ዕረፍታ ለእግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን ።

ምስባክ

በከመ ሰማዕነ ከማሁ ርኢነ

በሀገረ እግዚአ ኃያላን በሀገረ አምላክነ

እግዚአብሔር ሣረራ ለዓለም መዝ. 41-8።

ገላ. 4፣1-12። 2ዮሓ. 1-12። ግ.ሓዋ.7፣30-35። ወንጌል  ሉቃ.1፣47-57።

ቅዳሴ. ዘእግዝእትነ (ጐሥዓ)

ኣስተርእዮ ማርያም

    “  ሞትሰ ለመዋቲ ይደሉ ሞታ ለማርያም የሐጽብ ለኩሉ  ። ”“ ሞትስ ንመዋቲ ይግብኦ እዩ፡ ሞት ናይ ማርያም ግና ንኹሉ ዘደንቕ እዩ” ቅዱስ ያሬድ

ጥሪ  ፳፩ /21 በዓለ ዕረፍታ ለእግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያና ካብ ወርሒ ጥሪ ስጋብ ጾመ ነነዌ መእተዊ ዘሎ ዘመን ኣስተርእዮ ብምባል ይጽዋዕ።

እዚ ዕለት እዚ ከምቲ ዝተገልጸ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝዓረፈትሉ ኮይኑ ክብራን ተኣምራታን ዝተጋህደሉ መዓልቲ ኢዩ።፡ ኣስተርእዮ ዝተባህለሉ ምኽንያት ካኣ ብዓቢኡ ኣብ ቤተክርስቲያና ካብ ዕለተ ልደት ናይ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ታሕሳስ 29 ጀሚሩ ክሳዕ ዓቢ ጾም ዝኣትወሉ  ዘሎ መዓልታት ኣስተርእዮ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣምላኽና ሰብ ዝኾነሉ ፡ ዘይርኤ ዝተራእየሉ ፡ ኣምላኽ ሰብ ዝኾነሉ ዝተጋህደሉ ብልደቱ ኢዩ፡ቀጺሉ እውን ምሥጢረ ሥላሴ ዝተጋህደሉ ብጥምቀቱ ኢዩ። እዚ ስለዝኾነ እምበኣር ቤተ ክርስትያና ነዚ ወርሓት እዚ ኣስተርእዮ ኢላ ትጽውዖ። ኣብዚ ወርሓት እዚ ከኣ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝዓረፈትሉን ብእግዚአብሔርርዝተዋህባ ክብሪ፡ጸጋ ዝተጋህደሉ ፡ተኣምራታ ብጋህዲ ዝተራእየሉ ክብራን ልዕልንኣን ዝተመርስከረሉ እዩ፡ ስለዝኾነ ከኣ “ኣስተርእዮ ማርያም “ተባሂሉ ይጽዋዕ፡ ኣስተርእዮ ማለት ድማ ምግላጽ ወይ ድማ ምግሃድ ማለት  ስለዝኾነ።

እዚ በዓል ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ካብዚ ዓለም ናብ ናይ ዘልዓለም ሕይወት ዝተሰጋገረትሉ ስለዝኾነት  ቅድስቲ ቤተ ክርስትያና ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ናይ ዕረፍቲ በዓል ብኽብሪ ተኽብሮ።

ሞተ ሥጋ ንማንም ዘይተርፍ ዋላ እንተኾነ ተስፋ ትንሣኤ ግን ሥጋ ንዝለበሰ ወዲ ሰብ ኩሉ ተዋሂቡ እዩ። ዋላ እንተኾነ ሞተ ሥጋ ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምብጽሑ ዕጹብ ድንቂ ዘብል እዩ። ናይ ሕይወት ኣደ ከመይ ሞይታ ᎒ መልኣከ ሞት ኣደ ኣምላኽ ከመይ ቀረባ᎒ ነዚ እዩ ሊቅ ቅዱስ ያሬድ  “ ሞትሰ ለመዋቲ ይደሉ፣ ሞታ ለማርያም የሐጽብ ለኩሉ።  ሞትስ ንመዋቲ ይግብኦ እዩ፡ ሞት ናይ ማርያም ግና ንኹሉ ዘደንቕ እዩ” 

ዝበለ። ባዕሉ’ውን ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ወናኒ ኩሉ ብገዛእ ፍቓዱ ባዕሉ ንነብሱ ንሞት ኣሕሊፉ ሂቡ እዩ። እሞ ድኣ ሞት ንኹሉ ደቂ ሰብ ብተራ ዝበጽሖ ዘይተርፎ ካብ ኮነ ካብ ሞት ሥጋ ንኣዲኡ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዘይምትራፉ ናይ ፈጣሪነቱ ፍትሓውነት( ፈታሒነት) ዘርኢ እዩ።   

ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም  ኣብዛ ዓለም 64 ዓመት ድሕሪ ምንባራ ኣብ መበል 64 ዓመታ ጥሪ 21 ዓሪፋ።

    ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ዝርከቡ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ከምዝነጉርናን ኣብ እዋን ጾመ ፍልሰታ ብብዝኂ ዝነገረሉ ናይ  ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዕረፍታ ከምዚ ይመስል።  ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዕረፍታ ምስ ኣኸለ ሓዋርያት ናይ  ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሥጋ ናብ ዝዓርፈሉ ጌቴሰማኒ መካነ ዕረፍቲ ሒዞማ እንዳኸዱ  ከለው፣ ኣይሁድ ብናይ  ቅንኣት መንፈስ ተላዒሎም  “ ኣቀዲሙ ንወዳ  ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ካብ ሙታን ተንሲኡ፣ ኣብ መበል ኣርብዓ መዓልቱ (40) ናብ ሰማይ  ዓሪጉ፣ ዳሕራይ'ውን ተመሊሱ  መጺኡ ነዛ ዓለም ክፈርዳ እዩ። ” ኢሎም ብምምሃር ንኹሉ ህዝቢ ወሲዶሞ እዮም። ሕጂ ከኣ ስቕ ኢልና እንተገዲፍናዮም ንኣዲኡ'ውን ከም ወዳ ተንሢኣ ዓሪጋ እንዳበሉ እንዳምኃሩ ከይህውኹና ብምባል ብትዕቢትን ቅንኣትን መንፈስን ተላዒሎም ፣ “ ንዑ ተኣከቡ እሞ ብሓዊ ነቃጽላ ኢሎም።” ብምባል ተማኺሮም መጹ። ካብ መንጎኦም ከኣ ታውፋንያ ዝተባህለ ኣይሁዳዊ ጎበዝ መንእሰይ መሪጾም  ከቃጽል ለኣኽዎ። ንሱ ከኣ ነቲ ኣዴና ቅድስቲ  ድንግል ማርያም ሥጋኣ ዝዓረፈትሉ ክሕዝ ኢዱ ምስ ሰደደ ሓዞ ናይ  እግዚአብሔር ቅዱስ መልኣኽ መጺኡ ብሰይፊ ሓዊ ጌሩ ንኽልተ ኣእዳዉ ቆረጸን ። እተን ኣእዳዉ ከኣ ኣብቲ ዓራት ተንጠልጢለን ተረፋ። ታውፋንያ ሽዑ ንሽዑ ብዝገብሮ በደል ኣዝዩ ተጣዒሱ ናብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ስለዝለመነን ዝተማኅጸነን ብሕቡእ ተኣምር  ነተን ዝተቆርጻ ኣእዳው  ብኢደ ቅዱስ ጴጥሮስ ጌራ ከም ዝነበርኦ ከም ቀደመን ጌራ ፈወሰትሉ።    

   ሽዑ መልኣኽ እግዚአብሔር ሥጋ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም  ምስ ሓዋርያ ቅዱስ ዮሓንስ ብሓንሳብ  ሒዙ ናብ ገነት ወሰዶም። ኣብ ትሕቲ ዕጸ ሕይወት ከኣ ኣቀመጦም። ቅዱስ ዮሓንስ ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ናብ ቅዱሳን ሓዋርያት ምስ ተመልሰ፣ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣብ ገነት ኣብ ትሕቲ ዕጸ ሕይወት ከምዝዓረፈት ነገሮም። ሓዋርያት'ውን ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ሥጋ ረኺቦም ሓመድ ኣዳም ንምልባስ ካብ ዝነብሮም ክቱር ድሌት ዝለላዕለ ባሕቲ ነሓሰ ሱባኤ ጀሚሮም ክጾሙን ክጽልዩን  ድሕሪ ምቅናይ፣ ኣብ መበል ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ (14) ኣብ መወዳእታ ካልኣይ ሱባኤ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ሓድሽ ንኸዕርፉዋ ስለዝሃቦም ብዝዓበየ ዝማሬን ውዳሴን ብጽኑዕ ምህልላን ወሲዶም ኣቀዲሙ ኣብ ዝተዳለወላ መካነ ዕረፍቲ ኣብ ጌተሰማኒ ቀበርዋ።

“ ንዒ እምሊባኖስ መርዓት ንዒ እምሊባኖስ ።ካብ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ ኣቲ መርዓተይ ካብ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ ” መኃ.4፣7። ዝብል ትንቢት ተፈጺሙላ።  ካብ መቃብር ስጋብ ዝተሳእትሉን ፈጺማ ስጋብ ዝዓረገትሉ ስጋብ ነሓሰ 16 ንኣስታት 205 መዓልታት ኣብኡ ጸኒሓ።

ቤተ ክርስት ያን መዘከርታ ዕረፍታ ዓመት መጸ ፳፩/21 ጥሪ ብኽብሪ ተብዕሎ እያ። እዚ በዓል ዕረፍቲ እዚ ካብተን ፴፫/33 በዓላት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሓደ ኮይኑ ብድምቀት ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ገዳማትን ኣብያተ ክርስቲያናትን ኣድባራትን ይኽበር። ነገረ ማርያም ኣብ ነገረ ድኅነት ንዘለዎ ቦታን ክብርን ፍሉጥ ስለዝኾነ ዓሚቕ ምሥጢርን ምትሕሓዝን ድማ ስለዘለዎ ከነኽብሮ ግቡእና እዩ። ሃገርና ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ በረኸት ቅድስት ድንግል ማርያም ዘይተፈለያ ሃገር ስለ ዝኾነት ኵል ጊዜ ኣብ ቅዳሴና፡ ኣብ መዓልታዊ ጸሎትና፡ ኣብ መዝሙርና፡ ኣብ ሥርዓትና፡ ኣብ ትውፊትናን ኣብ መዓልታዊ ናብርናን ነገረ ማርያም ንነግርን ንሰምዕን፡ ቅድስናኣን ክብራን ድማ ንገልጽ። 

በረከትን ረዲኤትን ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም    ኣይፈለየና ።

                                                                                               ወስብሓት ለእግዚአብሔር፣

                                                                                                  ወለወላዲቱ ድንግል፣

                                                                                                  ወለመስቀሉ ክቡር።

ኣዘክሪ ድንግል

Comments are closed.