እዮም እሞ፡ ተንሥእ፡ ነዚ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ፡ ናብ ምድሪ እስራኤል ኪድ። ” ተባሂሉ እቲ መልኣኽ ገሊጹ ክሳዕ ዝነግሮ ድማ ኣብ ስደት ሠለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ኣዋርሕን ጸኒሖም /ራእይ.12፣6/ ። ድሕሪኡ  ናብ ሃገሮም ናዝሬት ከምዝተመልሱ እንዝክረሉ  እዋን እዩ። (ማቴ.2፥13,20) ት.ኢሳ.19፣1፣ እንባቆም 3፣6-7፣ መዝ.83፣3/፡፡

ኣብ መበል 14 ክፍለ ዘመን ዝነበሩ አበው ኣባ ጽጌ ብርሃን ፍረ ካብ ፍዮሪ ዕንበባ ዕንበባ ካብ ፍረ ከምዝርከብ ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንወዳ መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ብፍረን ብዕንበባን እንዳመሰል ኣብ ዝደረሶ ድርሰቱ ከምዚ ይብል

“አፈወ ሮማን ማርያም ጽጌ ቀናንሞ ወአበሜ፣ እስከ ተጸምሐየየ በጾም ዘመልክዕኪ ጊዜ ድክታሜ፣ እምተመነይኩ ተሳትፎ ከመ እኅትኪ ሰሎሜ፣ ወፍሥሓኪ ዘአልቦ ፍጻሜ ” ፡፡  ትርጉሙ “ ሽቶ ሮማን ዕንበባ ቀናንሞ ዝኾንኪ ቅድስት ድንግል ማርያም ግርማ መልክዕኺ ክሳብ ዝጽልምው ብስደትን ድኻምን ብዙሕ ብኽያት ዝበጽሓኪ  ኩሉ መከራ ፣ ኣነ’ውን ድሌተይከም ሓፍትኺ ሰሎሜ  ቲ’ መከራኺ ሓቢረ እንተዝቅበሎ ።”  

ከሙኡ ከኣ ኣብ አርክ ሥሉስ ኣብ ስደታ ዝበጽሓ ሓዘን ልቅሶን ሰቆቃ ዝበጽሓ እንዳዘከረ ኣብ “ ሰቆቃው ድንግል “ ዝደረሶ ድርሰቱ  ከምዚ ይብል “ ጸሓይ ትለብሲ ውሉደ ብርሃን ድንግል ማርያም ካብ ክፋእ ሄሮዶስ ንወድኺ ሒዝኪዮ ምስ ሃደምኪ ዝበጽሓኪ መከራ ወርሒ ዝወድዩ ኣእጋርኪ ብብዝሒ መገዲ ብዋዕየ ሑጻ ክቃጸል ከሎ ይትረፍ ሰብ ኣእማንውን ምበኸዩ ኔሮም። “ ይብለና።

ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ መዘከርታ ስደታ ንዝኾነ ዘመን፡ ምሳሌን ምሥጢርን ታሪኽን እናሰማመዐት ብፍሉይ ማኅሌት ንእትጥቀመሉ ማኅሌተ ጽጌ ብሓፈሻ ብሠለስተ ኣገባብ ነዚ እዋን ከምእተኽብሮ ምስትውዓል የድሊ። ንሳቶም ኸኣ ብማኅሌት፥ ብቅዳሴ፥ ብዝክር እዮም።

እቲ ምሉእ ለይቲ ሰንበተ ክርስቲያን ብፍሉይ ተመስጦ ዝቕጽልን ዝቐርብን ዝማሬውን ካብ ድጓ ቅዱስ ያሬድ፥ ማኅሌተ ጽጌ ከምኡውን ሰቆቃወ ድንግል ዝተረኽበ እዩ። ብምሳሌ ይኹን ብትንቢት ቅድመ ሓዲስ ኪዳን ንዝተነግረላን፤ ከምኡውን ካብ ጽንሰታ ጀሚሮም ኣብ ኵሉ መዋዕላ፡ ካብ ጐይታ ከይተፈልየት ምእንቲ ደቂ ሰባት ንዝገበረቶ ኵሉ እናተገልጸ ዝዝከረሉ ፍሉይ እዋን ንምስታፍ ሰንበት መጸ ሊቃውንትን ካህናትን ዲያቆናትን ምእመናን ብናፍቖትን ብሓንቀውታን ክጽበይዎ ይቕንዩ። ምስ ተጀመረ ድማ ለይቲ ምሉእ ብተመስጦ ክዝምሩ ይሓድሩ። ቅዳሴ ድማ የቕድሱ። ዝክራ ድማ በብተራ ብምግባር ካብ በረኸታ ይሳተፉ። 

ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ስደታ እንዝክሮ።

  1. እሳ ንዓና ክትብል

ናይ ሕይወት እንጀራ ተሸኪማ ምጥማያ

ናይ ሕይወት መስተ ሒዛ ምጽምኣ

ናይ ሕይወት ልብሲ ሓዚላ ምዕራቃ

ሙቀተ መንፈስ ቅዱስ ዝዕድል ተኸኪማ ቁሪ ምህራማ ንሓስብን እንዝክርን  ።

ዘመኑ ናይ በረከት እዩ’ሞ ኣዘክሪ ድንግል እንዳበለና  ብምግባረ መንፈሳዊ ካብ በረከቱ ንሳተፍ ።

  1. ብኻልእ መገዲ ከኣ ወርኃ ትፍሥሕት እዩ። ኣብ ክረምቲ ዝደኸመ ፈረ ጻዕሩ ዝረኽበሉ እዋን ስለዝኾነ በሊዑ ሰትዩ ደስ ይብሉ። ዘይሰርሐ ግና ካብ ምሕዛን እንተዘይኮይኑ ካልእ ዕድል የብሉን ። እዚ ከኣ ምሳኤኡ

ዘመነ ክረምት ናይዚ ዓለም ምሳሌ ዘመነ መጸው ድማ ናይ መንግሥተ ሰማያት ። ናይዚ ዓለም ምግባር ትሩፋት ዝሰርሐ ኣብቲ ዝመጸእ ዓለም ተድላን ክረክብ ከሎ፣ እቶም ሰናፋት  ኃጥኣን ግና ክፍሎም ምስ ግቡዛት እዩ ።   

በወርኀ ትፍስሕት እንደ ሊቃውንት ከምዚ ኢልና ክንጽልይ ይግበኣና።

"ድኅረ ኀለፈ ክረምት ወገብአ ዝናም: ዘአስተርአይከ እግዚኦ ጽጌያተ ገዳም:

አፈወ ሃይማኖት ነአልድ ወፍሬ ምግባር ጥዑም:

አትግሃነ ለስብሐቲከ ከመ ትጋሆሙ አዳም:

ለጽብስት ንሕብ ወነአስ ቃሕም::"  

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ኣብ ዘመነ መጸው ካብ ቀዛፊ ሕማምን ካብ ኩሉ ክፋእ ነገራት ሓልዩ ወርኀ ትፍሥሕት ይግበረልና።

በረከታን ኣማላድነትና ናይ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለየና።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር። 

Comments are closed.