ዓቢይ ጾም (ጾመ ኣርብዓ) 2ይ ክፋል

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ አሜን።

ሐ/  ዓቢይጾም(ጾመኣርብዓ)
 እዚ ጾም እዚ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጾሞ ጾም እዩ።ዓቢይ ጾም ምባሉ እውን ጐይታ ባዕሉ  ዝጾሞ ስለዝኾነን ካብቶም ዘለው ኣጽዋማት ብብዝሓት ቁጽሪ መዓልቲ እቲ ዝለዓለ ስለዝኾነን ከምኡውን  ብዘለዎ ምሥጢርን እዩ። ጐይታ ብዘመነ ሉቃስ ብ11 ጥሪ ሠሉስ ፍርቂ ለይቲ ኣብ ሳላሳ(30)ዓመት ብማየ ዮርዳኖስ ብኢድ ባርያኡ ዮሓንስ ምስ ተጠመቐ ከይወዓለ ከይሓደረ ገዳመ ቆሮንቶስ ከይዱ 40 መዓልትን 40 ለይትን ጾመ። ሽዑ ዲያብሎስ በቶም 3ተ ኣርእስተ ኃጣውእ ዝበኃሉ ተፈታተኖ።
 3ተ ኣርእስተ ኃጣውእ ዝተባህሉ÷
            1,ስስዕቲ (ዘይተዋህበካ ምድላይ)፥
            2,ትዕቢት (ኣምላኽነት ምድላይ)፥
            3,ፍቕሪ ገንዘብ (ይኣኽለኒ ዘይምባል) እዮም።

  መጀመርያ እቲ ፈታኒ መጺኡ÷"ወዲ እግዚአብሔር እንተ ደኣ ኮይንካስ እዘን ኣእማን እንጌራ ይኹና በል"በሎ።ዲያብሎስ÷ኣቐዲሙ ጐይታ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ክጥመቕ እንከሎ፥እግዚአብሔር ኣቦ"ብእኡ ዝተሓጎስኩ ዝፈትዎ ዝወልዶ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ"ክብል ሰሚዕዎ ነበረ እሞ፥ነዚ ሒዙ ወዲ እግዚአብሔር እንተድኣ ኮይንካስ…ብማለት ፈተናኡ የቕርብ። ነቲ መጀመርታ ፍጥረት ሰብ ዝኾነ ኣዳም ዘስሓቶውን ብብልዒ ምኽንያት ስለዝነበረ፥ቅዱስ ወንጌል ከም ዝበሎ ክርስቶስ ምስ ጠመየ፥ሕብስቲ፡እንጌራ ርእዩስ ግዲ ይስሕተለይ ይኸውን ኢሉ"እዘን ኣእማን እንጌራ ይኹና በል"በሎ።ዲያብሎስ ምስ እዚ ካልእ ክፉእ ዝኾነ ስውር ተንኮውን ኔሩዎ እዩ።ንሱ ከኣ"ከምዚ ኣቕሪበሉ ዘለኹ፥'እንተ ደኣ ፈጺሙዎ'ናይ ሰይጣን ተኣዛዚ ከብሎ እየ፥እንተዘይገበሮ ከኣ" ድኹም እዩ ከብሎ"እየ።ድሕሪዚ ድኻሙ ርእየ ይቐርቦ"ዝብል ነበረ።ጎይታ ግና ናይ ሰይጣን ተኣዛዚ ኮይንካ ንዝርከብ ብልዒ(ረብሓ)ብምንቃፍ"ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዝወጽእ ኩሉ ቃል ደኣ እምበር ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን እዩ'ዚብል ጽሑፍ ኣሎ"ኢሉ መለሰሉ(ዘዳ8፥3)።ሰብ ዝድሕን ውጽኢት ሓረስታይ ብዝኾነ እንጌራ ጥራይ ዘይኮነ፥በዓቂበ ሕጊ፥ብትምህርቲ ቃለ እግዚአብሔር እውን እዩ ማለቱ እዩ።
*መግለጺ÷ንሰብ እንስሳዊ ባህሪይ፥ መንፈሳዊ ባህሪይ ኣለዎ። እንስሳዊ ባህሪኡ ካብ ማይ ካብ ምግቢ እንተተኸልከለ ማለት እንተዘይበልዐን እንተዘይሰተየን ኣብ ሞት ይበጽሕ።ከምኡ መንፈሳዊ ባህሪኡ ድማ ካብ ቃል እግዚአብሔር እንተተኸልከለ ማለት ቃሉ ካብ ምስማዕ፥ንሕጉ ካብ ምሕላውውን እንተረሓቐ፥ ናብ ሞተ ነፍስ ይበጽሕ፥ከመይሲ ቃል እግዚኣብሔር መንፈሳዊ ምግብን መንፈሳዊ ስቴን እዩ(ኣሞጽ8፥11)ተመልከት።ኣንድም፥"ወዲ እግዚአብሔር እንተደኣ ኮይንካስ በዚ ጠምዩ፥ደኺሙ     ዘሎ ሰብነትካ እዘን ኣእማን ሕብስተ ሕይወት፥ሕብስተ መድሓኒት ይኹና በል"ምባሉ ዘመክት እዩ። ጐይታ ድማ ነዚ÷"ሰብ ዝድኅን ኣካላዊ ቃል ብዝተወሃሃዶ ሥጋ ደኣ እምበር፥ብናይ ዕሩቕ ብእሲ ሥጋ (ብናይ ተራ ሰብ ሥጋ)ጥራይ ኣይኮነን"ዚብል ጽሑፍ ኣሎ ኢሉ ናይ ምምላሱ ዘመልክት እዩ።ከምዚ ጌሩ"ብስስዕቲ"እንተ መጽኦ ብትዕግስቲ ሰዓሮ(ማቴ4፥1-3)።

ሽዑ ንካልኣይ ግዜ ደጊሙ ከኣ ናብታ ቅድስቲ ከተማ (ኢዮሩሳሌም)ወሲዱ፥"ኣብ ላዕላይ ጫፍ ቤት መቕደስ ኣቖሞ። ሓደ’ውን በቲ ናይ መጀመርታ ዘቕረበሉ ፈተና ምስተሳዕረን ዘይኮነሉ ምዃኑ ምስ ፈለጠን ቀጺሉ ካልኣይ ግዜ"ብትዕቢት" ክፍትኖ ደለየ እሞ፥ብሓሳቡ"ንካህናት ፈቲነ ስዒረሉ ኣብ ዘይፈልጥ ገዳም ስለዝኾነ እዩ እምበር፥ንካህናት ኣብ ዝስዕረሉ ቤተ መቕደስ እንተዝኸውን ደኣ መዓስ ምስዓረኒ"በለ።እዚ ከኣ  ካህናት ኣእምሮና ዓሚቕ፥መዓርግና ምጡቕ (ልዑል) እዩ"ብምባር ጾሮም ዕቢት ስለዝኾነ እዩ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ፥ሓሳቡ ፈሊጡ ናብ ኢዮሩሳሌም ብምዃድ ናብ ላዕለዋይ ጫፍ እቲ መቕደስ ወጽኣሉ።ሽዑ ኃይሉ ንምግምጋም ኢሉ እዩ÷"ወዲ እግዚአብሔር እንተ ድኣ ኮይንካስ፥እግርኻ ብእምኒ ከይትዕንቀፍ በእዳዎም ክጾሩኻ፥ንመላእኽቱ ምእንታኻ ይእዝዞም'ዚብል ጽሑፍ ኣሎ እሞ፥እስከ ንታሕቲ ጽደፍ"በሎ። ካልእ ኣብዚ ዝነበረ ስውር ተንኮሉ ድማ፥"በዚ ጸዲፉ እንተተሰብረ ይዓርፍ'፥እንተዘይተሰብረ ድማ ምትኃት እዩ ከብሎ (ምትኃት እዩ ከም ዝብልዎ ክገብር) እየ።  ካልእ ከኣ እንተገበሮ ናይ ሰይጣን ተኣዛዚ፥እንተዘይገበሮ ድማ ድኹም ከብሎ ። (ዘይገበሮ ድኹም ስለ ዝኾነ እዩ ከም ዝብልዎ ክገብር) እየ'በዚ ነገር እንተኾነውን ንድኻሙ ምኽንያት ጌይረ ይቐርቦ እንተዘይኮነ ግን ብኻልእ መንገዲ ድማ ይፍትኖ" ዝብል ነበረ። ጐይታ ከኣ፥ነቲ እቲ ፈታኒ ዘቕረቦ ጽሑፍ፥ብጽሑፍ መሊሱ÷'ንእግዚአብሔር ኣምላኽካ ኣይትፈታተኖ። 'ዚብል ጽሑፍ እውን ኣሎ" ብማለት ኣሕፈሮ። ከምዚ ኢሉ ብትዕቢት ንዝመጽኦ ብትሕትና ስዓሮ። (ማቴ4፥4-6)።

ሳልሳይ ግዜ ከም ብሓድሽ ናብ ኣዝዩ ነዊሕ እምባ ወሲዱ፥"መንግሥትታት ኩሉ ዓለምን ክብሮምን ኣርኣዮ እሞ፥"ተደፊእኻ እንተ ሰገድካለይ  እዚ ኹሉ ክኅበካ እየ" በሎ።ኣብ ኩሉ" ወሰዶ ወሰዶ"ማለቱ ተገዲዱ ምዃዱ ዘመልክት ኣይኮነን፥ሓሳቡ ንምርኣይ ባዕሉ ስለዝኸደሉ እዩ።ንሱ እቲ ፈታኒ በቲ ዘቕረቦ ካልኣይ ፈተና’ውን ምስ ሓፈረን ምስ ተሳዕረን፥ ንነገሥትታት ክስዕረሉ ኣብ ዘይክእል ኣብ ቤተ መቕደስ ስለዝኮነ እምበር፥ ነገሥትታት ኣብ ዝስዓርሉ ኣብ እምባ (ብስልጣንን ፍቕሪ ገንዘብን) እንተዝኸውን ደኣ መዓስ ምስዓረኒ ስለዝበለ፥ጐይታ ድማ ሓሳቡን ፍቕዱን ፈሊጡ ከደሉ። ኣብኡ ከኣ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ መንግሥትታት ኩሉ ዓለምን ኩሉ ኣብ ዓለም ዘሎ ክብርታቱን ኣርእዩ፥"ተደፊእኻ እንተ ሰገድካለይ እዚ ኩሉ ኽኅበካ እየ"በሎ። ንጉሥ ብመንግኅቱ ሰብኣይ ድማ ብሰበይቱ ከም ዝቐንኡ፥እግዚአብሔር ኣምላኽ እውን  ብኣምላኽነቱ ቀናእ ስለዝኾነ ። ዘጽ.20፥3-5 )። ሽዑ ጐይታ" ንእግዚአብሔር ኣምላኽካ ስገድ፥ንዕኡ በይኑ ድማ ኣምልኽ'ዚብል ጽሑፍ ኣሎ እሞ ኪድ ሰይጣን"ኢሉ ገሰጾን ኣባረሮን። (ማቴ4፥7-10)። ሓደ’ውን፥ካብቶም ደድሕረይ ዝስዕቡ ምእመናን ርሓቕ ማለቱ እዩ። ድሕሪ’ዚ ድያብሎስ ርሓቕ ምስ በሎ፥ ከም ትኪ በኒኑ ጠፍአ። ኣብዚ’ውን ብፍቕሪ ገንዘብ እንተፈተኖ ገንዘብ ብምጽላእ ሰዓሮ። ጐይታ ንድያብሎስ ዝሰዓሮ ብሰብነቱ እምበር ብኣምላኽነቱ ኣይነበረን።ብኣምላኽነቱ ስዒርዎ እንተዝኸዉን ጾሙ ዝድነቕ ኣይምኾነን ኔሩ። ብኃይሉ ምስ ኣምላኽ ክማዓራረ ዝኽእል ኣካል’ውን የልቦን።

እዚ ጾም እዚ ጐይታ ዝጾሞ ጾም ምዃኑ ርኢና፥ኮይኑ ግና" ሎቱ ስብሐት"ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጾሞ፥ከምቲ ንሕና ኃጢኣት ኃልዩና ሥርየት ክንረኽበሉ፥ ትሩፋተ ጽድቂ ክኾነና፥ ክንባረኽ፥ ክንቅደሰሉ ኢልና እንጾሞ ዘይኮነ ንዓና ኣርኣያን ስሌናን ዝጾሞ እዩ። ብዛዕባዚ ኣቐዲሙ÷"ኩሎም ካብ ኣምላኽ ዝተማኃሩ ኪኾኑ እዮም። "ተባኂሉ ትንቢት ተነጊሩ እዩ። ኢሳ.54፥13። ዮሓ.6፥45/) ረኣ። ካልእ ጐይታ ባዕሉውን "ካባይ ተምኃሩ። "ኢሉ ኣሎ:: (ማቴ11፥29)።
መምህር ብቃልን ብግብርን ክምህር ይግባእ።ብሓፈሻ ሓደ ክርስትያን እየ ዝብል ነዚ ክልተ ማለት ቃልን ተግባርን ከም ነፍስን ሥጋን ኣዋሃሂዲ ዝሓዘ ክኸውን ይግባእ። ጐይታ"እምበኣርሲ ካብዘን ናእሽቱ ትእዛዛት ሓንቲ ዘፍረሰ፥ከምኡውን ንሰብ ዝመኃረ፥ኣብ መንግሥተ ሰማያት ንእሽቶ ክበኃል እዩ።እናፈጸመ ዝምህር ግና፥ኣብ መንግሥተ ሰማያት ዓቢይ ኪበኃል እዩ"ዝበሎ ምእንቲ’ዚ እዩ። (ማቴ,5፥19)። ጐይታ ዝጾሞ እምበኣር ብኹሉ ንዓና ኣርኣያ ንምኻንን ስሌናን እዩ።ብግብሪ ዝጾሞ እዚ  ጾም እዚ እዩ፥ብቃል ድማ÷"እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓይነት ርኹስ መንፈስ ግና ብጸሎትን ብጾምን እንተ ዘይኮኑ ኣይወጽእን እዩ። "ኢሉ ናይ ጾም ጥቕምን ዕብየትን ምኂሩ ኣሎ።(ማቴ17፥14-21)።ንሕና ድማ ናቱ ሰዓብቲ፥ ኣባጊዑ ስለዝኾና ብዝኃበና ትምህርትን ኣርኣያነትን መሠረት ጌርና ንጾሞ። ከመይሲ÷"እተን ኣባጊዑ’ውን ድምጹ ይስምዓ እየን፥ድምጹ ስለዘለልያ ድማ ይስዕቦ። "ተባኂሉ ዝተነግረ እዩ። (ዮሓ.10፥2-4)። ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ፥"ከምቲ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘለኹ፥ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ። " ዝበሎ’ውን ነዚ ዘጉልሕ ቃል እዩ። (1ይቆሮ11፥1)።
  ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስሌና፥ ንዓና ኣርኣያን ትምህርትን ዝጾሞ ጾም እዩ ክንብል ከሎና÷
v ስሌና  

ጐይታ ስሌና 40 መዓልትን 40 ለይትን ጾይሙ እቲ ፈታኒ(ዲያብሎስ) መጺኡ በቶም 3ተ ኣርእስተ ኃጣውእ ማለት ብስስዕቲ፥ብትዕቢት ብፍቕሪገንዘብ ምስፈተኖ፥ ብስስዕቲ ንዝመጾ _ብትዕግስቲ፡
      ብትዕቢት ንዝመጾ   _ብትሕትና፡
      ብፍቕሪ ገንዘብ ንዝመጽኦ ድማ_ ብመንኖ ጥሪት
      (ገንዘብ ብምጽላእ)ንጸላኢና ኣሕፊሩ ዝሰዓረልና  እዩ
v ኣርኣያነቱን ትምህርቱን ድማ÷
    ጐይታ ባዕሉ "ኣጀኹም ንዓለም ማለት ንዓለምን ፍትወታን ስዒረያ እየ። "ከም ዝበሎ። (ዮሓ.16፥ 33።እዚ ኣርባዓ ጾም ጐይታ ዝጾሞ እዩ ኢልካ  ብኣድናቖት ጥራይ ዝሕለፍ፡ወይ’ውን ምንም ከይሠራሕካ ጐይታ ምእንታይ ንድያብሎስ ምስዓሩ ኣኻሊ እዩ ዝበኃል ዘይኮነስ፥ብ3ተ ኣርእስተ ኃጣውእ ተፈታቲኑኒ ከምዚ ጌረ ከም ዝሰዓርክዎ፥ንዓኻትኩም እውን ከምዚ ንድያብሎስ እትቃወምዎን ትስዕርዎን ንትዕግስቲ፥ ትሕትና፥ መንኖ ጥሪት ገንዘብኩም እንተ ደኣ ጌርኩም ስለዝኾነ፥እንሆ ሰብ ኮይነ፥ብኹሉ ንዓኹም መሲለ። (እብ2፥16) መንገዲ ሂበኩምን ኣርኣያ ኮይነኩምን ኣለኹ ዝብል ስለዝኾነ እዩ። ኩሉ ምንጪ ክፍኣት በዞም 3ተ ኣርእስተ ኃጣውእ እዩ ዝጅምር።ስለዝኾነ ወዲ ሰብ ካብዞም 3ተ ኣርእስተ ኃጣውእ እንተ ደኣ ተሓልዩ ብኻልእ ኣይስዓርን እዩ።
ጐይታ ከምዚ ጌሩ ጾም ንኃይሊ ድያብሎስ እነዳኽመሉ መንፈሳዊ ኃይሊን መሳርያን ምዃኑ የምኅረና።
v ካልእ÷ጐይታ 40 መዓልትን 40 ለይትን ክጸውም እንከሎ፥ቅድሚ ትምህርተ ወንጌልን ገቢረ ተኣምርን ምጅማሩ ንጾም ቀዳምነት ኂቡ እዩ።
በዚ ከኣ÷ከምቲ መብልዕ ንኃጢኣት መንገዲ ዝኾነን ዝኸውንን፥ከምኡ"ጾም"ድማ ናይ ጽድቂ ኹሉ መሠረትን መጀመርታ መንገድን ምዃኑ ሚኂሩና። "ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዝወጽእ ኹሉ ቃል ደኣ እምበር ብእንጌራ ጥራይ ከም ዘይነብርውን ብግልጺ ነገረና። ከምኡ’ውን ንኣዳም ዝተዋኅበት ናይ መጀመርታ ሕጊ " ጾም " ምንባራ እሞ መሊሱ ከም ዘጽንዓ ከረድኣና እዩ። ……ወዘተረፈ…።ሓደ’ውን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጾመ፥ምስ ጾመውን ጠመየ ዝበሎ " ለአጽድቆተ ትሥብእት " ማለት ፍጹም ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ከምዝኾነን ወልደ አብ ብመለኮቱ ወልደ ማርያም ብትሥብእቱ ብተዋህዶ ዝኸበረ ኣምላኽን ሰብን ምዃኑ ንኸመልክት እዩ። እምበኣር ናይ ጾም ኣድላይነት ክሳዕ ክንድዚ ዓብይን ሓጋዝን ምዃኑ ተረዲእና ኣብ ግዜ ወርሓት ጾም ክንተግህን ክንነቕሓሉን ይግባእ።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ነዚ ንምፍጻም የብቅዓና ።

ይቅጽል………….

                                                         ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

                                                           ወለወላዲቱ ድንግል።

                                                          ወለመስቀሉ ክቡር።

ዲን. ዓንደማርያም

Comments are closed.