ዘመነ ኖላዊ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ሰናብቲ ናይ ልደት

ኖላዊ ዘመጻ ውስተ ዓለም ወልዱ ወቃሉ ለእግዚአብሔር።  እቲ ንእግዚአብሔር ወዱን ቃሉን ዝኾነ ጓሳ ናብ ዓለም መጸ።

መዝሙር ዘኖላዊ ፡

ኖላዊ ዘመጽአ ውስተ ዓለም።

ወልዱ ወቃሉ ለእግዚአብሔር ዘወረደ እምላዕሉ በዐቅሙ ክርስቶስ።

እስመ ውእቱ እግዚአ ለሰንበት።

ይቤሎ አብ ለወልዱ ወልድየ ንበር በየማንየ።

ወልድየ ንበር በየማንየ።

ምስባክ

ኖላዊሆሙ ለእስራኤል አጽምዕ።

ዘይርዕዮሙ ከመ አባግዐ ዮሴፍ ።

ዘይነብር ላዕለ ኪሩቤል አስተርአየ። መዝ ፸፱፡፩/79፡1።

ዕብ ፲፫፡፲፮/13፡16-ፍጻሜ።  ፩/1 ጴጥ ፪፡፳፩/2፡21-ፍጻሜ። ግ.ሓዋ. ፲፩፡፳፪/11፡22-ፍጻሜ። ዮሓ ፲፡፩-፳፪/10፡1-22።

ኖላዊ ናይ ጾመ ነቢያት መወዳእታ ሰሙን ቅድሚ ልደትን ገናን ዘሎ ሰሙን እዩ። ሰንበት ካብ ዕለት ፳፩/21 ክሳዕ ፳፯/27 ታኅሣሥ ኣብ ዝወዓለሉ ይኽበር። ኖላዊ ማለት ሓላዊ ጓሳ ማለት እዩ። እዚ በዓል ዝኽበር ናይ ክርስቶስ ሕያዋይ ጓሳነት እናዘከርና ከመይ ኢሎም እቶም ጓሶት ናይ ቤተክርስቲያን ኣሰር ናይ ክርስቶስ ብምስዓብ ነተን ኣባጊዕ ክሕልውወን ከም ዝግባእን፡ እቶም ዝጓሰዩ ምእመናን ድማ ከምቲ ኣባጊዕ ንዋነኣን ብጸባ ዘርብሖኦ፡ ብወገን ተጓሰይቲ ክገብርዎ ዝግባእ እናሓሰብናን እነስተንትነሉ፡ ካብ ጌጋታትና ድማ እንመሃረሉ እዩ። ብቕድሙ’ውን በዓል ንኽንሕጎሰሉ ጥራይ ዘይኮነስ ካብቲ በቲ ዕለት ዝተፈጸመ ታሪኽ እነስተንትነሉ በቲ እግዚአብሔር ዝገበሮ ሠናይ ግብሪ እነምስግነሉን እንመሃረሉን ዕለት እዩ። ዘጸ ፲፫፡፫/13፡3።

ወዲ ሰብ ንርእሱ ዝጓስየሉ ኣእምሮን ልቦናን ዘለዎ እዩ። ነፍሱ ድማ ስገድ ጹም፣ ጸሊ፣ መጽውት፣ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣንብብ፣ ግብሪ ጽድቂ ግበር እናበለት ብግብሪ ጽድቂ ትሕልዎን ትጓስዮን። እዚ ናይ ጉስነት ጸጋ ካብ እግዚአብሔር ዝተዋሃብናዮ እስትንፋስ፡ ነፍሲ እዩ። እንተኾነ ግና ወዲ ሰብ ክድኅን ምሥጢራት ክፍጽም ስለዘለዎ፡ ምሥጢራት ድማ ብስዩማነ እግዚአብሔር እምበር ብውልቂ ክፍጸሙ ስለዘይክእሉ ናይ ነፍሲ ጉስነት በይኑ ናብቲ መንገዲ እምበር ናብ ፍጻሜ ከብጽሕ ኣይክእልን እዩ። በንጻር እዚ ድማ ፍትወታት ናይ ሥጋ ኣባና እንተ ነጊሡ ናብ ዘይተደለየ ግብሪ ጸልማት ይመርሓና። እዚ መንገዲ ናይ ዲያብሎስ እዩ፡ ንሱ ለይትን ቀትርን ካብታ ወዲ ሰብ ዝፍጠረላ ጊዜ ጀሚሩ ደቂሱ ኣይፈልጥን እዩ። “ዲያብሎስ፥ እቲ መጻርርትኹም ፥ ዝውሕጦ ደልዩ ከም ዝጓዝም ኣንበሳ ይዘውር ኣሎ እሞ ተጠንቐቑ፥ ንቕሑ።” ፩/1 ጴጥ ፭፡፰/5፡8። ገሊኦም ድማ ዲኖ ኣባጊዕ ተኸዲንም መንጠልቲ ተዃሉ ነተን ኣባጊዕ ክበልዕወን ስለዝጽዕቱ፡ ካብዚ ከናግፈና ኃያል ጓሳ የድልየና እዩ። እምበኣር ጓሳ ዘድሊ ዝምንጥል ተዂላ ስለ ዘሎ እዩ። እንተዘይህሉ ጓሳ ኣይመድለየን ነይሩ። ስለዚ ድማ ካብዚኦም ከድኅን ዝኽእል ኃያል ጓሳ ንወዲ ሰብ ከም ዘድልዮ እግዚአብሔር ፈሊጡ ቀደም ነቦታትና ኣበው፡ ነቢያት፡ ሓዋርያት፡ ካህናትን ንሕዝቦም ክጓስዩ ኣተንሥኦም።

ነቢይ ሙሴ ንእግዚአብሔር “ሕዝብኻ ጓሳ ከም ዘይብሉ ኣባጊዕ ከይኮኑሲ፥ ኣብ ቅድሚኦም ዝወፅእን ዝኣቱን፥ ዘውፍሮምን ዘእትዎምን፥ ንስኻ እግዚአብሔር ኣምላኽ ኲሉ ሕይወት፥ ነዚ ሕዝቢ እዚ ክመርሖ ዝኽእል ሰብ መድብ” ምስ በሎ፡ እግዚኣአብሔር ድማ ንኢያሱ ወዲ ነዌ ብምንባር ኢድ ከም ዝሽየም ገይርዎ እዩ። ዘኁ ፳፯፡፲፮-፲፯/27፡16-17። ኣብ ኤፌሶን ፬፡፲፩-፲፫/4፡11-13 ድማ “ንሱ ኸኣ ንገሊኦም ሓዋርያት፥ ንገሊኦም ነቢያት፥ ንገሊኦም ሰበኽቲ ወንጌል፥ ንገሊኦም ናይ ነፍሳት ጓሶት፥ ንገሊኦም ኸኣ መምሃራን ገበሮም። እዚ ኸኣ እታ ሰብነት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተክርስቲያን ክትህነጽ፥ እቶም ቅዱሳን ኣብ ኣገልግሎት ፍጹማን ምእንቲ ክኾኑ። ንሕና ኸኣ ኲልና ብእምነት ሓደ ዄንና፥ ንወዲ ኣምላኽ ፈሊጥና ናብ እኹል ሰብኣይ፥ ናብ ክርስቶስ ምልኣት ብጽሕና ክሳዕ እንበጽሕ እዩ።” ይብል።

ይኹን ድኣ እምበር ነቢያት ነቲ ንዘለዓለን ከርዊ ዝኽእል ናይ ሕይወት ማይን መግብን ክህቡና ኣይከኣሉን። ነዚ ቅዱሳን ነቢያት ከም ዘይህቡና ፈሊጦም ብዛዕባ እቲ ልዕሊ ኲሉ ዝኾነ ሕያዋይ ጓሳ፡ ምእንቲ ኣባጊዑ ሕይወቱ ዘሕልፍ፡ ካብተን ኣባጊዕ ድማ ንመብልዕ ዝኸውን ሥጋኣንን ጸባኣንን ከየድለዮ፡ ናቱ ቅዱስ ሥጋ ቆሪሱ ዝህብ፡ ክቡር ደሙ ኣፍሲሱ ዘርዊ ሕያዋይ ጓሳ ተነቢዮም እዮም። ሕዝ ፴፬፡፲፭/34፡15፣ ኢሳ ፵፡፲-፲፩/40፡10-11፣ መዝ ፳፫፡፩/23፡1።

ጊዜኡ ምስ ኣኸለ’ውን ጐይታ ባዕሉ ሕያዋይ ጓሳ ከም ዝኾነ፡ እቲ ነቢያት ዝተነበይሉ ንሱ ምዃኑ፡ “እቲ ናብ ደንበ ኣባጊዕ ብኣፍ ደገ ዘይኣቱ፥ ብኻልእ ወገን ዚሓኲር፥ ንሱ ሰራቕን ጒሒላን ከም ዝኾነ ብሓቂ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።” ዮሓ ፲፡፩/10፡1። ብምባል ንሱ ነብያት ከይተነበዩሉ ምሳሌ ከይተነግረሉ ሰላሕ ኢሉ ዝመጸ ከም ዘይኮነ ኣረዲኡ እዩ። “ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ… ካብዚ መጓሰ እዚ ዘይኮና ኻልኦት ኣባጊዕውን ኣለዋኒ ንኣአተን ድማ ኸምጽአን እየ፥” ዮሓ ፲፡፲፬-፲፮/10፡14-16። በዚ ጉስነት ንዘሎካ ጥራይ ዘይኮነስ ንዃልኦት ዘይኣመኑ ናብ እምነት ተዋህዶ ምምጻእ ከም ዝኾነ ኣረዲኡ እዩ። በዚ ድማ ጐይታ በቲ ናቱ ኣርኣያነት ተማእዚዞም ዝኸዱ ንዓለም ዝጓስዩ እሙናት ጓሶት መዚዙን መልሚሉን ኣብ ብቕዓት ንዘብጽሖም ሓዋርያት ሕድሪ ሂብዎም እዩ። “ዕያውተይ ኣብልዕ … ኣባጊዐይ ሓሉ …ኣባጊዐይ ኣብልዕ” ዮሓ ፳፩፡፲፭-፲፯/21፡ 15-17። እዚ ናይ ቃል ምድግጋም ቃለ ኣጽንኦ ይበሃል ማለት ተሪር፡ ዓቢይ ሕድሪ፡ ብዝኾነ ምኽንያት ሸለል ክበሃል ዘይግባኦ ምዃኑ ዘረድእ እዩ። ጐይታ ቅድሚ ንሓዋርያት እዚ ሕድሪ ምስካሙ እቲ ዝግባኦም ትምህርቲ ንሰለስተ ዓመትን ሰለስተ ወርኅን ብተግባርን ብቃልን ምሂሩ፡ ከም ወርቂ ኣብ ሓዊ ተፈቲኖም ክጸርዩ፡ ኣብ ማእከል ተዃሉ ከም ኣባጊዕ እናሰደደ መንፈሳውነት ኣልቢስዎም እዩ።

እዚ ናይ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገደፈልና ኣርኣያ መጀመርያ ሰብ ብጥበብን ብጸጋን ብመንፈስን ብትምህርትን ክዓቢ ከም ዝግባኦ ብተግባር ፈጺምዎ እዩ። ሉቃ ፳፡፶፪/2፡52። በዚ ዘይሓለፈ ሰብ ኣይኮነን ዶ ናይ ምእመናን ጓሳ ክኸውን ንገዛእ ርእሱ እኳ ክመርሕ ኣይክእልን እዩ። “ሓደ ነታ ቤቱ ኼመኃድራ ካብ ዘይክእል ግና ነታ ቤተክርስቲያን ኣምላኽ ድኣ ከመይ ገይሩ ኺኣልያ ይኾነሉ” ፩/1 ጢሞ ፫፡፭/3፡5። “ካብ እሾኽዶ ፍረ ወይኒ ወይስ ካብ ተዀርባ በለስ ይቕንጠብ እዩ፧” ማቴ ፯፡፲፮/7፡16። እምበኣር ከምዚ ካብ ኮነ “ካብ መናፍቕ መምህር ሃይማኖት፡ ካብ ሥጋዊ መምህር መንፈሳዊ፡ ካብ ሓሳዊ መምህር ሓቀኛ ትምህርቲ ኣይርከብን እዩ።” ትርጓመ ወንጌል።

ቅዱሳን ሓዋርያት ነቲ ካብ ጐይታ ዝተቐበልዎ ሕድሪ ኣጽኒዖም ብምሓዝ፡ ስሕለት ሰይፊ ከይፈርሁ፡ መከራ ከይተሰቀቑ፡ ብብዙሕ ጸበባ ኣብ ሙሉእ ዓለም ብምዛር ወንጌል ከም ዝሰፍሕ ገይሮም። ካብቲ ዘለዎም ቁጽሪ ብምውሓድ ዘይኮነስ ዕለት ዕለት ቁጽሪ ሓደሽቲ ምእመናን ብዘደንቕ ናህሪ ይውስኽ ነይሩ። ግሓ ፭፡፬/5፡4። እዚ ብቓል ጥራይ ዘይኮነስ ብተግባር እውን ብርሃን ኮይኖም ንዂሉ ዓለም ብሠናይ ምግባርን ብመንፈሳውነት ከምቲ ጓሳኦም ስለዘብርሁ እዩ። ነዚ ሕድሪ ኣጽኒዖም ምሓዞም ብኣሕዛብ እኳ ተመስኪርሎምን ሰዓብቲ ክርስቶስ ክብሉ ክርስቲያን ዝብል ሽም ወጺሎምን እዩ። ግሓ ፲፩፡፳፪/11፡22-ፍጻሜ።  

ሓዋርያት ነቲ ዝተወሃብዎ ሕድሪ ነቶም ብድሕሪኦም ዝመጹ ሸይሞም “ነዚ ነገራት እዚ ኣዝዝን ምሃርን። ‘መንእሰይ እዩ’ ኢሉ ሓደ እኳ ኣይንዓቕኻ። ግና ነቶም ኣመንቲ ብቓል፡ በካይዳ፡ ብፍቕሪ፡ ብእምነት፡ ብንጽሕናውን ኣርኣያ ኹኖም። ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ፡ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ንሕዝቢ ኣብ ምንባብን ምስባኽን ምምሃርን ተጸመድ ነቲ ብቓል ትንቢት ብምንባር ኢድ መራሕቲ ቤተክርስቲያንን ዝተዋህበካ ጸጋ ሸለል ኣይትበሎ። ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ኣጸቢቕኻ ትጋህ እናዓቤኻ ትኸይድ ከም ዘሎኻ፥ ኣብ ዅሉ ምእንቲ ኺግለጽሲ፡ ነዚ ነገርዚ ኲለንትናኻ ወፊ። ንገዛእ ርእስኻን ነቲ እትህቦ ትምህርትን ተጠንቀቕ፥ ኣብኡ ጸኒዕኻ ንበር፥ እዚ እንተ ገበርካስ፡ ንርእስኻን ነቶም ዚሰሞዑኻን ከተድኅን ኢኻ።” ፩/1 ጢሞ ፬፡፲፩-፲፮/4፡11-16። ብምባልውን የጠንቅቑ ነይሮም። እዚ ጸጋ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝወሃብ ምዃኑ ከረድኡ “ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ቤተክርስቲያን ኣምላኽን ክትጓስዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኲሉ መጓሰ ሐልዉ። ኣነ ምስ ኣግለስኩ፡ ነቲ መጓሰ ዘየናሕስዩሉ ከም ተዃሉ እኩያት ዝኾኑ ሰባት ኸም ዚመጹኹም፡ እፈልጥ ኣሎኹ። ካባኻትኩምውን ከይተረፈ ንደቀ መዛሙርቲ ሰዓብቶም ምእንቲ ክገብርዎም፥ ቄናን ትምህርቲ ዝምህሩ ኪትንሥኡ እዮም።” ግሓ ፳፡፳፰-፴/20፡28-30።

ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ሓደ ጓሳ ከመይ ክኸውን ከም ዝግብኦ ምፍላጥ እቲ ቀንዲ ኣተኩሮ ክወሃቦ ዝግባእ ምዃኑ ከረድእ ካብተን ፲፬/14 መልእኽቱ ነተን ሰለስተ መልእኽትታቱ ብዛዕባ ናይ ጉስነት ዝጸሓፈን እዩ። ቀዳማይን ካልኣይን ጢሞቴዎስን ቲቶን እየን። እዚኣተን ናይ ኖላዊነት መልእኽታት (Pastoral Epistles) ይብሃላ። ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ “ናይ ጉስነት(ምሕደራ) ጉድለት ሕንፍሽፍሽ፡ ዕግርግርን፡ ምብትታንን የስዕብ” ይብል። ኣብዚ እዋን እውን ናይ ጉስነት ትምህርቲ ኣብ ናይ መንፈሳዊ ኮሌጃት ክሳዕ ናይ ዩኒቨርስቲ ደረጀ ናይ ፬/4 ዓመታት ትምህርቲ ይዋብ እዩ። ነዚ ድማ ቅድስት ቤተክርስቲያን ብዘለዋ ዓቕሚ ትዓየሉ ምህላዋ ኣዚዩ ዝምስገን እዩ። እዚ ናይ ጉስነት ዕዮ ብመንፈሳውነትን ብትግሃትን እንተ ተዓይይሉ ኣዚዩ ጠቓሚ ምዃኑ፡ እንተ ድኣ ዘይተዓይይሉ ድማ ብዙሕ ዕንወት ዘውርድ ከም ዝኾነ መረዳእታ ዘድልዮ ነገር ኣይኮነን።

እቲ መንፈሳዊ ጓሳ ነተን ኣባጊዑ፡ ቃል ወንጌል፡ መንፈሳውነት፡ ሥነ ምግባር፡ ትሕትና፡ ፍቕሪ፡ ግብሪ ጽድቂ፡ እናቐለበ ኣብቲ ናይ ቅድስና ሥፍራ የዋፍረን። ኣብኡ ድማ ጸኒዐን ከም ዝነብራ ይገብር። እዛ ቅድስት ሥፍራ እግዚአብሔር ንሙሴ ኣብ እንባ ሲና ዘርኣዮ፡ ዘፀ ፳፭፡፵/25፡40፣ ግሓ ፯፡፵፬/7፡44፥ ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ ኣብ ሰማይ ዝተገልጸሉ፡ ራእይ ፲፩፡፲፱/11፡19፣ እስራኤል ደገ ሰማይ ዝበላ፡ ቅድስት ቤተክርስቲያን እያ። ዘፍ ፳፰፡፲፯/28፡17 እዚ ኣፍ ደገን ኣባጊዕን ርእሲ ቤተክርስቲያንን ድማ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ዮሓ ፲፡፯/10፡7፣ ቆላ ፩፡፲፰/1፡18 ። ንሱ ምእንቲ ኣባጊዑ ነፍሱ ኣሕሊፉ ዝህብ ሕያዋይ ጓሳ እዩ። ዮሓ ፲፡፲፩/10፡11። ነተን መጓሰ ድማ ናይ ሕይወት እንጌራ ይምግበን ዮሓ ፮፡፶፬/6፡54 ። በዚ ድማ እቲ ጓሳን እተን መጓሰን ሓደ ይኾና። ዮሓ ፲፡፲፮/10፡16።

ቅድስት ቤተክርስቲያን ኣብ ኲሉ ኣህጉር ናይ ዓለምና ኣብ ሃገራትን ዓድታትን ሕንጻኣ ሓኒጻ፡ ሊቃውንታ ኣዋፊራ፡ ምእመናና ጠርኒፋ፡ ብቕዱስ ሲኖዶስ ማእከልነት ሓደ ኾይና እትኸይድ ብክርስቶስ ሓደ ስለዝኾነት እያ። ኣብ ናይ ዕለቱ ዝንበብ ኣብ ግሓ ፲፩፡፳፪/11፡ 22-ፍጻሜ፣ ዝተገልጸ ናይ ኣንጾኪያን ኢየሩሳሌምን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ሓደ ጉስነት ንዘሎ ናይ ቤተክርስቲያን ሰንሰለታዊ ምሕደራን ዕዮን ኣርጊጹ ዘረድእ እዩ። ናይዚ ሰንሰለታዊ ጉስነት ርእሲ ክርስቶስን፣ እቲ ዘጽንዓ ድማ ኣብ፣ መንፈስ ቅዱስ ድማ ዘጽለለላ እዩ። ግሓ ፳፡፳፰/20፡28። በዚ ኃይሊ ቅዱስ ሲኖዶስ፡ ቀጺሉ ጳጳስ፡ ድሕሩ ካህን፡ ከምኡውን ዲያቆን፡ ምእመን ኲሉ በብደረጃኡ ብኃይሊ መንፈስ ቅዱስ ይዓይይ። እዚ ማለት ሲኖዶስ ንዂለን ኣብ ትሕቲኡ ንዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያናት፡ ጳጳስ ነቲ ዝተወከለሉ ሃገረ ስብከት፡ ካህን ነቲ ዘለዎ ቀጽሪ ቤተክርስቲያን፡ ዲያቆን ብተልእኾ፡ ምእመናን ድማ ንደቆም ብምጉሳይ ይዓዩ።

እምበኣር ኲላትና ሓደ መጓስ ካብ ኮና ነተን ኣባጊዕ ንምህዳነን ክጥዕም ፋሕ ከብሉ ንዝጽዕሩ ቆርበት በጊዕ ተኸደንቲ ተዃሉ ነተን ኣባጊዕ ከየንፍጽወን ኣለሊኻ ምእላዮም የድሊ። ነዚ ድማ ኲላትን ክንዓየሉ ይግባእ፡ ቅዱስ ኣትናትዮስ ኣብ ቅዳሴኡ “ኦ ዲያቆናት ማኅቶተ ቤተክርስቲያን ወላእካኒሃ ምልሑ እምውስቴታ ኢየሀሉ ተኲላ ምስለ ብግዕ አንቄ ምስለ ርግብ ክርዳድ ምስለ ሥርናይ። ኣንትሙሰ ሕቱ እንተ አፍአ ወአኮ እንተ ውስጥ ወእንተ ውስጥሰ እግዚአብሔር የአምር ወይፈትን በማኅቶተ ዚኣሁ።” ፲፪/12 ይብል። ኣብ መጽሓፈ ምስጢር ኣባ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ ብዛዕባ ናይ ዘመነ ኖላዊ ክጽሕፍ ከሎ፡ ንኣርዮስ ገሲጽዎ እዩ። እዚኣቶም “ጓሳኦም ከኣ ሞት እዩ።” መዝ ፵፱፡፲፬/49፡14 ሞት ዝተባህለ ዲያብሎስ እዩ፡ ካብቲ ናቱ ግብሪ ድማ ይመሃሩ። ንሕና ግና በቲ ኣርኣያ ዝሓደገልና ኣምላኽና ክርስቶስ እናጠመትና ኣሰር ቅዱሳን ኣቦታት ኢና እንስዕብ። ኣብ ናይ ዕለቱ ዝቐርብ ምንባባት እውን ነዚ እዩ ዘመልክት፡ ዕብ ፲፫፡፲፮/13፡16-ፍጻ፣ ፩/1 ጴጥ ፪፡፳፩/2፡21-ፍጻ፣ ግሓ ፲፩፡፳፪/11፡22-ፍጻ፣ መዝ ፸፱፡፩/79፡1፣ ዮሓ ፲፡፩-፳፪/10፡1-22።

ኣብ ዘለናዮ እዋን ቅድሚ መንፈሳዊነት ጉስና ከቀድሙ ንነብሶም ብመንፈሳዊ ከየደልደሉ ኣንፈት መንፈሳውቶም ከየንጸሩ ናብ ሥጋዊ ጥቕሚ ዝዛዝዩ ፣ ካብ ምምሃር ምጥምጣም ዘቀድሙ ዘመን ረኣዩን ዝኸነሉ እዋኑ እዩ ። ካብዚ ሪሕቅና ቃለ እግዚአብሔር ከም አበው ቀደምት ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ኣሰሮም ክንስዕብ ይግበኣና። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ጉስነት ካብ ቤትካ ጀሚርካ ክጥሪ ከሎ ንጽባሕ ንኹሉ ምእመናን ረብሓ እዩ። ኣቦታት ንዝመጽእ ራእይ ቤተ ክርስትያን መስመር ቅዱሳን አበው ዶግማኡን ትውፊቱን ቀናኖኡን ሒዙ ብዝለዓለ ክዓይ ። ኣሰር አበው ሓዋርያት ካብ ጐይትና መድኃኒና ኢየሱስ ዝተቀበልዎ ከየጉደለት ከይሸርፈት ብጽርይታ ምእንቲ ካብ ወለዶ ናብ ወልዶ ክትሰጋገር ክጋስዩ ዝሕረዩ ኣቦታት ኣብ ሕርያ ብዕምቆት እንተዝርአ ንዕቤት ቤተ ክርስትያን ኣዝዩ ራእያ መጸብቆ።

ንሕናውን ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዘሎና ኲላትና ብወገንና ከምቲ ጓሳ ጸባ ጥሪቱ ዝሰቲ ክንገብሮ ዝግበኣና ነገር በቲ ዘለና ውህብቶ ምሕጋዝ እዩ። ብፍላይ ኣብዚ ዘለናዮ ጊዜ ብጹኣን ጳጳሳት፡ ምስ ሊቃውንተ ቤተክርስቲያን ንተሃድሶ መናፍቓን ካብ ሱሮም ብሕጉግ ኣቢልካ ንምምንቋስ፡ ነቲ ካብ ኣቦታትና ዝተረከብናዮ እምነት ከይሸረፈን ከይጎረፈ ንዝመጽእ ወለዶ ንምምሕልላፍ መንፈሳዊ ኮላጅ ከፊታ ንደቃ ብሰርተፍኬት፡ ብዲፕሎም፡ ብዲግርን ኣዳልያቶ ዘላ ናይ ሥነ መለኮት ትምህርቲ ኣዚው ዝምስገን እዩ። ነዚ ድማ ቀሊል ወጻኢ ዝሓትት ከም ዘይኮነ ተረዲእና ሎሚ ጽባሕ ከይበልና ያዕቆብ “እግዚአብሔር መንገደይ ካብ ኣቕንዓለይ ኣይተደናጒዩኒ” ዘፍ ፳፬፡፶፮/24፡56 ዝበሎ፡ በቶም ተዃሉ ዝንዛሕ ክፉእ ወረ ነጺግና ንሠናይ ምግባር ድማ ዝዕንቅፍ ሓሳባት ኣልጊስና ብተወፋይነት ክንዓይይ ይግባእ። ነዚ ክንገብር ድማ እቲ ሕያዋይ ጓሳና ዝኾነ ኣምላኽ ናይቲ ሕድሪ ጉስነት ተሳተፍቲ ይግበረና። ኣሜን።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

ወለወላዲቱ ድንግል።

ወለመስቀሉ ክቡር።

ዲን. ዘሚካኤል

Comments are closed.