ዓቢይ ጾም (ጾመ ኣርብዓ) 3ይ ክፋል

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ አሜን።

ንምንታይ እዩ ጐይታ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ዝጾመ?

1/  ኣቦና ኣዳም ኣብ ኣርብዓ መዓልቲ ካብ ኣምላኹ ዝተቐበሎ ክብሪ ስለዝስጥፍአ ክብሩ ንምምላስ እዩ።
2/  ኣቐዲሙ ነብያት ዝጾምዎ ጾም ኣርብዓ ኣርብዓ እዩ። ጐይታ ድማ ጾሙ ካብዚ ዘይወሰኾን ዘይኣጉደሎን÷" ጎደሎ እንተ ዝገብሮ ኣጉደለ፥ዝያዳ እንተ ዝገብሮውን ወሰኸ"ኢሎም በዚ ምኽንያት ፈጢሮም "ኣይሁድ" ቅዱስ ወንጌሉ ካብ ምቕባል ንድሕሪት ምእንቲ ከይብሉ  እዩ
3/  ኣቦና ሙሴ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ጾይሙ ሕጊ ኦሪት ተቐበለ። ጐይታ ድማ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ጾይሙ ሕጊ ወንጌል ሰሪዑ እዩ እሞ፥ ምእንቲዚ ኮነ።
4/  እስራኤላውያን ድሕሪ'ዚ ናይ ብ70ን፥ብ80ን ዕድመና ዝምሰል ናይ 40 ዓመታት ጉዕዞ ሕይወቶም ናብታ ናይ ገነት  መንግስተ ሰማያት ምሳሌ ዝኾነት ምድረ ርስቲ(ከንኣን)ከም ዝኣተውን፥ኣቦና ነቢይ ኤልያስ እውን ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ድሕሪ ምጻሙ ናብ ምድረ ህያዋን ከም ዝተወስደን ከም ዝዓረገን፥ንስኻትኩምውን 40 መዓልትን 40 ለይትን እንተ ደኣ ጾይምኩም፥ "ገነት መንግሥተ ሰማያት ክትኣዉ ኢኹም ንምባል 40 መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ጾመ።
5/  ኣቦና ዕዝራ 40 መዓልትን 40 ለይትን እኽሊ ካብ ምብላዕ ተኻልኪሉ (ጾይሙ) ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣጽሓፈ።"አንሰ በውእቶን መዋዕል ኢበላዕኩ እክለ፥ወኢሰተይኩ ማየ።እሙንቱሰ መዓልተ ይጽሕፉ፥ወሠርከ ይዴረሩ"ከም ዝበሎ፥በቲ እዋን፥እቶም ጽሓፍቱ ቀትሪ ጽሕፍ ውዒሎም ምሸት ክበልዑ እንከለው፥ንሱ ግን ነቲ ብቀትሪ ከጽሕፎም ዝወዓለ ብለይቲ ከስተንትኖ ይሓድር ነበረ እምበር ንኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን እኽሊ ኮነ ማይ ኣይጠዓመን።ልበ ኣምላኽ ዝተሰምየ ቅዱስ ዳዊት÷"ንሕጊ እግዚኣብሔር ብምእዛዝ ዚሕጎስ፥ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን ዜስተንትኖ ሰብ ብጹእ እዩ።ንሱ ኸምታ በብእዋኑ ፍሬኣ እትህብ፥ቆጽላ ዘይነቅጽ፥ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ ዝተተኽለት ኦም እዩ።ዚገብሮ ኹሉውን ይሰልጦ"ማለቱ ምእንቲ’ዚ እዩ(መዝ1፥2-3)።በዚ ከኣ ንስኻትኩምውን"40 መዓልትን 40 ለይትን እንተ ደኣ ጾይምኩም፥"ምሥጢር"ክግለጸልኩም እዩ ክብለና እዩ።
6/  ተመን ዕፋፎቱ ማለት ነቲ ዝኣረገ ቆርበት ሰብነቱ ክቅይሮ እንተደኣ ኾይኑ ኣቐዲሙ 40 መዓልትን 40 ለይትን  ካብ ምግቢ ተኸልኪሉ እዩ።ድሕሪ’ዚ ናይ 40 መዓልትን 40 ለይትን ከኣ" በስቁረተ ዕጽ፥በስቁረተ እብን"ሰሊኹ ይሓፍ እሞ፥ሽዑ ተገፊፉ ይተርፈሉ፥ሓዱሽ ሰብነት ከኣ ይኸውን።ጐይታ ድማ በዚ 40 መዓልቲ 40 ለይቲ እንተደኣ ጾይምኩም ተሐድሶተ ነፍስ  (ሕዳሴ ነፍስ)ክትረኽቡ ኢኹም ክብል ንሱ ብዝፈልጦ ምሳሌ ጌርዎ ኣሎ።

      ዓቢይ ጾም 55 መዓልታትን ሸሞንተ ሳምንትን ሰለስተ ምድባትን ዘለዎ ኮይኑ፥ኣከፋፍልኡ ከኣ ከምዚ ዚስዕብ እዩ።

                 1. ናይቶም 55 መዓልታትኣከፋፍላ÷

ሀ. ዘወረደ (ጾመሕርቃል)÷  እዚእቲ ናይ መጀመርታ ናይ ዓቢይ ጾም መእተዊ ዘሎ ቀዳመይ ሳምንት እዩ።

ለ/  ናይ ጐይታ ጾም÷ካብ ቅድስት ክሳዕ ሆሳእና  ዘሎ 40 መዓልታት እዩ።
ሐ/ ጾመ ሕማማት÷ ኣብ መጨረስታ ናይዚ ዓቢይ ጾም  ናይ ክርስቶስ መከራን ስቓዩን እናሓሰብናን እናዘከርናን እንጾሞ ፍሉይ ሳምንት እዩ።
2/ ዝርዝር ስያሜ ናይቶም ኣብ ውሽጢ 55 መዓልታት ናይ ዓቢይ ጾም ዝርከቡ ሸሞንተ ሳምንታት።
     እዞም ኣብ ውሽጢ 55 መዓልታት ናይ ዓቢይ ጾም ዝርከቡ ሸሞንተ ሳምንታት ነፍስ ወከፎም ስያሜን ምሥጢርን ዘለዎም እዮም። ናብቲ መንፈሳዊ ዝኾነ ምሥጢሩ ቅድሚ ምእታውና እምበኣር ዝርዝር ኣስማቶም ከምዚ ዚስዕብ ንመልከት÷
1. ዘወረደ(ጾመ ሕርቃል)፥  2.ቅድስት፥    3ይ.ምኩራብ፥ 4. መጻጉዕ፥ 5.    ደብረ ዘይቲ፥  6.ገብርኄር፥ 7. ኒቆዲሞስ፥  8. ሆሳዕና እዮም።
ሕራይ ካብዚ ቀጺልና ድማ ቀደም ተኸተል ጌርና ናብ ናይዞም ጠቒስናዮም ዘሎና ሸሞንተ ሰናብቲ ናይ ዓቢይ ጾም መንፈሳዊ ምሥጢርን መልእኽቶምን ክንኣቱ :: 

 
1/  ዘወረደ (ጾመ ሕርቃል) :      ይቕጽል… …
                                                                                                                                                               

                                                                                                                                                          ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

                                                                                                                                           ወለወላዲቱ ድንግል።

                                                                                                                                            ወለመስቀሉ ክቡር።

ዲን. ዓንደማርያም

 

Comments are closed.