ዘመነ ስብከት

                                                                በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐድ አምላክ አሜን።

ሰናብቲ ናይ ልደት ዋዜማ

ናይ ሰንበት መዝሙር እም ፯ (7) እስከ ፲፫ (13) ታኅሣሥ ስብከት

ወልዶ መድኅነ ንሰብክ

ወልዶ መድኅነ ንሰብክ ዘእምቅድመ ዓለም ሀሎ፣

አክሊለ ሰማዕት ሠያሜ ካህናት ወተስፋ መንኮሳት።

ቅድሚ ዓለም ዝነብረን ዘሎን መድኅን ንሰብክ ኣክሊል ናይ ሰማዕታት ፤ሠያሚ ካህናት ተስፋ መንኮሳት ወልድ መድኅን ንሰብክ ።

ዘመነ ስብከት፡ ዘመነ ብርሃን፡ ዘመነ ኖላዊ፡ ኣብ መወዳእታ ጾመ ነቢያት ኣብ ዋዜማ ልደት ናይ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዋ ናይ ሠለስተ ሰሙናት ስያመታትን፡ ካብተን ትሽዓተ ናይ ጐይታ ንኡሳን በዓላት እየን።

እዞም ሰሙናት ነቢያት ከመይ ገይሮም ናይ ክርስቶስ ምምጻእ ብብዙኅ ሕብረ ትንቢትን ምስሌታትን እናተነበዩ ብሃንቀውታ ይጽበዩ ከም ዝነበሩ ዘረድኡ ዘመናት እዮም (መዝ. 44፡7 ፥ 90፡17)። ነዚኣቶም ድማ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ቀዳመይቲ ሰሙን 'ዘመነ ስብከት' ካብ ታኅሣሥ 7 ክሳዕ 13፡ ካልኣይቲ ሰሙን 'ዘመነ ብርሃን' ካብ ታኅሣሥ 14-20፡ ሣልሰይቲ ሰሙን ድማ 'ዘመነ ኖላዊ' ካብ ታኅሣሥ 21-27 ብምባል ዕለታት ወጢና፡ ነቢያት ብዛዕባ ክርስቶስ ዝተነበይዎ ትንቢታት ምስ ትርጕሙን ምሳሌኡን እናዋሃሃደት ብዜማን ብንባብን ዋዜማ፡ ማኅሌት፡ መዝሙራት፡ ጸሎትን ምንባባትን ሠሪዓ፡ ንኣና ንደቃ “ንነቢይ ብስም ነቢይ ዝቕበል ዓስቢ ናይ ነቢይ ይረክብ” (ማቴ 10፡41) ከም ዝብል ዓመታዊ ስሞም እናዘከርና፡ ትንቢቶም እናስተንተንና፣ ናይ ክርስቶስ ነገረ ድኅነት ብልብና እናሓሰብና ብተግባር ድማ እናተሳተፍና ናይ ጐይታና ጸጋን በረኸትን ናይ ነቢያት ድማ ዓስቢ ክንቅበል ሥርዓት ሠሪዓትልና እያ (1ይ ቆሮ. 14፡40)። ነዞም ሰናብቲ ከም ፍቃድ ኣምላኽ ኣብ ተኸታታሊ ሰሙናት ክንርእዮም ኢና።

ዘመነ ስብከት

ፈኑ እዴከ እምአርያም

አድኅነኒ ወባልሐኒ እማይ ብዙኅ

ወእምእዴሆሙ ለደቂቀ ነኪር። መዝ.140፣7

እብ. 1፣1-ፍጻሜ። 2ጴጥ. 3፣ 1-10።  ግ.ሓዋ. 3፣ 17-ፍጻሜ። ዮሓ.1፣44- ፍጻሜ።

እግዚአብሔር ኣምላኽ ንኣቦና ኣዳም ካብቲ ዝነበሮ ናይ መርገመ ሥጋን ነፍስን ኣውጺኡ ናብቲ ዝነበሮ ጥንተ ክብሩ ክመልሶ ""በኀሙስ ዕለት ወበመንፈቃ ለዕለት እትወለድ እምወለተ ወለትከ፤ ወእከውን ሕፃን በእንቲአከ፤ ወእድህከ ውስተ ምርህብከ፤ ወእትቤዘወከ በመስቀልየ፡”

ድሕሪ ኃሙሽተ መዓልትን ፈረቓ መዓልትን ካብ  ጓል ጓልካ ተወሊደ ምእንታኻ ሕፃን ኰይነ ኣብ ጐላጒልካ ፍሑኽ ፍሑኽ ኢለ ብመስቀለይ ክብጀወካ እየ" ከም ዝበለ (መጽሓፈ ቀሌምንጦስ ገጽ ፲፫/13፣ መዝ. 89፡1, 2ይ ጴጥ. ፫፥፰/3፡8, ገላ. ፬፥፭/4፡5 ፡ ዘፍ. ፫፥፲፭/3፥15)።" ፣ ንዝበሎ ናይ ተስፋ ቃል መሠረት ብምግባር ኣብ ዘመነ አበው ከም እኒ ኣቦና ኣብርሃም “በመዋዕልየኑ ትፌኑ ወልድከ ወሚመ ታርእየኒ ኪያሃ ዕለት/ ንወድኻ ኣብ ጊዜይ ዲኻ ትፍንዎ፧ ነታ ዕለትከ መዓስ ኢኻ ተርእየኒ፧” ትርጓሜ ዘፍጥረት ፲፬፡፳/14፡20፡ እናበሉ ክሓቱ፡ ኣብ ዘመነ ነቢያት “ኣየ ንሰማይ ጨንዲሕካ እንተ ትወርድ” (ኢሳ ፷፬፡፩/64፡1) ብምባል እናጸለዩ፡ ኣብ ዘመነ ነገሥታት ድማ “ፈኑ እዴከ እም አርያም፣ ኢድካ ካብ ኣርያም ፈንዎ” ፻፵፫፡፯/143፡7 ኢሎም ብምምኅፃን ነቲ ዕለት ክርእዩ ብሃረርታ ይጽበዩ ነይሮም።

ብዛዕባ እዚ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “ኣብርሃም መዓልተይ ኪርእይ ከም ዘለዎ ፈሊጡ ተሓጐሰ፥ ርእዩ ኸኣ ባህ በሎ” ኢሉ (ዮሓ ፰፡፶፮/8፡56)። ከምኡውን “ብዙኃት ነቢያትን ጻድቃንን፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእዎ ዘሎኹም ኪርእይዎ ተመንዮም ከመ ዘይረኣይዎ፥ ነዚ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘሎኹም ኪሰምዕዎ ተመንዮም ከም ዘይሰምዕዎ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።” (ማቴ ፲፫፡፲፯/13፡17)፣ “ኣነ ንኣኻትኩም ኣብ ዘይጸዓርኩምሉ ክትዓጽዱ ለኣኽኩኹም፥ ካልኦት ጸዓሩሉ፥ ንስኻትኩም ከኣ ኣብቲ ጻዕሮም ኣቶኹም” (ዮሓ ፬፡፴፰/4፡38) ብምባል ነቢያት ነቲ ናይ ጐይታ ምውራድን ምውላድን ክርእዩ ብጾምን ብጸሎትን ከም ዝደኸሙሉን እንተኾነ ግና ጊዜኡ ስለዘይበጽሐ ከም ዘይረኣይዎ ኣርጊጹ ኣረዲኡ እዩ።

ይኹን ድኣ እምበር እግዚአብሔር ንዝደለይዎ ዝግለጽ ንዝለመንዎ ዘይከልእ ኣምላኽ ብምዃኑ፡ ከምቲ “ኣብ ማእከልኩም ነቢይ እንተ ኣሎ ኣነ ብራእይ እግለጸሉ፥ ብሕልሚ ድማ እዛረቦ” (ዘኁ ፲፪፡፮/12፡6) ዝብል እቲ መሲሕ ክርስቶስ ኣበይን መኣስን ብኸመይን ከም ዝውለድ፡ ድኅሪ ምውላዱ ዝፍጽሞ ግብሪ ጽድቅን ነገረ ድኅነትን ብብዙኅ ሕብረ ምሳሌን ትንቢትን ነቦታትና ነቢያት ገሊጽሎም እዩ። ቅዱሳን ነቢያት ድማ ነቲ ዝተገልጸሎም ትንቢት ብቃልን ብጽሑፍን ዘርዚሮም ኣመኃላሊፎምዎ እዮም። “ኣምላኽ ብዙኅ ሳዕን ብብዙኅ መንገድን ቀደም ነቦታትና ብነቢያት ገይሩ ተዛረቦም” ከም ዝብለና ዕብ ፩፡፩/1፡1። ገለ ካብቲ ትንቢትን ምሳሌን፦

ꗺ ብዛዕባ ልደቱ፡ ኢሳ 7፡14፣ ሕዝ 44፡1-3፣ ሚል 5፡2

ꗺ  ብዛዕባ ስቕለቱ ሞቱን ትንሣኤኡን መዝ 22፡1-ፍጻ፣ ኢሳ 531-ፍጻ፣ መዝ 4፡5፣ መዝ 78፡65

እዚ ትንቢት ምእንታኦም ጥራይ ዘይኮነስ ምእንቲ ዅሉ ዓለም እዩ ነይሩ። ነቢያት ዝተነበይዎ፡ ሓዋርያት ዝሰበኽዎ ናይ ክርስቶስ ልደት ጥምቀት፡ ስቕለት፡ ሞትን ትንሣኤን እንተ ዘይንሰምዕ ኔርና መን ኮን ምደኃነ፡ “እቲ ዘይኣመነ ግና ክዂነን እዩ” ዶ ኣይኮነን ዝብል (ማር ፲፮፡፲፮/16፡16) ፡ “እምነት ካብ ምስማዕ እያ፥ እቲ ዚስማዕውን ቃል ክርስቶስ እዩ” (ሮሜ ፲፡፲፯/10፡17)።

በዚ ድማ ነቢያት ነቲ ዝተዋህቦም ናይ ስብከት ኣገልግሎት፡ ዝጠዓመ ዝለምዐ እናበልዑ፡ ኣብ ምቹእ እናነበሩ፡ ኣጎዛ ተነጺፍሎም፡ ብኽብሪ፡ ዘይኮነስ፡ “ብላግጽን ብመግረፍትን፥ ኣብ ልዕሊ እዚውን ብመቑሕን ብማእሰርትን ተሳቐዩ። ብዳርባ እምኒ ተቐትሉ፥ ብመጋዝ ተቖርጹ፥ ተሰይፎም ሞቱ፥ ኣጐዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኸዲኖም ዞሩ፥ ሰኣኑ፥ ጸበቦም፥ ሓሳረ መከራ ጸገቡ። ዓለም ንኣኣቶም ዘይትበቅዕ ስለ ዝኾነት ኣብ ምድረ በዳን ኣብ እምባታትን ኣብ በዓትታት ኣብ ጐዳጒድ ምድርን ኰለል..” (ዕብ ፲፩፡፴፮-፴፯/11፡36-37) ብምባል ደኸሙ፡ እዚ እቲ ቀንዲ ክርሳዕ ዘይብሉ ነገር እዩ። ነዚ ዘይተረድኡ ትንቢቶም፡ ቃሎምን መጽሓፎምን እምበር ገድሎም ኮነ ጻዕሮምን ዝኽሮምን ኣየድልየናን ዝብሉ ውሑዳት ኣይኮኑን። መን ሓሪሱ፡ ጽህዩ፡ ዓጺዱ ኣኺዱ ኣብ ዝኣከብለካ ቆፎ፡ መን ብዝሰንከተልካ እንጌራ፡ መን ኣብ ዝደኮነልካ ገዛ ክትነብር፧ ያእ ኣይፋሉን! ኣብዝስ ምስትውዓል የድሊ እዩ። ነዚ ድማ ካብታ ምንጫ ዘይነጽፍ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ክንመሃር ይግባእ።

ቅድስት ቤተክርስቲያን ብመሠረት መጽሓፍ ቅዱስ “ነቶም ዘገልገልዎን ዘገልግልዎ ዘለዉን ዝርስዕ ገፋዒ ኣምላኽ ኣይኮነን” ከም ዝብል ንቅዱሳን ነቢያት ነቲ ካብቶም ናይ ቤተክርስትያን ሾብዓተ ኣጽዋማት ሓደ ብስሞም ሰምያ ንኣገልግሎቶም ድማ ብቓልን ብዜማን ብጽሑፍን ንባብን እናዘከረት ንደቃ በረኸት ናይ ነቢያት ተካፍሎም። ነቲ ነቢያት ብዛዕባ ናይ ጐይታ ምምጻእ ዝተነበይዎ ትንቢት ዝዝከረሉ ሰሙን ድማ ዘመነ ስብከት ኢላ ትሰምዮ።

ኣብ ዘመነ ስብከት ማለት ካብ 7-13 ታኅሣሥ ኣብ ዘሎ ጊዜ ሰንበት ኣብ ዝወዓለትሉ፡ ኣቐዲሙ ድሮ ናይቲ በዓል ዋዜማ ካብ ሰዓት ፬ ግእዝ/10፡00 ናይ ንግሆ ክሳዕ ሰዓት ፱/3፡00 ድ.ቀትሪ 'ንሰብክ መድኅነ' እናተባህለ ንኣስታት 7 ሰዓታት ይቕወም። ሙሉእ ለይቲ ክሳዕ ወጋሕታ ድማ ብነግሥ ጀሚሩ፡ ትምህርተ ኅቡኣት፡ መልክኣ ውዳሴ፡ ዚቅ ንሰብክ መድኅነ፡ እናተባህለ ማኅሌት ይቕወም። ማህሌት ምስ ተወድኣ ድማ ንሰብክ ወልዶ ዋሕደ/ ብዛዕባ ሥግው ወልድ ክንሰብኽ ኢና ብምባል መዝሙራት ይቐርብ። እዚ እግዚኣብሔር ብጥበቡ ኣቕዲሙ ዘዳለዎ፡ ኣብዚ ሕጂ ንዘሎ ሥርዓት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ክርስቶስ ኣይትሰብኽን እያ ንዝብል ናይ ገለ ኣኅዋት ዘረባ ምስትውዓል ዝጐደሎ እዩ። ምኽንያቱ እዛ ስፍራ እግዚኣብሔር ከምቲ ዘማራይ ዳዊት ዝበሎ ብዙኅ ጊዜ "ኵሉ መዓልቲ ኽባርኸካ፣ ስምካውን ንዘለአለመ ኣለም ክውድስ እየ።" (መዝ. 145፡2) 'ስቡሕ ወውዱስ ዘሣረረ ኵሎ ዓለመ' ኢላ እያ ማኅሌታ ትጅምር።

ብተወሳኺውን ነቲ ናይ ክርስቶስ ስብከት ከመይ ኢሉ ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ ከም ዝበጽሐ ከረድእ ኣብ ቅዳሴ ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባባት ነቲ ነቢያት ዝተግህሉ ስበከት ናይ ክርስቶስ ምምጻእ የረድእ።

ዕብ ፩፡፩/1፡1 “ኣምላኽ ብዙኅ ሳዕን ብብዙኅ መገድን ቀደም ነቦታትን ብነቢያት ገይሩ ተዛረቦም።…”

፪/2 ጴጥ ፫፡፩-፲/3፡1-10 “…እቲ ቐደም ብቕዱሳን ነቢያት ዝተነግረ ቓልን፥ ብሓዋርያትኩም ዝረኸብኩምዎ ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ትእዛዝ እናኣዘኽኸርኩ፥ ቅኑዕ ሓሳባት ክህልወኩም እየ ዝጽዕር ዘሎኹ…”

ግሓ ፫፡፲፱/3፡17-ፍጻ “…ኣምላኽ ግና እቲ መሲሕ መከራ ክቕበል ከም ዘለዎ፥ ኣቐዲሙ ብኣፍ ኲሎም ነቢያት ከም ዝተዛረቦ፥ ከምኡ ፈጸሞ…”

መዝ ፻፵፫/፯ ፡7 “…ፈኑ እዴከ እም ኣርያም/ኢድካ ካብ ኣርያም ፈንዎ…” እዴከ፣ ኢድካ ዝተባህለ ወልደ እግዚአብሔር እዩ።

ዮሓ ፩፥፵፬/1፡44-ፍጻ “…እቲ ሙሴ ኣብ ሕጊ፥ ነቢያት እውን ብዛዕባኡ ዝጸሓፉ፥ ኢየሱስ…” ቅዳሴ እግዚእ

ካብዚ ቤተ ክርስቲያን ንዘይኮነቶ ከም ዝኾነት፣ ንዘይመሰለቶ ከም ዝመሰለት እናምሰሉ እኳ እንተ ኣጸለምዋ፡ ንሳስ ዕጣር ኮነ መንቅብ ብዘይብሉ ሥርዓትን ሕግን ከመ እትምራሕ (1ይ ቆሮ. 14፡40) ብደመ ክርስቶስ ዝተሳየጣ ቅድስት ማኅደር እያ። እግዚአብሔር ኣብ ዝኽልላ፡ እግዚአብሔር ወልድ ክርስቶስ ርእሳ፡ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ድማ መራሒኣ እዮም፡ ኣብ መሠረት እምነት ነቢያትን ሓዋርያትን ከም እተሓንፀት ምዃና ክንርዳእ ንኽእል ኢና። እምበኣር ሕዝበ ክርስቲያን ስብከት ናይቶም እግዚአብሔር ዝኃረዮም ሰባት ናይ ኣገልግሎት እጃም ክኸውን ከሎ፣ ናይ ዅልና ሥራሕ ግና ኣብ ዝተሰብከልና ቅዱስ ወንጌል ጸኒዕና ብቃልን ብተግባርን እሙንን ምዃን፡ ኣብ ሓንሳእ ንቕዱሳን እተዋህበት እምነት ምጽናዕን እዩ :: (ይሁዳ 3)።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

ወለወላዲቱ ድንግል።

ወለመስቀሉ ክቡር።

ዲን. ዘሚካኤል

Comments are closed.